ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣባላት እቲ ሕሩይ ህዝቢ ኣምላኽ ኰይኖም ተወልዱ

ኣባላት እቲ ሕሩይ ህዝቢ ኣምላኽ ኰይኖም ተወልዱ

ኣባላት እቲ ሕሩይ ህዝቢ ኣምላኽ ኰይኖም ተወልዱ

“እግዚኣብሄር ኣምላኽካ: . . . ህዝቡ ኽትኰኖ ሐረየካ።” —ዘዳግም 7:6

1, 2. የሆዋ ንህዝቡ እንታይ ሓያል ተግባራት እዩ ዝገበረሎም፧ እስራኤላውያንከ ምስ ኣምላኽ እንታይ ርክብ እዮም ዝመስረቱ፧

 ብ1513 ቅ.ክ. የሆዋ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ኣገልገልቱ ምስኡ ሓድሽ ርክብ ከም ዚምስርቱ ገበረ። በታ ዓመት እቲኣ: ንሓንቲ ሓይሊ ዓለም ኣዋሪዱ: ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ሓራ ኣውጽኦም። ከምዚ ብምግባር ከኣ: መድሓኒኦምን ዋናኦምን ኰነ። ኣምላኽ ነዚ ስጕምቲ እዚ ቕድሚ ምውሳዱ: ንሙሴ ኸምዚ በሎ:- “ንደቂ እስራኤል በሎም፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ: ካብ ትሕቲ እቲ ኸቢድ ዕዮ ግብጻውያን ከውጽኣኩም እየ: ካብ ባርነቶም ከኣ ሓራ ኸውጽኣኩም እየ: ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓበይቲ ፍርድታትን ከድሕነኩም እየ። ህዝበይ ክትኰኑ ድማ እወስደኩም: ኣምላኽ ከኣ እዀነኩም።”—ዘጸኣት 6:6, 7፣ 15:1-7, 11

2 እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጻኦም ነዊሕ ከይጸንሐ: ምስ የሆዋ ኣምላኽ ኪዳን ተኣታተዉ። ስለዚ: የሆዋ ርክቡ ምስ ውልቀ-ሰባት: ስድራቤታት: ወይ ማይ ቤት ኣብ ክንዲ ዚገብር: ኣብ ምድሪ እተወደበ ህዝቢ ኺህልዎ ጀመረ። (ዘጸኣት 19:5, 6፣ 24:7) ንህዝቡ ኣብ ማሕበራዊ ስርዓቶም: ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ኣብ ኣምልኾኦም መምርሒ ዚዀኖም ሕግታት ሃቦም። ሙሴ ኸምዚ በሎም:- “ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብእንጽውዖ ዘበለ ዚቐርበና: ከምኡ ኣምላኹ ዚቐርቦ: ኣየናይ ዓብዪ ህዝቢ እዩ፧ ከምዚ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ዘንብረልኩም ዘሎኹ ዅሉ ሕጊ: ከምኡ ቅኑዕ ሕጋጋትን ፍርድታትን ዘለዎኸ: ኣየናይ ዓብዪ ህዝቢ እዩ፧”—ዘዳግም 4:7, 8

ኣባላት እቲ ብመሰኻኽር ዝቘመ ህዝቢ ዀይኖም ተወልዱ

3, 4. እስራኤላውያን ከም ህዝቢ ዝቘሙሉ ኣገዳሲ ምኽንያት እንታይ እዩ ነይሩ፧

3 ሓያሎ ዘመናት ጸኒሑ: የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን ከም ህዝቢ ዀይኖም ዝቘሙሉ ኣገዳሲ ምኽንያት ኣዘኻኸሮም። ኢሳይያስ ከምዚ በለ:- “ኣታ ያእቆብ: እቲ ዝፈጠረካ: ኣታ እስራኤል ድማ: እቲ ዝደኰነካ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፤ ተበጅየካ እየ እሞ: ኣይትፍራህ: ብስምካ ጸዋዕኩኻ: ንስኻ ናተይ ኢኻ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ: እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ: መድሓኒኻ እየ እሞ: . . . ነወዳተይ ካብ ርሑቕ: ነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ: ነቲ ብስመይ እተጸውዔ ዘበለ ዅሉን ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክዎን ኣምጽኣዮ: . . . ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹም: . . . እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ ምስጋናይ ኬዘንቱ እዩ።”—ኢሳይያስ 43:1, 3, 6, 7, 10, 21

4 እስራኤላውያን ብስም የሆዋ ዚጽውዑ ህዝቢ ስለ ዝነበሩ: ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ንልዑላውነቱ መሰኻኽር ኰይኖም እዮም ዜገልግሉ ነይሮም። ‘ንኽብሪ የሆዋ እተፈጥሩ’ ህዝቢ እዮም ነይሮም። ‘ምስጋና የሆዋ ኼዘንትዉ:’ ነቲ ዜደንቕ ተግባራት ምድሓኑ ኺትርኹ: ብእኡ ኣቢሎም ድማ ንቕዱስ ስሙ ኽብሪ ኼምጽኡ ነይርዎም። ብሓጺሩ: ንየሆዋ መሰኻኽሩ ዝዀኑ ህዝቢ እዮም ነይሮም።

5. እስራኤላውያን እተወፈዩ ህዝቢ ዝነበሩ ብምንታይ መዳያት እዮም፧

5 የሆዋ ንእስራኤል እተፈልየ ህዝቢ ኸም ዝገበሮ: ኣብ መበል 11 ዘመን ቅ.ክ. ንጉስ ሰሎሞን ሓበረ። ናብ የሆዋ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎት: “ካብ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ርስትኻ ኪዀኑ: ንስኻ ፈሊኻዮም ኢኻ” በለ። (1 ነገስት 8:53) ውልቀ-ሰባት እስራኤላውያን እውን ምስ የሆዋ ፍሉይ ርክብ ነበሮም። ኣቐድም ኣቢሉ: ሙሴ “ንስኻትኩምሲ ደቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኢኹም። . . . ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ እተቐደሰ ህዝቢ ኢኻ” በሎም። (ዘዳግም 14:1, 2) ስለዚ: መንእሰያት እስራኤላውያን ህይወቶም ንየሆዋ ኺውፍዩ ኣየድልዮምን እዩ ነይሩ። ኣባላት እቲ እተወፈየ ህዝቢ ኣምላኽ ኰይኖም እዮም ተወሊዶም። (መዝሙር 79:13፣ 95:7) ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ወለዶ: ሕግታት የሆዋ ይመሃር: ከምኡውን እስራኤላውያን ኣቐዲሞም ምስ የሆዋ ዝኣተውዎ ኺዳን ስለ ዝነበረ እቲ ወለዶ ነቲ ሕግታት ኪሕልዎ ግዴታ ነበሮ።—ዘዳግም 11:18, 19

ዝደለይዎ ኺሓርዩ ናጻ ነበሩ

6. ውልቀ-ሰባት እስራኤላውያን እንታይ ምርጫ እዮም ኪገብሩ ዝነበሮም፧

6 እስራኤላውያን ኣባላት እቲ እተወፈየ ህዝቢ ዀይኖም ዚውለዱ እኳ እንተ ነበሩ: ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ግን ንኣምላኽ ንምግልጋል ብሕታዊ ውሳነ ኺገብር ነበሮ። ናብታ ምድሪ ተስፋ ቕድሚ ምእታዎም: ሙሴ ኸምዚ በሎም:- “ህይወትን ሞትን: በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘሎኹ: ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዔ አሎኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር: ህይወት ሕረ። ንሱ ህይወትካን ምናሕ ዕድሜኻን እዩ እሞ: ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትካ: ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን: ኪህቦም ዝመሐለሎም ምድሪ ኽትነብርሲ: ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ: ቃሉ ድማ ስማዕ ናብኡውን ልገብ።” (ዘዳግም 30:19, 20) ስለዚ: እስራኤላውያን ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ንየሆዋ ንኼፍቅሩ: ቃሉ ንኺሰምዑ: ከምኡውን ናብኡ ንኺለግቡ ኺሓርዩ ነበሮም። እስራኤላውያን ናይ ምምራጽ ናጽነት ስለ ዝነበሮም: ሳዕቤን እቲ ምርጫኦም ኪስከሙ ነበሮም።—ዘዳግም 30:16-18

7. እቲ ብግዜ እያሱ ዝነበረ ወለዶ ምስ ሞተ እንታይ ኰነ፧

7 ሳዕቤን ተኣማንነትን ዘይተኣማንነትን ብግዜ መሳፍንቲ ጽቡቕ ጌርካ ተራእዩ እዩ። ቀቕድሚ እቲ እዋን እቲ: እስራኤላውያን ነቲ እያሱ ዝገደፈሎም ሰናይ ኣብነት ይስዕቡ ነበሩ: በዚ ድማ ተባረኹ። “እቶም ህዝቢ ድማ: ብዅሉ ዘበን እያሱን ብዅሉ ዘበን እቶም ብድሕሪ እያሱ ነዊሕ ዝጸንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገበረሎም ዓብዪ ግብሪ ዝረአዩ ዓበይትን: ንእግዚኣብሄር ኣገልገልዎ።” እንተዀነ: እያሱ ድሕሪ ሙማቱ እተወሰነ እዋን ጸኒሑ: “ንእግዚኣብሄርን ነቲ ንሱ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብሪ ዘይፈልጥ ካልእ ወለዶ ተንስኤ። ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ።” (መሳፍንቲ 2:7, 10, 11) እቶም ተመክሮ ዘይነበሮም ሓድሽ ወለዶ: ከም ኣባላት እቲ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ሓያል ተግባራት ዝፈጸመሎም እተወፈየ ህዝቢ መጠን ዝነበሮም ውርሻ ኣኽቢሮም ከም ዘይረኣይዎ ግሁድ እዩ።—መዝሙር 78:3-7, 10, 11

ምስ ወፈያኦም ተሰማሚዖም ምንባር

8, 9. (ሀ) እስራኤላውያን ንየሆዋ ዘለዎም ወፈያ ንኼርእዩ ኣጋጣሚ ዝኸፈተሎም እንታይ ስርዓት ነበሮም፧ (ለ) እቶም መስዋእቲ ፍቓድ ዜቕርቡ እንታይ እዮም ዚረኽቡ፧

8 የሆዋ ንህዝቡ ምስቲ ብህዝቢ ደረጃ ዝገበርዎ ወፈያ ተሰማሚዖም ንኺነብሩ ኣጋጣሚታት ሂብዎም እዩ። ንኣብነት: ኣብ ሕጉ ንመስዋእቲ ወይ ንመባእ ዚምልከት ስርዓት ነይሩ፣ ገለ ኻብዚ ናይ ግድን ኪኸውን ከሎ: ገሊኡ ግን ብፍቓድ ዚቐርብ ነበረ። (እብራውያን 8:3) ገለ ኻብዚ መስዋእትታት እዚ: እቲ ሞገስ የሆዋ ንምርካብን ምስጋና ንምግላጽን ብፍቓድ ንዕኡ ዚቐርብ ዝነበረ ዚሓርር መስዋእቲ: መስዋእቲ ብልዒ: ከምኡውን መስዋእቲ ምስጋና ይርከቦ።—ዘሌዋውያን 7:11-13

9 እዚ መስዋእትታት ፍቓድ ንየሆዋ ባህ የብሎ ነበረ። ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን “ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና” ምንባሩ ተገሊጹ ኣሎ። (ዘሌዋውያን 1:9፣ 2:2) ኣብ መስዋእቲ ምስጋና: ደምን ስብሕን እቲ እንስሳ ንየሆዋ ኺስዋእ ከሎ: ገለ ኽፋል እቲ ስጋ ኸኣ እቶም ካህናትን እቲ መስዋእቲ ዜቕርብ ሰብን ይበልዕዎ ነበሩ። ስለዚ: ምስ የሆዋ ሰላማዊ ርክብ ከም ዘሎ ዜመልክት ምሳልያዊ መኣዲ እዩ ነይሩ። እቲ ሕጊ “ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ምስ እትስውኡ: ባህ ከም ዜብሎ ጌርኩም ሰውኡ” ይብል ነበረ። (ዘሌዋውያን 19:5) ኵሎም እስራኤላውያን ብውልደት ንየሆዋ እተወፈዩ እኳ እንተ ነበሩ: እቶም መስዋእቲ ፍቓድ ብምቕራብ ንወፈያኦም ትርጕም ዘለዎ ዚገብርዎ ግን: የሆዋ ብኣታቶም ‘ባህ ይብሎ:’ ብዙሕ በረኸት እውን ይረኽቡ ነበሩ።—ሚልክያስ 3:10

10. የሆዋ ነቶም ብግዜ ኢሳይያስን ብግዜ ሚልክያስን ዝነበሩ ህዝቢ ኸም ዘይሕጐሰሎም ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧

10 ይኹን እምበር: እቲ እተወፈየ ህዝቢ እስራኤል ብተደጋጋሚ ንየሆዋ ተኣማንነቱ ኣፍረሰ። የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ: “ገንሸል መስዋእቲ ምሕራርካ ኣየቕረብካለይን: ብመስዋእትታትካ ድማ ኣየኽበርካንን: ብመስዋእቲ ብልዒ ኣየትዐብኩኻን” በሎም። (ኢሳይያስ 43:23) ብዘይካዚውን: እቲ ብፍታውን ብፍቕርን ዘይግበር መስዋእቲ: ኣብ ዓይኒ የሆዋ ዋጋ ኣይነበሮን። ንኣብነት: ድሕሪ ኢሳይያስ ሰለስተ ዘመን ዚኸውን ጸኒሑ: ብግዜ ሚልክያስ: እስራኤላውያን ጐደሎ እንስሳታት ንየሆዋ ሰውኡ። ስለዚ: ሚልክያስ ከምዚ በሎም:- “ኣነ ኣይሕጐሰልኩምን: ካብ ኢድኩምውን ገለ መስዋእቲ ኣይቅበልን እየ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። . . . እተዘምተን ሓንካስን ሕሙምን ተምጽኡ: ከምኡ ጌርኩም መስዋእቲ ተቕርቡ። እሞኸ ነዚዶ ኻብ ኢድኩም ክቕበሎ እየ፧ ይብል እግዚኣብሄር።”—ሚልክያስ 1:10, 13፣ ኣሞጽ 5:22

ከም እተወፈየ ህዝቢ መጠን ተነጽጉ

11. ንእስራኤላውያን እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ተኸፊቱሎም ነይሩ፧

11 ኣብቲ እስራኤላውያን ንየሆዋ እተወፈየ ህዝቢ ዝዀኑሉ እዋን: “ሕጂ ድማ ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም: ኪዳነይውን እንተ ሐሎኹም: ኵላ ምድሪ ናተይ እያ እሞ: ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም። ንስኻትኩም ድማ መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኰኑኒ ኢኹም” ኢሉ መብጽዓ ኣተወሎም። (ዘጸኣት 19:5, 6) እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲህ ካብ መንጎኦም ኪመጽእ: ኣባላት መንግስቲ ኣምላኽ ንኪዀኑ ድማ ፈለማ ንዓታቶም ኣጋጣሚ ኪኸፍተሎም ነበሮ። (ዘፍጥረት 22:17, 18፣ 49:10፣ 2 ሳሙኤል 7:12, 16፣ ሉቃስ 1:31-33፣ ሮሜ 9:4, 5) መብዛሕትኦም ህዝቢ እስራኤል ግን ምስ ወፈያኦም ተሰማሚዖም ኣይተመላለሱን። (ማቴዎስ 22:14) ነቲ መሲህ ኣይተቐበልዎን: ኣብ መወዳእታ ድማ ቀተልዎ።—ግብሪ ሃዋርያት 7:51-53

12. የሱስ እተዛረቦ እንታይ ሓሳባት እዩ: እስራኤላውያን ከም እተወፈየ ህዝቢ የሆዋ መጠን ከም እተነጽጉ ዜርኢ፧

12 የሱስ ካብቲ ዝሞተሉ ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ: ንመራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ: “እቶም ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ: ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ: እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ: ኣብ ኣዒንትናውን ግሩም እዩ: ዚብል ጽሑፋትዶ ከቶ ኣየንበብኩምን፧ ስለዚ ድማ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድ: ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢውን ክትውሀብ እያ: እብለኩም አሎኹ” በሎም። (ማቴዎስ 21:42, 43) የሱስ: የሆዋ ንእስራኤላውያን ንዕኡ ኸም እተወፈዩ ህዝቢ መጠን ከም ዝነጸጎም ንምሕባር: “የሩሳሌም: የሩሳሌም: ኣቲ ንነብያት እትቐትሊ: ነቶም ናባኺ እተላእኩ ብእምኒ እትጭፍልቒ: ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም: ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ አቤኹም። . . . እንሆ: ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ” በለ።—ማቴዎስ 23:37, 38

ሓድሽ እተወፈየ ህዝቢ

13. ብግዜ ኤርምያስ: የሆዋ እንታይ ትንቢት እዩ እተነበየ፧

13 ብግዜ ነብዪ ኤርምያስ: የሆዋ ብዛዕባ ህዝቡ ሓደ ሓድሽ ነገር ተነበየ። ከምዚ ዚብል ድማ ነንብብ:- “እንሆ: ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝአትወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን: ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ኻብ ሃገር ምስሪ ብኢዶም ሒዘ ኸውጽኦም ከሎኹ: ምስ ኣቦታቶም ዝአቶኽዎ ኺዳን ኣይኰነን። ኣነ ጐይታኦም ክነሰይሲ: ንሳቶም ነቲ ኺዳን ኣፍረስዎ: ይብል እግዚኣብሄር። ድሕሪ እዘን መዓልትታት እዚኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝአትዎ ኺዳንሲ እዚ ደኣ እዩ፤ ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፎ: ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ: ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም: ይብል እግዚኣብሄር።”—ኤርምያስ 31:31-33

14. እቲ ሓድሽ እተወፈየ ህዝቢ ኪቐውም ዝኸኣለ መዓስን ብምንታይ መሰረትን እዩ፧ መንነት እቲ ሓድሽ ህዝቢ ግለጽ።

14 የሱስ ምስ ሞተን ድሕሪኡ ዋጋ እቲ ዝፈሰሰ ደሙ ብ33 ድ.ክ. ናብ ኣቦኡ ምስ ኣቕረቦን መሰረት እዚ ሓድሽ ኪዳን እዚ ተነብረ። (ሉቃስ 22:20፣ እብራውያን 9:15, 24-26) ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. መንፈስ ቅዱስ ምስ ፈሰሰን “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ዚበሃል ሓድሽ ህዝቢ ምስ ተወልደን: እቲ ሓድሽ ኪዳን ኪዓዪ ጀመረ። (ገላትያ 6:16፣ ሮሜ 2:28, 29፣ 9:6፣ 11:25, 26) ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ኪጽሕፍ ከሎ ኸምዚ በሎም:- “ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ: ሕሩይ ወለዶ: ናይ መንግስቲ ኽህነት: ቅዱስ ህዝቢ: ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም። ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩም: ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም።” (1 ጴጥሮስ 2:9, 10) እቲ ኣብ መንጎ የሆዋን ብስጋ እስራኤላውያንን ዝነበረ ፍሉይ ርክብ ኣኽተመ። ብ33 ድ.ክ. ሞገስ የሆዋ ኻብ ምድራዊ እስራኤል ናብ መንፈሳዊ እስራኤል: ማለት ናብታ ‘ፍረ መሲሓዊት መንግስቲ ንዚፈሪ ህዝቢ’ ዝሓቘፈት ክርስትያናዊት ጉባኤ ሰገረ።—ማቴዎስ 21:43

ብውልቂ ዚግበር ወፈያ

15. ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ.: ጴጥሮስ ንሰማዕቱ ብኸመይ ኪጠመቑ እዩ እተማሕጸኖም፧

15 ድሕሪ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ.: ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ: ኣይሁዳዊ ይኹን ካብ ኣህዛብ ብዘየገድስ: ንኣምላኽ ብብሕቱ ርእሱ ኺውፊ: “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ከኣ ኪጥመቕ ኣለዎ። a (ማቴዎስ 28:19) ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ: ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ነቲ መልእኽቱ እተቐበልዎ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን “ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ: ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም” በሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:38) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ህይወቶም ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩ ጥራይ ዘይኰነስ: የሆዋ ሓጢኣቶም ዚሓድገሎም ብየሱስ ኣቢሉ ኸም ዝዀነ ምቕባሎም እውን ብጥምቀት ኣቢሎም ኬርእዩ ነበሮም። ንየሱስ ከም ሊቀ ኻህናት የሆዋን ርእሲ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀነ መራሒኦምን መጠን ኣፍልጦ ኺህቡሉ ነበሮም።—ቈሎሴ 1:13, 14, 18

16. ብግዜ ጳውሎስ: ቅኑዕ ዝልቦም ኣይሁድ ኰኑ ኣህዛብ ብኸመይ እዮም ክፍሊ መንፈሳዊ እስራኤል ዚዀኑ ዝነበሩ፧

16 ዓመታት ጸኒሑ: ሃዋርያ ጳውሎስ “ምእንትዚ ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ እናገበሩ ኺንስሑን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱን: ቅድም ኣብ ደማስቆን ኣብ የሩሳሌምን: ደሓር ከኣ ኣብ ኵላ ሃገር ይሁዳ ንዚነብሩን ነህዛብን ብስራት ኣበሰርኩ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 26:20) ጳውሎስ ንኣይሁድ ኰነ ንኣህዛብ: የሱስ እቲ ክርስቶስ ወይ መሲህ ምዃኑ ምስ ኣእመኖም: ርእሶም ኪውፍዩን ኪጥመቑን ይሕግዞም ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:14, 15, 31-33፣ 17:3, 4፣ 18:8) እቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ናብ ኣምላኽ ብምምላስ: ኣባላት እቲ መንፈሳዊ እስራኤል ይዀኑ ነበሩ።

17. እንታይ ናይ ምሕታም ዕዮ እዩ ኺዛዘም ቀሪቡ ዘሎ፧ እንታይ ካልእ ዕዮኸ እዩ ዚቀላጠፍ ዘሎ፧

17 ሎሚ: እቲ ናይ መወዳእታ ምሕታም እቶም መንፈሳውያን እስራኤል ቀሪቡ እዩ። እዚ ምስ ተዛዘመ: እቶም ንንፋሳት ጥፍኣት እቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ሒዞምዎ ዘለዉ “ኣርባዕተ መላእኽቲ:” ኪፍንውዎ ኺምዘዙ እዮም። እዚ ኣብ ዚዀነሉ እዋን: ነቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ዘለዎም “ብዙሓት ሰብ” ናይ ምእካብ ዕዮ ይቀላጠፍ ኣሎ። እዞም “ካልኦት ኣባጊዕ” እዚኣቶም ኣብ “ደም እቲ ገንሸል” እምነት ኬርእዩ ኸምኡውን ርእሶም ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩ ንምርኣይ ኪጥመቑ ብፍቓዶም መሪጾም እዮም። (ራእይ 7:1-4, 9-15፣ 22:17፣ ዮሃንስ 10:16፣ ማቴዎስ 28:19, 20) ኣብ መንጎኦም ብዙሓት ብክርስትያን ወለዲ ዚዓብዩ ዘለዉ መንእሰያት ይርከብዎም። ንስኻ ሓደ ኻብዞም መንእሰያት እንተ ዄንካ: ነታ እትቕጽል ዓንቀጽ ንምንባብ ተገዳስነት ኪሓድረካ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 15 ግንቦት 2003 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 30-1 ተወከስ።

ድግማ

• መንእሰያት እስራኤላውያን ብብሕቶም ርእሶም ንየሆዋ ኺውፍዩ ዘይነበሮም ስለምንታይ እዩ፧

• እስራኤላውያን ምስ ወፈያኦም ተሰማሚዖም ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ብኸመይ ኬርእዩ ይኽእሉ፧

• የሆዋ ንእስራኤላውያን ብደረጃ ህዝቢ ዝነጸጎም ስለምንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ተክኦም፧

• ካብ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ንነጀው: ኣይሁድ ኰኑ ኣህዛብ ኣባላት መንፈሳውያን እስራኤል ንምዃን እንታይ ኪገብሩ ነበሮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

መንእሰያት እስራኤላውያን ኣባላት እቲ ሕሩይ ህዝቢ ኣምላኽ ኰይኖም እዮም ተወሊዶም

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ንኣምላኽ ንኼገልግል ብብሕቱ ውሳነ ኺገብር ነበሮ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

መስዋእትታት ፍቓድ: እስራኤላውያን ንየሆዋ ዘላቶም ፍቕሪ ንኼርእዩ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም ነበረ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ሰዓብቲ ክርስቶስ ብብሕቶም ርእሶም ንኣምላኽ ኪውፍዩን ነዚ ብጥምቀት ኬርእዩን ነበሮም