ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም መንእሰያት: ንየሆዋ ምግልጋል ሕረዩ

ኣቱም መንእሰያት: ንየሆዋ ምግልጋል ሕረዩ

ኣቱም መንእሰያት: ንየሆዋ ምግልጋል ሕረዩ

“ንመን ከም እተገልግሉ . . . ሎሚ ሕረዩ።” —እያሱ 24:15

1, 2. ኣብ ህዝበ-ክርስትያን እንታይ ግጉይ ዓይነት ጥምቀት እዩ ዚዝውተር፧

 ተርቱልያን ዚበሃል ጸሓፊ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ኻልኣይ ዘመን ድ.ክ. “[ቈልዑ] ንክርስቶስ ኪፈልጥዎ ምስ ከኣሉ ክርስትያናት ይኹኑ” ኢሉ ጸሓፈ። ከምዚ ኺብል ከሎ: ነቲ ኣብቲ ብግዜኡ ዝነበረ ናይ ክሕደት ክርስትና ሱር ዚሰድድ ዝነበረ ጥምቀት ናጽላ እዩ ዚቃወም ነይሩ። እቲ ኣበው ቤተ-ክርስትያን ዝነበረ ኦገስቲን: ንተርቱልያንን ንመጽሓፍ ቅዱስን ብምጽራር: ጥምቀት ንኣበር እቲ መበቈላዊ ሓጢኣት ከም ዜወግድን ከይተጠመቑ ዚሞቱ ናጽላታት ከም ዚዅነኑን ገለጸ። እቲ እምነት እቲ: ሕጻናት ብቕልጡፍ ናይ ምጥማቕ ልምዲ ኸም ዜስፋሕፍሕ ገበረ።

2 ሓያሎ ዓበይቲ ሃይማኖታት ህዝበ-ክርስትያን ክሳዕ ሕጂ ሓድሽ እተወልደ ሕጻን የጠምቓ እየን። ብዘይካዚ: ኣብ ምሉእ ታሪኽ: እቶም ገዛእትን መራሕቲ ሃይማኖትን እተን ክርስትያን ኢና ዚብላ ሃገራት ነቶም እተሳዕሩ “ኣረማውያን” ብግዲ የጥምቕዎም ነበሩ። ንናጽላ ምጥማቕን ንዓበይቲ ብግዲ ምጥማቕን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣይኰነን።

ሎሚ ብዘይ ፍቓድ እቲ ውልቀ-ሰብ ዚግበር ወፈያ ኣይዓይን

3, 4. ደቂ እቶም እተወፈዩ ወለዲ ብፍቓዶም ርእሶም ንኺውፍዩ ኺሕግዞም ዚኽእል እንታይ እዩ፧

3 ኣምላኽ ነቶም እንተ ወሓደ ሓደ እሙን ክርስትያን ወላዲ ዘለዎም ንኣሽቱ ቘልዑ: ቅዱሳት ገይሩ ኸም ዚርእዮም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:14) እዚ ግን ነዞም ውሉዳት እዚኣቶም እተወፈዩ ኣገልገልቲ የሆዋ ይገብሮም ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ይኹን እምበር: በቶም ርእሶም ንየሆዋ ዝወፈዩ ወለዲ ዚዓብዩ ቘልዑ: ብፍቓዶም ርእሶም ናብ ምውፋይ ኪመርሕ ዚኽእል ስልጠና ይረኽቡ እዮም። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ወደየ: ንትእዛዝ ኣቦኻ ሐልዎ: ንሕጊ ወላዲትካ ኸኣ ኣይትሕደጎ: . . . ትእዛዝ መብራህቲ እዩ: ሕጊ ኸኣ ብርሃን እዩ: ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ እሞ: እንተ ኸድካ: ይመርሓካ: በጥ እንተ በልካ: ይሕልወካ: እንተ ነቓሕካ ድማ: የዛርበካ።”—ምሳሌ 6:20-23

4 ክርስትያን ወለዲ ዚህብዎ መምርሒ: መንእሰያት እንተ ስዒቦምዎ: ዕቝባ ኪዀኖም ይኽእል እዩ። ሰሎሞን ከምዚ እውን ኢሉ እዩ:- “ጥበበኛ ወዲ ነቦኡ የሐጕስ: ዓሻ ወዲ ግና መጕሃይ ኣዲኡ እዩ።” “ኣታ ወደየ: ስማዕ እሞ ጥበበኛ ኹን: ንልብኻውን ብመገዲ ኣቕንዓዮ።” (ምሳሌ 10:1፣ 23:19) እወ: ኣቱም መንእሰያት: ካብ ስልጠና ወለዲ ምእንቲ ኽትጥቀሙ: ምዕዶን ምኽርን ተግሳጽን ብፍታው ክትቅበሉ ኣሎኩም። ክትውለዱ ኸለኹም ጥበብ የብልኩምን: እንተዀነ ግን ‘ጥበበኛ ኽትኰኑን’ ብፍቓድኩም ን“መገዲ ህይወት” ክትስዕቡን ትኽእሉ ኢኹም።

ምዕዶ እንታይ እዩ፧

5. ሃዋርያ ጳውሎስ ንውሉዳትን ንኣቦታትን እንታይ ምኽሪ እዩ ዝሃበ፧

5 ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣቱም ውሉድ: እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ: ንወለድኹም ብጐይታ ተአዘዝዎም። ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር: ጽቡቕ ኪዀነልካ: ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ: እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ: ኣቱም ኣቦታትውን: ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር: ኣይተዀርይዎም።”—ኤፌሶን 6:1-4

6, 7. ንውሉዳት ‘ብናይ ጐይታ ምዕዶ’ ምዕባይ እንታይ የጠቓልል፧ እዚኸ ወለዲ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ንደቆም ጽልዋ ይገብሩሎም ማለት ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

6 ክርስትያን ወለዲ ንደቆም “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ኬዕብይዎም ከለዉ: ብዘይፍትሓዊ መገዲ ንደቆም ይጸልውዎም ድዮም ዘለዉ፧ ኣይፋሉን። ወለዲ ንደቆም ቅኑዕን ብስነ-ምግባራዊ ዚጠቅምን ኢሎም ዝሓሰብዎ ነገር ብምምሃሮም መን እዩ ኺነቕፎም ዚኽእል፧ ኢዝሄራውያን ንደቆም ኣምላኽ ከም ዘየልቦ ብምምሃሮም ዚነቕፎም የልቦን። ሰዓብቲ እምነት ናይ ሮማ ካቶሊክ ንደቆም ብናይ ካቶሊክ እምነት ንኼዕብይዎም ሓላፍነት ዘለዎም ኰይኑ ይስምዖም እዩ: ከምዚ ኺገብሩ ብምጽዓሮም ከኣ ዳርጋ ዚነቕፎም የልቦን። ብተመሳሳሊ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንደቆም ኬዕብይዎም ከለዉ ንመሰረታዊ ሓቅታትን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ብዚምልከት ኣተሓሳስባ የሆዋ ንኺህልዎም ነእምሮኦም ስለ እተቘጻጸሩ: ኪኽሰሱ የብሎምን።

7 ብመሰረት እቲ ቲኦሎጂካል ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት: እታ ኣብ ኤፌሶን 6:4 “ምዕዶ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ናይ ግሪኽኛ ቃል: “ኣእምሮ ንምእራም: ጌጋ ዘበለ ንምቕናዕ: ንመንፈሳዊ ኣረኣእያ ንምምሕያሽ [ናይ] ምህቃን” መስርሕ ተመልክት። ሓደ መንእሰይ ብሰንኪ ናይ መዛኑ ጸቕጢ: ምስ መዛኑኡ ምእንቲ ኺሰማማዕ ኢሉ: ነቲ ኻብ ወለዲ ዚወሃቦ ስልጠና እንተ ተጻረረኸ፧ ኣብዚ ጐዳኢ ጸቕጢ ብምግባር መን እዩ ኺንቀፍ ዘለዎ—እቶም ወለዲዶ ወይስ እቶም መዛኑ፧ እቶም መዛኑ ነቲ መንእሰይ ሓሽሽ ንኺወስድ: ካብ መጠን ንላዕሊ ንኺሰቲ: ወይ ኣብ ርኹስ ተግባራት ንኺሳተፍ ጸቕጢ ይገብሩሉ እንተ ኣልዮም: ወለዲ ንኣተሓሳስባ ውሉዶም ኬዐርዩን ሳዕቤናት ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ኣኻይዳ ንኼስተውዕል ኪሕግዝዎን ብምፍታኖም ኪንቀፉ ግቡእ ድዩ፧

8. ንጢሞቴዎስ ‘ኣረዲእካ’ ምእማኑ: እንታይ የጠቓልል ነበረ፧

8 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ጐበዝ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሉ:- “ካብ እንመን ከም እተመሀርካ ፈሊጥካ: ነተን ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ: በቲ እተምሀርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:14, 15) ንጢሞቴዎስ ካብ ሕጻንነቱ ኣትሒዙ: ኣዲኡን ዓባዩን በቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ፍልጠት ኣቢለን ኣብ ኣምላኽ ድልድልቲ እምነት ሰሪተናሉ እየን። (ግብሪ ሃዋርያት 16:1፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:5) ጸኒሐን ክርስትያናት ምስ ኰና: ንጢሞቴዎስ ኪኣምን ኣየገደዳኦን: የግዳስ በቲ ኣብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠት እተመስረተ ዜእምን ምኽንያታት ገይረን ‘ኣረድኣኦ።’

የሆዋ ንኽትሓሪ ይዕድመካ

9. (ሀ) የሆዋ ንፍጡራቱ ዘኽበሮም ብኸመይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ንናይ ምምራጽ ናጽነቱ ብኸመይ ተጠቕመሉ፧

9 የሆዋ ንፍጡራቱ ኸም ሮቦት ገይሩ: ማለት ፍቓዱ ኺፍጽሙ ፕሮግራም እተገብሩን ናይ ርእሶም ምርጫ ኺገብሩ ዘይክእሉን ገይሩ ኺፈጥሮም ይኽእል ነይሩ። ኣብ ክንዳኡ ግን: ናይ ምምራጽ ናጽነት ብምሃብ ኣኽበሮም። ኣምላኽና ብፍታው ዚግዝእዎ ተገዛእቲ እዩ ዚደሊ። ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ ፍጡራቱ ብፍቕሪ ተደሪኾም ኬገልግልዎ ኸለዉ ባህ እዩ ዚብሎ። ንፍቓድ ኣምላኽ ብፍቕሪ ተገዛኢ ብምዃን ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት ዚኸውን: እቲ የሆዋ ባዕሉ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” ኢሉ እተዛረበሉ ሓደ ወዱ እዩ። (ማቴዎስ 3:17) እዚ በዅሪ ወዱ እዚ ንኣቦኡ “ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ: ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ” በሎ።—መዝሙር 40:8፣ እብራውያን 10:9, 10

10. ንየሆዋ ተቐባልነት ብዘለዎም መገዲ ንምግልጋል መሰረት ዚኸውን እንታይ እዩ፧

10 የሆዋ ነቶም ኣብ ትሕቲ ኣላይነት ወዱ ዜገልግልዎ ዘበሉ እውን: ንፍቓዱ ብፍታዎም ኪግዝኡ እዩ ዚጽበዮም። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብትንቢት ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “በታ ሰራዊትካ እተኽትተላ መዓልቲ ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ: ከምቲ ኻብ ከርሲ ወጋሕታ ዚመጽእ ኣውሊ ከምኡ መንእሰይካ ብልብሲ ቕድስና ይመጹኻ።” (መዝሙር 110:3) ብምሉኡ ማሕበር የሆዋ: ሰማያዊ ዀነ ምድራዊ ኽፋል: ብመሰረት እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ብፍቕሪ ተገዛኢ ብምዃን እዩ ዚዓዪ።

11. ኣብ ቅድሚ እቶም ርእሶም ብዝወፈዩ ወለዲ ዝዓበዩ መንእሰያት እንታይ ምርጫ እዩ ተነቢሩ ዘሎ፧

11 ስለዚ: ኣቱም መንእሰያት: ወለድኹም ኰኑ ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት ንኽትጥመቑ ኸም ዘየገድድኹም ክትርድኡ ኣሎኩም። ንየሆዋ ናይ ምግልጋል ባህጊ: ካባኻትኩም ኪምንጭ ኣለዎ። ጥንቲ ዝነበረ እያሱ ንእስራኤላውያን: “[ንየሆዋ] ብፍጽምናን ብእምነትን ኣገልግልዎ: . . . ንመን ከም እተገልግሉ . . . ሎሚ ሕረዩ” በሎም። (እያሱ 24:14-22) ብተመሳሳሊ: ርእስኹም ንየሆዋ ንኽትውፉዩን ፍቓዱ ንምግባር ህይወትኩም ንኽትውፍዩን ብድሌትኩም ተበጊስኩም ክትሓርዩ ኣሎኩም።

ሓላፍነትካ ምስካም

12. (ሀ) ወለዲ ንደቆም ኬሰልጥንዎም ዚኽእሉ እኳ እንተዀኑ: እንታይ እዮም ኪገብሩሎም ዘይክእሉ፧ (ለ) ሓደ ብዕድመ ንእሽቶ ዝዀነ ሰብ በቲ ዚገብሮ ምርጫታት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተሓታቲ ዚኸውን መዓስ እዩ፧

12 ኣቱም መንእሰያት: በቲ ወለድኹም ዘለዎም ተኣማንነት ዕቝባ ዘይትረኽቡሉ እዋን ይመጽእ እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:14) ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር: “እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ: ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 4:17) ከምቲ ውሉዳት ኣብ ክንዲ ወለዶም ንኣምላኽ ኬገልግሉ ዘይክእሉ: ወለዲውን ኣብ ክንዲ ውሉዳቶም ንኣምላኽ ኬገልግሉ ኣይክእሉን እዮም። (ህዝቅኤል 18:20) ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ተማሂርካ ዲኻ፧ ነቲ እተመሃርካዮ ንኽትርድኦን ምስኡ ብሕታዊ ርክብ ንኺህልወካን ኣብ እትኽእለሉ ዕድመ በጺሕካ ዲኻ፧ እምበኣር ኣምላኽ ንኸተገልግሎ ውሳነ ኽትገብር ከም እትኽእል ገይሩ እዩ ዚርእየካ ኽንብልሲ ርትዓዊ ደይኰነን፧

13. ዘይተጠምቁ መንእሰያት ንርእሶም እንታይ ሕቶታት እዮም ኪሓቱ ዘለዎም፧

13 ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እትእከብን ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ እትካፈልን ንኣምላኽ ዜምልኹ ወለዲ ዘለዉኻ ዘይተጠመቕካ መንእሰይ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ: ‘ስለምንታይ እየ ነዚ ዝገብር ዘለኹ፧ ኣብ ኣኼባታት ዝእከብን ኣብ ዕዮ ስብከት ዝሳተፍን ወለደይ ከምኡ ኽገብር ስለ ዚጽበዩኒ ድየ: ወይስ ንየሆዋ ኸሐጕስ ስለ ዝደሊ እየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ኻብ ልቢ ሕተት። “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእ ፍቓድ ኣምላኽ” እንታይ ምዃኑ መርሚርካ ኣረጋጊጽካ ዲኻ፧—ሮሜ 12:2

ስለምንታይ ከይትጥመቕ እትደናጐ፧

14. ጥምቀት ብዘይረብሕ ምኽንያት ኪደናጐ ኸም ዘይብሉ እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነታት እዩ ዜርኢ፧

14 እቲ “ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧” ኢሉ ንፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ ዝሓተቶ ኢትዮጵያዊ ሰብኣይ: የሱስ እቲ መሲህ ምዃኑ ኣብቲ ግዜ እቲ እዩ ተማሂሩ። እንተዀነ ግን: እቲ ኢትዮጵያዊ ኻብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኽፍሊ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብምዃን ንየሆዋ ኸም ዜገልግሎ ንኻልኦት ብግህዶ ኻብ ምርኣይ ኪደናጐ ኸም ዘይብሉ ንኼስተውዕል ዘኽእሎ እኹል ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ነበሮ: እዚ ድማ ብዙሕ ሓጐስ ኣምጸኣሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:26-39) ብተመሳሳሊ: “ናብቲ ጳውሎስ ዚብሎ ኸተድህብ” ልባ እተኸፍተላ ልድያ እትበሃል ሰበይቲ: ንሳ ምስ ስድራቤታ ብኡንቡኡ “ተጠምቀት።” (ግብሪ ሃዋርያት 16:14, 15) ብዘይካዚ: ኣብ ፊልጲ ዝነበረ ሓላው እሱራት ነቲ ጳውሎስን ሲላስን ዝነገርዎ “ቃል እግዚኣብሄር” ሰምዐ: ድሕሪኡ “ንሱ ምስ ኵሎም ስድራ ቤቱ ተጠምቀ።” (ግብሪ ሃዋርያት 16:25-34) ስለዚ: መሰረታዊ ፍልጠት የሆዋን ዕላማታቱን: ፍቓዱ ንኽትገብር ልባዊ ባህጊ: ከምኡውን ኣብ ጉባኤ ጽቡቕ ስም እንተ ሃልዩካ: ከምኡውን ከይበዀርካ ኣብ ኣኼባታት እትእከብን ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ እትሳተፍን እንተ ዄንካ: ስለምንታይ ኢኻ ኸይትጥመቕ እትደናጐ፧—ማቴዎስ 28:19, 20

15, 16. (ሀ) ገሊኦም መንእሰያት እንታይ ግጉይ መመኽነይታ እዩ ንኸይጥመቑ ዕንቅፋት ኪዀኖም ዚኽእል፧ (ለ) ወፈያን ጥምቀትን ንመንእሰያት ዕቝባ ኪዀኖም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

15 ገለ ኣበሳ እንተ ፈጸምኩኸ ብዚብል ሓሳብ ዲኻ ነዚ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዚ ኻብ ምውሳድ ትወላወል ዘለኻ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ሕስብ እሞ ኣብል። ሓደ መዓልቲ ሓደጋ እንተ ኣጋጠመኒ ኢልካ: ፈቓድ ምምራሕ ማኪና ንኽትረክብ ምምልካት ትሓድጎዶ፧ ኣይፋልን! ብተመሳሳሊውን: ብቕዓት እንተ ኣልዩካ: ካብ ጥምቀት ኣይተድሓርሕር። እኳ ደኣስ: ህይወትካ ንየሆዋ እንተ ወፊኻን ፍቓዱ ኽትገብር እንተ ተሰማሚዕካን: ካብ ኣበሳ ንምርሓቕ ዝከኣለካ ዅሉ ንምግባር ሓያል ድራኸ ይህልወካ እዩ። (ፊልጲ 4:13) ኣቱም መንእሰያት: ንጥምቀትኩም ብምድንጓይ ካብ ተሓታትነት ከም እተምልጡ ጌርኩም ኣይትሕሰቡ። ሓላፍነት ክትስከሙ እትኽእሉሉ ዕድመ ምስ በጻሕኩም: ተጠመቑ ኣይትጠመቑ ብዘየገድስ በቲ እትገብርዎ ነገር ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተሓተትቲ ኢኹም።—ሮሜ 14:11, 12

16 ኣብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ዚርከቡ ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብግዜ ንእስነቶም ንኺጥመቑ ዝገበርዎ ውሳነ ብዙሕ ከም ዝሓገዞም እዮም ዚኣምኑ። ንኣብነት: ኣብ ምዕራባዊ ኣውሮጳ ዚነብር ወዲ 23 ዓመት ናይ የሆዋ ምስክር እስከ ንውሰድ። ወዲ 13 ዓመት ከሎ ምጥማቑ: ብ“ትምኒት ጕብዝና” ንኸይስነፍ ጥንቁቕ ንኪኸውን ደሪኽዎ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:22) ገና ብንእስነቱ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይኑ ኼገልግል ወሰነ። ሎሚ: ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሱ የገልግል ኣሎ። ንዅሎም እቶም ንየሆዋ ኼገልግሉ ዚሓርዩ መንእሰያት: እንተላይ ንዓኻ: ብዙሕ በረኸት ይጽበየኩም ኣሎ።

17. “ፍቓድ ጐይታ” ማለት ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል ዜድሊ ኣብ ምንታይ መዳያት እዩ፧

17 ወፈያን ጥምቀትን ኣብ ኵሉ ንጥፈታትና ንፍቓድ የሆዋ ኣብ ግምት ብምእታው ምምልላስ እንጅምረሉ ህይወት እዩ። ወፈያና ምፍጻም: ‘ግዜ ምዕዳግ’ የጠቓልል። ብኸመይ ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧ ካብቲ ኸንቱ ነገራት ንምስዓብ እነሕልፎ ግዜ ወሲድና: ዕቱብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባርን ብስሩዕ ኣብ ኣኼባ ንምእካብን ብእተኻእለ መጠን ኣብ ስብከት “ወንጌል መንግስቲ” ንምስታፍን ብምውዓል እዩ። (ኤፌሶን 5:15, 16፣ ማቴዎስ 24:14) ርእስና ንየሆዋ እንገብሮ ወፈያን ፍቓዱ ንኽንገብር ዘሎና ባህግን ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና: እንተላይ ኣብ እንዛነየሉ መገዲ: ኣብ ኣበላልዓናን ኣሰታትያናን: ከምኡውን ኣብ እንሰምዖ ዓይነት ሙዚቃ ይጠቕመና እዩ። ንዘለኣለም ክትሕጐሰሉ እትኽእል መዘናግዒ ንምንታይ ዘይትመርጽ፧ ብዙሓት ኣሽሓት ሕጉሳት መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: “ፍቓድ ጐይታ:” ማለት ፍቓድ የሆዋ ኸይጠሓስካ ኽትሕጐሰሉ እትኽእል ብዙሕ ጥዑይ መዘናግዒታት ከም ዘሎ ኺነግሩኻ ይኽእሉ እዮም።—ኤፌሶን 5:17-19

“ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና”

18. መንእሰያት ንርእሶም እንታይ ሕቶ ኺሓቱ ኣለዎም፧

18 ካብ 1513 ቅ.ክ. ክሳዕ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ.: የሆዋ ንኼምልኽዎን መሰኻኽሩ ንኪዀኑን ዝሓረዮም እተወደቡ ህዝቢ ኣብ ምድሪ ነይሮም እዮም። (ኢሳይያስ 43:12) መንእሰያት እስራኤላውያን ካብቲ ህዝቢ እቲ እዮም ተወሊዶም። ካብ ጴንጠቆስጠ ኣትሒዙ ግን: የሆዋ ኣብ ምድሪ መንፈሳዊ እስራኤል ዚበሃል ሓድሽ “ንስሙ [ዚኸውን] ህዝቢ” ኣቘመ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:14፣ ገላትያ 6:16፣ 1 ጴጥሮስ 2:9, 10) ሃዋርያ ጳውሎስ: ክርስቶስ “ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘቡ ዚዀኖን ህዝቢ” ኸም ዘንጽሀ ገሊጹ ኣሎ። (ቲቶስ 2:14) ኣቱም መንእሰያት ዘበልኩም: እቲ ህዝቢ እቲ ሕጂ ኣበይ ከም ዘሎ ንምውሳን ናጽነት ኣሎኩም። ሎሚ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዑ ዚመላለስ: እሙን ምስክር የሆዋ ዝዀነ: ንመንግስቱ ኸኣ ከም እንኮ ተስፋ ደቅሰብ ገይሩ ዚእውጅ “ሓቂ ዚሕሉ ጻድቕ ህዝቢ” መን እዩ፧ (ኢሳይያስ 26:2-4) ንኣብያተ-ክርስትያን ህዝበ-ክርስትያንን ንኻልኦት ሃይማኖታትን ተመልከቱ: ነቲ ኣኻይዳኦም ከኣ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ናይ ሓቂ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚሓቶ ኣነጻጽርዎ።

19. ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እንታይ እዮም ኣሚኖም ተቐቢሎም ዘለዉ፧

19 ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት: እንተላይ መንእሰያት: እቶም ተረፍ ቅቡኣት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ “ጻድቕ ህዝቢ” ኸም ዜቝሙ ኣሚኖም እዮም። ነዞም መንፈሳውያን እስራኤላውያን እዚኣቶም ከኣ “እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ: ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” ይብልዎም እዮም። (ዘካርያስ 8:23) ኣቱም መንእሰያት: ንስኻትኩም ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ንምዃን ክትውስኑ: ብእኡ ኣቢልኩም ከኣ “ህይወት”—እወ: ኣብታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ሓዳስ ዓለም ዚርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወት—‘ክትሓርዩ’ ብሓቂ ተስፋ ንገብርን ንጽልን ኢና።—ዘዳግም 30:15-20፣ 2 ጴጥሮስ 3:11-13

ድግማ

• ምዕዶ እንታይ የጠቓልል፧

• ኣብ ቅድሚ የሆዋ እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት እዩ ቕቡል፧

• ንዅሎም እቶም ርእሶም ብዝወፈዩ ወለዲ ዝዓበዩ መንእሰያት እንታይ ምርጫ እዩ ኣብ ቅድሚኦም ተነቢሩሎም ዘሎ፧

• ጥምቀት ብዘይረብሕ ምኽንያት ኪደናጐ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ንመን ኢኻ ኽትሰምዕ፧

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ወፈያን ጥምቀትን ዕቝባ ኪዀነካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ከይትጥመቕ እንታይ ይኽልክለካ፧