‘ዘለፋ ዚቕበል ኣእምሮኛ ይኸውን’
‘ዘለፋ ዚቕበል ኣእምሮኛ ይኸውን’
ምሳሌ 23:12 “ልብኻ ናብ ተግሳጽ: ኣእዛንካ ድማ ናብ ቃላት ፍልጠት ኣቕልብ” ትብል። ኣብዚ “ተግሳጽ” ወይ ስነ-ምግባራዊ ስልጠና ተባሂሉ ዘሎ: ርእሰ-ተግሳጽን ካብ ካልኦት እንቕበሎ መግናሕትን የጠቓልል። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግሳጽ ንምሃብ: እንታይ መአረምታ ኸም ዜድልን ብኸመይ ከም ዚወሃብን ፍልጠት የድሊ። ስለዚ: ካብ ዜተኣማምን ምንጪ ዚርከብ “ቃላት ፍልጠት” ንተግሳጽ ኣድላዪ እዩ።
እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ምሳሌ: ብልጽቲ ምንጪ ጥበባዊ ቓላት እያ። እቲ ኣብኡ ተመዝጊቡ ዘሎ ምስላታት: “ጥበብን ተግሳጽን ንምፍላጥ: . . . ዜለብም ተግሳጽን ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን ንምቕባል” እዩ። (ምሳሌ 1:1-3) ‘ኣእዛንና ናብኡ ምቕላብና’ ጥበባዊ እዩ። ምሳሌ ምዕራፍ 15 ቝጥዓ ብዛዕባ ምቍጽጻር: ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ልሳን: ከምኡውን ፍልጠት ብዛዕባ ምዝርጋሕ ዜተኣማምን መምርሒ ትህብ እያ። ካብታ ምዕራፍ እቲኣ ገለ ቝጽርታት እስከ ንመርምር።
‘ንቝጥዓ ዜህድኦ’ እንታይ እዩ፧
እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን: ዚዝረብ ቃላት ንቝጥዓ ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ኺገልጽ ከሎ: “ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ: ተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕል” በለ። (ምሳሌ 15:1) “ቍጥዓ” ኸም ዘይተሓጐስካ እተርእየሉ ሓያል ስምዒት እዩ። እዛ ምስላ እዚኣ ንቝጥዓ ኻልእ ሰብ ንኸነህድኦን ንቝጥዓና ንኽንቈጻጸሮን እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧
ዜሳቒ ተሪር ቃላት: ንሕማቕ ኵነታት መሊሱ ኼጋድዶ ይኽእል እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: መብዛሕትኡ ግዜ ልኡም ምላሽ የህድኦ። ኰይኑ ግን: ንሓደ እተቘጥዐ ሰብ ልኡም ምላሽ ምሃቡ ወትሩ ቐሊል ኣይኰነን። እንታይ ከም ዘቘጠዖ ኽንርዳእ እንተ ጽዒርና ግን: እዚ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ: ንበደል ምሕላፍ ከኣ ክብረቱ እዩ” ይብል። (ምሳሌ 19:11) ሓደ ውልቀ-ሰብ እተቘጥዓሉ ምኽንያት ምትእምማን ስለ ዘይብሉ ወይ ኣቓልቦ ስለ ዝደለየ ደዀን ይኸውን፧ እቲ ናይ ሓቂ ምኽንያት ምስቲ እንብሎ ወይ እንገብሮ ነገር ዋላ ሓንቲ ምትሕሓዝ ዘይብሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እተቘጥዐ ሰብ ምስ ዜጋጥመና: ከምዚ ዝዀነ ብዛዕባ እምነትና ግጉይ ሓበሬታ ስለ እተዋህቦ: ወይ ብግጉይ ምርዳእ ስለ ዝዓወረ ደይኰነን፧ ነዚ ኣባና ኸም እተፈነወ መጥቃዕቲ ጌርና ተሪር ምላሽ ክንህበሉ ይግባእዶ፧ ሓደ ሰብ እተቘጥዓሉ ምኽንያት ቀልጢፍና ኣብ ዘይነስትውዕሎ ግዜ እውን እንተዀነ: ብዜሳቒ ቓላት ጌርካ ምላሽ ምሃብ: ርእስና ብዚግባእ ከም ዘይንግስጽ እዩ ዜርኢ። ከምዚ ዓይነት ምላሽ ኪውገድ ኣለዎ።
እቲ ልኡም ምላሽ ክንህብ እተዋህበ ማዕዳ: ንቝጥዓና ብምቍጽጻር ዝመጸ እውን ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። ንሰማዒ ብዘየጥቅዕ መገዲ ስምዒታትና ብምግላጽ ከምዚ ዝኣመሰለ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ንኽእል ኢና። ምስ ኣባላት ስድራቤት ኣብ ዘሎና ርክብ: ኣብ ክንዲ ተሪር ቃላት እንዛረቦም ወይ እነነኣእሶም: ስምዒታትና ብህድኣት ንምግላጽ ክንጽዕር ንኽእል ኢና። ብቓላት ዚፍኖ መጥቃዕቲ መብዛሕትኡ ግዜ: መልሰ-መጥቃዕቲ እዩ ዜለዓዕል። ንሓደ ሰብ ብህድኣት ስምዒታትና ምስ እንገልጸሉ: ክሲ ዀይኑ ስለ ዘይስምዖ: ነቲ ጸገሙ ንኺእርሞ ይድርኾ እዩ።
“ልሳን ጠቢባን ፍልጠት የንጠብጥብ”
ርእስና ምግሳጽና ንኣዘራርባና ዀነ ነቲ እንዛረቦ ይጸልዎ እዩ። ሰሎሞን: “ልሳን ጠቢባን ፍልጠት የንጠብጥብ: ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይፍልፍል” በለ። (ምሳሌ 15:2) ንኻልኦት ንኽንሕግዞምን ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ንኽንዛረቦምን ባህጊ እንተደኣ ኣማዕቢልና: ‘ፍልጠት ነንጠብጥብ’ ደይኰንናን ዘሎና፧ ዓሻ ግን ፍልጠት ስለ ዘይብሉ ኸምዚ ኣይገብርን እዩ።
ሰሎሞን ንኣጠቓቕማ ልሳንና ብዚምልከት ተወሳኺ መምርሒ ቕድሚ ምሃቡ: ዜመራምር ንጽጽር ኣቕረበ። “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ስፍራ እየን: ንእኩያትን ንሰናያትን ከኣ ይቋመታኦም።” (ምሳሌ 15:3) እዚ ኼሐጕስና ኣለዎ፣ ከመይሲ: “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ: ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ” ዚብል መረጋገጺ ተዋሂቡና እዩ። (2 ዜና መዋእል 16:9) ሰናይ ንገብር እንተደኣ ኣሊና: የሆዋ ይፈልጥ እዩ። ነቶም እከይ ዚገብሩ እውን የስተብህለሎም: ተሓተትቲ ድማ ይገብሮም እዩ።
ሰሎሞን ንኣገዳስነት ሕያወይቲ ልሳን ከምዚ ብምባል ኣጕልሐ:- “ልዝብቲ ልሳን ኦም [ህ]ይወት እያ: ቄናን ልሳን ግና ንመንፈስ ትሰብሮ።” (ምሳሌ 15:4) እታ “ኦም [ህ]ይወት” እትብል መግለጺ: ንዚፍውስን ንዜበርትዕን ባህሪ ተመልክት። (ራእይ 22:2) ጥበበኛ ሰብ ዚዛረቦ ልዙብ ዘረባ ንመንፈስ እቶም ዚሰምዕዎ የሐድሶ። ነቲ ሰናይ ባህርያቶም ድማ የውጽኦ። ብኣንጻሩ ግን: መታለሊት ወይ ተካል ልሳን: ንመንፈስ ሰማዕቲ ትሰብሮ።
ተግሳጽ ምቕባልን ‘ፍልጠት ምዝርጋሕን’
እቲ ጥበበኛ ንጉስ ቀጺሉ “ዓሻ ንተግሳጽ ኣቦኡ ይንዕቆ: ዘለፋ ዚቕበል ግና ኣእምሮኛ ይኸውን” በለ። (ምሳሌ 15:5) ተግሳጽ እንተ ዘይተዋሂቡ: ሓደ ሰብ ብኸመይ እዩ ‘ንተግሳጽ ኪንዕቕ’ ዚኽእል፧ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንምእራም ተባሂሉ ተግሳጽ ኪወሃብ ከም ዘለዎ እትሕብርዶ ኸይኰነት፧ ኣብ ሓንቲ ስድራቤት: ተግሳጽ ምሃብ ሓላፍነት ወለዲ: ምናዳ ኸኣ ሓላፍነት ኣቦ እዩ፣ ውሉድ እውን ነቲ ተግሳጽ ኪቕበሎ ግዴታ ኣለዎ። (ኤፌሶን 6:1-3) ይኹን እምበር: ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋ: እንተ በዚ እንተ በቲ ተግሳጽ ይወሃቦም እዩ። እብራውያን 12:6 “እግዚኣብሄር ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ: ነቲ ዚቕበሎ ዘበለ ውሉድውን ይገርፎ” ትብል። ንተግሳጽ ዘሎና ኣረኣእያ: ጥበበኛታት ወይ ዓያሱ እንተ ዄንና ይሕብር።
ሰሎሞን ካልእ ንጽጽር ኪገብር ከሎ: “ከናፍር ጠቢባን ፍልጠት ይዝርግሓ: ልቢ እቶም ዓያሱ ግና ኣይከምኡን እዩ” በለ። (ምሳሌ 15:7) ፍልጠት ምዝርጋሕ: ዘርኢ ኸም ምብታን እዩ። ብግዜ ጥንቲ: ሓረስታይ ኵሉ ዘርኡ ኣብ ሓንቲ ቦታ ኣይኰነን ዚዘርኦ። ኣብ ክንዳኡስ: እተወሰነ ዘርኢ ኣብ ብምሉኡ ግራቱ እዩ ዚብትኖ። ፍልጠት ምዝርጋሕ እውን ከምኡ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ኣገልግሎት ሰብ ክንረክብ ከለና: ኵሉ እቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እንፈልጦ ነገር ብሓንሳእ ከነፍስሰሉ ጥበባዊ ኣይኰነን። የግዳስ: ጥበበኛ ውልቀ-ሰብ ኣብ ኣዘራርባኡ ስርዓት ዝሓለወ እዩ። ንምላሽ ሰማዒኡ ኣብ ግምት እናእተወ: ኣብ ሓደ እዋን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓደ ሓቂ ጥራይ ቀስ ኢሉ ብምጕላሕን ኣብኡ ተመስሪቱ ብምህናጽን ፍልጠት ‘ይዝርግሕ።’ እቲ ኣብነትና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ: ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ኺዛረባ ኸሎ ኸምኡ እዩ ገይሩ።—ዮሃንስ 4:7-26
ፍልጠት ምክፋል: ኣስተምሃርን ጠቓምን ነገር ምዝራብ የጠቓልል። ሓበሬታ ዚህብን ዜተባብዕን ቃላት ንምዝራብ: ኣቐዲምካ ምሕሳብ ይሓትት። ስለዚ: “ልቢ ጻድቕ ዚመልሶ ይሐስብ።” (ምሳሌ 15:28) ቃላትና ኸምቲ ኣብ መገዱ ንዝጸንሖ ዅሉ ጸራሪጉ ዚኸይድ ኣይሂ ዝዀነ ማይ ዘይኰነስ: ከምቲ ኣብ መሬት ዚሰርጽን ጠቓሚ ዝዀነን ቀስ ኢሉ ዚዘንም ዝናም ኪኸውን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!
‘ቅዱስ ናብራ’
ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ፍልጠት ምዝርጋሕ: “ፍረ ኸናፍር” ድማ ከም “መስዋእቲ ምስጋና” ጌርካ ንዕኡ ምቕራብ ብርግጽ መገዲ ጥበብ እዩ። (እብራውያን 13:15) ይኹን እምበር: እዚ መስዋእቲ እዚ ብየሆዋ ተቐባልነት ንኺህልዎ: ‘ብዅሉ ንብረትና [ወይ ናብራና] ቕዱሳት’ ክንከውን ኣሎና። (1 ጴጥሮስ 1:14-16) ሰሎሞን ብኽልተ ተነጻጻሪ ምስላታት ኣቢሉ: ነዚ ኣገዳሲ ሓቂ እዚ ኣጸቢቕና ኸም እነቕልበሉ ገይሩ እዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “መስዋእቲ ረሲኣን ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ: ጸሎት ቅኑዓት ግና ባህ የብሎ። እግዚኣብሄር ንመገዲ ረሲኣን ይፍንፍኖ: ጽድቂ ንዚስዕብ ግና የፍቅሮ።”—ምሳሌ 15:8, 9
እቶም ነታ ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ ህይወት ዚሓድግዋ ንተግሳጽ ብኸመይ ይርእይዎ፧ መወዳእታኦምከ እንታይ እዩ፧ (ማቴዎስ 7:13, 14) “መገዲ ንዚሐድግ ብርቱዕ መቕጻዕቲ ይወርዶ: ተግሳጽ ዚጸልእ ከኣ ይመውት።” (ምሳሌ 15:10) ሕማቕ መገዲ ዚስዕቡ ገሊኦም ሰባት ነቲ ኻብቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎም ንኺእረሙ ዚወሃቦም ምኽሪ ኣብ ክንዲ ዚቕበሉን ካብ ልቦም ኣብ ክንዲ ዚንስሑን: ነታ መገዲ ጽድቂ ኺሓድግዋ እዮም ዚመርጹ። ኣቤት ዕሽነት! ብመሰረት: ትርጕም 1990 እዛ ምስላ እዚኣ: “ክፉእ ንዚገብር ብርቱዕ መቕጻዕቲ ይወርዶ፥ ተግሣጽ ዚጸልእ ከኣ ይመውት” ትብል።
ሓደ ሰብ ተግሳጽ ብሓቂ እናጸልአ ኽነሱ: ከም እተቐበሎ እንተ ኣምሲሉኸ፧ እዚውን ጥበባዊ ኣይኰነን። እቲ ንጉስ እስራኤል “ሲኦልን መዓሙቝን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እዩ: ልቢ ደቂ ሰብ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ” በለ። (ምሳሌ 15:11) ብምሳልያዊ ኣዘራርባ: ከም ሲኦል: ወይ ከም ቦታ ምዉታት ገይሩ ኻብቲ ህያው ኣምላኽ ኣዝዩ ዝረሓቐ የልቦን። ገና ግን: ኣብ ቅድሚኡ እዩ ዘሎ። ንመንነትን ባህርያትን ኵሎም እቶም ኣብኡ ዘለዉ ይፈልጦ: ኬተንስኦም ድማ ይኽእል እዩ። (መዝሙር 139:8፣ ዮሃንስ 5:28, 29) ኣብ ልቢ ሰባት ዘሎ ነገር ምፍላጥ: ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ቀሊል ኰን እዩ! ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ: ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ” በለ። (እብራውያን 4:13) ዘይኰንካዮ ምምሳል: ንሰባት ኬዕሹ ይኽእል ይኸውን: ንኣምላኽ ግን ኣየዐሽዎን እዩ።
ተግሳጽ ዘይቅበል ሰብ: መግናሕቲ ይጸልእ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቶም ዚህብዎ እውን ንዕቀት ኣለዎ። ሰሎሞን “መላገጺ ተግሳጽ ኣይፈቱን” ወይ “መላገጺ ንዚገንሖ ኣይፈትዎን” (NW) በለ። ነቲ ሓሳባት እቲ ንምስፋሕ ተወሳኺ ነጥቢ ብምምጻእ ኣስዕብ ኣቢሉ “ናብ ጠቢባን ኣይከይድን” በለ። (ምሳሌ 15:12) ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ መገዱ ንኬቕንዕ ብዙሕ ተስፋ የብሉን።
ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ
እቲ ቐጺሉ ዚርከብ ሰለስተ ምስላታት ሰሎሞን: ነታ “ልቢ” እትብል ቃል ዚምልከት ብምዃኑ እተኣሳሰረ እዩ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ስምዒታትና ኣብ ገጽና ዘለዎ ጽልዋ ኺገልጽ ከሎ: “ሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆ: ልቢ እንተ ጐሀየ ግና መንፈስ ይስበር” በለ።—ምሳሌ 15:13
ንልቢ ዜጕህዮ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሐደረ ጓሂ [“ጭንቀት:” NW] ንእኡ ይጸቕጦ” ይብል። (ምሳሌ 12:25) ኣሉታዊ መዳያት ህይወትና ንመንፈስና ኸይደቝሶ ኽንቃለስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ክንቈጻጸሮ ኣብ ዘይንኽእል ኵነታት ኣብ ክንዲ እነተኵር: ነቲ ሕጂ የሆዋ ዝሃበና ብዙሕ መንፈሳዊ በረኸትን ነቲ ኣብ መጻኢ ዚገብረልና ነገራትን ከነስተንትነሉ ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ናብኡ ብዝያዳ የቕርበና። እወ: ናብቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ምቕራብ: ነቲ ዝጐሃየ ልብና የሐጕሶ እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW
ኣብ ልዕሊ እዚውን: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ: ብሉጽ ምንጪ መጸናንዕን ባህታን እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቲ “ብሕጊ እግዚኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ: ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን: ዚመራምሮ ሰብ” ሕጉስ ኢልዎ ኣሎ። (መዝሙር 1:1, 2) ልብና እኳ እንተ ጐሃየ: መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ብዛዕባ እቲ ዚብሎ ምስትንታንን የተባብዓና እዩ። ብተወሳኺውን: እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ኣገልግሎት ኣሎ። “ብንብዓት ዚዘርኡ ብእልልታ ይዐጽዱ” ዚብል መረጋገጺ ድማ ተዋሂቡና ኣሎ።—መዝሙር 126:5
ሰሎሞን “ልቢ ኣእምሮኛ ፍልጠት ይደሊ: ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይምገብ” በለ። (ምሳሌ 15:14) እዚ ምስላ እዚ ኣብ መንጎ እቲ ሓደ ጥበበኛን ሓደ ዓሻን ዚህቦ ምኽሪ ዘሎ ዓብዪ ፍልልይ እዩ ኸም እነተኵረሉ ዚገብር። ሓደ ኣእምሮኛ ሰብ ማዕዳ ቕድሚ ምሃቡ: ፍልጠት ይደሊ። ጽቡቕ ገይሩ ይሰምዕ: ዜድሊ ሓቅታት ድማ ይእክብ። ነቲ ዅነታት ዚምልከት ሕግታትን መሰረታዊ ስርዓታትን ብርግጽ ንምፍላጥ: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ይደሊ። ምኽሩ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ እዩ። ዓሻ ግን ነቲ ኣብቲ ዅነታት ዘሎ ሓቅታት ኪፈልጥ ግዲ የብሉን: የግዳስ ኣብ ኣእምሮኡ ዝመጸሉ ይድርጕሕ። ማዕዳ ኽንደሊ ኸለና እምበኣር: ናብቶም ክንሰምዖ እንደሊ ነገር ዚነግሩና ሰባት ኣብ ክንዲ እንኸይድ: ናብቶም ፈላጣትን ብሱላትን ሰባት እንተ ኸድና ጥበባዊ እዩ። ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምኽሪ ቕድሚ ምሃቦም ‘ፍልጠት ዚደልዩ’ ‘ውህበት ሰብ’ ዚርከቡ ምዃኖም ክሳዕ ክንደይ ሰናይ ኰን እዩ!—ኤፌሶን 4:8
እታ ቐጺላ ዘላ ምስላ: ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ዘለዎ ብሉጽ ጥቕሚ ትገልጽ። እቲ ንጉስ እስራኤል “ኵለን ዕለታት እቲ ሕዙን ክፉኣት እየን: ሕጉስ ልቢ ዘለዎ ግና ኵሉ ጊዜ ደስ ዜብል መኣዲ እዩ” በለ። (ምሳሌ 15:15) ህይወት በረኸትን መዓትን: ሓጐስን ንብዓትን ዝመልአት እያ። ኣብቲ ኣሉታዊ መዳይ ጥራይ እንተ ኣተኲርና: ሓዘን ንሓሳባትና ይቈጻጸሮ: ኵሉ ዕለታትና ድማ ጽልሙት ይኸውን። ይኹን እምበር: ብብሕትና እንረኽቦ በረኸትን ኣምላኽ ዝሃበና ተስፋን ንኣተሓሳስባና ኸም ዚጸልዎ እንተ ጌርና: እቲ ጭንቂ ዜምጽእ መዳያት ህይወት ይርሳዕ: ውሽጣዊ ሓጐስ ድማ ንረክብ። ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ወትሩ “ደስ ዜብል መኣዲ” ንኽንረክብ የኽእለና።
እምበኣር: ብእተኻእለና መጠን ንተግሳጽ ኣኽቢርና ንርኣዮ። ንስምዒታትናን ዘረባናን ተግባራትናን ጥራይ ዘይኰነስ: ንኣመለኻኽታና እውን ከም ዚጸልዎ ንግበር።
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
“ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ”
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ተግሳጽ ምሃብ ሓላፍነት ወለዲ እዩ
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
“ከናፍር ጠቢባን ፍልጠት ይዝርግሓ”