ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽንዓት ሓጐስ የምጽእ

ጽንዓት ሓጐስ የምጽእ

ታሪኽ ህይወት

ጽንዓት ሓጐስ የምጽእ

ማርዮ ሮሻ ደ ሶዛ ዘዘንተዎ

“ሚስተር ሮሻ ኻብዚ መጥባሕቲ ብህይወት ኪተርፍ ዘለዎ ዕድል ጸቢብ እዩ።” ዋላኳ ሓደ ሓኪም ብዛዕባ መጻኢ ኸምዚ ዝበለ ዜጕሂ ዘረባ ይዛረብ: ሎሚ ድሕሪ 20 ዓመት ግን ብህይወት ኣልየስ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይነ አገልግል ኣለኹ። ነዚ ዅሉ ዓመታት ጸኒዐ ንኽሓልፎ ዝሓገዘኒ እንታይ እዩ፧

እዋን ቍልዕነተይ ኣብ ጥቓ እቲ ሳንቶ ኢስታቫኡ ዚበሃል ኣብ ግዝኣት ባሂያ: ሰሜናዊ ምብራቕ ብራዚል ዚርከብ ቍሸት: ኣብ ሕርሻ እየ ኣሕሊፈዮ። ወዲ ሸውዓት ዓመት ከለኹ ነቦይ ኣብ ስራሕ ሕርሻ እሕግዞ ነበርኩ። ኵሉ ግዜ ኻብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝምለሰሉ እዋን: ስራሕ ይህበኒ ነበረ። ድሕሪ ግዜ ድማ ኣቦይ ብስራሕ ናብታ ርእሲ ኸተማ እታ ግዝኣት ዝዀነት ሳልቫዶር ኪኸይድ ከሎ: ነቲ ሕርሻ ኣነ አካይዶ ነበርኩ።

ኤሌክትሪክን ማይን ወይ ከምዚ ሎሚ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ዓይነት ምሾት ኣይነበረናን: እንተዀነ ግን ሕጉሳት ነበርና። ብዓለል ፈለል ወይ በቲ ምስ ፈተውተይ ኴንና ዝሰራሕናየን ካብ ዕንጨይቲ እተሰርሓ ማካይን ገይረ እጻወት ነበርኩ። ኣብ ሃይማኖታዊ ጽንብል ድማ ክላሪነት ዚበሃል መሳርሒ ሙዚቃ እጻወት ነበርኩ። ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኣባል መዘምራን ነበርኩ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎኒ ተገዳስነት ዘለዓዓለት ኢስቶርያ ሳግራዳ (ቅዱስ ታሪኽ) ዘርእስታ መጽሓፍ ዝረኣኽዋ እውን ኣብኡ እዩ።

ብ1932 ወዲ 20 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን: ሰሜናዊ ምብራቕ ብራዚል ብሓያልን ንነዊሕ ግዜ ብዝጸንሐን ድርቂ ተጠቕዐ። እተን ዝነበራና ማል ብሙማተን ከምኡውን እቲ ኣእካል ብምሕራሩ ናብ ሳልቫዶር ገዓዝኩ: ኣብኡ ድማ መራሕ ሓንቲ ትራም እትበሃል ዓይነት መጐዓዝያ ዀንኩ። ጽንሕ ኢለ ኸኣ ገዛ ተኻርየ ንስድራቤተይ ምሳይ ንኺነብሩ ኣምጻእክዎም። ብ1944 ኣቦይ ብሙማቱ ነደይ: ነተን ሸሞንተ ኣሓተይ: ከምኡውን ነቶም ሰለስተ ኣሕዋተይ ክናብዮም ነበረኒ።

ካብ መራሕ ትራም ናብ ወንጌላዊ

ናብ ሳልቫዶር ኣብ ዝገዓዝኩሉ እዋን: ሓደ ኻብቲ መጀመርታ ዝገበርክዎ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ምግዛእ እዩ ነይሩ። ንእተወሰነ ዓመታት ኣብ ቤተ-ክርስትያን ባፕቲስት ድሕሪ ምእካብ: ምስ ሓደ መራሕ ትራም ዝነበረ ዱርቫል ዝስሙ መሳርሕተይ ምሕዝነት ፈጠርኩ። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ነዊሕ ምይይጥ ንገብር ነበርና። ሓደ መዓልቲ ምዉታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧ ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ ሃበኒ። a ዋላኳ ሰብ ዘይትመውት ነፍሲ ኣላቶ ኢለ እኣምን እንተ ነበርኩ: ነቲ ኣብታ ንእሽቶ መጽሓፍ ተጠቒሱ ዝነበረ ጥቕስታት ክርእዮ ተሃንጠኹ። እቲ ዜገርም ድማ መጽሓፍ ቅዱስ እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ኸም እትመውት እዩ ዚዛረብ።—ህዝቅኤል 18:4

ዱርቫል ተገዳስነተይ ብምስትውዓል ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ ኣንቶንዮ ኣንድራዲ ንኺበጽሓኒ ሓተቶ። ድሕሪ እታ ሳልሰይቲ ምብጻሑ ድማ ንኻልኦት ሰባት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምክፋል ንኸሰንዮ ዓደመኒ። ኣብተን ናይ መጀመርታ ኽልተ ኣባይቲ ድሕሪ ምዝራብ: “ሕጂ ድማ ናትካ ግደ እዩ” በለኒ። ኣዝየ ፈሪሀ ነበርኩ: እንተዀነ ግን ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ጽን ኢሎም ብምስምዖምን ነቲ ዘበርከትኩሎም ክልተ መጻሕፍቲ ብምቕባሎምን ደስ በለኒ። ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ: ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ክረክብ ከለኹ ኣዝዩ እዩ ደስ ዚብለኒ።

ብ19 ሚያዝያ 1943 ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ዚበዓለሉ እዋን: ኣብቲ ኣብ ጥቓ ሳልቫዶር ዚርከብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ተጠመቕኩ። ተመክሮ ዘለዎም ክርስትያን ሰብኡት ውሑዳት ስለ ዝነበሩ: ነታ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ነቲ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ክፋል ከተማ ሳልቫዶር ዜራኽባ ጸቢብ ጐደናታት ኣብ ገዛ ሓው ኣንድራዲ ዝነበረት ጕጅለ ንኽሕግዝ ተመዘዝኩ።

ኣብ ፈለማ ዘጋጠመና ምጽራር

ብግዜ ኻልኣይ ውግእ ዓለም (1939-45) ክርስትያናዊ ንጥፈታትና ይጽላእ ነበረ። መብዛሕትኡ ጽሑፋትና ኻብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ይመጽእ ስለ ዝነበረ: ገሊኦም ሰበ-ስልጣን ሰለይቲ ሰሜን ኣመሪካ ገይሮም ይጥርጥሩና ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ምእሳርን ጭከና ዝመልኦ መርመራን ልሙድ ነበረ። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ናይ ወፍሪ ኣገልግሎት እንተ ዘይተመሊሱ: ተኣሲሩ እዩ ዚኸውን ኢልና ብምድምዳም ከነፍትሖ ናብ መደበር ፖሊስ ንኸይድ ነበርና።

ኣብ ነሓሰ 1943 ኣዶልፍ መስማር ዝስሙ ጀርመናዊ ናይ የሆዋ ምስክር ነቲ ናይ መጀመርታ ዓብዪ ኣኼባ ንምውዳብ ኪሕግዝ ናብ ሳልቫዶር መጸ። ሰበ-ስልጣን ነቲ ዓብዪ ኣኼባ ንምክያድ ፍቓድ ምስ ሃቡና: ነቲ “ኣብታ ሓዳስ ዓለም ዚህሉ ናጽነት” ዘርእስቱ ህዝባዊ መደረ ዜፋልጥ ኣብ ጋዜጣታት ወጸ: ፖስተራት ድማ ኣብ መስኮት ድኳናትን ኣብ ትራማትን ተለጠፈ። ይኹን እምበር: ኣብ ካልኣይ መዓልቲ እቲ ኣኼባ: ሓደ ፖሊስ ንኽንእከብ እተዋህበና ፍቓድ ከም እተሰረዘ ነገረና። ሊቀ-ጳጳሳት ሳልቫዶር እቲ ሓላፊ ፖሊስ ንኣኼባና ደው ንኼብሎ ጸቕጢ ገበረሉ። እንተዀነ ግን: ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ሚያዝያ እቲ ዘፋለጥናዮ ህዝባዊ መደረ ንኪቐርብ ፍቓድ ተዋህበና።

ደድሕሪ ሓደ ሸቶ ምስዓብ

ብ1946 ኣብቲ ኣብ ከተማ ሳኦ ፓውሎ እተገብረ “ሕጉሳት ኣህዛብ” ዘርእስቱ ቲኦክራስያዊ ዓብዪ ኣኼባ ንኽካፈል ተዓደምኩ። ኣብ ሳልቫዶር መራሕ ሓንቲ መርከብ ጽዕነት ዝዀነ ሰብኣይ: ኣብቲ ባይታ እታ መርከብ ደቂስና ንኽንከይድ ፈቐደልና። ዋላኳ ማዕበል ስለ ዘጋጠመና ዅልና ኸብድና ሓቚፍና ንጐዓዝ እንተ ነበርና: ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ብሰላም ኣብ ሪዮ ዲ ጃንየሮ በጻሕና። ኣብ ሪዮ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅድሚ ንጕዕዞና ብባቡር ምቕጻልና ኣብ ገዛኦም ተቐበሉና። እታ ዝነበርናላ ባቡር ኣብ ሳኦ ፓውሎ ምስ በጽሐት ድማ ሒደት ሰባት “ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም” ዚብል መልእኽቲ ሒዞም ተቐበሉና።

ናብ ሳልቫዶር ድሕሪ ምምላሰይ ነዊሕ ከይጸናሕኩ: ነቲ ኻብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጸ ሚስዮናዊ ዝዀነ ሃሪ ብላክ: ፓይነር ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክኸውን ከም ዝደሊ ነገርክዎ። ሃሪ ግን ንስድራቤተይ ናይ ምእላይ ሓላፍነት ከም ዘሎኒ ብምንጋር ንኽዕገስ መኸረኒ። ኣብ ሰነ 1952 ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብቝጠባ ርእሶም ከኣሉ: ኣነ ድማ ናብታ ኻብ ሳልቫዶር ንደቡብ 210 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ገማግም ኣብ እትርከብ ኢልያኡስ እትበሃል ከተማ ዝነበረት ንእሽቶ ጉባኤ: ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ተመደብኩ።

ብልግሲ እተገብረለይ መሰናድዎ

ኣብታ ስዒባ ዝነበረት ዓመት: ናብታ ዋላ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይነበራ ናብ ውሽጢ ሃገር እትው ኢላ እትርከብ ዤክየ እትበሃል ዓባይ ከተማ ተመደብኩ። እቲ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ዝገበርኩሉ ሰብ ናይቲ ኸባቢ ቐሺ እዩ ነይሩ። እታ ኸተማ ኣብ ትሕቲኡ ኸም ዝዀነት ገለጸለይ: ኣብኡ ንኸይሰብኽ ድማ ከልከለኒ። ነቶም ምእመናን: “ናይ ሓሶት ነብዪ” ኸም ዝመጸ ኣጠንቀቖም፣ ኣብታ ኸተማ ኸኣ ንንጥፈታተይ ዚስልሉ ሰባት ኣዋፈረ። ይኹን እምበር: ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ልዕሊ 90 ቕዳሕ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኣበርከትኩ ኸምኡውን ኣርባዕተ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀመርኩ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት ዤክየ 36 ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ናታ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ዘለዋ ዀነት። ሎሚ ድማ ሸሞንተ ጉባኤታትን ልዕሊ 700 ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ኣለውዋ።

ኣብተን ኣብ ዤክየ ዘሕለፍክወን ናይ መጀመርታ ኣዋርሕ: ኣብ ወሰን እቲ ኸተማ ኣብ እትርከብ እተኻረኽዋ ንእሽቶ ገዛ እነብር ነበርኩ። ብድሕርዚ ምስቲ ሚገል ቫዝ ዲ ኦሊቬራ ዝስሙ ወናኒ እቲ ሆቴል ሱደስታ ዚበሃል ካብቲ ኣብ ዤክየ ዘሎ ሆቴላት እቲ ዝበለጸ ተፋለጥኩ። ሚገል መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ተሰማምዐ: ናብ ሓደ ኻብቲ ኣብ ሆቴሉ ዚርከብ ክፍሊ ንኽግዕዝ ድማ ግዲ በለኒ። ንሱን ሰበይቱን ከኣ ጸኒሖም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ።

ካብ መንጎ እቲ ኣብ ዤክየ ዘሕለፍክዎ ባህ ዜብል ተዘክሮታት: ሉዊዝ ኮትሪም ዚበሃል ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ መምህር ዝዀነ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመራሕኩሉ ይርከቦ። ሉዊዝ ነቲ ዝነበረኒ ናይ ፖርቱጋልኛን ሒሳብን ፍልጠት ንኸማዕብሎ ሓገዘኒ። መባእታዊ ትምህርቲ ጥራይ ስለ ዝነበረኒ: ነቲ ዝገበረለይ ዕድመ ተቐበልክዎ። እቲ ሉዊዝ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምግባርና ዚምህረኒ ዚነበረ ትምህርቲ: ነቲ ደሓር ካብ ማሕበር የሆዋ እተዋህበኒ ተወሳኺ ሓላፍነት ኣዳልዩኒ እዩ።

ነቲ ዘጋጠመኒ ሓድሽ ጸገም ምውጻኡ

ብ1956 ናብቲ ሽዑ ኣብ ሪዮ ዲ ጃንየሮ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንኽመጽእ እትዕድም ደብዳበ ተቐበልኩ፣ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ: ማለት ሓደ ኻብ ገየሽቲ ኣገልገልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንክኸውን ስልጠና ተዋህበኒ። እዚ ኻልኦት ሸሞንተ እውን ዚርከቡሉ ስልጠና: ሓደ ወርሒ ወሰደ። ኪዛዘም ኪብል ከሎ ኸኣ ናብ ሳኦ ፓውሎ ተመደብኩ: እዚ ኸኣ ቍሩብ ፍርሂ ኣሕደረለይ። ንርእሰይ ‘ኣነ ጸሊም ሰብኣይሲ ኣብ መንጎ እቶም ኢጣልያውያን እንታይ እየ ኽገብር፧ ይቕበሉኒ ደዀን ይዀኑ፧’ ብምባል ሓተትክዋ። b

ኣብታ ንፈለማ እዋን ዝበጻሕክዋ ኣብ ኣውራጃ ሳንቶ ኣማሩ እትርከብ ጉባኤ: እቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ በቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባትን መሊኡ ብምርኣየይ ኣዝየ ተበራታዕኩ። ኵሎም 97 ዝዀኑ ኣባላት እታ ጉባኤ ኣብቲ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ዝገበርናዮ ኣገልግሎት ምሳይ ስለ እተኻፈሉ: ዝነበረኒ ፍርሂ መሰረት ከም ዘይነበሮ ፈለጥኩ። ‘ብርግጽ እኮ ኣሕዋተይ እዮም’ ኢለ ድማ ሓሰብኩ። ሳላ እዞም ኣሕዋትን ኣሓትን ዘርኣዩኒ ፍቕሪ ኣብቲ እናገሽኩ ዝገብሮ ኣገልግሎት ጸኒዐ ንክቕጽል ትብዓት ረኸብኩ።

ኣእዱግን ኣፍራስን ኣንትኢተርን

ካብቲ ቐደም ንገየሽቲ ተዓዘብቲ ዜጋጥሞም ጸገማት እቲ ዝዓበየ: ነተን ኣብ ገጠራት ዚርከባ ጉባኤታትን ንኣሽቱ ጕጅለታትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምብጻሕ ዚገብርዎ ነዊሕ ጕዕዞ እዩ። ኣብቲ ቦታታት እቲ ህዝባዊ መጐዓዝያ ሓደገኛ እዩ ወይ እውን ፈጺሙ ኣይነበረን: መብዛሕትኡ እቲ መገዲ ድማ ጸቢብን ሓመድን እዩ ነይሩ።

ገሊአን ወረዳታት ነዚ ጸገም እዚ: ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዚጥቀመሉ ኣድጊ ወይ ፈረስ ብምግዛእ ፈቲሐናኦ እየን። ብዙሕ ግዜ ሰኑይ ሰኑይ ንዅሉ ኣቑሑተይ ጽዒነ: ናብታ ቐጺላ ዘላ ጉባኤ ንምኻድ ን12 ሰዓት እጐዓዝ ነበርኩ። ኣብ ሳንታ ፌ ዱ ሱል ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዶራዶ (ወርቃዊ) ዝስሙ ናብቲ ኣብቲ ቝሸት ዚርከብ ጕጅለታት መጽናዕቲ ትኽ ኣቢሉ ዚወስድ ኣድጊ ነበሮም። ዶራዶ ኣብ ኣፍ ደገ ሓጹር እቲ ሕርሻ ደው ብምባል ንክኸፍተሉ ብትዕግስቲ ይጽበየኒ ነበረ። ብድሕሪ እቲ ምብጻሕ ድማ ኣነን ዶራዶን ናብታ ቐጺላ ዘላ ጕጅለ ንቕጽል ነበርና።

መልእኽቲ ንምምሕልላፍ ዜገልግል ዜተኣማመን መገዲ ዘይምንባሩ እውን ንዕዮ ወረዳ ኣጸጋሚ ይገብሮ ነይሩ እዩ። ንኣብነት: ንሓንቲ ኣብ ግዝኣት ማቶ ግሮሶ እትርከብ ጕጅለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምብጻሕ: ንፈለግ ኣራግዊያ ብጃልባ ኽሰግሮን 25 ኪሎ ሜተር በቲ ዱር ክጐዓዝን ነበረኒ። ሓደ እዋን: ንኣባላት እዛ ጕጅለ እዚኣ ምብጻሕ ከም ዝገብረሎም ደብዳበ ጸሓፍኩሎም፣ እታ ደብዳበ ግን ኣብኡ ኸይበጽሐት ስለ ዝተረፈት ነቲ ፈለግ ክሳገሮ ኸለኹ ዝጽበየኒ ሰብ ኣይነበረን። ኣጋ ምሸት ምስ ኰነ ንሓደ ወናኒ ንእሽቶ ቤት መስተ ባልጃይ ንኬቐምጠለይ ሓቲተ ነታ ሳንጣይ ጥራይ ሒዘ ናይ እግሪ ጕዕዞይ ቀጸልኩ።

ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ጸልመተ። ኣብቲ ጸልማት እናተዓናቐፍኩ ክኸይድ ከለኹ: ሓደ ንፍሒራ ዚመስል ኣንትኢተር ዚበሃል እንስሳ ዅሪፍ ኵሪፍ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ሓደ ኣንትኢተር ደው ብምባል በቲ ድልዱል ኣእዳው ሰብ ኪቐትል ከም ዚኽእል ሰሚዐ ነበርኩ። ስለዚ: ኣብ ትሕተይ ዝዀነ ይኹን ድምጺ እንተ ሰሚዐ: ነቲ ሳንጣይ ከም መከላኸሊ ኣብ ቅድመይ ብምሓዝ ብጥንቃቐ ንቕድሚት እስጕም ነበርኩ። ንሰዓታት ድሕሪ ምጕዓዝ ድማ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ውሕጅ በጻሕኩ። እቲ ዜሕዝን ግን ጸልማት ብምንባሩ ኣብቲ ነቲ ውሕጅ ተሳጊርካ እትረኽቦ ገምገም: ትሪኮላታ ምንባሩ ኣይፈለጥኩን። ብሓንቲ ስጕሚ ነጢረ ኽዘልል ክብል ኣብቲ ትሪኮላታ ስለ ዝዓለብኩ: ተልተለኒ።

ኣብ መወዳእታኡ ኣብቲ ቦታ ሕርሻ ምስ በጻሕኩ: ድምጺ ዚነብሑ ኣኽላባት ተቐበለኒ። ኣብቲ እዋን እቲ ሰረቕቲ ኣባጊዕ ብለይቲ ይሰርቁ ስለ ዝነበሩ: እቶም ሰባት ማዕጾኦም ምስ ከፈቱ ቐልጢፈ መንነተይ ነገርክዎም። ክዳውንተይ ስለ እተቐደደን ብደም ስለ ዝጠልቀየን ተካል ትርኢት እኳ እንተ ነበርኩ: እቶም ኣሕዋት ግን ምስ ረኣዩኒ ተሓጐሱ።

እዚ ዅሉ ጸገማት እናሃለወ ኽነሱ: ደስ ዜብል ግዜ እዩ ነይሩ። እቲ ብፈረስ ወይ ብእግረይ ዝገብሮ ዝነበርኩ ነዊሕ ጕዕዞ: ሓድሓደ ግዜ ድማ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣእዋም ኴንካ ኣዕዋፍ ኪዝምራ ኸለዋ ምስማዕን ኣብቲ ጸምጸም መገዲ ወኻሩ ኺሓልፋ ኸለዋ ምርኣይን ባህ ዜብል እዩ ነይሩ። እቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ ምብጻሕ ብርግጽ ንሰባት ከም ዝሓገዘ ምፍላጠይ እውን ካልእ ምንጪ ሓጐስ እዩ። ብዙሓት ሰባት እተሰምዖም ሞሳ ንምግላጽ ደብዳበ ጽሒፎምለይ እዮም። ገሊኦም ድማ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ምስ ተራኸብና ኣመስጊኖምኒ እዮም። ንዝነበሮም ብሕታዊ ጸገም ክዋጽኡሉን መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ ኸለውን ምርኣየይ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን እዩ ዚህበኒ!

ኣብ መወዳእታኡ ደጋፊት ረኸብኩ

ኣብተን ዕዮ መገሻ ዝዓየኹለን ዓመታት በይነይ እየ ነይረ፣ እዚ ድማ ንየሆዋ ኸም “ከውሔይ: ዕርደይ” ገይረ ብምርኣይ ኣብኡ ኽውከል ከም ዘሎኒ መሃረኒ። (መዝሙር 18:2) ብተወሳኺውን ንጽል ብምዃነይ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ቈላሕታ ንኽህብ ገበረኒ።

ብ1978 ግን ምስ ዡልያ ታካሃሺ እትበሃል ፓይነር ተፋለጥኩ። ናብቲ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ ዜድልዩሉ ቦታ ንምኻድ ካብቲ ኣላዪት ሕሙማት ኰይና እትሰርሓሉ ኣብ ሳኦ ፓውሎ ዚርከብ ዓብዪ ሆስፒታል ወጸት። እቶም ዚፈልጥዋ ክርስትያን ሽማግለታት ብዛዕባ መንፈሳዊ ባህርያታ ኸምኡውን ብዛዕባ እቲ ኸም ፓይነር መጠን ዘለዋ ኽእለት ብምንኣድ እዮም ዚዛረቡላ። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንኽምርዖ ምውሳነይ ንገሊኦም ከም ዘገረሞም ንምግማቱ ዜጸግም ኣይኰነን። ሓደ ናይ ቀረባ ዓርከይ ኪኣምን ስለ ዘይከኣለ: ብርግጽ እንተ ተመርዕየ 270 ኪሎ ግራም ዚምዘን ኣርሓ ብዕራይ ከም ዜምጽኣለይ ነገረኒ። ብ1 ሓምለ 1978 ነቲ ኣርሓ እቲ ኣብ ግዜ መርዓና ጠቢስና በላዕናዮ።

ጸገም ጥዕና እናሃለወኒ ኽነሱ ጸናዕኩ

ዡልያ ኣብቲ ዕዮ መገሻ ሓበረትኒ: ብሓደ ዄንና ድማ ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ሸሞንተ ዓመታት ነተን ኣብ ሰሜንን ሰሜናዊ ምብራቕን ብራዚል ዚርከባ ጉባኤታት በጻሕናየን። ኣብቲ እዋን እቲ ድማ እዩ ሕማም ልቢ ዘጋጠመኒ። ክልተ ግዜ ኸኣ ኣብቲ ዕዮ ስብከት እናዘራረብኩ ኸለኹ ሃለዋተይ ኣጥፋእኩ። ነቲ ዝነበረኒ ድሩትነት ኣብ ግምት ብምእታው: ኣብታ ኣብ ግዝኣት ሳኦ ፓውሎ እትርከብ ቢሪጒ: ፍሉያት ፓይነራት ንኽንከውን ተመደብና።

ኣብቲ ግዜ እቲ: ኣብ ቢሪጒ ዘለዉ ኣሕዋት ናብቲ 500 ኪሎ ሜተር ርሒቕካ ኣብ ጎያንያ ዚርከብ ሓኪም ንኬማኽር ሒዞምኒ ኸዱ። ኵነታተይ ደሓን ምስ ኰነ: ንህርመት ልቢ እተስተኻኽል መሳርሒት ንምትካል መጥባሕቲ ገበርኩ። እዚ ቕድሚ 20 ዓመት እዩ ነይሩ። ዋላኳ ኽልተ ተወሳኺ መጥባሕቲ እንተ ገበርኩ: ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ብንጥፈት እካፈል ኣለኹ። ዡልያ ልክዕ ከምተን ካልኦት እሙናት ክርስትያን ኣንስቲ: ብቐጻሊ ምንጪ ብርታዐን ምትብባዕን እያ ዀይናትኒ።

ዋላኳ ጸገም ጥዕና ንንጥፈታተይ እንተ ገደቦ ኸምኡውን ሓድሓደ ግዜ ተስፋ እንተ ኣቝረጸኒ: ሕጂውን ፓይነር ኰይነ ኸገልግል እኽእል እየ። ንርእሰይ ድማ የሆዋ ኣብዚ ኣረጊት ስርዓት እዚ ጣዕሚ ዘለዎ ናብራ ኸም ዘይተመባጽዓልና አዘኻኽራ። ሃዋርያ ጳውሎስን ካልኦት ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ክርስትያናትን ኪጸንዑ ኻብ ኣድለዮም: ንሕናኸ ኽንጸንዕ ኣየድልየናንዶ፧—ግብሪ ሃዋርያት 14:22

ኣብዚ ቐረባ እዋን ነታ ብ1930ታት ዝዓደግክዋ መጽሓፍ ቅዱስ ረኸብክዋ። ኣብቲ ውሽጣዊ ገበራ 350: ማለት ቍጽሪ እቶም ብ1943 ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክካፈል ምስ ጀመርኩ ኣብ ብራዚል ዝነበሩ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ጽሒፈ ነበርኩ። ኣብዚ እዋን እዚ ልዕሊ 600,000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብራዚል ምህላዎም ዜስደምም እዩ። ኣብዚ ዕቤት እዚ ንእሽቶ ግደ ምብርካተይ ከም ዓብዪ ኽብሪ እየ ዝርእዮ! የሆዋ ብምጽናዐይ ብርግጽ ባሪኹኒ እዩ። ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር: “እግዚኣብሄር ዓብዪ ግብሪ ገበረልና: ንሕናውን ተሐጐስና” ኽብል እኽእል እየ።—መዝሙር 126:3

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት: ሕጂ ግን ኣይትሕተምን እያ ዘላ።

b ካብ 1870 ክሳዕ 1920 ኣብ ዘሎ እዋን: ዳርጋ 1,000,000 ዝዀኑ ስደተኛታት ኢጣልያውያን ኣብ ሳኦ ፓውሎ ሰፈሩ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብቲ ብ1943 ኣብ ከተማ ሳልቫዶር እተገብረ ናይ መጀመርታ ዓብዪ ኣኼባ ዚወሃብ ህዝባዊ መደረ ኼፋልጡ ኸለዉ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ብ1946 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ “ሕጉሳት ኣህዛብ” ዘርእስቱ ዓብዪ ኣኼባ ንምክፋል ናብ ሳኦ ፓውሎ ኺኣትዉ ኸለዉ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ 1950ታት ገያሺ ተዓዛቢ ዀይነ እናዓየኹ ኸለኹ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ብዓልቲ ቤተይ ዡልያ