ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍልጠት ንምርካብ እተገብረ ጻዕሪ

ፍልጠት ንምርካብ እተገብረ ጻዕሪ

ፍልጠት ንምርካብ እተገብረ ጻዕሪ

ላውራ ፌርሚ እትበሃል ሰበይቲ እቲ ናይ ፊዚክስ ተመራማሪ ኤንሪኮ ፌርሚ: “ድንቍርና ኻብ ፍልጠት ፈጺሙ ኣይበልጽን እዩ” ብምባል ተዛረበት። ገሊኦም ሰባት ግን ዘይትፈልጦ ነገር ኪጐድኣካ ኣይክእልን እዩ ኢሎም ብምምጓት በዚ ኣይሰማምዑን ይዀኑ። ይኹን እምበር: ንብዙሓት ሰባት እዚ ነገር እዚ ኣብ ዓውዲ ስነ-ፍልጠታዊ ምርምር ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ካልእ መዳያት ህይወት እውን ሓቅነት ኣለዎ። ንሓቂ ምስ ዘይምፍላጥ ዚተሓሓዝ ድንቍርና: ብዙሓት ሰባት ንዘመናት ኣብ ኣእምሮኣውን ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ጸልማት ጠምበርበር ንኺብሉ ገይርዎም እዩ።—ኤፌሶን 4:18

ስለዚ ኸኣ እዮም መስተውዓልቲ ሰባት ፍልጠት ኪረኽቡ ዚደልዩ። ስለምንታይ ከም እተፈጠርናን ናበይ ገጽና ንኸይድ ከም ዘለናን ኪፈልጡ ይደልዩ እዮም። ነዚ ንምርካብ ዚገብርዎ ጻዕሪ ኸኣ ናብ እተፈላለየ ሸነኽ መርሖም። ገለ ኻብዚ እስከ ኣሕጽር ኣቢልና ንርአ።

ብሃይማኖት ይርከብዶ፧

ብመሰረት ያታ ቡድሃ: እቲ መስራቲ ቡድህና ዝዀነ ሲድሃርታ ጋውታማ በቲ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ዚወርድ ዝነበረ መከራን ሞትን ተረበሸ። ነቶም መምህራን ሃይማኖት ሂንዱ ድማ ነታ “መገዲ ሓቂ” ንኺረኽባ ኺሕግዝዎ ሓተቶም። ገሊኦም ከኣ ብዮጋ ኸምኡውን እምብዛ ነፍስኻ ብምሕሳም ከም ዚረኽባ ነገርዎ። ብኡንብኡ ዓሚቝ ምስትንታን ናይ ሓቂ ፍልጠት ዚርከበሉ መገዲ ገይሩ መረጾ።

ገሊኦም ድማ ኣብቲ ፍልጠት ንምርካብ ዚገብርዎ ጻዕሪ: ኣእምሮ ዜደንዝዝ ሓሽሽ ይጥቀሙ እዮም። ንኣብነት: ኣብዚ እዋን እዚ ኣባላት ቤተ-ክርስትያን ደቀባት ኣመሪካ: ንሓደ ፐዮቲ ዚበሃል ንበለስ ዚመስል ከም እተህተፍትፍ ዚገብር ንጥረ-ነገረ ዘለዎ ተኽሊ: “ገላጺ ሕቡእ ፍልጠት” ብምባል ይጽውዕዎ።

አብ መበል ሻምናይ ዘመን ኣብ ፈረንሳ ዚነብር ዝነበረ ዣን-ዣክ ሩሶ ዚበሃል ፈላስፋ: ዝዀነ ይኹን ብቕንዕና ንኣምላኽ ዚሓትት ሰብ: ኣምላኽ ብብሕቱ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪገልጸሉ ይኽእል እዩ ኢሉ ይኣምን ነበረ። ብኸመይ፧ ነቲ “ኣምላኽ ንልብኻ ዚብሎ ነገር” ብምስማዕ እዩ። እቲ ኣብ ውሽጥኻ ዝስምዓካ ስምዒት: ማለት ነቲ ስምዒታትካን ሕልናኻን ዚብለካ ነገር ምስማዕ: “ኣብዚ ሕልኽልኽ ዝበለ ሰብኣዊ ኣረኣእያ ዝያዳ ዜተኣማምን መምርሒ” ኪዀነካ ኸም ዚኽእል ሩሶ ገለጸ።—ሂስትሪ ኦቭ ዌስተርን ፊሎዞፊ

ብናይ ምምዝዛን ክእለት ይርከብዶ፧

ብዙሓት ብግዜ ሩሶ ዝነበሩ ሰባት ነዚ ሃይማኖታዊ ኣቀራርባ እዚ ኣበርቲዖም ተቓወምዎ። ንኣብነት: እቲ ወዲ ፈረንሳ ዝነበረ ቮልቴኽ: ሃይማኖት ይትረፍዶ ንሰባት ፍልጠት ኪህቦምሲ: ኣውሮጳ ኣብ ግዜ እቲ ብዙሓት ምሁራት ታሪኽ: መዋእል ጸልማት ኢሎም ዚጽውዕዎ ዘመን: ኣብ ድንቍርናን ማሪትን ዘይተጻዋርነትን ንኽትጥሕል ዝገበራ ቐንዲ ረቛሒ እዩ ኢሉ ይኣምን ነበረ።

ቮልቴኽ ኣባል እቲ ኢንላይትንመንት ተባሂሉ ዚፍለጥ ኣብ ኣውሮጳ ንርትዓውነት ዚንቀሳቐስ ዝነበረ ጕጅለ ዀነ። ሰዓብቲ እዚ ምንቅስቓስ እዚ እቶም ጥንታውያን ግሪኻውያን ዘበገስዎ ሓሳባት: ማለት እቲ ሰብኣዊ ርትዕን ስነ-ፍልጠታዊ ምርምርን ናይ ሓቂ ፍልጠት ንምርካብ ኣድላዪ መፋትሕ እዩ ዚብል ሓሳብ ተቐበሉ። ካልእ ኣባል እቲ ንርትዓውነት ዚንቀሳቐስ ዝነበረ ጕጅለ ዝዀነ በርና ደ ፎንትነል: ሰብኣዊ ርትዒ ጥራይ እዩ ደቅሰብ ነቲ “ዝሓለፈ ዘመናት ጸልማት እናረስዑ ናብቲ ኻብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዝያዳ እናነቕሑ ዚኸዱሉ ዘመን” ዚመርሖም ዚብል ሓሳብ ነበሮ።—ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ

ክሳዕ ሕጂ: ገለ ኻብቲ ፍልጠት ብኸመይ ከም ዚርከብ ዜርኢ ነንሓድሕዱ ዚጋጮ ኣረኣእያታት ኢና ኽንርኢ ጸኒሕና። ሓቂ ንምርካብ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ኺሕግዘና ዚኽእል “ዜተኣማምን መምርሒ” ግን ይህሉ ደዀን ይኸውን፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ብዛዕባ ሓደ ዜተኣማምን ምንጪ ፍልጠት እትብሎ እስከ ርአ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ጋውታማ (ቡድሃ): ሩሶ: ከምኡውን ቮልቴኽ ብእተፈላለየ ሸነኽ ፍልጠት ኪረኽቡ ጸዓሩ