ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ባህጊ ኣለዎም

ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ባህጊ ኣለዎም

ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ባህጊ ኣለዎም

የሱስ ናብ ኣቦኡ “ፍቓድካ እምበር: ፍቓደይሲ ኣይኹን” ኢሉ ብምጽላይ ንዅሎም ክርስትያናት ኣርኣያ ገደፈሎም። (ሉቃስ 22:42) ሎሚ: ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነዚ ንየሆዋ ዘሎና ተገዛእነት ዚገልጽ ናይ ትሕትና ቓላት የቃልሕዎ ኣለዉ። ገለ ኻባታቶም ድማ እቶም 52 ተመሃሮ መበል 120 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ይርከብዎም። ብ11 መጋቢት 2006 እቶም ተመረቕቲ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ እተፈላለያ ሃገራት: እንተላይ ኣብቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዅነታት ናይ ምግባር ኣጋጣሚ ስለ እተኸፍተሎም: ባህ ኢልዎም ነበረ።

እዞም ተመረቕቲ ንህይወቶም ብፍቓድ ኣምላኽ ንኺመርሑ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧ ሚስዮናውያን ኰይኖም ኣብ ቦሊቭያ እተመደቡ ክሪስን ለስሊን ዝስሞም ሰብኣይን ሰበይትን: “ርእስና ስለ ዝቐበጽና: ምስ ማሕበር የሆዋ ብምትሕብባር ዝዀነ ይኹን ነገር ንምፍጻም ንርእስና ድልውቲ ኽንገብራ ኢና እንደሊ” ብምባል ነዚ መሊሶምዎ ኣለዉ። (ማርቆስ 8:34) ኣብ ኣልባንያ እተመደቡ ጄሰንን ሸሪን እውን “ካብ የሆዋ እንቕበሎ ዝዀነ ይኹን ምደባ ናይ ገዛእ ርእሱ ብድሆ ኣለዎ። ይኹን እምበር: የሆዋ ምሉእ ትውክልትና ዚግብኦ ዀይኑ ኢና ረኺብናዮ” በሉ።

ንፍቓድ የሆዋ ንኺግዝኡ እተዋህቦም ምትብባዕ

ኣብ ክፍሊ ስእሊ ዜገልግል ዘሎ ኣባል ስድራ ቤትኤል ጆርጅ ስሚዝ: ነቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ብጸሎት ከፈቶ። ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ዜገልግልን ኣቦ መንበር እቲ ስነ-ስርዓት ምረቓን ስቲቨን ለት: ነቶም ተኣከብቲ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም በሎም። ካብ 23 ሃገራት ዝመጹ ኣጋይሽ ኣብዚ ባህ ዜብል ኣጋጣሚ ንኺካፈሉ ናብቲ ኣብ ፓተርሰን: ኒው ዮርክ ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ኸዱ። ሓው ለት ነቶም ተመረቕቲ “ሓደ ኣዝዩ ብርቱዕ” ዝዀነ ነገር ከም ዚዓሙ ነገሮም። ነቲ እቶም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ብቕዱስ ጽሑፋዊ ሓይሊ ገይሮም ዜፍርስዎ ኸም እኒ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ዝኣመሰለ “ጽኑዕ ዕርድታት” ድማ ጠቐሰ። (2 ቈረንቶስ 10:4, 5) “ኣብቶም ኣብ ምድብኩም ዚርከቡ ቕኑዓት ሰባት ዘሎ ጽኑዕ ዕርድታት ንምፍራስ የሆዋ ኺጥቀመልኩም ብምዃኑስ ከመይ ዝኣመሰለ ሓጐስ ኰን እዩ ዜምጽኣልኩም!” ብምባል ከኣ ዛዘመ።

ኣባል እቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዝዀነ ሃሮልድ ጃክሰን: “ክትዝክርዎ ዚግብኣኩም ሒደት ነገራት” ዘርእስቱ መደረ ኣቕረበ። እዞም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ምድላዮም’ ኪርስዑ ኸም ዘይብሎም ድማ ገለጸ። (ማቴዎስ 6:33) ‘ፍቕሪ ኸም እትሃንጽን’ ዕዉት ንምዃን ድማ ኣገዳሲት ከም ዝዀነትን ኪርስዑ የብሎምን። (1 ቈረንቶስ 8:1) “ኣብቲ ምስ ካልኦት ዘሎኩም ርክብ: ፍቕሪ ኸም እትመርሓኩም ግበሩ” ኸኣ በለ።

ቀጺሉ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካልን ካብ 1979 ክሳዕ 2003 ሚስዮናዊ ዀይኑ ዘገልገለን ጀፍሪ ጃክሰን: ነቶም ተመረቕቲ “ሓላፍነትኩም ድዩ፧” ብምባል ሓተቶም። ነቲ ንርእሶምን ንኣገልግሎቶምን ኪህልዎም ዚግብኦ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ድማ ኣጕልሐ። ክርስትያናት ንዘርኢ ሓቂ ኣብ ምዝራእን ማይ ኣብ ምስታይን ብትግሃት ናይ ምዕያይ ሓላፍነት ኣለዎም። ይኹን እምበር: ‘ኣምላኽ ስለ ዜብቍሎ:’ መንፈሳዊ ዕቤት ምሃብ ናይ የሆዋ ሓላፍነት እዩ። (1 ቈረንቶስ 3:6-9) ወሲኹ ድማ ሓው ጃክሰን: “የሆዋ ብመንፈሳዊ ብርቱዓት ኴንኩም ንኽትቅጽሉ ብሓላፍነት ኪሓተኩም እዩ። ካብዚ ዅሉ ዝዓበየ ሓላፍነት ግን ኣየናይ እዩ፧ ንየሆዋን ነቶም እተገልግልዎም ሰባትን ምፍቃር እዩ” በለ።

ሎረንስ ቦወን ዚበሃል ናይ ጊልዓድ መምህር: “ንርእስኹም ብኸመይ ከም እትመርሕዋ ፍለጡ” ዘርእስቱ መደረ ኣቕረበ። የሆዋ: እስራኤላውያን ብበረኻ ኺጐዓዙ ኸለዉ ብተኣምራዊ መገዲ ይመርሖምን የዕቍቦምን ከም ዝነበረ ድማ ነቶም ተመሃሮ ኣዘኻኸሮም። (ዘጸኣት 13:21, 22) ሎሚ ኸኣ በቶም “ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን” ዝዀኑ ቕቡኣት ክርስትያናት ኣቢሉ ይመርሓናን የዕቍበናን ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 3:14, 15) እዞም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ነዚ መምርሒ ዚህብን ዜዕቍብን ሓቂ እዚ ኺድግፍዎ እዮም።

ዋለስ ሊቨራንስ ዚበሃል ካልእ ናይ ጊልዓድ መምህር: እዞም ተመረቕቲ ነቲ ‘ብድሕሪኦም’ ዚሰምዕዎ ቓል ኣምላኽ ከይርስዕዎ ኣዘኻኸሮም። መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ብዙሕ ዘመናት ተጻሒፉ ስለ እተወድአ: ቃል ኣምላኽ ብድሕሬና ኸም ዘሎ ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ። ከምቲ ሓደ ጓሳ ንመጓሰኡ ብድሕሪአን ኰይኑ ዚደሃየን: የሆዋ ድማ ብድሕሪ ህዝቡ ዀይኑ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ መምርሒ ይህቦም ኣሎ። (ኢሳይያስ 30:21፣ ማቴዎስ 24:45-47) ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ከኣ እቶም ተመረቕቲ ነዚ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ እዚ ዘለዎም ሞሳ ንኺዓቢ ሓጊዝዎም እዩ። እዚ “ባርያ” እዚ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም እውን ኣሰናድዩ ኣሎ። እቲ ተዛራባይ ነቶም ተመረቕቲ “ነዚ መዝገብ እዚ ተቐቢልኩም ንኻልኦት ንምምሃር ተጠቐሙሉ” ብምባል ኣተባብዖም።—ማቴዎስ 13:52

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር

ኣብቲ “ወንጌል ንምስባኽ ሃረር ምባል” ዘርእስቱ ኽፍሊ: እቲ ናይ ጊልዓድ መምህር ዝዀነ ማርክ ኑማር እቶም ተመሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝረኸብዎ ተመክሮታት ኣጕልሐ። (ሮሜ 1:15 ትርጕም 1990) ምስ ተመረቕቲ እተገብረ ቓለ-መጠይቕ: ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ ንምስባኽ ሓለፍ ዝበለ ሃረርታ ኸም ዘርኣዩ ዚገልጽ ነበረ።

እቶም ተመረቕቲ በቲ ከነት ፍሎዲን ምስ ሕጂ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዜገልግሉ ዘለዉ ሰለስተ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ዝገበሮ ቓለ-መጠይቕ ተወሳኺ ምትብባዕ ረኺቦም እዮም። ኣብ ደቡብን ማእከላይን ኣመሪካ ዜገልገሉ ሪቻርድ ከለርን ኣለሃንድሮ ላኪዮን ነቲ ዘጋጠሞም እተፈላለየ ፈተናታት ብኸመይ ከም እተዋጽኡሉ ኸምኡውን ሚስዮናውያን ኰይኖም እናገልገሉ ኸለዉ ዝረኸብዎ በረኸት ኣዘንተዉ። ሞኣሰር ፈሊስቢኑ እውን ኣብ ብራዚል ምስቶም ሚስዮናውያን ብሓባር ብምዕያዩ ስልጠና ኸም ዝረኸበ ነገሮም።

ሮበርት ጆንስ: ዉድዎርዝ ሚልስ: ከምኡውን ክሪስቶፈር ስለይ ዝስሞም ሰለስተ ተመክሮ ዘለዎም ሚስዮናውያን: ብደቪድ ሻፈር ቃለ-መጠይቕ ተገብረሎም። እዞም ሰለስተ ኣሕዋት ጸገም ኬጋጥሞም ከሎ ኣብ የሆዋ እምንቶ ኼሕድሩ ኸም ዘለዎም ከም እተማህሩ ኣዘንተዉ። ነቶም ተመረቕቲ ድማ እቲ ኻብ ማሕበር የሆዋ ዝረኸብዎ ስልጠና ነቲ ሚስዮናውያን ኰይኖም ዚምደቡሉ ቦታታት ብግቡእ ከም ዘዳለዎም ኣረጋገጹሎም። ሓው ሚልስ “እቲ ኣብ ጊልዓድ ዝረኸብክዎ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ዘይኰነስ: እቲ ብዛዕባ ትሕትናን ፍቕርን ዝረኸብክዎ ትምህርቲ እዩ ዝያዳ ሓጊዙኒ” ብምባል ደምደመ።

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዜገልግል ጋይ ፒርስ ነቲ “የሆዋ ኣይኪፈሽሎን እዩ” ዘርእስቱ ቐንዲ መደረ ኣቕረበ። ኣዳም ጐዲሉ እዩ: እዚ ግን ብወገን ኣምላኽ ድኽመት ኣሎ ማለት ድዩ፧ ከምቲ ገሊኦም ሰባት ዚብልዎ ኣምላኽ ንኣዳም ፍጹም ገይሩ ኣይፈጠሮን ድዩ፧ ፈጢርዎ እባ ደኣ! ከመይሲ: ‘ኣምላኽ ንሰብ ቅኑዕ ገይሩ እዩ ፈጢርዎ።’ (መክብብ 7:29) እቲ ተዛራባይ: የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝኸበደ ፈተና እናኣጋጠሞ ንጽህናኡ ምሕላው: “ኣዳም ምጕዳሉ ዝዀነ ይኹን ምኽኒት” ኪህበሉ ኸም ዘይክእል ዜረጋግጽ ምዃኑ ገለጸ። እቲ ኣዳም ኣብ ገነት ኤድን ዘጋጠሞ ናይ ተኣዛዝነት ፈተና ኻብቲ የሱስ ብዓወት ዝሓለፎ ፈተና ኣዝዩ ዝቐለለ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣዳም ጐደለ። የሆዋ ግን ከቶ ኣይኪፈሽሎን እዩ። ዕላማኡ ድማ ኪፍጸም እዩ። (ኢሳይያስ 55:11) ሓው ፒርስ ነቶም ሓደስቲ ሚስዮናውያን: “ንየሆዋ በቲ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ኣቢልኩም ክብሪ ናይ ምሃብ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣሎኩም። የሆዋ ኣብቲ ሚስዮናውያን ኴንኩም ንዕኡ እተገልግሉሉ ዘበለ ምሳኹም ይኹን” በሎም።

እቲ ኣቦ መንበር ኰይኑ ዘገልገለ ሓው ለት ካብ እተፈላለያ ኣብያተ-ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዝመጸ ሰላምታ ምስ ኣቕረበ: ነቶም ተመረቕቲ ዲፕሎማን ምድቦምን ዓደሎም። ንነዊሕ ዓመታት ኣባል ስድራ ቤትኤል ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ቨርነን ዋይዝጋርቨር ድማ መዛዘሚ ጸሎት ኣቕረበ።

እቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ነቶም 6,872 ዚኣኽሉ ተኣከብቲ ፍቓድ ኣምላኽ ንኺገብሩ ንቕንኣቶም ኣሐደሶ። (መዝሙር 40:8) ካብቶም ተመረቕቲ ዝዀኑ ኣንድሪውን ኣናን “ርእስና ንየሆዋ ወፊና ኢና። ንሱ ዝሓተተና ዝዀነ ይኹን ነገር ከም እንገብር ድማ ቃል ኣቲና ኢና። ሕጂ ኸኣ የሆዋ ናብ ካመሩን: ኣፍሪቃ ንኽንከይድ ሓቲቱና ኣሎ” በሉ። ንሳቶምን ካልኦት ኣባላት እቲ ኽፍልን ነቲ ዕግበትን ርውየትን ዚህቦም ዕዮ ንምጅማር ተሃንጥዮም ኣለዉ። እወ: ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ባህጊ ኣለዎም።

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ናይቲ ኽፍሊ ስታቲስቲክስ

ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት:- 6

ቍጽሪ እተመደቡለን ሃገራት:- 20

ቍጽሪ ተመሃሮ:- 52

ገምጋም ዕድመ:- 35.7

ኣብ ሓቂ ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 18.3

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 14.5

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ናይ መበል 120 ክፍሊ ተመረቕቲ

ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ስማት: ነቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ቝጽሪ ኻብ ቅድሚት ንድሕሪት ኪኸውን ከሎ: ስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን እዩ።

(1) ሱዛን ራይት፣ ቢኣ ስዋሬስ፣ ቢትያ ክራይሳንት፣ ሎይዳ ዳቨንፖርት (2) ኣና ጆንሰን፣ ሸሪ ኣሊ፣ ኬሚዬ ኬዲ፣ ፒላር ጐሬሮ፣ ኣንኸሊታ ኣሰስ (3) ሉሲ ኦርቲዝ፣ ኪም ላይል፣ ማሪያ ኡዘታ፣ ሬቸል ፔሬዝ፣ ካሪስ ባከስ፣ ክላውድያ ካተሪና (4) ብሪጀት ፓልመር፣ ደቢ ላቪንግ፣ ጀሲካ ማክዶና፣ ዳያን ቦስቶክ፣ ለስሊ በነታቶስ (5) ሞሊ ጃሲኪ፣ አልሳበት ሳራፊያኖስ፣ ኮሪና ስተልተር፣ ሮበርታ ቫይራ፣ ጀኒን ዉን፣ ካረን ፕረንተስ (6) ሃንክ ዳቨንፖርት፣ ሁጎ ክራይሳንት፣ ሞይሰስ ፔሬዝ፣ ኤንዞ ቫይራ፣ ኣንኻል ስዋሬስ፣ ኢታሎ ካተሪና፣ ኮሪ ራይት (7) ከን ኬዲ፣ ጀሲ ማክዶና፣ ማርክ ኦርቲዝ፣ ጄሰን ዉን፣ ጄሲን ኣሊ፣ ሚገል ኣሰስ (8) ዮርጆስ ሳራፊያኖስ፣ ደኒስ ላይል፣ ካርሎስ ኡዘታ፣ ፖል ስተልተር፣ ግረግ ፕረንተስ፣ ኣንድሪው ጆንሰን፣ ክሪስ በነታቶስ (9) ጀረሚ ፓልመር፣ ዌድ ጃሲኪ፣ ስተፈን ቦስቶክ፣ ሆሰ ሚገል ጐሬሮ፣ ስቲቭ ላቪንግ