ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ከምቲ ሓደ ሰብ ብምንዝር ወይ ብቐይዲ-በተኽነት ዚውገድ: ብርኽሰትከ ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺውገድ ይከኣል ድዩ፧

እወ: ሓደ ውልቀ-ሰብ: ምንዝር: ገሊኡ ዓይነት ርኽሰት: ወይ ቀይዲ-በተኽ ተግባር ምስ ዚገብር እሞ ዘይንሳሕ እንተ ዀይኑ: ካብ ጉባኤ ኺውገድ ይከኣል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ: ንሱ ኸኣ ምንዝር: ርኽሰት: ዕብዳን [“ቀይዲ-በተኽነት:” NW]: . . . እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ: . . . ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ” ኺብል ከሎ: ንሰለስቲኡ እዚ ሓጢኣትን ካልእ ኬወግድ ዚኽእል በደላትን ዘርዚሩ ኣሎ።—ገላትያ 5:19-21

ምንዝር (ብግሪኽኛ: ፖርንያ) ካብ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርዓ ወጻኢ ንዚግበር ዘይግቡእ ጾታዊ ርክብ ተመልክት። እዛ ቓል እዚኣ ንዝሙት: ንሽርሙጥና: ከምኡውን ኣብ መንጎ ዘይተመራዓዉ ውልቀ-ሰባት ንዚግበር ጾታዊ ርክብ ኰነ ምስ ዘይተመርዓኻዮ ውልቀ-ሰብ ብኣፍን ብመሃንቱስን ንዚፍጸም ጾታዊ ተግባራት ተመልክት። ምንዝር ገይሩ ዘይንሳሕ ሰብ: ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ቦታ የብሉን።

ቀይዲ-በተኽነት ወይ ዕብዳን (ብግሪኽኛ: ኣሰልጌያ) “ብዕልግና: ንውርምና: ዘይምሕናኽ: ጽያፍ” ተመልክት። እቲ ኒው ታየርስ ግሪክ ኢንግሊሽ ለክሲኮን ከኣ “ቀይዲ ዘይብሉ ህርፋን ጾታዊ ርክብ: . . . ዜስካሕክሕ: ዘይምሕናኽ: ድርቅና” ብምባል ይገልጾ። ካልእ ለክሲኮን ወይ መዝገበ-ቓላት ነታ ቐይዲ-በተኽነት እትብል ቃል “ነቲ ብሕብረተሰብ ተቐባልነት ዘለዎ ቐይዲ ብምሉኡ ዚጥሕስ” ዓይነት ባህርይ ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ።

እዚ ኣቐዲሙ እተዋህበ ትርጕማት እዛ ቓል ከም ዚሕብሮ: ኣብታ “ቀይዲ በተኽነት” እትብል ቃል ክልተ ነገራት ተጠቓሊሉ ኣሎ:- (1) እቲ እተገብረ ነገር ንሕግታት የሆዋ ኣጸቢቑ ዚጥሕስ እዩ: ከምኡውን (2) እቲ ኣበሰኛ ኣኽብሮት ዘይብሉን ደረቐኛን እዩ።

ስለዚ: “ቀይዲ በተኽነት” ንኡስ ንዚበሃል ሕማቕ ተግባር እተመልክት ኣይኰነትን። ንሕግታት ኣምላኽ ኣመና ንዚጥሕስ ከምኡውን ንስልጣንን ሕግታትን መለክዒታትን ናይ ዘይምኽባር ወይ ሕሉፍ ሓሊፍካ ናይ ምንዓቕ መንፈስ ንዚንጸባረቐሉ ተግባራት እያ እተመልክት። ጳውሎስ ንዕብዳን: ወይ ንቐይዲ በተኽነት ምስ ምንዝርና ኣተኣሳሲርዋ ኣሎ። (ሮሜ 13:13, 14) እዛ ባህርይ እዚኣ ኣብ ገላትያ 5:19-21 ምስቲ ንሓደ ሰብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስ ዚገብሮ ሓያሎ ሓጥእ ተግባራት ተዘርዚራ ስለ ዘላ: መግናሕቲ ንምሃብ ወይ እውን ካብኡ ሓሊፉ ኻብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንምውጋድ መሰረት ትኸውን እያ።

ርኽሰት (ብግሪኽኛ: ካታርስያ) ካብተን “ምንዝር:” “ርኽሰት:” ከምኡውን “ዕብዳን (ቀይዲ በተኽነት)” ዚበሃላ ባህርያት እታ ዝሰፍሐት እያ። ንዝዀነ ይኹን ዓይነት ዘይንጹህ ተግባር: ማለት ኣብ ጾታዊ ጕዳያት: ኣብ ዘረባ: ኣብ ተግባር: ከምኡውን ኣብ መንፈሳዊ ርክባት ተጠቓልል። “ርኽሰት” ንብዙሕ ዓይነት ከቢድ ሓጢኣት ትሽፍን።

ኣብ 2 ቈረንቶስ 12:21 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ: ጳውሎስ ነቶም “ቀደም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ ካብቲ ዝገበርዎ ርኽሰትን ምንዝርን ዕብዳንን ዘይተነስሑ” ሰባት ጠቒስዎም ኣሎ። “ርኽሰት” ምስ “ምንዝርን ዕብዳንን [“ቀይዲ በተኽነትን: NW]” ተዘርዚሩ ስለ ዘሎ: ገሊኡ ዓይነት ርኽሰት ናይ ፍርዲ ስጕምቲ ንኺውሰደሉ መሰረት ይኸውን እዩ። እንተዀነ ግን: እታ ርኽሰት እትብል ቃል ኣብ ፍርዲ ዘይቀርብ ጕዳያት እውን ዘጠቓለለት ሰፊሕ ነገራት ዝሓዘት ቃል እያ። ከምቲ ሓደ ቤት ቍሩብ ኪረስሕን ኣመና ኺግዕግዕን ዚኽእል: ደረጃ ርኽሰት እውን እተፈላለየ እዩ።

ብመሰረት: ኤፌሶን 4:19 ጳውሎስ ብዛዕባ ገሊኦም ሰባት “ድንዙዛት ኰይኖም ብስስዔ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቁ” በለ። ስለዚ: ጳውሎስ ከምዚ ዝኣመሰለ “ስስዔ” ዘለዎ “ርኽሰት” ምስ ዕብዳን ወይ ቀይዲ በተኽነት ኣብ ሓደ ደረጃ እዩ ሰሪዕዎ። ሓደ እተጠምቀ ሰብ “ብስስዔ ርኽሰት” ዚገብር እሞ ዘይንሳሕ እንተ ዀይኑ: ብመሰረት ከቢድ ርኽሰት ካብ ጉባኤ ኸም ዚወጽእ ኪግበር ይከኣል እዩ።

ንኣብነት: ሕጹያት ወድን ጓልን ንስምዒት ዜለዓዕል ምድርራዝ ብተደጋጋሚ ግዜ ይፍጽሙ ንበል። እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም እቲ ንቐይዲ በተኽነት ዜመልክት ድርቅና እኳ እንተ ዘይብሎም: ኣብ ተግባራቶም ግን እተወሰነ ስስዐ ኸም ዝነበሮም ሽማግለታት ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ: እቶም ሽማግለታት ብምኽንያት ከቢድ ርኽሰት ናይ ፍርዲ ስጕምቲ ኺወስዱ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ብተደጋጋሚ ምስ ካልእ ሰብ ብተሌፎን ደዊሉ ንጹር ጾታዊ ዘረባ ዚዛረብ ሰብ: ብፍላይ ኣቐዲሙ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምኽሪ እንተ ተዋሂብዎ: እቲ ጕዳዩ ኸም ከቢድ ርኽሰት ጌርካ ኺተሓዝ ግቡእ እዩ።

ሽማግለታት ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነ ኺገብሩ ኸለዉ ምስትውዓል የድልዮም እዩ። ናይ ፍርዲ ስጕምቲ ቕድሚ ምውሳዶም: እንታይ ከም እተገብረን እዚ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተገብረን ተጠንቂቖም ኪምርምሩ ኣለዎም። ንዝዀነ ይኹን ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ዘይቅበል ዘበለ ሰብ ቀይዲ በተኽ ከም ዝዀነ ጌርካ ምውሳን ማለት ኣይኰነን፣ ናይ ፍርዲ ውሳነ ቕድሚ ምውሳዱ እቲ ውልቀ-ሰብ ብተደጋጋሚ ኽንደይ ሳዕ ሓደ ተግባር ከም ዝፈጸመ ብሕሳብ ምቕማር ማለት እውን ኣይኰነን። ሽማግለታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኵነት እንታይን ንኽንደይ ዚኣክል ግዜን ከም እተገብረ: ባህርን ደረጃን እቲ ኣበሳ: ውጥንን ድራኸን እቲ ኣበሰኛ ተጠንቂቖም ብጸሎት ኪግምግሙ ኣለዎም።

ከቢድ ርኽሰት ኣብ ጾታዊ ሓጢኣት ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ንኣብነት: ሓደ እተጠምቀ ንእሽቶ ወዲ ኣብ ውሽጢ ሒደት እዋን እተወሰነ ሽጋራ ኣትኪኹ: ድሕሪኡ ንወለዱ ተናዚዙ ንበል። እንደገና ንኸየትክኽ ወሲኑ እዩ። እዚ ርኽሰት እኳ እንተዀነ: ከቢድ ርኽሰት ወይ “ብስስዔ ርኽሰት” ተፈጺሙ ኺበሃል ዚከኣል ኣይኰነን። ሓደ ሽማግለ ወይ ክልተ ሽማግለታት ምስ ወለዱ ዀይኖም ግቡእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ምስ ዚህብዎ: እኹል ኪኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር: እቲ ወዲ ብተደጋጋሚ ትምባኾ ዜትክኽ እንተ ዀይኑ: እዚ ደይ መደይ ኢልካ ንስጋ ምርካስ ይኸውን፣ ነቲ ኸቢድ ርኽሰት ንምምርማር ከኣ ኮሚተ ፍርዲ ኪቐውም ይኽእል እዩ። (2 ቈረንቶስ 7:1) እቲ ወዲ እንተ ዘይተነሲሑ ድማ ይውገድ።

ገለ ክርስትያናት ስእለ-ጽዩፍ ርእዮም እዮም። እዚ ንኣምላኽ የጕህዮ እዩ: እቶም ሽማግለታት እውን ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይ ከምዚ ብምግባሩ ይስምብዱ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ስእለ-ጽዩፍ ምርኣይ ዘበለ ዅሉ ግን ኮሚተ ፍርዲ ንምቛም መሰረት ኣይከውንን እዩ። ንኣብነት: ሓደ ሓው ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ነቲ ሶፍት-ኮር ወይ “ፈኲስ” ዓይነት ዚበሃል ስእለ-ጽዩፍ ይርኢ ንበል። በቲ ዝገበሮ ሓፊሩ: ንሓደ ሽማግለ ተናዚዙ: ተግባራቱ ንኸይደግሞ ድማ ቈሪጹ እዩ። እቲ ሽማግለ: እቲ ሓው ዝገበሮ ነገር “ብስስዔ ርኽሰት” ፈጺሙ ኺበሃል ከም ዘይከኣል: እቲ ንቐይዲ በተኽነት ዜመልክት ድርቅና እውን ከም ዘየንጸባረቐ ኺውስን ይኽእል እዩ። ናይ ፍርዲ ስጕምቲ እኳ እንተ ዘየድለየ: እዚ ዓይነት ርኽሰት እዚ: ሓያል ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ: ምናልባትውን ሽማግለታት ተኸታቲሎም ዚገብርዎ ሓገዝ የድልዮ እዩ።

እንተዀነ ግን: ሓደ ሓው ንዓመታት ብጾታዊ ሕሱር ዝዀነ ዜፈንፍን ስእለ-ጽዩፍ ብምስጢር ርእዩ: ሓጢኣቱ ንምሕባእ ከኣ ዚከኣሎ ዅሉ ገይሩ ንበል። እቲ ስእለ-ጽዩፍ ምስቓይ: ምእሳር: ብጕጅለ ምግሳስ: ንደቂ ኣንስትዮ ናይ ጭካነ ተግባር ምፍጻም: ወይ ናይ ቈልዑ ስእለ-ጽዩፍ እውን ዘጠቓለለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካልኦት ነቲ ዚገብሮ ዝነበረ ምስ ፈለጡ: ኣመና ሓፊሩ። ድርቅና ዘይብሉ እኳ እንተዀነ: ሽማግለታት ግን ነዚ ጽዩፍ ልማድ እዚ ‘ገዛእ ርእሱ ኸም ዘግዝአ’ ኸምኡውን “ብስስዔ ርኽሰት” ኣዘውቲሩ ኸም ዝፈጸመ: ማለት ከቢድ ርኽሰት ከም ዝፈጸመ ኺውስኑ ይኽእሉ እዮም። ከቢድ ርኽሰት ስለ እተፈጸመ: ኮሚተ ፍርዲ ኪቐውም ይኽእል እዩ። እቲ ኣበሰኛ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ንስሓ እንተ ዘየርእዩን ነቲ ስእለ-ጽዩፍ ናይ ምርኣይ ልማዱ ንኺሓድጎ እንተ ዘይቈሪጹን: ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺውገድ ይከኣል እዩ። እዚ ሓው እዚ ንኻልኦት ነዚ ዜፈንፍን ስእለ-ጽዩፍ ኪርእዩ ናብ ቤቱ እንተ ዓዲምዎም: ብኻልእ ኣዘራርባ ኻልኦት ኪርእዩ እንተ ኣተባቢዑ: እዚ ተግባር እዚ ድርቅና ስለ ዜንጸባርቕ: ምስ ቀይዲ በተኽነት ኪምደብ ይከኣል እዩ።

እታ “ቐይዲ በተኽነት” እትብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ቓል ወትሩ ንኸቢድ ሓጢኣት: መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ጾታዊ ጕዳይ ንዚተሓሓዝ ሓጢኣት እተጠቓልል እያ። ሽማግለታት ሓደ ሰብ ቀይዲ በተኽ ከም ዝዀነ ንምውሳን: ደረቐኛን ነውራምን ጽዩፍን ዘይሓፍርን ንሰባት ዜሰምብድን ኰይኑ ኺረኽብዎ ኣለዎም። በቲ ኻልእ ሸነኽ: ሓደ ድርቅና ዘይብሉ ሰብ ንሕጊ የሆዋ ብምጥሓስ ዝፈጸሞ ኸቢድ ኣበሳ: “ስስዔ” ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳይ ብመሰረት እቲ እተፈጸመ ኸቢድ ርኽሰት ኪተሓዝ ኣለዎ።

ሓደ ሰብ ብኸቢድ ርኽሰት ወይ ቀይዲ በተኽ ብምዃን ገበነኛ እዩ ወይ ኣይኰነን ኢልካ ምውሳን: ንህይወት ዚትንክፍ ጕዳይ ስለ ዝዀነ: ረዚን ሓላፍነት እዩ። ስለዚ: እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳይ ዚፈርዱ: የሆዋ መንፈስ ቅዱሱን ምስትውዓልን ምርዳእን ምእንቲ ኺህቦም ነቲ ሓላፍነት ብጸሎት ኪሕዝዎ ኣለዎም። ሽማግለታት ንንጽህና ጉባኤ ንምሕላው ንቑሓት ኪዀኑ ኣለዎም: ፍርዶም ከኣ ኣብ ቃል ኣምላኽን ኣብቲ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ዚወሃብ መምርሕን እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ። (ማቴዎስ 18:18፣ 24:45) ሽማግለታት ኣብዘን እኩያት መዓልትታት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ነተን “ነቲ እትገብርዎ ዘበለ ጠምቱ: ናይ እግዚኣብሄር እምበር: ናይ ሰብ ኣይኰነን እትፈርዱ” ዚብላ ቓላት ወትሩ ኺዝክሩ ኣለዎም።—2 ዜና መዋእል 19:6