ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብቲ ኣብ ውድብ የሆዋ ዘሎ ሰናይ ነገር ኣተኵር

ኣብቲ ኣብ ውድብ የሆዋ ዘሎ ሰናይ ነገር ኣተኵር

ኣብቲ ኣብ ውድብ የሆዋ ዘሎ ሰናይ ነገር ኣተኵር

“በቲ ኣብ ቤትካ ዘሎ ሠናይ ነገር . . . ክንጸግብ ኢና።”—መዝሙር 65:4 ትርጕም 1990

1, 2. (ሀ) ምስታ ቤተ መቕደስ ዚተሓሓዝ ስርዓት ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ጽልዋ ነይርዎ፧ (ለ) ዳዊት ንህንጸት እታ ቤተ መቕደስ እንታይ መሰናድዎ እዩ ገይሩ፧

 እቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት: ሓደ ኻብቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እተጠቕሱ ሓለፍ ዝበሉ ሰባት እዩ። እዚ ጓሳን ሙዚቀኛን ነብዪን ንጉስን ዝነበረ ሰብ እዚ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ምሉእ ትውክልቲ ገበረ። እቲ ዳዊት ምስ የሆዋ ዝነበሮ ዓሚቝ ብሕታዊ ርክብ: ንኣምላኽ ቤት ንኺሃንጸሉ ባህጊ ኣሕደረሉ። እታ እትህነጽ ቤት ወይ ቤተ መቕደስ: ኣብ እስራኤል ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽትከውን ነበራ። ዳዊት እቲ ምስታ ቤተ መቕደስ ዚተሓሓዝ ስርዓት: ንህዝቢ የሆዋ ሓጐስን በረኸትን ከም ዜምጽእ ፈለጠ። ስለዚ ድማ ንየሆዋ “ኣብቲ ቕዱስ ቦታኻ ኺኃድሩ ዝኃሬኻዮምን ዘቕረብካዮምን ሰባት ብፁዓን እዮም፥ በቲ ኣብ ቤትካ ዘሎ ሠናይ ነገርን፥ ብበረኸት ቅዱስ መቕደስካን ክንጸግብ ኢና” ኢሉ ዘመረሉ።—መዝሙር 65:4 ትርጕም 1990

2 ዳዊት ንህንጸት ቤት የሆዋ ኺቈጻጸር ኣይተፈቕደሉን። ኣብ ክንዳኡስ: እዚ ፍሉይ ዕዮ ንወዱ ሰሎሞን ተዋህበ። ዳዊት እቲ ኻብ ልቡ ዚብህጎ ዝነበረ ዕዮ: ንኻልእ ሰብ ስለ እተዋህበ ኣየጕረምረመን። ንዕኡ ልዕሊ ዅሉ ዘገደሶ ነገር: እታ ቤተ መቕደስ ክትህነጽ ምዃና እዩ። ነቲ ኻብ የሆዋ እተቐበሎ ስነ-ህንጻዊ ንድፊ ንሰሎሞን ብምሃብ ብምሉእ ልቡ ነቲ ፕሮጀክት ደገፎ። ብዘይካዚውን: ብኣሽሓት ንዚቝጸሩ ሌዋውያን ብመሰረት እቲ ዜገልግሉሉ ምድብ ወደቦም: ንህንጸት ቤተ መቕደስ ድማ ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ሃበ።—1 ዜና መዋእል 17:1, 4, 11, 12፣ 23:3-6፣ 28:11, 12፣ 29:1-5

3. ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ እተሰርዐ ስርዓት እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፧

3 እሙናት እስራኤላውያን ነቲ ኣብታ ቤት ኣምላኽ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ እተሰርዐ ስርዓት ደጊፎምዎ እዮም። ንሕናውን ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለና ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን: ነቲ ኣብቲ ምድራዊት ክፋል ውድብ የሆዋ ዚስራዕ ስርዓታት ንድግፎ ኢና። በዚ ኸምዚ ኸኣ ከም ናይ ዳዊት ዓይነት ኣረኣእያ ኸም ዘሎና ነርኢ። ናይ ምጕርምራም መንፈስ የብልናን። የግዳስ: ኣብቲ ኣብ ውድብ ኣምላኽ ዘሎ ሰናይ ነገራት ኢና እነተኵር። ብዛዕባ እቲ ኸነመስግነሉ እንኽእል ሓያሎ ሰናይ ነገራት ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ገለ ኻብኡ እስከ ንርአ።

ነቶም ዚመርሑና ነማስዎም ኢና

4, 5. (ሀ) እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” መዝነቱ ዚፍጽም ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እቲ ዚረኽብዎ መንፈሳዊ ምግቢ ኸመይ ይስምዖም፧

4 ነቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ገንዘቡ ዝሸሞ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ንኸነማስዎ እኹል ምኽንያታት ኣሎና። እቲ በቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ዝቘመ ባርያ ነቲ ብስራት ኣብ ምስባኽ ይመርሕ: ንኣምልኾ ዚኸውን ኣኼባታት ይሰርዕ: ብልዕሊ 400 ቛንቋታት ከኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ይሓትም። ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት: ነዚ “በብጊዜኡ” ዚቐርብ መንፈሳዊ ‘ምግቢ’ ብሞሳ ይምገቡ እዮም። (ማቴዎስ 24:45-47) እምበኣር ብዛዕባ እዚ እነጕረምርመሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብልናን።

5 ሓንቲ ኤልፊ እትበሃል ብዕድመ ዝደፍአት ናይ የሆዋ ምስክር: ንሓያሎ ዓመታት ነቲ ኣብቲ እቲ ባርያ ዘዳልዎ ጽሑፋት ዚርከብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣብ ልባ ብምሕዳር ምጽንናዕን ደገፍን ረኺባ እያ። ኤልፊ ዘለዋ ዓሚቝ ሞሳ: “ብዘይ ውድብ የሆዋ እንታይ ምገበርኩ፧” ኢላ ንኽትጽሕፍ ደሪኽዋ እዩ። ፒተርን አርምግራትን እውን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ዚዀኑ ሓያሎ ዓመታት ገይሮም እዮም። አርምግራት ነቲ እቲ “ፈቃርን ሓላዪን ውድብ የሆዋ” ዝገበሮ ዅሉ መሰናድዎ ሞሳኣ ገሊጻ እያ። እዚ መሰናድዎ እዚ: ነቶም ናይ ምርኣይን ምስማዕን ጸገም ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ከምኡውን ካልእ ፍሉይ ጸገማት ዘለዎም ሰባት ተባሂሉ ዚዳሎ ነገራት እውን የጠቓልል እዩ።

6, 7. (ሀ) ንጥፈታት እተን ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘለዋ ጉባኤታት ብኸመይ እዩ ኽትትል ዚግበረሉ፧ (ለ) ብዛዕባ ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ እንታይ እዩ ተባሂሉ፧

6 እቲ ‘እሙን ባርያ’ በቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ ዚውከል። እዚ ኣመሓዳሪ ኣካል ከኣ ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ዘሎ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዚርከቡ ንእሽቶ ጕጅለ ብመንፈስ እተቐብኡ ሰብኡት ዝቘመ እዩ። እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ነተን ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚርከባ 98,000 ጉባኤታት ኣብ ዚከታተል ኣብያተ-ጽሕፈት ጨንፈር ዜገልግሉ ምኩራት ኣገልገልቲ የሆዋ ይምዝዝ። እቶም መጽሓፍ ቅዱሳዊ ብቕዓታት ዜማልኡ ሰባት: ኣብዘን ጉባኤታት ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኰይኖም ኬገልግሉ ይምዘዙ እዮም። (1 ጢሞቴዎስ 3:1-9, 12, 13) ሽማግለታት ነተን ምሳታቶም ዘለዋ መጓሰ ኣምላኽ ይመርሕወንን ብፍቕሪ ይጓስይወንን እዮም። ክፍሊ እተን መጓሰ ምዃንን ነቲ ኣብ መንጎ እቲ “ሕውነት” ዘሎ ፍቕርን ሓድነትን ምርካብን ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ!—1 ጴጥሮስ 2:17፣ 5:2, 3

7 ብዙሕ ግዜ ውልቀ-ሰባት ኣብ ክንዲ ምዕዝምዛም: ነቲ ኻብ ሽማግለታት ዚረኽብዎ ፍቕራዊ መንፈሳዊ መምርሒ ሞሳኦም ይገልጹ እዮም። ንኣብነት: ቢርጊት እትበሃል ኣብ 30ታት ዕድሚኣ እትርከብ ክርስትያን ሰበይቲ ንውሰድ። ጐርዞ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን: ምስ ሕማቕ መሓዙት ተቐራረበት: ኣበሳ ንምፍጻም እውን ቀሪባ ነበረት። እንተዀነ ግን: እቲ ሽማግለታት ዝሃብዋ ንጹር መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽርን ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾታ ዝሃብዎ ደገፍን: ካብቲ ጐዳኢ ዅነታት ንኽትወጽእ ሓገዛ። ሕጂ ቢርጊት ከመይ ይስምዓ፧ “ክሳዕ ሕጂ ኣባል እቲ ዜደንቕ ውድብ የሆዋ ምዃነይ ኣዝየ እየ ዜመስግነሉ” ትብል። ኣንድሬያስ ዝስሙ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ: “እዚ ብርግጽ ውድብ የሆዋ እዩ: ካብ ኵሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ውድባት ዝበለጸ እዩ” በለ። በቲ ነቲ ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ዘለዎ ሰናይ ነገራት ከነማሱዶ ኣይግባእን፧

እቶም ዚመርሑና ፍጹማት ኣይኰኑን

8, 9. ገሊኦም ብግዜ ዳዊት ዝነበሩ ሰባት እንታይ እዮም ገይሮም፧ ዳዊትከ ነቲ ዝገበርዎ እንታይ ምላሽ ሃበሉ፧

8 ልክዕ እዩ: እቶም ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺመርሑና እተመዘዙ ፍጹማት ኣይኰኑን። ኵላቶም ጌጋታት ይገብሩ: ገሊኦም ከኣ ንኺቈጻጸርዎ ዚጽዕሩሉ ድኽመት ኣለዎም። እሞኸ በዚ ኽንበሳጮዶ ይግባእ፧ ኣይፋልን። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዓብዪ ሓላፍነት እተዋህቦም ሰባት እውን ከይተረፉ ኸቢድ ጌጋታት ፈጺሞም እዮም። ንኣብነት: ዳዊት ገና ንእሽቶ ኸሎ: ነቲ እተረበሸ ንጉስ ሳኦል ብሙዚቃ ንኼህድኦ ተባሂሉ ተጸውዐ። ጸኒሑ: ሳኦል ንዳዊት ኪቐትሎ ፈተነ: ዳዊት ከኣ ህይወቱ ንምድሓን ኪሃድም ነበሮ።—1 ሳሙኤል 16:14-23፣ 18:10-12፣ 19:18፣ 20:32, 33፣ 22:1-5

9 ኣብቲ ግዜ እቲ: ካልኦት እስራኤላውያን ጠላማት ኰይኖም እዮም። ንኣብነት: ሓለቓ ሰራዊት ዳዊት ዝነበረ ዮኣብ: ነቲ ዘመድ ሳኦል ዝነበረ ኣብኔር ቀተሎ። ኣቤሴሎም ንንግስና ኣቦኡ ዳዊት ንምምንዛዕ ውዲት ኣለመ። እቲ ዳዊት ዚኣምኖ ዝነበረ ኣሒቶፌል ዚበሃል ኣማኻሪኡ ድማ ከድዖ። (2 ሳሙኤል 3:22-30፣ 15:1-17, 31፣ 16:15, 21) ኰይኑ ግን: ዳዊት ኣየማረረን፣ ካብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ድማ ኣይረሓቐን። እኳ ደኣስ ብኣንጻሩ እዩ ገይሩ። እቲ ንዳዊት ዘጋጠሞ ጸበባ: ናብ የሆዋ ንኺለግብን ካብ ሳኦል ኣብ ዚሃድመሉ እዋን ዝነበሮ ሰናይ ኣረኣእያ ንኺዕቅቦን ሓገዞ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዳዊት ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “ዎ ኣምላኽ: ምሐረኒ: ነፍሰይ ኣባኻ ተዕቍብ አላ እሞ: ምሐረኒ: እቲ መዓት ክሳዕ ዚሐልፍ: ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ተጸጊዔ እኔኹ።”—መዝሙር 57:1

10, 11. ገርትሩት እትበሃል ክርስትያን ብንእስነታ እንታይ እዩ ኣጋጢምዋ፧ ብዛዕባ ጕድለት እቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትከ እንታይ እያ ዝበለት፧

10 ሎሚ ኣብ ውሽጢ ውድብ የሆዋ ብጥልመት እነማርረሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብልናን። የሆዋ ዀነ መላእኽቱ ዀኑ መንፈሳውያን ጓሶት: ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጠላም ወይ እኩይ እንተ ኣልዩ ስቕ ኢሎም ኣይርእይዎን እዮም። ይኹን እምበር: ኵላትና ብናይ ገዛእ ርእስና ዀነ ብናይ ካልኦት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሰብኣዊ ዘይፍጽምና ንሽገር ኢና።

11 ገርትሩት እትበሃል ንነዊሕ ግዜ ኣምላኺት የሆዋ ዀይና ዘገልገለት: መንእሰይ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን መታለሊት ደኣ እምበር ናይ ምሉእ ግዜ ኣዋጂት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይኰነት ብሓሶት ተኸሰት። ነዚ ብኸመይ ምላሽ ሃበትሉ፧ ገርትሩት በዚ ኣጕረምሪማ ድያ፧ ኣይፋልን። ብ2003 ኣብ 91 ዕድሚኣ ቐቅድሚ ሙማታ: ንህይወታ ምልስ ኢላ ድሕሪ ምምልካት: “እዝን ጸኒሑ ዘጋጠመኒ ተመክሮታትን: ውልቀ-ሰባት ጌጋታት ዚገብሩ ኽነሶም: የሆዋ ንዓና ዘይፍጹማት ሰባት እናተጠቕመ ነቲ ዓብዪ ዕዮኡ ኸም ዚመርሖ ምሂሩኒ እዩ” በለት። ገርትሩት ናይ ካልኦት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘይፍጽምና ኼጋጥማ ኸሎ: ልባዊ ጸሎት ብምግባር ናብ የሆዋ ተጸግዐት።

12. (ሀ) ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ሕማቕ ኣብነት እዮም ሓዲጎም፧ (ለ) ሓሳባትና ኣብ ምንታይ ኢና ኸነተኵሮ ዘሎና፧

12 እቶም ኣዝዮም እሙናትን ውፉያትን ክርስትያናት እኳ እንተዀኑ ፍጹማት ስለ ዘይኰኑ: እተመዘዘ ኣገልጋሊ ጌጋ ኺገብር ከሎ: ‘ንዅሉ ብዘይምጕርምራም ምግባር’ ንቐጽል። (ፊልጲ 2:14) ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ እትርከብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሩ ሒደት ሕማቕ ኣብነታት ምስ እንስዕብሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ! ብመሰረት ይሁዳ እቲ ወደ መዝሙር: ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ናይ ሓሶት መምህራን “ንጕይትነት የቃልሉ: ንመዓርጋት ክብሪውን ይጸርፉ” ነበሩ። ብዘይካዚውን: እዞም ኣበሰኛታት እዚኣቶም “መዕዘምዘምቲ: ንዕድሎም ዚነቕፉ” እዮም ነይሮም። (ይሁዳ 8, 16) እቶም መዕዘምዘምትን ነቐፍትን ዝሰዓብዎ መገዲ ኣይንስዓብ: ኣእምሮና ድማ ኣብቲ በቲ ‘እሙን ባርያ’ ኣቢሉ ዝመጸና ሰናይ ነገራት ነተኵር። ነቲ ውድብ የሆዋ ዘለዎ ሰናይ ነገራት ነማስወሉ: ‘ንዅሉ ድማ ብዘይምጕርምራም ንግበሮ።’

“እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ”

13. ገሊኦም ንእተወሰነ ትምህርትታት የሱስ ክርስቶስ እንታይ ምላሽ እዮም ሂቦምሉ፧

13 ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ነቶም እተመዘዙ ኣገልገልቲ ኼጕረምርሙሎም ከለዉ: ገሊኦም ግን ንትምህርትታት የሱስ እዮም ኣጕረምሪሞምሉ። ኣብ ዮሃንስ 6:48-69 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ: የሱስ “ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ” በለ። “ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ሰሚዖም፤ እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ: መን ኪሰምዖ ይኽእል፧” በሉ። የሱስ ድማ “ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባዚ ኸም ዘጕረምረሙ” ፈለጠ። “ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡውን ኣይከዱን።” እንተዀነ ግን: ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ኣይኰኑን ኣጕረምሪሞም። የሱስ ነቶም 12 ሃዋርያት “ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም፧” ምስ በሎም እንታይ መልሲ ኸም ዝረኸበ እሞ ኣስተብህል። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ጐይታይ: ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ: ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧ ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ አሚንናን ፈሊጥናን አሎና” ኢሉ መለሰሉ።

14, 15. (ሀ) ሒደት ሰባት ብገሊኡ መዳያት ክርስትያናዊ ትምህርትታት ዝጐሃዩ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ካብ ኢማንወል እንታይ ኢና እንመሃር፧

14 ኣብዚ ግዜና ኣቐዲሞም ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሩ እተወሰኑ ሰባት: ብገሊኡ መዳያት ክርስትያናዊ ትምህርትታት ጕህዮምን ነቲ ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ኣጕረምሪሞምሉን እዮም። እዚ ስለምንታይ እዩ ዜጋጥም፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ምጕርምራም መብዛሕትኡ ግዜ ንተግባራት ኣምላኽ ካብ ዘይምርዳእ እዩ ዚብገስ። ፈጣሪ ንህዝቡ በብቝሩብ እዩ ሓቂ ዚገልጸሎም። ስለዚ: ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘሎና ምርዳእ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምዅላዑ ዘይተርፍ እዩ። መብዛሕትኦም ህዝቢ የሆዋ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅላዐ ይሕጐሱ እዮም። ሒደት ግን “እምብዛ ጻድቕ” ብምዃን በቲ እተገብረ ለውጥታት ቅር ይብሎም። (መክብብ 7:16) ትዕቢት ኣብዚ ግደ ኺህልዋ ይኽእል እዩ: ገሊኦም ከኣ ኣብቲ ብርእስኻ ተፈሊኻ ናይ ምሕሳብ መፈንጠራ ወዲቖም እዮም። እቲ ምኽንያት ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ: ከምዚ ዝኣመሰለ ምጕርምራም ናብ ዓለምን መገድታታን ኪስሕበና ስለ ዚኽእል ሓደገኛ እዩ።

15 ንኣብነት: ኢማኑወል ነቲ እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዘዳለዎ ጽሑፋት ጌጋ ኣለዎ ኢሉ ዝኣመነ ናይ የሆዋ ምስክር እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 24:45) በዚ ምኽንያት እዚ: ክርስትያናዊ ጽሑፋትና ምንባብ ሓደጎ: ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ነቶም ኣብ ጉባኤኡ ዝነበሩ ሽማግለታት ድሕሪ ደጊም ናይ የሆዋ ምስክር ኪኸውን ከም ዘይደሊ ነገሮም። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን: እቲ ትምህርትታት ውድብ የሆዋ ቕኑዕ ምንባሩ ፈለጠ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበ: ጌጋኡ ኣመነ: እንደገና ተመሊሱ ናይ የሆዋ ምስክር ድማ ኰነ። ድሕርዚ: ከም ብሓድሽ ሕጉስ ሰብ ኰነ።

16. ብዛዕባ ገለ ክርስትያናዊ ትምህርትታት ዘሎና ጥርጣረ ንኸነወግድ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

16 ንገሊኡ ህዝቢ ኣምላኽ ዚስዕብዎ ትምህርትታት ስለ እንጠራጠሮ: ከነጕረምርም እንተ ተፈቲንናኸ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ዘይዕጉሳት ኣይንኹን። እቲ ‘እሙን ባርያ’ ንሕቶታትና ዚምልስን ንጥርጣረና ዜወግድን ነገር ይሓትም ይኸውን። ከምዚ ኺስምዓና ኸሎ ኻብ ክርስትያን ሽማግለታት ሓገዝ ምሕታት ሰናይ እዩ። (ይሁዳ 22, 23) ጸሎት: ብሕታዊ መጽናዕቲ: ከምኡውን ምስቶም መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ምሕባር: ነቲ ጥርጣረታት ንኸነወግዶን ነቲ በቲ የሆዋ ዚጥቀመሉ መትረብ ኣቢልና እተመሃርናዮ እምነት ዜደልድል ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ሞሳ ንኸነደልድልን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

ኣወንታዊ መንፈስ ሓዝ

17, 18. ኣብ ክንዲ ምጕርምራም: እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧ ስለምንታይከ፧

17 ዘይፍጹማት ሰባት ናይ ምሕጣእ ዝንባለ ኸም ዘለዎም: ገሊኦም ከኣ ብዘይ መሰረት ናይ ምጕርምራም ዝንባለ ኸም ዘለዎም ዚከሓድ ኣይኰነን። (ዘፍጥረት 8:21፣ ሮሜ 5:12) እንተዀነ ግን: ልማደኛታት መጕረምረምቲ እንተ ዄንና: ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ኣብ ሓደጋ ኢና እነእትዎ። ስለዚ: ንዝዀነ ይኹን ናይ ምጕርምራም ዝንባለና ኽንቈጻጸሮ ኣሎና።

18 ብዛዕባ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ነገራት ኣብ ክንዲ እነጕረምርም: ኣወንታዊ ኣረኣእያ እንተ ሒዝና: ከምኡውን ብዕዮ ዕዙዛትን ሕጉሳትን ኣኽበርትን ሚዛናውያንን ብእምነት ጥዑያትን ዚገብረና ልማድ እንተ ስዒብና ሰናይ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:58፣ ቲቶስ 2:1-5) የሆዋ ንዅሉ እቲ ኣብ ማሕበሩ ዘሎ ነገራት ይቈጻጸሮ እዩ: የሱስ እውን ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ዘሎ ምዕባለታት ይፈልጦ እዩ። (ራእይ 1:10, 11) ንኣምላኽን ነቲ ርእሲ እታ ጉባኤ ዝዀነ ክርስቶስን ብትዕግስቲ ተጸበዮም። ሓላፍነት ዘለዎም ጓሶት ነቲ ኺዕረ ዘለዎ ነገራት ንምእራም ኬገልግሉ ይኽእሉ እዮም።—መዝሙር 43:5፣ ቈሎሴ 1:18፣ ቲቶስ 1:5

19. መንግስቲ ኣምላኽ ንጕዳያት ደቅሰብ ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ እትቈጻጸሮ ኣብ ምንታይ ኢና ኸነተኵር ዘሎና፧

19 እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኪጠፍእ እዩ: እታ መሲሓዊት መንግስቲ ኸኣ ንዅሉ ጕዳያት ደቅሰብ ምሉእ ብምሉእ ክትቈጻጸሮ እያ። ክሳዕ ሽዑ ግን: ነፍሲ ወከፍና ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣገዳሲ እዩ! እዚ ኸኣ ኣብ ክንዲ ኣብ ጕድለታት ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና እነተኵር: ነቲ ጽቡቕ ባህርያቶም ንኸነስተብህለሉ ኺሕግዘና እዩ። ኣብቲ ጽቡቕ መዳያት ባህርያቶም ምትኳርና ኼሐጕሰና እዩ። በዚ ኸምዚ ብሰንኪ ምጕርምራም ብስምዒታዊ መዳይ ኣብ ክንዲ እንድቈስ: ብመንፈሳዊ መገዲ ንተባባዕን ንህነጽን ኢና።

20. ኣወንታዊ ኣረኣእያ እንታይ በረኸት ንኸነስተማቕር ይሕግዘና፧

20 ኣወንታዊ መንፈስ ነቲ ምስ ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ብምሕባርና ዝረኸብናዮ ሓያሎ በረኸት ንኽንዝክር የኽእለና። እዚ ውድብ እዚ ጥራይ እዩ ነቲ ናይ ኵሉ ፍጥረት ልዑላዊ ገዛኢ እሙን ዝዀነ። ኣብ ኣምልኾ እቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ንኽትሳተፍ ፍሉይ ኣጋጣሚ ብምርካብካ ኸመይ እዩ ዚስምዓካ፧ ኣረኣእያኻ ኸምቲ ነዚ ዚስዕብ ዝዘመረ ዳዊት ዝነበሮ ኣረኣእያ ይኹን:- “ኣታ ጸሎት እትሰምዕ: ኵሉ ስጋ ናባኻ ኺመጽእ እዩ። ኣብ ቦታኻ ኺሐድር ዝሐሬኻዮን ዘቕረብካዮን ሰብ ብጹእ እዩ። ብበረኸት ቤትካ: ብቕዱስ መቕደስካ ኽንጸግብ ኢና።”—መዝሙር 65:2, 4

ትዝክሮዶ፧

• ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዚመርሑና ዘበሉ መማሰውቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ጌጋ ኺገብሩ ኸለዉ: እንታይ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ፧

• ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘሎና ምርዳእ ኪዅላዕ ከሎ: እንታይ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ፧

• ሓደ ክርስትያን ጥርጣረኡ ንምውጋድ እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ዳዊት ንሰሎሞን ንድፊ እታ ቤተ መቕደስ ሃቦ: ብምሉእ ልቡ ድማ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ደገፈ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ሽማግለታት ተሓጒሶም መንፈሳዊ ሓገዝ ይህቡ