ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ኣይተጕረምርም’

‘ኣይተጕረምርም’

‘ኣይተጕረምርም’

“ንዅሉ ብዘይምጕርምራም . . . ግበርዎ።”—ፊልጲ 2:14

1, 2. ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ፊልጵን ቈረንቶስን ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ምኽሪ እዩ ዝሃቦም፧ ስለምንታይከ፧

 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ናብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ፊልጲ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝጸሓፋ መልእኽቲ: ብዙሕ ናእዳ ሂቡ እዩ። ነቶም ኣብታ ኸተማ እቲኣ ዚነብሩ ዝነበሩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ በቲ ናይ ልግስን ቅንኣትን መንፈሶም ነኣዶም: በቲ ሰናይ ግብሮም ከም እተሓጐሰ ድማ ገለጸ። ይኹን እምበር: ጳውሎስ “ንዅሉ ብዘይምጕርምራም . . . ግበርዎ” ኢሉ ኣዘኻኸሮም። (ፊልጲ 2:14) ስለምንታይ እዩ እዚ ማዕዳ እዚ ዝሃበ፧

2 ምጕርምራም ናብ ምንታይ ኪመርሕ ከም ዚኽእል ጳውሎስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ሒደት ዓመታት ኣቐዲሙ: ነታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ: ምጕርምራም ሓደገኛ ምዃኑ ኣጠንቂቕዋ ነይሩ። እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን: ብተደጋጋሚ ንየሆዋ ኸም ዜቘጥዕዎ ሓበረ። ብኸመይ እዮም ኣቘጢዖምዎ፧ ጐዳኢ ነገራት ብምምናይ: ጣኦታት ብምምላኽ: ብምምንዛር: ንየሆዋ ብምፍታን: ከምኡውን ብምጕርምራም እዩ። ጳውሎስ ነቶም ሰብ ቈረንቶስ ካብዚ ኣብነታት እዚ ኺመሃሩ ኣተባብዖም። “ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕዘምዘሙ እሞ እቲ መጥፍኢ ዘጥፍኦም: ኣይነዕዘምዝም” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ቈረንቶስ 10:6-11

3. ንምጕርምራም ዚምልከት ጕዳይ ሎሚ ንዓና ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧

3 ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለና ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን: ምስቲ ኣብ ጉባኤ ፊልጲ ዝነበረ ዚመሳሰል መንፈስ ኢና እነርኢ። ንሰናይ ግብሪ ቐናኣት ኢና: ኣብ መንጎና ድማ ፍቕሪ ኣላትና። (ዮሃንስ 13:34, 35) ይኹን እምበር: ነቲ ምጕርምራም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ዘምጸኦ ጕድኣት ኣብ ግምት ብምእታው: እቲ “ንዅሉ ብዘይምጕርምራም . . . ግበርዎ” ዚብል ምኽሪ ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ሰናይ እዩ። ፈለማ: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሶም ዘለዉ ዘጕረምረሙ ሰባት እስከ ንመርምር። ድሕሪኡ: ንሕናውን ሎሚ ነቲ ጕድኣት ኬምጽኣልና ዚኽእል ምጕርምራም ምእንቲ ኸነርሕቖ ኽንገብሮ እንኽእል ነገር ክንርኢ ኢና።

ሓደ ሕሱም ኣኼባ ንየሆዋ ኣጕረምረመሉ

4. እስራኤላውያን ኣብቲ በረኻ ዘጕረምረሙ ብኸመይ እዮም፧

4 እታ ‘ምጕርምራም: ምዕርምራም: ምዕዝምዛም: ወይ ሕኒን ምባል’ ዚብል ትርጕም ዝሓዘት ናይ እብራይስጢ ቓል: ምስቲ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ዘሕለፍዎ 40 ዓመት ብምትሕሓዝ ተጠቒሳ ኣላ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚ: እቶም እስራኤላውያን ብዅነታቶም ኣይተሓጐሱን: ነዚ ድማ ብምጕርምራም ገለጽዎ። ንኣብነት: ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኻብ ዚወጹ ሒደት ሰሙናት ጸኒሖም: “ኵሎም ኣኼባ ደቂ እስራኤል ድማ ኣብቲ በረኻ ንሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙሎም።” እስራኤላውያን: “እቲ ኣብ ጥቓ ቝራዕ ስጋ ኾፍ ኢልና: እንጌራ ኽሳዕ እንጸግብ ክንበልዕ ከሎና: ብኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ግብጺ እንተ ንመውት: መን ምሀበና። ንስኻትኩም ነዚ ዅሉ ኣኼባ ብጥሜት ክትቀትሉ ናብ በረኻ ኣውጻእኩምና” ኢሎም ብዛዕባ ዚበልዕዎ ምግቢ ኣጕረምረሙ።—ዘጸኣት 16:1-3

5. እስራኤላውያን ኣብ ዘጕረምረሙሉ እዋን: ከም ሓቂ ንመን እዮም ዘጕረምረሙሉ፧

5 ከም ሓቂ እኳ: የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንእስራኤላውያን ኣብቲ በረኻ ምግብን ማይን ብምቕራብ: ዜድልዮም ኵሉ ድማ ብምሃብ ደጊፍዎም እዩ። እስራኤላውያን ኣብቲ በረኻ ብጥሜት ከይሞቱ ዜስግእ ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይነበረን። ዘይዓግቡ ብምንባሮም ግን: ነቲ ዘጋጠሞም ጸገም ኣጋኒኖም ረኣይዎ: ኬጕረምርሙ ድማ ጀመሩ። ንሙሴን ንኣሮንን እኳ እንተ ኣጕረምረሙሎም: ብዓይኒ የሆዋ ኺርአ ኸሎ ግን ንኣምላኽ ንባዕሉ እዮም ኣጕረምሪሞምሉ። ሙሴ ንእስራኤላውያን: “እግዚኣብሄር እቲ ዘጕረምረምኩምሉ ምጕርምራም ሰሚዕዎ እዩ እሞ: ንሕና እንታይ ኢና፧ ንእግዚኣብሄር ኢኹም እምበር: ንኣና ኣይኰንኩምን ዘጕረምረምኩምልና” በሎም።—ዘጸኣት 16:4-8

6, 7. ኣብ ዘሁልቍ 14:1-3 ተገሊጹ ኸም ዘሎ: ኣረኣእያ እስራኤላውያን እተቐየረ ብኸመይ እዩ፧

6 ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: እስራኤላውያን እንደገና ኣጕረምረሙ። ሙሴ ን12 ሰብኡት ነታ ምድሪ ተስፋ ኺስልይዋ ለኣኾም። ዓሰርተ ኻባታቶም ሕማቕ ወረ ሒዞም ተመልሱ። እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧ “ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ሙሴን ኣብ ኣሮንን ኣጕረምረሙ: ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኸኣ በሎም: ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸም ሞትና ወይ ኣብዚ በረኻ እዚ ኸም ሞትና መን ምሀበና። ንሕና ብሴፍ ክንወድቕ: ኣንስትናን ደቅናን ከኣ ኪማረኹ: ንምንታይ እግዚኣብሄር ናብዛ ምድሪ [ከነኣን] እዚኣ ኣእተወና፧ ናብ ግብጺ እንተ ንምለስዶ ግዳ ኣይምሕሸናን፧”—ዘሁልቍ 14:1-3

7 እስራኤላውያን ዝነበሮም መንፈስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ተቐዪሩ! እቲ ኣብ መጀመርታ ኻብ ግብጺ ሓራ ድሕሪ ምውጻኦምን ቀይሕ ባሕሪ ድሕሪ ምስጋሮምን ዝነበሮም ሞሳ: ንየሆዋ መዝሙር ውዳሰ ንኺዝምሩሉ ደሪኽዎም ነበረ። (ዘጸኣት 15:1-21) ኣብ በረኻ ዝነበረ ዅነታት ስለ ዘይመሽኦምን ንከነኣናውያን ስለ ዝፈርህዎምን ግን: እቲ ዝነበሮም ሞሳ ብቕሬታ ተተክአ። በቲ ናጽነቶም ንኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዜመስግንዎ: በቲ ተሓሪሙና ኢሎም ዝሓሰብዎ ነገራት ንኣምላኽ ወቐስዎ። ስለዚ: ኬጕረምርሙ ኸለዉ: ንመሰናድዎ የሆዋ ግቡእ ሞሳ ኸም ዘይነበሮም እዮም ዜርእዩ ነይሮም። የሆዋ እምበኣር: “ነዚ ዜጕረምርመለይ ሕሱም ኣኼባ እዚ ኽሳዕ መኣዝ ክጾሮ እየ፧” ኪብል ሓቁ እዩ።—ዘሁልቍ 14:27፣ 21:5

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ምጕርምራም

8, 9. ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ተመዝጊቡ ዚርከብ ኣብነታት ምጕርምራም ጥቐስ።

8 እዚ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት ምጕርምራም: ጕጅለታት ህዝቢ ዘይምዕጋቦም ብግህዶ ዝገለጹሉ እዋን እዩ ዜጠቓልል። ብ32 ድ.ክ. የሱስ በዓል ዳስ ንምብዓል ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ግን: “ብዛዕባኡ ይካትዑ [‘ዕርምርም ይብሉ’ NW] ነበሩ።” (ዮሃንስ 7:12, 13, 32) ገሊኦም ሕያዋይ እዩ: ገሊኦም ድማ ኣይኰነን ብምባል ብዛዕባኡ የሕሸዅሽኹ እዮም ነይሮም።

9 ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ: የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቤት ሌዊ: ወይ ማቴዎስ እቲ ተጋዊ ተዓዲሞም ከዱ። “ፈሪሳውያንን ጸሓፍቶምን ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፤ ስለምንታይከ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ትበልዑን ትሰትዩን አሎኹም፧ ኢሎም ኣዕዘምዘሙሎም።” (ሉቃስ 5:27-30) ድሕሪ እተወሰነ እዋን: የሱስ ኣብ ገሊላ “እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ኣነ እየ: ስለ ዝበለ: ኣይሁድ ብዛዕባኡ ኣጕረምረሙ።” አረ ገሊኦም ሰዓብቲ የሱስ እኳ ኸይተረፉ: በቲ ዝበሎ ጕህዮም ኬጕረምርሙ ጀመሩ።—ዮሃንስ 6:41, 60, 61

10, 11. እቶም ኣይሁድ ጽርኢ ዘጕረምረሙ ስለምንታይ እዮም፧ ክርስትያን ሽማግለታት ካብቲ እቲ ጥርዓን እተታሕዘሉ መገዲ ብኸመይ እዮም ኪጥቀሙ ዚኽእሉ፧

10 እቲ ድሕሪ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ነዊሕ ከይጸንሐ እተሰምዐ ምጕርምራም ግን ኣወንታዊ ፍረ እዩ ኣፍርዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሓያሎ ኻብ ወጻኢ የሩሳሌም ዝመጹ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ: በቲ እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ዝገበሩሎም እንግዶት እኳ እንተ ተሓጐሱ: ነቲ ዝነበሮም ኣብ ምምቓል ግን ጸገማት ተላዕለ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “እቶም ኣይሁድ ጽርኢ በቲ ምምቃል ምግቢ ዕለት: ንመበለታቶም ስለ ዝጐሰይወን: ኣብቶም እብራውያን ኣጕረምረሙ።”—ግብሪ ሃዋርያት 6:1

11 እዞም መጕረምረምቲ እዚኣቶም ከምቶም ኣብ በረኻ ዝነበሩ እስራኤላውያን ኣይኰኑን። እዞም ኣይሁድ ጽርኢ: ንርእሶም ንኺጥዕሞም ኢሎም ኣይኰኑን ቅሬታኦም ዝገለጹ። ገሊአን መበለታት ዜድልየን ከም ዘይተማልኣለን እዮም ተዛሪቦም። ብዘይካዚ: እቶም መጕረምረምቲ ኣየሸገሩን: ንየሆዋ ድማ ኣየማረሩን። ናብቶም ሃዋርያት እዮም ጠሪዖም: ንሳቶም ድማ እቲ ጥርዓን ምኽኑይ ብምንባሩ ብቕልጡፍ ስጕምቲ ወሰዱ። እቶም ሃዋርያትሲ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዮም ሰሪዖምሎም! እዞም መንፈሳውያን ጓሶት እዚኣቶም ‘ንጥርዓን ድኻ ኸይሰምዑ ኢሎም እዝኖም ከይዓጽዉ’ ይጥንቀቑ እዮም።—ምሳሌ 21:13፣ ግብሪ ሃዋርያት 6:2-6

ካብቲ ምጕርምራም ዜምጽኦ “ዜመርት” ጽልዋ ተጠንቀቕ

12, 13. (ሀ) ምጕርምራም ዜምጽኦ ሳዕቤን ብምሳሌ ኣብርህ። (ለ) ንሓደ ውልቀ-ሰብ ንኼጕረምርም ዚደፋፍኦ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

12 መብዛሕትኡ እዚ ዝረኣናዮ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት: ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምጕርምራም ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ብዙሕ ጕድኣት ከም ዘውረደ እዩ ዚሕብር። ስለዚ: ብዛዕባ እቲ ምጕርምራም ሎሚ ኼምጽኦ ዚኽእል “ዜመርት” ጽልዋ ኣርዚንና ኽንሓስበሉ ኣሎና። ነዚ ብምሳሌ ምርኣዩ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። እተፈላለየ ዓይነት ብረት ብተፈጥሮኡ ይምርት እዩ። ኪምርት ኪጅምር ከሎ ዕሽሽ እንተ ተባሂሉ: እቲ ብረት ነቲ እተደልዮ ዕላማ ዘየገልግል ክሳዕ ዚኸውን ኪበላሾ ይኽእል እዩ። ታእላው ዘይብለን ማካይን ዚጐሓፋ: ብመካኒካዊ ብልሽት ዘይኰነስ: እቲ እተሰርሓሉ ሓጺነን ኣዝዩ ኻብ ምምራቱ እተላዕለ ዜስግኣ ብምዃነን እዩ። ነዚ ምሳሌ እዚ ምስ ምጕርምራም ብኸመይ ከነተሓሕዞ ንኽእል፧

13 ከምቲ ብረት ናይ ምምራት ዝንበለ ዘለዎ: ሰባት ከኣ ናይ ምጕርምራም ዝንባለ ኣለዎም። እዚ ዚቕልቀለሉ ዝዀነ ይኹን ምልክት ተጠንቂቕና ኽንከታተል ኣሎና። ከምቲ ጠልን ጨዋም ኣየርን ንምራተ ዜቀላጥፎ: ጸበባ ኸኣ ከም እነጕረምርም እዩ ዚገብረና። ውጥረት ንንእሽቶ ዜሕርቕ ነገር: ናብ ዓብዪ መረረ እዩ ዚቕይሮ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ስርዓት እዚ ዘሎ ዅነታት እናተበላሸወ ብዝኸደ መጠን: ከም እነማርር ኪገብረና ዚኽእል ነገራት እናበዝሐ እዩ ዚኸይድ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ስለዚ: ሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ ብዛዕባ ኻልእ ሰብ ኬጕረምርም ኪጅምር ይኽእል እዩ። እቲ ጠንቂ ዚኸውን ንእሽቶ ጕዳይ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት ሓደ ኻልእ ሰብ ብዘለዎ ድኽመት: ክእለት: ወይ ብዝረኸቦ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣገልግሎት ዘይምሕጓስ ከምዚ ኼበግስ ይኽእል እዩ።

14, 15. ናይ ምዕዝምዛም ዝንባለ ብዘይ ቍጽጽር ክንሓድጎ ዘይብልና ስለምንታይ እዩ፧

14 ዘጕሃየና ምኽንያት ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ: ናይ ምዕዝምዛም ዝንባለና እንተ ዘይተቘጻጺርናዮ: ናይ ዘይምዕጋብ መንፈስ ኪሰፍንን ልማደኛታት መጕረምረምቲ ኺገብረናን ይኽእል እዩ። እወ: እቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ከም ምራተ ኼበላሹ ዚኽእል ምጕርምራም ምሉእ ብምሉእ ኬበላሽወና ይኽእል እዩ። እስራኤላውያን ኣብቲ በረኻ ብዛዕባ ህይወቶም ምስ ኣጕረምረሙ: ንየሆዋ ኽሳዕ ምውቃስ በጽሑ። (ዘጸኣት 16:8) ፈጺምና ኸምኦም ኣይንኹን!

15 ንብረት ጸረ-ምራተ ብምልካይ: ኣብቲ ምራተ ዚጅምረሉ ቦታታት ከኣ ቀልጢፍካ ስጕምቲ ብምውሳድ ንኸይምርት ክትከላኸለሉ ይከኣል እዩ። ብተመሳሳሊ: ናይ ምዕዝምዛም ዝንባለ ኸም ዘሎና እንተ ኣስተብሂልና: ቀልጢፍና ብጸሎት ምስ እነተኵረሉ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ከነእትዎ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧

ብኣረኣእያ የሆዋ ተመልከት

16. ናይ ምዕዝምዛም ዝንባለ ብኸመይ ኪስገር ይከኣል፧

16 ምጕርምራም ንኣተሓሳስባና ኣብ ገዛእ ርእስናን ኣብ ሽግራትናን ከም ዜተኵር ብምግባር: ነቲ ኸም መሰኻኽር የሆዋ መጠን እንረኽቦ በረኸት ዕሽሽ ከም እንብሎ ይገብር። ናይ ምዕዝምዛም ዝንባለ ኸነወግድ እንተ ደሊና: ነዚ በረኸት እዚ ወትሩ ቐዳማይ ቦታ ኽንህቦ ኣሎና። ንኣብነት: ነፍሲ ወከፍና ስም የሆዋ ናይ ምጻር ዜደንቕ ክብሪ ኣሎና። (ኢሳይያስ 43:10) ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ከነማዕብል: ነቲ ‘ጸሎት ዚሰምዕ’ ከኣ ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ኽንዛረቦ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 65:2፣ ያእቆብ 4:8) እቲ ንናይ ኵሉ ፍጥረት ልዑላውነት ዚምልከት ጕዳይ ስለ እተረዳእናዮን ንኣምላኽ ዘሎና ንጽህና ሓሊና ምምልላስ ፍሉይ ክብሪ ምዃኑ ስለ እንፈልጦን: ህይወትና ናይ ሓቂ ትርጕም ኣለዋ። (ምሳሌ 27:11) ኣብ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣዘውቲርና ኽንካፈል ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 24:14) ኣብቲ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ ዘላትና እምነት: ንጹህ ሕልና ንኺህልወና ተኽእለና። (ዮሃንስ 3:16) እንጻወሮ ዘለና ጸገም ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ: ነዚ ዅሉ በረኸት እዚ ንረክብ ኢና።

17. ዋላኳ ንኸነዕዘምዝም ብቑዕ ምኽንያት እንተ ኣልዩና: ነቲ ጕዳይ ብኣረኣእያ የሆዋ ኽንርእዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

17 ብኣረኣእያና ዘይኰነስ: ብኣረኣእያ የሆዋ እስከ ንርአ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ዎ እግዚኣብሄር: ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ: መገድታትካ ምሀረኒ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 25:4) ንኸነዕዘምዝም ብቑዕ ምኽንያት እንተ ኣልዩና: እዚ ኻብ ዓይኒ የሆዋ ኣየምልጥን እዩ። ነቲ ጕዳይ ብኡንብኡ ኼዐርዮ ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ስለምንታይ እዩ ሓድሓደ ግዜ ጸበባ ኪቕጽል ዚፈቅድ፧ ከም ትዕግስቲ: ጽንዓት: እምነት: ዓቕሊ ዝኣመሰለ ሰናይ ባህርያት ንኸነማዕብል ኢሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ያእቆብ 1:2-4

18, 19. ዘይምሹእ ኵነታት ከየጕረምረምና ምሕላፍ: እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል ኣብርህ።

18 ንዘይምሹእ ኵነታት ከየጕረምረምና ምሕላፍና: ንባህርያትና የመሓይሾ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቶም ንኣኻይዳና ዚዕዘቡ እውን ጦብላሕታ ኺሓድገሎም ይኽእል እዩ። ብ2003 ኣብ ጀርመን ዚርከቡ ሓደ ጕጅለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብ ሃንጋሪ ኣብ ዚግበር ዓብዪ ኣኼባ ንምክፋል ብኣውቶቡስ ተጓዕዙ። እቲ መራሕ ኣውቶቡስ ናይ የሆዋ ምስክር ኣይነበረን: ንዓሰርተ መዓልቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግዜ ኼሕልፍ ድማ ኣይደለየን ነይሩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ጕዕዞ ግን: ኣተሓሳስባኡ ምሉእ ብምሉእ ቀየረ። ስለምንታይ፧

19 ኣብ መገሻ: እተፈላለየ ሽግራት ኣጋጢምዎም ነበረ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን በዚ ኣየዕዘምዘሙን። እቲ መራሕ ኣውቶቡስ ቅድሚኡ ኻብ ዘጋጠምዎ ጕጅለታት ተጓዓዝቲ እቶም ዝበለጹ ምዃኖም ገለጸ። አረ ኣብ ዚቕጽል እዋን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ገዛኡ ምስ ዚመጹ: ናብ ቤቱ ኣእትዩ ጽን ኢሉ ኺሰምዖም ምዃኑ እውን ተመባጺዑ እዩ። እቶም ተጓዓዝቲ ‘ንዅሉ ብዘይምጕምራም ብምግባሮም’ ከመይ ዝበለ ሰናይ ጦብላሕታ ዀን እዮም ሓዲጎም!

ይቕረ ምባል ሓድነት የስፍን

20. ንሓድሕድና ይቕረ ኽንበሃሃል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

20 ንኣማኒ ዝዀነ ብጻይና እንወቕሰሉ ምኽንያት እንተ ኣልዩና: እንታይ ክንገብር ይግባእ፧ እቲ ጕዳይ ከቢድ እንተ ዀይኑ: እቲ ኣብ ማቴዎስ 18:15-17 ዚርከብ የሱስ እተዛረቦ ስርዓት ክንዓየሉ ኣሎና። መብዛሕትኡ በደላት ንኣሽቱ ስለ ዝዀነ ግን: ከምዚ ምግባር ኵሉ ሳዕ ዜድሊ ኣይኰነን። ነቲ ዅነታት እቲ: ይቕረ እትብለሉ ኣጋጣሚ ጌርካ ንምንታይ ዘይትርእዮ፧ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ [“የሆዋ:” NW] ይቕረ ዝበለልኩም: ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪ: ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ: ልበስዋ።” (ቈሎሴ 3:13, 14) ይቕረ ንኽንብል ድሉዋት ዲና፧ የሆዋ ንኪኸሰና ምኽንያትዶ የብሉን እዩ፧ ኰይኑ ግን: ብተደጋጋሚ ይድንግጸልናን ይቕረ ይብለልናን እዩ።

21. እቶም ምጕርምራም ዚሰምዑ እንታይ ኪስምዖም ይኽእል፧

21 እቲ ጠንቂ ሽግርና ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ: ምጕርምራም ኣይፈትሖን እዩ። እታ “ምጕርምራም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል: “ሕኒን ምባል” ማለት እውን ክትከውን ትኽእል እያ። መብዛሕትና ወግሐ ጸብሐ ምስ ዜጕረምርም ሰብ ምዃን ደስ ኣይብለናን እዩ: ካብኡ ኽንርሕቕ ድማ ኢና እንጽዕር። ምስ እነጕረምርም ወይ ሕኒን ምስ እንብል: እቶም ዚሰምዑና ተመሳሳሊ ስምዒት እዩ ዚስምዖም። ንሳቶም እውን በዚ ደስ ስለ ዘይብሎም: ካባና ኺርሕቑ ይኽእሉ እዮም! ሕኒን ምባል ኣቓልቦ ሓደ ሰብ ኪስሕብ ይኽእል ይኸውን: ብርግጽ ግን ንልቢ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይስሕብን እዩ።

22. ሓንቲ ጓል ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ በለት፧

22 ይቕረ በሃሊ ምዃን ሓድነት የስፍን: እዚ ኸኣ ብህዝቢ የሆዋ ኣኽቢርካ ዚርአ እዩ። (መዝሙር 133:1-3) ኣብ ሓንቲ ኣብ ኣውሮጳ እትርከብ ሃገር: ሓንቲ ጓል 17 ዓመት ካቶሊክ: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዋ ኣድንቖት ንምግላጽ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “እቶም ኣባላታ ብጽልኢ: ብህርፋን: ብዘይተጻዋርነት: ብስስዐ: ወይ ሓድነት ብዘይምህላው ዘይከፋፈሉላ እንኮ ዝፈልጣ ውድብ እያ።”

23. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንመያየጠሉ፧

23 ንዅሉ እቲ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ እነምልኽ ከም ምዃንና መጠን እንረኽቦ መንፈሳዊ በረኸት ዘሎና ሞሳ: ሓድነት ንኺህልወናን ብብሕታዊ ጕዳይ ንኻልኦት ንኸይነጕረምርመሎምን ይሕግዘና። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ: ኣብ ዝያዳ ሓደገኛ ዓይነት ምጕርምራም—ማለት ብዛዕባ ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ኣብ ምጕርምራም—ንኸይንጽመድ: ኣምላኽ ዚምህረና ባህርያት ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ኽንርኢ ኢና።

ትዝክሮዶ፧

• ምጕርምራም እንታይ የጠቓልል፧

• ሳዕቤን ምጕርምራም ብኸመይ ከተብርሆ ትኽእል፧

• ናይ ምጕርምራም ዝንባለና ንኸነወግዶ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

• ይቕረ ንምባል ድሉው ምዃን ንኸይነጕረምርም ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ከም ሓቂ እስራኤላውያን ንየሆዋ እዮም ኣጕረምሪሞምሉ!

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ብኣረኣእያ የሆዋ ዲኻ እትርኢ፧

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ይቕረ ምባል ክርስትያናዊ ሓድነት የስፍን