ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እስራኤል ንዚበሃል ህዝቢ ዜመልክት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዘይኰነ መወከሲ

እስራኤል ንዚበሃል ህዝቢ ዜመልክት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዘይኰነ መወከሲ

እስራኤል ንዚበሃል ህዝቢ ዜመልክት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዘይኰነ መወከሲ

ኣብቲ ኣብ ግብጺ ዚርከብ ቤተ-መዘክር ካይሮ: ኣብ ሓደ ሓወልቲ: ፈርኦን መርነፕታ ዝረኸቦ ዓወታት ተዘርዚሩ ኣሎ። ብመሰረት ግምት ምሁራት: እዚ ኣብ መበል 13 ወዱ ንራዕምሴስ ካልኣይ: ካብ 1212 ክሳዕ 1202 ቅ.ክ. ኣብ ዘሎ እዋን ኣቢሉ ኸም ዝገዝአ ይንገር። እዚ ኸኣ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል መሳፍንቲ ኣብ ዚገዝኡሉ ዝነበሩ ዳሕረዋይ ዓመታት እዩ። እተን ኣብቲ ሓወልቲ መርነፕታ ዚርከባ ናይ መወዳእታ ኽልተ መስመራት ከምዚ ይንበባ:- “ከነኣን ብዅሉ ሽግር ተዘሚቱ። ኣስቃሎን ተማሪኹ: ጌዘር ተታሒዙ: ያኖዓም በሪሱ። እስራኤል ዓንዩ: ዘርኡ ኸኣ የለን።”

ኣብዚ ቦታ እዚ እታ “እስራኤል” እትብል ቃል ንምንታይ ተመልክት፧ ኣብ ሃይረግሊፋዊ ጽሑፋት: ማለት ኣብቲ ጥንታውያን ግብጻውያን ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ስእላዊ ጽሑፋት: እቲ ቓላት ምስ ኣየናይ ምድብ ከም ዚምደብ ንምሕባር: ገሊኡ ወሰንቲ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዘይድመጽ ምልክታት ይውሰኽ ነበረ። እታ ዘ ራይዝ ኦቭ ኣንሽየንት እዝራኤል ዘርእስታ ጽሕፍቲ: “ካብተን ኣርባዕተ: ምስተን ሰለስተ ኣሃዱታት: ማለት ምስ ኣስቃሎን: ጌዘር: ከምኡውን ያኖዓም: ተተሓሒዙ ዚርከብ ከተማታት ምዃነን ዚሕብር ወሳኒ ኣለወን። . . . እቲ ምስ እስራኤል ተተሓሒዙ ዘሎ ወሳኒ ግን: ንህዝቢ እዩ ዜመልክት።”—ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

ኣገዳስነት እዚ ጽሑፍ እዚ እንታይ እዩ፧ ሀርሸል ቫንክስ ዚበሃል ኣሰናዳውን ደራስን ከምዚ ብምባል ይምልስ:- “እቲ ሓወልቲ መርነፕታ ብ1212 ቅ.ክ. እስራኤል ተባሂሎም ዚጽውዑ ህዝቢ ኸም ዝነበሩ: ከምኡውን ፈርኦን ግብጺ ብዛዕባኦም ይፈልጥ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ውግእ ንዓታቶም ምስዓሩ ኺጃሃረሉ ዚግባእ ነገር ገይሩ ኸም ዝረኣዮ ይሕብር።” ዊልያም ጂ. ደቨር ዚበሃል ብዛዕባ ስነ-ጥንቲ ቐረባ ምብራቕ ዜጽንዕ ፕሮፌሰር ከምዚ ዚብል ርእይቶ ሃበ:- “እቲ ሓወልቲ መርነፕታ ብዘየማትእ መገዲ ነዚ ዚስዕብ እዩ ዚነግረና:- ግብጻውያን ብመጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ ስለ ዘይጽለዉን ንፕሮፓጋንዳኦም ኢሎም ድማ ከም ‘እስራኤል’ ዝኣመሰለ ንጹርን ፍሉይን ህዝቢ ኺምህዙ ስለ ዘይክእሉን: ኣብ ከነኣን ‘እስራኤል’ ኢሉ ንርእሱ ዚጽውዕ ሓደ ህዝቢ ኸም ዝነበረ: ስለዚ ድማ ብግብጻውያን ‘እስራኤል’ ተባሂሉ ኸም እተጸውዐ ይነግረና።”

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: እስራኤል ነቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ ያእቆብ እተዋህበ ስም ጌርካ እዩ ንመጀመርታ ግዜ ተገሊጹ። እቶም ዘርኢ 12 ደቂ ያእቆብ ከኣ “ደቂ እስራኤል” ተባሂሎም ተጸውዑ። (ዘፍጥረት 32:22-28, 32፣ 35:9, 10) ሓያሎ ዓመታት ጸኒሑ: ነብዪ ሙሴን ፈርኦን ግብጽን ነቶም ዘርኢ ያእቆብ ኬመልክቱ ኸለዉ ነታ “እስራኤል” እትብል ቃል ተጠቒሞምላ እዮም። (ዘጸኣት 5:1, 2) ሓወልቲ መርነፕታ: እስራኤል ንዚበሃል ህዝቢ ዜመልክት ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ዚወሃቦ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዘይኰነ መወከሲ እዩ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ሓወልቲ መርነፕታ

ውህደት እቲ ኣብ መወዳእታ ዘሎ ሰለስተ ምልክታት: ማለት እተደርበየ በትርን ኮፍ ዝበሉ ሰብኣይን ሰበይትን: ንእስራኤል ወጻእተኛ ህዝቢ ምዃኑ ይገልጾ

[ምንጪ ስእሊ]

Egyptian National Museum, Cairo, Egypt/Giraudon/The Bridgeman Art Library