ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ኬናግፈና ይኽእል እዩ’

‘እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ኬናግፈና ይኽእል እዩ’

“ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ”

‘እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ኬናግፈና ይኽእል እዩ’

እቲ ፍጻመ ኣዝዩ ዚምስጥ ንኪኸውን እዩ ተሓሲቡ ነይሩ። ሓደ ዓብዪ ምስሊ ወርቂ ኣብ ጐልጐል ዱራ ቘመ፣ እዚ ድማ ጥቓ ኸተማ ባቢሎን ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ምስሊ እዚ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኣብ እተረኽቡሉ ፍሉይ ብዝዀነ ጽምብል ኪምረቕ ተቐረበ: ድምጺ መሳርሒታት ሙዚቃ ምስ ሰምዑ ድማ ፍግም ኢሎም ኪሰግዱ ነበሮም። ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዝዀነ ይኹን ሰብ ነቲ ምስሊ እንተ ዘይሰጊዱ: ኣብቲ ጕሁር እቶን ከም ዚድርበ ኣዊጁ ነበረ። መን እሞ እዩ ደፊሩ ነዚ ትእዛዝ እዚ ዚጥሕስ፧

ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዚበሃሉ ሰለስተ ንኣምላኽ ዚፈርሁ ኣምለኽቲ የሆዋ: ፍግም ኢሎም ብዘይምስጋዶም እቶም ተዓዘብቲ ኣዝዩ ገረሞም። ከምዚ ምግባር ነቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘለዎም ምሉእ ተወፋይነት ከም ዚጥሕሶ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (ዘዳግም 5:8-10) ብዛዕባ እቲ ዝወሰድዎ ቘራጽ መትከል ምስ ተሓተቱ: ንነቡካድነጻር ብትብዓት “ዎ ንጉስ: እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኼናግፈና ይኽእል እዩ: ካብ ኢድካውን ኬናግፈና እዩ። ዎ ንጉስ: ንሱ ኼናግፈና እንተ ዘይፈተወ: ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይነምልኾም: ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂውን ከም ዘይንሰግደሉ ፍለጥ” በልዎ።—ዳንኤል 3:17, 18

እቶም ሰለስተ እብራውያን ናብቲ ጕሁር እቶን ምስ ተደርበዩ: ህይወቶም ብተኣምር እያ ተሪፋ። ኣምላኽ ነዞም እሙናት ኣገልገልቱ ንምዕቋብ መልኣኹ ለኣኸ። ኣቐዲሞም ግን ካብ ንየሆዋ ዘይምእዛዝ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኼእትውዋ መረጹ። a እቶም ሽዱሽተ ዘመን ዚኸውን ጸኒሑ ነቶም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ዝበልዎም ሃዋርያት የሱስ ክርስቶስ እውን ተመሳሳሊ መትከል ነበሮም።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29

ንዓና ዚኸውን ኣገዳሲ ትምህርቲ

ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ሰናይ ኣብነታት እምነትን ተኣዛዝነትን ተኣማንነትን እዮም። እዞም ሰለስተ እብራውያን ኣብ የሆዋ እምነት ነበሮም። እቲ ብቕዱሳት ጽሑፋት ዝሰልጠነ ሕልናኦም ኣብ ዝዀነ ይኹን ናይ ሓሶት ኣምልኾ ወይ ሃገራዊ ተወፋይነት ንኺሳተፉ ኣይፈቐደሎምን። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን እንተዀኑ: ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ይውከሉ እዮም። በቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኦም ስለ ዚመርሑ: ኣብ ተግባራት ናይ ሓሶት ኣምልኾ ወይ ኣብቲ ንሕግን ስርዓትን ኣምላኽ ዚጻረር ጽምብል ኣይካፈሉን እዮም።

እቶም ሰለስተ እሙናት እብራውያን ኣብ የሆዋ ተወከሉ: እታ ሃጸያዊት ግዝኣት ባቢሎን ተፈላጥነትን መዓርግን ዝናን እውን እንተ ኣቕረበትሎም: ነቲ ንዕኡ ዝነበሮም ተኣዛዝነት ብዝዀነ ይኹን ነገር ኣይቀየርዎን። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ካብ ዜባላሽዉ መከራ ኺወርዶምን ኪሞቱን እዮም መሪጾም። ከምቲ ቕድሚኦም ዝነበረ ሙሴ ዝገበሮ: ‘ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእይዎ ዀይኖም ተዓጊሶም ጸንዑ።’ (እብራውያን 11:27) የሆዋ ኻብ ሞት የናግፎም ኣየናግፎም ብዘየገድስ: ኣብ ክንዲ ህይወቶም ንምትራፍ ዚለማለሙ ሰለስቲኦም ንጽህናኦም ሓለዉ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኣብነቶም ብምጥቃስ እዩ ኪኸውን ዚኽእል: ብዛዕባ ገሊኦም እሙናት “ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ” ዝበለ። (እብራውያን 11:34) ዘመናውያን ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ንጽህናኦም ኣብ ፈተና ኣብ ዝወደቐሉ ግዜ ኸምዚ ዝበለ እምነትን ተኣዛዝነትን ኣርእዮም እዮም።

ኣምላኽ ነቲ ንዕኡ ዘሎና ተኣማንነት ዓስቢ ኸም ዚህበና እውን: ካብ ተመክሮ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ንመሃር ኢና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “እግዚኣብሄር . . . ንቕዱሳኑ ኸኣ ኣይሐድጎምን” ብምባል ዘመረ። (መዝሙር 37:28) ሎሚ: ኣምላኽ ከምቲ ነቶም ሰለስተ እብራውያን ዘናገፎም ብተኣምራት ኬናግፈና ኣይንጽበን ኢና። ይኹን እምበር: ዝዀነ ይኹን ጸገም የጋጥመና ብዘየገድስ: እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኸም ዚድግፈና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ክሳዕ ሞት እውን እንተዀነ ንጽህናና እንተ ሓሊና: ኣምላኽ ነቲ ጸገም ኬልግሶ ወይ ንኽንጻወሮ ብርታዐ ኺህበና ወይ ከኣ ኬተንስኣና እዩ። (መዝሙር 37:10, 11, 29፣ ዮሃንስ 5:28, 29) ንጽህናና ኣብ ዚፍተነሉ እዋን ካብ ንሰብ ንኣምላኽ ክንእዘዝ እንተ መሪጽና: እምነትናን ተኣዛዝነትናን ተኣማንነትናን እዩ ዚዕወት።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 2006 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሓምለ/ነሓሰ ርአ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ትፈልጥዶ፧

እቶም ሰለስተ እብራውያን ንጽህናኦም ኪፍተን ከሎ ኣብ መወዳእታ 20ታት ዕድሚኦም እዮም ነይሮም።

እቲ እቶን ብእተኻእለ መጠን ኣጸቢቑ ኸም ዚነድድ ተገይሩ ኪኸውን ኣለዎ።—ዳንኤል 3:19