ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ንዝጸበቦ የናግፎ

የሆዋ ንዝጸበቦ የናግፎ

የሆዋ ንዝጸበቦ የናግፎ

“ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ: እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ።”—መዝሙር 34:19

1, 2. ሓንቲ እምንቲ ክርስትያን እንታይ ጸገም እዩ ዘጋጠማ፧ ንሕናኸ ኸምኡ ዝኣመሰለ ስምዒታት ኬጋጥመና ዚኽእል ስለምንታይ ኢና፧

 ከይኮ a ዝስማ ሰበይቲ: ናይ የሆዋ ምስክር ካብ እትኸውን: ልዕሊ 20 ዓመት እያ ገይራ። ንእተወሰነ ግዜ: ስርዕቲ ፈላሚት: ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣዋጂት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይና ኣገልጊላ እያ። ነቲ ፍሉይ ኣገልግሎት እቲ ኣኽቢራ እያ እትርእዮ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግን ብናይ ተስፋ ምቝራጽን ጽምዋን ስምዒታት ተዋሕጠት። “ካብ ምብካይ ሓሊፈ ኽገብሮ ዝኽእል ነገር ኣይነበረን” ትብል። ነቲ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባኣ ንምስናፍ: ንብሕታዊ መጽናዕቲ ዝያዳ ግዜ ወፈየት። “ኰይኑ ግን: ኵነታተይ ክቕይሮ ኣይከኣልኩን። ሞት ክሳዕ ዝምነ እየ ዀይነ” በለት።

2 ከምዚ ዝኣመሰለ ተስፋ ናይ ምቕባጽ ስምዒት ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ምዃንካ መጠን: ንኣምላኽ ውፉይ ምዃንካ ‘ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ተስፋ ስለ ዘለዎ’ ንኽትሕጐስ እኹል ምኽንያታት ኣሎካ። (1 ጢሞቴዎስ 4:8) ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መንፈሳዊ ገነት ኢኻ እትነብር ዘለኻ! እንተዀነ ግን: እዚ ኺበሃል ከሎ ኻብ ጸበባ ዕቝባ ኣሎካ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን! መጽሓፍ ቅዱስ “ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ” ይብል። (መዝሙር 34:19) ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ’ ሰይጣን ድያብሎስ ‘ተታሒዛ ስለ ዘላ’ እዚ ዜገርም ኣይኰነን። (1 ዮሃንስ 5:19) እንተ በዚ እንተ በቲ: ኵላትና ንጽልዋ እዚ ሓቂ እዚ ንርእዮ ኢና።—ኤፌሶን 6:12

ሳዕቤን ጸበባ

3. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ክነሶም ከቢድ ጭንቂ ዘሕለፉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ኣብነታት ጥቐስ።

3 ንነዊሕ ዝቐጸለ ጭንቂ ንብምሉኡ ኣመለኻኽታና ኼጸልምቶ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 15:15) ንኣብነት: ነቲ ቕኑዕ ሰብኣይ ዝነበረ እዮብ ንውሰድ። ኣብ መንጎ እቲ ዘሕለፎ ሕሱም ተመክሮ: “ሰብ: ውሉድ ሰበይቲ: ሓጺር ዕድመ: ጽጉብ ሓሳር እዩ” በለ። (እዮብ 14:1) እዮብ ሓጐሱ ኣጥፍአ። ንእተወሰነ ግዜ የሆዋ ኸም ዝሓደጎ እውን ሓሲቡ ነይሩ እዩ። (እዮብ 29:1-5) ከምዚ ዓይነት ከቢድ ጓሂ እተሰምዖ ኣገልጋሊ ኣምላኽ: እዮብ ጥራይ ኣይነበረን። ሃና ውሉድ ዘይብላ ስለ ዝነበረት: “ብነፍሳ ተመሪራ” ምንባራ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና እዩ። (1 ሳሙኤል 1:9-11) ርብቃ በቲ ኣብ ስድራቤታ ዝነበረ ዅነታት ስለ እተሳቐየት: “ህይወተይ ደኸመት” በለት። (ዘፍጥረት 27:46) ዳዊት ነቲ ጌጋታቱ ኺሓስበሉ ኸሎ: “ምሉእ መዓልቲ ብሓዘን እነብር አሎኹ” በለ። (መዝሙር 38:6) እዚ ሒደት ኣብነታት እዚ: ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ንኣምላኽ ዚፈርሁ ሰብኡትን ኣንስትን ከቢድ ጭንቂ ዘጋጠሞም እዋን ምንባሩ ንጹር ይገብረልና።

4. ሎሚ ኣብ መንጎ ክርስትያናት “ሕሊናኦም ዝዓረቦም” ምህላዎም ዘየገርም ስለምንታይ እዩ፧

4 ክርስትያናትከ ኸመይ ነበሩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ: “ነቶም ሕሊናኦም ዝዓረቦም ከተተባብዕዎም” ኢሉ ኺጽሕፈሎም ኣድልይዎ እዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:14 ትርጕም 1990) ሓደ መወከሲ ጽሑፍ: እታ “ሕሊናኦም ዝዓረቦም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: “ብውጥረት ናብራ ንግዜኡ እተደቝሱ” ማለት ክትከውን ከም እትኽእል ይገልጽ። ገሊኦም ኣብ ጉባኤ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ብመንፈስ እተቐብኡ ዘበሉ ተደቚሶም ምንባሮም ቃላት ጳውሎስ ይሕብር። ሎሚውን ኣብ መንጎ ክርስትያናት ሕልናኦም ዝዓረቦም ወይ እተጨነቑ ኣለዉ። ስለምንታይ ግን እዮም ሕልናኦም ዚዓርቦም፧ ሰለስተ ልሙድ ጠንቅታት እስከ ንርአ።

ሓጥእ ዝንባለና ጭንቂ ኪዀነና ይኽእል

5, 6. ካብ ሮሜ 7:22-25 እንታይ ምጽንናዕ ኪርከብ ይከኣል፧

5 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከምቶም “ድንዙዛት” ዝዀኑ ብልሹዋት ውልቀ-ሰባት ዘይኰኑስ: ብሓጥእ ዝንባለኦም ይሳቐዩ እዮም። (ኤፌሶን 4:19) ከም ጳውሎስ ኪስምዖም ይኽእል እዩ፣ ንሱ “ብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ: ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ” በለ።—ሮሜ 7:22-24

6 ከምቲ ንጳውሎስ እተሰምዖ ዓይነት ስምዒት እተሰምዓካ እዋን ኣሎዶ፧ ዘይፍጽምናኻ ኣጸቢቑ ዚፍለጠካ ምዃኑ: ንኽብደት ሓጢኣት ከም ዚስቈረካ ብምግባር ካብ ክፉእ ንኽትርሕቕ ስለ ዜበርትዓካ: እዚ ስምዒት እዚ ጌጋ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ብጕድለታትካ ወትሩ ኽትሳቐ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ጳውሎስ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጭንቁ ድሕሪ ምጥቃሱ: ኣስዕብ ኣቢሉ “ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ” በለ። (ሮሜ 7:25) እወ: ጳውሎስ እቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ካብቲ ዝወረሶ ሓጢኣት ከም ዜድሕኖ ምትእምማን ነበሮ።—ሮሜ 5:18

7. ሓደ ሰብ ብሓጥእ ዝንባለኡ ንኸይድቈስ እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧

7 ብሓጥእ ዝንባለኻ እተደቘስካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ: በቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል እተዛረቦ ተጸናናዕ:- “ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎ: ጠበቓ ኣብ ኣቦ አሎና: ንሱ የሱስ ክርስቶስ: እቲ ጻድቕ: እዩ። ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ: ብናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ድማ እዩ እምበር: ብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን።” (1 ዮሃንስ 2:1, 2) ብሓጥእ ዝንባለኻ እንተ ተደቚስካ: የሱስ ምእንቲ ፍጹማት ዘይኰነስ: ምእንቲ ሓጥኣን ከም ዝሞተ ወትሩ ዘክር። እወ: “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም።”—ሮሜ 3:23

8, 9. ነቲ ርእስና ናይ ምዅናን ሓሳባት ክንነጽጎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

8 ይኹን እምበር: ኣብ ዝሓለፈ እዋን ከቢድ ሓጢኣት ፈጺምካ ንበል። ነዚ ጕዳይ እዚ ብተደጋጋሚ ናብ የሆዋ ኸም ዝጸለኻሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ካብ ክርስትያን ሽማግለታት እውን መንፈሳዊ ሓገዝ ተዋሂቡካ እዩ። (ያእቆብ 5:14, 15) ብሓቂ ስለ እተነሳሕካ: ክፍሊ እታ ጉባኤ ዄንካ ቐጺልካ ኢኻ። ወይ ከኣ ምናልባት ንእተወሰነ እዋን ካብ ውድብ ኣምላኽ ወጺእካ: ጸኒሕካ ግን ስለ እተነሳሕካ ንጹህ ኣቕዋም ሒዝካ። ኣብ ክልቲኡ ዅነታት: ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝገበርካዮ ሓጢኣት ብምዝካር ክትጭነቕ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ እንተ ተሰሚዑካ: የሆዋ ነቶም ብሓቂ ዚንስሑ “ኣዝዩ” ይቕረ ኸም ዚብል ዘክር። (ኢሳይያስ 55:7) ብዘይካዚውን: ንሱ ምሉእ ብምሉእ እተዀነንካ ዀይኑ ኺስምዓካ ኣይደልን እዩ። ከምዚ ኺስምዓካ ዚደሊ ሰይጣን እዩ። (2 ቈረንቶስ 2:7, 10, 11) ድያብሎስ ጥፍኣት ስለ ዚግብኦ ኺጠፍእ እዩ፣ እንተዀነ ግን: ንስኻውን ተመሳሳሊ ፍርዲ ኸም ዚግብኣካ ዀይኑ ኺስምዓካ ይደሊ እዩ። (ራእይ 20:10) ንሰይጣን በዚ ውዲት እዚ ንኺዕወት ኣይትሕደጎ። (ኤፌሶን 6:11) ኣብ ክንዳኡስ: ኣብዚ መዳይ እዚ ኸምቲ ኣብ ካልእ መገድታት እትገብሮ: ‘ጸኒዕካ ተቓወሞ።’—1 ጴጥሮስ 5:9

9 ሰይጣን ኣብ ራእይ 12:10 “ኸሳስ ኣሕዋትና:” ማለት ከሳስ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። ‘ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይኸሶም’ እዩ። ነዛ ጥቕሲ እዚኣ እንተ ኣስተንቲንካላ: ዋላ እኳ የሆዋ ዚኸሰካን ዚዅንነካን እንተ ዘይኰነ: ባዕልኻ ንርእስኻ እንተ ኸሲስካን እንተ ዀኒንካን: ነቲ ብሓሶት ዚኸስስ ሰይጣን ኸም ዜሐጕሶ ኽትግንዘብ ትኽእል ኢኻ። (1 ዮሃንስ 3:19-22) እሞ ደኣ ስለምንታይ ክሳዕ እትሕለል በቲ ጕድለታትካ ገዛእ ርእስኻ እተሳቒ፧ ሰይጣን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ ኬበላሽዎ ኣይተፍቅደሉ። የሆዋ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃት” ምዃኑ: ድያብሎስ ንኼዑረካ ኣይትሕደጎ።—ዘጸኣት 34:6

ድሩት ዓቕምና ተስፋ ኬቝርጸና ይኽእል

10. ድሩት ዓቕምና ብኸመይ ተስፋ ኬቝርጸና ይኽእል፧

10 ገሊኦም ክርስትያናት እቲ ድሩት ዓቕሞም ነቲ ንኣምላኽ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ስለ ዚጸልዎ ተስፋ ይቘርጹ እዮም። ንዓኻኸ ኸምዚ ይስምዓካ ድዩ፧ ምናልባት ከቢድ ሕማም: ዕድመ ምድፋእ: ወይ ካልእ ኵነታት ከምቲ ቐደም እትገብሮ ዝነበርካ ብዙሕ ግዜ ንኣገልግሎት ንኸይትውፊ ይዓግተካ ይኸውን። ልክዕ እዩ: ክርስትያናት ንኣገልግሎት ኣምላኽ ግዜ ኺዕድጉ ይተባብዑ እዮም። (ኤፌሶን 5:15, 16) ዓቕምኻ ብሓቂ ድሩት ብምዃኑ ግን ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ንኸይትዓዪ እንተ ደሪቱካን እዚ ተስፋ እንተ ኣቝሪጹካን እንታይ እዩ ዚግበሮ፧

11. እቲ ኣብ ገላትያ 6:4 ተመዝጊቡ ዘሎ ምኽሪ ጳውሎስ ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧

11 መጽሓፍ ቅዱስ ድስኩላት ክንከውን ዘይኰነስ: “ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዚወርስዋ” ኽንመስሎም እዩ ዚምሕጸነና። (እብራውያን 6:12) ከምዚ ኽንገብር እንኽእል: ነቲ ሰናይ ኣብነቶም እንተ መርሚርናዮን ንእምነቶም ክንስዕብ እንተ ጽዒርናን ጥራይ እዩ። ይኹን እምበር: ንርእስና ምስ ካልኦት ብምውድዳር እንገብሮ ዘበለ ዅሉ ዜዕግብ ከም ዘይኰነ እንተ ደምዲምና ኣይንጥቀምን ኢና። ስለዚ: ነቲ ጳውሎስ “ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር: ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ: በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ ሰናይ እዩ።—ገላትያ 6:4

12. በቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ክንሕጐስ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

12 ክርስትያናት ብኸቢድ ናይ ጥዕና ጸገማት ዓቕሞም ኣብ ዚድረተሉ ግዜ እውን እንተዀነ: ንኺሕጐሱ እኹል ምኽንያት ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ: “ኣምላኽ ነቲ . . . ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” ብምባል የረጋግጸልና። (እብራውያን 6:10) ካብ ቍጽጽርካ ወጻኢ ዝዀነ ዅነታት ነቲ ሓደ ግዜ ዝነበረካ ደረጃ ንጥፈት ሒዝካ ንኽትቅጽል ኣጸጋሚ ገይርዎ ይኸውን። ብሓገዝ የሆዋ ግን ኣብ ከም ምስክርነት ተሌፎንን ደብዳበ ምጽሓፍን ዝኣመሰለ ገሊኡ መዳይ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብዝያዳ ኽትጽመድ ትኽእል ትኸውን። የሆዋ ኣምላኽ ስለቲ ብምሉእ ነፍስኻ እትገብሮ ኣገልግሎትን ንዕኡ ዀነ ንሰባት ዘርኣኻያ ፍቕርን ከም ዚባርኸካ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።—ማቴዎስ 22:36-40

“ክፉእ ዘመን” ኬረብርበና ይኽእል

13, 14. (ሀ) እዚ “ኽፉእ ዘመን” ብኸመይ እዩ ኼጽብበልና ዚኽእል፧ (ለ) ሎሚ ፍቕሪ ስድራቤት ከም ዘየለ ግሁድ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

13 ነቲ ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ዚህልወና ህይወት ብሃንቀውታ ንጽበዮ እኳ እንተዀንና: ሕጂ ግን ኣብ “ክፉእ ዘመን” ኢና እንነብር ዘለና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) እቲ ዜጨንቕ ፍጻመታት ክንርኢ ኸለና: እንድሕነሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ ዚሕብር ምዃኑ የጸናንዓና እዩ። ኰይኑ ግን: በቲ ኸቢቡና ዘሎ ዅነታት ንጽሎ ኢና። ንኣብነት: ስራሕ እንተ ስኢንካ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ስራሕ ብቐሊሉ ኣይርከብን ይኸውን: ኣዋርሕ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ከኣ የሆዋ ዅነታትካ ዚርእዮ እንተ ዀይኑ ወይ ጸሎትካ ዚሰምዖ እንተ ዀይኑ ኽትጠራጠር ትጅምር። ምናልባት ኣደዳ ኣድልዎ ዄንካ ወይ ካልእ ዓይነት ግፍዒ ወሪዱካ ይኸውን። አረ ኣብ ጋዜጣታት ዚወጽእ ኣርእስተ-ዜና ምስ እትርኢ ጥራይ እኳ: ከምቲ እቲ ጻድቕ ዝነበረ ሎጥ በቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ቐይዲ-በተኽ ሰባት ‘እተሳቐየ’ (‘ዝረብረበ:’ ያንግስ ሊተራል ትራንስሌሽን ኦቭ ዘ ሆሊ ባይብል): ንዓኻውን ከምኡ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ።—2 ጴጥሮስ 2:7

14 ዕሽሽ ክንብሎ ዘይብልና ሓደ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት እተጠቕሰ መዳይ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ: ብዙሓት “ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም” ከም ዚዀኑ ይንበ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:3) ኣብ ብዙሓት ኣባይቲ: ፍቕሪ ስድራቤት ኣመና ጐዲሉ ኣሎ። እወ: ከምቲ ፋሚሊ ቫዮለንስ ዘርእስታ መጽሓፍ ዝበለቶ: “ሰባት ካብ ብኻልኦት ሰባት ንላዕሊ ብኣባላት ስድራቤቶም ንኺቅተሉ: ኣካላዊ መጥቃዕቲ ንኺወርዶም: ወይ ብስምዒታዊ ዀነ ብጾታዊ ንኺህሰዩ ዝሰፍሐ ኣጋጣሚ ኣሎ። . . . እቲ ሰባት ኪፍቀሩሉን ደሓን ኪስምዖምን ዚግብኦ ቦታ: ንገሊኦም ዓበይትን ንኣሽቱን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ሓደገኛ ቦታ እዩ።” እቶም ኣብ ሕማቕ ሃዋህው ዝሰፈኖ ቤት ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት: ጸኒሖም ንጭንቀትን ንተስፋ ምቝራጽን ኪቃልዑ ይኽእሉ እዮም። ንዓኻ ኸምዚ እንተ ኣጋጠሙካ እንታይ እዩ ዚግበሮ፧

15. ፍቕሪ የሆዋ ኻብ ፍቕሪ ዝዀነ ይኹን ሰብ እትበልጽ ብኸመይ እያ፧

15 ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ: እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 27:10) ፍቕሪ የሆዋ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ ወላዲ ወይ ወላዲት ንላዕሊ ኸም ዚበልጽ ምፍላጥሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! ወላዲ ኺነጽገካ: ኺገፍዓካ: ወይ ኪጥንጥነካ ኸሎ ኣዝዩ ዜሳቒ እኳ እንተዀነ: ነቲ የሆዋ ንዓኻ ዘለዎ ሓልዮት ግን ዋላ ሓንቲ ኣይትንክፎን እዩ። (ሮሜ 8:38, 39) ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅሮም ናብኡ ኸም ዚስሕቦም ዘክር። (ዮሃንስ 3:16፣ 6:44) ሰባት ዝገበሩ ይግበሩኻ ብዘየገድስ: እቲ ሰማያዊ ኣቦኻ የፍቅረካ እዩ!

ተስፋ ንኸይትቘርጽ ዚሕግዝ ግብራዊ ስጕምትታት

16, 17. ሓደ ሰብ ተስፋ ምስ ዚቘርጽ: መንፈሳዊ ብርታዐኡ ንምዕቃብ እንታይ ኪገብር ይኽእል፧

16 ንዚስምዓካ ተስፋ ምቝራጽ ንኽትጻወሮ ግብራዊ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: ጥዑይ መደብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ስዓብ። ብፍላይ ተስፋ ኽትቈርጽ ከለኻ: ንቓል ኣምላኽ ኣስተንትነሉ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “ጐይታየ: እግረይ አንደልሀጸ ምስ በልኩ: ጸጋኻ ደገፈኒ። ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሔ: ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ።” (መዝሙር 94:18, 19) ስሩዕ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣእምሮኻ ብዜጸናንዕ ቃላትን ብዜተባብዕ ሓሳባትን ይመልኦ እዩ።

17 ጸሎት እውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ውሽጣዊ ስምዒታትካ ምሉእ ብምሉእ ክትገልጽ እኳ እንተ ዘይከኣልካ: የሆዋ እንታይ ክትብሎ ትፍትን ከም ዘለኻ ይፈልጥ እዩ። (ሮሜ 8:26, 27) እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ: ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን” ብምባል መረጋገጺ ሂቡ ኣሎ።—መዝሙር 55:22

18. ሓደ ናይ መንፈስ ጭንቀት ዘለዎ ሰብ እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ኪወስድ ይኽእል፧

18 ገለ ሰባት ብሰንኪ ሕዱር ናይ መንፈስ ጭንቀት ተስፋ ይቘርጹ እዮም። b ከምዚ ዓይነት ሽግር እንተደኣ ኣልዩካ: ኣቓልቦኻ ብእተወሰነ ኣብታ ኣምላኽ ዘዳልዋ ሓዳስ ዓለምን ኣብቲ “ሓደ እኳ ሕማቕ [“ሕሙም: ትርጕም 1990] እየ: ኣይብልን” እተባህለሉ እዋንን ግበሮ። (ኢሳይያስ 33:24) እቲ ኣሉታዊ ስምዒታትካ ኻብ ሓሓሊፉ ዚፍጠር ግዜያዊ ጭንቀት ንላዕሊ እንተ ዀይኑ: ካብ ሰብ ሞያ ሓገዝ ምድላይ ጥበባዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማቴዎስ 9:12) ብዘይካዚውን: ንርእስኻ ኽንክን ክትገብረሉ ኣገዳሲ እዩ። ጽቡቕ ኣመጋግባን እተወሰነ ምውስዋስን ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዜድሊ ዕረፍቲ ግበር። ተለቪዥን ክትርኢ ኢልካ ኣይተምሲ: ብኣካላውን ብስምዒታውን ረሸሽ ከም ዚብለካ ኻብ ዚገብር ዓይነት መዘናግዒታት ርሓቕ። ልዕሊ ዅሉ: ንኣምላኽ ኣብ ዜሐጕሶ ዕዮታት ተጸመድ! የሆዋ ‘ንብዘሎ ንብዓት ዚደርዘሉ’ ግዜ እኳ እንተ ዘይኣኸለ: ንኽትጻወር ግን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።—ራእይ 21:4፣ 1 ቈረንቶስ 10:13

“ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ” ምንባር

19. የሆዋ ነቶም ዝጸበቦም እንታይ እዩ ተመባጺዑሎም፧

19 መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እኳ እንተዀነ: “እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ” ብምባል የረጋግጸልና። (መዝሙር 34:19) ኣምላኽ ነዚ ብኸመይ ይገብሮ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ካብቲ ‘ናይ ስጋኡ ግራጭ’ ንኺናገፍ ብተደጋጋሚ ምስ ጸለየ: የሆዋ “ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም” በሎ። (2 ቈረንቶስ 12:7-9) የሆዋ ንጳውሎስ እንታይ እዩ ተመባጺዑሉ፧ ንዓኻኸ እንታይ እዩ ተመባጺዑልካ፧ ኣብዚ ግዜ እዚ ኼሕውየካ ዘይኰነስ: ንኽትጻወሮ ሓይሊ ኺህበካ እዩ ተመባጺዑ።

20. ፈተናታት እኳ ዜጋጥመና እንተዀነ: ኣብ 1 ጴጥሮስ 5:6, 7 እንታይ መረጋገጺ እዩ እተዋህበና፧

20 ሃዋርያ ጴጥሮስ: “ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም: ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ: ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 5:6, 7) የሆዋ ስለ ዚሓልየልካ: ኣይኪሓድገካን እዩ። ዜጋጥመካ ፈተናታት ብዘየገድስ ኪድግፈካ እዩ። እሙናት ክርስትያናት “ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ” ምዃኖም ኣይትረስዕ። ንየሆዋ ኸነገልግሎ ኸለና: ንሱውን ጸበባና ንኽንጻወሮ ብርታዐ ኺህበና እዩ። ንዕኡ እሙናት እንተ ዄንና: ዋላ ሓንቲ ነገር ነባሪ መንፈሳዊ ጕድኣት ኬምጽኣልና ኣይክእልን እዩ። እምበኣር: ኣብታ መብጽዓ እተገብረላ ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብን ነቲ ዝጸበቦ ብርግጽ ንሓዋሩ ዜናግፈሉ ግዜ ንምርኣይን: ንየሆዋ ዘሎና ንጽህና ንዓቅብ!

[እግረ-ጽሑፋት]

a ስም ተቐዪሩ እዩ።

b ሕዱር ናይ መንፈስ ጭንቀት: ተስፋ ምቝራጽ ጥራይ ዘይኰነስ: ብርቱዕን ቀጻልን ጓሂ ዚረኣየሉ እዩ። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ 15 ጥቅምቲ 1988 (እንግሊዝኛ) ገጽ 25-9፣ ናይ 15 ሕዳር 1988 ገጽ 21-4 (እንግሊዝኛ)፣ ከምኡውን ኣብ 1 መስከረም 1996 ገጽ 30-1 ተወከስ።

ትዝክሮዶ፧

• ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ከይተረፉ ብጸበባ ዚትንከፉ ስለምንታይ እዩ፧

• ገለ ኻብቲ ንገሊኦም ህዝቢ ኣምላኽ ተስፋ ኸም ዚቘርጹ ዚገብሮም ረቛሒታት እንታይ እዩ፧

• የሆዋ ንጭንቀትና ኽንጻወሮ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

• “ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ” ዘለና ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ህዝቢ የሆዋ ፈተናታት ዜጋጥሞም እኳ እንተዀነ: ንኺሕጐሱ ምኽንያት ኣለዎም

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ምስክርነት ተሌፎን ሓደ ኻብቲ ንየሆዋ እቲ ዝበለጸ ኽትህበሉ እትኽእል መገዲ እዩ