ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰብኣዊ ኽብረት ንዅሉ ኺሕለወሉ ይኽእል

ሰብኣዊ ኽብረት ንዅሉ ኺሕለወሉ ይኽእል

ሰብኣዊ ኽብረት ንዅሉ ኺሕለወሉ ይኽእል

“ዘለኣለማዊ ኽብረት ወድሰብ ዚኽበረላ ሓዳስ ዓለም: እወ ዝሓሸት ዓለም ክንሃንጽ ኣሎና።”—ፕረዚደንት ሕ.መ.ኣ. ሃሪ ትሩማን ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ: ካሊፎርኒያ: ሕ.መ.ኣ.: 25 ሚያዝያ 1945

ልክዕ ከምቶም ንኻልኣይ ውግእ ዓለም ስዒበን ኣብ ዝመጻ ዓመታት ዝነበሩ ሰባት ዝሓስብዎ ዝነበሩ: ፕረዚደንት ትሩማን እውን ሰብ ካብቲ ዝሓለፈ ነገር ተማሂሩ: ክብረት ኵሉ ዚሕለወላ “ሓዳስ ዓለም” ከም ዜምጽእ ይኣምን ነበረ። እቲ ዜሕዝን ግን ዘመናዊ ታሪኽ ካብዚ እተፈልየ እዩ። እቲ “ዘለኣለማዊ ኽብረት ወድሰብ” ብቐጻሊ ተረግጸ: ምኽንያቱ ሱር እቲ ጸገም ደቅሰብ ዘይኰኑስ: እቲ ኻብ ኵሉ ዝዐበየ ጸላኢ ደቅሰብ እዩ።

ሱር እቲ ጸገም

መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ጸላኢ እዚ ሰይጣን ድያብሎስ ኢሉ ይጽውዖ: ንሱ ኻብ መጀመርታ ታሪኽ ወድሰብ ኣትሒዙ ነቲ ኣምላኽ ንኺገዝእ ዘለዎ መሰል ኣብ ሕቶ ዘእተወ እኩይ መንፈሳዊ ፍጥረት እዩ። ካብታ ምስ ሄዋን ኣብ ገነት ኤድን እተዘራረበላ ግዜ ጀሚሩ: ሸቶኡ ንደቅሰብ ካብ ፈጣሪኦም ንምርሓቕ እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 3:1-5) ኣዳምን ሄዋንን: ነቲ ድያብሎስ ዝበሎም ሰሚዖም ብምውዳቖም ዝሰዓበ መሪር ሳዕቤን እሞ ሕስብ ኣብሎ! ነታ እተኸልከለት ፍረ ብዚምልከት እተዋህቦም ሕጊ ኣምላኽ ብዘይምሕላዎም ብኡንብኡ ኽልቲኦም “ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ኣምላኽ . . . ተሓብኡ።” ስለምንታይ፧ ኣዳም “ፈራህኩ: ጥራየይ ከኣ እየ እሞ: ተሐባእኩ” ብምባል ተኣመነ። (ዘፍጥረት 3:8-10) እቲ ምስ ሰማያዊ ኣቦኡ ዝነበሮ ርክብን ንርእሱ ዝነበሮ ኣረኣእያን ተቐየረ። ብግብሩ ስለ ዝሓፈረ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምዃን ከበዶ።

ድያብሎስ ነቲ ኣዳም ንርእሱ ዝነበሮ ኽብሪ ኺንኪ ዝደለየ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ደቅሰብ ብመልክዕ ኣምላኽ እዮም ተፈጢሮም: ሰይጣን ድማ ነቲ ነጸብራቕ ክብሪ ኣምላኽ ብዜበላሹ መገዲ ንኺመላለሱ እዩ ዚደልዮም። (ዘፍጥረት 1:27፣ ሮሜ 3:23) እዚ ምርኣይና: ሰብኣዊ ታሪኽ ብተግባራት ሕስረት ዝመልኣሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ንኽንፈልጥ ይሕግዝ እዩ። ሰይጣን “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ብምዃኑ: ኣብዚ “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ዚስልጥነሉ ጊዜ” ኸምዚ ዝዓይነቱ መንፈስ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 4:4፣ መክብብ 8:9፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን ግቡእ ሰብኣዊ ኽብረት ንዘለኣለም ኣኺልዎ ጠፊኡ ማለት ድዩ፧

የሆዋ ንፍጥረቱ ኣኽበሮ

ኣዳምን ሄዋንን ቅድሚ ምሕጣኦም ኣብ ገነት ኤድን ንዝነበረ ዅነታት እሞ ምልስ ኢልካ ሕሰቦ። እኹል ምግቢ: ዜዕግብ ስራሕ: ከምኡውን ንገዛእ ርእሶምን ንደቆምን ዚኸውን ጥዕና ዝመልኦን ዘለኣለማውን ህይወት ኣብ ቅድሚኦም ተዘርጊሑሎም ነበረ። (ዘፍጥረት 1:28) ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ናብራኦም: ነቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘለዎ ፈቃርን ክቡርን ዕላማ ዜጕልሕ እዩ ነይሩ።

እቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዝነበሮ ሰብኣዊ ኽብረት: ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሓጥኡ ተቐይሩ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይተቐየረን። ነቲ ጥራዮም ብምዃኖም እተሰምዖም ሕፍረት ተረድኣሎም። ብፍቕሪ ተደሪኹ ድማ ነቲ ንመዓጥቖኦም ጥራይ ዚሽፍን ዝነበረ ባዕሎም ካብ ቈጽሊ በለስ ኣላጊቦም ዝሰርሕዎ መኽደኒ ዚትክእ “ደበሎ” ኣሰናደወሎም። (ዘፍጥረት 3:7, 21) ኣብ ክንዲ ብሕፍረት ኪብልዑ ዚሓድጎም: ብኽብረት ሓዞም።

የሆዋ ኣብቲ ጸኒሑ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝነበሮ ርክብ ነቶም መብዛሕትኡ ግዜ ኣደዳ ወጽዓ ዚዀኑ ዝነበሩ ዘኽታማትን መበለታትን ጓኖትን ድንጋጽ ኣርእይዎም እዩ። (መዝሙር 72:13) ንኣብነት: እስራኤላውያን ንግራውቶም: ንተኽሊ ኣውልዖም: ከምኡውን ንወይኖም ኣብ ዚዓጽዱሉ እዋን: ነቲ ቐሪም ኪወስዱ ኢሎም ንኸይምለሱ ተነጊርዎም ነበረ። ኣብ ክንዳኡ: የሆዋ እዚ ቐሪም እዚ “ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ይኹን” ኢሉ ኣዚዝዎም ነበረ። (ዘዳግም 24:19-21) እዚ ሕጊ እዚ ኣብ ግብሪ ኺውዕል ከሎ: ልመና ኸም ዘይህሉን እቶም ድኻታት ውልቀ-ሰባት ክብረት ዘለዎ ስራሕ ከም ዚረኽቡን ይገብር ነበረ።

የሱስ ንኻልኦት ኣኽበሮም

እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ንኻልኦት ሰባት ኣኽበሮም። ንኣብነት: ኣብ ገሊላ ኸሎ: ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ዝበጽሐ ሕማም ለምጺ ዝሓዞ ሰብኣይ ናብኡ መጸ። ብመሰረት ሕጊ ሙሴ እቲ ለምጻም ንኻልኦት ሰባት ምእንቲ ኸየላግበሎም “ርኹስ: ርኹስ” ኢሉ ኺጭርሕ ነበሮ። (ዘሌዋውያን 13:45) እዚ ሰብኣይ እዚ ግን ነዚ መጠንቀቕታ ቓላት ከይጨደረ ናብ የሱስ ቀረበ። ብገጹ ተደፊኡ ድማ ንየሱስ “ጐይታይ: እንተ ትፈቱስ: ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” ኢሉ ለመኖ። (ሉቃስ 5:12) የሱስ እንታይ ምላሽ ሃቦ፧ ነቲ ሕጊ ስለ ዘፍረሰ ኣይገንሖን: ከም ዘይረኣዮ ዀይኑ እውን ዕሽሽ ኣየበሎን። ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ ለምጻም ብምትንካይን “ፈትየ አሎኹ: ንጻህ” ብምባልን ኣኽበሮ።—ሉቃስ 5:13

የሱስ ኣብ ካልእ እዋን: ነቲ ንሰባት ብዘይ ኣካላዊ ምትንኻፍ: ሓድሓደ ግዜ ድማ ካብ ርሑቕ ናይ ምሕዋይ ክእለቱ ኣርእዩ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ነዚ ሰብኣይ ኪትንክዮ መረጸ። (ማቴዎስ 15:21-28፣ ማርቆስ 10:51, 52፣ ሉቃስ 7:1-10) እቲ ሰብኣይ “ለምጺ ዝመልኦ” ስለ ዝነበረ: ምስ ካልእ ሰብ ካብ ዘይተናኸፍ ነዊሕ ከም ዝገበረ እተረጋገጸ እዩ። እንደገና ኻልእ ሰብ ኪትንክዮ ብምኽኣሉ ኽሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! እቲ ሰብኣይ ካብቲ ዝነበሮ ለምጺ ኺሓዊ ጥራይ እዩ ተስፋ ገይሩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: እቲ የሱስ ንዕኡ ዘሕወየሉ መገዲ ኻብዚ ንላዕሊ: ማለት ናይቲ ሰብኣይ ክብረት ዚመልስ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ሕብረተሰብ ከምዚ ዝበለ ንኽብረት ካልኦት ሰባት ዚግበር ተገዳስነት ኣሎ ኽንብል ንኽእል ዲና፧ እንተ ኣልዩኸ ብኸመይ እዩ ዚፍለጥ፧

ኣኽብሮት እተምጽእ ሕጊ

የሱስ ንሰብኣዊ ርክብ ብዚምልከት ነታ ብዙሓት ሰባት ከም ውርይቲ ገይሮም ዚርእይዋ: “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” እትብል መምርሒ ሃበ። (ማቴዎስ 7:12) እዛ መብዛሕትኡ ግዜ ወርቃዊት ሕጊ ተባሂላ እትፍለጥ: ሓደ ሰብ ከምቲ ኻልእ ሰብ ኬኽብሮ ዚደልዮ: ንሱውን ንብጻዩ ኬኽብሮ ትደፋፍኦ።

ከምቲ ታሪኽ ዚሕብሮ: ነዛ መምርሒ እዚኣ ኣብ ግብሪ ምውዓል ብተፈጥሮ ዚመጽእ ነገር ኣይኰነን: እኳ ደኣስ ብዙሕ ግዜ ብኣንጻሩ ምግባር እዩ ቐሊል ዚኸውን። ሓደ ንሕጂ ሃሮልድ ዚብል ስም ዝሃብናዮ ሰብኣይ: “ንኻልኦት ሰባት ምውራድ ባህ እዩ ዚብለኒ ነይሩ” በለ። ቀጺሉ ድማ “ብውሑዳት ቃላት ጥራይ አሕርቖምን አሕፍሮምን: ሓድሓደ ግዜ ድማ አብክዮም ነበርኩ” በለ። ይኹን እምበር: እቲ ሃሮልድ ንኻልኦት ዚሕዘሉ መገዲ ንኺልውጥ ዝገበሮ ሓደ ነገር ኣጋጠሞ። ከምዚ በለ:- “ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኬዘራርቡኒ ጀመሩ። ነቲ ዝበልክዎምን ሓድሓደ ግዜ ንዕኦም ዝሕዘሉ ዝነበርኩ መገድን ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ እሓፍር። ንሳቶም ግን ፈጺሞም ኣይተሓለሉን: ቀስ ብቐስ ድማ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንልበይ ስለ ዝተንከፎ ለውጢ ንኽገብር ደረኸኒ።” ሎሚ: ሃሮልድ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሽማግለ ዀይኑ የገልግል ኣሎ።

ሃሮልድ: “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ: ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ: ነፍስን መንፈስን: መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም: ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ” ምዃኑ ዜርኢ መርትዖ እዩ። (እብራውያን 4:12) ቃል ኣምላኽ ንልቢ ሰብ ብምትንካፍ ንኣተሓሳስባኡን ጠባዩን ናይ ምልዋጥ ሓይሊ ኣለዎ። እዚ ንኻልኦት ሰባት ንኸነኽብሮም ይሕግዘና: ማለት ንኻልኦት ኣብ ክንዲ እንጐድኦም ንኽንሕግዞም: ኣብ ክንዲ እነዋርዶም ድማ ንኸነኽብሮም ልባዊ ባህጊ የሕድረልና።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35፣ ሮሜ 12:10

ግቡእ ክብረት ዚህልወሉ እዋን

እዚ ባህጊ እዚ ኸኣ እዩ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ካልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ተስፋ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺዘራረቡ ዚድርኾም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:42) ንብጻይካ ‘ሰናይ ካብ ምብሳር’ ንላዕሊ ብዝሓሸ መገዲ ኸተኽብረሉ ወይ ዓብዪ ግምት ክትህበሉ እትኽእል ካልእ መዳይ የለን። (ኢሳይያስ 52:7) እዚ “ሰናይ” ነገር እዚ ነቲ “ሓድሽ ሰብ” ምልባስ ዘጠቓለለ እዩ: እዚ ድማ ነቲ “ኽፉእ ትምኒት” ዝዀነ ንኻልኦት ምውራድ ኪቐትሎ እዩ። (ቈሎሴ 3:5-10) ኣብ ርእሲ እዚ: ነቲ የሆዋ ኣብ ቀረባ እዋን ንኽብረት ሰባት ዚምንዝዕ ዘሎ ዅነታትን ኣረኣእያን ከምኡውን ነቲ ነዚ ዚደፋፍእ ዘሎ ሰይጣን ድያብሎስ ዜጥፍኣሉ ዕላማኡ እውን ዘጠቓለለ እዩ። (ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:9, 10፣ ራእይ 20:1, 2, 10) እዛ ምድሪ “ብፍልጠት እግዚኣብሄር” ምስ መልአት ጥራይ እዩ ዅሉ ሰብ ክብረት ዚረክብ።—ኢሳይያስ 11:9

ብዛዕባ እዚ ዜደንቕ ተስፋ እዚ ንኽትመሃር ንዕድመካ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምትሕብባር: ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ንኻልኦት ከም ዜኽብሮም ክትመሃር ኢኻ። ብተወሳኺውን: መንግስቲ ኣምላኽ ከመይ ገይራ ድሕሪ ደጊም ፈጺማ ዘይትጠፍእ “ዘለኣለማዊ ኽብረት ወድሰብ ዚኽበረላ ሓዳስ ዓለም: እወ ዝሓሸት ዓለም” ከም እተምጽእ ክትመሃር ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ንጽህናኦም ምሕላዎም ክብረቶም ሓለወሎም

ብግዜ ኻልኣይ ውግእ ዓለም: ልዕሊ 2,000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምኽንያት እምነቶም ኣብ መዳጐኒ ደምበ ናዚ ተኣስሩ። ኣብ ራቨንስብራክ ተኣሲራ ዝነበረት ገማ ላ ግዋርድያ ግሉክ ኣብታ ማይ ስቶሪ ዘርእስታ መጽሓፋ: ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርኣይዎ ዜደንቕ ንጽህናኻ ናይ ምሕላው ስጕምቲ ብምጥቃስ: “ኣብ ሓደ እዋን: እቶም ጌስታፖ ዝዀነ ይኹን ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ንእምነታቱ እንተ ኽሒዱን ነዚ ዚገልጽ ጽሑፍ እንተ ፈሪሙን: ናጽነት ከም ዚወሃቦን ድሕሪዚውን መስጐጕቲ ኸም ዘይወርዶ ኣፍለጡ” በለት። ነቶም ነዚ ጽሑፍ እዚ ምፍራም ዝኣበዩ ብዚምልከት ድማ “ንኺሳቐዩን ነታ መዓልቲ ሓርነት ብትዕግስቲ ኺጽበዩን መረጹ” ብምባል ጸሓፈት። ከምዚ ዝበለ መትከል ዝወሰዱ ስለምንታይ እዮም፧ ኣብ መእተዊ እታ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ዓንቀጽ ተጠቒሳ ዝነበረት ሕጂ ኣብ 80ታት ዕድሚኣ እትርከብ ማግዳሌና: “ንየሆዋ እሙን ኴንካ ምጽናሕ: ካብቲ ዝኸፈልካ ኸፊልካ ብህይወት ምጽናሕ ንላዕሊ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ንጽህናና ምሕላው: ክብረትና ምሕላው ማለት እዩ” በለት። a

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ስድራቤት ኩሰሮው ዝርዝር ጸብጻብ እንተ ደሊኻ: ናይ 1 መስከረም 1985 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 10-15 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ነቶም ዘሕወዮም ኣኽበሮም

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኻልኦት ‘ሰናይ ብስራት’ ብምክፋል የኽብርዎም