ነፍስኻ ምሕሳምን መንፈሳውነትን
ነፍስኻ ምሕሳምን መንፈሳውነትን
እቲ ንጉስ ፈረንሳ ዝነበረ ሉዊ ታሽዓይ: ካብ ጸጕሪ እንስሳ እተሰርሐ ልብሲ ይለብስ ነበረ። ሰር ቶማስ ሞር እውን ብግዜ ንእስነቱ ብዛዕባ ሕጊ ኼጽንዕ ከሎ: ተመሳሳሊ ዓይነት ልብሲ ይኽደን ስለ ዝነበረ: 19 ወይ 20 ሰዓት ንቑሕ ኰይኑ ይጸንሕ ነበረ። አረ ሕሉፍ ሓሊፉስ ኣብ ህይወቱ ንብዙሕ ዓመታት ካብ ጸጕሪ እንስሳ እተሰርሕ ልብሲ ብምልባሱ እዩ ዚፍለጥ። እቲ ሊቀ-ጳጳሳት ካንተርበሪ ዝነበረ ቶማስ ቤከት: ኣብ ካቴድራል ካንተርበሪ ምስ ተቐትለ: ብትሕቲ እቲ ገይርዎ ዝነበረ ኽዳን እዚ ኻብ ጸጕሪ እንስሳ እተሰርሐ ልብሲ ተረኽበ። ነዞም ዝረኣናዮም ኣብ ታሪኽ ዝነበሩ ሰባት እንታይ ዜመሳስሎም ነገር ኣሎ፧ ኵሎም ነዚ ኻብ ጸጕሪ እንስሳ እተሰርሐ ልብሲ ብምልባስ ኣብ ስጋኦም ኣካላዊ ስቓይ ኣውረዱ።
እዚ ልብሲ እዚ: ካብ ጸጕሪ ጤል ስለ ዚስራሕ ሻሕካር እዩ: ምስ ኣካላትና ጠቢቑ ስለ ዚልበስ ድማ ንስጋና ቐጭቀጭ ብምባልን ንቘርበትና ብምፍሕፋሕን የሸግረና። ብተወሳኺውን: መፋረዪ ቝማል እዩ ዚኸውን። ቶማስ ቤከት ነዚ ልብሲ እዚ “ብባልዕ ክሳዕ ዚውረር” ምስ ብተመሳሳሊ እተሰርሐ ሓጺር ስረ ብሓባር ገይርዎ ኸም ዝነበረ እዩ ዚንገር። ድሕሪ መበል 16 ዘመን: እዚ ኻብ ጸጕሪ ጤል ዚስራሕ ልብሲ: በቲ ናብ ኣካላት ገጹ ዝቐንዐ በሊሕ ስልኪ ዘለዎ ኽዳን ኪቕየር ጀመረ። ከምዚ ዓይነት ልብሲ ምልባስ ድማ ካብቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ዓይነት ዝገደደ ስቓይ እዩ ዜስዕብ።
ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝበሎ: እዚ ኽዳን እዚ ዚግበረሉ ቐንዲ ዕላማ: “ነቲ ብቐሊሉ ኽንቈጻጸሮ ዘይንኽእል ስጋና ንኸነግዝኦን መንፈሳዊ ዝንባለ ዀነ ኣነባብራ ንኸነማዕብልን“ ተባሂሉ እዩ። ነዚ ግን መነንቲ ጥራይ ኣይኰኑን ዚኽደንዎ ነይሮም: ንሰበ-ስልጣን እውን ሓዊስካ ተራ ሰባት ይኽደንዎ ነይሮም እዮም። ሕጂውን እንተ ዀነ ነዚ ተግባር እዚ ዚስዕባ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ኣለዋ።
ነዚ ኻብ ጸጕሪ እንስሳ እተሰርሐ ልብሲ ምኽዳን ወይ ባዕልኻ ንርእስኻ ምሕሳም: ንሓደ ሰብ መንፈሳዊ ኸም ዚኸውን ይገብሮ ድዩ፧ ኣይፋሉን: ምኽንያቱ መንፈሳውነት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ዚምርኰስ ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን “ምሕሳም ስጋ” ግቡእ ከም ዘይኰነ እዩ ተዛሪቡ። (ቈሎሴ 2:23) a ብኣንጻሩ ግን: ናይ ሓቂ መንፈሳውነት ኪርከብ ዚከኣል ፍልጠት ኣምላኽ ብምንዳይ እዩ: እዚ ድማ ንቓሉ ተጊህካ ብምጽናዕን ነቲ ዝረኸብካዮ ፍልጠት ኣብ ህይወትካ ብምውዓልን እዩ ኺግበር ዚከኣል።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ: ኣብ ናይ 8 ጥቅምቲ 1997 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ:- ምናነ ጥበብ ዚርከበሉ መገዲ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተወከስ።
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
King Louis IX, top: From the book Great Men and Famous Women; Thomas Becket, center: From the book Ridpath’s History of the World (Vol. IV); Thomas More, bottom: From the book Heroes of the Reformation, 1904