ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ ፍርሃዮ—ሕጉስ ኩን!

ንየሆዋ ፍርሃዮ—ሕጉስ ኩን!

ንየሆዋ ፍርሃዮ—ሕጉስ ኩን!

“እቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ . . . ሰብ ብጹእ እዩ።” —መዝሙር 112:1

1, 2. ፍርሃት ኣምላኽ እንታይ ኬምጽእ ይኽእል፧

 ሓጐስ ብቐሊሉ ዚመጽእ ኣይኰነን። ናይ ሓቂ ሓጐስ ቅኑዕ ምርጫታት ኰነ ቕኑዕ ነገራት ብምግባር: ከምኡውን ካብ ጌጋ ብምርሓቕ እዩ ዚርከብ። እቲ ገባሪና ዝዀነ የሆዋ: ብሉጽ ዓይነት ህይወት ንኺህልወና ምእንቲ ኺምህረና ኢሉ: ቃሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ሂቡና ኣሎ። መምርሒታት የሆዋ ብምድላይን ብምስዓብን: በዚ ኸምዚ ድማ ፍርሃት ኣምላኽ ብምንጽብራቕ: ብሓቂ ዕጉባትን ሕጉሳትን ክንከውን ንኽእል ኢና።—መዝሙር 23:1፣ ምሳሌ 14:26

2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ናይ ሓቂ ፍርሃት ኣምላኽ ንሓደ ሰብ ጌጋ ንኺገብር ዜጋጥሞ ጸቕጥታት ንኺጻወርን ቅኑዕ ንኺገብር ትብዓት ንኺረክብን ብኸመይ ከም ዚሕግዞ: መጽሓፍ ቅዱሳውን ዘመናውን ኣብነታት ክንርኢ ኢና። ንኣምላኽ ምፍራህና: ከምቲ ንጉስ ዳዊት ዝገበሮ: ግጉይ መገድና ንኽንእርም ብምድራኽ ሓጐስ ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ። ብዘይካዚውን ፍርሃት ኣምላኽ ወለዲ ንደቆም ኬውርስዎም ዚኽእሉ ናይ ሓቂ ኽቡር ውርሻ ምዃኑ ኽንርኢ ኢና። እወ: ቃል ኣምላኽ: “እቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ . . . ሰብ ብጹእ እዩ” ኢሉ የረጋግጸልና እዩ።—መዝሙር 112:1

ዝጠፍአ ሓጐስ ምርካብ

3. ንዳዊት ካብ ሓጢኣቱ ንኺምለስ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

3 ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ: ዳዊት ኣብ ሰለስተ ጕሉሕ ኣጋጣሚታት ግቡእ ፍርሃት ኣምላኽ ከም ዘየርኣየን ከም ዝሓጥአን ርኢና ኢና። ይኹን እምበር: በቲ ንተግሳጽ የሆዋ ዝሃቦ ምላሽ: ንኣምላኽ ዚፈርህ ሰብ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ንኣምላኽ ዝነበሮ ኣኽብሮት ገበኑ ንኺእመን: መገዱ ንኺእርም: ከምኡውን ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ እንደገና ንኺምስርት ደሪኽዎ እዩ። ጌጋታቱ ኣብኡን ኣብ ካልኦትን መከራ እኳ እንተ ኣምጽአ: ናይ ሓቂ ንስሓኡ ግን የሆዋ ቐጻሊ ደገፍን በረኸትን ንኺህቦ ኣኽኢልዎ እዩ። ዳዊት ዝገደፎ ኣብነት: ነቶም ሎሚ ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ዝወድቁ ክርስትያናት ኬተባብዖም ይኽእል እዩ።

4. ፍርሃት ኣምላኽ ንሓንቲ ሓብቲ ዘጥፍኣቶ ሓጐስ ንኽትረክብ ዝሓገዛ ብኸመይ እዩ፧

4 ንኣብነት: ዞንያ እስከ ንውሰድ። a ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊት ኰይና ተገልግል እኳ እንተ ነበረት: ኣብ ሕማቕ ዕርክነት ተጸምደት: ዘይክርስትያናዊ ተግባር ገበረት: ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ክትውገድ ነበራ። ዞንያ ናብ ልባ ምስ ተመልሰት: ምስ የሆዋ ዘለዋ ርክብ ንኸተዐሪ ዜድሊ ዘበለ ዅሉ ገበረት። ጸኒሓ: ናብ ጉባኤ ተመልሰት። እዚ ዅሉ ኪኸውን ከሎ: ንየሆዋ ንምግልጋል ዝነበራ ባህጊ ኣየጥፍአትን። ኣብ መወዳእታ: እንደገና ፈላሚት ኰይና ብምሉእ ግዜኣ ኸተገልግል ጀመረት። ጸኒሓ: ንሓደ ኣብነታዊ ክርስትያን ሽማግለ ተመርዓወት: ሕጂ ኸኣ ምስኡ ኣብ ጉባኤ ብሓጐስ ተገልግል ኣላ። ዞንያ ነቲ ንግዜኡ ኻብ ክርስትያናዊ መገዲ ዝወጸትሉ እዋን ትጠዓሰሉ እኳ እንተ ዀነት: ንኣምላኽ ዘለዋ ፍርሃት ንኽትምለስ ስለ ዝሓገዛ ግን የሐጕሳ እዩ።

ኣብ ክንዲ ሓጢኣት: መከራ ምምራጽ

5, 6. ዳዊት ንህይወት ሳኦል ክልተ ሳዕ ዝነሓፋ ብኸመይን ስለምንታይን ምዃኑ ግለጽ።

5 ልክዕ እዩ: ፍርሃት ኣምላኽ ንሓደ ሰብ ካብ መጀመርታኡ ኻብ ሓጢኣት ንኺርሕቕ ምስ ዚሕግዞ ኣጸቢቑ ዝሓሸ እዩ። እዚ ንዳዊት እውን ጠቒምዎ እዩ። ሓደ ግዜ ሳኦል ንዳዊት ሰለስተ ሽሕ ተዋጋእቲ ሒዙ ኺስዕቦ ኸሎ: ሳኦል ኣብቲ ዳዊትን ሰቡን ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ በዓቲ ኣተወ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዳዊት ካብቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰቡ: ንሳኦል ንኪቐትሎ ጸቕጢ ወረዶ። የሆዋ ነቲ መዋቲ ጸላኢኡ ኣብ ኢዱ ደይኰነን ሂብዎ፧ ዳዊት ሰላሕ ኢሉ ናብ ሳኦል ብምቕራብ: ጫፍ ክዳን ሳኦል ቈረጸ። ዳዊት ንኣምላኽ ስለ ዝፈርሀ: እቲ ብዙሕ ጕድኣት ዘይብሉ ተግባር እኳ ሕልናኡ ኣሳቐዮ። ነቶም ዝደፋፍእዎ ዝነበሩ ሰቡ: “ንጐይታይ: ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር: ኢደይ ናብኡ ዘርጊሔ እዚ ነገር እዚ ምግባርሲ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ” ብምባል ከልከሎም። b1 ሳሙኤል 24:2-8adj.

6 ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ: ሳኦል ኣብ ሓደ ቦታ ሰፈረ: ንሱን ሰቡን ከኣ “እግዚኣብሄር ከቢድ ድቃስ ኣውዲቑሎም ነበረ።” ዳዊትን እቲ ተባዕ ወዲ ሓብቱ ዝነበረ ኣቢሳይን ናብ ማእከል እቲ ሰፈር ኣትዮም: ጥቓ እቲ ደቂሱ ዝነበረ ሳኦል ቀረቡ። ኣቢሳይ ንሳኦል ኪቐትሎ ደለየ። ዳዊት ግን ንኣቢሳይ “ኢዱ ናብ ቅቡእ እግዚኣብሄር ዘርጊሑስ በደል ዘይዀኖ መን አሎ፧” ብምባል ከልከሎ።—1 ሳሙኤል 26:9, 12

7. ዳዊት ንኸይሓጥእ ዝዓገቶ እንታይ እዩ፧

7 ዳዊት ክልተ ሳዕ ኣጋጣሚ ረኺቡ ኸሎ ንሳኦል ዘይቀተሎ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ንየሆዋ ኻብ ሳኦል ንላዕሊ ይፈርሆ ብምንባሩ እዩ። ንየሆዋ ግቡእ ፍርሃት ስለ ዝነበሮ: ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ኣብ ክንዲ ዝሓጥእ: መከራ ኺጸግብ ሓረየ። (እብራውያን 11:25) ኣብቲ የሆዋ ንህዝቡን ንዕኡ ብብሕትን ዘለዎ ሓልዮት ምሉእ ዘይጕዱል ምትእምማን ነበሮ። ንኣምላኽ ምእዛዙን ኣብኡ ምውካሉን ሓጐስን ብዙሕ በረኸትን ከም ዜምጽኣሉ: ንኣምላኽ ዕሽሽ ምባሉ ግን ሞገሱ ኸም ዜስእኖ ይፈልጥ ነበረ። (መዝሙር 65:4) ኣምላኽ ንዕኡ ንጉስ ኪገብሮ ምዃኑ ዝኣተዎ መብጽዓ ኸም ዚፍጽምን ኣብ ግዜኡን ብመገዱን ንሳኦል ከም ዜልግሶን እውን ይፈልጥ ነበረ።—1 ሳሙኤል 26:10

ንኣምላኽ ምፍራህ ሓጐስ የምጽእ

8. ዳዊት ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ኸሎ ዝገበሮ ነገራት ብኸመይ እዩ ኣብነት ዚዀነና፧

8 ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: ላግጽን መስጐጕትን ካልእ ፈተናታትን ንጸበ ኢና። (ማቴዎስ 24:9፣ 2 ጴጥሮስ 3:3) ሓድሓደ ግዜ: ካብ ብጾትና ዝዀኑ ኣምለኽቲ እውን ጸገማት የጋጥመና እዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ንዅሉ ነገራት ከም ዚርእን ጸሎትና ኸም ዚሰምዕን ኣብ ግቡእ ግዜ ኸኣ ምስ ፍቓዱ ብምስምማዕ ነቲ ነገራት ከም ዜዐርዮን ንፈልጥ ኢና። (ሮሜ 12:17-21፣ እብራውያን 4:16) ስለዚ: ንተጻረርትና ኣብ ክንዲ እንፈርሆም: ንኣምላኽ ንፈርሆ: ካብኡ ኸኣ ምድሓን ንጽበ ኢና። ከም ዳዊት: ባዕልና ሕነ ኣይንፈድን ኢና: ካብ መከራ ንኸነምልጥ ኢልና እውን ኣብ ጽድቃዊ ስርዓታት ኣይንለማለምን ኢና። እዚ ኣብ መወዳእታ ሓጐስ የምጽኣልና። ብኸመይ፧

9. መስጐጕቲ እናኣጋጠመ ኽነሱ: ፍርሃት ኣምላኽ ሓጐስ ከም ዜፍሪ ኣብነት ሃብ።

9 ሓደ ኣብ ኣፍሪቃ ንነዊሕ እዋን ሚስዮናዊ ዀይኑ ዘገልገለ: ከምዚ በለ:- “ብዛዕባ እተን ብምኽንያት ክርስትያናዊ ገለልትነተን ካርድ ፖለቲካዊ ሰልፊ ምዕዳግ ዝኣበያ ሓንቲ ኣደን ጐርዞ ዝነበረት ጓላን እሓስብ እየ። ጭፍራ ሰብኡት ብጭከና ድሕሪ ምግፋዖም: ናብ ቤተን ኪኸዳ ኣዘዝወን። ኪኸዳ ኸለዋ: እታ ኣደ ነታ እዚ ዅሉ ስለምንታይ ከም ዘጋጠመን ምርዳእ ዘጸገማ እትበኪ ዝነበረት ጓላ ኸተጸናንዓ ፈተነት። ኣብቲ ግዜ እቲ ሕጉሳት ኣይነበራን: ንጹህ ሕልና ግን ነበረን። ጸኒሐን: ንየሆዋ ብምእዛዘን ኣዝየን ተሓጐሳ። ነቲ ካርድ ሰልፊ እንተ ዚዕድጋ: እቶም ጭፍራ ኣዝዮም ምተሓጐሱ። እቶም ሰብኡት ልስሉስ መስተ ምሃብወን: ክሳዕ ቤተን ድማ እናሳዕስዑ መፋነውወን። እታ ጓልን እታ ኣዲኣን ግን ከም እተለማለማ ብምፍላጠን: ኣብ ዓለም ካብ ኵሉ ንላዕሊ ጕሁያት ምዀና።” ንኣምላኽ ብምፍራሀን: ካብዚ ዅሉ ንኼምልጣ ኣኽኢልወን እዩ።

10, 11. ሓንቲ ሰበይቲ ንኣምላኽ ምፍራሃ እንታይ ጽቡቕ ፍረ ኣፍረየ፧

10 ንቕድስና ህይወት ዚምልከት ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ: ንኣምላኽ ምፍራህ ሓጐስ የምጽእ። ሜሪ ንሳልሳይ ውላዳ ጥንስቲ ኸላ: ሓኪም ነቲ ጥንሲ ኽትሰዶ ነገራ። ከምዚ ድማ በላ:- “ዘለኽዮ ዅነታት ሓደገኛ እዩ: ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ሽግር ኬጋጥመኪ እሞ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ክትሞቲ ትኽእሊ ኢኺ። ሽዑ እቲ ሕጻን እውን ኪመውት እዩ። ዝዀነ ዀይኑ: እቲ ሕጻን ጥዑይ ከም ዚኸውን ዚሕብር ዋላ ሓንቲ ውሕስነት የልቦን።” ኣብቲ ግዜ እቲ ሜሪ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዕ እኳ እንተ ነበረት: ገና ግን ኣይተጠመቐትን ነይራ። “ኰይኑ ግን: ንየሆዋ ኸገልግል ወሲነ እየ ነይረ: ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ ንዕኡ እዝዝቲ ክኸውን ቈሪጸ ነይረ” በለት።—ዘጸኣት 21:22, 23 NW

11 ሜሪ ጥንስቲ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ: መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ንስድራቤታ ብምክንኻንን ትሕዝቲ ነበረት። ኣብ መወዳእታ እቲ ሕጻን ተወልደ። “እቲ ሕርሲ ኻብቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ኽልተ ዚኸብድ እኳ እንተ ነበረ: ከቢድ ሽግር ግን ኣይነበረን” በለት። ሜሪ ንኣምላኽ ብምፍራሃ: ንጹህ ሕልና ንኺህልዋ ኣኽኣላ: ነዊሕ ከይጸንሐት እውን ተጠመቐት። እቲ ሕጻን ምስ ዓበየ: ንሱውን ንየሆዋ ምፍራህ ተማህረ: ሕጂ ኸኣ ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር የገልግል ኣሎ።

‘ብየሆዋ ኣምላኽ ጽናዕ’

12. ፍርሃት ኣምላኽ ንዳዊት ዘጽንዖ ብኸመይ እዩ፧

12 ዳዊት ንየሆዋ ዝነበሮ ፍርሃት: ጌጋ ንኸይገብር ጥራይ ኣይኰነን ዓጊትዎ። ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት ብጥበብ ወሳኒ ስጕምቲ ንኺወስድ ሓጊዝዎ እዩ። ዳዊትን ሰቡን ንሓደ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ኣብታ ጺቅላግ እትበሃል ኣብ ገጠራት ፍልስጥኤም እትርከብ ከተማ ተዓቚቦም ነበሩ። (1 ሳሙኤል 27:5-7) ሓደ እዋን እቶም ሰብኡት ናብ ካልእ ከይዶም ከለዉ: ኣማሌቃውያን ወረርቲ ነታ ኸተማ ብሓዊ ኣንደድዋ: ንዅሎም ኣንስትን ደቅን መጓሰን ከኣ ማሪኾም ወሰዱ። ዳዊትን ሰቡን ካብቲ ዝኸድዎ ተመሊሶም እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ በኸዩ። እቲ ሓዘን ቀልጢፉ ናብ መረረ ተቐየረ: እቶም ሰቡ ድማ ንዳዊት ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ተዘራረቡ። ዳዊት ጨኒቕዎ እኳ እንተ ነበረ: በዚ ግን ኣይተሓለለን። (ምሳሌ 24:10) ንኣምላኽ ዝነበሮ ፍርሃት: ናብ የሆዋ ንኺጽጋዕ ደረኾ: “ብእግዚኣብሄር ኣምላኹ [ድማ] ጸንዔ።” ብሓገዝ ኣምላኹ: ንሱን ሰቡን ነቶም ኣማሌቃውያን ኣርኪቦም ንዅሉ ነገር ኣምለሱ።—1 ሳሙኤል 30:1-20

13, 14. ፍርሃት ኣምላኽ ንሓንቲ ክርስትያን ጽቡቕ ውሳነታት ንኽትገብር ዝሓገዛ ብኸመይ እዩ፧

13 ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ኺገብሩን ብትብዓት ወሳኒ ስጕምቲ ኺውስዱን ዜደልዮም ኵነታት የጋጥሞም እዩ። ንኣብነት: ክርስቲና እስከ ንውሰድ። ንእሽቶ ኸላ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዓ እያ። እንተዀነ ግን: ኣብ ሙዚቃዊ ምርኢታት ተጻዋቲት ፒያኖ ኽትከውን ደለየት: በዚ ድማ ብዙሕ ምዕባለ ገበረት። ብዘይካዚ: ምስባኽ ስለ ዘሰከፋ: ነቲ ጥምቀት ዜምጽኦ ሓላፍነት ምቕባል ፈርሀት። ክርስቲና ቓል ኣምላኽ እናጽንዐት ብዝኸደት መጠን: ዘለዎ ሓይሊ ኺስምዓ ጀመረ። ፍርሃት የሆዋ ትመሃር ነበረት: የሆዋ ንኣገልገልቱ ብዅሉ ልቦምን ሓሳቦምን ነፍሶምን ሓይሎምን ኬፍቅርዎ ኸም ዚጽበዮም ድማ ኣስተውዓለት። (ማርቆስ 12:30) እዚ ኸኣ ርእሳ ንየሆዋ ንኽትውፍን ንኽትጥመቕን ደረኻ።

14 ክሪስቲና ብመንፈሳዊ መገዲ ምእንቲ ኽትስጕም ንየሆዋ ሓገዝ ሓተተቶ። ከምዚ ብምባል ድማ ትገልጽ:- “ናይ ሙዚቃዊ ምርኢት ተጻዋቲት ፕያኖ እንተ ዀይነ: ኣብ ዓመት 400 ዚኸውን ሙዚቃዊ ምርኢት ንምጽዋት ቀጻሊ መገሻን ኮንትራትን ከም ዝገብር እፈልጥ ነይረ። ስለዚ: ኣብ ክንዳኡ ርእሰይ ክኢለ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊት ኰይነ ንኸገልግል መምህር ክኽውን ወሰንኩ።” ኣብቲ ግዜ እቲ: ክሪስቲና ንመጀመርታ ግዜኣ ኣብቲ ኣብ ሃገራ ዚርከብ ብሉጽ ኣዳራሽ ንኽትጻወት እዩ መደብ ተገይሩላ ነይሩ። “እቲ ንፈለማየይ ዘቕረብክዎ ሙዚቃዊ ምርኢት: ናይ መወዳእታይ እዩ ዀይኑ” በለት። ድሕሪኡ ክሪስቲና ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ተመርዓወት። ሕጂ ኽልቲኦም ኣብ ሓደ ቤት-ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር የገልግሉ ኣለዉ። ቅኑዕ ውሳነታት ንኽትገብር የሆዋ ሓይሊ ስለ ዝሃባን ግዜኣ ዀነ ጕልበታ ኣብ ኣገልግሎቱ ብምውዓላን ሕጉስቲ እያ።

ክቡር ውርሻ

15. ዳዊት ንደቁ እንታይ እዩ ኼውርሶም ደልዩ፧ ብኸመይከ እዩ ነዚ ገይርዎ፧

15 ዳዊት: “ደቀየ: ፍርሃት እግዚኣብሄር ክምህረኩምሲ: ንዑ ስምዑኒ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 34:11) ዳዊት ኣቦ ስለ ዝነበረ: ነቶም ደቁ ኽቡር ውርሻ: ማለት እቲ ናይ ሓቅን ሚዛናውን ጥዑይ ፍርሃት የሆዋ ኼውርሶም እዩ ሓሊኑ። ብቓላቱን ብተግባራቱን ንየሆዋ ኸም ሓደ ሕግታቱ እንተ ተጣሒሱ ኺቀጽዕ ኣድብዩ ዘሎ ዜሸግርን ዜፍርህን ኣምላኽ ዘይኰነስ: ከም ሓደ ንምድራውያን ደቁ ፈቃርን ሓላዪን ይቕረ በሃልን ኣቦ ገይሩ እዩ ገሊጽዎ። ዳዊት “ንጌጋታቱ ዚፈልጥ መን እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። ኣስዕብ ኣቢሉ: የሆዋ ወትሩ ንጌጋታትና ኣድቂቑ ኸም ዘይምርምሮ ዘለዎ ምትእምማን ኪገልጽ ከሎ: “ካብቲ እተሰወረኒ ኣንጽሃኒ” በለ። ዳዊት ዚከኣሎ ዅሉ እንተ ጽዒሩ: ቃላቱን ሓሳባቱን ብየሆዋ ተቐባልነት ከም ዚረክብ ርግጸኛ ነበረ።—መዝሙር 19:12, 14

16, 17. ወለዲ ንደቆም: ፍርሃት ኣምላኽ ብኸመይ ኪምህርዎም ይኽእሉ፧

16 ዳዊት ነዞም ሎሚ ዘለዉ ወለዲ ኣብነት ይዀኖም እዩ። ራልፍ ዚበሃል ምስ ሓዉ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜገልግል ዘሎ ሓው: “ወለድና ኣብ ሓቂ ምንባር ዜሐጕስ ከም ዚኸውን ገይሮም እዮም ኣዕብዮምና” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን ከምዚ በለ:- “ንኣሽቱ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን: ብዛዕባ ንጥፈታት ጉባኤ ኣብ ዚግበር ምይይጥ የሳትፉና ነበሩ: ንሕና እውን ከማታቶም ብዛዕባ ሓቂ ውዕዉዕ ስምዒት ሓደረና። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ጽቡቕ ነገር ክንገብር ከም እንኽእል ኣእሚኖም እዮም ኣዕብዮምና። አረ ንገለ ዓመታት እሞ ስድራቤትና ኣብቲ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምሒር ዜድልዩሉ ገጠር ብምኻድ ሓደስቲ ጉባኤታት ኣብ ምምስራት ሓገዛ ኣበርኪታ እያ።

17 “ካብ ቅኑዕ መገዲ ንኸይንወጽእ ዝሓገዘና ነገር: ብዙሕ ተሪር ሕግታት ስለ እተገብረልና ዘይኰነስ: ወለድና ንየሆዋ ብሓቂ ዘሎን ኣዝዩ ሕያዋይን ሰናይን ገይሮም ዚርእይዎ ምንባሮም እዩ። ንየሆዋ ብዝያዳ ኺፈልጥዎን ኬሐጕስዎን ይጽዕሩ ነበሩ: ካብቲ ናይ ሓቂ ፍርሃት ኣምላኽን ንዕኡ ዝነበሮም ፍቕርን ከኣ ተመሃርና። ክንጋገ ኸለና: የሆዋ ደጊም ከም ዘየፍቅረና ዀይኑ ኸም ዚስምዓና ኣይገበሩን: ብሕርቃን እውን ቀይድታት ኣየብዝሑልናን። መብዛሕትኡ ግዜ: ልብና ንምትንካፍ ኮፍ ኢሎም የዘራርቡና ነበሩ: ሓድሓደ ግዜ ኣደይ እናነብዐት እያ እተዘራርበና ዝነበረት። እዚ ኸኣ ፍረ ኣፍረየ። ብቓላትን ተግባራትን ወለድና ኣቢልና: ፍርሃት የሆዋ ጽቡቕ ነገር ምዃኑ: ሓደ ኻብ መሰኻኽሩ ምዃን ከኣ ጾር ዘይኰነስ: ዜሐጕስን ባህ ዜብልን ምዃኑ ተመሃርና።”—1 ዮሃንስ 5:3

18. ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብምፍራህ እንታይ ኢና እንርባሕ፧

18 ኣብ “መወዳእታ ዘረባ ዳዊት:” “እቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ብጽድቂ ዚነግስ: እቲ ብፍርሃት ኣምላኽ ዚነግስ: ንሱ ኸምቲ . . . ብጊሓት ጸሓይ እትበርቀሉ ጊዜ . . . ከም ብርሃን ወጋሕታ እዩ” ዚብል ነንብብ። (2 ሳሙኤል 23:1, 3, 4) እቲ ንዳዊት ወዱን ወራሲኡን ዝነበረ ሰሎሞን: ንጥበብ እዘን ቃላት እዚኣተን ተማሂሩ ኪኸውን ኣለዎ፣ ከመይሲ: “ኣስተውዓሊ ልቢ” ኸምኡውን “ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን” ናይ ምፍላይ ክእለት ኪወሃቦ እዩ ንየሆዋ ለሚንዎ። (1 ነገስት 3:9) ሰሎሞን ንየሆዋ ምፍራህ መገዲ ጥበብን ሓጐስን ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ጸኒሑ: ንመጽሓፍ መክብብ በዚ ዚስዕብ ቃላት እዩ ጽሙቝ ኣቢሉ ዝገለጻ:- “መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ: እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ። ኣምላኽሲ ንዅሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን: ሰናይ ኰነ ወይስ እኩይ: ናብ ፍርዲ ኼምጽኦ እዩ።” (መክብብ 12:13, 14) ነዚ ምኽሪ እዚ እንተ ስዒብና: “ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርን” ጥበብን ሓጐስን ጥራይ ዘይኰነስ: ብርግጽ “ሃብትን ክብረትን ህይወትን” እውን ኰይኑ ኽንረኽቦ ኢና።—ምሳሌ 22:4

19. “ንፍርሃት እግዚኣብሄር” ከነስተውዕሎ ዜኽእለና እንታይ እዩ፧

19 ካብ መጽሓፍ ቅዱሳውን ዘመናውን ተመክሮታት: ግቡእ ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ህይወት ናይ ሓቂ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣወንታዊ ግደ ኸም ዘለዎ ርኢና ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርሃት ንሰማያዊ ኣቦና ዜጕሂ ነገር ንኸይንገብር ይዓግተና ጥራይ ዘይኰነስ: ንጸላእትና ንኽንጋጠሞም ትብዓት ይህበና: ዜጓንፈና ፈተናታት ኰነ ጸገማት ንኽንጻወር ድማ ብርታዐ ንረክብ። ስለዚ: ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ: ብትግሃት ቃል ኣምላኽ ነጽንዕ: ንእተመሃርናዮ ነስተንትነሉ: ኣዘውቲርና ኻብ ልቢ ብዝመነጨ ጸሎት ንየሆዋ ንቕረቦ። ከምዚ ምስ እንገብር: “ንምፍላጥ ኣምላኽ” ክንረኽቦ ጥራይ ዘይኰነስ: “ንፍርሃት እግዚኣብሄር” እውን ከነስተውዕሎ ኢና።—ምሳሌ 2:1-5

[እግረ-ጽሑፋት]

a ስማት ተቐዪሩ እዩ።

b ዳዊት ምናልባት ካብዚ ተመክሮ እዚ ብምብጋስ እዩ መዝሙር 57, 142 ኬቀናብር እተደረኸ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

ፍርሃት ኣምላኽ ብኸመይ እዩ

• ንሰብ ካብ ከቢድ ሓጢኣቱ ንኺምለስ ዚሕግዞ፧

• ኣብ ትሕቲ ፈተናታትን መስጐጕትን ሓጐስ ዜምጽእ፧

• ፍቓድ ኣምላኽ ንኽንገብር ዜጽንዓና፧

• ንደቅና ኽቡር ውርሻ ዚዀኖም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ዳዊት ንንጉስ ሳኦል ዘይቀተሎ: ፍርሃት የሆዋ ስለ ዝነበሮ እዩ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ፍርሃት ኣምላኽ: ወለዲ ንውሉዳቶም ኬውርስዎም ዚኽእሉ ኽቡር ውርሻ እዩ