ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መወዳእታ ስድራቤትና ሓቢራ!

ኣብ መወዳእታ ስድራቤትና ሓቢራ!

ታሪኽ ህይወት

ኣብ መወዳእታ ስድራቤትና ሓቢራ!

ሱሚኮ ሂራኖ ዘዘንተወቶ

ነቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ረኸብክዎ: ሰብኣየይ ኣብዚ መገዲ እዚ ምሳይ ንኺሓብር ድማ ደለኹ። እዚ ቕድሚ ምዃኑ ግን ኣርብዓን ክልተን ዓመት ሓለፈ።

ኣነን ሰብኣየይን ብ1951 ጓል 21 ዓመት ከለኹ ተመርዓና። ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ክልተ ውሉዳት ስለ ዝወለድና: ህይወተይ ብዅሉ መዳይ እተባረኸት እያ ትመስል ነይራ።

ብ1957 ምዕባየይ ሓብተይ ሓንቲ ሚስዮናዊት ናይ የሆዋ ምስክር ትበጽሓ ምንባራ ነገረትኒ። ዋላኳ ሰዓቢት እምነት ቡድህና እንተ ነበረት: ምስታ ሚስዮናዊት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት፣ ንዓይውን መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ኣተባብዓትኒ። በዚ ድማ ተሰማማዕኩ። ናብ ቤተ-ክርስትያን ፕሮተስታንት እኸይድ ስለ ዝነበርኩ: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ጌጋታት ክረኽበሎም እኽእል እየ ኢለ ሓሰብኩ።

ብዙሕ ከይጸናሕኩ ግን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ከም ዘይፈልጥ ተረዳእኩ። ነታ ሚስዮናዊት “የሆዋ መን እዩ፧” ኢለ ኽሓታ ነበረኒ። ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ነዚ ስም እዚ ኺጥቀሙ ሰሚዐ ኣይፈልጥን እየ። እዛ ዳፍኒ ኩክ ዝስማ (ሕጂ ብዳፍኒ ፐቲት እትፍለጥ) ሚስዮናዊት: የሆዋ ስም እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምዃኑ ብንጹር እትሕብር ኢሳይያስ 42:8 ኸንብባ ነገረትኒ። ንዅሉ ሕቶታተይ ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መለሰትለይ።

ንሓደ ኣገልጋሊ ነዚ ሕቶ እዚኣ ሓተትክዎ። “ሕቶታት ምሕታት ሓጢኣት እዩ። እተበሃልክዮ ጥራይ ስቕ ኢልኪ እመኒ” ድማ በለኒ። ሕቶታት ምሕታት ጌጋ ዀይኑ እኳ ይስምዓኒ እንተ ዘይነበረ: ንሽዱሽተ ወርሒ ዝኸውን ግን ሰንበት ሰንበት ንግሆ ናብ ቤተ-ክርስትያን: ድሕሪ ቐትሪ ድማ ናብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እኸይድ ነበርኩ።

ኣብ ሓዳረይ ዝነበሮ ጽልዋ

እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ነገራት ስለ ዝመሰጠኒ: ንካዙሂኮ ሰብኣየይ አካፍሎ ነበርኩ። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕትን ኣኼባን ነቲ እተመሃርክዎ ነገራት እነግሮ ነበርኩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ግን ኣብ መንጎና ንፋስ ኪኣቱ ጀመረ። ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ኣይደለየንን። እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ኣዝዩ ዜዕግብ ስለ ዝዀነ: መጽናዕቲ ምግባርን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምትሕብባርን ቀጸልኩ።

ምሸት ናብ ኣኼባ ቕድሚ ምኻደይ ካዙሂኮ ዚፈትዎ ዓይነት ምግቢ አዳልወሉ ነበርኩ: ንሱ ግን ደገ ወጺኡ ኺበልዕ ጀመረ። ካብ ኣኼባ ናብ ገዛይ ምስ ተመለስኩ ድማ ኰርፈፍ ኢሉ ይጸንሓኒ: ምዝራብ ከኣ ይኣቢ ነበረ። ድሕሪ ኽልተ ወይ ሰለስተ መዓልቲ ደሓን ይኸውን ነበረ: ድሕሪኡ ግን ኣኼባ ዚገብረላ መዓልቲ ትመጽእ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ: እቲ ድሮ ንብዙሓት ካብ ስድራቤት ሰብኣየይ ዝቐተለ ሕማም ዓባይ ሰዓል ሓዘኒ። ካዙሂኮ ኣዝዩ ኻብ ምሽቓሉ እተላዕለ እንተ ደኣ ሒሹኒ: ዝደለኽዎ ነገር ክገብር ከም ዝኽእል ነገረኒ። ናብ ኣኼባ ክኸይድ ኣብ ዝደልየሉ እዋን ከይቃወመኒ ጥራይ ሓተትክዎ። ንሱ ኸኣ በዚ ተሰማምዐ።

ንኽሓዊ ሽዱሽተ ወርሒ ወሰደለይ: ሽዑ ድማ ዓሚቝ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገበርኩ። ኣብ መንጎ ትምህርትታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዋላ ሓንቲ ዚጋጮ ሓሳብ እንተ ረኺበ: መጽናዕተይ ክሓድጎ ሓሰብኩ። ሓንቲ ጌጋ ግን ክረክብ ኣይከኣልኩን። ኣብ ክንዳኡ: ጌጋታት ቤተ-ክርስትያን ፕሮተስታንት ንጹር እናዀነለይ ከደ። ንፍቕርን ፍትሕን የሆዋ ኽፈልጦ ኸኣልኩ: ምስ ሕግታቱ ተሰማሚዕካ ምምልላስ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ድማ ረኣኹ።

ምስ ሓወኹ ሰብኣየይ መብጽዓኡ ብምሕላው ናብ ኣኼባ ክኸይድ ከለኹ ኣይቃወመንን ነበረ። ብመንፈሳዊ መዳይ ዕቤት ገበርኩ: ኣብ ግንቦት 1958 ድማ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ። ስድራቤተይ ኣብ ኣምልኾ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንኺሓብሩኒ ኸኣ ሃረር እብል ነበርኩ።

ንደቀይ ብመንፈስ ሓገዝክዎም

ዋላኳ ደቀይ ኵሉ ግዜ ኣብ ኣኼባን ኣብ ኣገልግሎትን ካባይ ኣይፈለዩ: እቲ ሓድሓደ ግዜ ዜጋጥም ዝነበረ ነገራት ግን ብፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ይዓብዩ ኸም ዝነበሩ ዚሕብር እዩ ነይሩ። ሓደ ግዜ ማሳሂኮ ወደይ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ከሎ ኣብ ደገ ይጻወት ነበረ። ዓው ዝበለ ድምጽን ሰብ ኪውጭጭን ድማ ሰማዕኩ። ሓንቲ ጐረቤተይ ብሃንደበት ናብ ገዛይ ብምእታው: እናጨደረት ወደይ ብማኪና ኸም እተሃርመ ነገረትኒ። ሞይቱ ደዀን ይኸውን፧ ብፍጥነት ናብ ደገ እናኸድኩ ኸለኹ ንርእሰይ ከህድኣ ጸዓርኩ። ነታ ጭፍልቕልቕ ኢላ ዝነበረት ብሽክለታኡ ምስ ረኣኽዋ ልበይ ምሽት በለት: ንሱ ግን ቍሩብ ጥራይ ተጐዲኡ ናባይ ገጹ መጸ። ሕቝፍ ኣቢሉ ድማ “ማማ: የሆዋ እዩ ኣድሒኑኒ: ሓቀይዶ፧” በለኒ። ብህይወት ከም ዘሎ ምርኣየይን እተን እተዛረበን ዚምስጣ ቓላት ምስማዐይን ኣብከየኒ።

ካልእ መዓልቲ ድማ ኣብ ኣገልግሎት ከለና ምስ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ተራኸብና: “ነዚ ንእሽቶ ቘልዓ ፈቐዶኡ ሒዝክዮ ትዞሪ ዘለኺ ኸመይ ዝኣመሰሉኺ ሰብ ኢኺ: መስኪናይ ቈልዓ” ብምባል ጨደረ። ቅድሚ ምምላሰይ ግን እቲ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ዝነበረ ቶሞዮሺ: “ኣቦይ ዓብዪ: ኣደይ ንኽሰብኽ አይተገድደንን እያ። ንየሆዋ ኸገልግል ስለ ዝደሊ እየ ዝሰብኽ ዘለኹ” ኢሉ መለሰሉ። እቲ ሰብኣይ ኣትኲሩ ኻብ ምጥማት ሓሊፉ ዋላ ሓንቲ ኣይበለን።

ብመንፈሳዊ መዳይ ኪርአ ኸሎ: ደቀይ ኣቦ ዘይብሎም እዮም ነይሮም። ዋላኳ ኣነ ንባዕለይ ብዙሕ ዝመሃሮ ነገር እንተ ነበረ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ግን ክምህሮም ነበረኒ። ናይ ርእሰይ ፍቕርን እምነትን ቅንኣትን ኣማዕበልኩ: ንደቀይ ጽቡቕ ኣብነት ክዀኖም ድማ እጽዕር ነበርኩ። መዓልታዊ ምስ ደቀይ ኰይነ ንየሆዋ አመስግኖ። ኣብ ዕዮ ስብከት ዘጋጠመኒ ተመክሮ ድማ እነግሮም። እዚ ኸኣ ኣተባብዖም። ድሕሪ ግዜ: ስለምንታይ ፈለምቲ ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀኑ ምስ ተሓተቱ: “ኣዴና ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ከላ ሕጉስቲ ምንባራ ረኣና: ንሕና እውን ሕጉሳት ክንከውን ኢና እንደሊ” ኢሎም መለሱ።

ንኣቦኦም ወይ ንዝዀነ ይኹን ኣብ ጉባኤ ዘሎ ሰብ ብዚምልከት ዜስተናዕቕ ዘረባ ንኸይዛረብ እጥንቀቕ ነበርኩ። ኣሉታዊ ዘረባ ኣብ ልዕሊ ደቀይ ሕማቕ ጽልዋ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል እፈልጥ ነበርኩ። ነቲ ዚዝረበሉ ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ዚዛረብ ሰብ ዘለዎም ኣኽብሮት እውን ኪጐድል ይኽእል እዩ።

ዕቤት ንምግባር ዝሰገርክዎ ዕንቅፋታት

ብ1963 ስራሕ ሰብኣየይ ንስድራቤትና ናብ ታይዋን ከም እትኸይድ ገበራ። ሰብኣየይ ነቶም ኣብኡ ዚርከቡ ጃፓናውያን እንተ ሰቢኸሎም: ሕማቕ ስምዒት ከም ዘሕድረሎም ነገረኒ። ናብ ጃፓን ከም እንምለስ: እዚ ድማ ነቲ ዚሰርሓሉ ትካል ጸግም ከም ዜምጽእ ሓበረኒ። ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንርሕቕ እዩ ዚደልየና ነይሩ።

እቶም ኣብ ታይዋን ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምውቝ ስምዒት ተቐበሉና: ኵሉ ኣኼባታት ድማ ብቻይንኛ ይግበር ነበረ። ነቶም ጃፓናውያን ዘይኰነስ: ነቶም ኣብቲ ዓዲ ዚነብሩ ሰባት ንኽሰብከሎም ኢለ ድማ ቻይንኛ ኽመሃር ወሰንኩ። በዚ ኸምዚ ነቲ ሰብኣየይ ዝጠቐሶ ጸገም ከወግዶ ኸኣልኩ።

እቲ ምስቶም ኣብ ታይዋን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረና ምሕዝነት ኣበራቲዑና እዩ። እቶም ሃርቪ ሎጋንን ካቲ ሎጋንን ዝስሞም ሚስዮናውያን ሰብ ሓዳር እውን ብዙሕ እዮም ሓጊዞምና። ሓው ሎጋን ንደቀይ መንፈሳዊ ኣቦ ዀኖም። ንየሆዋ ምግልጋል ሓጐስ ዘይብሉን ቀያድን ከም ዘይኰነ ድማ ኣርኣዮም። ደቀይ ኣብ ታይዋን ከለና ንየሆዋ ኼገልግሉ ውሳነ ኸም ዝገበሩ ርግጸኛ እየ።

ቶሞዮሺን ማሳሂኮን ኣብቲ እንግሊዝኛን ቻይንኛን ዚመሃሩሉ ናይ ኣመሪካ ቤት ትምህርቲ እዮም ዚመሃሩ ነይሮም። እዚ ትምህርቲ እዚ ነቲ ብድሕሪኡ ኣገልገልቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ዀይኖም ዚፍጽምዎ ኣገልግሎት ኣዕጢቕዎም እዩ። የሆዋ ነቲ ኣጸጋሚ ኪዀነና ዚኽእል ዝነበረ እዋን ናብ ነባሪ በረኸት ስለ ዝቐየሮ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ። ድሕሪ እተን ኣብ ታይዋን ዘሕለፍናየን ዘይርስዓ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን: ስድራቤትና ናብ ጃፓን ተመልሰት።

እቶም ደቀይ ኣብ ዕደመ ዀተቴ ምስ በጽሑ: ብርእሶም ኪኸዱ ይደልዩ ነበሩ። ብቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ገይረ ንኸረድኦም ሰዓታት አሕልፍ ነበርኩ: የሆዋ ድማ ነዚ ኣጸጋሚ እዋን ንኺሓልፍዎ ሓጊዝዎም እዩ። ቶሞዮሺ ኻልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ወድአ: ፈላሚ ዀነ። ኣብተን ፈላሚ ዀይኑ ዝዓየየለን ናይ መጀመርታ ሒደት ዓመታት: ኣርባዕተ ሰባት ርእሶም ወፍዮም ንኺጥመቑ ሓገዞም። ማሳሂኮ እውን ኣሰር ሓዉ ብምስዓብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ወድአ ፈላሚ ዀነ። ንሱውን ኣብተን ፈላሚ ዝዀነለን ናይ መጀመርታ ኣርባዕተ ዓመታት ንኣርባዕተ መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኪዀኑ ሓገዞም።

የሆዋ ነቶም ቈልዑ ኻብዚ ንላዕሊ እውን ባሪኽዎም እዩ። ቶሞዮሺ ምስ ሰብኣይ ሓንቲ ኣነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኽትመሃር ዝሓገዝክዋ ሰበይቲ መጽናዕቲ ገበረ። እተን ክልተ ደቆም እውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰና። ጸኒሑ ቶሞዮሺ ነታ ኖቡኮ ዝስማ ዓባይ ጓል ተመርዓዋ: ማሳሂኮ ድማ ነታ ማሳኮ ዝስማ ንእሽቶ ጓል ተመርዓዋ። ኣብዚ እዋን እዚ ቶሞዮሺን ኖቡኮን ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር የገልግሉ ኣለዉ። ማሳሂኮን ማሳኮን ድማ ሚስዮናውያን ኰይኖም ኣብ ፓራጓይ የገልግሉ ኣለዉ።

ሰብኣየይ በብቝሩብ ዘርኣዮ ለውጢ

ሰብኣየይ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ዓመታት እቲ ዘርኣናዮ እምነት ተገዳስነት ኣይነበሮን: ለውጢ ይገብር ከም ዝነበረ ዚሕብር ነገራት ግን ነይሩ እዩ። ገሊኦም ሰባት ኪቃወሙኒ ኸለዉ: ንእምነተይ ይጣበቐላ: ከይተረድኦ ድማ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ይድግፍ ነበረ። ነቶም ድኻታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ብስጋ ይሕግዞም ነበረ። ሓደ ኻብቶም ደቅና ኣብ እተመርዓወሉ እዋን ኣብ ዘስምዖ ሓጺር መደረ: “ንሰባት በቲ ቕኑዕ መገዲ ንኺነብሩ ምምሃር ካብ ኵሉ ዝበለጸን ኣዝዩ ኣጸጋምን ዕዮ እዩ። ደቀይን ኣንስቶምን ድማ ነዚ ኣጸጋሚ ዕዮ እዚ ኸም ሞያኦም ገይሮም መሪጾምዎ ኣለዉ። በጃኻትኩም ሓግዝዎም” በለ። እዚ ዅሉ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ከም ዚሓብረና ርግጸኛ ኸም ዝኸውን ገበረኒ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾትና ናብ ገዛና መጺኦም ምስኡ ንኺሓብሩ መደብ አውጽእ ነበርኩ። ንካዙሂኮ ናብ ሰሙናውን ዓበይትን ኣኼባታት ከምኡውን ናብ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ እዕድሞ ነበርኩ። ኵነታት ስርሑ ኣብ ዚፈቕደሉ እዋን: ብዙሕ ደስ ከይበሎ ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ይካፈል ነበረ። ብዙሕ ግዜ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጅምር እዩ ኢለ ብምሕሳብ ክርስትያን ሽማግለታት ናብ ገዛና እዕድም ነበርኩ። ንሱ ግን መጽናዕቲ ምግባር ኣበየ። እንታይ ከም ዝዀነ ይገርመኒ ነበረ።

እተን “ኣትን ኣንስቲ: ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ: ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ: በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ: ከምኡ ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም” ዚብላ ቓላት ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ኣእምሮይ መጻኒ። (1 ጴጥሮስ 3:1, 2) ነዚ ምኽሪ እዚ ዅሉ ግዜ እስዕቦ ኸም ዘይነበርኩ ድማ ተረዳእኩ። ምሉእ ብምሉእ ንምኽባሩ ድማ መንፈሳውነተይ ከማዕብል ነበረኒ።

ብ1970 ዝያዳ መንፈሳዊት ሰብ ንምዃን ብዚብል ሸቶ: ፈላሚት ኰንኩ። ዓሰርተ ዓመት: 20 ዓመት ሓለፈ። ኰይኑ ግን ኣብ ሰብኣየይ ዋላ ሓንቲ መንፈሳዊ ለውጢ ኣይረኣኹን። ሓንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህራ ሰብ ሓደ ግዜ: “ንሰብኣይኪ እኳ ኽትሕግዚ ዘይከኣልክስ: ንኻልኦት ሰባት ምሕጋዝ እሞ ኸኣ ከቢድ ኪኸውን ኣለዎ” በለትኒ። እዚ ተስፋ ዜቝርጽ እዩ ነይሩ: ኣነ ግን ኣይተሓለልኩን።

ኣብ መወዳእታ 1980ታት ወለድና ናብ መፈጸምታ ህይወቶም ገጾም የምርሑ ነበሩ። ንዕኦም ምእላይን ነቲ ኻልእ ሓላፍነታትይ ምፍጻምን ዜድክም ከምኡውን ውጥረት ዝመልኦ እዩ ነይሩ። ንነዊሕ ዓመታት ኵላቶም ነቲ ኣብ የሆዋ ዝነበረኒ እምነት ይቃወምዎ ነበሩ: ኣነ ግን ክሳዕ ዚከኣለኒ ፍቕሪ ኼርእዮም እጽዕር ነበርኩ። እታ ጓል 96 ዓመት ዝነበረት ኣደይ ቅድሚ ሙማታ “ሱሚኮ: እንተ ተንሲአ ኣባል እዚ ሃይማኖትኪ እየ ዝኸውን” በለትኒ። ዝገበርክዎ ጻዕርታት ብላሽ ኰይኑ ኸም ዘይተረፈ ድማ ፈለጥኩ።

ሰብኣየይ ንዅሉ እቲ ንስድራና ዝገበርኩሎም ነገር የስተብህለሉ ነበረ። ሞሳኡ ንምግላጽ ድማ ኣብ ኣኼባታት ኣዘውቲሩ ኺእከብ ጀመረ። ዋላኳ ንሓያሎ ዓመታት ከምዚ እንተ ገበረ: ርኡይ መንፈሳዊ ለውጢ ግን ኣይገበረን። እቲ ንኸሐጕሶ ዝገብሮ ዝነበርኩ ጻዕሪ ቐጸልክዎ። ንኣዕሩኹን ንወጻእተኛታት መሳርሕቱን ምሳና ንኺበልዑ ናብ ቤትና እዕድሞም ነበርኩ። ኣብ ምዝንጋዕ ምስኡ እኸይድ ነበርኩ። እቲ ኻብ ፈለምቲ ዚድለ ሰዓታት ተነክዩ ኣብ ወርሒ 70 ሰዓት ጥራይ ምስ ኰነ: ምስኡ ዝያዳ ግዜ አሕልፍ ነበርኩ።

ጡረታ ምውጻኡ ዘምጸኦ ለውጢ

ሰብኣየይ ብ1993 ጡረታ ወጸ። ሕጂ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ግዜ ኺረክብ እዩ ኢለ ድማ ሓሰብኩ። ንሱ ግን ንኣምላኽ ግዜ ኣሎኒ ኢልካ ጥራይ ምምላኹ ልክዕ ከም ጸርፊ እዩ ይብል ነበረ። ኣብ ክንዳኡ: ንኣምላኽ ዜምልኾ ልቡ ምስ ደረኾ ጥራይ ምዃኑ ብምግላጽ ንኸይደፋፍኦ ነገረኒ።

ሓደ መዓልቲ ካዙሂኮ ኻብ ሕጂ ንንየው ንዕኡ ኢለ ንኽነብር ሓተተኒ። እዚ ኣዝዩ ሃሰየኒ፣ ከመይሲ: ካብ ዝምርዓዎ ኣትሒዘ ዝከኣለኒ እየ ዝገብረሉ ነይረ። ንኸሐጕሶ ኣዝየ እጽዕር ነበርኩ: ንሱ ግን ካብ ንዕኡ ንየሆዋ ዝያዳ ኸም ዝገብረሉ ዀይኑ ተሰምዖ። ንእተወሰነ ግዜ ድሕሪ ምሕሳብ: ካብዚ ንላዕሊ ኽገብረሉ ዝኽእሎ ነገር ከም ዘየለ ነገርክዎ። ኣብቲ ዝገብሮ ዘለኹ ምሳይ እንተ ሓቢሩ ግን ንውሑዳት ዓመታት ጥራይ ዘይኰነስ: ንዘለኣለም ዚቕጽል ዜደንቕ ሓድሽ ህይወት ከም እንጅምር ነገርክዎ። ንብዙሕ መዓልትታት ዝሃቦ መልሲ ኣይነበረን። ኣብ መወዳእታ ግን “እሞ ደኣ ምሳይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብርዶ ኢኺ፧” ብምባል ሓተተኒ። ነዘን ቃላት እዚኣተን ክሓስብ ከለኹ ልበይ ብሓጐስ ትፍንጫሕ።

ኣብ መጀመርታ ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ምስ ሰብኣየይ መጽናዕቲ ንኺገብር መደብ ገበርኩ: ንሱ ግን “ምሳኺ እንተ ዘይኰይኑ ምስ ካልእ ሰብ ኣየጽንዕን እየ” በለኒ። ስለዚ ድማ መዓልታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ጀመርና። ኣብ ቻይንኛ ጉባኤ ስለ ዝካፈል: ሰብኣየይ ድማ ነቲ ቛንቋ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዚመልኮ: ብቻይንኛ ነጽንዕ ነበርና። ካብ ሓደ ዓመት ኣብ ዚውሕድ ግዜ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብሓደ ዄንና ኣንበብናዮ።

ሽዑ ኣብ ቻይንኛ ጉባኤ ዚርከብ ሽማግለን ሰበይቱን ከም ሰብ ሓዳር መጠን ንዓና ተገዳስነት ኣርኣዩና። ዋላኳ ብዕድመ ኻባና ዝነኣሱ እንተዀኑ: ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ እዮም ኰይኖምና። ብዙሓት ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ንሰብኣየይ ፍሉይ ተገዳስነት ከም ዘለዎም ኣርእዮም እዮም። የአንግዱና ነበሩ: ከምኡውን ንካዙሂኮ ልክዕ ከም ኣቦኦም ገይሮም የዘራርብዎ ነበሩ። ንሱ ድማ በዚ ኣዝዩ ተሓጐሰ።

ሓደ መዓልቲ ብስሙ እተላእከ ናብቲ ኣብ ጉባኤና ዚግበር መርዓ ዚዕድም ወረቐት ኣብ ገዛና ጸንሓና። እዚ ድማ ርእሲ ስድራቤት ምዃኑ ኣፍልጦ ዚህብ ብምንባሩ ተንከፎ: ኣብኡ ንኺርከብ ድማ ወሰነ። ብዙሕ ከይጸንሐ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪቀራረብን ምስ ሓደ ክርስትያን ሽማግለ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕን ጀመረ። እቲ ዚገብሮ ዝነበረ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብ ኣኼባ ምክፋሉ: ከምኡውን ነታ ጉባኤ ዝነበሮ ፍቕሪ ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ንኺገብር ሓገዞ።

ኣብ መወዳእታ ስድራቤትና ሓበረት

ኣብ ታሕሳስ 2000 ሰብኣየይ ብማይ ብምጥማቕ ርእሱ ንየሆዋ ኸም ዝወፈየ ኣርኣየ። ደቀይን ኣንስቶምን ነዚ ዘመናዊ “ተኣምር” ንኺርእዩ ኻብ ርሑቕ መጹ። እዚ 42 ዓመት እኳ እንተ ወሰደ: ኣብ መወዳእታ ግን ስድራቤትና ሓበረት።

ሕጂ ንግሆ ንግሆ ኽልቴና ነታ ናይታ ዕለት ጥቕሲ ንዘራረበላ: ሓቢርና ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብ። መዓልቲ መዓልቲ መንፈሳዊ ዕላል ነዕልል ከምኡውን ኣብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ንጥፈታት ንካፈል። ሕጂ ሰብኣየይ ናይ ጉባኤ ኣገልጋሊ እዩ: ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ብቻይንኛ ህዝባዊ መደረ መጽሓፍ ቅዱስ ሃበ። የሆዋ ኸምዚ ገይሩ ብሓደ ስለ ዘሕበረና ኣዝየ እየ ዘመስግኖ። ምስቶም ቀረባይን ፈተውተይን ኰይነ ነቲ ስሙን ልዑላውነቱን ንዘለኣለም ዚኽበረሉ እዋን ሃንቀው ኢለ እየ ዝጽበዮ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ቻይና

ደሞክራስያዊት ህዝባዊ ሪፓብሊክ ኮሪያ

ሪፓብሊክ ኮሪያባሕሪ ምብራቕ ቻይና

ባሕሪ ጃፓን

ጃፓን

ቶክዮ

ባሕሪ ምብራቕ ቻይና

ታይዋን

ታይፐይ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ብ1958 ኣብታ እተጠመቕኩላ ዓመት ምስ ስድራቤተይ ኰይነ እተሰኣልክዎ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ቶክዮ ናብ ታይፐይ ኣብ ዝኸድናሉ እዋን: እቶም ሃርቪ ሎጋንን ካቲ ሎጋንን ዚበሃሉ ፈተውትና ብመንፈሳዊ መዳይ ኣበራቲዖምና እዮም

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ ስድራቤተይ ኣብ ሓደ ኣምልኾ ሓቢራ