ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከተዋህልሎ ስለ ዘይትኽእል ብግቡእ ተጠቐመሉ

ከተዋህልሎ ስለ ዘይትኽእል ብግቡእ ተጠቐመሉ

ከተዋህልሎ ስለ ዘይትኽእል ብግቡእ ተጠቐመሉ

ግዜ ገንዘብ እዩ። እዚ ብዙሓት ዚጥቀሙሉ ጭርሖ እዩ። ከም ሓቂ ግን ግዜ ኻብ ገንዘብን ካልእ ነገራትን ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። ግዜ ኸም ገንዘብ: ምግቢ: ነዳዲ: ወይ ሓያሎ ኻልእ ነገራት ንመጻኢ ኸተዋህልሎ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንግዜ ኸይተጠቐምካ ኸተዋህልሎ ምፍታን: ከንቱ እዩ። ሸሞንተ ሰዓት እንተ ደቂስካን ነቲ ዝተረፈ መዓልቲ ዋላ ሓንቲ ኸይሰራሕካ ኸተዋህልሎ እንተ ፈቲንካን እንታይ እዩ ዚኸውን፧ ኣብ መወዳእታ: እቲ ዘይተጠቐምካሉ ሰዓታት ንሓዋሩ ሓሊፉ እዩ።

ግዜ ምስ ዓብዪ ፈጣን ፈለግ ኪመሳሰል ይከኣል እዩ። ወትሩ ንቕድሚት ምስ ወሓዘ እዩ። ደው ከተብሎ ዀነ: ንዅሉ እቲ ዚውሕዝ ክትጥቀመሉ ኣይትኽእልን ኢኻ። ሓያሎ ዘመናት ይገብር: ሰባት ኣብ ገማግም ኣፍላግ ብማይ ዚዘውር ዓንኬላት ኪሰርሑ ጀሚሮም እዮም። በዚ ኣቢሎም ከኣ: ካብቲ ዚውሕዝ ማይ: ዓበይቲ መጥሓናት: መጋዛት: ፖምፓታት: ከምኡውን መዶሻታት ንምንቅስቓስ ዜኽእል ሓይሊ ይረኽቡ። ብተመሳሳሊ: ንስኻውን ንግዜ ኸተዋህልሎ ዘይኰነስ: ጽቡቕ ግብሪ ንምግባር ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ንምግባር ግን ምስ ክልተ ቐንዲ ሰረቕቲ ግዜ ኽትቃለስ ኣሎካ። እዚ ኸኣ ሎሚ ጽባሕ እናበልካ ምድንጓይን ምስዚ ኣጸቢቑ ዚቀራረብ ምግሕማጥን እዩ። ፈለማ ንምድንጓይ እስከ ንመርምር።

ኣይትደናጐ

ሎሚ ኽትገብሮ እትኽእል: ንጽባሕ ኣይተሕድሮ: ዚብል ብሂል ኣሎ። ገሊኦም ሰባት ግን ነዚ ብሂል እዚ ብምቕያር: ንዚቕጽል ሰሙን ከተቐንዮ እትኽእል: ጽባሕ ኣይትዛዝሞ: ይብሉ እዮም። ከቢድ ዕዮ ምስ ዜጋጥሞም: እቲ ዝቐለለ መውጽኢኦም ምድንጓይ እዩ። ኣብዚ “ምድንጓይ” ክንብል ከለና: ሓደ ኺግበር ዘለዎ ነገር ኰነ ኢልካ ናብ ካልእ ግዜ ምምሕልላፍ ማለት እዩ። ሓደ ሎሚ ጽባሕ እናበለ ዚደናጐ ሰብ: ልማድ እዩ ዚዀኖ። ውጥረትን ጸቕጥን ኪበዝሖ ኸሎ: ነቲ ዕዮ ንኻልእ ግዜ ብምስግጋር: እቲ ጸቕጢ ተዋህሊሉ እንደገና ኽሳዕ ዚምለሶ እፎይታ ይረክብ: በቲ ዝረኸቦ “ናጻ ግዜ” ድማ ይሕጐስ።

ሓድሓደ ግዜ: ብሰንኪ ኣካላውን ስምዒታውን ኵነታትና: ገሊኡ ወይውን ኵሉ ዕዮና ናብ ካልእ ግዜ ኸነመሓላልፎ የድልየና እዩ። ብዘይካዚ: ኵሉ ሰብ ኣብ ልሙድ ስርሑ ሓሓሊፉ ለውጢ የድልዮ እዩ። እዚ ንወዲ ኣምላኽ እውን ከይተረፈ ዚምልከት እዩ ነይሩ። የሱስ ኣብ ኣገልግሎት ኣዝዩ ትሑዝ እኳ እንተ ነበረ: ንርእሱን ንደቀ መዛሙርቱን ዜዕርፉሉ ግዜ ይፈቅድ ነበረ። (ማርቆስ 6:31, 32) ከምዚ ዓይነት ዕረፍቲ ጠቓሚ እዩ። ሎሚ ጽባሕ እናበልካ ምድንጓይ ግን ካብዚ እተፈልየ እዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ጐዳኢ እዩ። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ።

ሓንቲ ጐርዞ ንናይ ሕሳብ ፈተና ንኽትዳሎ ሰለስተ ሰሙን ኣለዋ። ከተጽንዖ ዚግብኣ ሓያሎ ጥራዛትን መጻሕፍትን ኣለዋ። ስለዚ ድማ ጸቕጢ ተሰምዓ። ንጽባሕ ከተሕድሮ ሓሰበት: በዚ ድማ ተታለለት። ኣብ ክንዲ እተጽንዕ: ተለቪዥን ትርኢ። መዓልቲ መጸ: ነቲ መጽናዕታ ንኻልእ መዓልቲ ተሰጋግሮ ነበረት። ኣብ መወዳእታ: ድሮ እታ ፈተና እትገበርላ ምሸት: ንዅሉ እቲ እተማህረቶ ብሓንሳእ ከተጽንዕ ተገደደት። ኣብ ጥቓ ሰደቓኣ ኾፍ ኢላ: ጥራዛታን መጻሕፍታን እናገንጸለት ከተጽንዕ ጀመረት።

ሰዓታት ሓለፈ። ካልኦት ኣባላት ስድራቤታ ደቂሶም ከለዉ: ገዛእ ርእሳ ኣገዲዳ ምዕሪት: ኮሳይን: ሱር ትርብዒት ክትሽምድድ ጸዓረት። ንጽብሒቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ: እቲ ዝደኸመ ኣእምሮኣ ኺምልሶ ዘይተዳለወሉ ሕቶታት ንኽትምልስ ተቓለሰት። ዝረኸበቶ ነጥቢ ትሑት ኰነ: በቲ ዓይነት ትምህርቲ እቲ ድማ ተረፈት። ነቲ ዓይነት ትምህርቲ እንደገና ኸተጽንዖ ኣለዋ: ምናልባት እውን ናብ ዚቕጽል ክፍሊ ኣይትሓልፍን ትኸውን።

እዛ ተመሃሪት እዚኣ ሎሚ ጽባሕ እናበለት ምድንጓያ ብዙሕ እዩ ጐዲእዋ። እንተዀነ ግን: ንሰባት ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንኺርሕቑ ዚሕግዝ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ: “ጊዜ ዐዲግኩም: ከም ለባማት እምበር: ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ: ተመልከቱ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌሶን 5:15, 16) ጳውሎስ ንክርስትያናት: ነቲ ግዜኦም ንመንፈሳዊ ነገራት ኣብ ምሕላይ ብጥበብ ኪጥቀሙሉ እዩ ተማሕጺንዎም: እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ግን ኣብ ሓያሎ ኣገዳሲ ንጥፈታት ህይወት ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ዕማም መዓስ ከም እንዓሞ ኽንውስን ስለ እንኽእል: ኣብቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዚምሽእ እዋን ብምዕያይ ዝሓሸ ውጽኢት ንረክብ: ነቲ ዕዮ ድማ ብዝቐልጠፈ ንፍጽሞ። እዚ ኸምቲ እታ ጥቕሲ ዝሓበረቶ: መለለዪ “ለባማት” እዩ።

እታ ጐርዞ ነቲ ናይ ሕሳብ ፈተና ንኸተጽንዕ ምሹእ ግዜ መዓስ እያ ኽትረክብ እትኽእል ነይራ፧ ምናልባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምሸት 15 ደቒቕ ዚኸውን ግዜ ብምምዳብ: በብቝሩብ ነቲ ትምህርቲ መጽንዓቶ ነይራ። በዚ ኸምዚ: ኣብታ ድሮ እቲ ፈተና ዝነበረት ለይቲ ኣብ ክንዲ እትሽገር: ደቂሳ መሕለፈቶ። በታ እትፍተነላ መዓልቲ ድማ: ዕረፍቲ ገይራን ምሉእ ብምሉእ ተዳልያን ምቐረበት: ጽቡቕ ነጥቢ ድማ ምረኸበት።

ስለዚ: ሓደ ዕማም ክትዓምም ምስ ዚወሃበካ: ንምፍጻሙ መዓስ ምሹእ ግዜ ኸም እትረክብ ወስን። ድሕሪኡ: ሎሚ ጽባሕ እናበልካ ምድንጓይ ካብ ዜምጽኦ መፈንጠራን ካብ ሳዕቤናቱን ከተምልጥ ኢኻ። በቲ ብጽቡቕ ዝዓመምካዮ ዕዮ እውን ዕግበት ክትረክብ ኢኻ። እቲ ዕማም ንኻልኦት ሰባት ዚጸሉ እንተ ዀይኑ: ንኣብነት ኣብ ክርስትያናዊ ጉባኤ እተዋህበካ ዕዮ እንተ ዀይኑ: እዚ ዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ኣይተጋሕምጥ

ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ: ነቲ ኽቡር ግዜና ብግቡእ ንኽንጥቀመሉ ዚሕግዘና ኻልኣይ ረቛሒ ዘይምግሕማጥ እዩ። ዝዀነ ይኹን ነገር ንምእላዩ: ንምድላዉ: ንምጥቃሙ: ንምጽራዩ: ንምኽዛኑ: ንምክንኻኑ ግዜ ኸም ዜድሊ ንፈልጥ ኢና። ዝያዳ ነገራት ከኣ: ዝያዳ ግዜ የድልዮ። ኣብ ሓደ ብኣቝሑ እተጨቓጨቐ ኽፍሊ ምዕያይ: ካብ ኣብ ሓደ ዘይተጨቓጨቐን ዘይጋሕመጠን ቦታ ንላዕሊ ግዜ ዚወስድን ዜበሳጩን እዩ። ብተወሳኺውን: ብዙሕ ነገራት እናተኣከበ ብዝኸደ መጠን: ነቲ እንደልዮ ኣቕሓ ንምርካብ እነሕልፎ ግዜ ይውስኽ እዩ።

ናይ ምሕደራ ቤት ክኢላታት: ዳርጋ ፍርቂ እቲ ሰባት ንምጽራይ ዜሕልፍዎ ግዜ: “ፈቐዶኡ ፋሕ ዝበለ ጋዕገልጠም ኣብ ምእርናብን ኣብ ምውጋንን ኣብ ምግዓዝን” ኸም ዚጠፍእ ይገልጹ። ኣብ ካልእ መዳያት ህይወት እውን ተመሳሳሊ ዅነታት ይህሉ ይኸውን። ስለዚ: ንግዜኻ ብዝሓሸ መገዲ ኽትጥቀመሉ እንተ ደሊኻ: ከባቢኻ ተጠንቂቕካ ተመልከት። ዜጋሕምጥ ነገራት ንቦታኻ ይመልኦ: ንምንቅስቓሳትካ ይድርቶ: ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ንግዜኻ የባኽኖዶ ኣሎ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ኣይተጋሕምጥ።

ነቲ ዜጋሕምጥ ነገራት ምውጋዱ: ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እትፈትዎ ግን ከኣ ዘየድልየካ ኣቝሑ ምድርባይ: ከም እትፈትዎ ዓርክኻ ምስኣን: ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ሓደ ኣቕሓ ንኸተቐምጦ ወይ ንኽትድርብዮ ኽትውስን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ገሊኦም ሓደ ዓመት ዚብልዎ ሕጊ ይጥቀሙ። እዚ ኸኣ ንሓደ ነገር ሓደ ዓመት ምሉእ እንተ ዘይተጠቒምካሉ: ኣወግዶ ዚብል እዩ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ንምድርባዩ ሰጋእ መጋእ እንተ ኢልካኸ፧ ንሽዱሽተ ወርሒ ኣብ መኽዘን ኣጽንሓዮ። ጸኒሕካ ንሓደ ዓመትን መንፈቕን ከም ዘይተጠቐምካሉ ምስ ረኣኻ: ነቲ ኣቕሓ ምውጋዱ ኣየጸግመካን ይኸውን። በዚ ዀነ በቲ: እቲ ሸቶ ነቲ ዜጋሕምጥ ነገራት ምንካዩን ንግዜኻ ብዝሓሸ መገዲ ምጥቃምን እዩ።

ልክዕ እዩ: ዜጋሕምጥ ኣቕሑ ኣብ ቤት ወይ ኣብ ስራሕ ጥራይ እተደረተ ኣይኰነን። የሱስ ብዛዕባ እቲ ‘ነቲ ቓል ኣምላኽ ኪሓንቆን’ ንሰብ ከኣ ብስራት ሰሚዑ ኸም ‘ዘይፈሪ’ ኺገብሮን ዚኽእል “ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን” ጠቒሱ ኣሎ። (ማቴዎስ 13:22) ህይወት ሓደ ሰብ ብብዙሕ ንጥፈታትን ዕማማትን ዝጋሕመጠ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ: ነቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ መንፈሳዊ ልምድን ሚዛንን ሓልዩ ንኪኸይድ ኬጸግሞ ይኽእል እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪጕዳእ ከምኡውን ውዒሉ ሓዲሩ ኣብታ ናይ ሓቂ ዕግበትን ሓጐስን ዜምጽእ ነገራት ንምፍጻም ናይ ዘለኣለም ግዜ ዚርከበላ ሓዳስ ዓለም ከይኣቱ ይኽእል እዩ።—ኢሳይያስ 65:17-24፣ 2 ጴጥሮስ 3:13

ምስ ስራሕካ: ቤትካ: ማኪናኻ: መሕለፍ ግዜኻ: መገሻታትካ: ኣካላዊ ምውስዋስካ: ማሕበራዊ ንጥፈታትካ: ወይ ምስ ካልእ ዜገድሰካ ንጥፈታት ዚተሓሓዝ ነገራት ንምፍጻም መደባትካ ዓሰርተ ሳዕ ትቐያይር ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ንመንፈሳዊ ነገራት ግዜ ምእንቲ ኽትህብ: ነቲ ዜጋሕምጥ ነገራት ብኸመይ ከም እትንክዮ ኽትሓስብ የድልየካ ይኸውን።

ግዜን ሞገድን ንዋላ ሓደ ሰብ ኣይጽበን እዩ: ዚብል ፍሉጥ ብሂል ኣሎ። እወ: ግዜ ብዘይምቍራጽ ከም ውሕጅ ንቕድሚት ይውሕዝ እዩ። ኣንፈቱ ኪቕይር ወይ ኪውህለል ኣይከኣልን እዩ፣ ሓንሳእ እንተ ሓሊፉ: ንሓዋሩ ሓሊፉ እዩ። ይኹን እምበር: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቀሊል መሰረታዊ ስርዓታት ብምጥቃምን እተወሰነ ግብራዊ ስጕምትታት ብምውሳድን: ግዜ ንዘለኣለማዊ ጥቕምናን “ንኽብሪ ኣምላኽናን ምስጋናኡን” “ዚሐይሽ” ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።—ፊልጲ 1:10, 11

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ግዜ ኸም ፈጣን ውሕጅ ብምዃኑ: ንጽቡቕ ተግባር ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

እዛ ጓል ንፈተናኣ እተጽንዓሉ ምሹእ ግዜ መዓስ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ዝጋሕመጠ ቦታ ምዕያይ ግዜ ዜጥፍእን ዜበሳጩን እዩ