ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥበበኛ ኹን—ንኣምላኽ ፍርሃዮ!

ጥበበኛ ኹን—ንኣምላኽ ፍርሃዮ!

ጥበበኛ ኹን—ንኣምላኽ ፍርሃዮ!

“መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እዩ።”—ምሳሌ 9:10

1. ንኣምላኽ ምፍራህ ዚብልዎ ሓሳብ ንብዙሓት ኪርድእዎ ዜጸግሞም ስለምንታይ እዩ፧

 ንሓደ ሰብ ንኣምላኽ ዚፈርህ ኢልካ ምግላጹ ኸም ናእዳ ጌርካ ዚውሰደሉ ግዜ ነይሩ እዩ። ሎሚ ግን: ብዙሓት ንኣምላኽ ምፍራህ ዚብልዎ ሓሳብ ግዜኡ ዝሓለፎን ክትርድኦ ዜሸግርን ገይሮም ይርእይዎ። ‘ኣምላኽ ፍቕሪ እንተ ዀይኑ: ንምንታይ እየ ኽፈርሆ ዘሎኒ፧’ ኢሎም ይሓቱ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ንፍርሃት ከም ኣሉታዊ: ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ዜልምስ ስምዒት ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ናይ ሓቂ ፍርሃት ኣምላኽ ግን: ዝሰፍሐ ትርጕም ኣለዎ: ቀጺልና ኸም እንርእዮ ድማ ኣብ ውሽጥና ዚስምዓና ስምዒት ጥራይ ኣይኰነን።

2, 3. ናይ ሓቂ ፍርሃት ኣምላኽ እንታይ የጠቓልል፧

2 መጽሓፍ ቅዱስ ንፍርሃት ኣምላኽ ብኣወንታዊ መዳይ እዩ ዚጥቀመሉ። (ኢሳይያስ 11:3) እዚ ድማ ንኣምላኽ ዓሚቝ ኣኽብሮት ምህላው: ማለት ንኸይተጕህዮ ሓያል ባህጊ ምሕዳር የመልክት። (መዝሙር 115:11) ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ምቕባልን ጠቢቕካ ምስዓብን በቲ ኣምላኽ ቅኑዕ ወይ ጌጋ ዝበሎ ህይወትካ ንምምራሕ ባህጊ ምሕዳርን የጠቓልል። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ: እዚ ዓይነት ጥዑይ ፍርሃት እዚ ነቲ “ናብ ጥበብ ዚመርሕን ካብ ኵሉ እከይ ከም እትርሕቕ ዚገብርን ንኣምላኽ ዘሎካ መሰረታዊ ኣረኣእያ” ኸም ዜንጸባርቕ ገለጸ። ስለዚ ድማ ቃል ኣምላኽ: “መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እዩ” ብምባል ይነግረና።—ምሳሌ 9:10

3 እወ: ፍርሃት ኣምላኽ ንሓያሎ ንጥፈታት ሰብ ዚሓቍፍ እዩ። ምስ ጥበብ ጥራይ ዘይኰነስ: ምስ ሓጐስ: ሰላም: ብልጽግና: ነዊሕ ዕድመ: ተስፋ: ትውክልቲ: እምንቶ ይተሓሓዝ እዩ። (መዝሙር 2:11፣ ምሳሌ 1:7፣ 10:27፣ 14:26፣ 22:4፣ 23:17, 18፣ ግብሪ ሃዋርያት 9:31) ምስ እምነትን ፍቕርን ኣጸቢቑ ይተኣሳሰር እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ: ነቲ ምስ ኣምላኽ ኰነ ምስ ብጾትና ዘሎና ዅሉ ርክብ ዜጠቓልል እዩ። (ዘዳግም 10:12፣ እዮብ 6:14፣ እብራውያን 11:7) ፍርሃት ኣምላኽ: ሰማያዊ ኣቦና ብብሕቲ ኸም ዚሓልየልናን ሓጢኣትና ኺሓድገልና ፍቓደኛ ምዃኑን ሓያል ምትእምማን ምህላው እውን ዜጠቓልል እዩ። (መዝሙር 130:4) ዘይንሳሕ እኩይ ጥራይ እዩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪርዕድ ዘለዎ። aእብራውያን 10:26-31

ንየሆዋ ምፍራህ እትመሃረሉ መገዲ

4. ‘ፍርሃት የሆዋ ንኽንመሃር’ ኪሕግዝና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

4 ጥበባዊ ውሳነታት ንምግባርን በረኸት ኣምላኽ ንምርካብን ፍርሃት ኣምላኽ ኣዝዩ ኣድላዪ ስለ ዝዀነ: ብኸመይ ኢና ብዚግባእ ‘ፍርሃት የሆዋ ኽንመሃር’ እንኽእል፧ (ዘዳግም 17:19) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንኣምላኽ ዚፈርሁ ዝነበሩ ሓያሎ ኣብነታት “ንምህሮና” ተመዝጊቦም ኣለዉ። (ሮሜ 15:4) ንኣምላኽ ምፍራህ ማለት እንታይ ከም ዝዀነ ብሓቂ ምእንቲ ኽንርድኦ: ብዛዕባ ህይወት ሓደ ኻብዞም ኣብነታት እዚኣቶም: ማለት ብዛዕባ እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት: እስከ ነስተንትን።

5. ዳዊት ጓሳ ዀይኑ ዘሕለፎ ግዜ: ንየሆዋ ንኺፈርሆ ብኸመይ እዩ ምሂርዎ፧

5 እቲ ናይ መጀመርታ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ሳኦል: ንሰባት ስለ ዝፈርሀን ንኣምላኽ ዝነበሮ ፍርሃት ስለ ዝጐደለን የሆዋ ነጸጎ። (1 ሳሙኤል 15:24-26) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: ናብራ ህይወት ዳዊትን ምስ የሆዋ ዝነበሮ ጥብቂ ርክብን ብሓቂ ንኣምላኽ ዚፈርህ ሰብ ምንባሩ እዩ ዚገልጽ። ዳዊት ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ: ብዙሕ ግዜ ኣባጊዕ ኣቦኡ ይጓሲ ነበረ። (1 ሳሙኤል 16:11) ኪጓሲ ኢሉ ኣብ መሮር ኣብ ዝሓደረሉ እዋን: ከዋኽብቲ ብምዕዛቡ ንፍርሃት የሆዋ ንኺርድኦ ሓጊዝዎ ኪኸውን ኣለዎ። ዳዊት ንንእሽቶ ኽፋል እቲ ዩኒቨርስ ጥራይ ኬስተውዕል ይኽእል እኳ እንተ ነበረ: ኣምላኽ ኣኽብሮትናን ፍቕርናን ይግብኦ እዩ ኣብ ዚብል ቅኑዕ መደምደምታ ግን በጽሐ። “ንሰማያትካ: ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ: ንስኻ ዘቘምካዮም: ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ: እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ: እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧” በለ።—መዝሙር 8:3, 4

6. ዳዊት ንዕቤት የሆዋ ምግንዛቡ እንታይ ስምዒት ኣሕደረሉ፧

6 ዳዊት ንርእሱ ምስቲ ብኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰፊሕ ሰማያት ምስ ኣወዳደረ: ኪምሰጥ ሓቁ እዩ። እዚ ፍልጠት እዚ ኣብ ክንዲ ዜፍርሆ: “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ: ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ” ኢሉ ንየሆዋ ንኺውድሶ ደረኾ። (መዝሙር 19:1) እዚ ንየሆዋ ዝነበሮ ኣኽብሮት ናብኡ ኸም ዚቐርብ ገበሮ: ብዛዕባ እቲ ፍጹም መገድታት ኣምላኽ ንኺመሃር ባህጊ ኸም ዚሓድሮ ድማ ገበረ። ዳዊት ንየሆዋ: “ንስኻ ዓብይን ተኣምራት እትገብርን ኢኻ እሞ: ኣምላኽሲ ንስኻ ጥራይ ኢኻ። ዎ እግዚኣብሄር: ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ: መገድኻ ምሀረኒ: ስምካ ኽፈርህሲ: ንልበይ ኣዳልዎ” ኢሉ ኺዝምር ከሎ እተሰምዖ እሞ ገምቶ።—መዝሙር 86:10, 11

7. ዳዊት ንኣምላኽ ምፍራሁ ንጐልያድ ንኺቃለሶ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

7 ፍልስጥኤማውያን ንምድሪ እስራኤል ምስ ወረሩ: እቲ ሰለስተ ሜተር ኣቢሉ ዝቝመቱ ጐልያድ ዚበሃል ጐብለሎም: ንእስራኤላውያን ‘ሓደ ንሓደ ንኽንቃለስ ሓደ ሰብኣይ ሕረዩ! ንሱ እንተ ኣሰኒፉኒ: ባሮትኩም ክንከውን ኢና’ ዚብል መልእኽቲ ብዘለዎ ዘረባ ኣባጨወሎም። (1 ሳሙኤል 17:4-10) ሳኦልን ብምሉኦም ሰራዊቱን ረዓዱ: ዳዊት ግን ኣይረዓደን። የሆዋ ደኣ እምበር: ሰብ ዝሓየለ ይሓይል ብዘየገድስ ኪፍራህ ከም ዘይብሉ ይፈልጥ ነበረ። ዳዊት ንጐልያድ: “ኣነ ግና ብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት . . . እመጸካ አሎኹ። . . . እቲ ውግእሲ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ: እግዚኣብሄር ብሴፍን ብዅናትን ከም ዘይኰነ ዜድሕን: ብዘላ እዛ ማሕበር እዚኣ ምእንቲ ኽትፈልጥ: ንሱ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድና ኺህበና እዩ” በሎ። ዳዊት በቲ ወንጭፉን ብሓንቲ እምንን: ከምኡውን ብሓገዝ የሆዋ: ነቲ ዓርሞሸሽ ወቒዑ ቐተሎ።—1 ሳሙኤል 17:45-47

8. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ንኣምላኽ ዚፈርሁ ኣብነታት እንታይ እዮም ዚምህሩና፧

8 ንሕናውን ካብቲ ንዳዊት ዘጋጠሞ ዘይንእሱ ጸላእቲ ወይ ዕንቅፋታት የጋጥሙና ይዀኑ። እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ከምቲ ዳዊትን ጥንቲ ዝነበሩ ኻልኦት እሙናትን ዝገበርዎ ብፍርሃት ኣምላኽ ክንሰግሮ ንኽእል ኢና። ፍርሃት ኣምላኽ ንፍርሂ ሰብ ኬሰንፎ ይኽእል እዩ። እቲ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝነበረ ነህምያ ነቶም ካብ ተጻረርቲ ጸቕጢ ዚወርዶም ዝነበረ ብጾቱ እስራኤላውያን: “ኣብ ቅድሚኦም ኣይትፍርሁ: ነቲ ዓብይን መፍርህን ጐይታ ዘክሩ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (ነህምያ 4:14) ዳዊትን ነህምያን ካልኦት እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽን ብሓገዝ የሆዋ ነቲ ንሱ ዝሃቦም ዕዮ ኺፍጽሙ ኽኢሎም እዮም። ንሕናውን ብፍርሃት ኣምላኽ ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና።

ንጸገማት ብፍርሃት ኣምላኽ ምስጋሩ

9. ዳዊት ኣብ ትሕቲ ኸመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ ፍርሃት ኣምላኽ ዘርኣየ፧

9 ዳዊት ንጐልያድ ድሕሪ ምቕታሉ: የሆዋ ተወሳኺ ዓወታት ሃቦ። እቲ ቐናእ ዝነበረ ንጉስ ሳኦል ግን: ፈለማ ብሃንደበት: ጸኒሑ ብጕርሒ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብሰራዊት ገይሩ ንዳዊት ኪቐትሎ ፈተነ። የሆዋ ንዳዊት ንጉስ ከም ዚኸውን ኣረጋጊጹሉ እኳ እንተ ነበረ: ዳዊት ንሓያሎ ዓመታት ኪሃድም: ኪቃለስ: ከምኡውን ክሳዕ እቲ የሆዋ ዜንግሶ ግዜ ዚኣክል ኪጽበ ነበሮ። ዳዊት በዚ ዅሉ ኺሓልፍ ከሎ: ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዚፈርሆ ኣርኣየ።—1 ሳሙኤል 18:9, 11, 17፣ 24:2

10. ዳዊት ኣብ ግዜ ሓደጋ ፍርሃት ኣምላኽ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

10 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ዳዊት ናብቲ ኣኪሽ ዚበሃል ንጉስ እታ ጋት እትበሃል ጐልያድ ዚነብረላ ዝነበረት ከተማ ፍልስጥኤማውያን ሃዲሙ ኸደ። (1 ሳሙኤል 21:10-15) እቶም ኣገልገልቲ እቲ ንጉስ ንዳዊት ከም ጸላኢ ህዝቦም ገይሮም ኰነንዎ። ዳዊት ኣብቲ ሓደገኛ ዅነታት እንታይ ገበረ፧ ብጸሎት ልቡ ናብ የሆዋ ኣፍሰሰ። (መዝሙር 56:1-4, 11-13) ምእንቲ ኼምልጥ ኢሉ ጽሉል እኳ እንተ መሰለ: ነቲ ጻዕርታቱ ኸም ዚሰልጦ ብምግባር ብሓቂ ዘድሓኖ ግን የሆዋ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ዳዊት ኣብ የሆዋ ብምሉእ ልቡ ይውከል ብምንባሩን እምንቶ ስለ ዝነበሮን: ብሓቂ ንኣምላኽ ዚፈርህ ምዃኑ ዚሕብር ነበረ።—መዝሙር 34:4-6, 9-11

11. ኣብ ትሕቲ ፈተና: ከም ዳዊት ፍርሃት ኣምላኽ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

11 ንሕናውን ከም ዳዊት: ኣብቲ ኣምላኽ ንጸገማትና ኽንዋጽኣሉ ኸም ዚሕግዘና ዝኣተዎ መብጽዓ ብምትእምማን ንኣምላኽ ከም እንፈርሆ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ዳዊት “መገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ: ኣብኡ ተወከል: ንሱውን ኬስልጠልካ እዩ” በለ። (መዝሙር 37:5) ከምዚ ኺበሃል ከሎ: ንዜጋጥመና ጸገማትና ንምፍታሕ ዚከኣለና ዅሉ ኸይገበርና: ጸገማትና ንየሆዋ ኣረኪብና: ንሱ ስጕምቲ ኺወስድ ንጽበ ማለት ኣይኰነን። ዳዊት ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ንምርካብ ድሕሪ ምጽላይ: ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ኣይተጸበየን። የግዳስ: ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ክእለቱ ተጠቕመሉ: ነቲ ዘጋጠሞ ጸገም ከኣ ሰገሮ። ኰይኑ ግን: ሰብኣዊ ጻዕርታት ጥራይ ንበይኑ ናብ ኣሳልጦ ኸም ዘይመርሕ ዳዊት ይፈልጥ ነበረ። ንሕናውን ከምኡ ኽንከውን ኣሎና። ዚከኣለና ዘበለ ዅሉ ድሕሪ ምግባር: ዝተረፈ ናብ የሆዋ ኽንገድፎ ኣሎና። ከም ሓቂ እኳ: ብዙሕ ግዜ ናብ የሆዋ ኻብ ምጽጋዕ ሓሊፍና እንገብሮ ነገር የለን። ኣብዚ ኸኣ ኢና ብብሕቲ ፍርሃት ኣምላኽ እነርኢ። በቲ “ምስጢር እግዚኣብሄርሲ ነቶም ዚፈርህዎ እዩ: ንሱውን ኪዳኑ ኼፍልጦም እዩ” ዚብል ካብ ልቢ ዝፈልፈለ ቓላት ዳዊት ክንጸናናዕ ንኽእል ኢና።—መዝሙር 25:14

12. ጸሎትና ኣርዚንና ኽንርእዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ እንታይ ኣረኣእያኸ ኢና ኽንሕዝ ዘይብልና፧

12 ስለዚ: ንጸሎትናን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብን ኣርዚንና ኽንርእዮ ኣሎና። ንየሆዋ ኽንቀርቦ ኸለና: “ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን” ክንኣምን ኣሎና። (እብራውያን 11:6፣ ያእቆብ 1:5-8) ኪሕግዘና ኸሎ ኸኣ: ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝመኸረና: ‘መማሰውቲ ኽንከውን’ ኣሎና። (ቈሎሴ 3:15, 17) ከምቶም ሓደ ምኩር ቅቡእ ክርስትያን ዝገለጾም: “ንኣምላኽ ከም ሰማያዊ ኣሳሳዪ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ” እተባህለሎም ሰባት ክንከውን የብልናን። ንሳቶም “ሓደ ነገር ምስ ዚደልዩ: ኣጻብዕቶም ጣዕ ብምባል ኪመጸሎም ይደልዩ። ዝደልይዎ ምስ ረኸቡ ኸኣ: ኪኸይድ እዮም ዚደልይዎ።” ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ንኣምላኽ ከም ዘይፈርህዎ የርኢ።

ንኣምላኽ ዘሎና ፍርሃት ኪጐድል ከሎ

13. ዳዊት ንሕጊ ኣምላኽ ኣኽብሮት ዘየርኣየ መዓስ እዩ፧

13 ዳዊት ኣብ ግዜ ጭንቂ ሓገዝ የሆዋ ምርካቡ ነቲ ንኣምላኽ ዝነበሮ ፍርሃት ኣዕሚቝዎን ኣብኡ ዝነበሮ እምንቶ ኣደልዲልዎን እዩ። (መዝሙር 31:22-24) ይኹን እምበር: ዳዊት ኣብ ሰለስተ ጕሉሕ መዳያት ንኣምላኽ ዝነበሮ ፍርሃት ጐዲሉ እዩ: እዚ ድማ ሕማቕ ሳዕቤን ኣስዓበሉ። እቲ ቐዳማይ ነቲ ታቦት ኪዳን የሆዋ: ከምቲ ሕጊ ኣምላኽ ዚእዝዞ ኣብ መንኵብ ሌዋውያን ኣብ ክንዲ ምጻር: ብሰረገላ ገይሩ ናብ የሩሳሌም ኬግዕዞ ምስ ፈተነ እዩ ኣጋጢሙ። እቲ ነቲ ሰረገላ ዚመርሕ ዝነበረ ዑዛ: ነቲ ታቦት ከይወድቕ ኢሉ ምስ ሓዞ: ስለ “ድፍረቱ” ኣብቲ ቦታ እቲ ተቐዝፈ። እወ: ዑዛ ኸቢድ ሓጢኣት እኳ እንተ ገበረ: ዘይሩ ዘይሩ ዳዊት ንሕጊ ኣምላኽ ግቡእ ኣኽብሮት ስለ ዘየርኣየ እዩ እቲ ዜሕዝን ነገር እተፈጸመ። ንኣምላኽ ምፍራህ ኪበሃል ከሎ: ንዝዀነ ይኹን ነገር ብስርዓቱ ተመሪሕካ ምግባር ማለት እዩ።—2 ሳሙኤል 6:2-9፣ ዘሁልቍ 4:15፣ 7:9

14. ዳዊት ንእስራኤላውያን ምቝጻሩ እንታይ ኣስዓበ፧

14 ጸኒሑ: ዳዊት ብሰይጣን ተለዓዒሉ: ነቶም ተዋጋእቲ እስራኤል ኪቘጽሮም ጀመረ። (1 ዜና መዋእል 21:1) ከምዚ ብምግባሩ: ንኣምላኽ ዝነበሮ ፍርሃት ከም ዝጐደለ ኣርእዩ እዩ: ብሰንኪ እዚ ድማ 70,000 እስራኤላውያን ሞቱ። ዳዊት ኣብ ቅድሚ የሆዋ እኳ እንተ ተነስሐ: ንሱን ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባትን ብዙሕ መከራ እዩ ወሪድዎም።—2 ሳሙኤል 24:1-16

15. ዳዊት ጾታዊ ሓጢኣት ንኺፍጽም ጠንቂ ዝዀኖ እንታይ እዩ፧

15 ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ: ዳዊት ንኣምላኽ ዝነበሮ ፍርሃት ስለ ዝጐደለ: ምስ ባትሴባ ሰበይቲ ኡርያ ዘመወ። ዳዊት ዝሙትን ሰበይቲ ኻልእ ምምናይን ጌጋ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዘጸኣት 20:14, 17) እቲ ጸገም ዝጀመረ: ዳዊት ንባትሴባ ኽትሕጸብ ከላ ምስ ረኣያ እዩ። ግቡእ ፍርሃት ኣምላኽ ንዳዊት ኣዒንቱ ናብ ካልእ ንኺመልስን ሓሳባቱ ናብ ካልእ ንኼተኵርን ኪድርኾ ነይርዎ። ኣብ ክንዳኡ ግን: ብብርቱዕ ስምዒት ተዋሒጡ ንኣምላኽ ዘለዎ ፍርሃት ክሳዕ ዚርስዖ: ‘ጠመታ።’ (ማቴዎስ 5:28፣ 2 ሳሙኤል 11:1-4) የሆዋ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወቱ ኸም ዚኣቱ ረስዐ።—መዝሙር 139:1-7

16. ዳዊት ብሰንኪ እቲ ኣበሳኡ እንታይ ሳዕቤናት እዩ ዝዓጸደ፧

16 በቲ ዳዊት ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ዝሙት ወዲ ተወልደ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ: የሆዋ ንነብዪ ናታን ብምልኣኽ ንሓጢኣት ዳዊት ኣቃልዖ። ዳዊት እቲ ዝገበሮ ስለ እተሰቈሮ: ንኣምላኽ ዝነበሮ ፍርሃት ተሓደሰን ተነስሐን። የሆዋ ኸይድርብዮ ወይ መንፈስ ቅዱሱ ኸየግድፎ ለመነ። (መዝሙር 51:7, 11) የሆዋ ንዳዊት ይቕረ በለሉ: መቕጻዕቱ ድማ ኣፍኰሰሉ: እንተዀነ ግን ካብ ኵሉ እቲ ተግባራቱ ዜምጽኣሉ ሕማቕ ሳዕቤናት ግን ኣየዕቈቦን። ወዲ ዳዊት ሞተ: ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ ኣብ ስድራቤት ዳዊት ዜጕህን ዜሕዝንን ነገር ኣጋጠመ። ንኣምላኽ ዝነበሮ ፍርሃት ስለ ዝጐደለስ: ከመይ ዝበለ ብዙሕ ሕማቕ ሳዕቤን ኰን እዩ ዘስዓበሉ!—2 ሳሙኤል 12:10-14፣ 13:10-14፣ 15:14

17. ሓጥእ ተግባራት ዜፍርዮ ጓሂ ልቢ ኣብርህ።

17 ሎሚ ኣብ ስነ-ምግባራዊ ጕዳያት ንኣምላኽ ዘይምፍራህ: ብተመሳሳሊ ኸቢድን ነዊሕ ዚጸንሕን ሳዕቤናት ኬምጽእ ይኽእል እዩ። ሓንቲ ሰበይቲ: ክርስትያን ሰብኣያ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኪሰርሕ ከሎ ንዓኣ ዘይእሙን ከም ዝነበረ ምስ ፈለጠት እተሰምዓ ስቓይ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ብስምባድን ብሓዘንን ስለ እተዋሕጠት: ገጻ በእዳዋ ሸፊና ዝርንዝሕ ነብዐት። ሰብኣያ ነቲ ኣቐዲሙ ሰበይቱ ኣብኡ ዝነበራ ምትእምማንን ኣኽብሮትን ንምምላስ ክንደይ ግዜ እዩ ኺወስደሉ፧ ብሓቂ ንኣምላኽ ብምፍራህ: ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሕዝን ሳዕቤናት ኪውገድ ይከኣል እዩ።—1 ቈረንቶስ 6:18

ፍርሃት ኣምላኽ ንኸይንሓጥእ ይዓግተና

18. ዕላማን ሜላን ሰይጣን እንታይ እዩ፧

18 ሰይጣን ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታት እዛ ዓለም እዚኣ ብቕልጡፍ ከም ዜንቈልቍል እዩ ዚገብሮ ዘሎ: ብፍላይ ከኣ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ኬበላሽዎም እዩ ዚደሊ። ከምዚ ንምግባር: መልእኽቲ ናብ ልብናን ኣእምሮናን ብቐጥታ ዜመሓላልፍ ህዋሳት: ብሕልፊ ዓይንናን እዝንናን እዩ ዚጥቀም። (ኤፌሶን 4:17-19) ብሃንደበት ርኹስ ትርኢት: ቃላት: ወይ ሰብ ምስ ዜጓንፈካ እንታይ ኢኻ እትገብር፧

19. ፍርሃት ኣምላኽ ንሓደ ክርስትያን ንዜጋጠሞ ፈተና ንኺሰግሮ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

19 ንኣብነት: ኣንድሬ b ዚበሃል ኣብ ኣውሮጳ ዚነብር ክርስትያን ሽማግለን ኣቦን ሓኪምን እስከ ንውሰድ። ኣንድሬ ኣብቲ ዚሰርሓሉ ሆስፒታል ኣብ ናይ ለይቲ እብረ ኣብ ዚዓየሉ እዋን: ደቂ ኣንስትዮ መሳርሕቱ ምሳታተን ጾታዊ ርክብ ኪፍጽም ዚዕድም ብቕርጺ ልቢ እተሰለመ ወረቐት ኣብ መተርኣሱ የንብራሉ ነበራ። ኣንድሬ ነዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ልቡ ንኸየእትዎ ብጽንዓት ኣበየ። ብዘይካዚ: ካብቲ ሕማቕ ሃዋህው ንምምላጥ: ኣብ ካልእ ቦታ ስራሕ ረኸበ። ንኣምላኽ ምፍራሁ ኣዝዩ ጥበባዊ መገዲ ዀነሉ: ናብ በረኸት ከኣ መርሖ። ሎሚ: ኣንድሬ ኣብቲ ኣብ ሃገሩ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር የገልግል ኣሎ።

20, 21. (ሀ) ፍርሃት ኣምላኽ ካብ ሓጢኣት ንኽንርሕቕ ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

20 ሓደ ሰብ ብዛዕባ ግጉይ ተግባራት ምስ ዜስተንትን: ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ኽቡር ርክብ ደርብዩ በቲ ኺፍጽሞ ዘይግባእ ነገር ንኺትክኦ ፍቓደኛ ኸም ዚኸውን ኪገብሮ ይኽእል እዩ። (ያእቆብ 1:14, 15) ብኻልእ ኣበሃህላ: ንየሆዋ ንፈርሆ እንተ ዄንና: ናብቶም ንስነ-ምግባራዊ ስርዓትና ኼትሕቱ ዚኽእሉ ሰባት: ቦታታት: ንጥፈታት: ከምኡውን መዘናግዒታት ኣይንቐርብን ኢና: ካባታቶም እውን ንርሕቕ ኢና። (ምሳሌ 22:3) እዚ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ዜሕፍር ወይ መስዋእቲ ዚኽፈሎ እኳ እንተ ዀነ: ሞገስ ኣምላኽ ምስ ምስኣን ኪወዳደር ከሎ ግን ንእሽቶ እዩ። (ማቴዎስ 5:29, 30) ንኣምላኽ ምፍራህ ኪበሃል ከሎ: ኰነ ኢልና ርእስና ንዝዀነ ይኹን ርኹስ ነገር: እንተላይ ንዝዀነ ይኹን ዓይነት ስእለ-ጽዩፍ ዘይምቅላዕ: የግዳስ ‘ነዒንትና ኻብ ምርኣይ ከንቱነት ምምላስ’ ከም ዜጠቓልል እተረጋገጸ እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና: የሆዋ ‘ህያው ከም ዚገብረናን’ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልናን ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—መዝሙር 84:11፣ 119:37

21 እወ: ብናይ ሓቂ ፍርሃት ኣምላኽ ምምልላስ: ወትሩ መገዲ ጥበብ እዩ። ምንጪ ናይ ሓቂ ሓጐስ እውን እዩ። (መዝሙር 34:9) እዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብንጹር ኪግለጽ እዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a እታ ኣብ ናይ 8 ጥሪ 1998 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ:- ንሓደ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ክትፈርሆ ትኽእል፧” ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ዓንቀጽ ተወከስ።

b ስም ተቐዪሩ እዩ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ፍርሃት ኣምላኽ እንታይ ክርስትያናዊ ባህርያት የጠቓልል፧

• ፍርሃት ኣምላኽ ንፍርሂ ሰብ ዜሰንፎ ብኸመይ እዩ፧

• ብዛዕባ ጸሎት ግቡእ ኣረኣእያ ኸም ዘሎና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

• ፍርሃት ኣምላኽ ንኸይንሓጥእ ኪዓግተና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ዳዊት ንግብርታት የሆዋ ምስ ተዓዘበ: ፍርሃት ኣምላኽ ተማህረ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ብሃንደበት ፈታኒ ዅነታት ምስ ዜጋጥመካ: እንታይ ኢኻ እትገብር፧