ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍርሃት ኣምላኽ “ናይ ጥበብ ትምህርቲ”

ፍርሃት ኣምላኽ “ናይ ጥበብ ትምህርቲ”

ፍርሃት ኣምላኽ “ናይ ጥበብ ትምህርቲ”

ናይ ሓቂ ጥበብ ዓብዪ ድግስ ኣዳለወት። “ኣግራዳ ለአኸት: ኣብቲ ኣዝዩ ዝበረኸ ስፍራ ኸተማ ዀይና ትጽውዕ አላ: ዘይለበመ እንተሎ: ናብዚ ይምጻእ። ነቶም ኣእምሮ ዜብሎምውን ከምዚ ትብሎም አላ፤ ንዑ: እንጌራይ ብልዑ: ዝዘለልክዎ ወይነይ ስተዩ። ብህይወት ክትነብሩስ ዕሽነት ሕደጉ: ብመገዲ ምስትውዓል ከኣ ተመላለሱ።”—ምሳሌ 9:1-6

ካብ መኣዲ ጥበብ ምምጋብ: ናብ ሕማቕ ወይ ናብ ጐዳኢ ነገር ከቶ ኣይመርሕን እዩ። ነቲ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ምስላታት ዚርከብ ጥበብ ኣምላኽ ምስማዕን ንተግሳጹ ምቕባልን ጽቡቕ ጥራይ እዩ ዜፍሪ። እቲ ኣብ ምሳሌ 15:16-33 ተመዝጊቡ ዚርከብ ጥበብ እውን ከምኡ እዩ። a ናብቲ እዚ ምስላታት እዚ ሒዝዎ ዘሎ ማዕዳ ምቕላብ: ብሒደት ንኽንዓግብ: ገስገስቲ ንኽንከውን: ከምኡውን ብህይወትና ንኽንሕጐስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ከምኡ ምግባርና ኸኣ: ጽቡቕ ውሳነታት ንኽንገብር ይሕግዘና: ካብ መገዲ ህይወት ንኸይንወጽእ ድማ የኽእለና።

ሒደት ዚሓይሽ ኪኸውን ከሎ

እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን: “ካብ ዓብዪ መዝገብ ምስ ህውከትሲ: ሒደት ምስ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሐይሽ” በለ። (ምሳሌ 15:16) ንፈጣሪ ዕሽሽ ምባልን ደድሕሪ ስጋዊ ጥሪት ምጕያይ ቀንዲ ሸቶ ህይወትካ ምግባርን ዕሽነት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ህይወት ኣድካሚ ጻዕርን ብዙሕ ጭንቀትን ዝመልኦ እዩ። ምስ ኣረግካ ምሉእ ህይወትካ ባዶን ትርጕም ዘይብሉን ከም ዝነበረ ምፍላጥሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ! ምስ “ህውከት” ብዙሕ ጥሪት ምድላብ ብርግጽ ጥበባዊ ኣይኰነን። ምስጢር ዕግበት ፈሊጥካ ብእኡ ምንባር ግዳ ኽንደይ ዝሓሸ ዘይኰነ! ናይ ሓቂ ዕግበት ብፍርሃት የሆዋ: ማለት በቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ደኣ እምበር: ብስጋዊ ጥሪት ኣይርከብን እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 6:6-8

ሰሎሞን ምስ ካልኦት ዚህሉ ጽቡቕ ርክብ ካብ ሕልፍን ትርፍን ስጋዊ ነገራት ንላዕሊ ዋጋ ኸም ዘለዎ ኺገልጽ ከሎ: “ካብ ስቡሕ ብዕራይ ምስ ጽልኢ: ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሐይሽ” በለ። (ምሳሌ 15:17) እወ: ኣብ ሓደ ቤት ካብ ብዙሕ ስቡሕ ምግቢ ንላዕሊ: ፍቕራዊ ሃዋህው እዩ ዝያዳ ዚድለ። ንጽል ወለዲ ኣብ ዘለዋ ቤት: ብዙሕ ስጋዊ ነገራት ኣይህሉን ይኸውን። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ሒደት ምግቢ ጥራይ ኪርከብ ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር: ኣብቲ ፍቕርን ፍትወትን ዚርከቦ: ስድራቤት ትዕምብብ እያ።

ኣብታ ብሓፈሻ ፍቕሪ ዝሰፈና ስድራቤት እውን እንተ ዀነ: ኣጸጋሚ ዅነታት ይለዓል እዩ። ሓደ ኣባል ስድራቤት ንኻልእ ዜጕሂ ነገር ይዛረብ ወይ ይገብር ይኸውን። እቲ ዝጐሃየ ብኸመይ እዩ ምላሽ ኪህብ ዘለዎ፧ ምሳሌ 15:18 “ኰራዪ ሰብ ቈየቛ የልዕል: ዓቃል ግና ባእሲ የህድእ” ትብል። ብቝጥዓ ዘይኰነስ: ብልኡም ዚወሃብ ምላሽ እዩ ሰላምን ህድኣትን ዜምጽእ። እዛ ምስላ እዚኣ እትህቦ ማዕዳ ኣብ ካልእ መዳያት ህይወት እውን: እንተላይ ኣብ ንጥፈታት ጉባኤን ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ብማዕረ ይዓዪ እዩ።

‘መገዲ ኽትደላደል’ ከላ

እታ ቐጺላ ዘላ ምስላ: ነቲ ኣብ መንጎ ንጥበብ ዘየቕልብን ዜቕልብን ዘሎ ፍልልይ እያ እተጕልሕ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ: “ጐደና ሃካይ ከም ሓጹር እሾዅ እዩ: መገዲ ቕኑዓት ግና እተደላደለት እያ” በለ።—ምሳሌ 15:19

ሓጹር እሾዅ ዚዋጋእ ዕንቅፋት እዩ። ሃካይ ብሓሳቡ ብዙሕ ዓይነት ዕንቅፋታት ብምፍጣር: ዕዮ ንኸይጅምር ከም መመኽነይታ ገይሩ ይጥቀመሉ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: ቅኑዓት በቲ ኺዓናቕጾም ዚኽእል መሰናኽላት ኣይርበጹን እዮም። ኣብ ዕዮኦም ትጉሃት እዮም: ነቲ እተዋህቦም ስራሕ ድማ የተኵሩሉ እዮም። በዚ ኸምዚ ኻብቲ ሸለልተኛ እንተ ዀይኖም ኬጋጥሞም ዚኽእል ዝነበረ ሓያሎ ኣሻዅ ጸገማት የምልጡ። መገዶም “እተደላደለት:” ማለት ንምግስጋስ እትምሽእ እያ። ኣብ ዕዮኦም ንቕድሚት ይስጕሙ: በቲ ግስጋሰኦም ድማ ይሕጐሱ።

ንኣብነት: ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ርጡብ ፍልጠት ምጥራይን ናብ ብስለት ምስጓምን እስከ ንውሰድ። ነዚ ምግባር ጻዕሪ ይሓትት እዩ። ሓደ ሰብ ትምህርቱ ድሩት ምዃኑ: ናይ ምንባብ ክእለቱ ድኹም ምዃኑ: ወይ ናይ ምዝካር ክእለቱ በሊሕ ዘይምዃኑ: ብትግሃት ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸይገብር ከም መመኽነይታ ገይሩ ኬቕርቦ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኣብ መገዲ ፍልጠት ከም መሰናኽላት ጌርና ምስ ዘይንሓስቦ ኽሳዕ ክንደይ ዝሓሸ ዀን እዩ! ብድሩት ክእለታት እውን ከይተረፈ: ንናይ ምንባብ ክእለትናን ነቲ እነንብቦ ናይ ምርዳእ ክእለትናን ንኸነመሓይሽ ጻዕሪ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ምናልባት እውን ኣድላዪ ኣብ ዚዀነሉ እዋን መዝገበ-ቓላት ክንጥቀም የድሊ ይኸውን። ኣወንታዊ ኣረኣእያ ፍልጠት ንኸነጥርን መንፈሳዊ ግስጋሰ ንኽንገብርን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

‘ኣቦ ኺሕጐስ’ ከሎ

እቲ ንጉስ እስራኤል: “ጥበበኛ ውሉድ ነቦኡ የሐጕሶ: ዓሻ ሰብ ግና ንወላዲቱ ይንዕቃ” በለ። (ምሳሌ 15:20) ውሉዳቶም ብጥበብ ኪመላለሱ ኸለዉ: ወለዲ ይሕጐሱ ደይኰኑን፧ ልክዕ እዩ: ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ፍረ ንምርካብ ወለዲ ንውሉዳቶም ኬሰልጥኑን ኪግስጹን ኣለዎም። (ምሳሌ 22:6) እንተዀነ ግን: ሓደ ጥበበኛ ውሉድ ንወለዱ ኸመይ ዝበለ ምንጪ ሓጐስ ኰን እዩ! ዓሻ ግን መወዳእታ ዘይብሉ ሓዘን የምጽኣሎም።

እቲ ጥበበኛ ንጉስ ነታ “ደስታ” እትብል ቃል ኣብ ካልእ መዳይ ኪጥቀመላ ኸሎ: “ዕሽነት ነቲ ልቢ ዜብሉ ሰብ ደስታ እዩ: ለባም ግና ትኽ ኢሉ ይኸይድ” በለ። (ምሳሌ 15:21) እቶም ልቢ ዘይብሎም ብናይ ዕሽነት ሰሓቕን ናይ ሓቂ ዕግበት ወይ ሓጐስ ብዘየምጽእ ወኻዕታን ደስታ ይረኽቡ እዮም። ለባም ግን ‘ካብ ንኣምላኽ ምፍቃር: ኣዕዚዝካ ተድላ ምፍታው’ ዕሽነት ምዃኑ የስተውዕል እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 4) ናብ መሰረታዊ ስርዓታት ኣምላኽ ምልጋቡ: ቅኑዕ ንኪኸውንን ትኽ ኢሉ ንኪኸይድን ይሕግዞ።

‘ህቃኔታት ኪጸንዕ’ ከሎ

ብመሰረታዊ ስርዓታት ኣምላኽ ህይወትካ ምምራሕ: ኣብ ካልእ መዳያት ህይወት እውን ረብሓታት የምጽእ እዩ። ምሳሌ 15:22 “ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ: ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን: ኣብቲ መኸርቲ ዚበዝሕዎ ግና ይጸንዕ” ትብል።

ኣብዚ ምኽሪ ኺበሃል ከሎ ኣብ መንጎ ውልቀ-ሰባት ዚግበር ብሕታውን ልባውን ዝርርብ የመልክት። እታ “ምኽሪ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል ኣብ መዝሙር 89:7 (NW) “ናይ ማሕርሮ ርክብ ዘለዎም ጕጅለ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። እዚ ኸኣ እቲ ዚዘራረብዎ ኻብ ልቢ ዝመነጨ ምዃኑ የመልክት። ምኽሪ ኺበሃል ከሎ: ላዕለ ላዕሊ ምዝርራብ ጥራይ ዘይኰነስ: ናይ ሓቂ ሓሳባትን ስምዒታትን ምልውዋጥ የመልክት። ሰብኣይን ሰበይትን ከምኡውን ወለድን ውሉዳትን ከይተሰከፉ በዚ ኸምዚ ሓሳብ ንሓሳብ ምስ ዚለዋወጡ: ኣብ መንጎኦም ሰላምን ሓድነትን ይህሉ። ኣባላት ስድራቤት ዘይመኻኸሩ እንተ ዀይኖም ግን: ናብ ብስጭትን ጸገማትን እዩ ዚመርሕ።

ኣገዳሲ ውሳነታት ክንገብር ከለና: ነቲ “ኣብቲ መኸርቲ ዚበዝሕዎ ግና ይጸንዕ” ዚብል ማዕዳ ምስዓብ ጥበባዊ እዩ። ንኣብነት: ዓይነት ሕክምና ኽንመርጽ ከለና: ብፍላይ እቲ ጕዳይ ከቢድ እንተ ዀይኑ: ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ርእይቶ ምስማዕ ጥበባዊ ደይኰነን፧

ኣብ መንፈሳዊ ጕዳያት ብዙሓት መኸርቲ ምህላዎም ዘለዎ ኣገዳስነት እውን ኣትሒትካ ዚርአ ኣይኰነን። ሽማግለታት ኪማኸሩን ሓባራዊ ጥበቦም ኪጥቀሙሉን ከለዉ: እቲ ዝሓሰብዎ “ይጸንዕ።” ብዘይካዚ: ሓደስቲ እተመዘዙ ሓለውቲ: ብፍላይ ኣብ ኣጸጋሚ ጕዳይ: ካብቶም ብዕድመ ዝበልጽዎምን ዝያዳ ምኩራትን ሽማግለታት ማዕዳ ንምሕታት ድሕር ኪብሉ የብሎምን።

‘ብምላሽ ሓጐስ’ ኪርከብ ከሎ

ብምስትውዓል እተዘርበ ዘረባ እንታይ ጽቡቕ ኬፍሪ ይኽእል፧ እቲ ንጉስ እስራኤል: “ሰብ ብምላሽ ኣፉ ይሕጐስ: እወ: ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ እዩ” በለ። (ምሳሌ 15:23) ሰብ ንምላሽና ወይ ማዕዳና ስዒቡ ጽቡቕ ፍረ ምስ ዚረክብ ንሕጐስዶ ኸይኰንና፧ ምኽርና ፍረ ንኺህልዎ ግን: ክልተ ብቕዓታት ኬማልእ ኣለዎ።

ፈለማ: እቲ ማዕዳ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ። (መዝሙር 119:105፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ድሕሪኡ ኸኣ: ብግዜኡ ኺዝረብ ኣለዎ። ሓቅነት ዘለዎ ቓላት እውን ከይተረፈ ብዘይግዜኡ እንተ ተዘሪቡ: ጐዳኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ንሓደ ሰብ ዚብሎ ዅሉ ኸይሰማዕካዮ ማዕዳ ምሃብ: ጥበባውን ሓጋዝን ኣይኰነን። እምበኣር: “ንምስማዕ ቅልጡፍ: ንምዝራብ ደንጓዪ” ምዃን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!—ያእቆብ 1:19

‘መገዲ ህይወት ናብ ላዕሊ ትመርሕ’

ምሳሌ 15:24 “ለባም ሰብ: ካብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሲኦል ኪርሕቕሲ: መገዲ ህይወት ናብ ላዕሊ ትመርሖ” ትብል። ለባም ካብቲ መቓብር ደቅሰብ ዝዀነ ሲኦል ብእተርሕቖ መገዲ እዩ ዚጐዓዝ። ካብ ከም ፍኑው ጾታዊ ርክብ: ሓሽሽ ምውሳድ: ከምኡውን ስኽራን ዝኣመሰለ ጐዳኢ ተግባራት ይርሕቕ: በዚ ኸምዚ ድማ ቅድሚ ግዜኡ ኣይመውትን። መገዱ ድማ ናብ ህይወት ትመርሖ።

ብኣንጻሩ ግን: መገዲ እቶም ምስትውዓል ዘይብሎም እሞ ኣስተብህለላ:- “እግዚኣብሄር ንቤት ዕቡያት ይምሕዎ: ንዶብ መበለት ግና የቝሞ። እኩይ ሓሳባት ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ: ልኡም ቃላት ግና ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ እዩ። እቲ ረብሓ ዚሀርፍ ንቤቱ ይህውኻ: መማለጃ ዚጸልእ ግና ብህይወት ይነብር።”ምሳሌ 15:25-27

እቲ ንጉስ እስራኤል ካብቲ ንዅሉ ዜጋጥሞ መፈንጠራ ብኸመይ ከም እነምልጥ ኪገልጽ ከሎ: “ልቢ ጻድቕ ዚመልሶ ይሐስብ: ኣፍ ረሲኣን ግና ሕሰም ይፍልፍል” በለ። (ምሳሌ 15:28) እዛ ምስላ እዚኣ ሒዛቶ ዘላ ማዕዳ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ! ብሃንደበት ካብ ኣፍ ዚፍልፍል ትርጕም ኣልቦን ዕሽነት ዝመልኦን ምላሽ: ናብ ጽቡቕ ኣይመርሕን እዩ። ኣብ ሓደ ጕዳይ ጽልዋ ዘለዎ እተፈላለየ ረቛሒታት: እንተላይ ኵነታትን ስምዒታትን ካልኦት: ኣብ ግምት ምስ እነእቱ: ጸኒሑ ዜጣዕሰና ነገር ኣይንዛረብን ኢና።

ንኣምላኽ ምፍራህን ተግሳጹ ምቕባልን ደኣ እሞ እንታይ እዩ ጥቕሙ፧ እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ: “እግዚኣብሄር ነቶም ረሲኣን ርሑቖም እዩ: ንጸሎት ጻድቃን ግና ይሰምዖ” ኢሉ መለሰ። (ምሳሌ 15:29) እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንረሲኣን ቀረባኦም ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ሕጊ ኸይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዚመልስ: ጸሎቱ እኳ ፍንፉን እዩ” ይብል። (ምሳሌ 28:9) እቶም ንኣምላኽ ዚፍርህዎን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ቕኑዕ ዘበለ ኺገብሩ ዚጽዕሩን ንሱ ኸም ዚሰምዖም ምሉእ ብምሉእ ተኣማሚኖም ከይተሰከፉ ኪቐርብዎ ይኽእሉ እዮም።

‘ንልቢ ዜሐጕሶ’ ነገር

ሰሎሞን ዜመራምር ምንጽጻር ብምጥቃም: “ብሩህ ቈላሕታ ንልቢ የሐጕሶ: ብስራት ነዕጽምቲ የስብሖ” በለ። (ምሳሌ 15:30) ኣዕጽምቲ ብኣንጕዕ ምስ ዚመልእ እዩ ‘ዚሰብሕ።’ እዚ ንብምሉኡ ኣካል የበርትዖ: ንልቢ ድማ የሐጕሶ። ሓጐስ ልቢ ኸኣ ኣብ ብሩህ ቈላሕታ እዩ ዚንጸባረቕ። ብስራት ከምዚ ዝኣመሰለ ጽልዋ እዩ ዘለዎ።

ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ምስፋሕ ኣምልኾ የሆዋ ዚገልጽ ጸብጻባት ምንጪ ናይ ሓቂ ምትብባዕ ደይኰነን ዚዀነና፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮን ዚዕመም ዘሎ ምፍላጥና: ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግደ ንኺህልወና ብርግጽ የበራትዓና እዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ብዛዕባ እቶም ንየሆዋ ኣምላኾም ዝገበርዎን ናይ ሓቂ ኣምልኾ እተቐበሉን ዚገልጽ ተመክሮታት ንልብና ብሓጐስ እዩ ዚመልኦ። “ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጸ ብስራት” ከምዚ ዝኣመሰለ ሓያል ጽልዋ ስለ ዘለዎ: ኣብ ኣገልግሎት እንገብሮ ዘበለ ብትኽክልን ብጥንቃቐን ጸብጻብ ክንህበሉስ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!—ምሳሌ 25:25

‘ንኽብረት ትሕትና ትቕድማ’

እቲ ጥበበኛ ንጉስ ንተግሳጽ ብእተፈላለየ መልክዑ ምቕባል ኣገዳሲ ምዃኑ ኼጕልሕ ከሎ: “እታ ናብ ህይወት ዚመርሕ ተግሳጽ እትሰምዕ እዝኒ ኣብ ማእከል ጠቢባን ትነብር። እቲ ተግሳጽ ዚአቢ ንነፍሱ ይንዕቃ: ዘለፋ ዚሰምዕ ግና ይልብም” በለ። (ምሳሌ 15:31, 32) ዘለፋ ወይ ተግሳጽ ልቢ ሰብ ብምትንካፍ ኬዐርዮን ንኼስተውዕል ኪሕግዞን ይኽእል እዩ። እምበኣር: ነቲ ‘ንልቢ ቘልዓ ተቘራንይዎ ዘሎ ዕሽነት’ ዜርሕቖ “ሸቦጥ መቕጻዕቲ” ወይ ተግሳጽ ምዃኑ ዜገርም ኣይኰነን። (ምሳሌ 22:15) እቲ ንተግሳጽ ዚሰምዕ ይልብም: ማለት ጽቡቕ ውሽጣዊ ድራኸ ይህልዎ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: ንተግሳጽ ምእባይ: ንህይወት ምንዓቕ እዩ።

እወ: ናይ ጥበብ ትምህርቲ ወይ ተግሳጽ ብትሕትና ምቕባል ጠቓሚ እዩ። ከምዚ ምግባር ዕግበትን ዕቤትን ሓጐስን ኣሳልጦን ጥራይ ዘይኰነስ: ክብረትን ህይወትን እውን የምጽእ እዩ። ምሳሌ 15:33 “ፍርሃት እግዚኣብሄር ናይ ጥበብ ትምህርቲ እዩ: ንኽብረት ከኣ ትሕትና ትቕድማ” ብምባል ትዛዝም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ምሳሌ 15:1-15 ዝርዝር መግለጺ እንተ ደሊኻ: ናይ 1 ሓምለ 2006 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 13-16 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሓደ ቤት ካብ ብዙሕ ስቡሕ ምግቢ ንላዕሊ: ፍቕራዊ ሃዋሁ ዝያዳ ይድለ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ዓቕምና ድሩት እኳ እንተ ዀነ: ኣወንታዊ ኣረኣእያ ፍልጠት ንኸነጥሪ ይሕግዘና

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ምኽሪ ናይ ሓቂ ሓሳባትን ስምዒታትን እትለዋወጠሉ እዩ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

‘ብስራት ነዕጽምቲ ዜስብሖ’ ብኸመይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧