ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ደቅሰብ ኣብ መፈጸምታ እተን ሽሕ ዓመት ናይ መወዳእታ ፈተና ተፈቲኖም ድሕሪ ምሕላፎም: ኪሓጥኡን ኪሞቱን ድዮም፧

ኣብ ራእይ ዚርከባ ኽልተ ጥቕስታት ብዛዕባ እዚ ይገልጻ እየን:- “ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ: ማለት ቀላይ ሓዊ።” (ራእይ 20:14) “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:4

እዚ ኣበየናይ እዋን ከም ዚፍጸም ኣስተብህል። እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዝደሓኑ: ካብ ሞት ዚትንስኡ: ከምኡውን እቶም ድሕሪ ኣርማጌዶን እተወልዱ ኸምቲ “ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጽሒፉ ዝጸንሔ:” ማለት ብመሰረት እቲ የሆዋ ኣብቲ ሽሕ ዓመት ካብ ደቅሰብ ዚደልዮ ነገራት ብዝርዝር ዚገልጽ ብቕዓታት ምስ ተፈርዱ: “ሞትን ሲኦልን” ናብ ቀላይ ሓዊ ኺድርበዩ እዮም። (ራእይ 20:12, 13) ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 21 ካልእ ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ የሱስ ዚፍጸም ራእይ መዝጊቡ ኣሎ። ይኹን እምበር: እዚ ራእይ እዚ ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብቲ ሽሕ ዓመት እትህሉ መዓልቲ ፍርዲ እዩ ምሉእ ብምሉእ ዚፍጸም። የሱስ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንኣቦኡ ምስ ኣረከቦ: የሆዋ ዋላ ሓደ መማለዲ ኸየድለዮ ምሉእ ብምሉእ ምስ ደቅሰብ ኪነብር እዩ። እወ: የሆዋ ብመንፈሳዊ መዳይ ነባርን ቀጥታውን ብዝዀነ መገዲ ምስ “ህዝቡ” ኪኸውን እዩ። ደቅሰብ ነቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ ምሉእ ብምሉእ ብምጥቃም ፍጹማት ስለ ዚዀኑ: “ሞት ኣይኪኸውንን” ዚብል መብጽዓ ምሉእ ፍጻሜኡ ኺረክብ እዩ።—ራእይ 21:3, 4

ስለዚ: እቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ እተጠቕሰ ጥቕስታት ተገሊጹ ዘሎ ሞት: እቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ ዜልግሶ ብሰንኪ ኣዳም ዝመጸ ሞት እዩ። (ሮሜ 5:12-21) ደቅሰብ ካብቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ ዝወረስዎ ሞት ስለ ዜልግስ: ልክዕ ከምቲ ኣዳም ኪፍጠር ከሎ ዝነበሮ ኪዀኑ እዮም። ኣዳም ፍጹም ነበረ: ፈጺሙ ኣይመውትን እዩ ማለት ግን ኣይነበረን። የሆዋ ንኣዳም “ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም” ከይበልዕ ነገሮ: “ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ” እውን ኢልዎ ነበረ። (ዘፍጥረት 2:17) እዚ ሞት እዚ ደይመደይ ኢልካ ሓጢኣት ብምፍጻም እዩ ዚመጽእ። ደቅሰብ ኣብ መፈጸምታ እተን ሽሕ ዓመት ናይ መወዳእታ ፈተና ተፈቲኖም ምስ ሓለፉ እውን ከይተረፈ ናይ ምምራጽ ናጽነት ኪህልዎም እዩ። (ራእይ 20:7-10) ንየሆዋ ኼገልግልዎ ድዮም ኣየገልግልዎን ኣብቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ተመርኲሶም እዮም ዚውስኑ። ልክዕ ከምቲ ኣዳም ዝገበሮ ንየሆዋ ዝባኑ ዚህቦ ሰብ ኣይኪህሉን እዩ ኽንብል ኣይንኽእልን ኢና።

ነቲ ናይ መወዳእታ ፈተና ሓሊፉ ኣብቲ ሞትን ሲኦልን ዘይህልወሉ እዋን ንዚዓሉ ሰብ እንታይ እዩ ዜጋጥሞ፧ ሽዑ እቲ ብሰንኪ ኣዳም ዝመጸ ሞት ኣይኪህሉን እዩ። ሲኦል ወይ ሃደስ: ማለት እቶም ተስፋ ትንሳኤ ዘለዎም ሰባት ዝኸዱሉ መቓብር ድማ ኣይኪህሉን እዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ዓለወኛ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ብምድርባይ: ተስፋ ትንሳኤ ኸም ዘይህልዎ ኺገብሮ ይኽእል እዩ። እዚ ሞት እዚ ምስቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝሞትዎ ሞት እምበር: ምስቲ ደቅሰብ ካብ ኣዳም ዝወረስዎ ሞት ኣይመሳሰልን እዩ።

ይኹን እምበር: ከምዚ ዓይነት ውጽኢት እንጽበየሉ ዋላ ሓደ ምኽንያት የብልናን። ከመይሲ: እቶም ነቲ ናይ መወዳእታ ፈተና ዚሓልፍዎ ሰባት ካብ ኣዳም ዚፈልዮም ሓደ ኣገዳሲ ነገር ኣሎ። ምሉእ ብምሉእ ተፈቲኖም እዮም ዚሓልፉ። የሆዋ ንውሽጥን ውሻጠን ሰባት ኪምርምር ስለ ዚኽእል: ብጽፈት እቲ ናይ መወዳእታ ፈተና ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ንዝዀነ ይኹን ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቱ ብግቡእ ዘይጥቀሙሉ ሰብ ከም ዜወግዶ እውን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እምበኣር: እቶም ነቲ ናይ መወዳእታ ፈተና ዚሓልፍዎ ሰባት ካብ ኣምላኽ ኪዓልዉን ብሰሪ እዚ ድማ ኪጠፍኡን ይኽእሉ እኳ እንተዀኑ: ከምዚ ንኼጋጥም ዘሎ ዕድል ግን ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ድሕሪ እቲ ናይ መወዳእታ ፈተና: ደቅሰብ ምስ ኣዳም ዚመሳሰሉ ብኸመይ እዮም፧