ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ባሩኽ እሙን ጸሓፊ ኤርምያስ

ባሩኽ እሙን ጸሓፊ ኤርምያስ

ባሩኽ እሙን ጸሓፊ ኤርምያስ

“ንባሩኽ ወዲ ኔርያ” ትፈልጦዶ፧ (ኤርምያስ 36:4) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣርባዕተ ምዕራፋት ጥራይ እኳ እንተ ተጠቕሰ: ንነብዪ ኤርምያስ ናይ ብሕቲ ጸሓፊኡን ናይ ቀረባ ዓርኩን ምንባሩ ብኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚፍለጥ እዩ። ክልቲኦም ብሓባር ነተን ናይ መወዳእታ 18 ዓመታት ህውከት መንግስቲ ይሁዳ: እቲ ብ607 ቅ.ክ. ባቢሎናውያን ዘውረድዎ ዜስካሕክሕ ጥፍኣት የሩሳሌም: ከምኡውን ስዒቡ ናብ ግብጺ እተገብረ ጕዕዞ ኣሕሊፎም እዮም።

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት እተረኽበ: ኣብ ሻውዓይ ዘመን ቅ.ክ. እተርሰሐ ኽልተ ማሕተም ካይላ: a “ናይ በረክህያሁ [ብእብራይስጢ ስም ባሩኽ] ወዲ ኔሪያሁ [ብእብራይስጢ ስም ኔርያ] እቲ ጸሓፊ” ዚብል ጽሑፍ ስለ ዝነበሮ: ምሁራት ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ሰብ ከም ዜተኵሩሉ ገይርዎም እዩ። ባሩኽ እንታዋይ እዩ ነይሩ፧ ስድራቤቱ: ትምህርቱ: ከምኡውን ደረጃኡ ኸመይ ዝኣመሰለ እዩ ነይሩ፧ ኣብ ጐድኒ ኤርምያስ ብምቛሙ ብዛዕባኡ እንታይ ይገልጽ፧ ካብኡ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ነቲ ኽሳዕ ሕጂ እተረኽበ መጽሓፍ ቅዱሳውን ታሪኻውን ሓበሬታ ብምውካስ መልስታት እስከ ንድለ።

ድሕረ-ባይታን ደረጃን

ሎሚ ሓያሎ ምሁራት: ባሩኽ ኣብ ይሁዳ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ ምርኡያት ስድራቤት ጸሓፍቲ ኸም እተወልደ እዮም ዚኣምኑ። ናብዚ መደምደምታ እዚ ዝበጽሑሉ ምኽንያታት ከኣ ኣለዎም። ንኣብነት: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ ንባሩኽ “እቲ ጸሓፊ” ብምባል ብፍሉይ መዓርግ እዩ ዚጽውዖ። ሰራያ ሓዉ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ጼደቅያስ ኣገዳሲ ብዓል ስልጣን ምንባሩ ቕዱሳት ጽሑፋት ይገልጽ እዩ።—ኤርምያስ 36:32፣ 51:59

ፊሊፕ ጀይ. ኪንግ ዚበሃል ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ ብዛዕባ እቶም ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ጸሓፍቲ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቶም ኣባላት ሰብ ሞያ ዝነበሩ ጸሓፍቲ: ኣብ መወዳእታ ሻውዓይን መጀመርታ ሻምናይን ዘመን ቅ.ክ. ምርኡያት እዮም ነይሮም። . . . ነቲ መዓርግ ዚሕዙ ዝነበሩ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ንጉስ እዮም ነይሮም።”

ብተወሳኺ: እቲ ጸኒሕና ብዝርዝር እንምርምሮ ኣብ ኤርምያስ ምዕራፍ 36 ዚርከብ ጸብጻብ: ባሩኽ ምስቶም መኸርቲ ንጉስ ኪራኸብን ናብቲ ኽፍሊ ቤት ወይ ክፍሊ ካቢነ እቲ ገማርያ ዚበሃል መስፍን ኪኣቱን ይኽእል ከም ዝነበረ ኣምሲላ እያ እትገልጽ። ጄምስ ምዩለንበርግ ዚበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከምዚ ብምባል ርእይቶኡ ይገልጽ:- “ባሩኽ ኣብቲ ኽፍሊ ካቢነ እቲ ጸሓፊ ኺኣቱ መሰል ስለ ዝነበሮን ንሱ ንባዕሉ ኣባል እቶም እታ ጥቕላል ኣብ እትንበበሉ እዋን እተኣከቡ ሰበ-ስልጣን ንጉስ ስለ ዝነበረን ናብቲ ኽፍሊ ኺኣቱ ይኽእል ነበረ። ኣብ መንጎ መሳርሕቱ እዩ ነይሩ።”

እታ ኮርፐስ ኦቭ ዌስት ሰመቲክ ስታምፕ ሲልስ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ነቲ ባሩኽ ዝነበሮ ደረጃ ተወሳኺ መርትዖ ተቕርብ:- “እቲ ናይ በረክህያሁ ማሕተም ካይላ ምስ ሓያሎ ናይ ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ማሕተም ካይላ ስለ እተረኽበ: ባሩኽ/በረክህያሁ ማዕረ እቶም ካልኦት ሰበ-ስልጣን ኰይኑ ይዓዪ ነይሩ ኽንብል ርትዓዊ እዩ።” እዚ ኣገዳሲ ሓበሬታ እዚ: ባሩኽን ሰራያ ሓዉን ኣብተን ቅድሚ ጥፍኣት የሩሳሌም ዝነበራ ዘይርስዓ ዓመታት ነቲ እሙን ነብዪ ዝነበረ ኤርምያስ ዝደገፉ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ምንባሮም ዚሕብር እዩ ዚመስል።

ንኤርምያስ ብጋህዲ ምድጋፍ

ብመሰረት መስርዕ ፍጻመታት ክንከይድ ከለና: ባሩኽ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኤርምያስ ምዕራፍ 36 “ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ ንዮኣቂም” ወይ ብ625 ቅ.ክ. እዩ ተጠቒሱ እንረኽቦ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኤርምያስ ድሮ ን23 ዓመት ነብዪ ዀይኑ ኣገልጊሉ ነበረ።—ኤርምያስ 25:1-3፣ 36:1, 4

ሽዑ የሆዋ ንኤርምያስ ከምዚ ኢሉ ነገሮ:- “ዚጥቕለል መጽሓፍ ውሰድ እሞ እቲ ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን ብዛዕባ ዅላቶም ህዝብታትን . . . ካብ ዘመን ዮስያስ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝነገርኩኻ ዅሉ ቓላት ኣብኡ ጽሐፎ።” እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ: “ኤርምያስ ንባሩኽ ወዲ ኔርያ ጸውዔ: ባሩኽ ድማ ነቲ ብኣፍ ኤርምያስ እተነግረሉ ዅሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣብቲ ዚጥቕለል መጽሓፍ ጸሐፎ” ይብል።—ኤርምያስ 36:2-4

ባሩኽ እተጸውዐ ስለምንታይ እዩ ነይሩ፧ ኤርምያስ ንባሩኽ “ኣነ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከይኸይድ ተኸልኪለ አሎኹ” ኢሉ ነገሮ። (ኤርምያስ 36:5) ምናልባት እቲ ኤርምያስ ኣቐዲሙ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ነቶም ሰበ-ስልጣን ስለ ዘሕረቖም እዩ ዚኸውን: ናብቲ መልእኽቲ የሆዋ ኺንበበሉ ዚግባእ ከባቢ እቲ ቤተ መቕደስ ከይኣቱ ተኸልኪሉ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። (ኤርምያስ 26:1-9) ባሩኽ ብዘይ ጥርጥር ቅኑዕ ኣምላኺ የሆዋ እዩ ነይሩ: “ከምቲ ነብዪ ኤርምያስ ዝአዘዞ ዅሉ [ድማ] ገበረ።”—ኤርምያስ 36:8

ነቲ ኣብቲ ዝሓለፈ 23 ዓመት እተዋህበ መጠንቀቕታታት ምጽሓፍ ነዊሕ ግዜ ዚወስድ እዩ ነይሩ: ምናልባት እውን ኤርምያስ ነዚ ንምግባር ግቡእ ግዜ ይጽበ ነይሩ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ኣብ ሕዳር ወይ ታሕሳስ 624 ቅ.ክ. ባሩኽ ብትብዓት “ኣብ ቤት እግዚኣብሄር: ኣብቲ ኽፍሊ ቤት ገማርያ . . . ኰይኑ: ነቲ ቓላት ኤርምያስ ካብቲ መጽሓፍ ኣብ እዝኒ ዅሉ ህዝቢ ኣንበቦ።”—ኤርምያስ 36:8-10

ሚካያ ወዲ ገማርያ እቲ ዝዀነ ነገራት ንኣቦኡን ንሓያሎ መሳፍንትን ነገሮም: ንሳቶም ከኣ ንባሩኽ ነታ ጥቕላል ንኻልኣይ ግዜ ዓው ኢሉ ኼንብበሎም ዓደምዎ። “ኰነ ድማ: ኵሉ እቲ ቓላት ምስ ሰምዑ: ሰምቢዶም ንሓድሕዶም ቍሊሕ ቍሊሕ ተባሃሂሎም ንባሩኽ: ኵሉ እዚ ዘረባ እዚ ንንጉስ ክንነግሮ ይግባእ እዩ: . . . ኪድ ንስኻ ምስ ኤርምያስ ተሐባእ: ኣበይ ከም ዘሎኹም ድማ ሓደ እኳ ኣይፍለጥ: በልዎ።”—ኤርምያስ 36:11-19

ንጉስ ዮኣቂም ነቲ ባሩኽ ካብ ኣፍ ኤርምያስ ሰሚዑ ዝጸሓፎ ምስ ሰምዐ: ብሕርቃን ነታ ጥቕላል ቀዳዲዱ ናብ ሓዊ ደርበያ: ነቶም ሰቡ ድማ ንኤርምያስን ንባሩኽን ኪሕዝዎም ኣዘዞም። እዞም ክልተ ሰብኡት ተሓቢኦም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብትእዛዝ የሆዋ ነታ ጥቕላል እንደገና ጸሓፍዋ።—ኤርምያስ 36:21-32

ባሩኽ ነቲ እዚ ዕዮ እዚ ዘለዎ ሓደጋታት ከም እተረድኦ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ሒደት ዓመታት ኣቐዲሙ ንኤርምያስ ዘጋጠሞ ምፍርራህ ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ “ከም ኵለን ቃላት ኤርምያስ ገይሩ” እተነበየ ኡርያ: ብንጉስ ዮኣቂም ከም እተቐትለ እውን ሰሚዑ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን ባሩኽ ነቲ ሞያኡን ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ዝነበሮ ርክባትን ንኤርምያስ ኣብ ዕዮኡ ንምድጋፍ ኪጥቀመሉ ፍቓደኛ ነበረ።—ኤርምያስ 26:1-9, 20-24

“ዓብዪ ነገር” ኣይትድለ

እታ ቐዳመይቲ ጥቕላል ኣብ እተጻሕፈትሉ ግዜ: ባሩኽ እዋን ጭንቂ እዩ ኣሕሊፉ። “እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ቓንዛይ ሓዘን ወሲኹኒ እዩ እሞ: ወይለይ። ብብኽያተይ ደኸምኩ: ዕረፍቲውን ሰአንኩ” ድማ በለ። ከምኡ ዝበለ ስለምንታይ እዩ ነይሩ፧—ኤርምያስ 45:1-3

ቀጥታዊ መልሲ ኣይንረክብን ኢና። እንተዀነ ግን: ኵነታት ባሩኽ እሞ ብኣእምሮኻ ኽትስእሎ ጽዓር። ነቲ ናይ 23 ዓመት መጠንቀቕታ ንህዝቢ እስራኤልን ይሁዳን ምንጋር: ንኽሕደቶምን ንየሆዋ ምንጻጎምን ኣዝዩ ንጹር ገይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ የሆዋ በታ ዓመት እቲኣ ዝገለጾ: ምናልባት እውን ኣብታ ጥቕላል ዘጽሓፎ: ንየሩሳሌምን ንይሁዳን ንኼጥፍእን እቲ ህዝቢ ን70 ዓመት ናብ ባቢሎን ንኺማረኽን ዝገበሮ ውሳነ ንባሩኽ ኣሰምቢድዎ ኪኸውን ኣለዎ። (ኤርምያስ 25:1-11) ኣብ ልዕሊ እዚ: እቲ ኣብቲ ወሳኒ እዋን ንኤርምያስ ዚህቦ ዝነበረ ጽኑዕ ደገፍ: ቦታኡን ስርሑን ከም ዚስእን ኪገብሮ ይኽእል ነበረ።

እቲ ጕዳይ ዝዀነ ይኹን ብዘየግድስ: የሆዋ ባዕሉ ጣልቃ ብምእታው ንባሩኽ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ፍርዲ ንኺሓስብ ሓገዞ። የሆዋ ንባሩኽ “ነቲ ዝሰራሕክዎ ኤፍርሶ: ነቲ ዝተኸልክዎ ኸኣ እምንቍሶ አሎኹ: እዚውን ኣብ ኵላ እታ ሃገር ክገብሮ እየ” በሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ “ንስኻንዶ ንርእስኻ ዓብዪ ነገር ትደሊ አሎኻ፧ ኣይትድለዮ” ኢሉ መኸሮ።—ኤርምያስ 45:4, 5

የሆዋ እቲ “ዓብዪ ነገር” እንታይ ምዃኑ ብንጹር ኣይገለጸን። ባሩኽ ግን እቲ ዝደልዮ ዝነበረ ስስዐ ዝመልኦ ህርፋን: ተፈላጥነት: ወይ ስጋዊ ብልጽግና ባዕሉ ይፈልጦ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። የሆዋ ድማ ንባሩኽ “እንሆ: መዓት ኣብ ስጋ ዝለበሰ ዘበለ ዅሉ ኸውርድ እየ። ነፍስኻ ግና ኣብ እትኸዶ ዅሉ ቦታ ዘመተ ኽትኰነልካስ ክህበካ እየ” ብምባል ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣረኣእያ ኺህልዎን ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዚፍጸም ኪዝክርን መኸሮ። እታ ባሩኽ ዝነበረቶ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኽብርቲ ንብረቱ: ማለት ህይወቱ ኣብ ዝኸደ ኸይዱ ኽትዕቀብ እያ።—ኤርምያስ 45:5

ድሕርዚ ኻብ 625 ክሳዕ 624 ቅ.ክ. እተፈጸመ ኣብ ኤርምያስ ምዕራፍ 36, 45 ተገሊጹ ዘሎ ፍጻመታት እዚ: ክሳዕ እቲ ባቢሎናውያን ብ607 ቅ.ክ. ንየሩሳሌምን ንይሁዳን ካብ ዝደምሰሱሉ ሒደት ኣዋርሕ ኣቐዲሙ ዝነበረ እዋን: መጽሓፍ ቅዱስ ንባሩኽ ኣይጠቕሶን እዩ። ብ607 ቅ.ክ. ግን እንታይ ኣጋጢሙ፧

ባሩኽ ንኤርምያስ እንደገና ይሕግዞ

ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ከቢቦምዋ ኣብ ዝነበሩ እዋን: ባሩኽ ኣብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ብሓድሽ ተጠቕሰ። ኤርምያስ ኣብ “ቤት ማእሰርቲ ኣብቲ ወገፊኡ ተአሲሩ” ኣብ ዝነበረሉ እዋን: የሆዋ እቲ ህዝቢ ኸም ዚምለስ ንኼመልክት ኢሉ ነታ ኣብ ኣናቶት እትርከብ ግራት ወዲ ሓው ኣቦኡ ኺዕድግ ነገሮ። ባሩኽ ከኣ ነቲ ሕጋዊ መስርሕ ኬካይድ ተጸውዐ።—ኤርምያስ 32:1, 2, 6, 7

ኤርምያስ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ኣብ መጽሓፍ ጽሒፈ ኸኣ ሐተምክዎ: ምስክር ጸዊዔ ድማ ነቲ ገንዘብ ብሚዛን መዘንኩሉ። ነታ መጽሓፍ መሸጣ: ነታ . . . እተሐትመትን ነታ እተቐልዔትን ወሲደ: እታ መጽሓፍ መሸጣ ንባሩኽ . . . ሀብክዎ።” ድሕሪኡ ኤርምያስ ንባሩኽ እተን መጻሕፍቲ መሸጣ ምእንቲ ኺዕቈራ ኣብ ኣቕሓ መሬት ኬቐምጠን ኣዘዞ። ገሊኦም ምሁራት ኣብዚ ኤርምያስ ነቲ ውዕል መሸጣ “ጽሒፈ” ኺብል ከሎ: ነቲ ብሞያኡ ጸሓፊ ዝነበረ ባሩኽ እናተዛረበ ስለ ዘጽሓፎ እዩ ኢሎም እዮም ዚኣምኑ።—ኤርምያስ 32:10-14፣ 36:4, 17, 18፣ 45:1

ባሩኽን ኤርምያስን ነቲ ኣብቲ ግዜኦም ዝነበረ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ፈጸሙ። ሓደ ኻብዚ ኸኣ ክልተ መጽሓፍ መሸጣ ምጽሓፍ እዩ ነይሩ። እታ ኮርፐስ ኦቭ ዌስት ሰመቲክ ስታምፕ ሲልስ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “እታ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ መሸጣ ‘ሕትምቲ መጽሓፍ መሸጣ’ ተባሂላ እተጸውዐት: ተጠቕሊላ ብማሕተም ካይላ ወይ ብማሕተማት ካይላ እተሓትመት ስለ ዝነበረት እያ፣ ነቲ ውዕል እተገብረሉ ቐዳማይ ጸሑፍ ዝሓዘት እያ ነይራ። . . . እታ ‘ቕልዕቲ መጽሓፍ’ እተባህለት ካልአይቲ ቕዳሕ እታ ሕትምትን ቀያዲትን ጽሕፍቲ ዀይና: ንንቡር ንባብ ክትከውን እያ ተዳልያ። በዚ ኸምዚ: ኣብ ክልተ እተፈላለየ ፓፒረስ እተጻሕፋ ኽልተ ጽሑፋት: ማለት ሓንቲ ቐዳመይትን ሓንቲ ቕዳሕን ነበራ።” ስነ-ጥንታዊ ርኽበታት ንሰነዳት ኣብ ኣቕሓ ኻይላ ናይ ምቕማጥ ልምዲ ኸም ዝነበረ ይምስክር እዩ።

ኣብ መወዳእታ: ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ሓዝዋ: ብሓዊ ኣንደድዋ: ብዘይካ ሒደት ድኻታት ከኣ ንዅሉ ሰብ ናብ ምርኮ ወሰድዎ። ነቡካድነጻር ንገዳልያ ኸም ምስሌነ ዀይኑ ኺገዝእ ሸሞ። ንሱውን ክልተ ወርሒ ዚኸውን ጸኒሑ ተቐትለ። እቶም ዝተረፉ ኣይሁድ ነቲ ኤርምያስ ብመንፈስ ተደሪኹ ዝሃቦም ማዕዳ ጥሒሶም ናብ ግብጺ ኺግዕዙ መደቡ: ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እዩ ባሩኽ እንደገና ተጠቒሱ እንረኽቦ።—ኤርምያስ 39:2, 8፣ 40:5፣ 41:1, 2፣ 42:13-17

እቶም መራሕቲ ኣይሁድ ንኤርምያስ “ኣታ: ሓሶት ተዛረብካ: ባሩኽ ወዲ ኔርያ ደኣ እዩ ናብ ኢድ ከለዳውያን ክንውፈን ንሳቶም ኪቐትሉናን ናብ ባቢሎን ኪማርኹናን ኢሉ ኣባና ዜነድረካ ዘሎ እምበር: እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ፤ ኣብኡ ኽትቅመጡ ናብ ግብጺ ኣይትግዐዙ በሎም: ኢሉ ኣይለአኸካን: በልዎ።” (ኤርምያስ 43:2, 3) እቶም መራሕቲ ኣይሁድ ዝኸሰስዎ ኽሲ: ባሩኽ ንኤርምያስ ጽልዋ ኸም ዝገበረሉ ገይሮም ይኣምኑ ኸም ዝነበሩ እዩ ዚሕብር። ብምኽንያት እቲ ባሩኽ ዝነበሮ ቦታ ወይ ብምኽንያት እቲ ምስ ኤርምያስ ዝነበሮ ንነዊሕ ዝቐጸለ ዕርክነት ድዮም ነቲ ነብዪ ኸም ጸሓፊኡ ጥራይ ኰይኑ ይዓዪ ኸም ዘይነበረ ኺኣምኑ ዝኸኣሉ፧ ምናልባት በዚ ተላዒሎም ይኸውን: ኰይኑ ግን እቶም መራሕቲ ኣይሁድ ዝሓሰብዎ ብዘየገድስ: እቲ መልእኽቲ ብርግጽ ካብ የሆዋ እዩ መጺኡ።

እቶም ዝተረፉ ኣይሁድ ካብ ኣምላኽ መጠንቀቕታ እኳ እንተ ተዋህቦም: ንጕዕዞ ነቐሉ: ምሳታቶምውን “ንነብዪ ኤርምያስን ንባሩኽ ወዲ ኔርያን ወሰዱ።” ኤርምያስ “ንድምጺ እግዚኣብሄር ኣይሰምዑን እሞ: ናብ ግብጺ ገዐዙ: ክሳዕ ታህጳኔስ ከኣ በጽሑ” ኢሉ መዝገበ: እዛ ኸተማ እዚኣ ኣብቲ ምስ ሲና ዜዳውብ ምብራቓዊ ደልታ ኒል እትርከብ እያ። ድሕሪኡ ባሩኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ኣይንረኽቦን ኢና።—ኤርምያስ 43:5-7

ካብ ባሩኽ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ካብ ባሩኽ ሓያሎ ጠቓሚ ትምህርትታት ክንወስድ ንኽእል ኢና። ሓደ ጕሉሕ ትምህርቲ: ዜምጽኣሉ ሳዕቤን ብዘየገድስ ነቲ ሞያዊ ኽእለቱን ርክባቱን ንኣገልግሎት የሆዋ ንኺጥቀመሉ ፍቓደኛ ምዃኑ እዩ። ሎሚ ሰብኡት ኰነ ኣንስቲ ዚርከብዎም ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ክእለቶም ኣብ ኣገልግሎት ቤትኤልን ዕዮ ህንጸትን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለን ብምውፋይ ተመሳሳሊ መንፈስ የርእዩ ኣለዉ። ነዚ ኸም ናይ ባሩኽ ዝኣመሰለ መንፈስ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

ባሩኽ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኣይሁድ ንብሕቱ “ዓብዪ ነገር” ዚደልየሉ ግዜ ኸም ዘይኰነ መዘኻኸሪ ምስ ተዋህቦ: ብኣወንታዊ መገዲ ኸም እተቐበሎ ዜጠራጥር ኣይኰነን: ከመይሲ ነፍሱ ዘመተ ኽትኰኖ ተዋሂብዎ እዩ። ንሕናውን ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ስርዓት እዚ ስለ እንነብር: ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ርእስና ኸነውዕሎ ይግባእ። የሆዋ ተመሳሳሊ ነገር እዩ ተመባጺዑልና: ህይወትና ኽትነሓፍ እያ። ከምቲ ባሩኽ ዝገበሮ ጌርና ንኸምዚ ዝኣመሰለ መዘኻኸሪታት ምላሽ ክንህበሉ ንኽእል ዲና፧

ካብዚ ዛንታ እዚ እንመሃሮ ግብራዊ ትምህርቲ እውን ኣሎ። ኤርምያስን እቲ ወዲ ሓው ኣቦኡን ዝምድና እኳ እንተ ነበሮም: ኣብቲ ዚገብርዎ ውዕል ነቲ ሕጋዊ መስርሕ ንኺፍጽሙ ባሩኽ ሓገዞም። እዚ ኸኣ ክርስትያናት ብመንፈስ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ምስ ዝዀኑ ሰባት ውዕል ኪገብሩ ኸለዉ: ኪስዕብዎ ዘለዎም ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት ይዀኖም። ነዚ ኣብነት እዚ ብምስዓብ ውዕላት ብጽሑፍ ምስፋር: ቅዱስ ጽሑፋውን ግብራውን ፍቕራውን እዩ።

ባሩኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ እኳ እንተ ዘይተጠቕሰ: ሎሚ ዘለዉ ዅሎም ክርስትያናት ኬስተብህሉሉ ዚግባእ እዩ። ንስኻኸ ነቲ እዚ እሙን ጸሓፊ ኤርምያስ ዝገደፎ ሰናይ ኣብነት ክትቀድሖ ዲኻ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ማሕተም ካይላ ንኣገዳሲ ሰነድ ዚኣስር ገመድ ንምሕታም ዜገልግል ንእሽቶ ካይላ እዩ። እቲ ኻይላ ድማ መንነት እቲ ወናኒ ወይ እቲ ለኣኺ ብዚገልጽ ማሕተም ይሕተም ነበረ።

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ባሩኽ ማሕተም ካይላ

[ምንጪ ስእሊ]

Bulla: Courtesy of Israel Museum, Jerusalem