ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም”

“ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም”

“ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም”

“ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም: እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ እሞ: ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ አሎኹም።”—ያእቆብ 5:11

1, 2. ኣብ ፖላንድ ዝነበሩ ጽምዲ ሰብ ሓዳር እንታይ ፈተና እዮም ኣሕሊፎም፧

 ሰራዊት ሂትለር ነታ ኣብ ሰሜናዊ ፖላንድ እትርከብ ዳንሲግ (ሕጂ ግዳንስክ) ኪቈጻጸራ ኸሎ: ሃራልት ኣፕት ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ዚኸውን ክልተ ዓመት ኣይመልአን ነይሩ። ሽዑ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣጸጋምን ሓደገኛን እዩ ነይሩ። እቶም ጌስታፖ ንሃራልት እምነቱ ኸም ዝኸሓደ ዚገልጽ ሰነድ ንኺፍርም ኬገድድዎ ፈተኑ: ንሱ ግን ኣበዮም። ሃራልት ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ: ናብ መዳጐኒ ደምበ ዛክሰንሃውዘን ተመሓላለፈ: ኣብኡ ኸኣ ብተደጋጋሚ ኣፈራርህዎን ቀጥቀጥዎን። ሓደ ብዓል ስልጣን ናብቲ ሬሳ ዜንድዱሉ ኽፍሊ ዘሎ መውጽኢ ትኪ እናኣመልከተ: “እምነትካ ጠቢቕካ እንተ ሒዝካ: ኣብ ውሽጢ 14 መዓልቲ በቲ ኣቢልካ ናብ የሆዋኻ ኽትዓርግ ኢኻ” በሎ።

2 ሃራልት ኪእሰር ከሎ: ብዓልቲ ቤቱ ኤልሳ ኣደ ጓል ዓሰርተ ወርሒ እትጠቡ ሕጻን ነበረት። እቶም ጌስታፖ ግን ንኤልሳ ዕሽሽ ኣይበልዋን። ነዊሕ ከይጸንሐ: ነታ ሕጻን ኣሕደግዋ: ናብቲ ደንበ ህልቂት ዝነበረ ኦሽዊትዝ ድማ ተላእከት። ኰይኑ ግን: ከም ሃራልት ንነዊሕ ዓመታት ብህይወት ክትነብር ከኣለት። ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 1980 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ): ብኸመይ ከም እተዓገሱ ብሰፊሕ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ሃራልት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብምኽንያት ኣብ ኣምላኽ ዘሎኒ እምነት: ኵሉምሉ 14 ዓመታት ህይወተይ ኣብ መዳጐኒ ደምበታትን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርትን ኣሕሊፈ እየ። ‘ነዚ ዅሉ ንኽትጽመሞ ሰበይትኻ ትሕግዘካዶ ነይራ፧’ ዚብል ሕቶ ቐሪቡለይ ይፈልጥ እዩ። ብርግጽ ከኣ ሓጊዛትኒ እያ! ካብ መጀመርታ ኣትሒዛ ኣብ እምነታ ኸም ዘይትለማለም እፈልጥ ነይረ: እዚ ፍልጠት እዚ ኸኣ ኣጽኒዑኒ እዩ። ተለማሊመ ናጻ ዀይነ ኻብ እትርእየኒ: ሞይተ ኣብ ቃሬዛ ዀይነ ኽትርእየኒ ኸም እትመርጽ እፈልጥ ነይረ። . . . ኤልሳ ኣብቲ ኣብ ናይ ጀርመን መዳጐኒ ደምበታት ዝነበረትሉ ዓመታት ብዙሕ ጸገማት ኣሕሊፋ እያ።”

3, 4. (ሀ) ክርስትያናት ንኺዕገሱ ዜተባብዖም ናይ መን ኣብነታት እዩ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ እዮብ ዘሕለፎ ተመክሮ ንኽንምርምር ዜተባብዓና ስለምንታይ እዩ፧

3 ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዚምስክርዎ: ብመከራ ምሕላፍ ቀሊል ነገር ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት እዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም ክርስትያናት: “ነቶም ብስም እግዚኣብሄር እተዛረቡ ነብያት: ኣርኣያ ሓሳረ መከራን ትዕግስትን ግበርዎም” ኢሉ ይመኽሮም። (ያእቆብ 5:10) ኣብ ዝሓለፈ ሓያሎ ዘመናት: ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዘይ ምኽንያት ተሰጒጎም እዮም። እቲ እዞም ክንድዚ ዚኣኽሉ “ደበና ምስክር” ዝገደፉልና ኣብነታት: ኣብቲ ክርስትያናዊ ቕድድም ብትዕግስቲ ንኽንጐዪ ኼተባብዓና ይኽእል እዩ።—እብራውያን 11:32-38፣ 12:1

4 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: እዮብ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት ትዕግስቲ እዩ። ያእቆብ “እንሆ: ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና። ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም: እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ እሞ: ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ አሎኹም” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 5:11) እዮብ ዘሕለፎ ተመክሮ: ነቲ የሆዋ ዚባርኾም እሙናት ዘበሉ ዚጽበዮም ዘሎ ዓስቢ ይሕብረና። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ: ኣብ ግዜ ጸበባ ዚጠቕመና ሓቅታት ይገልጸልና። መጽሓፍ እዮብ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ንኽንምልስ ትሕግዝና:- ኣብ ትሕቲ ፈተና ኽንከውን ከለና: ነቲ ቐንዲ ጕዳያት ክንርድኦ ኽንፍትን ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧ ንኽንዕገስ ዚሕግዘና እንታይ ባህርያትን ኣረኣእያታትን እዩ፧ ነቶም ጸበባ ዘጋጠሞም ክርስትያናት ብኸመይ ከነጽንዖም ንኽእል፧

ሓፈሻዊ ዅነታት ምርዳእ

5. ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ኣብ ኣእምሮና ኽንሕዞ ዚግባእ ቀንዲ ጕዳይ እንታይ እዩ፧

5 ኣብ ግዜ ጸበባ መንፈሳዊ ሚዛንና ንኽንሕሉ: ነቲ ሓፈሻዊ ዅነታት ክንርድኦ ኣሎና። እንተ ዘይኰይኑ ግን: ብሕታዊ ጸገማት ንመንፈሳዊ ኣረኣእያና ኺጋርዶ ይኽእል እዩ። ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ዘለዎ ጕዳይ እዩ። እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ዚግባእ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ምሕጽንታ ኣቕሪቡልና ኣሎ:- “ወደየ: ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ: ጥበበኛ ኹን: ንልበይውን ኣሐጕሶ።” (ምሳሌ 27:11) እዝስ ከመይ ዝበለ ፍሉይ ክብሪ ዀን እዩ! ድኽመትን ዘይፍጽምናን እኳ እንተ ኣሎና: ንፈጣሪና ኸነሐጕሶ ንኽእል ኢና። ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ: ፈተናታት ንኽንጻወር ተኽእለና እንተ ዀይና: ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ዅሉ ትዕገስ እያ። ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ።—1 ቈረንቶስ 13:7, 8

6. ሰይጣን ንየሆዋ ዝጸረፎ ብኸመይ እዩ፧ ንኽንደይ ዚኣክልከ እዩ ዝጸረፎ፧

6 ሰይጣን ንየሆዋ ኸም ዚጸርፎ: መጽሓፍ እዮብ ብንጹር ትገልጽ እያ። ነቲ እዚ ዘይርአ ጸላኢ ዘለዎ እኩይ ዝንባለን ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ንኼበላሹ ዘለዎ ድሌትን እውን ተግህዶ እያ። ከምቲ ንእዮብ ኣብ ዘጋጠሞ ነገራት እተገልጸ: ሰይጣን ንዅሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ብስስዐ ኸም ዚድረኹ ይኸሶም: ንኣምላኽ ዘላቶም ፍቕሪ ኸም እትዝሕል ድማ ኬረጋግጽ ይደሊ እዩ። ንኣሽሓት ዓመታት ንኣምላኽ ኪጸርፎ ጸኒሑ እዩ። ሰይጣን ካብ ሰማይ ምስ ተደርበየ: ካብ ሰማይ እተሰምዐ ድምጺ ንዕኡ “ለይትን መዓልትን” ዚኸስስ ዝነበረ “ኸሳስ ኣሕዋትና” ብምባል ገሊጽዎ። (ራእይ 12:10) ብተኣማንነት ብምዕጋስ ግን: እዚ ኽስታት እዚ መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።

7. ንመንፈሳዊ ድኽመት ከመይ ጌርና ብዝበለጸ ኽንቃለሶ ንኽእል፧

7 ድያብሎስ ንዝዀነ ይኹን ዜጋጥመና ጸበባ ኻብ የሆዋ ንኼርሕቐና ኸም ዚጥቀመሉ ኽንዝክር ኣሎና። መዓስ እዩ ንየሱስ ዝፈተኖ፧ ንኣርብዓ መዓልቲ ጸይሙ ድሕሪ ምጥማዩ እዩ ፈቲንዎ። (ሉቃስ 4:1-3) መንፈሳዊ ብርታዐ የሱስ ግን: ነቲ ድያብሎስ ዘቕረበሉ ፈተናታት ብቘራጽነት ንኺነጽጎ ኣኽኣሎ። ንዝዀነ ይኹን ኣካላዊ ድኻም—ምናልባት ብሰንኪ ሕማም ወይ እርጋን ኪኸውን ይኽእል እዩ—ብመንፈሳዊ ብርታዐ ጌርና ኽንቃለሶ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እቲ “ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ: እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ” ስለ ዘሎ ኣይንሕለልን ኢና።—2 ቈረንቶስ 4:16

8. (ሀ) ኣሉታዊ ስምዒታት ኬዳኽም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ፧

8 ኣብ ርእሲ እዚ: ኣሉታዊ ስምዒታት ንናይ ሓደ ሰብ መንፈሳውነት ኪጐድኦ ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ‘የሆዋ ነዚ ስለምንታይ ይፈቕዶ፧’ ኢሉ ኺሓስብ ይኽእል እዩ። ሓደ ኻልእ ከኣ ምስ ተገፍዐ: ‘ሓደ ሓው ከመይ ገይሩ ኸምዚ ይገብረኒ፧’ ኢሉ ይሓትት ይኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ነቲ ቐንዲ ጕዳያት ዕሽሽ ከም እንብሎን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ብሕታዊ ዅነታትና ኸም እነተኵርን ኪገብረና ይኽእል እዩ። እዮብ: እቶም ሰለስተ ግጉያት ፈተውቱ ዘሕደሩሉ ብስጭት: ማዕረ እቲ ሕማሙ ብኣካላዊ መዳይ ዘውረደሉ ጕድኣት እዩ ብስምዒታዊ መገዲ ጐዲእዎ ኪኸውን ዚኽእል። (እዮብ 16:20፣ 19:2) ብተመሳሳሊ: ሃዋርያ ጳውሎስ ንነዊሕ ግዜ ዝቐጸለ ዅራ ‘ንድያብሎስ ስፍራ [ኣጋጣሚ] ኺህቦ’ ኸም ዚኽእል ሓበረ። (ኤፌሶን 4:26, 27) ክርስትያናት ብስጭቶም ወይ ቍጥዓኦም ኣብ ውልቀ-ሰባት ኣብ ክንዲ ዜፍስስዎ ወይ ኣብቲ ዘይፍትሓዊ ተግባር ኣብ ክንዲ ዜተኵሩ: ‘ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ’ የሆዋ ኣምላኽ ‘ነገሮም ኣሕሊፎም ብምሃብ’ ንየሱስ እንተ መሰልዎ ሰናይ እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:21-23) “ሓሳብ” የሱስ ምሓዝ: ንመጥቃዕትታት ሰይጣን ሓያል መከላኸሊ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—1 ጴጥሮስ 4:1

9. ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ እንጾሮ ጾር ወይ ዜጋጥመና ፈተና እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂቡና፧

9 ልዕሊ ዅሉ ድማ: ንጸገማትና ኣምላኽ ከም ዘይሕጐሰልና ዚገልጽ መርትዖ ጌርና ኸቶ ኽንርእዮ የብልናን። ከምዚ ዝኣመሰለ ግጉይ ምርዳእ: እዮብ ካብቶም መጸናናዕቲ ዚበሃሉ ብዚውርወረሉ ዝነበረ ተሪር ቃላት መጥቃዕቲ ኣብ ዚወርዶ እዋን ጐዲእዎ እዩ። (እዮብ 19:21, 22) መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ” ብዚብል ቃላት የረጋግጸልና። (ያእቆብ 1:13) ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: ዝዀነ ይኹን ጾር ኬጋጥመና ኸሎ የሆዋ ንኽንጾሮ ኺሕግዘናን ካብ ዝዀነ ይኹን ዜጋጥመና ፈተናታት መውጽኢ ኺገብረልናን ተመባጺዑልና ኣሎ። (መዝሙር 55:22፣ 1 ቈረንቶስ 10:13) ብግዜ ጭንቂ ናብ ኣምላኽ ብምቕራብ: ሚዛንና ኽንሕሉን ንድያብሎስ ብዓወት ክንጻረሮን ንኽእል ኢና።—ያእቆብ 4:7, 8

ንኽንዕገስ እተዋህበና ሓገዝ

10, 11. (ሀ) እዮብ ንኺዕገስ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ (ለ) ጽቡቕ ሕልና ምህላው ንእዮብ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

10 እዮብ ነቲ “መጸናናዕቱ” ብቓላቶም ዘውረዱሉ ማህሰይትን ኣብቲ ናይ ሓቂ ጠንቂ እቲ መዓቱ ዝነበሮ ምድንጋርን ሓዊስካ ኣብ ጽንኩር ኵነታት እኳ እንተ ነበረ: ንጽህናኡ ግን ሓለወ። ካብ ትዕግስቱ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ኣሳልጦ ኺረክብ ዝኸኣለሉ መሰረታዊ ምኽንያት: ንየሆዋ ዝነበሮ ተኣማንነት ምዃኑ ዜጠራጥር ኣይኰነን። “ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዝረሓቐን ሰብኣይ ነበረ።” (እዮብ 1:1) ከምዚ ዓይነት ኣነባብራ እዩ ነይርዎ። ብሃንደበት እቲ ዅሉ መዓት ስለምንታይ ከም ዝወረዶ እኳ እንተ ዘይተረድኦ: ንየሆዋ ዝባኑ ምሃብ ኣበየ። ኣብ ጽቡቕ ኰነ ኣብ ሕማቕ ግዜ ንኣምላኽ ኬገልግል ከም ዘለዎ ይኣምን ነበረ።—እዮብ 1:21፣ 2:10

11 ጽቡቕ ሕልና ምህላው እውን ንእዮብ ዜጸናንዕ ኰይንዎ እዩ። ናብ ሞት ገጹ ዜምርሕ ዘሎ ኣብ ዝመስሎ ዝነበረ እዋን: ንኻልኦት ንምሕጋዝ ዝከኣሎ ኸም ዝገበረን ንጽድቃዊ መለክዒታት የሆዋ ጠቢቑ ኸም ዝሰዓበን ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኸም ዝረሓቐን ብምፍላጡ ምጽንናዕ ረኺቡ እዩ።—እዮብ 31:4-11

12. እዮብ ነቲ ኻብ ኤሊሁ ዝረኸቦ ሓገዝ ብኸመይ ምላሽ ሃበሉ፧

12 ልክዕ እዩ: እዮብ ኣብ ገሊኡ መዳያት ኣረኣእያኡ ንምዕራይ ሓገዝ የድልዮ ነበረ። ንሱውን ብትሕትና ነቲ ሓገዝ እቲ ተቐቢልዎ እዩ፣ እዚ ኸኣ ብዓወት ንኺዕገስ ዝሓገዞ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። እዮብ ነቲ ኤሊሁ እተዛረቦ ጥበባዊ ምኽሪ ብኣኽብሮት ሰምዖ: ነቲ የሆዋ ዝሃቦ መአረምታ ድማ ብኣወንታዊ መገዲ ተቐበሎ። “ኣነ ነቲ ዘየስተውዐልክዎ . . . ተዛሪበ። ስለዚ ንርእሰይ እፍንፍን አሎኹ: ኣብ ሓመድን ሓሙዅስትን ኰይነ ኸኣ እንሳሕ አሎኹ።” በለ። (እዮብ 42:3, 6) ብሕማም ተጠቒዑ እኳ እንተ ነበረ: እቲ ኣብ ኣተሓሳስባኡ ዝገበሮ ለውጢ ናብ ኣምላኽ ዝያዳ ስለ ዘቕረቦ ተሓጐሰ። እዮብ ንየሆዋ: “ኵሉ ኸም እትኽእል . . . እፈልጥ አሎኹ” በሎ። (እዮብ 42:2) የሆዋ ዕቤቱ ስለ ዝገለጸሉ: እዮብ ምስ ፈጣሪ ብምንጽጻር ዘለዎ ቦታ ብዝያዳ ነጺሩ ተረድኦ።

13. ምሕረት ምግባር ንእዮብ ጠቓሚ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

13 ኣብ መወዳእታ: እዮብ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት ምሕረት ይዀነና እዩ። እቶም ናይ ሓሶት መጸናናዕቱ ብዙሕ እዮም ሃስዮምዎ: ኰይኑ ግን የሆዋ ንእዮብ ኣብ ክንዳኦም ኪጽሊ ምስ ሓተቶ: ከምኡ ገበረ። ድሕሪኡ: የሆዋ ንእዮብ እንደገና ጥዕና ሃቦ። (እዮብ 42:8, 10) እምበኣር: መረረ ንኽንዕገስ ከም ዘይሕግዘና: ፍቕርን ትሕትናን ግን ከም ዚሕግዘና ንጹር እዩ። በደል ምሕዳግ ብመንፈሳዊ መገዲ የሐድሰና: የሆዋ ዚባርኾ መገዲ ድማ እዩ።—ማርቆስ 11:25

ንኽንዕገስ ዚሕግዙና ጥበበኛታት መኸርቲ

14, 15. (ሀ) ሓደ መኻሪ ንኻልኦት ዚፍውስ ቃላት ንኺዛረብ ዚሕግዞ እንታይ ባህርያት እዩ፧ (ለ) ኤሊሁ ንእዮብ ኣብ ምሕጋዝ ዕዉት ዝዀነ ስለምንታይ ምዃኑ ግለጽ።

14 ካብ ጸብጻብ እዮብ እንመሃሮ ተወሳኺ ትምህርቲ: ኣገዳስነት ጥበበኛታት መኸርቲ እዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ‘ንጸገማ ዚውለዱ’ ኣሕዋት እዮም። (ምሳሌ 17:17) ይኹን እምበር: ከምቲ ተመክሮ እዮብ ዚሕብሮ: ገሊኦም መኸርቲ ኣብ ክንዲ ዚፍውሱ ኺጐድኡና ይኽእሉ እዮም። ንፉዕ መኻሪ: ከምቲ ኤሊሁ ዝገበሮ: ሓልዮትን ኣኽብሮትን ሕያውነትን ኬርኢ ኣለዎ። ሽማግለታትን ካልኦት ብሱላት ክርስትያናትን ንኣተሓሳስባ እቶም ብጸገማት እተደቝሱ ኣሕዋት ኬዐርዩ የድልዮም ይኸውን: እዞም መኸርቲ እዚኣቶም ነዚ ብዚምልከት ካብ መጽሓፍ እዮብ ብዙሕ ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም።—ገላትያ 6:1፣ እብራውያን 12:12, 13

15 ኣብቲ ኤሊሁ ነቲ ጕዳይ ዝሓዘሉ መገዲ ብዙሕ ጽቡቕ ትምህርትታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ነቲ ግጉይ ዘረባ እቶም ሰለስተ ፈተውቲ እዮብ ቅድሚ ምምላሱ: ንነዊሕ ግዜ ሰሚዕዎም እዩ። (እዮብ 32:11፣ ምሳሌ 18:13) ኤሊሁ ንስም እዮብ ተጠቒሙሉን: ከም ፈታዊኡ ዀይኑ ተማሕጺንዎን እዩ። (እዮብ 33:1) ከምቶም ሰለስተ ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ ዘይኰነስ: ንርእሱ ኻብ እዮብ ዚበልጽ ገይሩ ኣይረኣየን። “ኣነ ድማ ካብ መሬት እተገበርኩ እየ” በለ። ዚጐድእ ዘረባ ብምዝራብ: ንእዮብ ኣብ ልዕሊ እቲ መከራኡ ኺውስኸሉ ኣይደለየን። (እዮብ 33:6, 7፣ ምሳሌ 12:18) ነቲ ዝሓለፈ ኣኻይዳ እዮብ ኣብ ክንዲ ዚነቕፎ: ብጽድቁ ነኣዶ። (እዮብ 33:32) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ: ኤሊሁ ብኣረኣእያ ኣምላኽ ይርኢ ነበረ: ንእዮብ ድማ የሆዋ ፈጺሙ ዘይፍትሓዊ ነገር ከም ዘይገብር ንኼተኵረሉ ሓገዞ። (እዮብ 34:10-12) እዮብ ጽድቁ ኼርኢ ኣብ ክንዲ ዚጽዕር: ንየሆዋ ኺጽበዮ ኣተባብዖ። (እዮብ 35:2፣ 37:14, 23) ክርስትያን ሽማግለታትን ካልኦትን ብርግጽ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርትታት ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።

16. እቶም ሰለስተ መጸናናዕቲ እዮብ መሳርሒ ሰይጣን ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

16 እቲ ጥበባዊ ምኽሪ ኤሊሁ: ኣንጻር እቲ ኤሊፋዝን ቢልዳድን ሶፋርን ዝሃብዎ ጐዳኢ ቓላት እዩ ነይሩ። የሆዋ ንዓታቶም ‘ብዛዕባይ ቅኑዕ ኣይተዛረብኩምን’ በሎም። (እዮብ 42:7) ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም ከም እተዛረቡ እኳ እንተ ገለጹ: እሙናት ፈተውቲ ኣብ ክንዲ ዚዀኑ: መሳርሒ ሰይጣን እዮም ኰይኖም። ሰለስቲኦም ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም እዮብ በቲ ዝወረዶ መዓት ተሓታቲ ኸም ዝዀነ ገይሮም ሓሰቡ። (እዮብ 4:7, 8፣ 8:6፣ 20:22, 29) ኤሊፋዝ: ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ኸም ዘይኣምኖም ከምኡውን ጻድቃን እንተ ዄንና ወይ እንተ ዘይኴንና ንኣምላኽ ከም ዘየገድሶ ተዛረበ። (እዮብ 15:15፣ 22:2, 3) ሕሉፍ ሓሊፉውን ንእዮብ ብዘይወዓሎ ጌጋታት ከሰሶ። (እዮብ 22:5, 9) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ኤሊሁ ንእዮብ ብመንፈሳዊ መዳይ ሓገዞ፣ ሓደ ፈቃር መኻሪ ድማ ከምዚ ዓይነት ሸቶ ኺህልዎ ኣለዎ።

17. ብፈተና ኽንሓልፍ ከለና እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

17 ካብ መጽሓፍ እዮብ ብዛዕባ ትዕግስቲ ኽንመሃሮ እንኽእል ካልእ ትምህርቲ እውን ኣሎ። እቲ ፈቃር ኣቦና ንዅነታትና ይዕዘቦ እዩ: ብእተፈላለየ መገዲ ንኺሕግዘና ኸኣ ፍቓደኛ እዩ: ክእለት እውን ኣለዎ። ኣቐዲምና ብዛዕባ ተመክሮ ኤልሳ ኣፕት ርኢና ኔርና። ነቲ ንሳ ዝበጽሓቶ መደምደምታ እሞ ኣስተንትነሉ:- “ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ቕድሚ ምእታወይ: ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ፈተና መንፈስ የሆዋ ህድኣት ከም ዚህብ ዚገልጽ ሓንቲ ሓብቲ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ ኣንቢበ ነይረ። ቍሩብ ኣጋኒና ኽትከውን ኣለዋ ዚብል ሓሳብ ነበረኒ። ባዕለይ በቲ ፈተናታት ምስ ሓለፍኩ ግን: እቲ ዝበለቶ ሓቂ ምዃኑ ፈለጥኩ። ብሓቂ ኸምኡ እዩ ዚኸውን። እንተ ዘይተመኪርካዮ: ብኣእምሮኻ ኽትስእሎ ኸቢድ እዩ። ንዓይ ግን ብሓቂ ኣጋጢሙኒ እዩ። የሆዋ ይሕግዝ እዩ።” ኤልሳ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኺገብሮ ዚኽእል ነገር ወይ ብዛዕባ እቲ ኣሽሓት ዓመታት ይገብር ብግዜ እዮብ ዝገበሮ ነገር ኣይኰነትን ትዛረብ ነይራ። ብዛዕባ እዚ ግዜና እያ ትዛረብ ነይራ። እወ: “የሆዋ ይሕግዝ እዩ!”

እቲ ዚዕገስ ሕጉስ እዩ

18. እዮብ ብትዕግስቲ ብምጽማሙ እንታይ ረብሓታት እዩ እተረኸበ፧

18 ከም ናይ እዮብ ዝኣመሰለ ኸቢድ ጸበባ እነሕልፍ ብዙሓት ኣይኰንናን። እንተዀነ ግን: ኣብዚ ስርዓት እዚ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ፈተና የጋጥመና ብዘየገድስ: ከምቲ እዮብ ዝገበሮ ንጽህናና ንኽንሕሉ ብቑዕ ምኽንያታት ኣሎና። ትዕግስቲ ንህይወት እዮብ ኣመሓይሻቶ እያ። ፍጹም ወይ ምሉእ ከም ዚኸውን ገበረቶ። (ያእቆብ 1:2-4) ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ ኣደልደለቶ። እዮብ “ብሰማዒት እዝኒ ብዛዕባኻ ሰሚዔ ነይረ: ሕጂ ግና ዓይነይ ርእያትካ” ብምባል ነዚ ኣረጋገጾ። (እዮብ 42:5) ሰይጣን ንንጽህና እዮብ ኬበላሹ ብዘይምኽኣሉ ሓሳዊ ምዃኑ ተረጋገጸ። ብኣማእታት ዚቝጸር ዓመታት ጸኒሑ: የሆዋ ንኣገልጋሊኡ እዮብ ከም ኣብነት ጽድቂ ገይሩ ጠቐሶ። (ህዝቅኤል 14:14) እቲ ንጽህናኡን ትዕግስቱን ንህዝቢ ኣምላኽ ክሳዕ ሎሚ ይድርኾም ኣሎ።

19. ትዕግስቲ ጠቓሚ ኸም ዝዀነ ጌርካ እትርእዮ ስለምንታይ ኢኻ፧

19 ያእቆብ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብዛዕባ ትዕግስቲ ኺጽሕፈሎም ከሎ: ነቲ እዛ ባህርይ እዚኣ እተምጽኦ ዕግበት እውን ኣመልከተ። ነቲ እዮብ ዝገደፎ ኣብነት ከኣ ኣምላኽ ንእሙናት ኣገልገልቱ ኣብዚሑ ኸም ዚባርኾም ንምዝኽኻር ተጠቐመሉ። (ያእቆብ 5:11) ኣብ እዮብ 42:12 “እግዚኣብሄር ድማ ንእዮብ ካብቲ ቐዳማዩስ ነቲ ዳሕራዩ ኣብሊጹ ባረኸሉ” ዚብል ነንብብ። ኣምላኽ ንእዮብ ዕጽፊ እቲ ዝጠፍኦ ነገራት ሃቦ: ነዊሕን ዜሐጕስን ህይወት ከኣ ኣሕለፈ። (እዮብ 42:16, 17) ብተመሳሳሊ: ኣብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ እነሕልፎ ዝዀነ ይኹን ስቓይ: መከራ: ወይ ጓሂ ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ኪውገድን ኪርሳዕን እዩ። (ኢሳይያስ 65:17፣ ራእይ 21:4) ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕና ኣለና: ብሓገዝ የሆዋ ኸኣ ንእዮብ ክንመስሎ ቘሪጽና ኣለና። መጽሓፍ ቅዱስ “ተፈቲኑ ምስ ወጸ: ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ: እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ” ኢሉ ይመባጽዓልና።—ያእቆብ 1:12

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ንልቢ የሆዋ ኸነሐጕሶ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ: ኣምላኽ ከም ዘይሕጐሰልና ዚገልጽ መርትዖ ጌርና ኽንርእዮ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

• እዮብ ንኺዕገስ ዝሓገዞ እንታይ ረቛሒታት እዩ፧

• ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ብምጽናዕ ዝመጸ ብኸመይ ንኤሊሁ ኽንመስሎ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ንፉዕ መኻሪ ሓልዮትን ኣኽብሮትን ሕያውነትን የርኢ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ኤልሳ ኣፕትን ሃራልት ኣፕትን