ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብምንባብ ተሓጒስካዶ ኢኻ፧ እምበኣር እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-

• ከምቲ ኣብ መዝሙር 72:12 ብትንቢት እተነግረ: የሱስ ‘ንድኻ ዜናግፎ’ ብኸመይ እዩ፧

ንምድሪ ኣብ ዚገዝኣሉ እዋን: ብልሽውና ዘይብሉ ፍትሒ ኣብ ኵሉ ኺሰፍን እዩ። መብዛሕትኡ ድኽነት: ብሰንኪ ውግእ ዝመጸ እዩ፣ ክርስቶስ ግን ኣብ ምድሪ ፍጹም ሰላም ኬምጽእ እዩ። ንሰባት ስለ ዚድንግጸሎም: ሓድነት ከም ዚህልዎም ኪገብር እዩ፣ እኹል ምግቢ ኸም ዚረኽቡ እውን ኪገብር እዩ። (መዝሙር 72:4-16)—1/5: ገጽ 7

• ከም ክርስትያናት መጠን “ትብዓት” ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (1 ጢሞቴዎስ 3:13፣ ፊልሞን 8፣ እብራውያን 4:16)

ተቢዕና ንኻልኦት ሰባት ብቕንኣት ብምስባኽ: ውዓል ሕደር ከይበልና ውጽኢት ብዘለዎ መገዲ ብምምሃርን ምኽሪ ብምሃብን: ከምኡውን ኣምላኽ ንጸሎትና ኸም ዚሰምዖን ምላሽ ከም ዚህበሉን ብምትእምማን ብጸሎት ልብና ብምፍሳስ ነዚ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።—15/5: ገጽ 14-16

• ኣብቲ ሕጊ ሙሴ: እቲ ምስ ጾታዊ ኣካላት ዚተሓሓዝ ተፈጥሮኣዊ ፍጻመ ንሓደ ሰብ ‘ዜርክሶ’ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

እዚ ንምኽዓው ዘርእን ጽግያትን ምውላድን ከም ጠንቂ ምርካስ ገይሩ ዚርእዮ ሕጊ: ብጥዕና ንኺነብሩ ዚገብር: ንቕድስና ደም ዜጕልሕ: ከምኡውን ኣድላይነት ምትዕራቕ ሓጢኣት ዜርኢ እዩ ነይሩ።—1/6: ገጽ 31

• ሓደ ሰብ ሕጉስ ኪኸውን እንተ ደልዩ: ንመጽሓፍ መዝሙር ምምርማሩ ጠቓሚ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

ኣቀናበርቲ መጽሓፍ መዝሙር: ሓደ ሰብ ምስ ኣምላኽ ጥዑይ ርክብ እንተ ኣልይዎ: ሕጉስ ከም ዚኸውን ይፈልጡ ነበሩ። (መዝሙር 112:1) ኣብ መንጎ ሰባት ዘሎ ምቅርራብ: ስጋዊ ሃብቲ: ከምኡውን ኣሳልጦ: ከምቲ “እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ” ምስ ኰንካ እትረኽቦ ሓጐስ ከም ዘየምጽእ ድማ ኣጕልሑ። (መዝሙር 144:15)—15/6: ገጽ 12

• ጥንታዎት እስራኤላውያን ምስ የሆዋ እንታይ ፍሉይ ርክብ እዩ ዝነበሮም፧

ብ1513 ቅ.ክ. የሆዋ ምስ እስራኤላውያን ሓድሽ ርክብ ወይ ኪዳን ተኣታተወ። (ዘጸኣት 19:5, 6፣ 24:7) ብድሕርዚ: እስራኤላውያን ኣባላት እቲ እተወፈየ ህዝቢ ኣምላኽ ኰይኖም እዮም ዚውለዱ ነይሮም። እንተዀነ ግን: ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ንኣምላኽ ንምግልጋል ብሕታዊ ውሳነ ኺገብር ነበሮ።—1/7: ገጽ 21-2

• ንዅሉ ነገራት “ብዘይምጕርምራም” ክንገብሮ ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧ (ፊልጲ 2:14)

ብዙሕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት: ምጕርምራም ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ጕድኣት ከም ዘውረደ እዩ ዚሕብር። ስለዚ: ብዛዕባ እቲ ምጕርምራም ሎሚ ኼምጽኦ ዚኽእል ‘ዜመርት’ ጽልዋ ኣርዚንና ኽንሓስበሉ ኣሎና። ሰባት ናይ ምጕርምራም ዝንባለ ስለ ዘለዎም: እዚ ዚቕልቀለሉ ዝዀነ ይኹን ምልክት ተጠንቂቕና ኽንከታተልን ከነወግዶን ኣሎና።—15/7: ገጽ 16-17

• እታ ኣብ ምሳሌ 8:22-31 ተገሊጻ ዘላ ጥበብ: ሓንቲ ዘይትጭበጥ ጥበብ ዘይምዃና ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

እዛ ጥበብ እዚኣ ኣብ መጀመርታ መገዲ የሆዋ ‘እተወልደት’ ወይ እተፈጥረት እያ። ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ዘሎን ኵሉ ግዜ ጥበበኛን እዩ: ጥበቡ ድማ ፈጺማ ኣይተፈጥረትን። እታ ኣብ ምሳሌ 8:22-31 ተጠቒሳ ዘላ ጥበብ ከም “ሰራሕተኛ” ዀይና ምስ ኣምላኽ ነበረት: እዚ ድማ ነቲ ደሓር የሱስ ዝዀነን ምስ ኣምላኽ ኣብቲ ናይ ፍጥረት ዕዮ ብቐረባ ይዓዪ ዝነበረን መንፈሳዊ ፍጡር እዩ ዜመልክት። (ቈሎሴ 1:17፣ ራእይ 3:14)—1/8: ገጽ 31