ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ምልክዕቲ ደሴት እተራእየ ዜሐድስ ዕቤት

ኣብ ምልክዕቲ ደሴት እተራእየ ዜሐድስ ዕቤት

ኣብ ምልክዕቲ ደሴት እተራእየ ዜሐድስ ዕቤት

ናብ ታይዋን ዚመጹ በጻሕቲ በቲ ሸፊንዋ ዚርከብ ፍርያም ትሮፒካዊ ኣትክልቲ ኣዝዮም እዮም ዚምሰጡ። ውልዶ ኸሎ ሓምላይ ሕብሪ ዚህልዎ ተኽሊ ሩዝ: እዋን ዓጺድ ምስ በጽሐ ወርቃዊ ሕብሪ ይህልዎ። ዕሙርን ፍርያምን ዱር ድማ ነቲ ጎቦታት ሸፊንዎ ይርከብ። ዋላኳ ህዝቢ ዝበዝሐን ከተማታት እንተ ኣለዋ: ብኣንጻሩ ግን ነቲ ጐላጕልን ኣኽራንን ሸፊንዎ ዚርከብ ልሙዕ ኣትክልቲ መንፈስ ዜሐድስ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ እቲ መጀመርታ ነታ ደሴት ዝረኣያ ምዕራባዊ: ኢልሃ ፎርሞሳ ማለት “ምልክዕቲ ደሴት” እትብል ስም ዝመረጸላ።

ታይዋን 390 ኪሎ ሜተር ዝንውሓን 160 ኪሎ ሜተር ዝግፍሓን ምልክዕቲ ኸምኡውን ንእሽቶ ደሴት እያ። ነዋሕቲ ኣኽራን ንመብዛሕትኡ ኽፋል እዛ ደሴት ሸፊንዋ ይርከብ። ዩ ሻን (ከረን ሞሪሰን) ካብቲ ኣብ ጃፓን ዚርከብ ከረን ፉጂን ኣብ ኒውዚላንድ ዚርከብ ከረን ኩክን እቲ ዝነውሐ እዩ። ካብቲ ኣብ ማእከል ዚርከብ ኣኽራን ኣትሒዝካ ኽሳብ እቲ ገምገም ባሕሪ ጐላጕል ኣሎ: እዚ ድማ በቶም ሕጂ ልዕሊ 22 ሚልዮን ዚዀኑ ላዕልን ታሕትን ዚብሉ ነበርቲ ታይዋን ዝመልአ እዩ።

ፍልይ ዝበለ ዕቤት

ይኹን እምበር: ኣብ ታይዋን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ኻልእ ዓይነት ዕቤት ርኡይ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ: እዚ ድማ መንፈሳዊ ዕቤት እዩ። መንእሰያትን ዓበይትን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ምስ ፈለጥዎ: ብኡንብኡ ኣብ ዜርእይዎ ቕንኣት ከኣ ይንጸባረቕ ኣሎ። ንሰባት ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ንኺመሃሩ ንምሕጋዝ ብቕንኣት ዚዓዩ ዘለዉ ሰባት ቍጽሮም ይዓቢ ምህላው ብሓቂ ዜደንቕ እዩ።

ዕቤት ነቲ ዕዮ ኸም ዚሰፍሕ ይገብር እዩ። ኣብ ታሕሳስ 1990 ንቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምስፋሕ ተባሂሉ ቦታ ተገዝአ። እቲ ኣብ ታይፐይ ዝነበረ ናይ ቀደም ህንጻ: ንንጥፈት እቶም 1,777 ዚዀኑ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ታይዋን ዝነበሩ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምክትታል ዜኽእል ኣይነበረን። ኣብ ነሓሰ 1994 ሳላ እቲ ጻዕራም ዕዮ እቶም ካብ ካልእ ቦታታትን ካብ ውሽጢ ሃገርን ዝመጹ ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ ወለንተኛታት: እቲ ኣብ ሲንዉ ዚርከብ ህንጻታት ድሉው ኰነ። ኣብቲ እዋን እቲ ቝጽሪ እቶም ነቲ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብስራት ንኻልኦት ኣብ ምዝርጋሕ ዚካፈሉ ዝነበሩ ሰባት 2,515 ነበረ። ሕጂ ግን ድሕሪ ዝያዳ ዓሰርተ ዓመት ልዕሊ 5,500 ኰይኑ ኣሎ፣ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ድማ ናይዚ ቝጽሪ እዚ ሓደ ርብዒ ዝዀኑ ሰባት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ዕዮ ወንጌል ይካፈሉ ኣለዉ። ብሕልፊ ኸኣ እቶም መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ከምቲ ብጊሓት ዚርአ መንፈስ ዜሐድስ “ኣውሊ” ብምዃኖም ፍሉይ ኣቓልቦ እዩ ዚግብኦም።—መዝሙር 110:3

መንእሰያት ዘርኣይዎ መንፈሳዊ ዕቤት

መብዛሕትኦም ቀናኣት ኣስፋሕቲ እቲ ብስራት መንእሰያት እዮም። ገሊኦም ድማ ተመሃሮ መባእታዊ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እዮም። ንኣብነት: ኣብ ሰሜናዊ ታይዋን ኣብ እትርከብ ከተማ ዚነብሩ ሰብኣይን ሰበይትን: ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚምህሩ ዚስልጥኑሉ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ንፈለማ እዋን ተዓዲሞም መጹ። ሓደ ዌጁን ዝስሙ ንእሽቶ ቘልዓ ኻብ ሓያሎ ዓበይቲ ንላዕሊ ብኽእለት ኬንብብ ብምርኣዮም ተደነቑ። ካልእ ግዜ ናብቲ ኣኼባ ኣብ ዝመጹሉ እዋን ድማ እቶም ትምህርቲ ዘይጀመሩ ቘልዑ እውን ከይተረፈ ምስትውዓል ዝመልኦ መልሲ ኺህቡ ኸለዉ ብምርኣዮም ደንጸዎም። እዞም ሰብኣይን ሰበይትን እዚኣቶም እቶም ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዉ ቘልዑ ኽሳዕ ክንደይ እዱብ ጠባይ ከም ዘለዎም ትዕዝብቶም ገለጹ።

ኣብዛ ሰዓብቲ እምነት ቡድህናን ታኦን ዝበዝሕዋ ሃገር: እዞም ቈልዑ ኣብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜድህቡ ስለምንታይ እዮም፧ ምኽንያቱ: እቶም ክርስትያናት ወለዶም ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም ከምኡውን ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ዝማእከለ ሕጉስ ናብራ ስድራቤት ብምምስራቶም እዩ። ወለዲ ዌጁን ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ንኣገልግሎት ወፍርን ዜሐጕስ ኪገብርዎ ጻዕሪ ስለ ዚገብሩ: ምዕባዩ ሓዉን ሓብቱን ድሮ እተጠመቑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም። ኣብ ቀረባ እዋን: ዌጁን ኣብ ህዝባዊ ዕዮ ስብከት ንኺካፈል ምስ ሓተተ: ኣዲኡ ኣቐዲሙ ኻብቲ እቲ ስድራቤት ዜበርክቶ መጽሔት ንላዕሊ ኸም ዘበርከተ ገለጸት። መቸም ብዛዕባ ሓቂ ምዝራብን ኣብ ኣኼባ ሓሳባት ምሃብን ነቲ እተማሃሮ ንኻልኦት ምክፋልን ከም ዜሐጕሶ ፍሉጥ እዩ።

እናጐበዙ ኪኸዱ ኸለዉ

እዞም መንእሰያት እዚኣቶም እናጐበዙ ኪኸዱ ኸለዉ እንታይ ይገብሩ፧ ሓያሎ ኻባታቶም ንየሆዋን ንኣገልግሎትን ዘለዎም ፍቕሪ ምርኣዮም እዮም ዚቕጽሉ። ንኣብነት: ህዌፒንግ ተመሃሪት እያ። ሓደ መዓልቲ መምህራ መንነቶም ዘይፈልጦም ኣባላት ሓደ ሃይማኖት: ደም ከም ዘይወስዱ ተዛረበ። እቶም ተመሃሮ ምስ ከዱ: እዛ መንእሰይ ክርስትያን ነቲ መምህራ እዞም ሰባት እዚኣቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖምን ስለምንታይ ከምዚ ዓይነት መርገጽ ከም ዝወሰዱን ነገረቶ።

ሓንቲ መምህር ድማ ብዛዕባ ብጾታዊ ርክብ ዚመሓላለፍ ሕማማት እትገልጽ ቪድዮ ኣርኣየቶም። እታ ቪድዮ ን1 ቈረንቶስ 6:9 እያ እትጠቅስ: እታ መምህር ግን መጽሓፍ ቅዱስ ንግብረ-ሶዶም ከም ዘይኵንኖ ተዛረበት። ህዌፒንግ ሕጂውን ነዛ መምህር እዚኣ: ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘለዎ ኣረኣእያ ኽትነግራ ኸኣለት።

ንህዌፒንግ መማህርታ ዝዀነት ሹሻ ብዛዕባ ኣብ ስድራቤት ዚፍጸም ዓመጻ ጸብጻብ ከተቕርብ ትዳሎ ነበረት: ህዌፒንግ “ነተን ማህሰይቲ ዚወርደን ደቂ-ኣንስትዮ ዚኸውን ሓገዝ” ዘርእስታ ብ8 ሕዳር 2001 ዝወጸት ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ሃበታ፣ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሓበሬታ ዝሓዘት ከም ዝዀነት ድማ ገለጸትላ። ድሕሪ ግዜ: ሹሻ ዘይተጠመቐት ኣስፋሒት ኰነት። ንሳን ህዌፒንግን ከኣ ነቲ ብስራት ንኻልኦት የካፍላኦም ኣለዋ።

ብዙሓት ክርስትያናት ኣብ ቤት ትምህርቲ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚመላለሱ ኺፍለጡ ይኸብዶም እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብተን ንኣሽቱ ኸተማታት ገጠር ዝኸበደ እዩ። ዚሃኦ ብምኽንያት እምነቱን ዕዮ ስብከትን ንዚበጽሖ ጸቕጢ መዛኑ ኺጋጠሞ ነበሮ። ከምዚ በለ:- “ኣመና ተዳሂለ ብምንባረይ: ኣብ ኣገልግሎት ከለኹ መማህርተይ ከየጋጥሙኒ እፈርህ ነይረ። ሓድሓደ ግዜ ዓሰርተ ዀይኖም የላግጹለይ ነበሩ!” ሓደ መዓልቲ እቲ መምህሮም ንዚሃኦ ነቶም ክፍሊ ብዛዕባ ሃይማኖቱ መደረ ንኬቕርበሎም ኣጋጣሚ ሃቦ። “ነቲ መደረ ብዘፍጥረት ምዕራፍ 1 ኽጅምሮ እሞ ድሕሪኡ: ‘ንምድርን ኣብኣ ንዘሎ ነገራትን መን እዩ ፈጢርዎ፧ ሰብከ ብኸመይ እዩ መጺኡ፧’ ንዚብል ሕቶታት ክገልጸሎም ወሰንኩ። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከንብብ ምስ ጀመርኩ ግን ገሊኦም ብኣይ ኪስሕቁን ኣብ ማሪት ከም ዝኣምን ገይሮም ኪዛረቡን ጀመሩ። ኣነ ግን በዚ ኸየቋረጽኩ: ነቲ መደረ ወዳእክዎ። ብድሕሪኡ: ምስ ገሊኦም መማህርተይ ብብሕቶም ብዛዕባ ዕዮናን እምነትናን ናይ ምዝርራብ ኣጋጣሚ ረኸብኩ። ሕጂ ኣብ ኣገልግሎት ኪርእዩኒ ኸለዉ ብኣይ ኣይስሕቁን እዮም።”

ዚሃኦ ቐጺሉ ኸምዚ በለ:- “ወለደይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝዀኑ: ንግሆ ንግሆ ነታ ናይታ መዓልቲ ጥቕሲ ንመያየጠላ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ነጽንዕ ከምኡውን ወትሩ ኣብ ኣኼባታት ንካፈል። ሳላ እዚ ድማ ንኻልኦት ሰባት ነቲ ዜሐድስ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኬካፍሎም ከለኹ ንዜላግጸይ ሰብ ብድፍረት ክጋጠሞ ኸኣልኩ።”

ቲንግሜ ተመሃሪት ቤት ትምህርቲ ስነ-ኪነት ኣዋልድ እያ። ሓደ እዋን ምስ መማህርታን ምስቶም ካብ ካልእ ቤት ትምህርቲ ኣወዳት ዚመጹ ተመሃሮን ብሓባር ኰይና ናብ ዙረት ንኽትከይድ ተዓደመት። ከምዚ ዓይነት ምትእኽኻብ ስነ-ምግባራዊ ሓደጋ ስለ ዘለዎ: ምኻድ ኣበየት። ዋላኳ ነተን መማህርታ ኣብታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዘርእስታ መጽሓፍ ዘሎ ሓሳባት እንተ ኣካፈለተን: ብተደጋጋሚ ግን ዕድመ ይቐርበላ ነበረ። a እተን ኣዋልድ ዘይስልጥንቲ ብምባል ኣላገጻላ። ይኹን እምበር: ሓንቲ ኻብተን ኣዋልድ ምስ ጠነሰትን ነቲ ጥንሲ ምስ ሰደደቶን ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስዓብ ጥበባዊ ምዃኑ ተራእየ። ቲንግሜ “ነቲ የሆዋ ዝሃቦ መምርሒ ብምስዓበይ ጽሩይ ሕልና ኣሎኒ። ሳላ እዚ ድማ ውሽጣዊ ሓጐስን ዓሚቝ ዕግበትን ረኸብኩ” በለት።

ዕቤት ንዚኽልክሉ ዕንቅፋታት ምስጋር

ሬወን ሓንቲ ኻብቶም ናይ ቀረባ ፈተውቲ ቲንግሜ እያ። ንእሽቶ ኸላ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምኻድን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምክፋልን ዜሰልኪ ዀይኑ ይስምዓ ነበረ። ይኹን እምበር: ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ናይ ሓቂ ፍቕርን ምስ መማህርታ ዘለዋ ዕምቈት ዘይብሉ ምሕዝነትን ዘሎ ፍልልይ ምስ ረኣየት: ኣብ ህይወታ ለውጢ ኽትገብር ከም ዘለዋ ዀይኑ ተሰምዓ። ንመማህርታ ኽትሰብከለን ጀመረት: ብዙሕ ከይጸንሐት ድማ እንታይ ክትገብር ከም ዘለዋ ፈለጠት። ሓጋዚት ፈላሚት ኰይና ኸኣ ኣብ ወርሒ ልዕሊ 50 ሰዓት ኣብ ኣገልግሎት ከተሕልፍ ጀመረት። ቀጺላ እውን ስርዓታዊት ፈላሚት ብምዃን ኣብ ወርሒ ልዕሊ 70 ሰዓት ከተገልግል ጀመረት። ሬወን ከምዚ ትብል:- “ንየሆዋ ዘሎኒ ሞሳ ብቓላት ክገልጾ ኣይክእልን እየ። ፈጺሙ ኣይሓደገንን። ዋላኳ ዜሕዝኖ ነገራት እንተ ገበርኩ: የፍቅረኒ ነበረ። ኣደይን ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኻልኦት ሰባትን እውን ተመሳሳሊ ፍቕሪ እዮም ኣርእዮምኒ። ሕጂ ሓሙሽተ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እመርሕ ስለ ዘለኹ: ኣብ ሓደ ኣዝዩ ዜዕግብ ዕዮ እካፈል ከም ዘለኹ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።”

ኣብ ገጠር ኣብ ዚርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዚመሃሩ ኽልተ ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ቤት ትምህርቲ ወኪሎም ኣብ ውድድር ባህላዊ ሳዕስዒት ንኺካፈሉ ተመደቡ። ብዛዕባ ባህርይ እቲ ውድድር ምስ ፈለጡ: ኣብዚ ምክፋል ንክርስትያናዊ ሕልናኦም ከም ዚጥሕሶ ዀይኑ ተሰምዖም። ነቲ ዘለዎም ኣረኣእያ ኺገልጹ ፈተኑ: ኣብዚ ውድድር ከይወዳደሩ ድማ ሓተቱ፣ ኰይኑ ግን ኣይተፈቕደሎምን። ሓንሳእ ተመዲቦም ስለ ዝዀኑ ኪኸዱ ኸም ዘለዎም እውን እቶም መምህራን ነገርዎም። እዞም መንእሰያት በዚ ኺለማለሙ ስለ ዘይደለዩ: ናይ ክፍሊ ትምህርቲ ዌብ ሳይት ብምኽፋት ነቲ ዘጋጠሞም ጸገም ዚገልጽ ደብዳበ ጸሓፉ። ዋላኳ ብብሕቶም መልሲ እንተ ዘይተዋህቦም: ብዙሕ ከይጸንሐ ግን ናብቲ ቤት ትምህርቲ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብቲ ውድድር ንኺካፈል ከየገድድዎ መምርሒ ተላእከ። እዞም ክልተ መንእሰያት እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብዎ ስልጠና ንሕልናኦም ቀሪጽዎ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ቕኑዕ ዝዀነ ነገር ንኺገብሩ ብርታዐ ስለ ዝሃቦም ክሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ተሓጒሶም!

እቶም ስንክልና ዘለዎም እውን እንተዀኑ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ንኻልኦት ብምክፋል ዓብዪ ሓጐስ እዮም ዚረኽቡ። ሚንዩ ኻብ እትውለድ ኣትሒዛ ልምስቲ እያ። ንኣእዳዋ ኽትጥቀም ስለ ዘይትኽእል: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብቦ ዝደለየቶ ጥቕሲ ብመልሓሳ ገይራ እያ እትግንጽሎ። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚወሃባ ኽፍሊ ኸተቕርብ ከላ: ንሳ ኣብ ሶፋ ትድቀስ: ሓጋዚታ ኸኣ ማይክሮፎን ሒዛትላ ኣብ ሓጺር ድኳ ኾፍ ትብል። ነዚ ንምድላው እተገብሮ ጻዕሪ ኽሳዕ ክንደይ ልቢ ዚትንክፍ ኰን እዩ!

ሚንዩ ኣስፋሒት መንግስቲ ኣምላኽ ክትከውን ምስ ደለየት: ኣብቲ ጉባኤ ዚርከባ ኣሓት ንዓኣ ንምሕጋዝ ኢለን ከመይ ጌርካ ብተሌፎን ከም እትምስክር ተማህራ። ንሳ ብመልሓሳ ገይራ ትድውል: እተን ኣሓት ድማ ነቲ ዝደወለቶ ይምዝግባላ። ነዚ ዕዮ ኣዝያ ስለ ዝፈተወቶ: ሓጋዚት ፈላሚት ኰነት፣ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብተሌፎን ብምግንጋር ድማ ኣብ ወርሒ ካብ 50 ክሳዕ 60 ሰዓት ተሕልፍ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ዝወሰዱን ተመላሊስካ ምብጻሕ እተገብረሎምን ሰባት ከኣ ረኸበት። ሕጂ ነቶም በዚ መገዲ እዚ ዝረኸበቶም ሰለስተ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሓሎም ኣላ።

እወ: ልክዕ ከምቲ መንፈስ ዜሐድስ ኣውሊ እዞም ኣብ ታይዋን ኣብ ዚርከባ 78 ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዉ መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን: ነቲ ህይወት ዚህብ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብወለንታን ብቕንኣትን ናብቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ነበርቲ እዛ ደሴት የብጽሕዎ ኣለዉ። እዚ ድማ ሓደ ንእሽቶ ኽፋል እቲ ኣብ መላእ ዓለም ፍጻሜኡ ዚረክብ ዘሎ: “በታ ሰራዊትካ እተኽትተላ መዓልቲ ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ: ከምቲ ኻብ ከርሲ ወጋሕታ ዚመጽእ ኣውሊ ከምኡ መንእሰይካ ብልብሲ ቕድስና ይመጹኻ” ዚብል ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። (መዝሙር 110:3) እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ነቶም መዓይይቶም ዝዀኑ ዓበይቲ ሰባት ከመይ ዝበሉ ምንጪ ምትብባዕ ኰን እዮም፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኦም ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ከመይ ዝበሉ ምንጪ ሓጐስ ኰን እዮም!—ምሳሌ 27:11

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ዝያዳ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ይድለ

ኣብ ታይዋን ዕቤት ይርአ ስለ ዘሎ: ኣድላይነት ዝያዳ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዓብዪ ብድሆ ዀይኑ ኣሎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: ኣብ ገሊኡ ኸባቢ ገጠር እንተ ዘይኰይኑ: ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምህናጽ ዚምሽእ መሬት ዳርጋ የለን። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ዋጋ እቲ መሬት ሓፍ ዘይብል እዩ: እቲ ንህንጸት ዚምልከት ሕግታት ከኣ ጽኑዕ እዩ። ኣብቲ ዓበይቲ ኸተማታት ዘሎ ሓደ ኣማራጺ ነቲ ቤት ጽሕፈት ዝነበረ ዓዲግካ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕያር ጥራይ እዩ። እዚውን እንተ ዀነ: ናሕሲ እቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣዝዩ ትሕት ዝበለ: ንምትዕርራዩ ዚኽፈል ገንዘብ ክቡር: ኣብኡ ንምእታው ቀይድታት ዘለዎ: ወይ ከኣ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኪኸውን ከም ዘይምሽእ ዚገብሮ ኻልእ ረቛሒታት ኣለዎ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ እውን ከይተረፈ: ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣብ ታይዋን ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ወኒኖም እዮም። ሓድሽ ቦታ ንምርካብ ዚግበር ዘሎ ምንዳይ ይቕጽል ኣሎ: እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ብፍቓዶም ነቲ ገንዘባዊ ወጻኢታት ይስከምዎ ኸምኡውን ኣድላዪ ናይ ህንጸት ክእለት የማዕብሉ ኣለዉ።