ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እዮብ—ዕጉስን ንጽህናኡ ዝሓለወን ሰብኣይ

እዮብ—ዕጉስን ንጽህናኡ ዝሓለወን ሰብኣይ

እዮብ—ዕጉስን ንጽህናኡ ዝሓለወን ሰብኣይ

“ከም እዮብ ገይሩ ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዚርሕቕን ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የልቦን እሞ: ንባርያይ እዮብስ ኣስተብሂልካዮዶ፧” —እዮብ 1:8

1, 2. (ሀ) እዮብ እንታይ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ዜሕዝን ነገር እዩ ዘጋጠሞ፧ (ለ) ዜሕዝን ነገራት ቅድሚ ምግጣሙ ዝነበረ ህይወት እዮብ ግለጾ፧

 ኣብ ሓደ እዋን ሃብቲ: ክብረት: ጥዕና: ዜሐጕስ ናብራ ስድራቤት: ኰታስ ኵሉ ነገራት እተማልኣሉ ሰብኣይ ይነብር ነበረ። ብሃንደበት ግን ኣብ ርእሲ ርእሲ ሰለስተ ሳዕ ዜሕዝን ነገራት ኣጋጠሞ። ብሓንሳእ ኵሉ ሃብቱ ሰኣነ። ጸኒሑ: ዘይተለምደ ዓይነት ህቦብላ ንፋስ ንህይወት ኵሎም ደቁ ኣጥፍአ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ዜማስን ሕማም ሓመመ: ብምሉኡ ኣካላቱ ድማ ዜሳቒ ቝስሊ መልኦ። እዚ ሰብኣይ እዚ እቲ ኣብታ ብስሙ እተጻሕፈት መጽሓፍ ብቐዳምነት ተጠቒሱ ዘሎ እዮብ ምዃኑ ፈሊጥካ ትህሉ ትኸውን።—እዮብ ምዕራፍ 1, 2

2 እዮብ “ኣየ: ከም በተን ቀዳሞት ኣዋርሕ . . . እንተ ዝኸውን እሞ መን ምሀበኒ” ኢሉ ተኣነነ። (እዮብ 3:3፣ 29:2) መዓት ምስ መጸ: መን እሞ እዩ ነቲ ዝሓለፈ እዋን ዘይምነ፧ እዮብ ጽቡቕ ህይወት ይመርሕ ስለ ዝነበረ ጸገማት ዘጓንፎ ኣይመስልን እዩ ነይሩ። ምርኡያት ሰባት የኽብርዎን ምኽሩ ይደልዩን ነበሩ። (እዮብ 29:5-11) ሃብታም እኳ እንተ ነበረ: ብዛዕባ ገንዘብ ግን ሚዛናዊ ኣረኣእያ ነበሮ። (እዮብ 31:24, 25, 28) ሽጉራት መበለታትን ዘኽታማትን ኬጋጥምዎ ኸለዉ: ይሕግዞም ነበረ። (እዮብ 29:12-16) ንሰበይቱ እውን እሙን ነበረ።—እዮብ 31:1, 9, 11

3. የሆዋ ንእዮብ ብኸመይ ይርእዮ ነበረ፧

3 እዮብ ንኣምላኽ የምልኽ ብምንባሩ: ኣበር ዘይብሉ ህይወት ይመርሕ ነበረ። የሆዋ: “ከም እዮብ ገይሩ ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዚርሕቕን ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የልቦን” በለ። (እዮብ 1:1, 8) እንተዀነ ግን: እዮብ ስነ-ምግባራዊ ንጽህና እኳ እንተ ነበሮ: እቲ ጥዑም ናብራኡ ብዜሕዝን ነገራት መልአ። ኵሉ እቲ ዝዓየዮ ነገራት ጠፍአ: ጽንዓቱ ድማ ብስቓይን ብጓህን ብብስጭትን ተፈተነ።

4. ጸበባ እዮብ ምዝካርና ሓጋዚ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

4 ልክዕ እዩ: መዓት ዘጋጠሞ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዮብ ጥራይ ኣይነበረን። ሎሚውን ሓያሎ ክርስትያናት ከምዚ ዓይነት ተመክሮ ኣሕሊፎም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ: ነዘን ዚስዕባ ኽልተ ሕቶታት ኣጸቢቕና ኽንሓስበለን ይግባእ:- ዜሕዝን ነገራት ኬጋጥመና ኸሎ ንእዮብ ዘጋጠሞ ጸበባ ምዝካርና ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ነቶም መከራ ዜሕልፉ ዘለዉ ብዝያዳ ንኽንድንግጸሎም ኪምህረና ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧

ንተኣማንነት ዚምልከት ጕዳይን ንንጽህና ዝቐረበ ፈተናን

5. እዮብ ንኣምላኽ ዜገልግሎ ብምንታይ ተደሪኹ ምዃኑ እዩ ሰይጣን እተዛረበ፧

5 ንእዮብ ዘጋጠሞ ጕዳይ ፍልይ ዝበለ እዩ ነይሩ። እዮብ ዘይፈልጦ እኳ እንተ ነበረ: ድያብሎስ ነቲ እዮብ ንኣምላኽ ዜገልግለሉ ውሽጣዊ ድራኼኡ ኣብ ሕቶ ኣእቲዎ ነበረ። የሆዋ ኣብ ሰማይ ኣኼባ ምስ ገበረ እሞ ነቲ ጽቡቕ ባህርያት እዮብ ምስ ኣተኰረሉ: ሰይጣን “ንስኻ ንእኡ ምስ ቤቱን ኣብ ዙርያኡ ዘለዎ ዅሉንዶ ሐጺርካዮ አየሎኻን፧” ኢሉ መለሰ። በዚ ኸምዚ ሰይጣን: እዮብ ብስስዐ ተደሪኹ ኸም ዜገልግል ተዛረበ: ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ከምኡ ምዃኖም ኣመተ። ሰይጣን ንየሆዋ “ኣብታ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ: ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ንዅሉ ጥሪቱ ሃሰስ ኣይትብሎን” በሎ።—እዮብ 1:8-11

6. ሰይጣን እንታይ ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ ዘበገሰ፧

6 እቲ ጕዳይ እቲ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ሰይጣን ነቲ የሆዋ ንልዑላውነቱ ዚጥቀመሉ መገዲ እዩ ኣብ ሕቶ ኣእቲዎ። ኣምላኽ ብሓቅዶ ንዅሉ ፍጥረቱ ብፍቕሪ ኺገዝእ ይኽእል እዩ፧ ወይስ ከምቲ ሰይጣን ዝኣመቶ: ወትሩ ኣብ መወዳእታ ስስዐ እዩ ዚዕወት፧ የሆዋ ብንጽህናን ብተኣማንነትን ኣገልጋሊኡ እዮብ ብምትእምማኑ: ብድያብሎስ ንኺፍተን ፈቐደ። በዚ ኸምዚ: ነቲ ንእዮብ ኣብ ርእሲ ርእሲ ዘጋጠሞ መዓት ሰይጣን ባዕሉ ኣምጸኦ። ሰይጣን ዝፈነዎ ናይ መጀመርታ መጥቃዕትታት ምስ ፈሸለ: ንእዮብ ብዜሳቒ ሕማም ወቕዖ። ድያብሎስ “ቈርበት ኣብ ክንዲ ቈርበት። ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ” በለ።—እዮብ 2:4

7. ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ንእዮብ ዘጋጠሞ ፈተናታት እተቓልዑ ብኸመይ እዮም፧

7 ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ክርስትያናት ክንዲ እቲ ንእዮብ ዘጋጠሞ ዚኸውን መከራ እኳ እንተ ዘየጋጠሞም: እተፈላለየ ጸበባታት ግን የሳቕዮም እዩ። ብዙሓት መስጐጕቲ የጋጥሞም ወይ ናይ ስድራቤት ጸገማት ኣለዎም። ቍጠባዊ ጸገማት ወይ ጥዕና ምስኣን ጐዳኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኦም ምእንቲ እምነቶም ኪብሉ ህይወቶም ሰዊኦም እዮም። ልክዕ እዩ: ንዅሉ እቲ ዜጋጥመና ዜሕዝን ነገራት ሰይጣን ብቐጥታ ዜምጽኦ እዩ ኢልና ኽንሓስብ የብልናን። አረ ገሊኡ ጸገማትሲ ባዕልና ብዝፈጸምናዮ ጌጋ ወይ ብዝወረስናዮ ኣካላዊ ዅነታት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። (ገላትያ 6:7) ኵላትና ኸኣ ንእርጋንን ንባህርያዊ ዕንወትን እተቓላዕና ኢና። ኣብዚ ግዜና የሆዋ ንኣገልገልቱ ኻብ ኵሉ ጸበባ ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዘየዕቍቦም መጽሓፍ ቅዱስ ንጹር ይገብሮ።—መክብብ 9:11

8. ሰይጣን ነቲ ዜጋጥመና ጸበባታት ኪጥቀመሉ ዚደሊ ብኸመይ እዩ፧

8 ይኹን እምበር: ሰይጣን በቲ ዜጋጥመና ጸበባታት ተጠቒሙ ንእምነትና ኼዳኽም ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ በቲ ‘ዜሰቅዮ’ ዝነበረ ‘ናይ ስጋ ግራጭ’ ኸም እተሸገረ ጠቒሱ ነይሩ። (2 ቈረንቶስ 12:7) እዚ ምድካም ኣዒንቲ ወይ ካልእ ኣካላዊ ጸገም እኳ እንተ ነበረ: ጳውሎስ ግን ሰይጣን ነዚ ጸገም እዚ ኺጥቀመሉ ኸም ዚኽእል ከምኡውን ሓጐሱን ንጽህናኡን ከም ዜጥፍእ ኪገብሮ ኸም ዚኽእል ተረዲኡ ነበረ። (ምሳሌ 24:10) ሎሚ: ሰይጣን ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ንምስጓጕ: ብኣባላት ስድራቤት: ብመማህርቲ: ወይ ብምልካውያን መንግስትታት ኪጥቀም ይኽእል እዩ።

9. ጸበባ ወይ መስጐጕቲ ብዙሕ ኬገርመና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

9 ነዚ ጸገማት እዚ ብዓወት ክንሰግሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕርን ንልዑላውነቱ ዘሎና ተገዛእነትን ዘይለዋወጥ ምዃኑ ንኸነርኢ ኣጋጣሚ ኸም ዝረኸብና ጌርና ብምርኣይ እዩ። (ያእቆብ 1:2-4) እቲ ዜጋጥመና ጭንቂ ዝዀነ ይኹን ብዘየገደስ: ንኣምላኽ እሙናት ምዃን ዘለዎ ኣገዳስነት ምርዳእና: መንፈሳዊ ሚዛንና ንኽንሕሉ ይሕግዘና። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያናት: “ኣቱም ፍቁራተይ: በቲ ንምፍታን ዝረኽበኩም ዘሎ ዋዒ ሓዊ: ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም: ኣይትገረሙ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (1 ጴጥሮስ 4:12) ጳውሎስ እውን “እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም” ኢሉ ገለጸ። (2 ጢሞቴዎስ 3:12) ሰይጣን ከምቲ ንእዮብ ዝገበሮ: ሕጂውን ንንጽህና መሰኻኽር የሆዋ ኣብ ሕቶ የእትዎ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ እሞ ኸኣ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት: ሰይጣን ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዚፍንዎ መጥቃዕትታቱ ኸም ዘጽዓቖ ይሕብረና እዩ።—ራእይ 12:9, 17

ግጉይ ምርዳእን ሕማቕ ምኽርን

10. እዮብ እንታይ ጸገም እዩ ዝነበሮ፧

10 እዮብ ሕጂ ንዓና ተፈቲሑልና ዘሎ ተወሳኺ ጸገም ነበሮ። እቲ ዝወረዶ መዓት ንምንታይ ከም ዘጋጠሞ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። እዮብ ብጌጋ: “እግዚኣብሄር ሀበ: እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ” ኢሉ ደምደመ። (እዮብ 1:21) ምናልባት ሰይጣን ኰነ ኢሉ ንእዮብ ካብ ኣምላኽ ጸበባ ኸም ዝወረዶ ኼምስል ጽዒሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

11. እዮብ ብሰንኪ ዘጋጠሞ መዓት እንታይ ከም እተሰምዖ ግለጽ።

11 እዮብ ከምቲ ሰበይቱ ዝበለቶ ንኣምላኽ ምኽሓድ እኳ እንተ ኣበየ: ኣመና ግን ተደቝሰ። (እዮብ 2:9, 10) ‘ረሲኣን ካባይ ዝሓሸ ይረኽቡ’ በለ። (እዮብ 21:7-9) ‘ኣምላኽ ዚቐጽዓኒ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢሉ እውን ሓሲቡ ኪኸውን ኣለዎ። ሞት እተመነየሉ ግዜ እውን ነይሩ እዩ። “ኣየ: ቍጥዓኻ ኽሳዕ ዚሐልፍሲ: እንተ ትስውረኒ: ኣብ ሲኦል እንተ ትሐብአኒ” በለ።—እዮብ 14:13

12, 13. እቶም ሰለስተ ፈተውቱ ዝሃብዎ ሓሳባት ንእዮብ ዝጸለዎ ብኸመይ እዩ፧

12 እዮብ ‘ምስኡ ኺሓዝኑን ኬጸናንዕዎን’ ኢሎም ዝመጹ ሰለስተ ፈተውቲ ነበርዎ። (እዮብ 2:11) ይኹን እምበር: ‘ዘይጠቕሙ መጸናናዕቲ’ ዀኑ። (እዮብ 16:2) እዮብ ካብቶም ጸገማቱ ዜካፍሎም ፈተውቱ ተጠቒሙ ኪኸውን ይኽእል እዩ: እዞም ሰለስተ ግን ንእዮብ መሊሱ ኸም ዚደናገርን ብዝያዳ ኸም ዚድቈስን እዮም ገይሮምዎ።—እዮብ 19:2፣ 26:2

13 እዮብ ‘እዚ ንምንታይ ንዓይ የጋጥመኒ፧ እዚ ዅሉ መዓት ዚወርደኒ እንታይ ዝገበርኩ እየ፧’ ኢሉ ንርእሱ ሓቲቱ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ፈተውቱ ፈጺሙ ዜጋጊ ምላሽ ሃብዎ። እዮብ ከቢድ ሓጢኣት ብምፍጻም ኣብ ርእሱ ነዚ መከራ እዚ ኸም ዘምጽአ መሲሉ ተራእዮም። ኤሊፋዝ “ንጹህ ከም ዝጠፍኤ: ቅኑዕውን ከም እተደምሰሰዶ ርኢኻ ትፈልጥ፧ ኣነስ ከምዚ ደአ ርኤኹ: እቶም ሓጢኣት ዚሐርሱ: መከራ ኸኣ ዚዘርኡ: ንእኡ ይዐጽድዎ” በለ።—እዮብ 4:7, 8

14. ንዜጋጥም መከራ ብኡንብኡ ምስ ግጉይ ኣኻይዳ ኸነተሓሕዞ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

14 ሓቂ እዩ: ንመንፈስ ዘይኰነስ ንስጋ እንተ ዘሪእና: ጸገማት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። (ገላትያ 6:7, 8) ኰይኑ ግን: ኣብዚ ስርዓት እዚ ኣኻይዳና ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ብዘየገድስ: ጸበባ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ: እቶም ንጹሃት ካብ ኵሉ መዓት ሓራ እዮም ኪበሃል ኣይከኣልን እዩ። እቲ “ኽፍኣትን ርኽሰትን ዜብሉ: ካብ ሓጥኣን እተፈልየ” የሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕንጨይቲ ብዜሳቒ መገዲ ሞተ፣ ሃዋርያ ያእቆብ እውን መስዋእታዊ ሞት ሞተ። (እብራውያን 7:26፣ ግብሪ ሃዋርያት 12:1, 2) ኤሊፋዝን እቶም ክልተ ፈተውቱን ዝነበሮም ግጉይ ኣተሓሳስባ: ንእዮብ ነቲ ጽቡቕ ስሙ ንኺጣበቐሉን ንንጽህናኡ ንኺከራኸረሉን ደረኾ። ኰይኑ ግን: እቲ ዘጋጠሞ መከራ ዚግብኦ እዩ ዚብል ድርቅና ዝመልኦ ሓሳባቶም: ንእዮብ ብዛዕባ ፍትሒ ኣምላኽ ዝነበሮ ኣረኣእያ ጸልይዎ ኪኸውን ኣለዎ።—እዮብ 34:5፣ 35:2

ጸበባ ኼጋጥም ከሎ ሓገዝ ምድላይ

15. መከራ ንኽንዋጽኣሉ ዚሕግዘና እንታይ ኣተሓሳስባ እዩ፧

15 ካብዚ እንወስዶ ትምህርቲ ኣሎዶ፧ ዜሕዝን ፍጻመታት: ሕማም: ወይ መስጐጕቲ ኼጋጥመና ኸሎ: ኣመና ዘይፍትሓዊ ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ካልኦት ሰባት ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ዜምልጡ ዘለዉ ኺመስሉና ይኽእሉ እዮም። (መዝሙር 73:3-12) ሓድሓደ ግዜ: ነዚ መሰረታዊ ሕቶታት ንርእስና ኽንሓትት የድልየና ይኸውን:- ‘ዝመጸ ይምጻእ ንኣምላኽ ዘላትኒ ፍቕሪ ንኸገልግሎ ትድርኸኒ ድያ፧ ንየሆዋ “ነቲ ዚጸርፎ ምላሽ ኪህብ ዜኽእሎ” ነገር ንምቕራብ ሃረር እብል ድየ፧’ (ምሳሌ 27:11፣ ማቴዎስ 22:37) ካልኦት ዚዛረብዎ ጐዳኢ ሓሳባት ብዛዕባ ሰማያዊ ኣቦና ኸም እንጠራጠር ኪገብረና ኸነፍቅደሉ የብልናን። ሓንቲ ንሓያሎ ዓመታት ብሕዱር ሕማም እትሳቐ ዝነበረት እምንቲ ክርስትያን: “የሆዋ ዝፈቐዶ ዝዀነ ይኹን ነገር: ክቕበሎ ዝኽእል ምዃነይ እፈልጥ እየ። ዜድሊ ብርታዐ ኸም ዚህበኒ እፈልጥ እየ። ዜድሊ ብርታዐ ወትሩ ይህበኒ እዩ” በለት።

16. ቃል ኣምላኽ ነቶም ጸገማት ዜጋጥሞም ሓገዝ ዚህቦም ብኸመይ እዩ፧

16 ንስልትታት ሰይጣን ብዚምልከት: እዮብ ዘይነበሮ ምርዳእ ኣሎና። “ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና።” (2 ቈረንቶስ 2:11) ብዘይካዚ: ክንጥቀመሉ እንኽእል ብዙሕ ግብራዊ ጥበብ ተዳልዩልና ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኵሉ ዓይነት ጸገማት ብዛዕባ ዘሕለፉ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ዚገልጽ ጸብጻባት ንረክብ ኢና። ካብ መብዛሕትኦም ንላዕሊ መከራ ዘሕለፈ ሃዋርያ ጳውሎስ: “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና: እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 15:4) ሓደ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ምእንቲ እምነቱ እተኣስረ ኣብ ኣውሮጳ ዝነበረ ናይ የሆዋ ምስክር: ናይ ሰለስተ መዓልቲ መቝነኑ ብሓንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ለወጦ። ከምዚ ድማ በለ:- “እቲ ልውውጥ ከመይ ዝበለ ዓስቢ ዀን እዩ ኣምጺኡለይ! ኣካላዊ ጥሜት እኳ እንተ ነበረኒ: ኣብቲ እዋን ጸበባ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ንዓይ ኰነ ንኻልኦት ሰባት ዜዐንግል መንፈሳዊ ምግቢ ረኸብኩ። ነታ መጽሓፍ ቅዱስ እቲኣ ኽሳዕ ሕጂ ዓቂበያ ኣለኹ።”

17. እንታይ ኣምላኽ ዝገበሮ መሰናድዎ እዩ ንኽንጽመም ኪሕግዘና ዚኽእል፧

17 ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እንረኽቦ ምጽንናዕ: ንጸገማትና ንኽንጻወሮ ጠቓሚ መምርሒ ዚህበና መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ሓያሎ ጽሑፋት እውን ኣሎና። ዎች ታወር ፓብሊኬሽን ኢንደክስ እንተ ተወኪስካ: ከም ናትካ ዝኣመሰለ ፈተናታት ብዛዕባ ዘሕለፈ ክርስትያን ብጻይ ዚገልጽ ተመክሮ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። (1 ጴጥሮስ 5:9) ብዛዕባ ዅነታትካ ምስ ዚርድኡልካ ሽማግለታት ወይ ምስ ካልኦት ብሱላት ክርስትያናት ምምይያጥ እውን ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ልዕሊ ዅሉ: ብጸሎት ኣቢልካ ኣብቲ የሆዋ ዚህበካ ሓገዝን ኣብ መንፈስ ቅዱስን ክትጽጋዕ ትኽእል ኢኻ። ጳውሎስ ነቲ ኻብ ሰይጣን ዝወረዶ ‘ስቅያት’ ብኸመይ ተጻወሮ፧ ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ ብምጽጋዕ እዩ። (2 ቈረንቶስ 12:9, 10) “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኢሉ ጸሓፈ።—ፊልጲ 4:13

18. ክርስትያናት ብጾት ብዋጋ ዘይሽነን ምትብባዕ ኪህቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

18 ስለዚ: ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ: ሓገዝ ካብ ምንዳይ ድማ ድሕር ኣይትበል። “ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ: ሓይልኻ ቕሩብ እዩ” ዚብል ምስላ ኣሎ። (ምሳሌ 24:10) ከምቲ ፍልሖ ብዕንጨይቲ ንእተሰርሐት ቤት ኬዕንዋ ዚኽእል: ተስፋ ምቝራጽ እውን ንንጽህና ክርስትያን ኬበላሽዎ ይኽእል እዩ። ነዚ ሓደጋ እዚ ንምስጋሩ: ኣምላኽ ብብጾትና ዝዀኑ ኣገልገልቲ ኣቢሉ ደገፍ ኣዳልዩልና ኣሎ። የሱስ ኣብታ እተታሕዘላ ለይቲ: ዜበርትዖ መልኣኽ ተራእዮ። (ሉቃስ 22:43) ጳውሎስ እሱር ኰይኑ ናብ ሮሜ ኺጐዓዝ ከሎ: ኣብ ዕዳጋ ኣጵዮስን ሰለስተ መሓድርን ኣሕዋት ምስ ረኸበ: “ንኣምላኽ ኣመስገነ ልቡውን ሀድኤ።” (ግብሪ ሃዋርያት 28:15) ሓንቲ ጀርመናዊት ናይ የሆዋ ምስክር ገና ብቐሊሉ እትደሃልን ጐርዞን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ መዳጐኒ ደምበ ራቨንስብራክ ምስ ኣተወት እተገብረላ ሓገዝ ክሳዕ ሕጂ ትዝክሮ እያ። “ሓንቲ ክርስትያን ብጸይተይ ብኡንብኡ ረኸበትኒ እሞ ኻብ ልባ መርሓባ ኢላ ተቐበለትኒ። ካልእ እምንቲ ሓብቲ ኸኣ ክትከናኸነኒ ጀመረት: ከም መንፈሳዊት ኣደ ድማ ኰነትኒ” ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ።

“እሙን ኩን”

19. እዮብ ንጻዕርታት ሰይጣን ንኺቃወሞ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

19 የሆዋ ንእዮብ “ፍጹም ኰይኑ ይጸንዕ” ከም ዘሎ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። (እዮብ 2:3) እዮብ ተስፋ ናይ ምቝራጽ ስምዒት እኳ እንተ ነበሮን ስለምንታይ መከራ ኸም ዝወረዶ እኳ እንተ ዘይተረድኦን: ካብቲ ኣዝዩ ኣድላዪ ጕዳይ ተኣማንነት ግን ፈልከት ኣይበለን። ንዅሉ እቲ ዚኣምነሉ ዝነበረ ነገር ኣይከሓደን። “ክሳዕ ሞተይ ካብታ ብዘይ ጕድለት ምዃነይ ኣየግልስን” በለ።—እዮብ 27:5

20. ብትዕግስቲ ምጽማም ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

20 ተመሳሳሊ ቘራጽነት እንተ ጌርና: ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት: ማለት ፈተናታት: ምጽራር: ወይ ጸበባ የጋጥመና ብዘየገድስ: ንጽህናና ንኽንሕሉ ኺሕግዘና እዩ። የሱስ ነታ ኣብ ስሚርና ዝነበረት ጉባኤ ኸምዚ በላ:- “እንሆ: ምእንቲ ኽትፍተኑስ: ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ: ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ [ሽግር: ጭንቂ: ወይ ጭቈና] ኺረኽበኩም እዩ እሞ: ነቲ ዝመጸካ መከራ ኣይትፍርሀዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን: ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።”—ራእይ 2:10

21, 22. ጸበባ ኸነሕልፍ ከለና: እንታይ ብምፍላጥና ኢና ኽንጸናናዕ እንኽእል፧

21 ኣብዚ ብሰይጣን ዚግዛእ ስርዓት እዚ: ትዕግስትናን ንጽህናናን ይፍተን እዩ። ይኹን እምበር: የሱስ ናብ መጻኢ እንተ ኣተኲርና: ዜፍርህ ከም ዘይብልና ኣረጋጊጹልና ኣሎ። እቲ ኣገዳሲ ነገር እሙናት ምዃንና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ጸበባ ሽዓ ዚሓልፍ’ ከም ዝዀነ: “ክብሪ” ወይ እቲ የሆዋ እተመባጽዓልና ዓስቢ ግን “ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን” ምዃኑ ገለጸ። (2 ቈረንቶስ 4:17, 18) እቲ ንእዮብ ዘጋጠሞ ጸበባ እውን ከይተረፈ: ምስቲ ቕድሚ ፈተናኡን ድሕሪኡን ዘሕለፎ ሓያሎን ዜሐጕስን ዓመታት ኪወዳደር ከሎ ሓላፊ እዩ ነይሩ።—እዮብ 42:16

22 ኰይኑ ግን: ሓድሓደ ግዜ ፈተናታትና መወዳእታ ዘይብሉ: መከራና ድማ ምጻሩ ዘይከኣል ዚመስለና እዋን ኣሎ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ: ተመክሮ እዮብ ብዛዕባ ትዕግስቲ እንታይ ተወሳኺ ትምህርትታት ከም ዚምህረና ኽንምርምር ኢና። ጸበባ ንዘጋጠሞም ካልኦት ሰባት ብኸመይ ከነበራትዖም ከም እንኽእል እውን መገድታት ክንርኢ ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ሰይጣን ብዛዕባ ንጽህና እዮብ እንታይ መሰረታዊ ጕዳያት እዩ ዘበገሰ፧

• ጸበባ ብዙሕ ኬገርመና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

• የሆዋ ብትዕግስቲ ንኽንጽመም ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ምርምር ምግባር: ምስ ብሱላት ክርስትያናት ምዝርራብ: ከምኡውን ብጸሎት ልብና ምፍሳስ ንኽንዕገስ ኪሕግዘና ይኽእል