ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ከምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ”

“ከምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ”

“ከምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ”

“እምነት ካቶሊክ ኣብ መወዳእታ ዜጋጥም ኣርባዕተ ነገራት ይጠቅስ:- ሞት: ፍርዲ: ሲኦል: ሰማይ።”—ብጆርጅ ብራንትል እተሰናደወት ካቶሊሲዝም ዘርእስታ መጽሓፍ

ኣብዚ ንደቅሰብ ኬጋጥሞም እዩ ተባሂሉ ዚሕሰብ ነገራት ዚጠቅስ ዝርዝር: ምድሪ ኸም ዘየላ ኣስተብህል። ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ብዙሓት ሃይማኖታት: ነቲ ምድሪ ሓደ መዓልቲ ኽትጠፍእ እያ ዚብል እምነት ስለ እትስዕብ: እዚ ዜገርም ኣይኰነን። እታ ዲክስዮነር ደ ተኦሎዢ ካቶሊክ እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ትሕቲ እቲ “መወዳእታ ዓለም” ዚብል እታው ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ነዚ ኣነጺራቶ ኣላ:- “ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ እዛ ዓለም እዚኣ ኸምታ ኣምላኽ ኪፈጥራ ኸሎ ዝነበረቶን ሕጂ ዘላቶን ኰይና ንዘለኣለም ኣይትቕጽልን እያ ኢላ እያ እትኣምንን እትምህርን።” ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተዋህበ ትምህርቲ ሃይማኖት ካቶሊክ እውን “እዛ ዓለምና ኽትጠፍእ እዩ ተወሲኑላ” ብምባል ምስዚ ሓሳብ እዚ ተሰማምዐ። እዛ ፕላነትና ኽትጠፍእ እንተ ዀይና: እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምድራዊት ገነት ዚብሎ ነገራትከ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ ኣብ መጻኢ ኣብ ምድሪ እትህሉ ገነት ይገልጽ እዩ። ንኣብነት: ነብዪ ኢሳይያስ ንምድርን ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሰባትን ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ገለጾም:- “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም: ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ: ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። ዕድመ ህዝበይ ከም ዕድመ ኦም ኪኸውን: ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም እሞ: ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን: ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም።” (ኢሳይያስ 65:21, 22) እቶም ኣምላኽ ነዚ መብጽዓ እዚ ዝኣተወሎም ኣይሁድ: ሓደ መዓልቲ እታ ዓዶም ጥራይ ዘይኰነስ: መላእ ምድሪ: ደቅሰብ ንዘለኣለም ጥቕሚ ዚረኽቡላ ገነት ከም እትኸውን ርግጸኛታት ነበሩ።

መዝሙር 37 ነዚ ተስፋ እዚ ኣረጋጊጻቶ ኣላ። “ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ድማ ትብል። (መዝሙር 37:11) እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዛዕባ ግዝያዊ ምምላስ ህዝቢ እስራኤል ናብ ምድሪ ተስፋ ኣይኰነትን እትገልጽ ዘላ። ባዕላ እዛ መዝሙር እዚኣ: “ጻድቃን ንምድሪ ኺወርስዋ፥ ኣብኣውን ንዘለዓለም ኪነብሩ እዮም” ብምባል ነዚ ኣነጺራቶ ኣላ። (መዝሙር 37:29 ትርጕም 1990) a እዛ መዝሙር እዚኣ እቲ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት: ዓስቢ እቶም “ትሑታት” ምዃኑ ኸም እትሕብር ኣስተብህል። ብመሰረት ርእይቶ ሓደ ናይ ፈረንሳይኛ መጽሓፍ ቅዱስ: እታ “ትሑታት” እትብል ቃል “ካብቲ ኣብ ብዙሕ ትርጕም ተገሊጹ ዘሎ ንላዕሊ ዝሰፍሐ ትርጕም እዩ ዘለዋ፣ ነቶም ምእንቲ ያህወህ ወጽዓ ዚወርዶምን ዚግፍዑን: ከምኡውን ንኣምላኽ ንኺግዝእዎ ትሑት ልቢ ዘለዎም መሳኪን ዘጠቓለለት እያ።”

ኣብ ሰማይዶ ኣብ ምድሪ፧

የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት: “ዓቃላት: ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” ብምባል ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዜዘኻኽረና መብጽዓ ኣተወ። (ማቴዎስ 5:5) እዛ ምድሪ ኸም ብሓድሽ ዘለኣለማዊት ዓስቢ እቶም እሙናት ሰባት ክትከውን እያ። የሱስ ግን ንሃዋርያቱ ምስኡ ኣብ ሰማይ ንኪዀኑ “ኣብ ቤት ኣቦ[ኡ]” ስፍራ ኸም ዜዳልወሎም ነጊርዎም ነበረ። (ዮሃንስ 14:1, 2፣ ሉቃስ 12:32፣ 1 ጴጥሮስ 1:3, 4) ከምዚ እንተ ዀይኑ: ነቲ ብዛዕባ ምድራዊ በረኸት እተኣትወ መብጽዓታት ብኸመይ ኢና ኽንርድኦ ዘሎና፧ ኣብዚ እዋን እዚኸ ኣገዳስነት ኣለዎ ድዩ፧ ንመንከ እዩ ዜመልክት፧

እተፈላለዩ ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ: እታ ኣብቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ይኹን ኣብ መዝሙር 37 ተጠቒሳ ዘላ “ምድሪ” እትብል ቃል ምሳልያዊት ከም ዝዀነት ይዛረቡ። ፉልክራን ቪጉሩ ኣብታ ባይብል ደ ግለር ዘርእስታ መጽሓፍ: ኣብዘን ጥቕስታት እዚኣተን “ንሰማይን ንቤተ-ክርስትያንን ዜመልክት ተምሳል” ከም እተጠቕሰ ርእይቶኡ ሃበ። እቲ ፈረንሳዊ ተመራማሪ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ማሪ-ጆሰፍ ላግራንዥ ድማ እዚ በረኸት እዚ “ትሑታት ነዛ ዚነብሩላ ዘለዉ ምድሪ ኣብ ትሕቲ እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ኰነ ኣብ ትሕቲ ሓደ ዝያዳ ፍጹም ስርዓት ከም ዚወርስዋ ዜመልክት ኣይኰነን፣ የግዳስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስዋ እዮም” በለ። ካልእ ድማ “ንምድሪ ኸም ተምሳል ብምጥቃም ብዛዕባ ሰማይ እዩ ዚዛረብ ዘሎ” በለ። ገሊኣቶም ሰባት እውን “እታ ምድሪ ተስፋ ዝነበረት ከነኣን: ብመንፈሳዊ መገዲ እያ ተጠቒሳ ዘላ፣ ነታ ትሑታት ሰባት ከም ዚወርስዋ መብጽዓ እተኣትወሎም ሰማያዊት ሃገር ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ድማ እያ እተመልክት። ትርጕም እቲ ኣብ መዝሙር 37 ይኹን ኣብ ካልእ ቦታ ዘሎ ሓሳብ እዚ እዩ” ይብሉ። ይኹን እምበር: ተሃዊኽና ነዛ ምድሪ ኻብ መብጽዓ ኣምላኽ ክንፈልያ ይግብኣና ድዩ፧

ንምድሪ ዚምልከት ዘለኣለማዊ ዕላማ

ምድሪ ኣብ መጀመርታ ምስቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዝነበሮ ዕላማ ብቐጥታ እተተሓሓዘት እያ ነይራ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ሰማያትሲ ናይ እግዚኣብሄር ሰማያት እዮም: ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሀቦም” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 115:16) ስለዚ: እቲ ኣምላኽ ብመጀመርታ ንደቅሰብ ዝነበሮ ዕላማ ምስ ሰማይ ዘይኰነስ: ምስ ምድሪ እተተሓሓዘ እዩ ነይሩ። የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን: ንገነት ኤድን ብምስፋሕ ንዅላ ምድሪ ኺሽፍንዋ መዘዞም። (ዘፍጥረት 1:28) እዚ ዕላማ እዚ ግዝያዊ ኣይኰነን ነይሩ። የሆዋ “ወለዶ ይኸይድ: ወለዶ ኸኣ ይመጽእ: ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትቐውም” ብምባል ምድሪ ንዘለኣለም ከም እትነብር ኣብ ቃሉ ኣረጋጊጹ ኣሎ።—መክብብ 1:4፣ 1 ዜና መዋእል 16:30፣ ኢሳይያስ 45:18

መብጽዓታት ኣምላኽ ከቶ ኣብ መሬት ኣይወድቕን እዩ፣ ከመይሲ: ንሱ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ልዑል እዩ: ከም ዚፍጽሞ ድማ ውሕስነት ሂቡ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ: መብጽዓ ኣምላኽ ናይ ግድን ከም ዚፍጸም ንምግላጽ ነቲ ተፈጥሮኣዊ ዑደት ማይ ከም ኣብነት ተጠቒሙ ኸምዚ በለ:- “ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ከም ዚወርድ እሞ ንምድሪ ኸየስተዮ: ከም ዜፍርን ከም ዜብቍልን ከኣ ከይገበሮ: . . . ንድሕሪት ከም ዘይምለስ: እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ [ቃል ኣምላኽ] ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ: ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ: ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር: ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ።” (ኢሳይያስ 55:10, 11) ኣምላኽ ንደቅሰብ መብጽዓ ኣትዩሎም ኣሎ። እዚ መብጽዓ እዚ ቕድሚ ምፍጻሙ እተወሰነ እዋን እኳ እንተ ሓለፈ: ኣብ መሬት ግን ኣይወድቕን እዩ። ነቲ ኺገብሮ ተባሂሉ እተነግሮ ፈጺሙ እዩ ናብኡ ‘ዚምለስ።’

የሆዋ: ምድሪ ንደቅሰብ ክትከውን ኢሉ ብምፍጣሩ ብርግጽ ‘ደልይዎ’ ወይ ባህ ኢልዎ እዩ። ኣብ መወዳእታ እታ ሻድሸይቲ ናይ ፍጥረት መዓልቲ: ኵሉ ነገር “ብዙሕ ጽቡቕ” ከም ዝዀነ ተዛረበ። (ዘፍጥረት 1:31) ንምድሪ ናብ ዘለኣለማዊት ገነት ምቕያራ: ሓደ ኽፋል እቲ ገና ዘይተፈጸመ ዕላማ ኣምላኽ እዩ። መብጽዓ ኣምላኽ ግን ‘ብኸንቱ ናብኡ ኣይኪምለስን እዩ።’ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ሰባት ንዘለኣለም ብሰላምን ደሓንን ዚነብሩሉ ፍጹም ህይወት ዚገልጽ መብጽዓ ኺፍጸም እዩ።—መዝሙር 135:6፣ ኢሳይያስ 46:10

ዕላማ ኣምላኽ ብዘይ ፍሽለት ይፍጸም

እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ኣዳምን ሄዋንን ብምሕጣኦም ንግዜኡ ነቲ ንምድሪ ገነት ናይ ምግባር ናይ መጀመርታ ዕላማ ኣምላኽ ኣመንገውዎ። ብዘይምእዛዞም ድማ ካብታ ገነት ተሰጉ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ፍጹማት ሰባት ከም ዚህልዉ ናይ ምግባር ዕላማ ኣምላኽ ንኺካፈሉ ዜኽእሎም ዝነበረ ፍሉይ ኣጋጣሚ ሰኣኑ። ኣምላኽ ግን ዕላማኡ ንምፍጻም ስርዓት ሰርዐ። ብኸመይ፧—ዘፍጥረት 3:17-19, 23

እቲ ኣብ ኤድን ዝነበረ ዅነታት ምስ ሓደ ኣብ ጽቡቕ ቦታ: ገዛ ኺሃንጽ ዝጀመረ ሰብ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ነቲ መሰረት ምስ ሰረተ ኻልእ ሰብ መጺኡ የፍርሶ። ነቲ ፕሮጀክት ደው ኣብ ክንዲ ዜብሎ ግን ንምፍጻሙ ዜኽእሎ ስጕምትታት ይወስድ። እዚ ተወሳኺ ስራሕ እዚ ዝያዳ ወጻኢ ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ: እቲ ፈለማ ዝነበረ ፕሮጀክት ግን ምውዳኡ ዘይተርፎ እዩ።

ብተመሳሳሊ ድማ ኣምላኽ ዕላማኡ ንምፍጻም ሓደ ስርዓት ሰርዐ። እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ምስ ሓጥኡ ነዊሕ ከይጸንሐ: ሓደ “ዘርኢ” ነቲ ዝወረደ ጕድኣት ከም ዜወግዶ ኣፍለጠ። እዚ ትንቢት ኣብ ዚፍጸመሉ እዋን: ቀንዲ ኽፋል እቲ ዘርኢ: እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ምዃኑ ተፈልጠ፣ ንሱ ናብ ምድሪ መጺኡ ንደቅሰብ ንምብጃው ኢሉ ህይወቱ ሰውአ። (ገላትያ 3:16፣ ማቴዎስ 20:28) የሱስ ተንሲኡ ናብ ሰማይ ምስ ከደ: ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰነ። እቲ ምስቶም ኣብታ መንግስቱ ምስኡ ንኺገዝኡ ናብ ሰማይ ዚትንስኡ እተመርጹ እሙናት ሰባት ኰይኑ ብቐዳምነት ንምድሪ ዚወርሳ ንሱ እዩ። (መዝሙር 2:6-9) ድሕሪ ግዜ: መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ናይ መጀመርታ ዕላማ ኣምላኽ ንምፍጻምን ንምድሪ ናብ ገነት ንምቕያርን ክትገዝእ እያ። ታእላው ዘይብሎም ሚልዮናት ትሑታት ሰባት ካብ ግዝኣት እዛ ብየሱስን በቶም መጋዝእቱን እትምራሕ መንግስቲ ጥቕሚ ስለ ዚረኽቡ: “ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም።”—ዘፍጥረት 3:15፣ ዳንኤል 2:44፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:32, 33፣ ራእይ 20:5, 6

“ከምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ”

ኣብቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ: እዚ ምድሓን እዚ ኽልተ መዳይ ዘለዎ: ማለት ሰማያውን ምድራውን ምዃኑ ተጠቒሱ ኣሎ። ካብቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እተመርጹ ነገስታት ኣብ ሰማይ ኣብ ዚርከብ ዝፋን ተቐሚጦም ረኣየ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዞም ተሓባበርቲ የሱስ ብግልጺ “ኣብ ምድሪ . . . ኪነግሱ” ምዃኖም ይገልጽ። (ራእይ 5:9, 10) ዕላማ ኣምላኽ ብድርብ መዳይ ከም ዚፍጸም ኣስተብህል: እዚ ድማ ምድሪ በታ ብየሱስን በቶም መዋርስቱን ዝቘመት ሰማያዊት መንግስቲ ኽትሕደስ ምዃና እዩ። ኵሉ እዚ ኣምላኽ ዝሰርዖ ስርዓታት እዚ ምስቲ ናይ መጀመርታ ዕላማ ኣምላኽ ብምስምማዕ: ኣብ ምድሪ ገነት ኬምጽእ እዩ።

የሱስ ኣብታ ኣብነት እትኸውን ጸሎት: ንደቀ መዛሙርቱ ፍቓድ ኣምላኽ “ከምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ” ኪኸውን ንኺጽልዩ ነገሮም። (ማቴዎስ 6:9, 10) ምድሪ ኽትጠፍእ ወይ ከኣ ንሰማይ እተመልክት ተምሳል እንተ ዀይና: እዘን ቃላት እዚኣተን ትርጕም ምሃለወንዶ፧ እቶም ጻድቃን ናብ ሰማይ እንተ ዚኸዱኸ ትርጕም ምሃለወንዶ፧ ኣብቲ ኻብ ጸብጻብ ፍጥረት ጀሚርካ ኽሳዕ ራእይ ዘሎ ቕዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሱ ዚርከብ: ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ብመሰረት ዕላማ ኣምላኽ እዛ ምድሪ ገነት ክትከውን እያ። እቲ ኣምላኽ ከም ዚፍጽሞ እተመባጽዖ ፍቓድ እዚ እዩ። እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ እሙናት ሰባት ድማ እዚ ፍቓድ እዚ ንኺፍጸም ይጽልዩ እዮም።

እቲ ፈጣሪ ኸምኡውን ‘ዘይልወጥ’ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ዓሊምዎ ዝነበረ ዕላማ ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህሉ እዩ። (ሚልክያስ 3:6፣ ዮሃንስ 17:3፣ ያእቆብ 1:17) እዛ መጽሔት እዚኣ ንልዕሊ ሓደ ዘመን ነቲ እዚ ዕላማ እዚ ዚፍጸመሉ ኽልተ መዳያት ክትገልጽ ጸኒሓ እያ። እዚ ድማ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ብዛዕባ ምሕዳስ ምድሪ ዚገልጽ መብጽዓ ንኽንርድኦ ኣኽኢሉና እዩ። ንስኻውን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዝርራብ ይኹን ምስ ሓተምቲ እዛ መጽሔት ብምጽሕሓፍ ነዚ ጕዳይ እዚ ብዝያዳ ንኽትምርምሮ ንዕድመካ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሓያሎ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ኢረትስ እትብል ቃል “ምድሪ” ዘይኰነስ “መሬት” ወይ “ሃገር” ኢሎም ስለ ዝተርጐምዋ: እታ ኣብ መዝሙር 37:11, 29 ዘላ ኢረትስ እትብል ቃል እውን ነቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበ መሬት ወይ ሃገር ጥራይ እያ እተመልክት ኢልና ኽንድምድም ኣይንኽእልን ኢና። ብመሰረት እታ ብዊልያም ዊልሰን እተዳለወት ኦልድ ተስታመንት ዎርድ ስታዲስ ዘርእስታ መጽሓፍ: እታ ኢረትስ እትብል ቃል: “ንምልእቲ ምድሪ: ማለት እቲ ሰብ ዚነብረሉን ዘይነብረሉን ቦታ እተመልክት እያ፣ ብድሩት መገዲ ኽትርአ ኸላ ግን እተወሰነ መሬት ወይ ሃገር እያ እተመልክት።” ስለዚ: ቀንዲ ትርጕም እዛ ቓል እዚኣ ነዛ ፕላነትና: ዓለምና: ከምኡውን ነዛ ምድርና ዜመልክት እዩ።—ናይ 1 ጥሪ 1986 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 31 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ኣብ ምድሪ እትህሉ ገነት ብንጹር ይገልጽ እዩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ምድሪ ኽትጠፍእ እንተ ዀይና: እታ የሱስ ዝሃበና ኣብነት እትዀነና ጸሎት ትርጕም ምሃለዋዶ፧