ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓቃላት ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም

ዓቃላት ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም

ዓቃላት ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም

“ተፈጥሮ ኺልወጥን ኪሳነን እዩ ኢለ እየ ዝሓስብ። . . . እዚ ግን ጽባሕ ንግሆ ዘይኰነስ: ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ እዋን: ማለት ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ኣብ ዚህልወሉ ግዜ እዩ።” —ዣን-ማሪ ፐልት: ፈረንሳዊ ናይ ኣከባቢ ምሁር

ብዙሓት ሰባት በቲ ኣብ ምድሪ ዚርአ ዘሎ ኣከባብያውን ማሕበራውን ኵነታት ስለ ዚጭነቑ: እዛ ፕላነትና ናብ ገነት ተቐይራ ኺርእዩ እዮም ዚደልዩ። እዚ ትምኒት እዚ ግን ኣብዚ መበል 21 ዘመን ዝጀመረ ሕልሚ ጥራይ ኣይኰነን። ነዊሕ ይገብር: መጽሓፍ ቅዱስ እዛ ምድሪ መሊሳ ገነት ከም እትኸውን መብጽዓ ኣትዩ ነበረ። እተን የሱስ “ዓቃላት: ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም” ከምኡውን “ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ብምባል እተዛረበን ቃላት: ካብ መንጎ እተን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከባ ኣጸቢቐን ዚፍለጣ ጥቕስታት እየን። (ማቴዎስ 5:5፣ 6:10) ሎሚ ግን ብዙሓት ሰባት ነቲ ዓቃላት ንምድራዊት ገነት ከም ዚወርስዋ ዚገልጽ እምነት ኣይቅበልዎን እዮም። ነቶም ክርስትያናት ኢና ዚብሉ እውን እንተ ዀነ: ገነት ጠፊኣቶም እያ።

ኣብ ፈረንሳ እትሕተም ላ ቪ ዘርእስታ መጽሔት ብዛዕባ እታ ናይ ምድሪ ወይ ናይ ሰማይ ገነት ዚገልጽ እምነት: እንተ ወሓደ ኻብ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ዝጠፍኣሉ ምኽንያት ክትገልጽ ከላ ኸምዚ በለት:- “እቲ ኻህናት ካቶሊክ ዚምህርዎ ትምህርቲ ን19 ዘመን ዓብላሊ ዀይኑ ድሕሪ ምጽናሕ: እቲ ብዛዕባ ገነት ዚገልጽ [ሓሳብ] ካብ መንፈሳዊ ብሕቱው እዋናት: ካብ ናይ ሰንበት ስብከት: ካብ ናይ ስነ-ሃይማኖት ኮርሳት: ከምኡውን ካብ ትምህርትታት ሃይማኖት ጠፍአ።” እታ ገነት እትብል ቃል ንባዕላ ኣብ ናይ “ምስጢርን ምድንጋርን” “ጽዑቕ ግመ” ተሸሚማ እያ ዘላ። ገሊኦም ሰበኽቲ: እዛ ቓል “ብዛዕባ ምድራዊ ሓጐስ ኣዝዩ ሰፊሕ ሓሳብ እተመሓላልፍ” ብምዃና ደይመደይ ኢሎም ጐስዮምዋ ይሓልፉ።

ነቲ ፍረደሪክ ለንዋር ዝስሙ ማሕበረሰባዊ መጽናዕቲ ዚገብርን ብሃይማኖት ዝመጸ ኽኢላን: እቲ ንገነት ዚምልከት ሓሳብ ብሃውሪ ዚደጋገም ኰኖ። እቲ ናይ ታሪኽ ምሁርን ንገነት ኣመልኪቱ ብዙሕ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈን ዣን ደሉሞ እውን ብተመሳሳሊ: መብጽዓ መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻሜኡ ዚረክብ ብቐዳምነት ብምሳልያዊ መገዲ እዩ ኢሉ ይሓስብ እዩ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “ነታ ‘ብዛዕባ ገነት እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧’ እትብል ሕቶ: እምነት ክርስትያናት: ሳላ ትንሳኤ እቲ መድሓኒ ሓደ መዓልቲ ብሓደ ኽንጽንበርን ኣዒንትና ሓጐስ ኪርእያን እየን ዚብል መልሲ እዩ ዚህብ ዘሎ።”

እቲ ብዛዕባ ምድራዊት ገነት ዚገልጽ መልእኽቲ ሕጂውን ኣገዳስነት ኣለዎ ድዩ፧ እዛ ፕላነትና ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ርጉጽ ተስፋ ኣለዋ፧ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎና ኣረኣእያ ጽልግልግ ዝበለ ድዩ፧ ወይስ ንጹር ኪኸውን ይኽእል እዩ፧ እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትምልሶ እያ።