ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ጥቕሲ ምስ ጥቕሲ ነነጻጽር”

“ጥቕሲ ምስ ጥቕሲ ነነጻጽር”

“ጥቕሲ ምስ ጥቕሲ ነነጻጽር”

ደ ሰብኣይ ኣብቲ ናብ ከተማ ኒው ዮርክ ዚወስድ መገዲ ባቡር ፓምፍለት ረኸበ። እታ ፓምፍለት ‘ነፍሲ ሰብ መዋቲት እያ’ ትብል ነበረት። እዚ ኣገልጋሊ ቤተ-ክርስትያን ስምዒቱ ስለ እተለዓዓለ: ኬንብባ ጀመረ። ነቲ ነፍሲ ኸም ዘይትመውት ዚገልጽ ትምህርቲ ቕድሚኡ ፈጺሙ ተጠራጢርዎ ስለ ዘይፈልጥ: በዚ ተገረመ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ነታ ፓምፍለት መን ከም ዝጸሓፋ ኺፈልጥ ኣይከኣለን። ኰይኑ ግን: እቲ መጎተ ዚእመንን ቅዱስ ጽሑፋውን: እቲ ጽሑፍ ከኣ ዕቱብ መጽናዕቲ ኺግበረሉ ዚግባእ ኰይኑ ረኸቦ።

እቲ ኣገልጋሊ ጆርጅ ስቶርዝ እዩ ነይሩ። እዚ ዝዀነ ኸኣ ብ1837: ማለት በታ ቻርለስ ዳርዊን ኣብ ደብተሩ ንመጀመርታ ግዜ ኽልሰ-ሓሳብ ፍልቀት ዘስፈረላ ዓመት እያ ነይራ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዓለም ብሃይማኖተኛታት ዝመልአት እያ ነይራ: መብዛሕትኦም ሰባት ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይኣምኑ ነበሩ። ብዙሓት ንመጽሓፍ ቅዱስ የንብቡ: ከም ወሳኒ ገይሮም ከኣ ይርእይዎ ነበሩ።

ስቶርዝ ጸኒሑ እታ ፓምፍለት ብሓደ ኣብ ፊላደልፍያ: ፐንሲልቫንያ ዚነብር ሄንሪ ግሩው ዚበሃል ሰብ ከም እተጻሕፈት ፈለጠ። ግሩው ‘ቅዱሳት ጽሑፋት ናይ ባዕሉ ብሉጽ ተርጓሚ እዩ’ ዚብል ስርዓት ጠቢቑ ይስዕብ ነበረ። ንሱን ተሓባበርቱን ንህይወቶም ኰነ ንንጥፈታቶም ምስ ምኽሪ ቕዱሳት ጽሑፋት ንኼሰማምዑ ኢሎም ንመጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ ነበሩ። እቲ መጽናዕትታቶም ከኣ ገለ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ብሉጽ ሓቅታት ገለጸሎም።

ስቶርዝ በቲ ግሩው ዝጸሓፎ ተነቓቒሑ: ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ነፍሲ እንታይ ከም ዚብል ተጠንቂቑ መርመሮ: ነቲ ጕዳይ እቲ ኸኣ ምስ ገሊኦም ብጾቱ ዝዀኑ ኣገልገልቲ ተመያየጠሉ። ንሓሙሽተ ዓመት ዕቱብ መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባር: ነቲ ሓድሽ ዝረኸቦ ኽቡር ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ንሰባት ኬፍልጥ ወሰነ። ፈለማ: ብ1842 ኣብ ሓንቲ ሰንበት ዜቕርቦ ስብከት ኣዳለወ። ይኹን እምበር: ነቲ ጕዳይ ብዚግባእ ንኺዓሞ እተወሰነ ተወሳኺ ስብከታት ኬዳሉ ኸም ዘለዎ ተሰምዖ። ኣብ መወዳእታ: እቲ ነፍሲ ሰብ መዋቲት ምዃና ዚገልጽ ንሱ ዘዳለዎ ስብከታት ብድምር ሽዱሽተ በጽሐ: እዚ ኸኣ ኣብታ ሲክስ ሰርሞንስ (ሽዱሽተ ስብከታት) ዘርእስታ ጽሕፍቲ ተሓትመ። ስቶርዝ ነቲ ንኣምላኽ ብዘየኽብር ሰረተ-እምነታት ህዝበ-ክርስትያን ተቐቢሩ ዘሎ ብሉጽ ሓቂ ንምቕላዕ: ጥቕሲ ምስ ጥቕሲ የነጻጽር ነበረ።

መጽሓፍ ቅዱስ ነፍሲ ኸም ዘይትመውት ይምህር ድዩ፧

ቅቡኣት ሰዓብቲ የሱስ ከም ዓስቢ ተኣማንነቶም ዘይሞቱ ኸም ዚዀኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:50-56) ስቶርዝ ዓስቢ እቶም እሙናት ዘይሙማት እንተ ዀይኑ: ነፍሲ እኩያት ዘይትመውት ኣይኰነትን ማለት እዩ ዚብል መረዳእታ ኣቕረበ። ብግምት ኣብ ክንዲ ዚመላለስ: ቅዱሳት ጽሑፋት ተወከሰ። ነታ “ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ” እትብል ማቴዎስ 10:28 ሓሰበላ። ስለዚ: ነፍሲ ኽትጠፍእ ትኽእል እያ። ነታ “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ” እትብል ህዝቅኤል 18:4 እውን ተወከሳ። ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግምት ምስ ኣእተወ: እቲ ብሉጽ ሓቂ ነጸረሉ። ስቶርዝ “እቲ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ዘሎኒ ኣረኣእያ ቅኑዕ እንተ ዀይኑ: እቲ ብልሙድ ክልሰ-ሓሳብ ተሓቢኡ ዝነበረ ሓያሎ ኽፍልታት ቅዱሳት ጽሑፋት: ንጹርን ባህ ዜብልን ምሉእ ትርጕም ኰነ ሓይሊ ዘለዎን ይኸውን እዩ” በለ።

ብዛዕባ ኸም ይሁዳ 7 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ግን እንታይ እዩ ዝበሃሎ፧ እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትንበብ:- “ሶዶምን ጎሞራን እተን ኣብ ከባቢኤን ዝነበራ ኸተማታትን: ከማታቶም ብመገዶም ዝመንዘራ ደድሕሪ ስጋ ጓናውን ዝሰዐባ: በቲ ዝወረደን ቅጽዓት ናይ ዘለኣለም ሓዊ ንመሰክሒ ዀይነን አለዋ።” ገሊኦም ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኼንብብዋ ኸለዉ: ነፍሳት እቶም ኣብ ሶዶምን ጎሞራን ዝሞቱ ሰባት: ብሓዊ ንዘለኣለም ይሳቐያ ኸም ዘለዋ ኺድምድሙ ይኽእሉ እዮም። ስቶርዝ: “ጥቕሲ ምስ ጥቕሲ ነነጻጽር” ኢሉ ጸሓፈ። ድሕሪኡ ነታ ኸምዚ ዚስዕብ እትንበብ 2 ጴጥሮስ 2:5, 6 ጠቐሰ:- “ነታ ቐዳመይቲ ዓለም ድማ ካብ ዘይነሐፋስ: ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ ኸኣ: ንኖህ . . . ሐለዎ። ነቶም ደሓር ዝመጹ በደለኛታት መሰክሒ ገይርወን: ንኸተማታት ሶዶምን ጎመራን ሓመዅስቲ ገይርወን ንምግምጣል ፈረደን።” እወ: ሶዶምን ጎሞራን ናብ ሓመዅስቲ ተቐይረን እየን: ምስ ተቐማጦአን እውን ንዘለኣለም ጠፊአን እየን።

ስቶርዝ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “[መልእኽቲ] ጴጥሮስ ን[መልእኽቲ] ይሁዳ ተብርሃ። ክልቲአን ብሓባር: ኣምላኽ እተሰምዖ ጓሂ ኣብ ሓጥኣን ብኸመይ ከም እተገልጸ እየን ብኣዝዩ ንጹር መገዲ ዜርእያ። . . . እቲ ኣብታ ጥንታዊ ዓለምን ኣብ ሶዶምን ጎሞራን ዝወረደ ፍርድታት: ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ንዅሎም ሰባት ቀዋምን ነባርን ወይ ‘ዘለኣለማዊ’ ማዕዳ: መጠንቀቕታ: ወይ ‘መሰክሒ’ እዩ።” ስለዚ: ይሁዳ ነቲ ንሶዶምን ጎሞራን ዘጥፍአ ሓዊ ዘምጽኦ ሳዕቤን ዘለኣለማዊ ገይሩ ገለጾ። እዚ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ነፍሲ ሰብ መዋቲት ምዃና ኣይቅይሮን እዩ።

ስቶርዝ ነቲ ኣረኣእያኡ ዚድግፍ ጥቕስታት መመሪጹ ዚጥቀምን ንዝተረፈ ዕሽሽ ዚብሎን ኣይኰነን ነይሩ። ነቲ ኣብ ከባቢ ነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት: ከምኡውን ንሓፈሻዊ ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግምት የእቱ ነበረ። ሓንቲ ጥቕሲ ምስ ካልእ ጥቕሲ እትጋጮ እንተ መሲላ: ስነ-መጐታዊ መግለጺ ንምርካብ ኣብ ዝተረፈ ኽፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ የናዲ ነበረ።

ራስል ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝገበሮ መጽናዕትታት

ካብቶም ምስ ጆርጅ ስቶርዝ ዚሓብሩ ዝነበሩ ሰባት: ሓደ ኣብ ፒትስበርግ: ፐንሲልቫንያ ጕጅለ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚውድብ ዝነበረ መንእሰይ ነይሩ። ስሙ ቻርለስ ቴዝ ራስል ይበሃል። ሓንቲ ኻብተን ቅዱስ ጽሑፋዊ ፍረ ነገር ሒዛ እተሓትመት ዓንቀጽ: ብ1876 ኣብታ ባይብል ኤክዛማይነር ዘርእስታ ብስቶርዝ እተሰናደወት መጽሔት ተሓትመት። ራስል: ቀዳሞት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንዕኡ ኸም ዝጸለውዎ ኣፍልጦ ሂቡ እዩ። ጸኒሑ: ኣሰናዳዊ እታ ዛዮንስ ዎች ታወር (ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ) ምስ ኰነ: ስቶርዝ ብቓል ኰነ ብጽሑፍ ብዙሕ ሓገዝ ኪህቦ ይደሊ ነበረ።

ቻርለስ ቴዝ ራስል ወዲ 18 ዓመት ከሎ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚወሃበሉ ኽፍሊ ወደበ: መጽሓፍ ቅዱስ ዚጽናዓሉ ኣገባብ ድማ ኣዳለወ። ምስ ራስል ዚሓብር ዝነበረ ኣሌክሳንደር ህዩ ማክሚላን ዚበሃል ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ: ነዚ ሜላ እዚ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ:- “ሓደ ሰብ ሕቶ ይሓትት። ኵላቶም ነዚ ይመያየጡሉ። ምስቲ ነጥቢ ዚዛመድ ኵሉ ጥቕስታት ይውከሱ: ድሕሪኡ እቲ ጥቕስታት ከም ዚሳነ ምስ ተሰማምዑሉ: ኣብ መወዳእታ ነቲ መደምደምታኦም ይገልጽዎን ኣብ መዝገብ የስፍርዎን።”

ራስል ንብምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግምት ከተእቱ ኸለኻ: እቲ መጽሓፍ ምስ ገዛእ ርእሱን ምስ ባህርይ እቲ ደራሲኡ ዝዀነ ኣምላኽን ዚሳነ መልእኽቲ ኸም ዚገልጽ ይኣምን ነበረ። ዝዀነ ይኹን ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳኡ ዜጸግም ኣብ ዚመስለሉ እዋን: ብኻልእ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ኪንጽርን ኪግለጽን ከም ዘለዎ ዀይኑ ተሰምዖ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ልምዲ

ይኹን እምበር: ራስል ኰነ ስቶርዝ ኰነ ግሩው ንቕዱሳት ጽሑፋት ናይ ባዕሉ ተርጓሚ ኪኸውን ዝፈቐዱሉ ናይ መጀመርታ ሰባት ኣይነበሩን። እዚ ልምዲ እዚ ኻብቲ መስራቲ ክርስትና ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ ኣትሒዙ ዝነበረ እዩ። ናይ ሓቂ ትርጕም ሓደ ጥቕሲ ንምንጻር እተፈላለየ ጥቕስታት ይጥቀም ነበረ። ንኣብነት: ፈሪሳውያን ንደቀ መዛሙርቱ ብሰንበት ሰዊት ብምቕንጣቦም ምስ ነቐፍዎም: የሱስ በቲ ኣብ 1 ሳሙኤል 21:6 ዚርከብ ጸብጻብ ገይሩ ሕጊ ሰንበት ብኸመይ ኪዕየየሉ ኸም ዚግብኦ ኣብርሀ። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ዳዊትን ሰቡን እንጌራ ምርኣይ ከም ዝበልዑ ዚገልጽ ጸብጻብ ይፈልጥዎ ነበሩ። ድሕሪኡ: የሱስ ነቲ ደቂ ኣሮን ጥራይ ዝዀኑ ኻህናት ካብቲ እንጌራ ምርኣይ ኪበልዑ ኸም ዚኽእሉ ዚገልጽ ክፍሊ እቲ ሕጊ ሙሴ ኣመልከተ። (ዘጸኣት 29:32, 33፣ ዘሌዋውያን 24:9) ኰይኑ ግን: ዳዊት ነቲ እንጌራ ንኺበልዕ ተፈቕደሉ። የሱስ ነቲ ዜእምን መጎተኡ ኻብ መጽሓፍ ሆሴእ ብምጥቃስ ከምዚ ኢሉ ዛዘሞ:- “ምሕረት እፈቱ: መስዋእቲ ኣይኰነን: እንታይ ምዃኑ እንተ ትፈልጡስ: ኣብዞም በደል ዜብሎም ኣይምፈረድኩምን ኔርኩም።” (ማቴዎስ 12:1-8) ኣብ ቅኑዕ ምርዳእ ንምብጻሕ ሓደ ጥቕሲ ምስ ካልእ ጥቕስታት ብምንጽጻር ዝመጸስ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ኣብነት ኰን እዩ ሓዲጉልና!

ሰዓብቲ የሱስ ንሓደ ጥቕሲ ንምርዳእ ካልእ ጥቕስታት ናይ ምጥቃም ኣብነት ሰዓቡ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ሰባት ኪምህር ከሎ: “ሰለስተ ሰንበት ብጽሑፋት ምሳታቶም ተዛራረበ፤ ንክርስቶስ ኪስቀን ካብ ምዉታት ኪትንስእን ከም ዚግብኦ: . . . እናተርጐመ [“ብጥቕሲ መርትዖ እናኣቕረበ: NW] ይገልጸሎም ነበረ።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:2, 3) ኣብተን ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፋ መልእኽትታቱ እውን: ንመጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ንባዕሉ ኺትርጕም ሓዲግዎ እዩ። ንኣብነት: ንእብራውያን ኪጽሕፈሎም ከሎ: እቲ ሕጊ ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ከም ዝዀነ መርትዖ ንምቕራብ ኣከታቲሉ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጠቐሰ።—እብራውያን 10:1-18

እወ: ኣብ መበል 19ን መጀመርታ መበል 20ን ዘመን ዝነበሩ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ክርስትያናዊ ኣገባብ ጥራይ እዮም ከም ብሓድሽ ኪስዕቡ ጀሚሮም። ጥቕሲ ምስ ካልእ ጥቕስታት ናይ ምንጽጻር ልምዲ: ኣብ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ቐጺሉ እዩ። (2 ተሰሎንቄ 2:15) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓንቲ ጥቕሲ ኺምርምሩ ኸለዉ ነዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ እዮም ዚስዕቡ።

እቲ ኣብ ከባቢ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ባዕሉ ይዛረብ

መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና: ነቲ ሰናይ ኣብነታት የሱስን እሙናት ሰዓብቱን ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧ ፈለማ: ነቲ ኣብ ከባቢ እታ ሕቶ ዘበገሰት ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ንመርምር። እቲ ሓሳባት ነታ ጥቕሲ ንኽንርድኣ ብኸመይ ይሕግዘና፧ ንኣብነት: ነቲ ኣብ ማቴዎስ 26:18 ተመዝጊቡ ዚርከብ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ቃላት የሱስ ንውሰድ:- “ካብ እዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ: ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኺመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዚርእይዎ: ንሞት ከቶ ዘይጥዕምዋ ኸም ዘለዉ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” ኵሎም እቶም የሱስ ነዚ ቓላት እዚ ኺዛረብ ከሎ ኣብኡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ: መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ቅድሚ ምቛማ ስለ ዝሞቱ: ገሊኦም ሰባት እዘን ቃላት እዚኣተን ዘይተፈጸማ ዀይነን ይስምዖም ይኸውን። አረ እቲ ኢንተርፕረተርስ ባይብል እሞ ኸኣ ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ: “እዚ ትንቢት እዚ ኣይተፈጸመን: ስለዚ ጸኒሖም ክርስትያናት ነዚ ውስጠዘኣዊ ኸም ዝዀነ ገይሮም ኪገልጽዎ ኣድላዪ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም” ይብል እዩ።

ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ከባቢ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘሎ ሓሳባት: ከምኡውን እቲ ኣብ ማርቆስን ሉቃስን ዘሎ ነዚ ዚምልከት ጸብጻብ: ናይ ሓቂ ትርጕም እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ማቴዎስ ደድሕሪ እዛ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ጥቕሲ እንታይ እዩ ዘዘንተወ፧ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ድሕሪ ሹድሽተ መዓልቲ ድማ የሱስ ንጴጥሮስ ንያእቆብን ንዮሃንስ ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ።” (ማቴዎስ 17:1, 2) ማርቆስን ሉቃስን እውን ነቲ የሱስ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ነገር ምስቲ ብዛዕባ ትርኢቱ ምልዋጥ ዚገልጽ ጸብጻብ ኣተሓሒዞምዎ ኣለዉ። (ማርቆስ 9:1-8፣ ሉቃስ 9:27-36) የሱስ ብሓይሊ መንግስቱ ዚመጸሉ ዅነታት ኣብቲ ተኣምራዊ ምልዋጥ: ማለት ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ሰለስተ ሃዋርያት ክብሩ እተራእየሉ እዋን ተጋህደ። ጴጥሮስ ብዛዕባ “ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሓይልን ምጽኣትን” ኪዛረብ ከሎ: ምስቲ ብዓይኑ ዝመስከሮ ተኣምራዊ ምልዋጥ የሱስ ብምትሕሓዝ: እዚ ምርዳእና እዚ ቕኑዕ ምዃኑ ኣረጋገጸ።—2 ጴጥሮስ 1:16-18

መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ባዕሉ ተርጓሚ ኪኸውን ትሓድጎ ዲኻ፧

ነቲ ኣብ ከባቢ ጥቕሲ ዚርከብ ሓሳባት ድሕሪ ምምርማርካ: እታ ጥቕሲ እንተ ዘይተረድኣትካኸ፧ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣእምሮኻ ሒዝካ ምስ ካልኦት ጥቕስታት ብምንጽጻር ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር ዚሕግዘና ሓደ ብሉጽ መሳርሒ: ኣብቲ ሎሚ ብ57 ቋንቋታት ተዳልዩ ዘሎ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኪርከብ ይከኣል እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ እዚ ሕታማት እዚ ኣብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገጽ ዚርከብ ማእከላይ ዓምዲ ዝርዝር ሕድጋታዊ መወከሲታት ወይ መነጻጸሪ ኣሎ። ኣብቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም—ምስ መወከሲኡ ልዕሊ 125,000 ዝርዝር መወከሲታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ “መእተዊ” እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ነቲ ሕድጋታዊ መወከሲታት ብጥንቃቐ ምንጽጻርን ነቲ ኣብኡ ዚርከብ እግረ-ጽሑፋት ምምርማርን: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ 66 መጻሕፍቲ ዘሎ እተቘራነየ ስኒት ይገልጽ: እዚ ድማ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ሓደ መጽሓፍ ምዃኑ የረጋግጽ።”

እቲ መነጻጸሪ ንሓንቲ ጥቕሲ ንኽንርድኣ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና እስከ ንርአ። ንኣብነት: ታሪኽ ኣብራም ወይ ኣብርሃም ንውሰድ። ‘ኣብራምን ስድራቤቱን ካብ ኡር ኪወጹ ኸለዉ መሪሕ ግደ ዝነበሮ መን እዩ፧’ ንእትብል ሕቶ እስከ ንመርምራ። ዘፍጥረት 11:31 ከምዚ ትንበብ:- “ታራ ድማ ንኣብራም ወዱን: ንሎጥ ወዲ ሃራን ወዲ ወዱን: ንሳራይ ከኣ ሰበይቲ ወዱ . . . ወሰደ: ካብ ኡር ናይ ከለዳውያን ናብ ምድሪ ከነኣን ኪኸዱ ብሓደ ወጹ። ናብ ካራን ድማ መጹ: ኣብኣ ኸኣ ተቐመጡ።” ሓደ ሰብ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ምስ ኣንበበ: ታራ ኣቦ ኣብርሃም መሪሕ ግደ ኸም ዝነበሮ ይድምድም ይኸውን። ይኹን እምበር: ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ነዛ ጥቕሲ እዚኣ 11 መነጻጸሪታት ተዋሂቡዋ ኣሎ። እታ ናይ መወዳእታ ናብ ግብሪ ሃዋርያት 7:2 ተመልክት። ኣብኡ ኸኣ እስጢፋኖስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ: “ነቦና ኣብርሃም: ገና ኣብ ካራን ከይተቐመጠ ኣብ መሰጶታምያ ኸሎ: ኣምላኽ ክብሪ ተራእዮ እሞ፤ ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውጻእ: ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ንዓ: በሎ” ኢሉ ኸም እተዛረቦም ነንብብ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:2, 3) እስጢፋኖስ ነዚ ነገር እዚ ምስቲ ኣብራም ካብ ካራን ዝለቐቐሉ እዋን ድዩ ዚሓዋውሶ ዘሎ፧ እዚውን ክፍሊ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: ከምኡ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።—ዘፍጥረት 12:1-3

ስለምንታይ ደኣ እያ እሞ ዘፍጥረት 11:31 ‘ታራ ንኣብራም ወዱን’ ንኻልኦት ኣባላት ስድራቤቱን ወሲዱ ኻብ ኡር ከም ዝወጸ እትገልጽ፧ ታራ ርእሲ እተን ስድራቤታት እዩ ነይሩ። ምስ ኣብራም ኪኸይድ ስለ እተሰማምዐ: ንስድራቤቱ ናብ ካራን ከም ዘግዓዘ ጌርካ ተገልጸ። ነዘን ክልተ ጥቕስታት ብምንጽጻርን ብምስምማዕን: ብልክዕ እንታይ ከም እተፈጸመ ብኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ኣብራም ምስ ትእዛዝ ኣምላኽ ብምስምማዕ ንኣቦኡ ኻብ ኡር ኪወጹ ብኣኽብሮት ኣእመኖ።

ቅዱሳት ጽሑፋት ከነንብብ ከለና: ነቲ ኣብ ከባቢ ጥቕስታት ዘሎ ሓሳባትን ንሓፈሻዊ ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና። ክርስትያናት ከምዚ ዚብል ማዕዳ ተዋሂብዎም ኣሎ:- “ንሕና ግና: እቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ: ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር: መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን። ንሕና ኸኣ መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳዊ እናኣሰማማዕና: መንፈስ ቅዱስ ብዚምህረሉ ቓል እምበር: ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓል ኣይኰንናን እንዛረብ ዘሎና።” (1 ቈረንቶስ 2:11-13) እወ: የሆዋ ቓሉ ንኽንርድኦ ምእንቲ ኺሕግዘና ኽንልምኖ ኸምኡውን ነቲ ኣብ ከባቢ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ብምምርማርን ምስኡ ዚዛመድ ጥቕስታት ብምውካስን ‘መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳዊ ኸነሰማምዕ’ ኽንጽዕር ኣሎና። እምበኣር: ብመጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ኣቢልና: ብሕጂውን ክቡር ሓቂ ንርከብ።

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መበል 19 ዘመን ጥቕሲ ንጥቕሲ ኸም ዚገልጾ ዝገበሩ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ:- ጆርጅ ስቶርዝ: ሄንሪ ግሩው: ቻርለስ ቴዝ ራስል: ኣሌክሳንደር ህዩ ማክሚላን

[ምንጪ ስእሊ]

Top: SIX SERMONS, by George Storrs (1855); second from top: Collection of The New-York Historical Society/69288

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምጥቃስ መርትዖ ኣቕረበ