ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሃይማኖት እንታይ ይጠቅም፧

ሃይማኖት እንታይ ይጠቅም፧

ሃይማኖት እንታይ ይጠቅም፧

“ብዘይ ሃይማኖት ሕያዋይ ክኸውን እኽእል እየ።” እዚ ሓሳብ እዚ እተለምደ ዀይኑ ኣሎ። ብዙሓት ቅኑዓትን ለዋሃትን ሓላፍነት ዚሰምዖምን ሰባት ሃይማኖት ኣይስሕቦምን እዩ። ንኣብነት: ዋላኳ መብዛሕትኦም ነበርቲ ምዕራባዊ ኣውሮጳ ኣብ ኣምላኽ ከም ዚኣምኑ እንተ ተዛረቡ: ናብ ቤተ-ክርስትያን ዚኸዱ ግን ሒደት እዮም። a ኣብ ላቲን ኣመሪካ እውን እንተ ዀነ: ካብ 15 ኽሳዕ 20 ሚእታዊት ዝዀኑ ካቶሊክ ጥራይ እዮም ናብ ቤተ-ክርስትያን ዚኸዱ።

ከምቲ ንብዙሓት ሰባት ዚስምዖም ንስኻውን ሃይማኖትን ዝሓሸ ህይወትን እንታይ ኣራኺብዎም ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ብዙሕ ዓመታት ይገብር ብግዜ ኣቦሓጎታትካ ዝነበሩ ሓያሎ ሰባት ግን ካብዞም ሕጂ ዘለዉ ብዝያዳ ሃይማኖታውያን ከም ዝነበሩ ትፈልጥ ትኸውን። እሞ ደኣ ሃይማኖት ሰፊሕ ተቐባልነቱ ዝሰኣነ ብኸመይ እዩ፧ ሓደ ሰብ ብዘይ ሃይማኖት ሕያዋይ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧ ኪጠቕመካ ዚኽእል ሃይማኖትከ ኣሎ ድዩ፧

ብዙሓት ንሃይማኖት ዝሓደጉሉ ምኽንያት

ንብዙሕ ዘመናት ሓያሎ ምእመናን ህዝበ-ክርስትያን: ኣምላኽ ተኣዛዝነት ከም ዚጽበ ይኣምኑ ነበሩ። በቲ ሓደ ቐሺ ዚመርሖ ጽንብል ወይ በቲ ሓደ ሰባኺ ዚህቦ መምርሒ ሞገስ ኣምላኽ እንተ ረኸቡ ኢሎም ድማ ናብ ኣብያተ-ክርስትያን ይኸዱ ነበሩ። ብርግጽ: ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ ሃይማኖት ዚርአ ግብዝና ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። ከምቲ ገሊኦም ኣቕሽሽቲ ብብዕሉግ ኣካይዳኦም ፍሉጣት ዝዀኑ: ሃይማኖት እውን ኣብ ውግእ ዓብዪ ተራ ብምጽዋት ፍሉጥ እዩ። ሓያሎ ሰባት ግን ሃይማኖት ብገዛእ ርእሱ ጠቓሚ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ገሊኦም ነቲ ምስጢራት: ነቲ ባህሊ: ከምኡውን ነቲ ሙዚቃ ይፈትውዎ፣ ገሊኦም ከኣ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈጺሙ ዘየለ ኣብ ገሃነም ንዘለኣለም ከም እትሳቐ ዚገልጽ ትምህርቲ ይፈርህዎ። ብድሕርዚ እተራእየ ሓያሎ ምዕባለታት ግን ነቲ ብዙሓት ሰባት ንኣብያተ-ክርስትያን ዝነበሮም ኣረኣእያ ኸም ዚቕይሩ ገበሮም።

ትምህርቲ ፍልቀት ኬስፋሕፍሕ ጀመረ። ገሊኦም ሰባት ህይወት ብኣምላኽ ዘይኰነስ: ብኣጋጣሚ እያ መጺኣ ኢሎም ኪኣምኑ ጀመሩ። መብዛሕትአን ሃይማኖታት ድማ ምንጪ ህይወት: ኣምላኽ ምዃኑ ዜረድእ መርትዖ ኬቕርባ ኣይከኣላን። (መዝሙር 36:9) ብተወሳኺ ኸኣ ተክኖሎጂ እናማዕበለ ምስ ከደ: ብሕክምናን መጐዓዝያን መራኸብን ዜደንቕ ዓወት ተረኽበ፣ ሰባት ድማ ዝዀነ ይኹን ጸገም ብስነ-ፍልጠት ኪፍታሕ ይኽእል እዩ ኢሎም ኪሓስቡ ጀመሩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ሰባት እቶም ብዛዕባ ማሕበራዊ ርክብን ብዛዕባ ስነ-ኣእምሮን ዜጽንዑ ተመራመርቲ: ሃይማኖታት ካብ ዚህባኦ ንላዕሊ ዝሓሸ መምርሒ ኸም ዚህቡ ዀይኑ ተሰምዖም። በዚ ሸነኽ እዚ እውን እንተ ዀነ ኣብያተ-ክርስትያን ብሕግታት ኣምላኽ ምጕዓዝ እቲ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ከም ዝዀነ ኼርእያ ኣይከኣላን።—ያእቆብ 1:25

ስለዚ ድማ ብዙሓት ኣብያተ-ክርስትያን መልእኽተን ቀየራ። ኣቕሽሽትን ሰበኽትን: ኣምላኽ ተኣዛዝነት ከም ዚጽበ ምምሃር ገደፍዎ። ኣብ ክንዳኡስ: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቅኑዕን ጌጋን ባዕሉ ኺውስን ከም ዘለዎ ገይሮም ኪምህሩ ጀመሩ። ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት እውን ተፈተውቲ ንኪዀኑ ኢሎም: ኣነባብራኻ ብዘየገድስ ኣብ ኣምላኽ ተቐባልነት ከም እትረክብ ገይሮም ኪዛረቡ ጀመሩ። ከምዚ ዓይነት ትምህርቲ ነቲ “ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ: ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር: ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ” ዚብል ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ የዘኻኽረና።—2 ጢሞቴዎስ 4:3

ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ንሰባት ኣብ ክንዲ ዚስሕቦም: መሊሶም ከም ዚርሕቁ ገበሮም። ከምዚ ዚስዕብ ኢሎም ንኺሓስቡ ድማ ገበሮም:- ‘ኣብያተ-ክርስትያን በቲ ኣምላኽ ዘለዎ ናይ ምፍጣር ሓይልን ሕግታት ናይ ምውጻእ ጥበብን ዚጠራጠራ እንተ ዀይነን: ናብ ቤተ-ክርስትያን ምኻደይ እንታይ እዩ ጥቕሙ፧ ንደቀይከ ብዛዕባ ሃይማኖት ንምንታይ ዝምህሮም፧’ በዚ ኸምዚ ኸኣ ሓድሓደ እሩም ዝዀነ ህይወት ኪመርሑ ዚደልዩ ሰባት ሃይማኖት ከም ዘየድልዮም ኰይኑ ተሰምዖም። ንኣብያተ-ክርስትያን ሓደግወን ከምኡውን ኣገዳስነት ሃይማኖት እናጠፍአ ኸደ። እዚ ጠቓሚ ኪኸውን ዚግብኦ ዝነበረ ነገር ኣብ መወዳእታ ዘየገድስ ዚዀነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ዜእምን መልሲ ይህብ እዩ።

ሃይማኖት ንእኩይ ተግባራት ይውዕል

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት: ገሊኦም ንክርስትና እኩይ ነገራት ንምግባር ኪጥቀሙሉ ምዃኖም ኣጠንቀቖም። ከምዚ ድማ በለ:- “ኣነ ምስ ኣግለስኩ: ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚአትዉኹም: እፈልጥ አሎኹ። ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ: ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም።” (ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30) ናይ ሮማ ካቶሊክ ናይ ሃይማኖት ምሁር ኦገስቲን ሓደ ኻብቶም “ቄናን ነገር” ዚምህሩ ዝነበሩ እዩ ነይሩ። የሱስ: ሰዓብቱ ንኻልኦት ሰባት ኬእምንዎም ከለዉ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት መረዳእታ ንኬቕርቡ መሃሮም። ኦገስቲን ግን እቲ ኣብ ሉቃስ 14:23 ዘሎ “ኺአትዉ ተጋደሎም” ዚብል ቃላት የሱስ ንሰባት ንምልዋጥ ሓይሊ ኽትጥቀም ከም እትኽእል ዚገልጽ እዩ ብምባል ንትርጕሙ ጠወዮ። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 28:23, 24) ኦገስቲን ንሰባት ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ንምግባር ሃይማኖት ተጠቕመ።

እቲ ዓለወኛ መልኣኽ ዝዀነ ሰይጣን ጠንቂ እዚ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማን ብልሽውናን ሃይማኖት እዩ። ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ናይ ሃይማኖት ሰባት ብምልዕዓል ንክርስትያናዊት ጉባኤ ኺብክላ ፈቲኑ ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኦም: “ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶት: ዚጥብሩ ዓየይቲ: ርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም። ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ: እዚ ኣየገርምን እዩ። ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልገልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉ: ዓብዪ ነገር ኣይኰነን” ይብል።—2 ቈረንቶስ 11:13-15

ሰይጣን ንሰባት ብስርዓታት ኣምላኽ ዘይኰነስ ብስርዓታቱ ኸም ዚነብሩ ንምግባር: ሕጂውን ክርስትያናዊ ዝዀነን ስነ-ምግባር ዚሕሉን ፍልጠት ዘለዎን ዚመስል ሃይማኖት ይጥቀም እዩ። (ሉቃስ 4:5-7) ብዙሓት ኣቕሽሽቲ ንርእሶም ብኽብ ዝበለ መዓርጋት ንምርቋሕን ካብ መጓሰኦም ገንዘብ ንምርካብን ሃይማኖት ከም ዚጥቀሙ ኣስተውዒልካ ትኸውን ኢኻ። መንግስትታት እውን እንተ ዀና ተገዛእተን ኣብ ውግእ ኪስውኡ ንምድራኽ ንሃይማኖት ተጠቒመናሉ እየን።

ድያብሎስ ካብቲ ብዙሓት ሰባት ዚሓስብዎ ንላዕሊ ንሃይማኖት ይጥቀመሉ እዩ። ውሑዳት ናይ ሃይማኖት ጥሩፋት እዮም ንድሌት ሰይጣን ዜማልኡ ዘለዉ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ግን “ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን” ምዃኑ እዩ ዚዛረብ። ብተወሳኺ ድማ “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ” ይገልጽ እዩ። (ራእይ 12:9፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ኣምላኽ በታ ንሰባት ናባታቶም ጥራይ ኪስሕብዎም ዚደልዩ መራሕቲ ዚጥቀሙላ ሃይማኖት እንታይ ኰን ይስምዖ ይኸውን፧

“እንታይ ግዱ አሎኒ፧”

እቲ ገሊአን ኣብያተ-ክርስትያን ዜርእያኦ ኣካይዳ የሰንብደካ ይኸውን: ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እውን ኣዝዩ እዩ ዜጕህዮ። ከምቲ ጥንታዊት እስራኤል ምስ ኣምላኽ ኪዳን ከም ዝገበረት እትዛረብ ዝነበረት: ህዝበ-ክርስትያን እውን ከምኡ እያ ትብል። ክልቲአን ግን እሙናት ኣይኰናን። እምበኣር: የሆዋ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘውረዶ ዅነኔ ኣብ ልዕሊ ህዝበ-ክርስትያን እውን ዚውዕል እዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ኣብ ቃላተይ ኣየድሀቡን: ንሕገይ ከኣ ደርብዮምዎ እዮም . . . እቲ ዕጣን ካብ ሳባ . . . ዚመጽእ እንታይ ግዱ አሎኒ፧ እቲ ዚሐርር መስዋእትኹም ባህ ኣየብለንን።” (ኤርምያስ 6:19, 20) ኣምላኽ ነቲ ብግቡዛት ሰባት ዚግበር ኣምልኾ ኣይቅበሎን እዩ። ብዛዕባ ጽንብላቶምን ጸሎቶምን ግዲ የብሉን። ንእስራኤላውያን “ንሰርቂ ኣዋርሕኩምን በዓላትኩምን ነፍሰይ ትጸልኣ አላ: ጾር ኰይኑኒ: ምስካሙ ስኢነ አሎኹ። ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑ: ኣዒንተይ ካባኻትኩም እኽውለን: ምህለላ እኳ እንተ ኣብዛሕኩም: ኣይሰምዕን እየ” በሎም።—ኢሳይያስ 1:14, 15

የሆዋ በቲ ኣብያተ-ክርስትያን ክርስትያናዊ ኣምሲለን ዜቕርባኦ ምንጩ ግን ንኽብሪ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ተባሂሉ ዚግበር በዓላት ይሰሓብ ድዩ፧ ንጸሎት እቶም ንትምህርትታት የሱስ ዜበላሽውዎ ኣቕሽሽቲ ይሰምዖ ድዩ፧ ኣምላኽ ነቲ ንሕግታቱ ዚጥሕስ ዝዀነ ይኹን ሃይማኖት ይቕበሎ ድዩ፧ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ቤተ-ክርስትያን ጽንብል ዘለዎ ኣረኣእያ ምስቲ ንመስዋእቲ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሮ ኣረኣእያ ሕደ ምዃኑ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ: ነዚ ብዚምልከት “እንታይ ግዱ አሎኒ፧” በለ።

ይኹን እምበር: የሆዋ ብዛዕባ እቲ በቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ዚቐርብ ኣምልኾ ኣዝዩ ይግደስ እዩ። ውልቀ-ሰባት ንዅሉ እቲ ኻብኡ ዝረኸብዎ ብዚምልከት ሞሳኦም ኪገልጹ ኸለዉ ባህ ይብሎ እዩ። (ሚልክያስ 3:16, 17) ስለዚ: ንኣምላኽ ዘይተምልኽ ክነስኻ ሕያዋይ ክትከውን ትኽእልዶ፧ መቸም ነቶም ፈቃራት ወለዱ ዝዀነ ይኹን ነገር ዘይገብረሎም ሰብ ሕያዋይ ኪበሃል ኣይክእልን እዩ፣ ኪበሃል ይኽእል ድዩ፧ እቲ ንኣምላኽ ዋላ ሓንቲ ዘይገብረሉ ሰብከ ሕያዋይ ኪበሃል ይኽእልዶ፧ ስለዚ እምበኣር ብዛዕባ እቲ ምንጪ ህይወት ዝዀነ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክንግደስ ኣሎና። ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ: ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንኣምላኽ ዜኽብር ጥራይ ዘይኰነስ: ንዓናውን ከም ዚጠቕመና ኽንርኢ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a “1960ታት እቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብሓፈሻ ዘጋጠመ ዕንወት ሃይማኖታዊ ልምዲ እተጀመረሉ ግዜ እዩ ነይሩ።”—ዘ ዲክላይን ኦቭ ክሪስተንደም ኢን ዌስተርን ዩሮፕ: 1750-2000

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ኣብያተ-ክርስትያን: ኣምላኽ ንዅሉ ነገራት ከም ዝፈጠሮ መርትዖ ኣቕሪበን ድየን፧

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ንኣምላኽ ዚውክል ሰብ ኣብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኪካፈል ኣለዎዶ፧

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዓይነት ጽንብል ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧

[ምንጪ ስእሊ]

AP Photo/Georgy Abdaladze