ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ሳላ ወዲ ትሽዓተ ዓመት”

“ሳላ ወዲ ትሽዓተ ዓመት”

“ሳላ ወዲ ትሽዓተ ዓመት”

ኣብ ደቡባዊ ፖላንድ እትነብር ቭየስዋቫ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ገዛኣ ኺመጹ ኸለዉ: ብትሕትና ኣመስጊና ተሰናብቶም ነበረት። ሓደ መዓልቲ ሳሙኤል ዝስሙ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ቈልዓ ምስ ኣዲኡ ዀይኑ ናብ ገዛኣ መጸ። ቭየስዋቫ ኣብቲ እዋን እቲ ነቲ መልእኽቲ ኽትሰምዖ ወሰነት: ብዛዕባ እታ ኣብ ምድሪ እትህሉ ገነት ዚገልጽ መጽሔት ድማ ወሰደት።

በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ክርስቶስ ይቐርብ ስለ ዝነበረ: ሳሙኤል ንቭየስዋቫ ናብዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ ኺዕድማ ደለየ። ስለዚ ድማ ምስ ኣዲኡ ዀይኑ ነቲ መዓደሚ ወረቐት ሒዙ ኺበጽሓ ኸደ። ቭየስዋቫ: ሳሙኤል ብግቡእ ከም እተኸድነ ምስ ረኣየት: ሓንሳእ ንኺጽበይዋ ብምሕታት ክዳና ቐዪራ መጸት። ነቲ ሳሙኤል ዝበሎ ሰሚዓ ንዜቕረበላ ዕድመ ተቐበለቶ: “በይነይ ጥራይ ድየ ኽመጽእ ወይስ ምስ ሰብኣየይ፧” ኢላ ድማ ሓተተቶ። ቀጺላ እውን “ዋላ ሰብኣየይ ኣይምጻእ ኣነ ግን ክመጽእ እየ: ንዓኻ ኽብል ክገብሮ እየ” በለቶ። እቲ ንሳሙኤል ዘሐጐሶ ድማ ቃላ ሓለወት።

እቲ መደረ ዝኽሪ በዓል እናተዋህበ ኸሎ: ሳሙኤል ምስ ቭየስዋቫ ኾፍ በለ፣ ነቲ ዚጥቀስ ዝነበረ ጥቕስታት ድማ የርእያ ነበረ። እዚ ኸኣ ኣዝዩ መሰጣ። በቲ በዓል ዝኽሪ ተሓጐሰት: እቲ ዓሚቝ ሓሳባት ቅልል ብዝበለ መገዲ ብምቕራቡ ድማ ነኣደቶ። እቲ እተገብረላ ምዉቕ ኣቀባብላን እቶም ኣባላት እታ ጉባኤ ዘርኣይዋ ሕያውነትን ከኣ ንልባ ተንከፎ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዛ ንመንፈሳዊ ጕዳያት ዝያዳ ግምት ክትህቦን ወትሩ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓብርን ጀመረት። ኣብዚ ቐረባ እዋን ድማ “ቅድሚ ሕጂ ናብ ገዛይ ክትመጹ ኸለኹም ስለ ዘይሰማዕኩኹም ተጣዒሰ እየ። ሕጂ እውን ሳላ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ቈልዓ: ማለት ሳላ ሳሙኤል እየ ነቲ መልእኽትኹም ሰሚዐዮ” በለት።

ልክዕ ከምቲ ኣብ ፖላንድ ዚነብር ሳሙኤል ዝገበሮ: ብዙሓት ብዕድመ ንኣሽቱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቓሎምን ብኣካይዳኦምን ንየሆዋ ውዳሰ የምጽእሉ ኣለዉ። ንስኻ እውን ብዕድመ ንእሽቶ እንተ ዄንካ: ቅኑዓት ሰባት ነቲ ጥዑይ መንፈሳዊ ስርዓታት ንኺርድእዎ ኽትሕግዞም ትኽእል ኢኻ።