ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ‘ጸሎት ዚሰምዕ’ ብኸመይ ከም እትቐርቦ

ነቲ ‘ጸሎት ዚሰምዕ’ ብኸመይ ከም እትቐርቦ

ነቲ ‘ጸሎት ዚሰምዕ’ ብኸመይ ከም እትቐርቦ

“ኣታ ጸሎት እትሰምዕ: ኵሉ ስጋ ናባኻ ኺመጽእ እዩ።”—መዝሙር 65:2

1. ንሰባት ካብ ካልኦት ፍጡራት ምድሪ ዚፈልዮም እንታይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍት፧

 ካብቶም ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ብኣሽሓት ዚቘጸሩ ህያዋን ፍጡራት: ሰባት ጥራይ እዮም ንፈጣሪ ኼምልኹ ኣኽእሎ ዘለዎም። መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡን ነዚ ንምምላእ ባህጊ ዘለዎምን እውን ሰባት ጥራይ እዮም። እዚ ምስ ሰማያዊ ኣቦና ብሕታዊ ርክብ ንኺህልወና ዜደንቕ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና።

2. ሓጢኣት ኣብቲ ሰብ ምስ ፈጣሪ ዘለዎ ርክብ እንታይ ኣሉታዊ ሳዕቤን እዩ ዘለዎ፧

2 ኣምላኽ ንሰብ ናብ ገባሪኡ ንኪቐርብ ክእለት ከም ዘለዎ ገይሩ እዩ ፈጢርዎ። ኣዳምን ሄዋንን ብዘይ ሓጢኣት እዮም ተፈጢሮም። ስለዚ: ከምቲ ውሉድ ንኣቦኡ ዚቐርቦ: ከይተሰከፉ ንኣምላኽ ኪቐርብዎ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር: ብሰንኪ ሓጢኣት ነዚ ዓብዪ መሰል ሰኣኑ። ኣዳምን ሄዋንን ትእዛዝ ኣምላኽ ጠሓሱ: ምስኡ ዝነበሮም ጥብቂ ርክብ ድማ ኣጥፍኡ። (ዘፍጥረት 3:8-13, 17-24) ከምዚ ኺበሃል ከሎ እቶም ዘይፍጹማት ዘርኢ ኣዳም ምስ ኣምላኽ ርክብ ኪገብሩ ኸቶ ኣይክእሉን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን: የሆዋ እተወሰነ ብቕዓታት እንተ ኣማሊኦም: ኪቐርብዎ ፈቒድሎም እዩ። እዚ ኼማልእዎ ዘለዎም ብቕዓታት እንታይ እዩ፧

ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ኪማላእ ዜድሊ ብቕዓታት

3. ሓጥኣን ሰባት ንኣምላኽ ኪቐርብዎ ዘለዎም ብኸመይ እዩ፧ እንታይ ኣብነታትከ እዩ ነዚ ዜብርህ፧

3 ክልተ ደቂ ኣዳም እተሳተፉሉ ፍጻመ: ኣምላኽ ካብቶም ኪቐርብዎ ዚደልዩ ዘይፍጹማት ሰባት እንታይ ኪማላእ ከም ዚደሊ ንኽንግንዘብ ይሕግዘና። ቃየልን ኣቤልን ንኣምላኽ መስዋእትታት ብምግባር ኪቐርብዎ ጻዕሪ ገበሩ። ኣቤል ዘቕረቦ መስዋእቲ ተቐባልነት ኪረክብ ከሎ: ቃየል ዘቕረቦ ግን ተቐባልነት ኣይረኸበን። (ዘፍጥረት 4:3-5) እዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ እብራውያን 11:4 “ኣቤል ካብ መስዋእቲ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕረበ። . . . ጻድቕ ምዃኑ ብእኣ ተመስከረሉ” ትብል። እምበኣር: ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ኪማላእ ካብ ዘለዎ ቕድመ-ዅነት ሓደ እምነት እዩ። ካልእ ኪማላእ ዘለዎ ቕድመ-ዅነት ከኣ ኣብቲ የሆዋ ንቃየል “ጽቡቕ እንተ ትገብርሲ: ገጽካዶ ትኽ ኣይምበለን፧” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ተንጸባሪቑ ኣሎ። እወ: ቃየል ናብ ኣምላኽ ኪቐርብ ዝገበሮ ፈተነ ዚሰልጦ: ጽቡቕ እንተ ዚገብር ጥራይ እዩ። ኰይኑ ግን: ቃየል ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ምኽሪ ነጺጉ ንኣቤል ቀተሎ: ስጉግ ድማ ኰነ። (ዘፍጥረት 4:7-12) ስለዚ: ካብ ፈለማ ታሪኽ ወድሰብ ኣትሒዙ ጽቡቕ እናገበርካ ንኣምላኽ ብእምነት ምቕራቡ ኣገዳሲ ምዃኑ ጐሊሑ ነይሩ።

4. ንኣምላኽ ክንቀርቦ ኸለና: እንታይ ኢና ኽንፈልጥ ዘሎና፧

4 ንኣምላኽ ክንቀርቦ እንተ ደሊና: ሓጥኣን ምዃንና ምፍላጥና ኣገዳሲ እዩ። ኵሎም ሰባት ሓጥኣን እዮም: ሓጢኣት ከኣ ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ዕንቅፋት እዩ። ነብዪ ኤርምያስ ብዛዕባ እስራኤል: “ንሕና በደልና . . . ጸሎት ከይሐልፍሲ: ደበና ተጐልበብካ” ኢሉ ጸሓፈ። (ድጕዓ ኤርምያስ 3:42, 44) ኰይኑ ግን: ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ወድሰብ: ኣምላኽ ንጸሎት እቶም ትእዛዛቱ እናሓለዉ ብእምነትን ብግቡእ ዝንባለ ልብን ዚቐርብዎ ሰባት ኪሰምዕ ፍቓደኛ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። (መዝሙር 119:145) ገለ ኻብዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ብዓል መን ነይሮም፧ ካብ ጸሎቶምከ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

5, 6. ካብቲ ኣብርሃም ንኣምላኽ ዝቐረበሉ መገዲ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

5 ሓደ ኻብዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብርሃም እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ንኣብርሃም “ፈታውየይ” ኢሉ ስለ ዝጸውዖ: ንኣምላኽ ንኪቐርቦ ዝገበሮ ጻዕሪ ተቐባልነት ረኺቡ እዩ። (ኢሳይያስ 41:8) ካብቲ ኣብርሃም ንኣምላኽ ዝቐረበሉ መገዲ እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧ እዚ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ እሙን ሰብ እዚ: “ኣነ ውሉድ ዜብለይ እኸይድ አሎኹ: . . . እንታይሞ ኽትህበኒ ኢኻ፧” ኢሉ ብዛዕባ ዚወርሶ ሰብ ንየሆዋ ሓተተ። (ዘፍጥረት 15:2, 3፣ 17:18) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ: ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ጎሞራን ፍርዱ ኣብ ዜውርደሉ እዋን መን ከም ዚድሕን ከም ዘተሓሳሰቦ ገለጸ። (ዘፍጥረት 18:23-33) ኣብርሃም ኣብ ክንዲ ኻልኦት እውን ለሚኑ እዩ። (ዘፍጥረት 20:7, 17) ሓድሓደ ግዜ ኣብርሃም: ከምቲ ኣቤል ዝገበሮ: ንየሆዋ ኪቐርቦ ኸሎ መስዋእቲ የቕርብ ነበረ።—ዘፍጥረት 22:9-14

6 ኣብ ኵሉ እዚ ኣጋጣሚታት እዚ: ኣብርሃም ንየሆዋ ኸይተሰከፈ ይዛረቦ ነበረ። ከይተሰከፈ ኺዛረብ ከሎ ግን: ነቲ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኡ ዝነበሮ ቦታ ኣብ ግምት ብምእታው ብትሕትና እዩ ዚቐርቦ ነይሩ። ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 18:27 ዚርከብ “እንሆ: ኣነ መሬትን ሓመዅስትን ክነሰይ ምስ ጐይታይ ክዛረብ ደፈርኩ” ዚብል ኣኽብሮት ዝመልኦ ቓላት እሞ ኣስተብህለሉ። ከመይ ዝበለ ኽንቀድሖ ዚግባእ ሰናይ ኣረኣእያ ዀን እዩ!

7. እቶም ኣበው ናብ የሆዋ ብዛዕባ እንታይ ጕዳያት እዮም ጸልዮም፧

7 ኣበው ብዛዕባ እተፈላለየ ጕዳያት ጸልዮም እዮም: የሆዋ ድማ ሰሚዕዎም እዩ። ያእቆብ ብመልክዕ መብጽዓ ገይሩ ጸሎት ጸልዩ እዩ። ደገፍ ኣምላኽ ድሕሪ ምሕታቱ: “ካብ እትህበኒ ዘበለ ኵሉ ድማ ዕሽር ክህበካ እየ” ኢሉ ኻብ ልቡ ተመባጽዐ። (ዘፍጥረት 28:20-22) ጸኒሑ ምስ ሓዉ ንኺራኸብ ኣብ ዚቀራረበሉ ዝነበረ እዋን: “እፈርሆ አሎኹ እሞ: በጃኻ ኻብ ኢድ ሓወይ: ካብ ኢድ ኤሳው ኣድሕነኒ” ኢሉ ዕቝባ የሆዋ ለመነ። (ዘፍጥረት 32:9-12) እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ እዮብ: ምእንቲ ስድራኡ መስዋእቲ ብምስዋእ ናብ የሆዋ ይቐርብ ነበረ። እቶም ሰለስተ ፈተውቲ እዮብ ብዘረባኦም ምስ ሓጥኡ: እዮብ ጸለየሎም: የሆዋ ድማ “ንእዮብ ተቐበሎ።” (እዮብ 1:5፣ 42:7-9) እዚ ጸብጻባት እዚ ነቲ ናብ የሆዋ ኽንጽልዮ እንኽእል ጕዳያት ንኽንፈልጥ ይሕግዘና። የሆዋ ነቶም ብግቡእ መገዲ ዚቐርብዎ ሰባት ጸሎቶም ኪሰምዕ ድሉው ምዃኑ ድማ ክንግንዘብ ንኽእል ኢና።

ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኺዳን

8. ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ኺዳን: ኣብ ክንዲ እቲ ህዝቢ ጸሎት ዚቐርብ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

8 የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ምስ ኣውጸኦም: ነቲ ሕጊ ኺዳን ሃቦም። እቲ ሕጊ ብእተመዘዘ ኻህን ኣቢልካ ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ስርዓት ሰርዐ። ገሊኦም ሌዋውያን ኣብ ክንዲ እቲ ህዝቢ ኻህናት ኰይኖም ኬገልግሉ ተመደቡ። ንዅሉ እቲ ህዝቢ ዚምልከት ጕዳይ ምስ ዚለዓል: ወኪል እቲ ህዝቢ—ሓድሓደ ግዜ ንጉስ ወይ ነብዪ ኪኸውን ይኽእል እዩ—ነቲ ጕዳይ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ የቕርቦ ነበረ። (1 ሳሙኤል 8:21, 22፣ 14:36-41፣ ኤርምያስ 42:1-3) ንኣብነት: እታ ቤተ መቕደስ ኣብ እትውፈየሉ እዋን: ንጉስ ሰሎሞን ብልባዊ ጸሎት ንየሆዋ ቐረቦ። የሆዋ ድማ ብግዲኡ ነታ ቤተ መቕደስ ብኽብሩ ብምምላእን ‘ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዚጽለ ጸሎት ኣእዛነይ ጽን ኪብላ እየን’ ብምባልን ንጸሎት ሰሎሞን ከም እተቐበሎ ሓበረ።—2 ዜና መዋእል 6:12-7:3, 15

9. ኣብ መቕደስ ንየሆዋ ብግቡእ መገዲ ንምቕራብ እንታይ ኪማላእ የድሊ ነበረ፧

9 ኣብቲ ንእስራኤል እተዋህበ ሕጊ: የሆዋ ኣብ መቕደሱ ዜቕርብዎ ጸሎት ተቐባልነት ንኺረክብ ኪማላእ ዘለዎ ነገር ጠቒሱ ኣሎ። እዚ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ንግሆ ንግሆን ምሸት ምሸትን: እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ልዕሊ እቲ ዜቕርቦ መስዋእቲ እንስሳታት: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ኪዓጥን ነበሮ። ጸኒሑ ኻልኦት ካህናት እውን ብዘይካ ኣብ መዓልቲ ዕርቂ: ኣብ ካልእ ግዜ ነዚ ኣገልግሎት ይፍጽሙ ነበሩ። እቶም ካህናት ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኽብሮት እንተ ዘየርእዮም: የሆዋ ብኣገልግሎቶም ኣይሕጐስን ነበረ።—ዘጸኣት 30:7, 8፣ 2 ዜና መዋእል 13:11

10, 11. የሆዋ ንጸሎት ውልቀ-ሰባት ይሰምዕ ምንባሩ ዜረጋግጽ እንታይ መርትዖ ኣሎና፧

10 ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ዚከኣል በቶም እተሸሙ ወኪላት ኣቢልካ ጥራይ ድዩ፧ ኣይፋልን: የሆዋ ነቲ ብሕታዊ ጸሎት ውልቀ-ሰባት ተሓጒሱ ይቕበል ምንባሩ ቕዱሳት ጽሑፋት ይሕብር እዩ። ኣብቲ ሰሎሞን ነታ ቤተ መቕደስ ንምውፋይ ዝጸለዮ ጸሎት: ንየሆዋ ኸምዚ ኢሉ ለመኖ:- “ዝዀነ ሰብ ወይ ኵሉ ህዝብኻ እስራኤል: . . . ዚጽልዮ ዅሉ ጸሎትን ኵሉ ምህልላን ኣእዳው ድማ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ ምስ ዘርግሔ: ሽዑ ንስኻ ካብ ሰማይ . . . ስማዕ።” (2 ዜና መዋእል 6:29, 30) ዘካርያስ ኣቦ ዮሃንስ መጥምቕ ኣብ መቕደስ ዕጣን ኪዓጥን ከሎ: ብዙሓት ካህናት ዘይኰኑ ኣምለኽቲ የሆዋ ‘ኣብ ወጻኢ ዀይኖም ይጽልዩ’ ምንባሮም ሉቃስ ዝመዝገቦ ጸብጻብ ይሕብረና። ኣብቲ መሰውኢ ወርቂ ንየሆዋ ዕጣን ኪቐርብ ከሎ: እቶም ህዝቢ ኣብ ወጻኢ እቲ መቕደስ ተኣኪቦም ናይ ምጽላይ ልማድ ነይርዎም ኪኸውን ኣለዎ።—ሉቃስ 1:8-10

11 ስለዚ: የሆዋ ብግቡእ ምስ ዚቐርብዎ: ነቶም ነቲ ህዝቢ ብሓፈሻ ዚውክሉ ሰባት ኰነ ነቶም ብብሕቶም ኪቐርብዎ ዚደልዩ ውልቀ-ሰባት ተሓጒሱ ለመናኦም ይሰምዕ ነበረ። ሎሚ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ኺዳን ኣይኰንናን። ኰይኑ ግን: ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ንኣምላኽ ካብ ዝቐረቡሉ መገድታት ብዛዕባ ጸሎት ኣገዳሲ ትምህርትታት ክንመሃር ንኽእል ኢና።

ኣብ ትሕቲ ክርስትያናዊ ስርዓት

12. ክርስትያናት ንየሆዋ ንኪቐርብዎ እንታይ ስርዓት ተሰሪዑሎም ኣሎ፧

12 ሕጂ ንሕና ኣብ ትሕቲ ክርስትያናዊ ስርዓት ኢና። ካህናት ንዅሎም ህዝቢ ኣምላኽ ወኪሎም ዚጽልዩላ ወይ ንሕና ናብ ኣምላኽ ንኽንጽሊ ናብኣ ገጽና እንገብረላ ምድራዊት ቤተ መቕደስ የላን። ኰይኑ ግን: ሕጂውን የሆዋ ንኽንቀርቦ ስርዓት ሰሪዑልና ኣሎ። እዚ እንታይ እዩ፧ ብ29 ድ.ክ. ክርስቶስ ምስ ተቐብአን ሊቀ ኻህናት ኪኸውን ምስ ተሸመን: መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ክትዓዪ ጀመረት። a እዛ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ እዚኣ ብመሰረት እቲ መተዓረቒ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ ንየሆዋ ብኣምልኾ እትቐርበሉ ሓድሽ ስርዓት እያ።—እብራውያን 9:11, 12

13. ኣብ መንጎ እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስን እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስን ንጸሎት ብዚምልከት እንታይ ምምስሳል ኣሎ፧

13 ሓያሎ መዳያት እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ: ነቲ ኣብ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ዘሎ ንዅሉ እቲ ምስ ጸሎት እተተሓሓዘ እውን ዚሓቝፍ መሰናድዎ: ኣጸቢቑ ዜመልክት እዩ። (እብራውያን 9:1-10) ንኣብነት: እቲ ንግሆን ምሸትን ኣብታ ቕድስቲ ኽፍሊ እታ ቤተ መቕደስ ዚርከብ መሰውኢ ዕጣን ዚቐርብ ዝነበረ ዕጣን ንምንታይ የመልክት፧ ብመሰረት መጽሓፍ ራእይ “እዚ ድማ [ማለት እቲ ዕጣን] ጸሎት እቶም ቅዱሳት እዩ።” (ራእይ 5:8፣ 8:3, 4) ዳዊት ብመንፈስ ተደሪኹ “ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን . . . ይኹን” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (መዝሙር 141:2) ስለዚ: ኣብቲ ክርስትያናዊ ስርዓት: እቲ ምዑዝ ዝሽታኡ ዕጣን ነቲ ቕቡል ጸሎትን ንየሆዋ ዚቐርብ ውዳሰን እዩ ዜመልክት።—1 ተሰሎንቄ 3:10

14, 15. (ሀ) ቅቡኣት ክርስትያናት: (ለ) እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ”: ንየሆዋ ብዛዕባ ዚቐርቡሉ መገዲ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧

14 ኣብዛ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ንኣምላኽ ኪቐርቦ ዚኽእል መን እዩ፧ ኣብታ ምድራዊት ቤተ መቕደስ: እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣብቲ ውሽጣዊ ኣጸድ ኬገልግሉ ተፈቒዱሎም ነይሩ: ኰይኑ ግን ካህናት ጥራይ እዮም ናብታ ቕድስቲ ኺኣትዉ ዚኽእሉ ነይሮም። ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ቅቡኣት ክርስትያናት እቲ ውሽጣዊ ኣጸድን እታ ቕድስትን ጽላሎት ኰይኑሉ ዝነበረ ፍሉይ መንፈሳዊ ዅነታት ኣለዎም: እዚ ኸኣ ናብ ኣምላኽ ንኺጽልዩን ንኺውድስዎን የኽእሎም።

15 እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም “ካልኦት ኣባጊዕ” ደኣኸ፧ (ዮሃንስ 10:16) ነብዪ ኢሳይያስ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ካብ ብዙሓት ኣህዛብ እተዋጽኡ ሰባት ንየሆዋ ንኼምልኹ ኸም ዚመጹ ሓቢሩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 2:2, 3) “መጻእተኛታት” ምስ የሆዋ ኸም ዚሓብሩ እውን ጽሒፉ እዩ። ኣምላኽ ነዚ ኪቕበሎ ፍቓደኛ ኸም ዝዀነ ኺገልጽ ከሎ: “ኣብ ቤት ጸሎተይ ከኣ ከሐጕሶም እየ” በለ። (ኢሳይያስ 56:6, 7) ራእይ 7:9-15 ካብ “ኵሎም ኣህዛብ” እተኣከቡ “ብዙሓት ሰብ” ኣብቲ ግዳማዊ ኣጸድ እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ደው ኢሎም ንኣምላኽ “ለይትን መዓልትን” ከም ዜምልኽዎን ናብኡ ኸም ዚጽልዩን ብምግላጽ ተወሳኺ ዝርዝር ትህብ እያ። ሎሚ ዅሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ንሱ ኸም ዚሰምዖም ብምትእምማን ከይተሰከፉ ኪቐርብዎ ኸም ዚኽእሉ ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ!

ተቐባልነት ዘለዎ እንታይ ዓይነት ጸሎት እዩ፧

16. ካብ ቀዳሞት ክርስትያናት ብዛዕባ ጸሎት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

16 እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ጸሎት ዜዘውትሩ ሰባት እዮም ነይሮም። ብዛዕባ እንታይ ጕዳያት እዮም ጸልዮም፧ ክርስትያን ሽማግለታት ንውድባዊ ሓላፍነታት ሰብኡት ኪመርጹ ኸለዉ መምርሒ ደልዮም ጸለዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:24, 25፣ 6:5, 6) ኤጳፍራስ ምእንቲ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ጸለየ። (ቈሎሴ 4:12) ኣባላት እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ: ጴጥሮስ ምስ ተኣስረ ጸለዩሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 12:5) እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ምጽራር ምስ ኣጋጠሞም: “ጐይታይ: ናብ ምፍርራሆም ርኤ: . . . ንባሮትካ ድማ ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሀቦም” ብምባል ኣምላኽ ትብዓት ንኺህቦም ጸለዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:23-30) ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ንክርስትያናት: ኣብ ትሕቲ ፈተና ኪዀኑ ኸለዉ ኻብ ኣምላኽ ጥበብ ንኺወሃቦም ኪጽልዩ ተማሕጸኖም። (ያእቆብ 1:5) ኣብቲ ናብ የሆዋ እተቕርቦ ለመና ነዚ መዳያት እዚ ትጠቕሶ ዲኻ፧

17. የሆዋ ናይ መን ጸሎት እዩ ዚሰምዕ፧

17 ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ኣይኰነን ዚቕበሎ። እሞ ደኣ ጸሎትና ተቐባልነት ከም ዚረክብ ብምትእምማን ክንጽሊ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እቶም ጥንቲ ኣምላኽ ዝሰምዖም እሙናት ሰባት ብቕንዕናን ብቕኑዕ ዝንባለ ልብን እዮም ቀሪቦምዎ። እምነት ኣርእዮም: ነዚውን ብሰናይ ግብሪ ደጊፎምዎ እዮም። የሆዋ ነቶም ሎሚ በዚ ኸምዚ ዚቐርብዎ ኸም ዚሰምዖም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

18. ክርስትያናት ጸሎቶም ንኺስማዕ እንታይ ብቕዓት ኬማልኡ ኣለዎም፧

18 ክርስትያናት ኬማልእዎ ዚግባእ ተወሳኺ ብቕዓት ኣለዎም። ሃዋርያ ጳውሎስ “ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለ ዘሎና” ብምባል ነዚ ገሊጽዎ ኣሎ። ጳውሎስ “ብእኡ” ኺብል ከሎ ንመን እዩ ዜመልክት ነይሩ፧ ንየሱስ ክርስቶስ እዩ። (ኤፌሶን 2:13, 18) እወ: ብየሱስ ኣቢልና ጥራይ ኢና ናብ ኣቦ ኸይተሰከፍና ኽንቀርብ እንኽእል።—ዮሃንስ 14:6፣ 15:16፣ 16:23, 24

19. (ሀ) እቲ እስራኤላውያን ዜቕርብዎ ዝነበሩ ዕጣን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዜፈንፍን ዝነበረ መዓስ እዩ፧ (ለ) ጸሎትና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸምቲ ምዑዝ ዝሽታኡ ዕጣን ከም ዚኸውን ከነረጋግጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

19 ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ: እቲ እስራኤላውያን ካህናት ዜቕርብዎ ዝነበሩ ዕጣን ነቲ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዜቕርብዎ ቕቡል ጸሎት እዩ ዜመልክት። ይኹን እምበር: ሓድሓደ ግዜ የሆዋ ነቲ እስራኤላውያን ዜቕርብዎ ዕጣን ይፍንፍኖ ነበረ። እስራኤላውያን ኣብቲ ቤተ መቕደስ እናዓጠኑ ኽነሶም: ንጣኦታት ኣብ ዚሰግዱሉ እዋን እዩ ኸምዚ ዚኸውን ዝነበረ። (ህዝቅኤል 8:10, 11) ሎሚውን ብተመሳሳሊ ጸሎት እቶም ንየሆዋ ኸም ዜገልግልዎ ዚዛረቡ ግን ከኣ ምስቲ ሕግታቱ ዚጋጮ ግብርታት ዚገብሩ ሰባት: ንዕኡ ኸም ሕማቕ ጨና እዩ ዝዀኖ። (ምሳሌ 15:8) እምበኣር: ጸሎትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ምዑዝ ዝሽታኡ ዕጣን ምእንቲ ኪኸውን: ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና ንጹሃት ንኹን። የሆዋ ብጸሎት እቶም ነቲ ጻድቕ መገድታቱ ዚስዕቡ ሰባት ባህ ይብሎ እዩ። (ዮሃንስ 9:31) ይኹን እምበር: ገና ዘይተመለሰ ሕቶታት ኣሎ። ብኸመይ ኢና ኽንጽሊ ዚግባእ፧ ብዛዕባ እንታይ ክንጽሊ ንኽእል፧ ኣምላኽ ንጸሎትና ምላሽ ዚህበሉኸ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዝን ንኻልእ ሕቶታትን ክንምርምር ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ናይ 15 ግንቦት 2001 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 27 ተወከስ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ዘይፍጹማት ሰባት ንኣምላኽ ተቐባልነት ብዘለዎ መገዲ ኪቐርብዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

• ኣብ ጸሎትና ነቶም ኣበው ክንመስሎም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ካብ ጸሎት ጥንታውያን ክርስትያናት እንታይ ንመሃር፧

• ጸሎትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ምዑዝ ዝሽታኡ ዕጣን ዚኸውን መዓስ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ንመስዋእቲ ኣቤል ተቐቢሉ: ንመስዋእቲ ቃየል ዝነጸጎ ስለምንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

“ኣነ መሬትን ሓመዅስትን [እየ]”

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

“ዕሽር ክህበካ እየ”

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ጸሎትካ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸምቲ ምዑዝ ዝሽታኡ ዕጣን ድዩ፧