ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እተፍቅሮ ሰብ ንየሆዋ ኺሓድጎ ኸሎ

እተፍቅሮ ሰብ ንየሆዋ ኺሓድጎ ኸሎ

እተፍቅሮ ሰብ ንየሆዋ ኺሓድጎ ኸሎ

ማርክን ልዊዝን ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም። a ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያን ወለዲ ዚእዝዞም: ንደቆም ብፍቕርን ብሓልዮትን ቅዱሳት ጽሑፋት መሃርዎም። (ምሳሌ 22:6፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:15) እቲ ዜሕዝን ግን ደቆም በጽሕታት ምስ ኰኑ ዅላቶም ኣይኰኑን ንየሆዋ ምግልጋል ዝቐጸሉ። ልዊዝ ከምዚ በለት:- “ልበይ በቶም ዝጠፍኡ ደቀይ ይጕሂ እዩ። ከመይ ገይረ እየ እሞ መዓልቲ መዓልቲ ነቲ ዚስምዓኒ ኸቢድ ጕድኣት ሸፊነ ኽመላለስ ዝኽእል፧ ካልኦት ብዛዕባ ደቆም ኪዛረቡ ኸለዉ: ሕንቕንቕ ይብለኒ: ንብዓተይ እውን ክዓግቶ ኣሎኒ።”

እወ: ሓደ ሰብ ንየሆዋን ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገሊጹ ዘሎ ኣነባብራን ኪሓድጎ ምስ ዚውስን: እሙናት ኣባላት ስድራቤቱ ኸቢድ ጓሂ ይስምዖም እዩ። ኣይሪን “ንሓብተይ ኣዝየ እየ ዘፍቅራ። ናብ የሆዋ ንኽትምለስ ዝዀነ ይኹን ነገር ምገበርኩላ!” በለት። ሓንቲ ሓዋ ብዕሉግ መገዲ ኺስዕብ ኢሉ ንየሆዋ ዝባኑ ዝሃቦ ማሪያ ዝስማ ውልቀ-ሰብ: “ንሱ ብዅሉ ኻልእ መዳይ ዚነኣድ ሓወይ ስለ ዝነበረ: እዚ ንምጻሩ ኸቢዱኒ እዩ። ብፍላይ ስድራቤትና ኽንተኣኻኸብ ከለና ይስምዓኒ እዩ” በለት።

ኣዝዩ ኸቢድ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ሓደ ውሉድ ወይ ካልእ እተፍቅሮ ሰብ ብመንፈሳዊ መገዲ ምጥፋኡ ንክርስትያን ኣዝማዱ ኸቢድ ጓሂ ዜስዕበሎም ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ቕዱሳት ጽሑፋት ነቶም ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑ ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚረኽቡ ይመባጻዕ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። (መዝሙር 37:29፣ 2 ጴጥሮስ 3:13፣ ራእይ 21:3-5) ነዚ በረኸት እዚ ምስ መጻምድቶም: ምስ ደቆም: ምስ ወለዶም: ምስ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን: ከምኡውን ምስ ደቂ ደቆም ኰይኖም ኪረኽብዎ ሃንቀው ይብሉ እዮም። እቲ ንየሆዋ ምግልጋል ዘቋረጸ ዜፍቅርዎ ሰብ: እዚ ኼምልጦ ኸም ዚኽእል ምሕሳብ ኣዝዩ እዩ ዜሳቕዮም። ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወቶም ብዚምልከት እውን: ሕግታትን መሰረታዊ ስርዓታትን የሆዋ ንጥቕሞም ምዃኑ የስተውዕሉ እዮም። ስለዚ: ክርስትያናት ነቶም ዜፍቅርዎም ሰባት በቲ ሕማቕ ሳዕቤን ኪዓጽዱሉ ዚኽእሉ መገዲ ኺመላለሱ ኺርእይዎም ከለዉ ልቦም እዩ ዚስበር።—ኢሳይያስ 48:17, 18፣ ገላትያ 6:7, 8

ከምዚ ዓይነት ተመክሮ ዘየሕለፉ ሰባት: እዚ ኽሳዕ ክንደይ ጐዳኢ ኸም ዝዀነ ንኺርድኦም ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዳርጋ ንዅሉ መዳይ ህይወት እዩ ዚትንክፍ። ልዊዝ ከምዚ በለት:- “ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኮፍ ኢለ: ወለዲ ምስ ደቆም ኪስሕቁን ኪዘራረቡን ምርኣይ እናኸበደኒ እዩ ኸይዱ። ዝዀነ ይኹን ዜሐጕስ ኣጋጣሚ ብሰንኪ እቲ ዝጠፍአ ሰብ ብባዶነት እዩ ዚዕብለል።” ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ብዛዕባ እቲ ንሰበይቱ ጓላ ምሳታቶም ርክባ ኣብ እተበትከሉ ኣርባዕተ ዓመት ዝነበረ ዅነታት ከምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ:- “መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ‘ጽቡቕ ግዜያት’ እውን እንተ ዀነ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ንብዓልቲ ቤተይ ህያብ እንተ ሂበያ ወይ ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ናብ ባህ ዜብል ቦታ እንተ ወሲደያ: ጓላ ተኻፋሊት ሓጐስና ኸም ዘይኰነት ብምዝካር ትበኪ ነበረት።”

ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ክርስትያናት እምብዛ ኣብዚሖምዎ ድዮም፧ ኣብዚሖምዎ ኺበሃል ኣይከኣልን እዩ። እኳ ደኣስ ብእተወሰነ መጠን ባህርያት እቲ ንሰብ ብመልክዑ ዝገበረ የሆዋ እዮም ዜንጸባርቑ ዘለዉ። (ዘፍጥረት 1:26, 27) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ የሆዋ ህዝቡ እስራኤል ካብኡ ምስ ዓለዉ ኸመይ ድዩ ተሰሚዕዎ፧ ካብ መዝሙር 78:38-41: የሆዋ ኸም ዝጐሃየን ከም እተቘጥዐን ክንመሃር ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግን: ብትዕግስቲ ኣጠንቀቖምን ገሰጾምን: ነስሓ ኼርእዩ ኸለዉ ኸኣ ብተደጋጋሚ ይቕረ በለሎም። የሆዋ ምስዞም ‘ተግባር ኢዱ’ ዝዀኑ ፍጡራት እዚኣቶም ማእሰር ከም ዝነበሮ: ብቐሊሉ ኸኣ ብኣታቶም ተስፋ ኸም ዘይቈረጸ ንጹር እዩ። (እዮብ 14:15፣ ዮናስ 4:10, 11) ኣብ ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ጽኑዕ ማእሰር ኣስሪጹ እዩ: ብፍላይ ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራቤት ዘሎ ማእሰር ከኣ ሓያል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ: ሰባት ዜፍቅርዎ ዘመዶም ብመንፈሳዊ መገዲ ስለ ዝጠፍአ ምሕዛኖም ዜገርም ኣይኰነን።

እወ: እተፍቅሮ ሰብ ብመንፈሳዊ መገዲ ምጥፋኡ: ሓደ ኻብቲ ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ዜጋጥሞም ኣዝዩ ኣጸጋሚ ፈተናታት እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:22) የሱስ ንመልእኽቱ ምቕባል: ኣብ ገሊኡ ስድራቤታት ምክፍፋል ከም ዜምጽእ ተዛሪቡ ነይሩ። (ማቴዎስ 10:34-38) ከምዚ ዚኸውን መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብገዛእ ርእሱ ንስድራቤት ዚኸፋፍል ብምዃኑ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ: ዘይኣምኑ ወይ ዘይእሙናት ኣባላት ስድራቤት: ነታ መገዲ ክርስትና ብምንጻግ: ብምሕዳግ: ወይ ብምጽራር ጋግ ስለ ዚፈጥሩ እዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ንእሙናቱ ነቲ ዜጋጥሞም ፈተናታት ንኺጻወርዎ ዜኽእሎም ነገራት ከይሃበ ኣይሓድጎምን እዩ። ሕጂ ሓደ እተፍቅሮ ሰብ ብመንፈሳዊ መገዲ ብምጥፋኡ ትሓዝን እንተ ኣሊኻ: ነቲ ሓዘን ንኽትጻወሮ: እተወሰነ ሓጐስን ዕግበትን ድማ ንኽትረክብ ዚሕግዘካ እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓታት እዩ፧

ምጽዋሩ

“ንርእስኹም እናሀነጽኩም: . . . ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ።” (ይሁዳ 20, 21) ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ህሉው ኵነታት ስለ ዘይፈቅድ: ነቲ ንየሆዋ ምግልጋል ዘቋረጸ ኣባል ስድራቤት ንምሕጋዝ ክትገብሮ እትኽእል ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይህሉን ይኸውን። ይኹን እምበር: ንርእስኻን ነቶም እሙናት ኣባላት ስድራቤትካን ክትሃንጽ ትኽእል ኢኻ: ከምኡ ኽትገብር እውን ኣሎካ። እታ ኻብ ሰለስተ: ክልተ ኻብ ሓቂ ዝረሓቑ ደቂ ዘለውዋ ቨሮኒካ: “ኣነን ብዓል ቤተይን ብመንፈስ ድልዱላት ኴንና እንተ ቐጺልና: ንደቅና ናብ ልቦም ምስ ተመልሱ ንኽንቅበሎም ኣብ ዝበለጸ ዅነታት ከም እንኸውን መዘኻኸሪ ተዋህበና። ኣቦ እቲ ሓሻሺ ወዲ: ንወዱ ንኪቕበል ድሉው እንተ ዘይከውን ነይሩ: እቲ ወዱ ኣበይ ምኸደ፧”

ንርእስኻ ድልዱል ጌርካ ንምጽናሕ: ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ጥሓል። እዚ ኸኣ ዓሚቝ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ዝወጸ መደብ ምሕላውን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብን የጠቓልል። ኵነታትካ ኸም ዚፈቕደልካ: ካልኦት ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ሰባት ንዚህቡኻ ሓገዝ ንምቕባል ድሉው ኩን። ሓቂ እዩ: ኣብ ፈለማ ገሊኡ ንጥፈታት ኣጸጋሚ ኪዀነና ይኽእል እዩ። ቨሮኒካ ኸምዚ ብምባል ትዝታኣ ትገልጽ:- “ፈለማ ኸም ዝቘሰለ እንስሳ ርእሰይ እየ ፈልየ። ብዓል ቤተይ ግን ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድና ኽንቅጽል ጸቐጠሉ። ናብ ኣኼባታት ከም እንኸይድ ገበረ። ናብ ኣኼባ ኣውራጃ ዝኸደሉ እዋን ምስ ኣኸለ: ኣብኡ ኸይደ ምስ ሰባት ክራኸብ ብዙሕ ትብዓት ኣድልዩኒ እዩ። ኰይኑ ግን: እቲ ኣኼባ ናብ የሆዋ ዝያዳ ኣቕሪቡና እዩ። ብፍላይ እቲ ብተኣማንነት ዝቐጸለ ወድና: በቲ ኣኼባ ተጠቒሙ እዩ።”

እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ማሪያ: ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዕዙዝ ምዃን ሓጋዚ ዀይኑ ረኺባቶ እያ: ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ንኣርባዕተ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺመሃራ ትሕግዝ ኣላ። ብተመሳሳሊ ሎራ: “ሽሕኳ ኽሳዕ ሕጂ መዓልታዊ እበኪ እንተ ዀንኩ: ውሉዳት ብምዕባይ ዝመጸ እውን ከምቲ ገሊኦም ወለዲ ዝረኸብዎ ኣሳልጦ ዋላ እኳ ኣይርከብ ንየሆዋ አመስግኖ እየ: ከመይሲ እቲ ፍጹም መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎኒ: እዚ ድማ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንስድራቤታት ኪሕግዝ ይኽእል እዩ” በለት። እቶም ብጹሓት ደቆም ነታ ጉባኤ ዝሓደግዋ ኬንን ኤለኖርን: ኵነታቶም ብምትዕርራይ ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ግዒዞምን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸሚዶምን ኣለዉ። እዚ ኸኣ ቅኑዕ ኣረኣእያ ንኺህልዎምን ብሓዘን ንኸይወሓጡን ሓጊዝዎም እዩ።

ተስፋ ኣይትቝረጽ። ፍቕሪ “ዅሉ ተስፋ ትገብር።” (1 ቈረንቶስ 13:7) እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኬን: “ደቅና መገዲ ሓቂ ምስ ገደፉ: ከም ዝሞቱ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ሓብተይ ምስ ሞተት ግን: ኣረኣእያይ ተቐየረ። ደቀይ ቃል ብቓሉ ብዘይሙማቶምን የሆዋ ንኺምለስዎ መገዲ ኸፊቱሎም ስለ ዘሎን ሕጉስ እየ” በለ። እወ: ካብ ተመክሮ ኸም እተራእየ: ብዙሓት ነታ መገዲ ሓቂ ዝገደፉ ውዒሎም ሓዲሮም ይምለሱ እዮም።—ሉቃስ 15:11-24

ንርእስኻ ኣይትዀንን። ብፍላይ ወለዲ ንድሕሪት ምልስ ኢሎም ብምሕሳብ: ንእተወሰነ ዅነታት ዝሓዙሉ መገዲ የጣዕሶም እዩ። ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ህዝቅኤል 18:20 እተመሓላለፈ ቐንዲ ሓሳብ: የሆዋ ነቲ ወላዲ ዘይኰነስ: ነቲ ሓጥእ እዩ ብግጉይ ምርጫኡ ተሓታቲ ዚገብሮ። መጽሓፍ ምሳሌ ብዛዕባ እቲ ወለዲ ንደቆም ብቕኑዕ መገዲ ንኼዕብይዎም ዘለዎም ግዴታ ብዙሕ ሓሳባት እትህብ እኳ እንተ ዀነት: ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ ዘሎ ውሉዳት ንወለዶም ንኺሰምዑን ንኺእዘዙን ዚምሕጸን ምኽሪ ግን ካብቲ ንወለዲ እተዋህበ ኣርባዕተ ዕጽፊ ዚኸውን እዩ። እወ: ውሉዳት ነቲ ዘይፍጹማት ወለዶም ዚህብዎም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ስልጠና ናይ ምቕባል ሓላፍነት ኣለዎም። ኣብቲ ግዜ እቲ ዚከኣለካ ዘበለ ጌርካ ኽትከውን ኣሎካ። ገና ግን እተወሰነ ጌጋታት ከም ዝገበርካ: እዚ ኸኣ ብሓቂ ኣበር ከም ዝዀነ እንተ ተሰሚዑካ: እቲ እተፍቅሮ ሰብ ንሓቂ ንኺሓድጎ ዝገበሮ እቲ ጌጋታትካ እዩ ማለት ኣይኰነን። ዝዀነ ዀይኑ: “ከምዚ ወይ ከምቲ እንተ ዝገብር ነይረ” ብምባል ዚርከብ ረብሓ የለን። ካብ ጌጋታትካ ተምሃር: ንኸይትደግሞ ቘራጽነት ግበር: የሆዋ ይቕረ ንኺብለልካ ድማ ጸሊ። (መዝሙር 103:8-14፣ ኢሳይያስ 55:7) ድሕሪኡ ኣብ መጻኢ ደኣ እምበር: ኣብ ሕሉፍ ኣይተተኵር።

ንኻልኦት ተዓገሶም። ገሊኦም ብፍላይ ተመሳሳሊ ተመክሮ እንተ ዘየሕሊፎም: ብኸመይ ከም ዜተባብዑኻ ወይ ከም ዜጸናንዑኻ ምፍላጥ የጸግሞም ይኸውን። ኣብ ርእሲ እዚ: ሰባት ብዛዕባ ምትብባዕን ምጽንናዕን ዘለዎም ኣረኣእያ ይፈላለ እዩ። ስለዚ ገሊኦም ሰባት ዜሕርቐካ ነገር እንተ ተዛሪቦምኻ: ነቲ ኣብ ቈሎሴ 3:13 ዚርከብ ሃዋርያ ጳውሎስ: “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተባሃሀሉ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ዕየየሉ።

የሆዋ ንተግሳጽ ብዚምልከት ዝሰርዖ ስርዓት ኣኽብር። ዘመድካ ኻብታ ጉባኤ ተግሳጽ እንተ ተዋሂብዎ: እዚ ኽፋል እቲ የሆዋ ዝሰርዖ ስርዓት ምዃኑን ንዅሉ እንተላይ ነቲ ኣባሲ ዚጠቅም ምዃኑን ዘክር። (እብራውያን 12:11) ስለዚ: ኣብቶም ውሳነ ኣብ ምግባር እተሳተፉ ሽማግለታት ወይ ኣብቲ ውሳነታቶም ጕድለት ንኽትረክብ ኣይትፈትን። ብሉጽ ፍረ ኺርከብ ዚከኣል ዝዀነ ይኹን ነገር ብመገዲ የሆዋ እንተ ጌርካዮ ምዃኑ: ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ ስርዓታት ምጽራር ግን ተወሳኺ ጭንቂ ጥራይ ከም ዜምጽእ ኣይትረስዕ።

እስራኤል ካብ ግብጺ ሓራ ምስ ወጸ: ሙሴ ኣዘውቲሩ ይዳኒ ነበረ። (ዘጸኣት 18:13-16) ንሓደ ሰብ ዚጥዕሞ ኺፍረድ ከሎ ነቲ ኻልእ ከይጥዕሞ ስለ ዚኽእል: ገሊኦም ብውሳነታት ሙሴ ጕህዮም ከም ዚዀኑ ምግማቱ ኣየሸግርን እዩ። ኣብቲ ሙሴ ዝበየኖ ፍርድታት ጕድለት ምርካብ: ምናልባት ነቲ ኻብ መሪሕነቱ ንምዕላው እተገብረ ምንቅስቓሳት ኣበርክቶ ገይሩ ነይሩ ይኸውን። ይኹን እምበር: የሆዋ ንሙሴ: ንህዝቡ ንምምራሕ ይጥቀመሉ ነይሩ እዩ፣ ብዘይካዚ ንሙሴ ዘይኰነስ ነቶም ዓለወኛታትን ንዓታቶም ዝደገፉ ስድራቤቶምን እዩ ቐጺዕዎም። (ዘሁልቍ 16:31-35) ንሕናውን ካብዚ ዛንታ እዚ: ነቲ በቶም ሎሚ ዘለዉ ቲኦክራስያዊ ስልጣን ዘለዎም እተገብረ ውሳነታት ንምኽባርን ምስኡ ንምትሕብባርን ክንጽዕር ከም ዘሎና ኢና እንመሃር።

ኣብዚ መዳይ እዚ ደሎረስ ጓላ በታ ጉባኤ ተግሳጽ ምስ ተዋህባ ሚዛና ንምሕላው ክሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ኸም ዝዀና ትዝክር። “ንዓይ ዝሓገዘኒ ነገር: የሆዋ ዝሰርዖ ስርዓት ክሳዕ ክንደይ ርትዓዊ ምዃኑ ዚገልጽ ዓንቀጻት ደጋጊመ ምንባበይ እዩ። ካብ መደረታትን ዓንቀጻትን: ንኽጻወርን ንኽጸንዕን ዜኽእለኒ ነጥብታት ኣብ ፍሉይ መዘኻኸርየይ እጽሕፍ ነበርኩ” በለት። እዚ ኸኣ ናብ ካልእ ንኽትጻወር ዜኽእል ኣገዳሲ ነገር ይመርሓና።

ስምዒታትካ ግለጽ። ንሓደ ወይ ክልተ እትኣምኖም ፈተውትኻ ምስጢርካ ምክፋል ሓጋዚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ኽትገብር ከለኻ: ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኺህልወካ ዚሕግዙኻ ፈተውቲ ምረጽ። ብጸሎት ‘ልብኻ’ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ‘ምፍሳስ:’ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ኸም ዚኸውን እተረጋገጸ እዩ። b (መዝሙር 62:7, 8) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እንታይ ይስምዓና ኸም ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ይርድኦ እዩ። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታዊ ስቓይ ከተሕልፍ ግቡእ ከም ዘይኰነ ይስምዓካ ይኸውን። ከመይሲ: ንስኻ ኣይኰንካን ንየሆዋ ዝሓደግካዮ። ስምዒታትካ ብጸሎት ንየሆዋ ኣፍልጦ: ነቲ ዅነታት ብዝሓሸ መገዲ ንኽትርእዮ ኺሕግዘካ ለምኖ።—መዝሙር 37:5

ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ: ስምዒታትካ ብዝሓሸ ኽትቈጻጸር ክትክእል ኢኻ። ኣብዚ ዅሉ ግን ነቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ንምሕጓስ እትገብሮ ጻዕርታት ኣይተቋርጽ: እዚ ኸንቱ ኸም ዝዀነ ጌርካ ድማ ኣይትቝጸሮ። (ገላትያ 6:9) ንየሆዋ እንተ ሓዲግናዮ: ጸገማትና ኸም ዘይፍታሕ ዘክር። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ንዕኡ እሙናት ኴንና ብምቕጻል: ኣብቲ ዜጋጥመና ፈተናታት ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። እምበኣር: ነቲ ዘለኻሉ ዅነታት የሆዋ ኸም ዚርድኦን ኣብቲ ግቡእ ግዜ ዜድሊ ብርታዐ ኸም ዚህበካን ተኣማመን።—2 ቈረንቶስ 4:7፣ ፊልጲ 4:13፣ እብራውያን 4:16

[እግረ-ጽሑፋት]

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

b ምእንቲ እተወገደ ዘመድ ብዛዕባ ምጽላይ: ናይ 1 ታሕሳስ 2001 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 30-1 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ሳጹን]

ብኸመይ ትጻወሮ፧

“ንርእስኹም እናሀነጽኩም: . . . ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ።”—ይሁዳ 20, 21

ተስፋ ኣይትቝረጽ።—1 ቈረንቶስ 13:7

ንርእስኻ ኣይትዀንን።—ህዝቅኤል 18:20

ንኻልኦት ተዓገሶም።—ቈሎሴ 3:13

የሆዋ ንተግሳጽ ብዚምልከት ዝሰርዖ ስርዓት ኣኽብር።—እብራውያን 12:11

ስምዒታትካ ግለጽ።—መዝሙር 62:7, 8

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ንስኻኸ ንየሆዋ ሓዲግካዮ ዲኻ፧

ከምኡ እንተ ዄንካ: ምኽንያትካ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብን ዘለኣለማዊ ተስፋኻን ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ። ምናልባት ናብ የሆዋ ኽትምለስ ሓሊንካ ትህሉ። ሕጂ ነዚ ንምግባር ትጋደልዶ ኣለኻ፧ ወይስ ነዚ “ዚጥዕም ግዜ” ኽሳዕ እትረክብ ኢኻ እትደናጐ ዘለኻ፧ ኣርማጌዶን ብቕልጡፍ ትቐርብ ከም ዘላ ኣይትረስዕ። ብዘይካዚ: ኣብዚ ስርዓት እዚ ዘሎ ህይወት ሓጺርን ዘየተኣማምንን እዩ። ጽባሕ ብህይወት ትቕጽል እንተ ዄንካ እኳ ኽትፈልጥ ኣይትኽእልን ኢኻ። (መዝሙር 102:3፣ ያእቆብ 4:13, 14) ሓደ ኸቢድ ሕማም ዘለዎ ሰብኣይ: “እዚ ሕማም እዚ ዜሰክፍ ነገር ኣብ ዘይብለይ እዋን ንየሆዋ ብምሉእ ግዜይ እናኣገልገልክዎ ኸለኹ እዩ ሒዙኒ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ከምዚ ዓይነት ስምዒት ምህላው ከኣ ጽቡቕ እዩ” በለ። ይኹን እምበር: እዚ ሕማም እዚ “ሓደ መዓልቲ ናብ የሆዋ ኽምለስ እየ” እናበለ እንተ ዚሕዞ ዚስምዖ እሞ ሕሰቦ! ንየሆዋ እንተ ሓዲግካዮ: ንኽትምለስ ካብ ሕጂ ዚበልጽ እዋን የለን።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ምጥሓል: ቅኑዕ ኣረኣእያ ንኺህልወካ ኺሕግዘካ ይኽእል