ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ሓምሻይ መጽሓፍ መዝሙር ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ሓምሻይ መጽሓፍ መዝሙር ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ሓምሻይ መጽሓፍ መዝሙር ዚጐልሕ ነጥብታት

ሃብታም ሰብ: “ኣወዳትና ብጕብዝናኦም ከም ነዋሕቲ ኣትክልቲ ይኹኑ: ኣዋልድና ኸም ኣተሃናንጻ ኣዳራሽ እተወቕረ ኣዕኑድ ኵርናዕ ይኹና: መዓኽንና . . . ይምላእ: ኣባጊዕና . . . ኣሽሓትን ኣእላፋትን ይውለዳ” ይብል ይኸውን። ብተወሳኺውን “ከምዚ ዚረክብ ህዝቢ ብጹእ እዩ” ይብል ይኸውን። ብኣንጻሩ ግን: እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እቲ እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ ብጹእ እዩ” በለ። (መዝሙር 144:12-15) የሆዋ ዝኣምላኹ እንተ ዘይኰይኑኸ መን እሞ እዩ ብጹእ ወይ ሕጉስ ኪኸውን ዚኽእል፧ የሆዋ ሕጉስ ኣምላኽ እዩ: እቶም ዜምልኽዎ እውን ሓጐስ ይረኽቡ እዮም። (1 ጢሞቴዎስ 1:11) እዚ ሓቂ እዚ ኣብ መወዳእታ ጥርናፈ እተን ካብ መዝሙር 107 ክሳዕ 150 ዚርከባ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሰን መዝሙራት ንጹር ኰይኑ ኣሎ።

ሓምሻይ መጽሓፍ መዝሙር ነቲ ሳህልን ሓቅነትን ሰናይን ዚርከቦ ብሉጽ ባህርያት የሆዋ ተጕልሕ። ንባህርያት ኣምላኽ ኣጸቢቕና ብዘስተውዓልናዮ መጠን: ንኸነፍቅሮን ንኽንፈርሆን ዝያዳ ዝንባለ ይህልወና። እዚውን ብግዲኡ ንሓጐስና ኣበርክቶ ይገብር። ኣብ ሓምሻይ መጽሓፍ መዝሙር ከመይ ዝበለ ጠቓሚ መልእኽቲ ዀን ኢና እንረክብ።—እብራውያን 4:12

ስለቲ ሳህሊ የሆዋ ዚርከብ ሓጐስ

(መዝሙር 107:1–119:176)

እቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ እስራኤላውያን ካብ ባቢሎን ኪምለሱ ኸለዉ: “ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን: ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ” ኢሎም ዘመሩ። (መዝሙር 107:8, 15, 21, 31) ዳዊት ንየሆዋ ኺውድሶ ኸሎ: “ሓቅኻ . . . ክሳዕ ደበናታት እዩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 108:4) ኣብታ እትቕጽል መዝሙር: “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ: ርድኣኒ: . . . ብመጠን ጸጋኻ አናግፈኒ” ኢሉ ጸለየ። (መዝሙር 109:18, 19, 26) መዝሙር 110 ብዛዕባ ግዝኣት እቲ መሲህ እትገልጽ ትንቢት እያ። መዝሙር 111:10 “ፍርሃት እግዚኣብሄር መጀመርያ ጥበብ እዩ” ትብል። ብመሰረት እታ ቐጺላ ዘላ መዝሙር: “እቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ . . . ሰብ ብጹእ እዩ።”—መዝሙር 112:1

መዝሙር 113 ክሳዕ 118 ብተደጋጋሚ “ሃሌሉያ” ወይ “ንያህ ወድስዎ” ዚብል መግለጺ ስለ ዝሓዛ: ናይ ሃለል መዝሙራት ተባሂለን ይጽውዓ እየን። ብመሰረት እቲ ሚሽና ተባሂሉ ዚጽዋዕ ነቲ ኣቐዲሙ ብቓል ዚመሓላለፍ ዝነበረ ስርዓታት ኣብ ሳልሳይ ዘመን ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ መወከሲ: እዘን መዝሙራት እዚኣተን ኣብ ፋስጋን ኣብ ሰለስተ ዓመታዊ በዓላት ኣይሁድን እየን ዚዝመራ ነይረን። እታ ኻብ ኵለን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ መዝሙራት ኰነ ምዕራፋት ዝነውሐት መዝሙር 119: ነቲ እተገልጸ ቓል ወይ መልእኽቲ ኣምላኽ ተጕልሕ እያ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

109:23—ዳዊት “ከም ዚነውሕ ጽላሎት እኸይድ” ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ዳዊት ብግጥማዊ ኣበሃህላ: ሞቱ ኣዝዩ ቐረባ ዀይኑ ኸም እተሰምዖ እዩ ዚገልጽ ነይሩ።—መዝሙር 102:11

110:1, 2—እቲ “ጐይታ [ዳዊት]” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እንታይ ገበረ፧ የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ናብ ሰማይ ዓረገ: ክሳዕ እቲ ብ1914 ንጉስ ኰይኑ ኺገዝእ ዝጀመረሉ እዋን ከኣ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑ ተጸበየ። ኣብቲ እዋን እቲ: የሱስ ነቶም ቅቡኣት ሰዓብቱ ኣብ ስብከቶምን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮኦምን ብምምራሕን ኣብታ መንግስቱ ምስኡ ንኺገዝኡ ብምድላውን ኣብ ልዕሊኦም ገዝአ።—ማቴዎስ 24:14፣ 28:18-20፣ ሉቃስ 22:28-30

110:4—የሆዋ ‘ምሒሉ ዘይተጣዕሰሉ’ እንታይ እዩ፧ እዚ ማሕላ እዚ እቲ የሆዋ ንየሱስ ክርስቶስ ከም ንጉስን ሊቀ ኻህናትን ኰይኑ ኼገልግል ዝኣተዎ ኺዳን እዩ።—ሉቃስ 22:29

113:3—ስም የሆዋ “ኻብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ” ዚምስገን ብኸመይ እዩ፧ እዚ ነገር እዚ ኻብቲ ጕጅለ ውልቀ-ሰባት መዓልታዊ ንኣምላኽ ዜቕርብዎ ኣምልኾ ንላዕሊ የጠቓልል። ጸዳል ጸሓይ ንዅሉ ኽፋል ምድሪ: ካብ ምብራቕ ክሳዕ ምዕራብ የብርህ። ብተመሳሳሊ: የሆዋ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኺውደስ ኣለዎ። እዚ ብዘይ እተወደበ ጻዕሪ ኺፍጸም ኣይከኣልን እዩ። ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን: ንኣምላኽ ናይ ምምስጋንን ኣብ ዕዮ ምእዋጅ መንግስቱ ብቕንኣት ናይ ምስታፍን ዓብዪ ኽብሪ ኣሎና።

116:15—“ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞት ቅዱሳኑ” ክሳዕ ክንደይ እዩ “ኽቡር”፧ የሆዋ ንኣምለኽቱ ኣዝዮም ክቡራት ገይሩ ስለ ዚርእዮም: ብምሉኦም ብሓንሳእ ወይ ብደረጃ ጕጅለ ኺሞቱ ኣይፈቅድን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኬጋጥም እንተ ዜፍቅድ ነይሩ: ጸላእቱ ኻብኡ ዚሕይሉ ኸም ዝዀኑ ጌርካ ምተቘጽረ። ብተወሳኺውን: ንሓዳስ ዓለም መሰረት ዚኸውን ዋላ ሓደ ሰብ ኣይምተረፈን።

119:71—ውርደት እንታይ ሰናይ ነገር ኪህልዎ ይኽእል፧ ጸገም ኬጋጥመና ኸሎ: ብዝያዳ ናብ የሆዋ ንኽንጽጋዕ: ካብ ልብና ናብኡ ንኽንጽሊ: ከምኡውን ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ነቲ ንሱ ዚብሎ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ዝመጸ ብዝያዳ ትጉሃት ንኽንከውን ኪምህረና ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ: ንውርደት ወይ ንጸበባ እንህቦ ምላሽ: ነቲ ኺእረም ዚኽእል ኣብ ባህርያትና ዘሎ ጕድለት የቃልዓልና። መከራ ንኪዅልዓና እንተ ፈቒድናሉ: ኣየመርረናን እዩ።

119:96—‘መወዳእታ ዅሉ ፍጽምነት’ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ፍጽምነት ካብ ሰብኣዊ ኣረኣእያ ተበጊሱ እዩ ዚዛረብ ዘሎ። ሰብ ብዛዕባ ፍጽምነት ዘለዎ ኣተሓሳስባ ድሩት ምዃኑ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ኪኸውን ኣለዎ። ብኣንጻሩ ግን: ትእዛዛት ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ደረት የብሉን። መምርሒኡ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወት ይዓዪ እዩ።

119:164—ንኣምላኽ “ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ” ምምስጋን እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ ቍጽሪ ሸውዓተ መብዛሕትኡ ግዜ ንምልኣት እያ እተመልክት። ስለዚ: እቲ ጸሓፍ መዝሙር: የሆዋ ዅሉ ውዳሰ ኸም ዚግብኦ እዩ ዚዛረብ ነይሩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

107:27-31 ኣብ ኣርማጌዶን መጥቃዕቲ ኣብ ዚወርደሉ እዋን: ጥበብ ዓለም ‘ኪጠፍእ’ እዩ። (ራእይ 16:14, 16) ንዋላ ሓደ ኻብ ጥፍኣት ኬድሕኖ ኣይክእልን እዩ። እቶም ካብ የሆዋ ድሕነት ዚጽበዩ ጥራይ እዮም ብህይወት ጸኒሖም ‘ስለ ሳህሉ ዜመስግንዎ።’

109:30, 31፣ 110:5 እታ ሓደ ተዋጋኢ ሰይፊ ዚሕዘላ የማነይቲ ኢዱ: ካብቲ ብጸጋማይ ዚተሓዝ ዋልታ ዕቝባ ኣይትረክብን እያ። ብውስጠዘኣዊ ኣዘራርባ የሆዋ ንኣገልገልቱ ንኺቃለሰሎም ኣብ ‘የማኖም’ እዩ ዘሎ። ስለዚ ድማ ዕቝባን ደገፍን ይህቦም: እዚ ኸኣ ‘ኣዚና ንኸነመስግኖ’ ጽቡቕ ምኽንያት ይዀነና።

113:4-9 የሆዋ ኣዝዩ ልዑል ካብ ምዃኑ እተላዕለ ‘ናብ ሰማይ’ እኳ ኣንቈልቊሉ እዩ “ዚጥምት።” ኰይኑ ግን: ንመሳኪንን ንድኻን ንመኻንን ይድንግጸሎም። እቲ ልዑላዊ ጐይታና የሆዋ ትሕትና ኣለዎ: ንኣምለኽቱ እውን ከምኡ ኪዀኑ እዩ ዚደልዮም።—ያእቆብ 4:6

114:3-7 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ምእንቲ ህዝቡ ኢሉ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ: ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ: ከምኡውን ኣብ ከረን ሲና ዝፈጸሞ መስተንክር ግብርታት ምፍላጥ: ኣጸቢቑ ኺጸልወና ኣለዎ። እቶም ብ“ምድሪ” ተመሲሎም ዘለዉ ደቅሰብ ብሓፈሻ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብምሳልያዊ ኣበሃህላ ‘ኼንቀጥቅጡ:’ ማለት ኬኽብርዎ ኣለዎም።

119:97-101 ካብ ቃል ኣምላኽ ጥበብን ምስትውዓልን ኣእምሮን ምርካብ: ካብ መንፈሳዊ ጕድኣት የዕቍበና።

119:105 ቃል ኣምላኽ ንህሉው ጸገማትና ኽንፈትሕ ኪሕግዘና ስለ ዚኽእል ንእግርና መብራህቲ እዩ። ናይ መጻኢ ዕላማ ኣምላኽ ስለ ዚንበ ኸኣ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንመገድና የብርሆ እዩ።

ሃለወጸበባ እናና ኽነሱ ሕጉሳት

(መዝሙር 120:1–145:21)

ፈታኒ ዅነታት ክንሓልፍን ንጸበባ ኽንሰግርን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ መዝሙር 120 ክሳዕ 134 ነዚ ንጹር መልሲ ይህባ እየን። ሓገዝ ንምርካብ ናብ የሆዋ ስለ እንጽጋዕ: ጸገማት ንሰግር: ሓጐስና ድማ ንዕቅብ ኢና። እዘን መዝሙራት ምድያብ ተባሂለን ዚጽውዓ: እስራኤላውያን ነቲ ዓመታዊ በዓላቶም ንምብዓል ናብ የሩሳሌም ኪጐዓዙ ኸለዉ ዚዝምርወን እየን ነይረን ዝዀና።

መዝሙር 135, 136: የሆዋ ባህ ዝበሎ ዅሉ ኸም ዚገብር: ጣኦታት ግን ዋላ ሓንቲ ኺገብሩ ኸም ዘይክእሉ ይገልጻ። መበል 136 መዝሙር እናተቐባበልካ ንኽትዝመር እያ ተዳልያ: እታ ናይ መወዳእታ ኽፋል ነፍሲ ወከፍ ቍጽሪ: ነታ ቐዳመይቲ ምላሽ ከም ዝዀነት ጌርካ እያ እትዝመር። እታ እትቕጽል መዝሙር: እቶም ኣብ ጽዮን ንየሆዋ ኼምልኹ ዚደልዩ ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ኣይሁድ ልቦም ከም እተሰብረ እያ እትሕብር። መዝሙር 138 ክሳዕ 145 ናይ ዳዊት እየን። ንሱ ንየሆዋ ‘ብምሉእ ልቡ ኼመስግኖ’ ደለየ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኺገልጽ ከሎ: “መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ” በለ። (መዝሙር 138:1፣ 139:14) ኣብተን ቀጺለን ዚርከባ ሓሙሽተ መዝሙራት: ዳዊት ካብ ክፉኣት ሰባት ዕቝባ ኺረክብ: ጽድቃዊ መግናሕቲ ኺወሃቦ: ካብ ሰጐጕቱ ኼምልጥ: ከምኡውን ንኣኻይዳኡ መምርሒ ኺወሃቦ ጸለየ። ህዝቢ የሆዋ ዚረኽብዎ ሓጐስ ኣጕልሐ። (መዝሙር 144:15) ዕቤትን ሰናይን ኣምላኽ ድሕሪ ምጥቃስ: “ኣፈይ ምስጋና እግዚኣብሄር ይዛረብ: ኵሉ ስጋ ኸኣ ንቕዱስ ስሙ ንዘለኣለም ኣለም ይባርኾ” በለ።—መዝሙር 145:21

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

122:3—የሩሳሌም “ንሓድሕዳ እተጋጠመት ከተማ” ዝነበረት ብኸመይ እያ፧ ከምቲ መብዛሕትአን ጥንታውያን ከተማታት ዝነበራኦ: ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣባይቲ እውን ተቐራሪቡ እዩ ተሃኒጹ። እታ ኸተማ ጥርንፍቲ ብምንባራ: ካብ ጸላእታ ንኽትከላኸል ቀሊል ነበረ። ብተወሳኺውን: እቲ ኣባይታ እተጸጋግዐ ብምንባሩ: እቶም ተቐማጦ ኸተማ ደገፍን ዕቝባን ንምርካብ ኣብ ንሓድሕዶም ይምርኰሱ ነበሩ። እዚ ኸኣ እቶም 12 ነገዳት እስራኤል ንኼምልኹ ኣብ ዚሓብሩሉ እዋን ዝነበሮም መንፈሳዊ ሓድነት ዜመልክት ነበረ።

123:2—እቲ ብዛዕባ ኣዒንቲ ባሮት ዚገልጽ ምሳሌ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ ባሮትን ኣግራድን ብኽልተ ምኽንያታት ናብ ኢድ ጐይታኦም ወይ እመቤቶም ይጥምቱ እዮም። እዚ ኸኣ ቀዳማይ ድሌት ጐይታኦም ወይ እመቤቶም ንምፍላጥ ኪኸውን ከሎ: ካልኣይ ድማ ዕቝባን ንህይወቶም ዜድልዮምን ንምርካብ እዩ። ብተመሳሳሊ: ንሕናውን ፍቓዱ ንኸነስተውዕልን ሞገሱ ንኽንረክብን ናብ የሆዋ ኢና እንጥምት።

131:1-3—ዳዊት ‘ከም ጡብ ዝሓደገ ሕጻን ኣብ ሕቝፊ ኣዲኡ ንነፍሱ ዘህድኣን ስቕ ዘበላን’ ብኸመይ እዩ፧ ከምቲ ጡብ ዝሓደገ ሕጻን ኣብ ሕቝፊ ኣዲኡ ምጽንናዕን ዕግበትን ከም ዚረክብ ዚመሃር: ዳዊት ከኣ “ከም ጡብ ዝሐደገ ሕጻን ኣብ ሕቝፊ ኣዲኡ” ንነፍሱ ምህዳእን ስቕ ምባልን ተማህረ። ብኸመይ፧ ብልቡ ዕቡይ ብዘይምዃን: ብኣዒንቱ ልዕል ብዘይምባል: ከምኡውን ኣብ ዓብዪ ነገር ብዘይምምልላስ እዩ። ኣብ ክንዲ ተፈላጥነት ዚደሊ: ዓቕሙ ድሩት ምዃኑ ፈሊጡ: ትሕትና ኣርኣየ። ብፍላይ ኣብ ጉባኤ ንዚወሃብ ሓላፍነታት ክንመጣጠር ከለና: ኣረኣእያኡ ምስ እንቐድሖ ጥበባዊ እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

120:1, 2, 6, 7 ዜጸልም ዘረባን ሽምጠጣን ንኻልኦት ከቢድ ጭንቂ ኼምጽኣሎም ይኽእል እዩ። ልሳንና ምቍጽጻር ሓደ ኻብቲ ‘ሰላማውያን’ ምዃንና እነርእየሉ መገዲ እዩ።

120:3, 4 ሓደ “ወስላታ መልሓስ” ዘለዎ ሰብ እንተ ኣጋጢሙና: የሆዋ ኣብ ግዜኡ ነቲ ነገር ከም ዜዐርዮ ብምፍላጥ ክንጸናናዕ ንኽእል ኢና። መካፋእቲ ብሓደ “ጅግና” ጥፍኣት ኪወርዶም እዩ። ብርግጽ እቲ ብ“ጓህሪ ሰራው” ተመሲሉ ዘሎ ቝጥዓ ፍርዲ የሆዋ ኺወርዶም እዩ።

127:1, 2 ኣብ ኵሉ ጻዕርታትና: ካብ የሆዋ መምርሒ ኸነናዲ ኣሎና።

133:1-3 ሓድነት ህዝቢ የሆዋ ባህ ዜብልን ጥዑይን መንፈስ ዜሐድስን እዩ። ነዚ ድማ ጌጋ ብምእራይ: ብምቍያቝ: ወይ ብምዕዝምዛም ክንርብሾ የብልናን።

137:1, 5, 6 እቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ኣምለኽቲ የሆዋ ምስታ ኣብቲ ግዜ እቲ ምድራዊ ኽፋል ውድብ ኣምላኽ ዝነበረት ጽዮን ማእሰር ከም ዝነበሮም ይስምዖም ነበረ። ንሕናኸ ኸመይ ኢና፧ ምስቲ የሆዋ ሎሚ ዚጥቀመሉ ዘሎ ውድብ ማእሰር ተኣማንነት ኣሎና ድዩ፧

138:2 የሆዋ ‘ንቓሉ ሓለፋ ዅሉ ስሙ’ የዕብዮ ኺበሃል ከሎ: ፍጻመ እቲ ብስሙ እተመባጽዖ ነገራት ካብቲ ዝነበረና ዝዀነ ይኹን ትጽቢት ንላዕሊ ምዃኑ እዩ ዚሕብር። ብሓቂ: ዓብዪ ተስፋ እዩ ዚጽበየና ዘሎ።

139:1-6, 15, 16 የሆዋ ንንጥፈታትናን ሓሳባትናን ዘይተዛረብናዮ ቓላትናን ይፈልጦ እዩ። ካብቲ ድቂ ዝነበርናሉ እዋን: ማለት ክፋል ኣካላትና ቕርጺ ቕድሚ ምሓዙ ይፈልጠና እዩ። ኣምላኽ ንዓና ብውልቂ ዘለዎ ፍልጠት ንኽትርድኦ ‘ኣዝዩ ዜገርም’ እዩ። የሆዋ ነቲ ዜጋጥመና ፈታኒ ዅነታት ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ፈተና ኣባና ዘለዎ ጽልዋ ኸም ዚርእዮ ምፍላጥና ኽሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ!

139:7-12 ኣብ ዝኸድና ንኺድ: ኣምላኽ ንኼበራትዓና ኣየጸግሞን እዩ።

139:17, 18 ፍልጠት የሆዋ ንዓና ባህ ይብለና ድዩ፧ (ምሳሌ 2:10) ከምኡ እንተ ዀይኑ: መወዳእታ ዘይብሉ ምንጪ ሓጐስ ረኺብና ማለት እዩ። ሓሳባት የሆዋ “ኻብ ሑጻ ይበዝሕ።” ወትሩ ብዛዕባኡ እንመሃሮ ነገር ኣሎ።

139:23, 24 የሆዋ ኣብ ውሽጥና ‘መገዲ ዓመጻ:’ ማለት ዘይግቡእ ሓሳባትን ባህግታትን ዝንባለታትን እንተ ኣልዩ ኺምርምረና: ከምኡውን ንኽንምሕዎ ኺሕግዘና ኽንብህግ ኣሎና።

143:4-7 ብኸመይ ኢና ኸቢድ ጸገማት እውን ክንጽመም እንኽእል፧ ብዛዕባ ተግባራት የሆዋ ብምስትንታን: ብዛዕባ ግብሩ ብምሕሳብ: ከምኡውን ሓገዝ ንኺህበና ብምጽላይ ከቢድ ጸገማት ክንጽመም ከም እንኽእል እቲ ጸሓፍ መዝሙር ይምልሰልና።

“ሃሌሉያ”

ነፍሲ ወከፍ እተን ናይ መጀመርታ ኣርባዕተ ጥርናፈ መዝሙራት: ንየሆዋ ውዳሰ ብምሃብ እየን ዚዛዝማ። (መዝሙር 41:13፣ 72:19, 20፣ 89:52፣ 106:48) እታ ናይ መወዳእታ ጥርናፈ እውን ካባታተን እተፈልየት ኣይኰነትን። መዝሙር 150:6 “ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ። ሃሌሉያ” ትብል። እዚ ብርግጽ ኣብ ሓዳስ ዓለም ኪፍጸም እዩ።

ነቲ ብሩኽ እዋን ብሃንቀውታ ኽንጽበ ኸለና: ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክብሪ ንምሃብን ንስሙ ንምውዳስን እኹል ምኽንያት ኣሎና። ነቲ ንየሆዋ ብምፍላጥናን ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ብምዕቃብናን እንረኽቦ ሓጐስ ክንሓስበሉ ኸለና: ብሞሳ ብዝመልአ ልቢ ንኽንውድሶ ኣይንድረኽንዶ ኢና፧

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

መስተንክር ግብርታት የሆዋ ዜደንቕ እዩ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ሓሳባት የሆዋ “ኻብ ሑጻ ይበዝሕ”