ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ድሌትኩም ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ’

‘ድሌትኩም ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ’

‘ድሌትኩም ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ’

“ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ።” —ፊልጲ 4:6

1. ምስ መን ርክብ ናይ ምግባር ፍሉይ መሰል እዩ ዘሎና፧ እዚኸ ኣዝዩ ዜደንቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

 ምስ ገዛኢ ሃገርካ ኽትራኸብ እንተ ትሓትት: እንታይ ዓይነት ምላሽ እዩ ዚወሃበካ፧ ምናልባት ካብ ቤት ጽሕፈቱ እሩም መልሲ ምተዋህበካ: ኰይኑ ግን ምስቲ ገዛኢ ንባዕሉ ንኽትዘራረብ ኪፍቀደልካ ዘይመስል እዩ። ይኹን እምበር: ምስቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ገዛኢ ዝዀነ ልዑላዊ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ግን እተፈልየ እዩ። ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ኸምኡውን ኣብ ዝመረጽናዮ እዋን ናብኡ ኽንቀርብ ንኽእል ኢና። ቅቡል ጸሎት ወትሩ ናብኡ ይበጽሕ እዩ። (ምሳሌ 15:29) እዚ ብሓቂ ዜደንቕ እዩ! ነዚ ዘሎና ሞሳ ናብቲ “ጸሎት እትሰምዕ” ተባሂሉ እተጸውዐ ኣምላኽ ኣዘውቲርና ንኽንጽሊ ኺድርኸናዶ ኣይግባእን፧—መዝሙር 65:2

2. ጸሎት ብኣምላኽ ተቐባልነት ንኺረክብ እንታይ ኪማላእ የድሊ፧

2 ይኹን እምበር: ገሊኦም ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎ ጸሎት እንታይ እዩ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። መጽሓፍ ቅዱስ: ጸሎት ተቐባልነት ዘለዎ ንኪኸውን ኪማላእ ዜድልዮ ነገር ኪገልጽ ከሎ: “ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከአልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ: ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን: ኪአምን ይግብኦ እዩ” ይብል። (እብራውያን 11:6) እወ: ኣብታ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ዓንቀጽ ከም እተገልጸ: እምነት ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ እተኽእለና ኣገዳሲት ረቛሒ እያ። ኣምላኽ ንጸሎት እቶም ናብኡ ዚቐርቡ ኪቕበል ድሉው እዩ፣ እንተዀነ ግን ንሳቶም ነዚ ብቕንዕናን ብግቡእ ዝንባለ ልብን ብእምነትን ብቕኑዕ ግብርን ኪገብርዎ ኣለዎም።

3. (ሀ) ከምቲ ኣብ ጸሎት እቶም ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ እተራእየ: ጸሎትና እንታይ ዓይነት ሓሳባት እዩ ኺሕዝ ዚኽእል፧ (ለ) እንታይ እተፈላለየ ዓይነት ጸሎት እዩ ዘሎ፧

3 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ክርስትያናት: “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ” በሎም። (ፊልጲ 4:6, 7) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ዜተሓሳስቦም ነገር ንኣምላኽ ዘካፈሉ ሰባት ዚገልጽ ሓያሎ ኣብነታት ሒዙ ኣሎ። ካብ መንጎ እዚኣቶም ሃና: ኤልያስ: ህዝቅያስ: ዳንኤል ይርከብዎም። (1 ሳሙኤል 2:1-10፣ 1 ነገስት 18:36, 37፣ 2 ነገስት 19:15-19፣ ዳንኤል 9:3-21) ኣብነቶም ክንስዕብ ኣሎና። ብዘይካዚውን: ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላት: ጸሎትና እተፈላለየ መልክዕ ኪህልዎ ኸም ዚኽእል ዚሕብር ምዃኑ ኣስተብህል። ጳውሎስ ምስጋና ጠቒሱ ኣሎ: እዚ ኸኣ ነቲ ኣምላኽ ዝገበረልና ሞሳና እንገልጸሉ ጸሎት የመልክት። እዚ ብውዳሰ እውን እተሰነየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ልማኖ ነቲ ብትሕትና ዝግበር ዕቱብ ምህለላ የመልክት። ድሌትና ኽንገልጽ: ወይ ብዛዕባ ሓደ ነገር ፈሊና ኽንሓትት እውን ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 11:2, 3) እቲ ሰማያዊ ኣቦና ብዝዀነ ይኹን እዚ እተጠቕሰ መገድታት እዚ ኽንቀርቦ ኸለና ተሓጒሱ እዩ ዚቕበለና።

4. የሆዋ ዜድልየና ዚፈልጥ እኳ እንተ ዀነ: ንምንታይ ኢና ድሌትና ብንጹር እንሓቶ፧

4 ገሊኦም ‘የሆዋ ንዅሉ ዜድልየና ይፈልጦ ደይኰነን፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። እወ: ይፈልጦ እዩ። (ማቴዎስ 6:8, 32) እንተዀነ ግን: ድሌትና ብንጹር ክንገልጸሉ ዚደልየና ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ነዚ ዚስዕብ ኣብነት እስከ ሕሰበሉ:- ሓደ ብዓል ድኳን ንገሊኦም ዓማዊሉ ውህበት ኬዳሉ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ነቲ ውህበት እቲ ንምቕባል: እቶም ዓማዊል ናብቲ ብዓል ድኳን ኪኸዱን ኪወሃቦም ኪሓትዎን ኣለዎም። እቶም ነቲ ጻዕሪ እቲ ኺገብሩ ዘይደልዩ: ነቲ ዝቐረበሎም ብሓቂ ኸም ዘየማስዉሉ እዮም ዜርእዩ። ብተመሳሳሊ: ብጸሎት ኣቢልና ድሌትና ንኸነፍልጥ ዕሽሽ ንብሎ እንተ ዄንና: ነቲ የሆዋ ዘቕረበልና ሞሳ ኸም ዚጐድለና እዩ ዜርኢ። የሱስ “ለምኑ ኽትረኽቡ ድማ ኢኹም” በለ። (ዮሃንስ 16:24) በዚ ኸምዚ: ኣብ ኣምላኽ ከም እንጽጋዕ ነርኢ።

ንኣምላኽ ብኸመይ ክንቀርቦ ይግባእ፧

5. ብስም የሱስ ክንጽሊ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

5 የሆዋ ብዛዕባ እቲ ናብኡ እንጽልየሉ መገዲ: ብዙሕ ተሪር ሕግታት ኣየንበረን። ኰይኑ ግን: ናብ ኣምላኽ እንቐርበሉ ግቡእ መገዲ ኽንመሃር ኣሎና: እዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ንረኽቦ። ንኣብነት: የሱስ ንሰዓብቱ “ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኸም ዚህበኩም: ብሓቂ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በሎም። (ዮሃንስ 16:23) ስለዚ: የሱስ እቲ ዅሎም ደቅሰብ በረኸት ኣምላኽ ዚረኽቡሉ እንኮ መትረብ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ: ብስም የሱስ ክንጽሊ ኣሎና።

6. ክንጽሊ ኸለና እንታይ ኣካላዊ ኣቃውማ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

6 ክንጽሊ ኸለና ኣካላዊ ኣቃውማና ኸመይ ኪኸውን ኣለዎ፧ ጸሎትና ንኺስማዕ ፍሉይ ኣካላዊ ኣቃውማ ኸም ዜድልየና መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሕብርን እዩ። (1 ነገስት 8:22፣ ነህምያ 8:6፣ ማርቆስ 11:25፣ ሉቃስ 22:41) እቲ ኣገዳሲ ነገር: ብቕንዕናን ብቕኑዕ ዝንባለ ልብን ናብ ኣምላኽ ምጽላይ እዩ።—ዮኤል 2:12, 13

7. (ሀ) እታ “ኣሜን” እትብል ቃል እንታይ እዩ ትርጕማ፧ (ለ) ኣብ ጸሎት ብግቡእ ኣብ መዓላ እትውዕልከ ብኸመይ እያ፧

7 ብዛዕባ እታ “ኣሜን” እትብል ቃል ምጥቃምከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ቅዱሳት ጽሑፋት እዛ ቓል እዚኣ ንጸሎትና: ብፍላይ ከኣ ንኻልኦት ሰባት ክንጽልየሎም ከለና: ምሽእቲ መደምደምታ ምዃና ይሕብር እዩ። (መዝሙር 72:19፣ 89:52) እታ ኣሜን እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል “እማን” ወይ “ብርግጽ” ዚብል መሰረታዊ ትርጕም እዩ ዘለዋ። ማክሊንቶክን ስትሮንግን ዘዳለውዎ ሳይክሎፔድያ ኣብ መወዳእታ ጸሎት “ኣሜን” ምባል ዘለዎ ትርጕም ኪገልጽ ከሎ: “ነቲ ኣቐዲሙ እተባህለ ቓላት ንምጽናዕ: ምእንቲ ኺፍጸም ከኣ ንምምህላል” ምዃኑ ይገልጽ። ስለዚ: እቲ ዚጽሊ ሰብ ካብ ልቡ “ኣሜን” ኢሉ ብምዝዛም: ብዛዕባ እቲ ዝበሎ ዓሚቝ ስምዒት ከም ዘለዎ ይሕብር። ንጉባኤ ወኪሉ ዚጽሊ ሰብ በዛ ቓል እዚኣ ኺዛዝም ከሎ: እቶም ዝሰምዕዎ ብልቦም ወይ ብዚስማዕ ድምጺ “ኣሜን” ኪብሉ ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ድማ ነቲ ዝሰምዕዎ ኻብ ልቦም ከም ዝሰመርዎ ይሕብር።—1 ቈረንቶስ 14:16

8. ገሊኡ ጸሎትና ምስ ጸሎት ያእቆብ ወይ ኣብርሃም ኪመሳሰል ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ ብዛዕባና እንታይ እዩ ዚገልጽ፧

8 እቲ እንጽልየሉ ጕዳይ ክሳዕ ክንደይ ከም ዜተሓሳስበና ንኸነርኢ ኢሉ: ኣምላኽ ስቕ ኢሉ ዚሓድገና እዋን ኣሎ። ከምቲ ምእንቲ ኺባረኽ ኢሉ ምሉእ ለይቲ ምስ መልኣኽ ኪቃለስ ዝሓደረ ጥንቲ ዝነበረ ያእቆብ ክንከውን የድልየና ይኸውን። (ዘፍጥረት 32:24-26) ወይ ከኣ ኣብ ገሊኡ ዅነታት ከምቲ ንየሆዋ ምእንቲ ሎጥን ካልኦት ኣብ ሶዶም ኪህልዉ ዚኽእሉ ዝነበሩ ጻድቃንን ብተደጋጋሚ ዝለመነ ኣብርሃም ክንከውን የድልየና ይኸውን። (ዘፍጥረት 18:22-33) ንሕናውን የሆዋ ምእንቲ ፍትሑን ሳህሉን ምሕረቱን ኢሉ ንኺሰምዓና ብምምሕጻን ብዛዕባ እቲ ኣኽቢርና እንርእዮ ነገራት ክንልምኖ ንኽእል ኢና።

ብዛዕባ እንታይ ክንልምን ንኽእል፧

9. ክንጽሊ ኸለና ብቐንዱ ኼተሓሳስበና ዘለዎ እንታይ እዩ ኪኸውን ዚግባእ፧

9 ጳውሎስ “ድሌትኩም ዘበለስ . . . ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ” ከም ዝበለ ዘክር። (ፊልጲ 4:6) ስለዚ: ብሕታዊ ጸሎት ዳርጋ ንዅሉ መዳይ ህይወት ኪትንክፍ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ጸሎትና ብቐዳምነት ኬተሓሳስበና ዘለዎ ነገር ንየሆዋ ዜገድሶ ነገራት ኪኸውን ኣለዎ። ኣብዚ ዳንኤል ሰናይ ኣብነት ይዀነና እዩ። እስራኤላውያን ብሰንኪ ሓጢኣቶም ምስ ተቐጽዑ: ዳንኤል “ብስምካ ተሰምዮም እዮም እሞ: ኣምላኸየ: ስለ ርእስኻ ኢልካ ግበር: ኣይትደንጒ” ብምባል ለመነ። (ዳንኤል 9:15-19) ጸሎትና እውን ብተመሳሳሊ ምቕዳስ ስም የሆዋን ምፍጻም ዕላማኡን ብቐዳምነት ከም ዜተሓሳስበና የርኢ ድዩ፧

10. ብዛዕባ ብሕታዊ ጕዳያት ምጽላይ ግቡእ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧

10 ይኹን እምበር: ብዛዕባ ብሕታዊ ጕዳያት ምልማን እውን ግቡእ እዩ። ንኣብነት: ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር ዓሚቝ መንፈሳዊ ግንዛበ ምእንቲ ኺህልወና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። ንሱ “ምስትውዓል ሀበኒ እሞ: ንሕግኻ ኽሕልዎ: ብምሉእ ልበይውን ክገብሮ እየ” ኢሉ ጸለየ። (መዝሙር 119:33, 34፣ ቈሎሴ 1:9, 10) የሱስ “ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚከአሎ: ጸሎትን ምህልላን” ኣቕረበ። (እብራውያን 5:7) ከምዚ ብምግባሩ: ሓደ ሰብ ሓደጋ ወይ ፈተና ኼጋጥሞ ኸሎ ብርታዐ ምንዳዩ ግቡእ ምዃኑ ኣርኣየ። ንደቀ መዛሙርቱ እታ ኣብነት እትኸውን ጸሎት ኪምህሮም ከሎ: ከም ሕድገት በደልን ናይ ዕለት እንጌራ ምርካብን ዝኣመሰለ ብሕታዊ ጕዳያት ኣጠቓለለ።

11. ጸሎት ብፈተና ንኸይንወድቕ ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

11 የሱስ ኣብታ ኣብነት እትኸውን ጸሎት: “ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር: ናብ ፈተና ኣይተእትወና” ዚብል ለመና ኣእትዩ ኣሎ። (ማቴዎስ 6:9-13) ኣብ ካልእ እዋን “ናብ ፈተና ኸይትአትዉስ ንቕሑን ጸልዩን” ዚብል ምኽሪ ሂቡ እዩ። (ማቴዎስ 26:41) ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ጸሎት ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንመሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዕሽሽ ክንብል ንፍተን ንኸውን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ኣብ ዜተሓታትት ንጥፈታት ክንሓበሮም ይዕድሙና ይዀኑ። ነቲ ቕኑዕ ስርዓታት ዚጥሕስ ነገራት ክንገብር ንሕተት ንኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን: ኣቐድም ኣቢልና ዀነ እቲ ፈተና ኣብ ዜጋጥመና እዋን ንኣምላኽ ኣብ ፈተና ንኸይንወድቕ ኪሕግዘና ብምልማን ነቲ የሱስ ንኽንጽሊ ዝሃበና ምኽሪ ኽንስዕብ ኣሎና።

12. እንታይ ዜጨንቕ ነገራት እዩ ንኽንጽሊ ዚድርኸና፧ ካብ የሆዋኸ እንታይ ኢና ኽንጽበ እንኽእል፧

12 ሎሚ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም እተፈላለየ ጸቕጥታትን ጭንቀታትን የጋጥሞም እዩ። ሕማማትን ስምዒታዊ ውጥረትን ከኣ ንብዙሓት የጨንቖም እዩ። ኣብ ከባቢና ዘሎ ዓመጻ ንህይወትና ብውጥረት እዩ ዚመልኦ። ቍጠባዊ ጸገማት ንመነባብሮ ዜድሊ ንምምላእ ኣጸጋሚ ይገብሮ ኣሎ። የሆዋ ነቶም ነዚ ጕዳያት እዚ ናብኡ ዜቕርብዎ ኣገልገልቱ ኸም ዚሰምዖም ምፍላጥና ኽሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! መዝሙር 102:17 ብዛዕባ የሆዋ “ኣብ ጸሎት ሽጉራት ኬቕልብ: ንጸሎቶምውን ኣይኪንዕቕን እዩ” ትብል።

13. (ሀ) ንጸሎት ብቑዕ ዝዀነ ብሕታዊ ጕዳያት እንታይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ኣብነት ሃብ።

13 ከም ሓቂ እኳ ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ወይ ምስኡ ዘሎና ርክብ ዚጸሉ ዝዀነ ይኹን ነገር ክንጽልየሉ ንኽእል ኢና። (1 ዮሃንስ 5:14) ብዛዕባ ሓዳር: ብዛዕባ ስራሕ: ወይ ኣገልግሎትካ ብዛዕባ ምስፋሕ ውሳነታት ክትገብር እንተ ኣድልዩካ: ነዚ ጕዳይ እዚ ንኣምላኽ ንምንጋርን መምርሒኡ ንምሕታትን ኣይትሰከፍ። ንኣብነት: ኣብ ፊሊፒንስ እትነብር መንእሰይ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክትሳተፍ ደለየት። ይኹን እምበር: ርእሳ ኽኢላ ንምንባር ዜኽእላ ስራሕ ግን ኣይነበራን። ድሕሪኡ ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ከምዚ ኢላ ተዘንቱ:- “ሓደ ቐዳም: ፈላሚት ኴንካ ብዛዕባ ምግልጋል ናብ የሆዋ ብንጹር ጸለኹ። ጸኒሐ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ዕዮ ስብከት ወጻእኩ: ንሓንቲ ጐርዞ ኸኣ ሓንቲ መጽሓፍ ኣርኣኽዋ። ብሃንደበት እታ ጓል: ‘ሰኑይ ንግሆ ኣንጊህኪ ናብ ቤት ትምህርተይ ክትከዲ ኣሎኪ’ በለትኒ። ‘ስለምንታይ፧’ ኢለ ሓተትክዋ። ብቕልጡፍ ኪምላእ ዜድልዮ ኽፉት ስራሕ ከም ዘሎ ገለጸትለይ። ናብኡ ኸድኩ: ብኡንብኡ ድማ ተቘጸርኩ። እዚ ዅሉ ብቕልጡፍ እዩ ተፈጺሙ።” ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመሳሳሊ ተመክሮታት ኣለዎም። ስለዚ: ነቲ ልባዊ ድሌትካ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ኣይትሰከፍ!

እንተ ሓጢእናኸ፧

14, 15. (ሀ) ሓደ ሰብ ዋላ እውን እንተ ሓጥአ: ካብ ምጽላይ ኬድሓርሕር ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ሰብ ዚገብሮ ብሕታዊ ጸሎት: እንታይ እዩ ኻብ ሓጢኣቱ ንኺሓዊ ዚሕግዞ፧

14 ሓደ ሰብ እንተ ሓጢኡ: ጸሎት ዚሕግዞ ብኸመይ እዩ፧ ገሊኦም ዝሓጥኡ ሰባት ስለ ዚሓንኩ ምጽላይ ይሓድግዎ። እዚ ግን ጥበባዊ መገዲ ኣይኰነን። ከም መብርሂ ነዚ ዚስዕብ እስከ ንርአ:- መራሕቲ ነፋሪት መገዶም እንተ ስሒቶም: ምስቲ ተቘጻጸሪ ትራፊክ ኣየር ርክብ ብምግባር ሓገዝ ከም ዚረኽቡ ይፈልጡ እዮም። እንተዀነ ግን: ሓደ መገዱ ዝሰሓተ መራሕ ነፋሪት ስለ ዝጠፍአ ኣሕፊርዎ ምስቲ ተቘጻጸሪ ርክብ ንኸይገብር ሰጋእ መጋእ እንተ ኢሉኸ፧ እዚ ናብ ዓብዪ ሓደጋ ኼምርሕ ይኽእል እዩ! ብተመሳሳሊ: እቲ ዝሓጥአን ናብ ኣምላኽ ምጽላይ ዘሕፈሮን ሰብ ተወሳኺ ጕድኣት ኪወርዶ ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ዚስምዖ ሕንኪ: ምስ የሆዋ ምዝራብ ከም ዜቋርጽ ኪገብሮ የብሉን። እኳ ደኣስ: ኣምላኽ ነቶም ከቢድ ሓጢኣት ዝገበሩ ናብኡ ንኺጽልዩ ይዕድሞም እዩ። ነብዪ ኢሳይያስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ሓጥኣን ናብ የሆዋ ኺምህለሉ ተማሕጸኖም: ከመይሲ የሆዋ “ኣዝዩ ይቕረ ይብል እዩ።” (ኢሳይያስ 55:6, 7) ልክዕ እዩ: ሓደ ሰብ ፈለማ ርእሱ ትሕት ብምባል: ካብ ሓጥእ መገዱ ብምምላስ: ከምኡውን ብሓቂ ብምንሳሕ: ‘ኪምህለል’ ወይ ‘ገጽ የሆዋ ኺደሊ’ ይኽእል እዩ።—መዝሙር 119:58፣ ዳንኤል 9:13

15 ሓጢኣት ኣብ ዚፍጸመሉ እዋን: ጸሎት ብኻልእ ምኽንያት እውን ኣገዳሲ ይኸውን እዩ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ብዛዕባ መንፈሳዊ ሓገዝ ዚደሊ ሰብ ኣመልኪቱ: “ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ: ንሳቶም ከኣ . . . ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። . . . ጐይታውን ከተንስኦ እዩ” በለ። (ያእቆብ 5:14, 15) እወ: ሓደ ውልቀ-ሰብ ብብሕቱ ሓጢኣቱ ብጸሎት ንየሆዋ ኺናዘዝ ኣለዎ: ብዘይካዚውን ነቶም ሽማግለታት ንኺጽልዩሉ ኺሓቶም ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ብመንፈሳዊ መዳይ ንኺሓዊ ኺሕግዞ ይኽእል እዩ።

ንጸሎትና ዚወሃበና ምላሽ

16, 17. (ሀ) የሆዋ ጸሎት ዚምልስ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ጸሎትን ዕዮ ስብከትን ኣጸቢቑ ኸም ዚተሓሐዝ እንታይ ተመክሮታት እዩ ዚሕብር፧

16 ጸሎት ምላሽ ዚወሃበሉ ብኸመይ እዩ፧ ገሊኡ ብቕልጡፍን ብንጹርን እዩ ምላሽ ዚወሃበሉ። (2 ነገስት 20:1-6) ገሊኡ ግን እተወሰነ ግዜ ኺወስድ: እቲ ምላሽ ከኣ ንኽትርድኦ ኽብድ ዝበለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ እታ ኸይቀበጸት ነቲ ፈራዲ እትመላለሶ ዝነበረት መበለት ዝመሰሎ ምሳሌ ኸም እተገልጸ: ብተደጋጋሚ ናብ ኣምላኽ ምጽላይ ኣድላዪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ሉቃስ 18:1-8) ይኹን እምበር: ከም ፍቓድ ኣምላኽ ጌርና እንተ ጸሊና: የሆዋ “ኣይተድክመኒ” ኢሉ ኸቶ ኣይምልሰልናን እዩ።—ሉቃስ 11:5-9

17 ህዝቢ የሆዋ ኣብ ሓያሎ ጕዳያት ጸሎቶም ኪምለስ ከሎ ርእዮም እዮም። እዚ ብተደጋጋሚ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎትና ንርእዮ ኢና። ንኣብነት: ኣብ ፊሊፒንስ ክልተ ክርስትያን ኣሓት ኣብ ግሉል ቦታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ይዕድላ ነበራ። ንሓንቲ ሰበይቲ ትራክት ምስ ሃብኣ: ኣዒንታ ቕጽርጽር እናበለ: “ትማሊ ለይቲ ኣምላኽ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህረኒ ሰብ ኪሰደለይ ጸልየ ነይረ: እዚ ኸኣ ንጸሎተይ መልሲ ይመስለኒ” በለት። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: እታ ሰበይቲ ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታት ክትእከብ ጀመረት። ኣብ ካልእ ክፋል ደቡባዊ ምብራቕ እስያ: ሓደ ክርስትያን ሓው ኣብቲ ብርቱዕ ሓለዋ ዚግበረሉ ህንጻ ኣትዩ ምስባኽ ኣፍረሆ። ይኹን እምበር: ናብ የሆዋ ጸለዩ ብትብዓት ናብቲ ህንጻ ኣተወ። ናብ ሓደ ኣፓርታማ ቐሪቡ ዃሕኵሐ: ሓንቲ መንእሰይ ድማ መጸት። እቲ ሓው ዝመጸሉ ምኽንያት ምስ ገለጸላ: ክትበኪ ጀመረት። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከተናዲ ኸም ዝጸንሐትን ንኽትረኽቦም ኢላ ኸም ዝጸለየትን ነገረቶ። እቲ ሓው ተሓጒሱ ምስታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣራኸባ።

18. (ሀ) ጸሎትና ምስ ተመለሰልና: እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (ለ) ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚ እንተ ጸሊና: ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

18 ጸሎት ብሓቂ ዜደንቕ መሰናድዎ እዩ። የሆዋ ንኺሰምዕን ንኺምልስን ድሉው እዩ። (ኢሳይያስ 30:18, 19) ኰይኑ ግን: የሆዋ ንጸሎትና ብኸመይ ከም ዚምልሶ ንምፍላጥ መስተብሃልቲ ኽንከውን ኣሎና። ወትሩ በቲ እንጽበዮ መገዲ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን: መምርሒኡ ኸም ዝሃበና ምስ ኣስተውዓልና: ምምስጋኑን ምውዳሱን ክንርስዕ የብልናን። (1 ተሰሎንቄ 5:18) ብዘይካዚ: ነቲ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ” ዚብል ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ ማዕዳ ዘክር። እወ: ንኣምላኽ ንኽትዛረቦ እተኸፍተልካ ዅሉ ኣጋጣሚታት ተጠቐመሉ። በዚ ኸምዚ: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ጸሎቶም እተመለሰሎም ኣመልኪቱ: “እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን . . . ኪሕልዎ እዩ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ሓቂ ምዃኑ ኣብ ህይወትካ ኽትምከሮ ኢኻ።—ፊልጲ 4:6, 7

ክትምልሶዶ ምኸኣልካ፧

• ጸሎትና እንታይ መልክዕ ኪህልዎ ይኽእል፧

• ብኸመይ ክንጽሊ ይግባእ፧

• ኣብ ጸሎትና እንታይ ጕዳያት ክንጠቅስ ንኽእል፧

• ሓደ ሰብ ምስ ዚሓጥእ: ጸሎት እንታይ ግደ ኣለዎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ልባዊ ጸሎት ኣብ ፈተና ንኸይንወድቕ ይሕግዘና

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ብጸሎት ኣቢልና ምስጋናናን ዜተሓሳስበና ነገርን ድሌትናን ንኣምላኽ ንገልጸሉ