ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘዳግም 31:2 ሙሴ ኸም መራሕ እስራኤል መጠን ኪኣቱን ኪወጽእን ከም ዘይክእል ዜመልክት ኪኸውን ከሎ: ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ግን ሙሴ “ደጊም ክወጽእን ክአቱን ኣይፍቀደለይን” ከም ዝበለ ጌርካ እተተርጐመ ስለምንታይ እዩ፧

እታ መዘራረቢት ኰይና ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል ብኽልቲኡ መገዲ ኽትትርጐም እትኽእል እኳ እንተ ዀነት: ኣብ ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኣተራጕማ: ሙሴ ኣብ ኣጋ ሞቱ ማሲኑ ስለ ዝነበረ: ነቲ ምስ መሪሕነት እተተሓሓዘ ሓላፍነት ኪስከሞ ዘይክእል ከም ዝነበረ ገይሩ እዩ ዜቕርቦ። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ትርጕም 1956 ሙሴ “ኣነ ሎሚ ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት እየ እሞ: ደጊም ክወጽእን ክአቱን ኣይክእልን” ከም ዝበለ ገይሩ ኺጠቕሶ ኸሎ: ትርጕም 1990 ከኣ “ኣነ . . . ደጊም ክመርሓኩም ኣይክእልን እየ” ይብል።

ይኹን እምበር: ሙሴ ብዕድመ ደፊኡ እኳ እንተ ነበረ: ኣካላቱ ግን ከም ዘይማሰነ ዘዳግም 34:7 ትሕብር። ከምዚ ድማ ትብል:- “ሙሴ ኺመውት ከሎ: ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት ነበረ: ኣዒንቱ ኣይሐመቓን ሓይሉውን ኣይደኸመን ነበረ።” ስለዚ እምበኣር: ሙሴ ነቲ ህዝቢ ኺመርሖ ኣካላዊ ብቕዓት እኳ እንተ ነበሮ: ደጊም ንኺመርሖም ፍቓድ የሆዋ ኣይነበረን። ነዚ ኸኣ ሙሴ ቐጺሉ “እግዚኣብሄር ድማ: ነዚ ዮርዳኖስ ኣይትሰግሮን ኢኻ: በለኒ” ብምባል ኣብሪህዎ ኣሎ። የሆዋ ኣብዚ ነቲ ኣብ ማይ መሪባ ዘመሓላለፎ ውሳነ ይደግሞ ኸም ዝነበረ ግሁድ እዩ።—ዘሁልቍ 20:9-12

ሙሴ ኣብ ሰለስተ እዋን ኪኽፈል ዚኽእል ነዊሕን ጕሉሕን ናብራ ህይወት እዩ ኣሕሊፉ። ን40 ዓመት ኣብ ግብጺ ይነብር ነበረ: ኣብኡ ኸኣ “ኵሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ: ብቓሉን ብግብሩን ከኣ በርትዔ።” (ግብሪ ሃዋርያት 7:20-22) ኣብቲ ዝቐጸለ 40 ዓመት ከኣ ኣብ ሚድያን ተቐመጠ። ኣብኡ ኸኣ ንህዝቢ የሆዋ ንኺመርሕ ዜድልዮ መንፈሳዊ ባህርያት ኣማዕበለ። ኣብ መወዳእታ ን40 ዓመት ንእስራኤላውያን መርሖምን ኣመሓደሮምን። ድሕሪ እዚ ግን የሆዋ ነቲ ህዝቢ ርባ ዮርዳኖስ ኣሳጊሩ ናብታ ምድሪ ተስፋ ዚመርሖም እያሱ ደኣ እምበር ሙሴ ኪኸውን ከም ዘይብሉ ወሰነ።—ዘዳግም 31:3

በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር ተርጐምቲ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ንዘዳግም 31:2 እቲ ቕኑዕ ትርጕማ ኣመሓላሊፎምዎ ኣለዉ። ሙሴ መራሕ እስራኤል ኰይኑ ዘይቀጸለሉ ምኽንያት ኣካላዊ ብቕዓት ስለ ዝጐደሎ ዘይኰነስ: የሆዋ ስለ ዘይፈቐደሉ እዩ።