ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ እምብዛ ቐያዲ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እምብዛ ቐያዲ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እምብዛ ቐያዲ ድዩ፧

ሓደ ኣብ ፊንላንድ ዚነብር መንእሰይ: “ቈልዓ ኸለኹ: ዝዀነ ይኹን መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይተመሃርኩን። ብዛዕባ ኣምላኽ እውን ተጠቒሱለይ ኣይፈልጥን እዩ” በለ። ሎሚ ኸምዚ ዓይነት ኣተዓባብያ ዘይልሙድ ኣይኰነን። ብዙሓት ሰባት: ብፍላይ ከኣ መንእሰያት: ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣመና ግዜኡ ኸም ዝሓለፎን ማዕዳኡ እምብዛ ቐያዲ ኸም ዝዀነን ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪስዕቡ ዚደልዩ ዘበሉ ህይወቶም ቀይድታትን ትእዛዛትን ዝመልኦ ጭቁናት ሰባት ጌርካ እዮም ዚረኣዩ። ስለዚ: ብዙሓት ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘየንበቡ: መምርሒ ድማ ካብ ካልእ እንተ ደለዩ ዝሓሸ ዀይኑ ይስምዖም።

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ንኺተሓዝ ካብ ዝገበረ ቐንዲ ምኽንያታት ሓደ: እቲ ኣብያተ-ክርስትያን ንነዊሕ ዓመታት ዝገበራኦ ጭቈና እዩ። ንኣብነት: ኣብቲ ገሊኦም ጸሓፍቲ ታሪኽ መዋእል ጸልማት ኢሎም ዚጽውዕዎ እዋን: ኣብ ኣውሮጳ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዳርጋ ንዅሉ መዳያት ህይወት ሰባት ትቈጻጸሮ ነበረት። ምስታ ቤተ-ክርስትያን ኪጻረር ዚደፍር ዝዀነ ይኹን ሰብ: ይስቀን ይቕተልን ነበረ። እተን ጸኒሐን እተቐልቀላ ኣብያተ-ክርስትያን ፕሮተስታንት እውን ንብሕታዊ ናጽነት ይቕይዳ ነይረን እየን። ሎሚ: ከም “ካልቪናውያን” ወይ “ፕዩርታውያን” ዝኣመሰለ ቓላት ኪጥቀስ ከሎ ንሰዓብቲ እተወሰነ እምነታት ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ኣብተን ጕጅለታት ዘሎ ኸቢድ መቕጻዕቲ ትዝ ከም ዚብለካ እዩ ዚገብር። ኣብያተ-ክርስትያን ጨቈንቲ ስለ ዝነበራ: ሰባት ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ጨቋኒ ኪኸውን ኣለዎ ኣብ ዚብል ግጉይ መደምደምታ በጽሑ።

ኣብዚ ቐረባ ዘመናት: ኣብያተ-ክርስትያን እንተ ወሓደ ኣብ ገሊኡ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባት ዝነበረን ጽልዋ እናተዳኸመ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ዝጸንሐ እምነታት ሃይማኖት ምስ ተነጽገ: ሰባት ንርእሶም ቅኑዕን ጌጋን ናይ ምውሳን መሰል ኣለዎም ዚብል ኣተሓሳስባ መጸ። እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧ ናይ ስነ-ገበንን ፍርዳዊ ስነ-ማሕበርን ፕሮፌሰር ኣህቲ ላይቲነን: “ንስልጣን ዝነበረ ኣኽብሮት ጐዲሉ እዩ: ሰባት ብዛዕባ ቕቡልን ዘይቅቡልን ዘለዎም ምርዳእ ብዝያዳ ዘይብሩህ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ” ብምባል ገለጸ። እቲ ዜገርም: መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን እውን ከይተረፈ: ነዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ይምብርከኹ ኣለዉ። ሓደ ውሩይ ሉተራዊ ኣቡን: “ንስነ-ምግባራዊ ሕቶታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ካብ ገሊኡ ሃይማኖታዊ ስልጣን መልሲ ይርከበሉ ዚብል ሓሳብ አርሕቖ እየ” በለ።

ደረት ዘይብሉ ናጽነት ተደላዪ ድዩ፧

ደረት ዘይብሉ ናጽነት ዚብልዎ ሓሳብ: ብፍላይ ንመንእሰያት ሰሓቢ ኺመስል ይኽእል እዩ። ኣትሒትካ ኺረኣዩ ወይ እዚ ግበር እዚ ኣይትግበር ኪበሃሉ ዚደልዩ ሰባት ብዙሓት ኣይኰኑን። ይኹን እምበር: ኵሉ ሰብ ዝደለዮ ኺገብር ናጻ ኪኸውን ግቡእ ድዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ: ነዚ ዚስዕብ ምሳሌ ሕሰበሉ። ሓንቲ ሕግታት ትራፊክ ዘይብላ ኸተማ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ኣብታ ኸተማ መምርሒ ፍቓድ ወይ ማኪና ንምምራሕ ፈተና ምውሳድ ኣየድልን እዩ። ሰባት ብቓሕ ዝበሎም ኣገባብ ኪዝውሩ ይኽእሉ እዮም፣ ዋላ እውን ሰኺሮም: ብዛዕባ ደረት ፍጥነት: ብዛዕባ ሰማፎሮ: ብዛዕባ ሓደ ዝኣንፈቱ ጐደናታት: ወይ ብዛዕባ ዚሳገሩ ኣጋር ከይተጨነቑ ኺዝውሩ ይኽእሉ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ “ናጽነት” ተደላዪ ድዩ፧ ብጥራሽ ኣይኰነን! እዚ ሕንፍሽፍሽን ዕግርግርን ዕንወትን እዩ ዜስዕብ። ሕግታት ትራፊክ ንናጽነት ሰባት ዚቕይድ እኳ እንተ ዀነ: እዚ ሕግታት እዚ ንመራሕቲ ማካይንን ንኣጋርን ንኼዕቍብ ተባሂሉ ኸም ዝወጸ ንርዳእ ኢና።

ብተመሳሳሊ: የሆዋ ብኸመይ ከም እንነብር መምርሒ ይህበና እዩ። እዚ ንዓና ይጠቕመና እዩ። ብዘይ ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሒ: ብሃሳሰ ለባም ኢና እንመሃር: ከምኡ ኽንገብር ከለና ኸኣ ንርእስናን ንኻልኦትን ክንጐድእ ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ስነ-ምግባራዊ ፋሉልነት ማዕረ እቲ ሕግታት ትራፊክ ኣብ ዘይብላ ኸተማ ማኪና ምምራሕ: ዘይተደላይን ሓደገኛን ይኸውን። መምርሒታትን ሕግታትን ከም ዜድልየና ብዙሓት ሰባት ብኡንብኡ ዚኣምኑሉ ሓቂ እዩ።

‘ጾረይ ቀሊል እዩ’

ሕግታት ትራፊክ ነዊሕ ዝርዝር መምርሒታት ዝሓዘ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ብዛዕባ ደው መበሊ ማኪና ዝወጸ መምርሒታት ንባዕሉ ዜደንጹ እዩ። ብኣንጻሩ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ነዊሕ ዝርዝር መምርሒታት ዝሓዘ ኣይኰነን። የግዳስ: መሰረታዊ ስርዓታት እዩ ዚሰርዕ: እዚ ስርዓታት እዚ ኸኣ ከቢድ ወይ ጨቋኒ ኣይኰነን። የሱስ ክርስቶስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባት: “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። . . . ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ” ብምባል ዚስሕብ ዕድመ ኣቕረበሎም። (ማቴዎስ 11:28, 30) ሃዋርያ ጳውሎስ ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ: “ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ: ኣብኡ ሓርነት አሎ” በለ።—2 ቈረንቶስ 3:17

እቲ ሓርነት እቲ ግን ደረት ዘይብሉ ኣይኰነን። ኣምላኽ ኪማላእ ዚደልዮ ብቕዓታት እተወሰነ ቐሊል ትእዛዛት ከም ዜጠቓልል የሱስ ብንጹር ሓቢሩ እዩ። ንኣብነት: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ትእዛዘይ እዚ እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 15:12) ኵሉ ሰብ ነዚ ትእዛዝ እዚ እንተ ዚሕልዎ ህይወት ከመይ ክትከውን ከም እትኽእል እሞ ሕሰቦ! ስለዚ: እቲ ክርስትያናት ዘለዎም ናጽነት ወይ ሓርነት ብዘይ ደረት ኣይኰነን። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ከም ውጹኣት ሓራ: ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር: ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኹኑ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ጴጥሮስ 2:16

ስለዚ: ክርስትያናት ብዝርዝር ሕግታት እኳ እንተ ዘይተቐየዱ: በቲ ብርእሶም ቅኑዕን ጌጋን ዚብልዎ ኣይኰነን ዚመላለሱ። ሰባት ነቲ ኣምላኽ ጥራይ ኪህቦም ዚኽእል መምርሒ የድልዮም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ‘እቲ ዚመላለስ ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ የብሉን’ ይብል። (ኤርምያስ 10:23) ኣምላኽ ዚህበና መምርሒ እንተ ሓሊና: ብዙሕ ኢና እንጥቀም።—መዝሙር 19:11

ሓደ ኻብቲ እንረኽቦ ጥቕምታት ሓጐስ እዩ። ንኣብነት: እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ መንእሰይ: ሰራቕን ሓሳውን እዩ ነይሩ። ብጾታዊ እውን ፍኑው እዩ ነይሩ። ነቲ ልዑል መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተማህረ: ምስኡ ንምስምማዕ ህይወቱ ቐየረ። ከምዚ ድማ በለ:- “ዋላኳ ንዅሉ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓንሳእ ክስዕቦ እንተ ዘይከኣልኩ: ዋጋኡ ግን ተረዲኡኒ ነይሩ እዩ። ኣቐዲሙ ዝነበረ ኣነባብራይ ነቲ ሕጂ ዝረኽቦ ሓጐስ ኣየፍርየለይን እዩ ነይሩ። ብመሰረት መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ምንባር ንህይወት ቀሊል ይገብሮ። ናበይ ገጽካ ኸም እተምርሕ ከምኡውን ቅኑዕን ጌጋን እንታይ ምዃኑ ትፈልጥ።”

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ተመሳሳሊ ተመክሮ ኣለዎም። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መምርሒ: እተመሓየሸ ሰብኣዊ ርክባት ንኺህልዎም: ብዛዕባ ስራሕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኼማዕብሉ: ካብ ጐዳኢ ኣመላት ንኪቝጠቡ: ከምኡውን ዝያዳ ሓጐስ ዘለዎ ህይወት ንኺመርሑ ሓጊዝዎም እዩ። ማርከስ a ዚበሃል ኣብ ህይወቱ ንመለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይስዕብ ዝነበረ: ሕጂ ግን ዚስዕብ ዘሎ መንእሰይ: “ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ህይወተይ ብምምራሐይ: ነቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ዝነበረኒ ኣኽብሮት ኣመሓይሽዎ እዩ” በለ። b

ምርጫኻ እንታይ እዩ፧

እሞኸ መጽሓፍ ቅዱስ ቀያዲ ድዩ፧ እወ፣ እዚ ኸኣ ንጥቕሚ ዅልና እዩ። እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ እምብዛ ቐያዲ ድዩ፧ ኣይፋልን። ደረት ዘይብሉ ናጽነት ናብ ጸገማት ጥራይ እዩ ዚመርሕ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መለክዒታት ሚዛናዊ እዩ: ደሓን ንኽንከውንን ሓጐስ ንኽንረክብን ዚሕግዝ ከኣ እዩ። ማርከስ ከምዚ በለ:- “ቃል ኣምላኽ ኣብ ናብራ ህይወት ምውዓል ጥበባዊ ምዃኑ ድሕሪ ግዜ ርእየዮ እየ። ኣነ ዝስዕቦ ህይወት ካብ ናይ መብዛሕትኦም ሰባት ብብዙሕ መገዲ እተፈልየ እኳ እንተ ዀነ: ኣብ ህይወተይ ዚጠቅም ዘበለ ነገር ከም ዘምለጠኒ ገይረ ዝሓሰብኩሉ እዋን የለን።”

ብመለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ምንባር ዜምጽኦ በረኸት ክትምከሮ ምስ ጀመርካ: ንቓል ኣምላኽ ዘሎካ ሞሳ ኺውስኽ እዩ። እዚ ኸኣ ዝያዳ በረኸት ንኽንረክብ ኬኽእለና እዩ። እወ: ነቲ ምንጩ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ከተፍቅሮ ኢኻ። “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ።”—1 ዮሃንስ 5:3

የሆዋ ፈጣሪናን ሰማያዊ ኣቦናን እዩ። ንዓና ዚጠቕመና ነገር ይፈልጥ እዩ። ኣብ ክንዲ ዚቕይደና: ንጥቕምና ዚኸውን ፍቕራዊ መምርሒ እዩ ዚህበና። የሆዋ ብዚስሕብ ቃላት: “ኣየ: ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ: ሰላምካ ኸም ወሓዚ: ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ” ኢሉ ይምሕጸነና እዩ።—ኢሳይያስ 48:18

[እግረ-ጽሑፋት]

a ስም ተቐዪሩ እዩ።

b ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸ መገዲ ህይወት ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 12 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ከነማልኦ ዚደልየና ብቕዓታት ዕረፍቲ ዜምጽእ ምዃኑ የሱስ ገለጸ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

መምርሒታት ኣምላኽ ምሕላው ሓጐስን ክብርን የምጽእ