ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብእምነትን ብፍርሃት ኣምላኽን ዚፈሪ ትብዓት

ብእምነትን ብፍርሃት ኣምላኽን ዚፈሪ ትብዓት

ብእምነትን ብፍርሃት ኣምላኽን ዚፈሪ ትብዓት

“ጽናዕ: ትባዕ: . . . እግዚኣብሄር ኣምላኽካ: . . . ምሳኻ እዩ።”—እያሱ 1:9

1, 2. (ሀ) ብሰብኣዊ ኣረኣእያ: እስራኤላውያን ንከነኣናውያን ኪስዕሩ ዝነበሮም ዕድል ከመይ እዩ፧ (ለ) እያሱ እንታይ መረጋገጺ እዩ እተዋህቦ፧

 ብ1473 ቅ.ክ. ህዝቢ እስራኤል ናብታ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ቐሪቦም ነበሩ። ሙሴ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥሞም ጸገማት ከምዚ ብምባል ኣዘኻኸሮም:- “ሎሚ ንስኻ ንዮርዳኖስ ክትሳገሮ ኢኻ እሞ ካባኻ ዚዐብዩን ዚሕይሉን ህዝብታት: ክሳዕ ሰማይ ዚበጽሓ እተዐርዳ ዓበይቲ ኸተማታት: ዓብይን ነዊሕን ህዝቢ: ደቂ ዓናቅ: ንስኻ እትፈልጦም: ብዛዕባኦም ድማ፤ ኣብ ቅድሚ ደቂ ዓናቅ መን ደው ኪብል ይኽእል፧ ኪበሀል ዝሰማዕካ: ክትወርሶም ክትአቱ ኢኻ።” (ዘዳግም 9:1, 2) እወ: እቶም ዓርሞሸሽ ተዋጋእቲ ውሩያት እዮም ነይሮም! ኣብ ልዕሊ እዚ ኸኣ ገሊኦም ከነኣናውያን: ኣፍራስን ኣብ መንኰራዅሩ ማዕጺድ ዚመስል ሓጺን እተገጥመሉ ሰረገላታትን እተዓጥቀ ሰራዊት ነበሮም።—መሳፍንቲ 4:13

2 በቲ ሓደ ሸነኽ ግን እስራኤል ባርያ ዝነበረ ህዝቢ እዩ: ኣብ በረኻ ኸኣ 40 ዓመት ኣሕሊፉ ነበረ። ስለዚ: ብሰብኣዊ ኣረኣእያ ኺርአ ኸሎ: ንኺዕወቱ ዝነበሮም ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን: ሙሴ እምነት ነበሮ፣ የሆዋ ኸም ዚመርሖም ድማ ‘ይረኣዮ’ ነበረ። (እብራውያን 11:27) ሙሴ ነቲ ህዝቢ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ . . . ቐቅድሜኻ ኸም ዚሐልፍ ከኣ: ሎሚ ፍለጥ። ንሱ ኼጥፍኦም እዩ: ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሜኻ ኼዋርዶም እዩ” በሎ። (ዘዳግም 9:3፣ መዝሙር 33:16, 17) ድሕሪ ሞት ሙሴ: የሆዋ ንእያሱ: “ሕጂ ድማ ተንስእ: ንስኻን ብዘሎ እዚ ህዝቢ እዝን ናብታ ኣነ ንኣታቶም: ንደቂ እስራኤል: ዝህቦም ምድሪ ነዚ ዮርዳኖስ ተሳገሮ። ምሉእ ዕድሜኻ ዚቃወመካ ሰብ የልቦን። ምስ ሙሴ ኸም ዝነበርኩ: ምሳኻ ድማ ክኸውን እየ” ብምባል ከም ዚድግፎ ኣረጋገጸሉ።—እያሱ 1:2, 5

3. ንእምነትን ንትብዓትን እያሱ ኣበርክቶ ዝገበረ እንታይ እዩ፧

3 እያሱ ደገፍን መምርሕን የሆዋ ንኺረክብ: ንሕጊ ኣምላኽ ኬንብቦን ኬስተንትነሉን ኣብ ግብሪ ኼውዕሎን ነበሮ። የሆዋ “ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ: ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ” በሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “ጽናዕ: ትባዕ: ኢለዶ ኣይአዘዝኩኻን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ: ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ: ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ” በሎ። (እያሱ 1:8, 9) እያሱ ንኣምላኽ ስለ ዝሰምዐ: ተባዕን ጽኑዕን ዕዉትን ኰነ። መብዛሕትኦም ካብ ወለዶኡ ግን ኣይሰምዑን። ከም ሳዕቤን እዚ ድማ: ኣሳልጦ ኣይረኸቡን: ኣብቲ በረኻ ኸኣ ሞቱ።

ትብዓት ዝጐደሎ ዘይኣምን ህዝቢ

4, 5. (ሀ) እቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ዝነበሮም ኣረኣእያ ምስ ናይ እያሱን ካሌብን ብኸመይ ይነጻጸር፧ (ለ) የሆዋ ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ዘርኣዮ ጕድለት እምነት እንታይ በለ፧

4 ኣርብዓ ዓመት ኣቐዲሙ እስራኤል ናብ ከነኣን ምስ ቀረበ: ሙሴ 12 ሰብኡት ነታ ምድሪ ኺስልዩ ልኢኹ ነበረ። ዓሰርተ ኻባታቶም ፈራሃት ኰኑ። “እቶም ኣብኣ ዝርኤናዮም ኵሎም ህዝቢ ኸኣ ነዋሕቲ ሰባት እዮም። ኣብኣ ድማ ካብ ንጉዓት ዓሌት: ንጉዓት ደቂ ዓናቅ ርኤና። ንሕና ኣብ ዓይንና ኸም ኣምበጣ ዀንና” በሉ። እቶም ደቂ ዓናቅ ጥራይ ዘይኰኑስ: “ኵሎም ህዝቢ” ዓርሞሸሽ ድዮም ነይሮም፧ ኣይፋልን። እቶም ደቂ ዓናቅ ካብቶም ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበሩ ሰባት እተወልዱ ንጉዓት ዓሌት ድዮም ነይሮም፧ ኣይኰኑን። ኰይኑ ግን: ብሰሪ እዚ እተመዛበለ ወረ: ኣብ ብምሉኡ እቲ ሰፈር ፍርሂ ነገሰ። ሕሉፍ ሓሊፎም እቶም ህዝቢ ናብታ ባሮት ኰይኖም ዚነብሩላ ዝነበሩ ግብጺ ኺምለሱ ደለዩ!—ዘሁልቍ 13:31–14:4

5 እያሱን ካሌብን ዚበሃሉ ኽልተ ኻብቶም ሰለይቲ ግን: ናብታ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ተሃንጥዮም ነበሩ። ብዛዕባ እቶም ከነኣናውያን “እንጌራና እዮም” በሉ። “እቲ ዜጽልለሎም ካባታቶም ኣግሊሱ: እግዚኣብሄር ከኣ ምሳና እዩ: ኣይትፍርህዎም” ድማ በሉ። (ዘሁልቍ 14:9) እያሱን ካሌብን ብዘይ መሰረት ድዮም ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዚሕዙ ዝነበሩ፧ ኣይፋልን። ምስቲ ዅሉ እቲ ህዝቢ ብሓባር ኰይኖም: የሆዋ በተን ዓሰርተ መዓት ኣቢሉ ነታ ሓያል ዝነበረት ግብጽን ንኣማልኽታን ኬዋርዳ ኸሎ ርእዮም እዮም። ድሕሪኡ: የሆዋ ንፈርኦንን ሰራዊቱን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኼጥሕሎ ኸሎ ረኣዩ። (መዝሙር 136:15) እቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ዀኑ እቶም ብኣታቶም እተጸልዉ ሰባት ምፍራሆም እምበኣር ይቕረ ዚበሃል ጕዳይ ኣይነበረን። የሆዋ ኣዝዩ ኸም ዝጐሃየ ኺገልጽ ከሎ: “ክሳዕ መኣዝከ እዮም በቲ ዅሉ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ትእምርትታት ዘይአምኑኒ፧” በለ።—ዘሁልቍ 14:11

6. ትብዓት ምስ እምነት ዚዛመድ ብኸመይ እዩ፧ ኣብዚ ግዜና ዚርአኸ ብኸመይ እዩ፧

6 የሆዋ ናብቲ ሱር እቲ ጸገም እዩ ኣተኲሩ፣ እቶም ህዝቢ ምፍራሆም እምነት ከም ዝጐደሎም እዩ ዜርኢ። እወ: እምነትን ትብዓትን ኣጸቢቑ ዚዛመድ እዩ። ካብዚ እተላዕለ እኳ ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ ክርስትያናዊት ጉባኤን መንፈሳዊ ውግእን: “እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ: ንሳ እምነትና እያ” በለ። (1 ዮሃንስ 5:4) ሎሚ: ከም ናይ እያሱን ካሌብን ዝኣመሰለት እምነት: ብልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዚዀኑ ንኣሽቱን ዓበይትን: ድልዱላትን ድኹማትን ዚርከብዎም መሰኻኽር የሆዋ ኣቢላ ኣብ መላእ ዓለም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚስበኽ ገይራ ኣላ። ነዚ ሓያልን ተባዕን ሰራዊት ስቕ ኬብል ዝኸኣለ ዋላ ሓደ ጸላኢ የልቦን።—ሮሜ 8:31

‘ንድሕሪት ኣይትመለስ’

7. “ንድሕሪት ዚምለሱ” ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

7 ሎሚ ኣገልገልቲ የሆዋ ኸምቲ “ንሕና ግና ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚአምኑ እምበር: ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኰንናን” ኢሉ ዝጸሓፈ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ስለ ዘለዎም: ብትብዓት ነቲ ብስራት ይሰብኩ እዮም። (እብራውያን 10:39) እቲ ጳውሎስ “ንድሕሪት ዚምለሱ” ኢሉ ዝጠቐሶ ነገር: ግዜያዊ ፍርሂ ምሕዳር ኣይኰነን፣ ከመይሲ: ብዙሓት እሙናት ኣገልገልቲ ሓድሓደ ግዜ ፍርሂ ይስምዖም እዩ። (1 ሳሙኤል 21:12፣ 1 ነገስት 19:1-4) የግዳስ: ከምቲ ሓደ መዝገበ-ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ “ምድሕርሓር: ምንስሓብ:” “ነታ ሓቂ ኣብ ምሓዝ ሸለልተኛ ምዃን” ማለት እዩ። እታ “ንድሕሪት ዚምለሱ” እትብል መግለጺ: ንኣገልግሎት ኣምላኽ ብዚምልከት “ንጋንጽላ ብምውራድ ነቲ ጕዕዞ ምዝሕታል” ኣብ ዚብል ውስጠዘኣዊ ኣገላልጻ እተመርኰሰት ክትከውን ትኽእል እያ። ልክዕ እዩ: እቶም ድልድልቲ እምነት ዘላቶም ሰባት መስጐጕቲ: ሕማም: ወይ ካልእ ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥሞም ከሎ: “ነቲ ጕዕዞ ምዝሕታል” ኣይሓስብዎን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ: የሆዋ ኣጸቢቑ ኸም ዚሓልየሎምን ዓቕሞም ከም ዚፈልጥን ብምትእምማን ብትግሃት የገልግልዎ። (መዝሙር 55:22፣ 103:14) ከምዚኣ ዝዓይነታ እምነት ኣላትካዶ፧

8, 9. (ሀ) የሆዋ ንእምነት እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዘደልደላ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እምነትና ንምህናጽ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

8 ኣብ ሓደ ግዜ ሃዋርያት እምነት ከም ዝጐደለቶም ስለ እተሰምዖም: ንየሱስ “እምነት ወስኸና” በልዎ። (ሉቃስ 17:5) እቲ ኻብ ልቢ ዝመነጨ ለመናኦም ብፍላይ ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ ወረደ ኸምኡውን ብዛዕባ ቓል ኣምላኽን ዕላማኡን ብዝያዳ ንኺርድኡ ምስ ኣኽኣሎም ምላሽ ረኺቡ እዩ። (ዮሃንስ 14:26፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4) እታ እምነቶም ስለ ዝደልደለት: ምጽራር እናኣጋጠሞም ክነሱ: ነቲ ብስራት “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር” ንምስባኽ ዘኽእሎም ወፈራ ጀመሩ።—ቈሎሴ 1:23፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ 28:22

9 እምነትና ንምህናጽን ኣብ ኣገልግሎትና ንምድፋእን: ንቕዱሳት ጽሑፋት ከነጽንዖን ከነስተንትነሉን ከምኡውን መንፈስ ቅዱስ ንኺወሃበና ኽንጽሊ ኣሎና። ከም እያሱን ካሌብን ቀዳሞት ክርስትያናት ደቀ መዛሙርትን እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቂ ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ምስ እንቐርጽ ጥራይ ኢና: ኣብ መንፈሳዊ ውግእና ንኽንጽመም እተኽእለና እምነት እትህልወናን ዕዉታት እንኸውንን።—ሮሜ 10:17

ኣምላኽ ከም ዘሎ ምእማን ጥራይ እኹል ኣይኰነን

10. ናይ ሓቂ እምነት እንታይ ተጠቓልል፧

10 ከምቲ ኣብቶም ጥንቲ ዝነበሩ ንጽህናኦም ዝሓለዉ ሰባት እተራእየ: እታ ናብ ትብዓትን ምጽማምን እትመርሕ እምነት: ኣብ ኣምላኽ ካብ ምእማን ንላዕሊ እተጠቓልል እያ። (ያእቆብ 2:19) ንየሆዋ ብብሕቲ ንኽንፈልጦን ኣብኡ ምሉእ ምትእምማን ንኺህልወናን ዚሓትት እዩ። (መዝሙር 78:5-8፣ ምሳሌ 3:5, 6) እዚ ድማ ንሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ምስዓብ ንጥቕምና ምዃኑ ብምሉእ ልብና ምእማን ማለት እዩ። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ብዘይካዚ እምነት ኪበሃል ከሎ የሆዋ መብጽዓታቱ ኸም ዚፍጽምን “ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን” ኣጸቢቕካ ርግጸኛ ምዃን የጠቓልል።—እብራውያን 11:1, 6፣ ኢሳይያስ 55:11

11. እያሱን ካሌብን ብምኽንያት እምነቶምን ትብዓቶምን እተባረኹ ብኸመይ እዮም፧

11 ከምዚኣ ዝዓይነታ እምነት ሓንሳእ ምስ ኣጥረኻያ ንሓዋሩ ኸምኡ ኢላ እትቕጽል ኣይኰነትን። ህይወትና ብሓቂ ኽንመርሕ ከለና ትዓቢ: ረብሓታት ‘ትጥዕም:’ ንጸሎትና ዚወሃበና መልሲ ‘ትርኢ:’ ከምኡውን ብኻልእ መገዲ የሆዋ ንህይወትና ዚህበና መምርሒ ተስተውዕል እያ። (መዝሙር 34:8፣ 1 ዮሃንስ 5:14, 15) እምነት እያሱን ካሌብን ኣብቲ ኣምላኽ ዝገበረሎም ጽቡቕ ነገር ከም እተመርኰሰት ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (እያሱ 23:14) ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት እሞ ሕሰበሉ:- ከምቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ: ድሕሪ እቲ ኣብቲ በረኻ ን40 ዓመት ዝገበርዎ ጕዕዞ ብህይወት ቀጺሎም እዮም። (ዘሁልቍ 14:27-30፣ 32:11, 12) ኣብቲ ንከነኣን ንምስዓር ዝወሰደ ሽዱሽተ ዓመት ብንጥፈት ተሳቲፎም እዮም። ኣብ መወዳእታ ኸኣ: ብጽቡቕ ጥዕና ዕድመ ጸጊቦም እዮም: ናይ ብሕቶም ርስቲ እውን ተዋሂብዎም እዩ። የሆዋ ነቶም ብተኣማንነትን ብትብዓትን ዜገልግልዎ ኽሳዕ ክንደይ ኣብዚሑ ዀን እዩ ዓስቦም ዚህቦም!—እያሱ 14:6, 9-14፣ 19:49, 50፣ 24:29

12. የሆዋ ‘ንቓሉ ዜዕብዮ’ ብኸመይ እዩ፧

12 ኣምላኽ ንእያሱን ንካሌብን ዘርኣዮም ሳህሊ: ነቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ንቓልካ ሓለፋ ዅሉ ስምካ ኣዕቢኻዮ ኢኻ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት እዩ ዜዘኻኽረና። (መዝሙር 138:2) የሆዋ ንሓደ መብጽዓ ውሕስነት ንምሃብ ስሙ ምስ ዚጥቀም: ፍጻመ እቲ መብጽዓ ሓለፋ ዅሉ እቲ ትጽቢት ዚግበረሉ ብምዃኑ ‘ዓብዪ’ ኺበሃል ይከኣል እዩ። (ኤፌሶን 3:20) እወ: የሆዋ ነቶም ብእኡ ‘ዚሕጐሱ’ ኸቶ ኣይኬሕፍሮምን እዩ።—መዝሙር 37:3, 4

‘ንኣምላኽ ዘስመረ’ ሰብኣይ

13, 14. ሄኖክ እምነትን ትብዓትን ዘድለዮ ስለምንታይ እዩ፧

13 ቅድሚ ክርስትና ዝነበረ ሄኖክ ዚበሃል ምስክር ዝገደፎ ኣብነት ብምምርማር: ብዛዕባ እምነትን ትብዓትን ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና። ሄኖክ ምንባይ ቅድሚ ምጅማሩ: እምነቱን ትብዓቱን ከም ዚፍተን ፈሊጡ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧ ምኽንያቱ የሆዋ ኣብ መንጎ እቶም ንኣምላኽ ዜገልግሉን ንሰይጣን ድያብሎስ ዜገልግሉን ጽልኢ ኸም ዚህሉ ኣብ ኤድን ገሊጹ ነበረ። (ዘፍጥረት 3:15) ብዘይካዚ ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ወድሰብ ቃየል ንኣቤል ሓዉ ኣብ ዚቐትለሉ እዋን እዚ ጽልኢ እዚ ኸም ዝገንፈለ ሄኖክ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እወ: ኣቦኦም ኣዳም: ድሕሪ እቲ ሄኖክ እተወልደሉ እዋን ን310 ዓመት ዚኸውን ብህይወት ጸኒሑ እዩ።—ዘፍጥረት 5:3-18

14 ይኹን እምበር: ሄኖክ “ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ:” ነቲ ሰባት ብዛዕባ የሆዋ እተዛረብዎ ዅሉ “ዘረባ ድርቅና” ድማ ኰነኖ። (ዘፍጥረት 5:22፣ ይሁዳ 14, 15) ሄኖክ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝመጸ ዘይፈርህ ብምንባሩ: ብዙሓት ጸላእቲ ኸም ዘፍረየሉን ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኸም ዘእተዋን ዜጠራጥር ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት እዚ: የሆዋ ነቲ ነብዩ ጻዕረ ሞት ከም ዘይሕዞ ገበሮ። የሆዋ ንሄኖክ “ንኣምላኽ ከም ዘስመረ” ምስ ገለጸሉ: ምናልባት ትንቢት እናረኣየ እዩ ዚኸውን: ካብ ህይወት ናብ ሞት ‘ኣግዓዞ።’—እብራውያን 11:5, 13፣ ዘፍጥረት 5:24

15. ሄኖክ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ ሰናይ ኣብነት እዩ ዝገደፈሎም፧

15 ጳውሎስ ብዛዕባ ምግዓዝ ሄኖክ ድሕሪ ምጥቃሱ: ብኡንብኡ “ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከአልን እዩ” ብምባል ኣገዳስነት እምነት ኣጕልሐ። (እብራውያን 11:6) እወ: ሄኖክ እምነት ስለ ዝነበረቶ: ምስ የሆዋ ንኺመላለስን ፍርዲ ኣምላኽ ነታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ንኺእውጅን ትብዓት ረኸበ። በዚ ኸምዚ ሰናይ ኣብነት ገደፈልና። ኣብዛ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ እትጻረርን ብዅሉ ዓይነት ክፍኣት ዝመልአትን ዓለም ተመሳሳሊ ዕዮ ተወሂቡና ኣሎ።—መዝሙር 92:7፣ ማቴዎስ 24:14፣ ራእይ 12:17

ፍርሃት ኣምላኽ ዜፍርዮ ትብዓት

16, 17. ኦብድያ እንታዋይ እዩ ነይሩ፧ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታትከ እዩ ነይሩ፧

16 ብዘይካ እምነት: ትብዓት ንምርካብ ዚሕግዝ ካልእ ባህርይ እውን ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ኣምላኽ እዩ። ብዛዕባ እቲ ነብዪ ኤልያስ ኣብ ዜገልግለሉን ንጉስ ኣከኣብ ንሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ይገዝእ ኣብ ዝነበረሉን እዋን ዚነብር ዝነበረ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ሰብኣይ እስከ ንርአ። ኣከኣብ ኣብ ዚገዝኣሉ ዝነበረ እዋን: ኣምልኾ በዓል ኣብታ ሰሜናዊት መንግስቲ ቕድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ኣስፋሕፊሑ ነበረ። ሕሉፍ ሓሊፍካ: 450 ነብያት በዓል ከምኡውን 400 ነብያት እቲ ቕርጺ ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ ዜምልክት ኣስታርተ “ኣብ መኣዲ ኢዛቤል” ሰበይቲ ኣከኣብ ይበልዑ ነበሩ።—1 ነገስት 16:30-33፣ 18:19

17 ኢዛቤል ንሕስያ ዘይብላ ጸላኢት የሆዋ ብምንባራ: ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኻብታ ሃገር ንምጥፋእ ፈተነት። ንገሊኦም ነብያት የሆዋ ቐተለት: ንኤልያስ እውን ክትቀትሎ ፈተነት፣ ንሱ ግን በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መምርሒ ናብ ስግር ዮርዳኖስ ሃደመ። (1 ነገስት 17:1-3፣ 18:13) ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብታ ሰሜናዊት መንግስቲ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ምድጋፍ ክሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ምንባሩ ብኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ትኽእል፧ ዝገደደ ኸኣ: ኣብ ቤተ-መንግስቲ ትሰርሕ ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ፧ እቲ ኦብድያ a ዚበሃል ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ኣዛዝ ቤት ኣከኣብ: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ ነይሩ።—1 ነገስት 18:3

18. ኦብድያ ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ፍሉይ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧

18 ኦብድያ ኣብቲ ንየሆዋ ዜቕርቦ ዝነበረ ኣምልኾ ጥንቁቕን ጥበባውን ምንባሩ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኰይኑ ግን: ኣይተለማለመን። እኳ ደኣስ: 1 ነገስት 18:3 “ኦብድያ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣዝዩ ይፈርሆ ነበረ” ትብል። እወ: እቲ ንኣምላኽ ዝነበሮ ፍርሃት ሓለፍ ዝበለ እዩ ነይሩ። እዚ ጥዑይ ፍርሃት እዚውን ብግዲኡ: ኢዛቤል ንነብያት የሆዋ ደድሕሪ ምቕታላ ፍሉይ ትብዓት ንኼርኢ ኣኽኣሎ።

19. ኦብድያ ተባዕ ምንባሩ ዜርእየና እንታይ ነገር እዩ ገይሩ፧

19 ከምዚ ዚብል ነንብብ:- “በቲ ኢዛቤል ንነብያት እግዚኣብሄር ዘጽነተትሉ ጊዜ: ኦብድያ ሚእቲ ነብያት ወሲዱ: በብሓምሳ ገይሩ ኣብ በዓቲ ሐብኦም: እንጌራን ማይን ድማ ይምግቦም ነበረ።” (1 ነገስት 18:4) ንሚእቲ ሰብ ብሕቡእ ምምጋብ: ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ኽትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ኦብድያ ብኣከኣብን ኢዛቤልን ከይተሓዝ ጥራይ ዘይኰነስ: እቶም ካብቲ ቤተ-መንግስቲ ዘይጠፍኡ ዝነበሩ 850 ናይ ሓሶት ነብያት እውን ዚገብሮ ዝነበረ ኸይፈልጥዎ ኺጥንቀቕ ነበሮ። ብዘይካዚ: እቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ብዙሓት ካልኦት ናይ ሓሶት ኣምለኽቲ: ካብ ገባሮ ኣትሒዝካ ኽሳዕ መሳፍንቲ: ንኦብድያ ብምቅላዕ ሞገስ እቲ ንጉስን እታ ንግስትን ንምርካብ ዚረኽብዎ ዘበለ ኣጋጣሚ ኸም ዚጥቀሙሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ኦብድያ በዞም ኣምለኽቲ ጣኦት ተኸቢቡ እናሃለወ: ነቲ ነብያት የሆዋ ዜድልዮም ኵሉ ኣማልኣሎም። ፍርሃት ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ሓያል ኰን እዩ!

20. ኦብድያ ንኣምላኽ ዝነበሮ ፍርሃት ብኸመይ ሓገዞ፧ ኣብነቱ ዚሕግዘካኸ ብኸመይ እዩ፧

20 ኦብድያ ነቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዜፍርዮ ትብዓት ስለ ዘርኣየ: የሆዋ ኻብ ጸላእቱ ኸም ዘጽለሎ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ምሳሌ 29:25 “ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእቱ: ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር” ትብል። ኦብድያ ተራ ሰብ እዩ ነይሩ፣ ከምቲ ንዓና ዚስምዓና: ንሱውን ተታሒዙ ኸይቅተል ይፈርህ ነይሩ እዩ። (1 ነገስት 18:7-9, 12) ኰይኑ ግን: እቲ ንኣምላኽ ዝነበሮ ፍርሃት ነቲ ንሰብ ዝነበሮ ፍርሂ ኼሰንፍ ዚኽእል ትብዓት ሃቦ። ኦብድያ ንዅላትና: ብፍላይ ከኣ ነቶም ናጽነቶም ወይ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው ንየሆዋ ዜምልኹ ዘበሉ ሰናይ ኣብነት እዩ። (ማቴዎስ 24:9) እወ: ኵላትና ንየሆዋ “[ብ]ምኽባርን ብፍርሃትን” ከነገልግሎ ንጽዓር።—እብራውያን 12:28

21. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

21 እምነትን ፍርሃት ኣምላኽን ጥራይ ኣይኰነን ትብዓት ዜፍርየልና፣ ፍቕሪ እውን ዝያዳ ድራኸ ኸተሕድር ትኽእል እያ። ጳውሎስ: “ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ቅጽዓትን እምበር: መንፈስ ፍርሃት ኣይሀበናን” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጢሞቴዎስ 1:7) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ: ፍቕሪ ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት ንየሆዋ ብትብዓት ንምግልጋል ብኸመይ ክትሕግዘና ኸም እትኽእል ክንርኢ ኢና።—2 ጢሞቴዎስ 3:1

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነብዪ ኦብድያ ኣይኰነን።

ክትምልሶዶ ትኽእል፧

• ንትብዓት እያሱን ካሌብን ኣበርክቶ ዝገበረ እንታይ እዩ፧

• ናይ ሓቂ እምነት እንታይ ተጠቓልል፧

• ሄኖክ ፍርዲ ኣምላኽ ንምእዋጅ ዘይፈርሀ ስለምንታይ እዩ፧

• ፍርሃት ኣምላኽ ንትብዓት ኣበርክቶ ዚገብር ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንእያሱ “ጽናዕ: ትባዕ” በሎ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኦብድያ ንነብያት ኣምላኽ ተኸናኸኖምን ኣዕቈቦምን

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ሄኖክ ብትብዓት ቃል ኣምላኽ ተዛረበ