ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብየሆዋ ተስፋ ግበር: ተባዕ ድማ ኩን

ብየሆዋ ተስፋ ግበር: ተባዕ ድማ ኩን

ብየሆዋ ተስፋ ግበር: ተባዕ ድማ ኩን

“ብእግዚኣብሄር ተሰፎ: በርትዕ: ልብኻ ቀጥ ይበል: ኣጆኻ: እወ: ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።”—መዝሙር 27:14

1. ተስፋ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲት እያ፧ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋትከ እዛ ቓል እዚኣ ብኸመይ እዩ ተዓዩላ ዘሎ፧

 ናይ ሓቂ ተስፋ ኸም ድሙቕ ብርሃን እያ። ነቲ ህሉው ፈተናታትና ሰጊርና ንኽንጥምትን ንመጻኢ ብትብዓትን ብሓጐስን ንኽንጽበዮን ትሕግዘና። የሆዋ ጥራይ እዩ ርግጽ ተስፋ ኺህበና ዚኽእል: ንሱ ድማ በቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ ኣቢሉ ሂቡና እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) እታ “ተስፋ” እትብል ቃል ምስተን ረባሕታኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ 160 ሳዕ ትርከብ: ሓደ ጽቡቕ ነገር ከም ዚኽሰት ርግጸኛ ዄንካ ብሃንቀውታ ምጽባይ ከኣ ተመልክት። a ከምዚኣ ዝኣመሰለት ተስፋ ኻብቲ ንኺፍጸም መሰረት ኰነ ኣጋጣሚ ዘይብሉ ትምኒት ንላዕሊ እያ።

2. ተስፋ ኣብ ህይወት የሱስ እንታይ ግደ እዩ ዝነበራ፧

2 የሱስ ፈተናታትን ጸገማትን ምስ ኣጋጠሞ: ነቲ ህሉው ኵነታት ሰጊሩ ብምጥማት: ኣብ የሆዋ ተስፋ ገበረ። ‘ሕፍረት ንዒቑ: ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል ተዐገሰ: ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ።’ (እብራውያን 12:2) ንልዑላውነት የሆዋ ኣብ ምርግጋጽን ስሙ ኣብ ምቕዳስን ኣመና ኣተኲሩ ብምንባሩ: ዝኸፈለ ይኽፈል ብዘየግድስ: ካብቲ ንኣምላኽ ዝነበሮ ተኣዛዝነት ኣየላገሰን።

3. ተስፋ ኣብ ህይወት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ግደ ኣለዋ፧

3 ንጉስ ዳዊት ነቲ ኣብ መንጎ ተስፋን ትብዓትን ዘሎ ዝምድና ኼመልክት ከሎ: “ብእግዚኣብሄር ተሰፎ: በርትዕ: ልብኻ ቀጥ ይበል: ኣጆኻ: እወ: ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር” በለ። (መዝሙር 27:14) ልብና ቐጥ ኪብል እንተ ደኣ ደሊና: ተስፋና ዘይንጹር ኪኸውን ክንሓድጎ የብልናን፣ የግዳስ: ወትሩ ኣብ ኣእምሮና ንጹር ክንገብሮን ኣብ ልብና ኸነንብሮን ኣሎና። ከምዚ ምግባርና ኣብቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመዘዞ ዕዮ ኽንሳተፍ ከለና ትብዓትን ቅንኣትን ብምርኣይ ዝመጸ ንየሱስ ንኽንመስሎ ኺሕግዘና እዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) እወ: ተስፋ ኣብ ህይወት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣድላዪትን ነባሪትን ብምዃና ምስ እምነትን ፍቕርን ተጠቒሳ ኣላ።—1 ቈረንቶስ 13:13

‘ብተስፋ ሃብታም’ ዲኻ፧

4. እቶም ቅቡኣት ክርስትያናትን እቶም ብጾቶም “ካልኦት ኣባጊዕ”ን እንታይ እዮም ብሃንቀውታ ዚጽበዩ ዘለዉ፧

4 ህዝቢ ኣምላኽ ዜደንቕ መጻኢ ይጽበዮም ኣሎ። ቅቡኣት ክርስትያናት ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ንምግልጋል ብሃንቀውታ ኺጽበዩ ኸለዉ: “ካልኦት ኣባጊዕ” ከኣ “ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ [ምድራውያን] ደቂ ኣምላኽ ሓራ [ኺወጹ]” ተስፋ ይገብሩ እዮም። (ዮሃንስ 10:16፣ ሮሜ 8:19-21፣ ፊልጲ 3:20) እቲ “ሓርነት ክብሪ” እቲ ኻብ ሓጢኣትን ዜስካሕክሕ ሳዕቤናቱን ሓራ ምዃን የጠቓልል። እወ: እቲ ወሃብ ኵሉ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ዝዀነ የሆዋ: ንእሙናቱ ብሉጽ ውህበት እዩ ኺህቦም።—ያእቆብ 1:17፣ ኢሳይያስ 25:8

5. ብኸመይ ኢና ‘ብተስፋ እንህብትም፧’

5 ክርስትያናዊት ተስፋ ኣብ ህይወትና ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ግደ ኺህልዋ ኣለዎ፧ ኣብ ሮሜ 15:13 “ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ: እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኵሉ ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩም” ዚብል ነንብብ። እወ: ተስፋ ምስ ኣብ ጸልማት ዘላ ሽምዓ ዘይኰነስ: ምስቲ ንህይወት ሰብ ብሰላምን ብሓጐስን ብዕላማን ብትብዓትን ዚመልኦ ብሩህ ጩራታት ጸሓይ ወጋሕታ ኽትመሳሰል ትኽእል እያ። ኣብቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ምስ እንኣምንን መንፈስ ቅዱስ ምስ እንቕበልን: ‘ብተስፋ ኸም እንህብትም’ ኣስተብህል። ሮሜ 15:4 “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና: እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ” ትብል። ስለዚ: ‘ንፉዕ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ብምዃንን መዓልታዊ ብምንባብን ተስፋይ ብሩህ ገይረ ሒዘዮ ኣለኹ ድየ፧ ብዙሕ ሳዕ መንፈስ ኣምላኽ ኪወሃበኒ እጽሊ ድየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።—ሉቃስ 11:13

6. ተስፋና ብርህቲ ንኽትከውን: ካብ ምንታይ ክንጥንቀቕ ኣሎና፧

6 እቲ ኣብነትና ዝዀነ የሱስ ካብ ቃል ኣምላኽ ብርታዐ ይረክብ ነበረ። ንዕኡ እንዝክሮ እንተ ዄንና: ‘ኣይንደክምን ነፍሳትና እውን ኣይሕለላን’ እየን። (እብራውያን 12:3) እታ ኣምላኽ ዝሃበና ተስፋ ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ጭልምልም እንተ ኢላ: ወይ ከኣ ናብ ስጋዊ ነገራት: ዓለማዊ ሸቶታት: ወይ ካልእ ነገራት እንተ ኣተኲርና: ነዊሕ ከይጸናሕና ብመንፈስ ንደክም: እዚ ኸኣ ስነ-ምግባራዊ ብርታዐን ትብዓትን ከም እነጥፍእ ይገብረና። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ እንተ ኣሕዲርና: ‘ናይ እምነት መርከብና ኽትስበረና’ እውን ትኽእል እያ። (1 ጢሞቴዎስ 1:19) በቲ ኻልእ ሸነኽ: ናይ ሓቂ ተስፋ ንእምነትና ተደልድላ።

ተስፋ ንእምነት ኣዳላዪት እያ

7. ተስፋ ንእምነት ኣድላዪት ዝዀነት ብኸመይ እያ፧

7 መጽሓፍ ቅዱስ “እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር: ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ” ይብል። (እብራውያን 11:1) ስለዚ: ተስፋ ላቔባ እምነት ኣይኰነትን፣ የግዳስ: ኣገዳሲ ኽፋል እምነት እያ። ንኣብርሃም እስከ ንውሰድ። ብሰብኣዊ ኣረኣእያ: የሆዋ ንኣብርሃምን ንሳራ ሰበይቱን ወራሲ ኸም ዚህቦም ኪመባጽዓሎም ከሎ: ውሉድ ዚወልዱሉ እዋን ሓሊፍዎም ነበረ። (ዘፍጥረት 17:15-17) ኣብርሃም ብኸመይ ምላሽ ሃበ፧ “ተስፋ ኣብ ዜብሉስ: ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ኪኸውን ብተስፋ አመነ።” (ሮሜ 4:18) እወ: እታ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝሃቦ ተስፋ: ዘርኢ ኸም ዚህልዎ ንኺኣምን ድልዱል መሰረት ኰነቶ። እምነቱ እውን ብግዲኣ ንተስፋኡ ኣብርሃታን ኣደልደለታን። አረ ኣብርሃምን ሳራን ንዓዶምን ኣዝማዶምን ሓዲጎም ዝተረፈ ህይወቶም ብምሉኡ ኣብ ካልእ ዓዲ ኣብ ድንኳን ንኼሕልፍዎ እኳ ትብዓት ነበሮም።

8. ብተኣማንነት ምጽማምና ንተስፋና ዜጽንዓ ብኸመይ እዩ፧

8 ኣብርሃም ንየሆዋ ኣብቲ ምሉእ ብምሉእ ምእዛዝ ኣጸጋሚ ኣብ ዚዀነሉ እዋን እኳ ኸይተረፈ እዙዝ ብምዃን: ተስፋኡ ድልድልቲ ዀይና ኸም እትቕጽል ገበረ። (ዘፍጥረት 22:2, 12) ብተመሳሳሊ: ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብተኣዛዝነትን ብትዕግስትን ተጸሚምና ብምቕጻል: ዓስብና ኸም እንረክብ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ጳውሎስ “ትዕግስቲ ድማ ምፍታን: እቲ ምፍታንውን ተስፋ: . . . እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 5:4, 5) ስለዚ ኸኣ እዩ ጳውሎስ “ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ንምምላእ ተስፋኡን ንምጽንዓን እዚ ትግሃት እዚ ኼርኢ: ንደሊ አሎና” ኢሉ ዝጸሓፈ። (እብራውያን 6:11) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ናይ ማሕርሮ ርክብ እተመስረተ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ: ንዝዀነ ይኹን ጸገም ብትብዓት: ካብኡ ሓሊፉ እውን ብሓጐስ ንኽንጋጠሞ ይሕግዘና።

“ብተስፋ ተሐጐሱ”

9. ‘ብተስፋ ንኽንሕጐስ’ ኣዘውቲርና እንታይ ክንገብር ይግባእ፧

9 እታ ኣምላኽ ዝሃበና ተስፋ ኻብቲ ዓለም እተቕርበልና ዝዀነ ይኹን ነገር ኣጸቢቓ ትበልጽ። መዝሙር 37:34 “ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉ: ንሃገር ምእንቲ ኽትወርሳ ልዕል ኬብለካ እዩ: ረሲኣን ኪጸንቱ ኸለዉ ኽትርኢ ኢኻ” ትብል። እወ: ‘ብተስፋ ንኽንሕጐስ’ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። (ሮሜ 12:12) ከምዚ ንምግባር ግን: ወትሩ ብዛዕባ ተስፋና ኽንሓስብ ኣሎና። እሞኸ ኣዘውቲርካ ብዛዕባ እታ ኣምላኽ ዝሃበካ ተስፋ ትሓስብ ዲኻ፧ ኣብ ገነት ኣቲኻ: ጽቡቕ ጥዕና ረኺብካ: ካብ ጭንቀት ናጻ ዄንካ: ብእተፍቅሮም ሰባት ተኸቢብካ: ከምኡውን ኣብቲ ብሓቂ ዜዕግብ ዕዮ ተጸሚድካ ኽትነብር ከለኻ ይረኣየካዶ፧ ነቲ ኣብ ጽሑፋትና ዚወጽእ ስእልታት ገነት ተስተንትነሉዶ፧ ኣዘውቲርካ ብዛዕባ ኸምዚ ምሕሳብ: ምስ ንሓደ ብእኡ ኣማዕዲና ጽቡቕ ትርኢት ክንርእየሉ እንኽእል መስኮት ምጽራይ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ነቲ ቬትሮ እንተ ዘየጽሪናዮ: ነዊሕ ከይጸንሐ ስለ ዚረስሕን ስለ ዚግዕግዕን: እቲ ትርኢት ዘይንጹርን ዘይስሕብን ይኸውን። ድሕሪኡ ኻልእ ነገራት ንቘላሕታና ኺወስዶ ይኽእል። ከምዚ ኪኸውን ፈጺምና ኣይነፍቅድ!

10. ናብቲ ዓስቢ ምጥማትና ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ከም ዘሎና ዜርኢ ስለምንታይ እዩ፧

10 ልክዕ እዩ: ንየሆዋ እነገልግለሉ ቐንዲ ምኽንያት: በታ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ተደሪኽና ኢና። (ማርቆስ 12:30) ኰይኑ ግን: ናብቲ ዓስቢ ብሃንቀውታ ኽንጥምት ኣሎና። አረ የሆዋ እውን ከምኡ ኽንገብር እዩ ዚጽበየና! እብራውያን 11:6 “ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከአልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ: ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን: ኪአምን ይግብኦ እዩ” ትብል። የሆዋ ዓስቢ ኸም ዚህብ ጌርና ኽንርእዮ ዚደሊ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ኸምኡ ጌርና ኽንርእዮ ኸለና: ንሰማያዊ ኣቦና ኣጸቢቕና ኸም እንፈልጦ ነርኢ። ለጋስን ንደቁ ዜፍቅርን እዩ። “መፈጸምታን ተስፋን” እንተ ዘይህልወና: ክሳዕ ክንደይ ዘይሕጉሳትን ብቐሊሉ ተስፋ እንቘርጽን ከም እንኸውን እሞ ሕሰቦ።—ኤርምያስ 29:11

11. እታ ኣምላኽ ዝሃቦ ተስፋ ንሙሴ ጥበባዊ ውሳነታት ንኺገብር ዝሓገዘቶ ብኸመይ እያ፧

11 ኣብታ ኣምላኽ ዝሃቦ ተስፋ ብምትኳር ዝመጸ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት ዚኸውን ሙሴ እዩ። ሙሴ ኸም “ወዲ ጓል ፈርኦን” መጠን ናይ ግብጺ ስልጣንን ዝናን ሃብትን ቀሪቡሉ ነበረ። እሞ ደኣ ነዚ ነገራት እዚ ድዩ ስዒቡ ወይስ ንኣምላኽ እዩ ኣገልጊሉ፧ ሙሴ ብትብዓት ንኣምላኽ ምግልጋል ሓረየ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ “ናብቲ ዓስቢ ጠመተ።” (እብራውያን 11:24-26) እወ: ሙሴ ብዛዕባ እታ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚኡ ዘንበረሉ ተስፋ ዘይግድሶ ኣይነበረን።

12. ክርስትያናዊት ተስፋ ኸም ቍራዕ ርእሲ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

12 ሃዋርያ ጳውሎስ ንተስፋ ምስ ቍራዕ ርእሲ ኣመሳሰላ። ምሳልያዊ ቝራዕና ንኣተሓሳስባና ብምዕቋብ ጥበባዊ ውሳነ ንኽንገብርን ንግቡእ ነገራት ቀዳምነት ንኽንህብን ንጽህናና ንኽንሕሉን ይድግፈና። (1 ተሰሎንቄ 5:8) ኵሉ ግዜ ምሳልያዊ ቝራዕ ርእሲ ኣሎካ ድዩ፧ እንተ ኣልዩካ: ከም ሙሴን ጳውሎስን “በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚህበና ኣምላኽ እምበር: በዚ ሓላፊ ሃብቲ” ኣይኰንናን ተስፋ እንገብር። ደድሕሪ ስስዐ ኻብ ምስዓብ ተመሊስካ ኣንጻር ሓፋሽ ዚስዕቦ ኣንፈት ምጕዓዝ ትብዓት ከም ዚሓትት ዚከሓድ እኳ እንተ ዘይኰነ: እዚ ግን ጻዕሪ ዚግብኦ እዩ! ከመይሲ: ነቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎን ኣብኡ ተስፋ ዚገብሩን ዚጽበዮም ዘሎ “ናይ ሓቂ ህይወት” ካብ ምርካብ ንምንታይ ንድሕሪት እንምለስ፧—1 ጢሞቴዎስ 6:17, 19

‘ኣይክሓድገካን እየ’

13. የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂብዎም፧

13 እቶም ተስፋኦም ኣብዚ ስርዓት እዚ ዚገብሩ ሰባት: እዛ ዓለም እዚኣ በቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ “ቕልውላው” ክትሳቐ ኸላ ብዛዕባ ጽባሕ ዜፍርህ ነገር ኪሓስቡ ይግደዱ እዮም። (ማቴዎስ 24:8) እቶም ብየሆዋ ተስፋ ዚገብሩ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርሂ የብሎምን። ‘ብደሓን ይነብሩ: ንኽፉእ ከይፈርሁ ኸኣ ይሃድኡ።’ (ምሳሌ 1:33) ተስፋኦም ኣብዚ ስርዓት እዚ ብዘይምዃኑ: ነቲ “ንሱ ባዕሉ፤ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ: ኢሉ እዩ እሞ: ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን: በቲ ዘሎኩም ዕገቡ” ዚብል ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ብሓጐስ ይስዕቡ እዮም።—እብራውያን 13:5

14. ክርስትያናት ብዛዕባ ብስጋ ዜድልዮም ነገራት እምብዛ ኺጭነቑ ዘይብሎም ስለምንታይ እዮም፧

14 እቲ “ኣይክሐድገካን:” “ከቶ ኣይክብለካን” ዚብል ተሪር መግለጺታት: ኣምላኽ ከም ዚሓልየልና ዘየማትእ ይገብሮ። የሱስ እውን “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ [ንህይወትኩም ብስጋ ዜድሊ ነገራት] ድማ ይውሰኸልኩም። ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ: ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ” ብምባል ብዛዕባ ፍቕራዊ ሓልዮት ኣምላኽ ኣረጋገጸልና። (ማቴዎስ 6:33, 34) የሆዋ ንመንግስቱ ብቕንኣት እናኣገልገልና: ነቲ ብስጋ ዜድልየና ንምምላእ ምሉእ ሓላፍነት ምስካም ኣጸጋሚ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ። ስለዚ: ኣብቲ ንሱ ንዜድልየና ነገራት ንምሕላይ ዘለዎ ኽእለትን ባህግን ምሉእ ብምሉእ ንተኣማመን።—ማቴዎስ 6:25-32፣ 11:28-30

15. ክርስትያናት ‘ጥዕይቲ ዓይኒ’ ኽትህልዎም እትኽእል ብኸመይ እያ፧

15 ‘ንዓይንና ጥዕይቲ’ ብምግባር: ኣብ የሆዋ ኸም እተጸጋዕና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 6:22, 23) ጥዕይቲ ዓይኒ ኺበሃል ከሎ: ቅንዕቲ: ንጹህ ድራኸ ዘለዋ: ካብ ስስዐን ህርፋንን ድማ ናጻ ዝዀነት ማለት እያ። ጥዕይቲ ዓይኒ ምህላው ማለት: ኣብ ከርፋሕ ድኽነት ምንባር ወይ ክርስትያናዊ ሓላፍነትና ንምስካም ሸለልተኛታት ምዃን ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ: ንኣገልግሎት የሆዋ ቐዳማይ ቦታ ብምሃብ ንርእስና ‘ምቕጻዕ’ ወይ “ምግታእ” (ትርጕም 1990) ነርኢ።—2 ጢሞቴዎስ 1:7

16. እምነትን ትብዓትን ንኺህልወና ጥዕይቲ ዓይኒ እተድልየና ስለምንታይ እዩ፧

16 ጥዕይቲ ዓይኒ ምህላው እምነትን ትብዓትን ይሓትት። ንኣብነት: ኣስራሒኻ ኣዘውቲርካ ኣብቲ ንክርስትያናዊ ኣኼባታት እተመደበ እዋን ክትዓየሉ እንተ ሓቲቱካ: ብትብዓት ነቲ ቐዳምነት እትህቦ መንፈሳዊ ነገር ትስዕብ ዲኻ፧ ነቲ የሆዋ ንኣገልገልቱ ኸም ዝሓልየሎም ዝኣተዎ መብጽዓ ዚፍጽሞ እንተ ዀይኑ ዚጠራጠር ሰብ እንተሎ: ሰይጣን ጸቕጢ እዩ ዚውስኸሉ: እቲ ሰብ ከኣ ጠሪሹ ኣብ ኣኼባታት ምእካብ ይገድፎ። እወ: እምነት እንተ ጐዲላትና: ሰይጣን ንኺቈጻጸረና ነፍቅደሉ: ነቲ ቐዳምነት እንህቦ ነገራት ከኣ የሆዋ ዘይኰነስ ሰይጣን ይሰርዖ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ!—2 ቈረንቶስ 13:5

‘ብየሆዋ ተስፋ ግበር’

17. እቶም ኣብ የሆዋ ዚውከሉ ሕጂውን እተባረኹ ብኸመይ እዮም፧

17 እቶም ኣብ የሆዋ ተስፋን ትውክልትን ዚገብሩ ኸይሰለጦም ከም ዘይተርፍ ቅዱሳት ጽሑፋት ብተደጋጋሚ ይሕብር እዩ። (ምሳሌ 3:5, 6፣ ኤርምያስ 17:7) ሓቂ እዩ: ሓድሓደ ግዜ ብሒደት ነገራት ኪዓግቡ ኣለዎም: እንተዀነ ግን ነዚ ምስቲ ዚጽበዮም ዘሎ በረኸት ኬወዳድርዎ ኸለዉ ኸም ንእሽቶ መስዋእቲ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። በዚ ኸምዚ: ‘ብየሆዋ ተስፋ ኸም ዝገበሩ’ የርእዩ: ንሱ ኣብ መወዳእታ ንእሙናቱ ንዅሉ እቲ ልቦም ዚደልዮ ቕኑዕ ነገራት ኪህቦም ምዃኑ እውን ምትእምማን ኣለዎም። (መዝሙር 37:4, 34) ስለዚ: ሕጂውን እንተ ዀነ ብሓቂ ሕጉሳት እዮም። “ትጽቢት ጻድቃን ደስታ እዩ: ተስፋ ረሲኣን ግና ክትጠፍእ እያ።”—ምሳሌ 10:28

18, 19. (ሀ) የሆዋ እንታይ ፍቕራዊ መረጋገጺ እዩ ዝሃበና፧ (ለ) ንየሆዋ ወትሩ ‘ብየማናይ ኢድና’ እንገብሮ ብኸመይ ኢና፧

18 ሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ምስ ኣቦኡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ኪኸይድ ከሎ: ዕቝባ ኸም ዝረኸበ እዩ ዚስምዖ። ንሕና ምስቲ ሰማያዊ ኣቦና ኽንከይድ ከለና እውን ከምኡ እዩ ዚስምዓና። የሆዋ ንእስራኤል: “ምሳኻ እየ እሞ: ኣይትፍራህ: . . . ክረድኣካ . . . እየ። ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ: ኣይትፍራህ: ክድግፈካ እየ: ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” በሎ።—ኢሳይያስ 41:10, 13

19 የሆዋ ብኢድና ኺሕዘና ዚብል ሓሳብሲ ኣብ ኣእምሮና ኸመይ ዝበለ ፍቕራዊ ስእሊ ዀን እዩ ዚስእለልና። ዳዊት “ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ: ብየማነይ ስለ ዝዀነ: ኣይክናወጽን እየ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 16:8) ንየሆዋ ወትሩ ‘ብየማናይ ኢድና’ እንገብሮ ብኸመይ ኢና፧ እንተ ወሓደ ብኽልተ መገዲ ነዚ ኽንገብር ንኽእል። ሓደ: ቃሉ ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትና ኺመርሓና ንፈቅድ፣ ክልተ: ናብቲ የሆዋ ኣብ ቅድሜና ዘንበሮ ግሩም ሽልማት ንጥምት። ኣሳፍ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኣነ ዅሉ ጊዜ ምሳኻ እየ: ንስኻ ብየማነይቲ ኢደይ ሒዝካኒ: ብምኽርኻ ኽትመርሓኒ: ደሓርውን ናብ ክብሪ ኽትቅበለኒ ኢኻ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 73:23, 24) ከምዚ ዝኣመሰለ መረጋገጺ ኻብ ረኸብና: ኣብ መጻኢ ንዜጋጥም ብርግጽ ብምትእምማን ክንጽበዮ ንኽእል ኢና።

“ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ”

20, 21. ነቶም ብየሆዋ ተስፋ ዚገብሩ እንታይ እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፧

20 መዓልቲ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ንየሆዋ ብየማነይቲ ኢድና ኽንገብሮ ዝያዳ ህጹጽ እናዀነ እዩ ዚኸይድ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ናይ ሰይጣን ዓለም ብጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብምጅማር: ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ መከራ ኼጋጥሞ እዩ። (ማቴዎስ 24:21) እቶም እምነት ዘይብሎም ደቅሰብ ብፍርሂ ኺወሓጡ እዮም። ኣብቲ እዋን ዕግርግር እቲ ግን: ተባዓት ኣገልገልቲ የሆዋ ብተስፋኦም ኪሕጐሱ እዮም። የሱስ “እዚ ምዃን ምስ ጀመረ: ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ: ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ” በለ።—ሉቃስ 21:28

21 እምበኣር: በታ ኣምላኽ ዝሃበና ተስፋ ንተሓጐስ: በቲ ሰይጣን ብጕርሑ ዜምጽኦ መስገሊታት ከኣ ኣይንታለል ወይ ኣይንፈተን። ኣብ ልዕሊ እዚ: እምነትን ፍቕርን ፍርሃት ኣምላኽን ንምምዕባል ኣበርቲዕና ንዕየ። ከምዚ ብምግባር: ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ንየሆዋ ንኽንእዘዞን ንድያብሎስ ንኽንጻረሮን ትብዓት ይህልወና። (ያእቆብ 4:7, 8) እወ: “ኣቱም ብእግዚኣብሄር ተስፋ እትገብሩ ዅሉኹም: በርትዑ: ልብኹምውን ይጽናዕ።”—መዝሙር 31:24

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ እታ “ተስፋ” እትብል ቃል ነቲ ቕቡኣት ክርስትያናት ዚረኽብዎ ሰማያዊ ዓስቢ ንምምልካት ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ተዓየላ: ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ግን ብሓፈሻዊ ኢና እንጥቀመላ።

ክትምልሶዶ ትኽእል፧

• የሱስ ዝነበረቶ ተስፋ ንትብዓቱ ኣበርክቶ ዝገበረት ብኸመይ እያ፧

• እምነትን ተስፋን ዚዛመዳ ብኸመይ እየን፧

• ተስፋን እምነትን ንሓደ ክርስትያን ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ንዚወሃቦ ብዚግባእ ንኺሰርዕ ዚሕግዛኦ ብኸመይ እየን፧

• እቶም ‘ብየሆዋ ተስፋ ዚገብሩ’ ኣብ መጻኢ ንዜጋጥሞም ብምትእምማን ኪጽበዩ ዚኽእሉ ስለምንታይ እዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ንእሽቶ ኹን ዓብዪ ብዘየገድስ: ኣብ ገነት እትኣትወሉ እዋን ይረኣየካዶ፧