ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዘለኣለም ምንባር ይከኣል እዩ

ንዘለኣለም ምንባር ይከኣል እዩ

ንዘለኣለም ምንባር ይከኣል እዩ

መብዛሕትኦም ኣብተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ሃይማኖታት ዘለዉ ኣመንቲ: እንተ በዚ እንተ በቲ ንተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። እቲ ዝርዝር ሓሳባቱ ኻብ ሃይማኖት ናብ ሃይማኖት ይፈላለ ይኸውን: እቲ ተስፋ ግን ኣብ ኵሉ ሕደ እዩ፣ እዚ ድማ ኣብቲ ንህይወት ዜስግእ ነገራት ዘይብሉ ዅነታት እናተሓጐስካ ምንባር ዚብል እዩ። ንስኻኸ ድሌትካ ኸምዚ ደይኰነን፧ እዚ ብሰፊሑ ዚእመነሉ ዘሎ እምነትከ ብኸመይ ኪግለጽ ይከኣል፧ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይፍጸም ደዀን ይኸውን፧

ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዚሕብሮ: ኣምላኽ ካብታ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝፈጠረላ ግዜ ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ ሰባት ባህጊ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተኺሉሎም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ኣምላኽ ንዘለኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ” ይብል።—መክብብ 3:11

እዚ ባህጊ እዚ ንኺፍጸም ግን እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ኣምላኽ ዘለዎ ቕኑዕን ጌጋን ናይ ምውሳን ስልጣን ኪቕበልዎ ነበሮም። ከምኡ እንተ ዝገብሩ ነይሮም: ኣብታ ንሱ ዘዳለወሎም መንበሪቶም እትኸውን ገነት ኤድን “ንዘለኣለም” ንኺነብሩ ብቑዓት ምዃኖም ምወሰነ ነይሩ።—ዘፍጥረት 2:8፣ 3:22

ናይ ዘለኣለም ህይወት ጠፍአት

ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ: ኣምላኽ ኣብ ገነት “ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም” ተኸለ። ኣዳምን ሄዋንን ድማ ካብዛ ኦም እዚኣ ንኸይበልዑ ተኸልኪሎም ነበሩ፣ ካብኣ እንተ በሊዖም ሞት ኪሞቱ ምዃኖም ተነግሮም። (ዘፍጥረት 2:9, 17) ኣዳምን ሄዋንን ካብታ ኦም እቲኣ ዘይምብላዖም ንስልጣን ኣምላኽ ኣፍልጦ ኸም ዝሃቡ ዜርኢ እዩ ነይሩ። ካብኣ ምብላዖም ድማ ብኣንጻሩ ንስልጣን ኣምላኽ ከም ዘይቅበሉ ዜርኢ ነበረ። ንመምርሒ ኣምላኽ ብዘይምእዛዝ ድማ ምስቲ ኻብ ስልጣን ኣምላኽ ዝዓለወ መንፈሳዊ ፍጡር ዝዀነ ሰይጣን ወገኑ። ብሰንኪ እዚ ድማ ኣምላኽ: ኣዳምን ሄዋንን ንዘለኣለም ኪነብሩ ኸም ዘይግብኦም ወሰነ።—ዘፍጥረት 3:1-6

ኣምላኽ: ህይወትን ሞትን: ምህላውን ዘይምህላውን ኣብ ቅድሚኦም ኣንበረሎም። ዘይምእዛዝ ድማ ሞት ከምኡውን ካብ ህልውና ወጻኢ ምዃን እዩ ዜስዕብ። ኣዳምን ሄዋንን ይኹኑ ዘርኦም ከኣ ሽሕራዊ ፈውሲ ተጠቒሞም ኰነ ብዘይትመውት ነፍሲ ኣቢሎም ብህይወት ኪቕጽሉ ኣይከኣሉን። a

ብሰንኪ ዕልዋ ኣዳም: ኵላቶም ዘርኡ መከራ ወረዶም። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ዘምጸኦ ሳዕቤን: “ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ” ብምባል ጸሓፈ።—ሮሜ 5:12

ናይ ዘለኣለም ህይወት ተመልሰት

ሃዋርያ ጳውሎስ ንዅነታት ዘርኢ ኣዳም ምስቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ባርነት ኣመሳሰሎ። ደቂ ኣዳምን ሄዋንን ብሰሪ እቲ ዝወረስዎ ሓጢኣት: “ባሮት ሓጢኣት” ኰይኖም ንኺሞቱ ተወልዱ። (ሮሜ 5:12፣ 6:16, 17) የሆዋ ብሕጋዊ መገዲ ገይሩ ነዞም ባሮት እዚኣቶም ናጻ እንተ ዘየውጽኦም ነይሩ: ካብ ባርነት ኣይመምለጡን ነይሮም። ጳውሎስ “ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ [ኣዳም] ናብ ኵሉ ሰብ ኵነኔ ዝመጸ: ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኵሉ ሰብ መጸ” ብምባል ገለጸ። እዚ “ግብሪ ጽድቂ” እዚ የሱስ ንፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ “በጃ” ገይሩ ናብ ምቕራብ መርሖ። የሆዋ ነዚ በጃ ዘለዎ ሕጋዊ ዋጋ ንደቅሰብ ካብ “ፍርዲ” “ዅነኔ” ናጻ ኸም ዜውጽኦም ገይሩ እዩ ዚርእዮ።—ሮሜ 5:16, 18, 19፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:5, 6

በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ተመራመርቲ ንመፍትሕ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብቲ ኣብ ጂን ዚርከብ ኮድ ኪረኽብዎ ዘይከኣሉ። ከመይሲ: መፍትሒኡ ኣብ ካልእ ቦታ እዩ ዘሎ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: ደቅሰብ ዚሞትሉ ቐንዲ ምኽንያት ባህርያዊ ዀይኑ ዘይኰነስ: ምስ ስነ-ምግባርን ሕጋዊ ጕዳይን እተተሓሓዘ ስለ ዝዀነ እዩ። እቲ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ዝመለሶ መስዋእታዊ በጃ የሱስ እውን ሕጋዊ እዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ እቲ በጃ ንጽድቅን ሳህልን ኣምላኽ ዜጕልሕ እዩ። ካብዚ በጃ እዚ ዚጥቀምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረክብን ደኣ እሞ መን እዩ፧

ውህበት ዘይሙማት

የሆዋ ኣምላኽ “ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም” ዘሎ እዩ። ፈጺሙ ዘይመውት እዩ። (መዝሙር 90:2) የሆዋ ንመጀመርታ እዋን ንየሱስ ክርስቶስ እዩ ውህበት ዘይሙማት ሂብዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ክርስቶስ መሊሱ ኸም ዘይመውት: ሞትውን ኣብኡ ኸም ዘይመልኽ ፈሊጥና” ብምባል ገለጸ። (ሮሜ 6:9) እምበኣር: ኣብ መንጎ እቲ ዝተንስአ የሱስን ምድራውያን መራሕትን ዓብዪ ፍልልይ ኣሎ: ጳውሎስ ካብ ኵሎም ዘይመውት የሱስ ጥራይ ምዃኑ ገለጸ። የሱስ “ንዘለኣለም ዚነብር” እዩ። ህይወቱ ድማ ‘ዘይትሓልፍ’ እያ።—እብራውያን 7:15-17, 23-25፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:15, 16

ነዚ ውህበት እዚ እተቐበለ ግን የሱስ ጥራይ ኣይኰነን። እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ኣብ ሰማይ ነገስታት ኰይኖም ንኺገዝኡ እተመርጹ ክርስትያናት እውን ከም ናይ የሱስ ዓይነት ትንሳኤ ተቐቢሎም እዮም። (ሮሜ 6:5) ሃዋርያ ዮሃንስ እዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ ነቶም 144,000 ከም እተዋህቦም ሓበረ። (ራእይ 14:1) እዚኣቶም እውን ዘይሙማት ተቐቢሎም እዮም። ጳውሎስ ንትንሳኤኦም ብዚምልከት: “ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ [ኣይከኣሎን]: . . . እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ: እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ ኪትንስኡ እዮም: ንሕናውን ክንልወጥ ኢና። ማለት: እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዩ እሞ: እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ እዩ” በለ። እወ: ሞት ኣብቶም ከምዚ ዓይነት ትንሳኤ ዚትንስኡ ሰባት ዋላ ሓንቲ ሓይሊ የብሉን።—1 ቈረንቶስ 15:50-53፣ ራእይ 20:6

እዚ ኣምላኽ ዝገለጾ ራእይ እዚ ብሓቂ ዜደንቕ እዩ። መላእኽቲ እውን መንፈሳውያን ክነሶም: ዘይሞቱ ተገይሮም ኣይኰኑን ተፈጢሮም። ነዚ ንኽንርድኦ ዚሕግዘና: ጥፍኣት እቶም ምስ ዕልዋ ሰይጣን ዝሓበሩ መንፈሳውያን ፍጡራት እዩ። (ማቴዎስ 25:41) እቶም ምስ የሱስ ሓቢሮም ዚገዝኡ ግን ውህበት ዘይሙማት ተቐቢሎም እዮም: እዚ ድማ ነቲ የሆዋ ኣብ ተኣማንነቶም ዘለዎ ነቕ ዘይብል ምትእምማን ዜርኢ መርትዖ እዩ።

እዞም ምስቶም ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ደቅሰብ ኪነጻጸሩ ኸለዉ ብቝጽሪ ሒደት ዝዀኑ 144,000 ጥራይ እዮም ንዘለኣለም ዚነብሩ ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን። ከምዚ ዘይኰነሉ ምኽንያት እስከ ንርአ።

ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ዚህሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት

መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ ሓደ ዜደንቕ ፍጻመ ትዛረብ እያ: ንሱ ድማ ማእለያ ዘይብሎም ህዝቢ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪወሃቦም ከሎ ዜርኢ እዩ። ምስኦም ሓቢሮም ድማ እቶም ሞይቶም ዝነበሩ ግን ከኣ ተንሲኦም ናብ ዕድመ ንእስነቶም እተመልሱ ሰባት ይርከብዎም። (ራእይ 7:9፣ 20:12, 13፣ 21:3, 4) ናብቲ ‘ኻብ ናይ ኣምላኽ ዝፋን ዚወጽእ ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ርባ ማይ ህይወት’ የምርሑ። ኣብ ገማግም እቲ ርባ ድማ “ኦም ህይወት አላ። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸኣ ፈውሲ ህዝብታት” እዩ። ስለዚ: እቲ የሆዋ ኣምላኽ ዘቕርቦ ዘሎ ባህ ዜብል ዕድመ: “ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ: ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ” ዚብል እዩ።—ራእይ 22:1, 2, 17

እዚ ኦምን ማይን እዚ ልክዕ ከምቲ ኣልከመኛታት ወይ ፈላስፋታት ስነ-ቐመም ከምኡውን ዳህሰስቲ ንዘመናት ዚደልይዎ ዝነበሩ ንዕድመ ብዘይ ገደብ ዜንውሕ ወይ ከኣ ፈልፋሊ ንእስነት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንደቅሰብ ናብቲ ኣብ ፈለማ ዝነበርዎ ፍጹም ኵነታት ንምምላስ ዝገበሮ መሰናድዎ ዜመልክት እዩ።

እቲ ኣምላኽ ነቶም እዙዛት ሰባት ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምሃብ ዕላማ ኣይተቐየረን። የሆዋ እሙን ስለ ዝዀነ: እዚ ዕላማ እዚ ኸይተፈጸመ ኣይተርፍን እዩ። መዝሙር 37:29 “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ትብል። እዚ መብጽዓ እዚ ምስቶም ኣብ ሰማይ ዝዀኑ ፈጺሞም ዘይሞቱ ሰባት ኴንና ኸምዚ ዚስዕብ ንኽንብል ዚድርኽ እዩ:- “ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ: ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ኣህዛብ [“ንጉሥ ዘለዓለም:” ትርጕም 1990] መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ እሞ: ዎ እግዚኣብሄር: ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን አሎ፧”—ራእይ 15:3, 4

ነዚ ኽቡር ውህበት ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትረኽቦ ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ: ነቲ “ንጉሥ ዘለዓለም” እሙንን እዙዝን ምዃንካ ኸተመስክር ኣሎካ። ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ብእኡ ኣቢልና ኸምዚ ዓይነት ህይወት ዝረኸብና የሱስ ክርስቶስን ክትመሃር ኣሎካ። እቶም ነቲ ኣምላኽ ዘውጸኦ ንቕኑዕን ጌጋን ዚምልከት መለክዒ ዚቕበሉ ሰባት “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ኪወሃቦም እዩ።—ዮሃንስ 17:3

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ እቲ ዘይትመውት ነፍሲ ዚገልጽ ትምህርቲ ዝርዝር መግለጺ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኸር እተሓትመት ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧ ዘርእስታ ብሮሹር ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ነባሪ ትምኒት

ብግዜ ኻልኣይ መዋእለ-ሽሕ ቅ.ክ. ኣብ መሰጶታምያ ሓደ ዛንታ ጅግንነት ይንገር ነበረ። እዚ ድማ ብዛዕባ ጊልጋመሽ ዝገበሮ ቕያ ዚገልጽ ኰይኑ: መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንዘለኣለም ንምንባር ብዙሕ ከም ዝጸዓረ ይገልጽ። ጥንታዎት ግብጻውያን: ነፍሲ ኣይትመውትን እያ ኢሎም ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ: እቶም ምዉታት ዳግማይ ንኣካላቶም ኪጥቀሙሉ ኢሎም ሙምያ ወይ ከኣ ምዕቃብ ሬሳታት ይጥቀሙ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ መቓብር ግብጻውያን በቲ እቶም ምዉታት ኣብቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ይጥቀሙሉ እዮም ዚበሃል ነገራት ይመልእ ነበረ።

ኣብ ከባቢ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. ካብ ዝነበሩ ቻይናውያን ኣልከመኛታት: ኣካላት ሰብ ከም ዘይመውት ይኣምኑ ነበሩ፣ ኣብ ግዜ ራብዓይ ዘመን ቅ.ክ. ድማ ሽሕራዊ ፈውሲ ተጠቒምካ ኣብኡ ናይ ምብጻሕ ተኽእሎ ኸም ዘሎ ይኣምኑ ነበሩ። ኣብ ማእከላይ ዘመን ዚነብሩ ዝነበሩ ኣውሮጳውያንን ዓረባውያንን ኣልከመኛታት እውን ህይወቶም ኬናውሓሎም ዚኽእል ቀመም ይደልዩ ኸምኡውን ኪቕምሙ ይፍትኑ ነበሩ። እቲ ዝቐመምዎ ነገራት ናይ ኣርሰኒክን ባዜቃን ዲንን ጨው ዘለዎ ነበረ። መቸም ክንደይ ዝዀኑ ሰባት ነዚ ፈውስታት እዚ ወሲዶም ከም እተመረዙ ዚፈልጥ የለን!

ኣብ ርእሲ እዚ እውን ኣብ ሓደ እዋን: ብዛዕባ ሓደ ፈልፋሊ ንእስነት ዚበሃል ኣፈ-ታሪኽ ኣብ ኵሉ ቦታ ይንገር ነበረ: እዚ ድማ እቶም ካብዚ ምንጪ እዚ ዚሰትዩ ሰባት ናብ ንእስነቶም ከም ዚምለሱ ዚገልጽ እዩ ነይሩ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ናይ ዘለኣለም ህይወት ዜሰልኪ ድዩ፧

ገሊኦም ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ዜሰልኪ እዩ ብምባል ይማጐቱ: ወትሩ ብዚደጋገም ትርጕም ብዘይብሉ መሕለፍ ግዜ ንዘለኣለም ግዜ ምብኻን እዩ እውን ይብሉ። ምናልባት እቲ ዝሓስብዎ ዘለዉ ናይ ዘለኣለም ህይወት: መቐጸልታ እቲ ንብዙሓት ሰባት ኣሰልክይዎምን ትርጕም ስኢኖምሉን ዘለዉ ኣነባብራን ኵነታትን እዚ እዋን እዚ ይኸውን። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ኣብታ እትምለስ ገነት: ሰባት ‘ብብዝሒ ሰላም ደስ ኪብሎም’ ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ። (መዝሙር 37:11) ከምዚ ዓይነት ህይወት: ደቅሰብ ብዛዕባ ፍጥረት የሆዋ ፍልጠት ንኺረኽቡ ዚገብር ከምኡውን ነቲ እንምነዮ ጥራይ ዝነበርና ዜደንቕ ክእለታትን መጽናዕትታትን ብዙሕ ስራሕን ንምምዕባል ግዜ ኽንምድብ ዜኽእል እዩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ: ህይወት ንምንዋሕ ኣብ ዚግበር ምርምር ተመራማሪ ጂን ዝዀነ ዶክተር ኦብሬ ደ ግረይ: “ጽቡቕ ትምህርትን እኹል ግዜን ዘለዎም ሰባት: ሎሚ ፈጺሙ ኣይስልክዮምን እዩ: ሓድሽ ኪገብርዎ ዚደልይዎ ነገራት ዚስእኑ እውን ኣይመስለንን” ብምባል ርእይቶኡ ሃበ። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ እውን ‘ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ ስኢኑ’ ወይ ኣይክእልን እዩ ይብል።—መክብብ 3:11