ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዓልቲ መርዓኻ ብዝያዳ ባህ እተብልን ምዕርግትን ግበራ

መዓልቲ መርዓኻ ብዝያዳ ባህ እተብልን ምዕርግትን ግበራ

መዓልቲ መርዓኻ ብዝያዳ ባህ እተብልን ምዕርግትን ግበራ

ካብ ዚምርዖ ዳርጋ 60 ዓመት ዝገበረ ጎርደን: “መዓልቲ መርዓይ ሓንቲ ኻብተን ኣዝየን ዜገድሳን ዜሐጕሳን መዓልትታት ህይወተይ እያ ነይራ” በለ። መዓልቲ መርዓ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣዝያ ኣገዳሲት ዚገብራ እንታይ እዩ፧ ነቶም ኣጸቢቖም ዜፍቅርዎም መጻምድቶምን ንየሆዋ ኣምላኽን ቅዱስ መብጽዓ ዚኣትዉሉ ዕለት ምዃና እዩ። (ማቴዎስ 22:37፣ ኤፌሶን 5:22-29) እወ: ንኺመራዓዉ ዚምድቡ መጻምድቲ ኣብ መዓልቲ መርዓኦም ባህ ኪብሎም ዚደልዩ እኳ እንተ ዀኑ: ነቲ መስራቲ መርዓ ኬኽብርዎ እውን ይደልዩ እዮም።—ዘፍጥረት 2:18-24፣ ማቴዎስ 19:5, 6

ሓደ መርዓዊ ነዚ ዜሐጕስ ኣጋጣሚ እዚ ብዝያዳ ምዕሩግ ኪገብሮ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ሓንቲ መርዓት ንሰብኣያን ንየሆዋን ንኸተኽብር እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ኣብቲ መርዓ ዚእከቡ ኻልኦት ሰባት ነታ መዓልቲ መርዓ ብዝያዳ ባህ እተብል ኪገብርዋ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ገለ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምርማር: ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። ነዚ ስርዓታት እዚ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ድማ ነዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ ኼበላሹ ዚኽእል ጸገማት ንኸተወግድ ይሕግዝ።  

መን እዩ ብሓላፍነት ዚሕተት፧

ኣብ ሓያሎ ሃገራት: ሓደ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ ምስክር ስነ-ስርዓት መርዓ ብሕጋዊ መገዲ ኺፍጽም ይኽእል እዩ። ኣብቲ ሕጋዊ ስጕምቲ ብሲቭል ብዓል-ስልጣን ዚፍጸመሉ ቦታታት እውን: እቶም መጻምድቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረ ኺወሃቦም ይደልዩ ይዀኑ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መደረ: እቲ መርዓዊ ነቲ ኣምላኽ ከም ርእሲ ስድራቤት መጠን ዝሃቦ ግደ ንኺሓስበሉ ይሕተት እዩ። (1 ቈረንቶስ 11:3) በዚ መሰረት እዚ ኸኣ: እቲ መርዓዊ ነቲ ኣብ መርዓ ዚፍጸም ነገራት ብቐዳምነት ተሓታቲ እዩ። ልክዕ እዩ: ንስነ-ስርዓት መርዓን ነቲ ድሕሪኡ ዚስዕብ ዝዀነ ይኹን ምእትኽኻብን ዚግበር መሰናድዎ መብዛሕትኡ ግዜ ኣቐዲምካ እዩ ዚግበር። መርዓዊ ነዚ መሰናድዎ እዚ ንኺገብር ኣጸጋሚ ኪዀኖ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

ሓደ ምኽንያት: ኣዝማድ መርዓውን መርዓትን ኣብቲ መደባት መርዓ ዓብላሊ ጽልዋ ንኺህልዎም ኪፍትኑ ስለ ዚኽእሉ እዩ። ሓያሎ ስነ-ስርዓት መርዓ ዝመርሐ ሮዶልፎ ኸምዚ በለ:- “ሓድሓደ ግዜ: እቲ መርዓዊ ኻብ ኣዝማድ ብርቱዕ ጸቕጢ ይወርዶ እዩ: ብፍላይ ንወጻኢታት እቲ ውራይ መርዓ ዚሕግዝዎ እንተ ዀይኖም ከኣ እቲ ጸቕጢ ይብርትዕ እዩ። ንሳቶም ኣብቲ ስነ-ስርዓት መርዓን ኣብቲ ውራይን እንታይ ኪግበር ከም ዘለዎ ተሪር ርእይቶታት ይህልዎም ይኸውን። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ መርዓዊ ብሓላፍነት ተሓታቲ ኸም ምዃኑ መጠን ዘለዎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ግደ ኼዳኽሞ ይኽእል እዩ።”

ንልዕሊ 35 ዓመት ስነ-ስርዓት መርዓ ኺፍጽም ዝጸንሐ ማክስ: “መርዓት ኣብቲ መርዓን ኣብቲ ውራይን እንታይ ከም ዚግበር ብምውሳን ዝመጸ መሪሕነት ኪህልዋ ኸሎ: መርዓዊ ብዙሕ ዘይዛረብ ዚዀነሉ እዋናት ከም ዘሎ ኣስተውዒለ እየ” ብምባል ርእይቶኡ ገለጸ። ንሓያሎ ብሕጋዊ መገዲ ዘመራዓወ ዴቪድ እውን: “መርዓዊ ናይ ምምራሕ ልምዲ ዘይብሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ: ኣብቲ ንመርዓ ዚግበር ምድላዋት ብዚግባእ ዘይምስታፉ ድማ ልሙድ ነገር እዩ” በለ። ሓደ መርዓዊ ነቲ ሓላፍነቱ ኸመይ ገይሩ ብዚግባእ ኪስከሞ ይኽእል፧

ልዝብ ንሓጐስ የዕዝዞ

መርዓዊ ንመርዓ ኣብ ዚግበር ምድላዋት ዘለዎ ሓላፍነት ብዚግባእ ንኺስከም: ጽቡቕ ገይሩ ኺላዘብ ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር “ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ: ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን” ይብል እዩ። (ምሳሌ 15:22) ይኹን እምበር: መርዓዊ ነቲ ንመርዓ ዚግበር ምድላዋት ኣቐዲሙ ምስታ መርዓቱ: ምስ ኣባላት ስድራቤቶም: ከምኡውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጥዑይ ማዕዳ ኺህብዎም ምስ ዚኽእሉ ኻልኦት ሰባት እንተ ተመያይጡሉ: እቲ ዝሃቀኖ ኸንቱ ኣይከውንን እዩ።

እወ: እተሓጽዩ መጻምድቲ ነቲ መደባቶምን ዘለዎም ምርጫታትን ፈለማ ንሓድሕዶም ኪመያየጡሉ ይግባእ። ስለምንታይ፧ ንኣብነት: ንሓያሎ ዓመታት ብሓዳሮም ሕጉሳት ዝዀኑ: ግን ከኣ እተፈላለየ ባህሊ ዝነበሮም ኣይቫንን ደልዊንን ዝሃብዎ ሓሳባት እሞ ንርአ። ኣይቫን ንመደባት መርዓኦም ኪዝክሮ ኸሎ: “ኣብ መርዓይ እንታይ ከም ዝደሊ ንጹር ሓሳባት ነበረኒ: እዚ ድማ ፈተውተይ ዚርከቡሉ ውራይ: ቶርታ: መርዓተይ እትኽደኖ ቬሎ ዜጠቓልል ነበረ። ደልዊን ግን ቶርታ ዘይብሉ ንእሽቶን ቀሊልን መርዓ ደለየት። ኣብ ክንዲ ቬሎ ኻልእ ነገር ክትክደን እውን ሓሰበት” በለ።

እሞ ደኣ እዞም መጻምድቲ ነቲ ፍልልያቶም ብኸመይ ፈትሕዎ፧ ብሕያውነትን ብቕንዕናን ብምልዛብ እዩ። (ምሳሌ 12:18) ኣይቫን ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ በለ:- “ከም ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 1984 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝወጸ ዝኣመሰለ: ንመርዓ ዚምልከት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ዓንቀጻት ኣጽናዕና። a እዛ ዝጠቐስናያ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እቲ ኣጋጣሚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ ንኺህልወና ኣኽኣለትና። ነቲ እተፈላለየ መበቈልና ኣብ ግምት ብምእታው: ኣብ እተፈላለየ ብሕታዊ ምርጫታትና ኽንለማለም ነበረና። ስለዚ ኽልቴና ኣረኣእያና ኣዐረና።”

ኣረትን ፐኒን ተመሳሳሊ መገዲ እዮም ስዒቦም። ኣረት ብዛዕባ መዓልቲ መርዓኦም ከምዚ በለ:- “ኣነን ፐኒን ነቲ መርዓ ዘሎና እተፈላለየ ባህግታት ተመያየጥናሉ: ኣብ ዜሰማምዓና ነጥቢ ድማ ክንበጽሕ ከኣልና። የሆዋ ነታ መዓልቲ እቲኣ ኺባርኸልና ጸለና። ካብ ወለድናን ካብ ካልኦት ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ብሱላት ሰብ ሓዳርን እውን ምኽሪ ሓተትኩ። እቲ ዝሃቡና ሓሳባት ብዙሕ እዩ ሓጊዙና። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: መርዓና ደስ ዜብል እዩ ነይሩ።”

ኣብ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ምዕሩግ ምዃን

መርዓውን መርዓትን ንመርዓኦም ብዚግባእ ኪኽደኑ እንተ ደለዩ ዜገርም ኣይኰነን። (መዝሙር 45:8-15) ግቡእ ክዳን ንምምራጽ ግዜን ጻዕርን ገንዘብን የጥፍኡ ይዀኑ። ኣየናይ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ምዕሩግን ማራኽን ክዳውንቲ ንኺመርጹ ኺሕግዞም ዚኽእል፧

ኣብቲ ኣጋጣሚ: እታ መርዓት እትኽደኖ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ምርጫ ሰባት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከምኡውን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዚፈላለ እኳ እንተ ዀነ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ማዕዳ ኣብ ኵሉ ይዓዪ እዩ። ኣንስቲ “ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍሰንን” ኪኽደና ኣለወን። ክርስትያናት ኣንስቲ ነዚ ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ኺዓያሉ ኣለወን፣ እዚ ድማ ንመዓልቲ መርዓ ዜጠቓልል እዩ። ከም ሓቂ ባህ ዜብል መርዓ ንምግባር: “ብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ” ኣየድልን እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:9፣ 1 ጴጥሮስ 3:3, 4) እዚ ማዕዳ እዚ ምስ ዚዕየየሉ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ሓጐስ ዜምጽእ!

እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ዴቪድ: “መብዛሕትኦም መጻምድቲ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪስዕቡ ይጽዕሩ እዮም: ኪነኣዱ ድማ ይግብኦም እዩ። ኰይኑ ግን: እቲ መርዓት እትኽደኖ ቬሎን መሓዙት ዚኽደናኦ ኽዳንን ሕንኪ ዘይብሉ: እቲ ናይ ክሳዱ ኣመና ናብ ታሕቲ ዝወረደ ወይ ኣካላተን ኣሕሊፉ ዜርኢ እዩ” በለ። ሓደ ብሱል ክርስትያን ሽማግለ ኣቐዲሙ ምስቲ መርዓውን መርዓትን ኣብ ዚገብሮ ምይይጥ: ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ ንኼተኵሩሉ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧ እቲ ኪኽደንዎ ዝሓሰቡ ኽዳን ንክርስትያናዊ ኣኼባ ንኽትክደኖ ዚበቅዕ ሕንኪ ዘለዎ እንተ ዀይኑ ብምሕታት እዩ። ልክዕ እዩ: ቅዲ እቲ ኽዳን ካብቲ ኣዘውቲርካ ኣብ ኣኼባ እትኽደኖ እተፈልየ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እቲ ኣብ መዓልቲ መርዓ እትኽደኖ ኸኣ ነቲ ባህሊ እቲ ኸባቢ ዜንጸባርቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን: ሕንኪ ወይ ትሕትና ዜንጸባርቕ ብምዃን: ምስቲ ምዕሩግ ክርስትያናዊ መለክዒታት ዚሰማማዕ ኪኸውን ይግባእ። ገሊኦም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ነቲ ስነ-ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ቀያዲ ኸም ዝዀነ ገይሮም እኳ እንተ ወሰድዎ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግን ነቲ ዓለም ንኽትቀርጾም እትገብሮ ፈተነ ብምጽራሮም ዕግበት ይረኽቡ እዮም።—ሮሜ 12:2፣ 1 ጴጥሮስ 4:4

ፐኒ እውን ከምዚ በለት:- “ኣነን ኣረትን ነቲ ኽዳውንቲ ወይ ነቲ ውራይ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ጌርና ኣብ ክንዲ እንርእዮ: ኣብቲ ስነ-ስርዓት መርዓ: ማለት ኣብቲ መንፈሳዊ ኽፋሉ ኣተኰርና። ንዓይ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲት መዓልቲ እያ። ካብ ኵሉ ንላዕሊ ትዝ ዚብለኒ ፍሉይ ነገራት: እተኸደንክዎ ወይ ዝበላዕክዎ ነገር ዘይኰነስ: እቶም በታ መዓልቲ ምሳይ ዝነበሩ ሰባትን ነቲ ዘፍቅሮ ሰብኣይ ብምምርዓወይ እተሰምዓኒ ሓጐስን እዩ።” ክርስትያን መጻምድቲ ንመርዓኦም መደብ ኪገብሩ ኸለዉ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት ኣብ ግምት ኬእትዉ ኣለዎም።

ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ—ምዕሩግ ቦታ

ብዙሓት ክርስትያን መጻምድቲ ስነ-ስርዓት መርዓኦም እንተ ተኻኢሉ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪገብሩ እዮም ዚደልዩ። ነዚ ዚመርጹ ስለምንታይ እዮም፧ ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ከምዚ ብምባል ምኽንያቶም ገለጹ:- “መርዓ የሆዋ ዘዳለዎ ቕዱስ ስርዓት ምዃኑ ንፈልጥ ነበርና። ኣብቲ ቦታ ኣምልኾና ዝዀነ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምምርዓውና: ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ የሆዋ ኽፋል ሓዳርና ኪኸውን ከም እንደልዮ እዩ ኣጕሊሑልና። ነቲ ስነ-ስርዓት መርዓ ኣብ ክንዲ ኣብ ካልእ ቦታ: ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምግባር ዜምጽኦ ኻልእ ረብሓ ኸኣ: ነቶም ኣብኡ እተኣከቡ ዘይኣመንቲ ኣዝማድና ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ንዓና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ስለ ዜርኣዮም እዩ።”

እቶም ፍቓድ ኪህቡ ሓላፍነት ዘለዎም ሽማግለታት ጉባኤ ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መርዓ ኺግበር እንተ ፈቒዶም: እቶም መጻምድቲ ብዛዕባ እቲ ዚሓስብዎ ዘለዉ ምድላዋት ኣቐዲሞም ኪነግርዎም ኣለዎም። ሓደ ኻብቲ እቲ መርዓውን እታ መርዓትን ነቶም ናብቲ መርዓ እተዓደሙ ግቡእ ኣኽብሮት ኬርእዩሉ ዚኽእሉ ነገር: ሰዓቶም ሓልዮም ኣብቲ ቦታ ብምብጻሕ እዩ። ኵሉ ነገር ብምዕሩግ መገዲ ኺገብርዎ ኣለዎም። b (1 ቈረንቶስ 14:40) ስለዚ: ነቲ ኣብ ሓያሎ ዓለማዊ መርዓታት ዚግበር ጠገለ ዘይብሉ ተግባራት ኣይገብሩን እዮም።—1 ዮሃንስ 2:15, 16

እቶም ናብቲ መርዓ ዚኸዱ እውን: ከምቲ የሆዋ ብዛዕባ መርዓ ዘለዎ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎም ኬርእዩ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት: ናይ መን መርዓ ይበልጽ ተባሂሉ ውድድር ከም ዘሎ ገይሮም: እቲ መርዓ ንናይ ካልኦት ክርስትያናት መርዓ ኺበልጽ ኣይጽበዩን እዮም። ብሱላት ክርስትያናት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረ ንምስማዕ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምእካብ: ካብቲ ኣብ ውራይ መርዓ ወይ ድሕሪኡ ዘሎ ምትእኽኻብ ንላዕሊ ኣገዳስን ጠቓምን ከም ዝዀነ የስተውዕሉ እዮም። ሓደ ክርስትያን ብሰንኪ ግዜ ወይ ኵነታት ኣብ ሓዲኡ ጥራይ ኪኸይድ ዚኽእል እንተ ዀይኑ: ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምኻድ ኪምረጽ ኣለዎ። ዊልያም ዚበሃል ሽማግለ ኸምዚ በለ:- “ኣጋይሽ ካብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብዘየድሊ ምኽንያት እንተ በዂሮም: ግን ከኣ ኣብቲ ድሕሪኡ ዘሎ ድግስ እንተ መጺኦም: ንቕድስና እቲ ኣጋጣሚ ብዚግባእ ከም ዘይተረድእዎ እዩ ዜርኢ። ናብቲ ድግስ እንተ ዘይተዓዲምና: ናብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ስነ-ስርዓት ብምኻድ ነታ መርዓትን ነቲ መርዓውን ዘሎና ደገፍ ከነርእን ነቶም ዘይኣምኑ ኣዝማድ ከኣ ጽቡቕ ምስክርነት ክንህብ ንኽእል ኢና።”

ድሕሪ መዓልቲ መርዓ ዚቕጽል ሓጐስ

ናይ ንግዲ ዓለም ንውራይ መርዓ ናብ ዓብዪ ኢንዱስትሪ ቐይርዎ ኣሎ። ብመሰረት ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተገብረ ሓደ ጸብጻብ: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እቲ ማእከላይ መርዓ: “22,000 ዶላር: ወይ ፍርቂ ገምጋም [ዓመታዊ] ኣታዊ ስድራቤት ኣመሪካ የውጽእ።” ብዙሓት ሓደስቲ መርዑ ወይ ስድራቤቶም ብፕሮፓጋንዳ ንግዲ ስለ ዚጽለዉ: ነታ ሓንቲ መዓልቲ እቲኣ ኺብሉ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ሰፍ ዘይብል ዕዳ ይኣትዉ። በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ሓዳር ምጅማር ጥበባዊ ድዩ፧ እቶም ብዛዕባ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይፈልጡ ወይ ዘይግደሱ: ከምዚ ዝኣመሰለ ዝርወት ይመርጹ ይዀኑ: ክርስትያናት ግን ኣጸቢቖም እተፈልዩ ኪዀኑ ኣለዎም።

ብዙሓት ክርስትያናት መጻምድቲ ግፍሒ መርዓኦም ርትዓዊ ብምግባርን ብመሰረት ዓቕሞም ብምድራትን: ከምኡውን ኣብ መንፈሳዊ መዳያት እቲ ኣጋጣሚ ብምትኳር: ንግዜኦምን ጥሪቶምን ምስቲ ንኣምላኽ ዝገብርዎ ወፈያ ብምስምማዕ ኪጥቀሙሉ ኽኢሎም እዮም። (ማቴዎስ 6:33) ካብ ዚምርዓዉ ኣትሒዞም ን17 ዓመት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝቐጸሉ ሎይድን ኣለክሳንድራን ዝገደፍዎ ኣብነት እሞ ንርአ። ሎይድ ነዚ ዚስዕብ ሓሳብ ሃበ:- “ገሊኦም ንመርዓና ኸም ተራ ኣጋጣሚ ገይሮም ይርእይዎ ይዀኑ: ኣነን ኣለክሳንድራን ግን ኣዚና ኢና ተሓጒስና። መዓልቲ መርዓና ኸቢድ ፊናንሳዊ ጾር ዜሰክመና ነገር ዘይኰነስ: ነቲ ዓብዪ ሓጐስ ዜምጽኣልና ስርዓት የሆዋ እንጽምብለሉ ግዜ ኪኸውን ከም ዘለዎ እዩ ተሰሚዑና።”

ኣለክሳንድራ እውን ነዚ ተወሳኺ ሓሳብ ሃበት:- “ቅድሚ ምምርዓውና ፈላሚት ኰይነ አገልግል ነይረ: ምእንቲ ቕጥዒ ዘይብሉ መርዓ ኢለ ኸኣ ነዚ ፍሉይ ኣገልግሎት እዚ ኽስእኖ ኣይደልን እየ። መዓልቲ መርዓና ኣዝያ ፍልይቲ እያ ነይራ። ኰይኑ ግን: ነቲ ብድሕሪኡ ብሓባር እንነብሮ ህይወትና ዝጀመርናላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጥራይ እያ ነይራ። ኣብ መዓልቲ መርዓ እምብዛ ንኸይነተኵር: ኣብ ክንዳኡ ኣብቲ ድሕሪ መርዓ ዚህልወና ህይወት መምርሒ የሆዋ ኸነናዲ እተዋህበ ማዕዳ ዓዪናሉ ኢና። እዚ ብርግጽ በረኸት የሆዋ ኣምጺኡልና እዩ።” c

እወ: መዓልቲ መርዓኻ ፍልይቲ ኣጋጣሚ እያ። እቲ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዚንጸባረቕ ኣረኣእያን ተግባራትን: ንሓዳርካ መሰረት ኬንብረልካ እዩ። ስለዚ: ኣብ መምርሒ የሆዋ ተጸጋዕ። (ምሳሌ 3:5, 6) ነቲ መንፈሳዊ ኣገዳስነት እታ መዓልቲ ልዕሊ ዅሉ ኽብ ኣቢልካ ርኣዮ። ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደበልካ ግደ ምስ መጻምድትኻ ተደጋገፍ። በዚ ኸምዚ ንሓዳርካ ድልዱል መሰረት ከተንብር ኢኻ: ብበረኸት የሆዋ ኸኣ ድሕሪ መዓልቲ መርዓኻ ዚቕጽል ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ።—ምሳሌ 18:22

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናይ 8 ለካቲት 2002 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ተወሳኺ ሓሳባት ይርከብ እዩ።

b እቶም መጻምድቲ እተወሰነ ስእሊ ኺሰኣሉ ወይ ነቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ስነ-ስርዓት ኪቕድሕዎ እንተ ደልዮም: ንምዕራገ እቲ መርዓ ዚንኪ ዝዀነ ይኹን ነገር ከይግበር ኬረጋግጹ ኣለዎም።

c ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 26 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

መጻምድቲ ንመርዓኦም መደብ ኪገብሩ ኸለዉ ብግህዶን ብኣኽብሮትን ኪላዘቡ ኣለዎም

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ መንፈሳዊ ኣገዳስነት መዓልቲ መርዓኻ ልዕሊ ዅሉ ኽብ ኣቢልካ ርኣዮ