ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ስለምንታይ ኢና እንነብር ዘለና፧”

“ስለምንታይ ኢና እንነብር ዘለና፧”

“ስለምንታይ ኢና እንነብር ዘለና፧”

ናይ ኖቤል ሽልማት ተዓዋትን ካብቲ ብናዚ እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ዝደሓነን ኤሊ ቪሰል: “ደቅሰብ ኪምልስዋ ዘለዎም ኣዝያ ኣገዳሲት ሕቶ” ብምባል ጸውዓ። እዛ ሕቶ እዚኣ እንታይ እያ፧ “ስለምንታይ ኢና እንነብር ዘለና፧” እትብል ሕቶ እያ።

ነዛ ሕቶ እዚኣ ሓሲብካላዶ ትፈልጥ፧ ብዙሓት ሰባት ሓሲቦምላ እዮም: ነቲ መልሲ ግን ኪረኽብዎ ኣይከኣሉን። ብሪጣንያዊ ጸሓፍ ታሪኽ ዝዀነ ኣርኖልድ ቶይንቢ ንትርጕም ህይወት ኪገልጽ ፈቲኑ ነበረ: “ናይ ሓቂ ሸቶ ሰብ: ንኣምላኽ ኬኽብርን ብእኡ እናተሓጐሰ ንዘለኣለም ኪነብርን እዩ” ብምባል ድማ ጸሓፈ።

እቲ ዜገርም ከኣ: ሰለስተ ሽሕ ዓመት ይገብር ዝነበረ: በቲ ንህይወት ብኣትኵሮ ዚዕዘበሉ ዝነበረ መገዲ ዚፍለጥ ሓደ ሰብኣይ: ነቲ መሰረታዊ መልሲ ድሮ ይፈልጦ ነበረ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ: እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ” ብምባል ተዛረበ።—መክብብ 12:13

እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እውን ነዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ደጊፍዎ እዩ። ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ንሰማያዊ ኣቦኡ ኬኽብር ጻዕሪ ይገብር ነበረ። የሱስ ንፈጣሪኡ ብምግልጋሉ ብሉጽ ህይወት ንኺረክብ ኣኽኣሎ። እዚ ልክዕ ከም ምግቢ ይዕንግሎ ስለ ዝነበረ ድማ: “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ” በለ።—ዮሃንስ 4:34

ስለዚ: ስለምንታይ ኢና እንነብር ዘለና፧ ልክዕ ከም የሱስን ሰሎሞንን ካልኦት ኣገልገልቲ ኣምላኽን: ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ጌርና: ናይ ሓቂ ትርጕም ህይወትና ኽንፈልጥን ነባሪ ሓጐስ ክንረክብን ንኽእል ኢና። ከመይ ጌርካ ንኣምላኽ “ብመንፈስን ብሓቅን” ከም እተምልኾ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊ ዲኻ፧ (ዮሃንስ 4:24) ኣብ ማሕበረሰብካ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነታ “ስለምንታይ ኢና እንነብር ዘለና፧” እትብል ሕቶ መልሲ ንኽትረኽበላ ተሓጕሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።