ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሓቂዶ ንኣምላኽ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና፧

ብሓቂዶ ንኣምላኽ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና፧

ብሓቂዶ ንኣምላኽ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና፧

“ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካ . . . ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።”—ዮሃንስ 17:3

ሃዋርያ ጳውሎስ “ወዳጄ: መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን” ብምባል ኣድንቖቱ ገለጸ። ወሲኹ እውን “ክንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ ፍርዱ: ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ እዩ መገዱ” በለ። (ሮሜ 11:33) ነዘን ቃላት እዚኣተን ብምንባብ: ንጥበብን ፍልጠትን ኣምላኽ ምፍላጥ ልዕሊ ዓቕሚ ደቅሰብ ብምዃኑ: ንዕኡን ንዕላማኡን ፈጺምና ኽንፈልጦ ዘይከኣል እዩ ኢልና ንኽንድምድም ዚገብረና ድዩ፧

ብመሰረት እቶም ቪያ ነጋቲቫ (ኣሉታዊ መገዲ) ዚበሃል ሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት: እቲ መልሲ ‘እወ’ ዚብል እዩ። ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን ነዚ ፍልስፍና እዚ ብዚምልከት ከምዚ በለ:- “ኣምላኽ ካብ ዅሉ እቲ ብዛዕባኡ ኺፍለጥ ዚኽእል ነገራት ንላዕሊ እዩ። . . . ኣምላኽ ስም ኪወሃቦን ኪግለጽን ኣይከኣልን እዩ። ዝዀነ ይኹን ስም ወይ መግለጺ ድሩት እዩ: ኣምላኽ ድማ ልዕሊ እዚ . . . እዩ። . . . ኣምላኽ ልዕሊ እቲ ኽንፈልጦ እንኽእል ስለ ዝዀነ: ፈጺሙ ኺፍለጥ ኣይከኣልን እዩ።” a

ብመሰረት መጽሔት ኒውስዊክ ብዙሓት ሰባት ናብ ሓደ “ሓድሽ ዓይነት ኣተሓሳስባ” ገጾም ይዝንብሉ ኣለዉ: እዚ ኣተሓሳስባ እዚ “ሓደ ሓቂ ኣሎ: እዚ ድማ ሓቂ ዚበሃል የለን ዚብል እዩ።”

ብዙሓት ሰባት ግን ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ዚምልከት ሕቶታት ኣይተመለሰሎምን። ነቲ መሪር ጸገማት ድኽነትን ሕማምን ዓመጻን ይርእይዎ ኣለዉ። ህይወት ክትተኣማመነላ ዘይትኽእል ምዃና ኣዝዩ የጕህዮም እዩ። ነዚ መልሲ ኺረኽቡ ሃረር ይብሉ: ከይረኸቡ ምስ ተረፉ ድማ ፈጺሙ መልሲ የለን ኢሎም ይድምድሙ ይዀኑ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ብዙሓት ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ዋላ እውን ኣምላኽ ኣሎ ኢሎም እንተ ኣመኑ: ካብ እተወደባ ሃይማኖታት ወጺኦም ባዕሎም ናብ ኣምላኽ ኪቐርቡ ዚኽእሉሉ መገዲ የናድዩ ኣለዉ።

ኣረኣእያ መጽሓፍ ቅዱስ

እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢሮም ዚርእዩ ኸምኡውን እቶም የሱስ ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ኣፈኛ ምዃኑ ዚኣምኑ ሰባት: ብዛዕባ ኣረኣእያ መጽሓፍ ቅዱስ ኪፈልጡ ኣለዎም። ምናልባት ነተን የሱስ “ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ: መገዳውን ገፋሕ እያ:” እታ “ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ: መገዳውን ቀጣን እያ” ብምባል እተዛረበለን ክልተ ደገታት ትዝክረን ትኸውን። ነቶም ኣብዘን መገድታት እዚኣተን ዚጐዓዙ ሰባት ብኸመይ ከተለልዮም ከም ዚከኣል ድማ “ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም” ብምባል ገለጸ። እንታይ ዓይነት ፍረ፧ በቲ ዚዛረቡሉ ዘይኰነስ በቲ ዚገብርዎ ነገራት እዮም ዚልለዩ፣ የሱስ “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር: ጐይታይ: ጐይታይ: ዚብለኒ ዅሉ: መንግስተ ሰማያት ዚአቱ ኣይኰነን” ብምባል ነዚ ኣብርሆ። ኣብ ኣምላኽ እምነት ከም ዘሎና ምዝራብ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብር ኣሎና። ፈለማ ግን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ርጡብ ፍልጠት የድልየና እዩ።—ማቴዎስ 7:13-23

የሱስ: ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ኪፈልጡ ኸም ዚኽእሉ ብግልጺ ሓበረ። “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ድማ በለ። (ዮሃንስ 17:3) ስለዚ: ጻዕሪ እንተ ደኣ ጌርና: ነቲ ኣምላኽ ዚህቦ ጥበብን ፍልጠትን ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ነቶም ከምዚ ዚገብሩ ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ስለ ዚህቦም: እዚ ጻዕሪ እዚ ዓስቢ ዘለዎ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሃይማኖታዊ ልምድታት እተን ኣብ ምብራቕ ዚርከባ ሂንዱነትን ታኦነትን ቡድህናን እውን ምስዚ ዚመሳሰል እዩ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ: እታ ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ ቐጣን ምዃና ገለጸ