ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ኣምላኽ ምፍላጥ ብኸመይ፧

ብዛዕባ ኣምላኽ ምፍላጥ ብኸመይ፧

ብዛዕባ ኣምላኽ ምፍላጥ ብኸመይ፧

ገሊኦም ሰባት: ኣምላኽ ገዛእ ርእሱ ንደቅሰብ ናይ ምግላጽ ድሌት እንተ ኣልይዎ ይጠራጠሩ እዮም። ርእሱ ኺገልጽ ድሌት እንተ ኣለዎኸ ኸመይ ገይሩ እዩ ዚገብሮ፧

ኣብ መበል 16 ዘመን ዝነበረ መራሒ ተሓድሶ ፕሮተስታንት ዝዀነ ጆን ካልቪን: ኣምላኽ ርእሱ ንደቅሰብ እንተ ዘይገሊጹሎም: ሰባት ባዕሎም ኪፈልጥዎ ኣይክእሉን እዮም ብምባል ብትኽክል ደምደመ። ይኹን እምበር ገሊኦም ሰባት: ኣምላኽ ርእሱ ንደቅሰብ ኪገልጽ ይደሊ ብዛዕባ ምዃኑ ይጠራጠሩ እዮም። ኪገልጽ እንተ ደለየኸ ብኸመይ እዩ ዚገብሮ፧

እቲ “ፈጣሪ” ዝዀነ የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ዚገብሮ ነገራት ምኽንያት ኣለዎ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ከም “ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ” መጠን ዕላማታቱ ንምፍጻም ዓቕሚ ኣለዎ። (መክብብ 12:1፣ ዘጸኣት 6:3) ዕላማታቱ ንሰባት ከም ዝገለጸሎም እውን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና፣ ከመይሲ: ነብዪ ኣሞጽ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ “እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢሩ ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም: ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ዕላማታቱ ነቶም ካብ ልቦም ዜፍቅርዎ ኣገልገልቱ ጥራይ ከም ዝገለጸሎም ኣስተብህል። እዝስ ርትዓዊ ደይኰነን፧ ምስጢራዊ ጕዳያትካ ንመን ኢኻ እትነግሮ፧ ንዝዀነ ይኹን ሰብዶ ወይስ ንናይ ማሕርሮ ፈታዊኻ፧—ኣሞጽ 3:7፣ ኢሳይያስ 40:13, 25, 26

ጥበብን ፍልጠትን ኣምላኽ ነቶም ትሑታት ሰባት ኣኽብሮታዊ ፍርሃት የሕድረሎም እዩ: እዚ ድማ ግቡእ እዩ። ካብዚ ኣምላኻዊ ጥበብን ፍልጠትን ብብሕትና ጥቕሚ ኽንረክብ እንተ ደሊና ግን: ልዕሊ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት እዩ ዜድሊ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ንምፍላጥ ትሑት ልቢ ኸም ዜድልየና ኣጕልሕ ኣቢሉ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል: ‘ንትእዛዛተይ ምሳኻ ኣርንቦ። እዝንኻ ናብ ጥበብ አቕልብ። ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ኣድንን። ንኣእምሮ ጸውዓያ: ንምስትውዓል ከኣ ኣድህያ። ከም ንብሩር ጌርካ ድለያ።’—ምሳሌ 2:1-4

ከምዚ ዝበለ ጻዕሪ ዚገብር ትሑት ሰብ ንኣምላኽ ኪፈልጦ ይኽእል እዩ። እታ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናያ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ዘላ ጥቕሲ ቐጺላ: “እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ: ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ” ትብል። እወ: እቶም ቅኑዓት ደለይቲ ሓቂ ‘ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን: ኤረ ዅሉ ሰናይ መገዲ ኼስተውዕሉ እዮም።’—ምሳሌ 2:6-9

ሓቂ ንምርካብ እተገብረ ጻዕሪ

ዘ ኢንሳይክሎፐድያ ኦቭ ረሊጅን ከምዚ በለ:- “ህይወት ሰባት በቲ ንዚኸውንን ዘይከውንን: ንሓያልን ድኹምን: ንናይ ሓቅን ናይ ሓሶትን: ንጽሩይን እተበከለን: ንንጹርን ዜደናግርን: ከምኡውን በቲ ብተዛማዲ ዚርአ መዳያት ንዘሎ ፍልልይ ናይ ምፍላጥ ድሌት ዝመልአ እዩ።” ሰባት ነዚ ድሌት እዚ ንኼማልኡ ንሓቂ ኺረኽብዋ ብዙሕ ጽዒሮም እዮም። ኣብቲ ዚገብርዎ ምድላይ ናብቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኣምላኽ ሓቂ” ዝበሎ ገጾም እንተ ገይሮም ይዕወቱ እዮም።—መዝሙር 31:5

እታ የሆዋ እትብል ስም ቃል ብቓሉ “ዚኸውን” ማለት እያ። (ዘፍጥረት 2:4 NW እግረ-ጽሑፍ) ስለዚ: ትርጕም ስም ኣምላኽ: ብዛዕባ ፈጣርነቱን ዕላማኡን ይገልጽ እዩ። ከም ሓቂ ድማ ስም ኣምላኽ ምፍላጥን ምጥቃምን መለለዪ ናይ ሓቂ ሃይማኖት እዩ። የሱስ ነዚ ሓቂ እዚ ብግልጺ ኣፍልጦ ሂቡሉ እዩ። ንሰዓብቱ ብዚምልከት ናብ ኣምላኽ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎት: “እታ ብእኣ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ኽትከውን ኣነውን ኣባታቶም: ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ ኸፍልጦምውን እየ” በለ።—ዮሃንስ 17:26

ብግዜ ጥንቲ ዚነብር ዝነበረ ዮሴፍ ዝስሙ እብራዊ: ሕልሚ ንኺፈትሕ ምስ ተሓትተ: ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ዕርክነት ብምምርኳስ: “እቲ ምፍታሕ ናይ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰነን፧” ብምባል ብምትእምማን መለሰ።—ዘፍጥረት 40:8፣ 41:15, 16

ብዙሕ ዘመናት ጸኒሑ: ንጉስ ባቢሎን ዝነበረ ነቡካድነጻር እቶም ጠቢባን ኪትርጕሙሉ ዘይከኣሉ ሕልሚ ሓለመ። ነብዪ ዳንኤል ነቲ ንጉስ ከምዚ በሎ:- “ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓደ ኣምላኽ እዩ ምስጢራት ዚገልጽ: ንሱ ኸኣ ንንጉስ ነቡካድነጻር በቲ ዳሕራይ ዘመናትሲ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍለጦ።”—ዳንኤል 2:28

ኣብነት ዮሴፍን ዳንኤልን: ጥበብን ፍልጠትን ኣምላኽ ነቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ዜገልግሉ ጥራይ ከም ዚወሃቦም ዜርኢ እዩ። ብርግጽ: ሞገስ ኣምላኽ እንተ ደሊና: ነቲ ቐደም ዝነበረና ኣረኣእያ ኽንሓድጎ ኣሎና። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድ ከምዚ እዮም ገይሮም። ንሕግታት ኣይሁድ ከም ዜኽብሩን ዚእዘዙን ኰይኖም ስለ ዝዓበዩ: ንየሱስ ከም መሲህ ገይሮም ንኪቕበልዎ ግዜ ኣድልይዎም ነበረ። የሱስ ነቲ “ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር” ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ ሕጊ ሙሴ ኺፍጽም እዩ መጺኡ። (እብራውያን 10:1፣ ማቴዎስ 5:17፣ ሉቃስ 24:44, 45) ሕጊ ሙሴ በቲ ኻብኡ ኣዝዩ ዚበልጽ “ሕጊ ክርስቶስ” ተተክአ።—ገላትያ 6:2፣ ሮሜ 13:10-11፣ ያእቆብ 2:8-9

ኵላትና ኣብዛ ኻብ ኣምላኽ ዝረሓቐት ዓለም ኢና ተወሊድና። ብሰንኪ እቲ ኻብቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝወረስናዮ ሓጢኣት: ጸላእቲ ኣምላኽ ኴንና ስለ እተወለድና: ብዛዕባ ዕላማኡ ርጡብ ፍልጠት የብልናን። ብተወሳኺውን ጐራሕ ልቢ እዩ ዘለና። (ኤርምያስ 17:9፣ ኤፌሶን 2:12፣ 4:18፣ ቈሎሴ 1:21) ዓርኪ ኣምላኽ ክንከውን እንተ ደሊና: ኣተሓሳስባና ብመገዲ ኣምላኽ ንኺምራሕ ክንመሃር ኣሎና። ከምዚ ምግባር ድማ ቀሊል ኣይኰነን።

ነቲ ዝነበረና ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣረኣእያን ተግባራትን ምሕዳግ: ብፍላይ ከኣ ካብ ቍልዕነትና ኣትሒዙ እተመሃርናዮ እንተ ዀይኑ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። ኰይኑ ግን በዚ ግጉይ ኣንፈት እዚ ምቕጻልከ ጥበባዊ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይኰነን! ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ ኣተሓሳስባና ምቕያርና ጥበባዊ እዩ።

ንመትረብ መምርሒ ኣምላኽ ምልላዩ

ነቲ ቓል ሓቂ ንኽንርድኦን ብእኡ ንኽንምራሕን ኣበይ ኢና ሓገዝ ክንረክብ እንኽእል፧ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል: ኣምላኽ በቶም ኣብ ቦታ ሓላፍነት ዝነበሩ ትውክልቲ ዚግበረሎምን እሙናትን ዝዀኑ ሰባት ገይሩ መሪሕነት ይህብ ነበረ። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ እቲ ርእሲ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀነ ክርስቶስ: ነቶም ብቕንዕና ንሓቂ ዚደልይዋ ሰባት ይመርሖም ኣሎ። ነዚ ድማ በቶም ትውክልቲ ዚግበረሎምን እሙናትን ሰዓብቱ ኣቢሉ እዩ ዚገብሮ: እዚኣቶም ነቶም ንጻዕራማት ዝዀኑ ደለይቲ ሓቂ ንምምራሕን ንምዕቋብን ሓላፍነት ዘለዎ መትረብ ዜቝሙ እዮም። (ማቴዎስ 24:45-47፣ ቈሎሴ 1:18) ሓደ ሰብ ግን ነዚ ኣምላኽ መምርሒ ዚህበሉ መትረብ ከመይ ገይሩ እዩ ኼለልዮ ዚኽእል፧

እቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ: ነቲ የሱስ ሰብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዘርኣዮ ባህርያት ኬንጸባርቑ ይጽዕሩ እዮም። ኣብዛ እናሓደረት እክይቲ እትኸውን ዘላ ዓለም: ነዚ መንፈሳዊ ባህርያት እዚ ስለ ዜርእዩ ፍሉያት እዮም፣ እዚ ድማ ንኺልለዩ ቐሊል ይገብሮ። (ነታ ኣብ ገጽ 6 ዘላ ሳጹን ርአ።) እታ ሕጂ እትስዕባ ዘለኻ ሃይማኖት ወይ እቲ ጐረባብትኻ ዚስዕብዎ ሃይማኖት ከምዚ ዓይነት ባህርይ የንጸባርቕዶ፧ ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ነዚ ጕዳይ እዚ ምምርማርካ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ነዚ ድማ ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልካ ንኽትገብሮ ንዕድመካ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 235 ሃገራት ዚነብሩ ብገምጋም ልዕሊ 6,000,000 ዝዀኑ ውልቀ-ሰባትን ስድራቤትን ነዚ መሰናድዎ እዚ ተጠቒሞም ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም እዮም። ጥበብን ፍልጠትን ኣምላኽ ምርካብ ቀጻልን ዜዕግብን ዓስቢ ዘለዎን ንጥፈት እዩ። ንስኻኸ ኣብዚ ጥበብን ፍልጠትን ኣምላኽ ንምርካብ ዚግበር ጕዕዞ ስለምንታይ ዘይትሓብር፧ ፈጺምካ ዘይትጠዓሰሉ ጕዕዞ እዩ። እወ: ብሓቂ ንኣምላኽ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና!

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ምስ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ዚነብሩ ሰባት . . .

ካብ ፖለቲካዊ ግጭታት ገለልትነቶም ይሕልዉ። —ኢሳይያስ 2:4

ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ጽቡቕ ፍረ የፍርዩ። —ማቴዎስ 7:13-23

ኣብ ንሓድሕዶም ፍቕሪ የርእዩ። —ዮሃንስ 13:35፣ 1 ዮሃንስ 4:20

ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ዚርከቡ ሓደ ዓይነት ዘረባ ይዛረቡ።—ሚክያስ 2:12

ነቲ ኣብታ ኣብ ከባቢኦም ዘላ ዓለም እተንጸባርቖ ግጉይ ኣረኣእያን ኣካይዳን ኣይቀድሑን።—ዮሃንስ 17:16

ብዛዕባ ሓቂ ይምስክሩ ኸምኡውን ደቀ-መዛሙርቲ ይገብሩ።—ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20

ንሓድሕዶም ንምትብባዕ ወትሩ ይእከቡ። —እብራውያን 10:25

ከም ሓደ ዓለምለኻዊ ኣካል ኰይኖም ንኣምላኽ ይውድስዎ።—ራእይ 7:9, 10

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ፍልጠት ኣምላኽ ብደረጃ ውልቀ-ሰብን ስድራቤትን ጉባኤን ኪርከብ ይከኣል