ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ጊኒ መንፈሳዊ መዝገብ ምርካብ

ኣብ ጊኒ መንፈሳዊ መዝገብ ምርካብ

ኣብ ጊኒ መንፈሳዊ መዝገብ ምርካብ

ዳህሰስቲ ንሓያሎ ዘመናት: መዝገብን ሃብትን ንኺረኽቡ ኢሎም ንህይወቶም ዜስግእን ዜሰንክልን ነገር ገይሮም እዮም። ኣብታ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ጊኒ ዝበጽሑ ተባዓት ሰባት ድማ እተፈልየ ዓይነት ሃብቲ: ማለት ስጋውን መንፈሳውን ሃብቲ ረኺቦም እዮም። እዛ ብኣልማዝ: ብወርቂ: ብሓጺን: ከምኡውን ብብሉጽ ቦክሳይት (ኣሉሚነም ዚወጾ ማዕድን) ሃብታም ዝዀነት ሃገር: መንበሪት እቶም ልዕሊ ትሽዓተ ሚልዮን ዝዀኑ ጊኒያውያን እያ።

ዋላኳ ሃይማኖታት ህዝበ-ክርስትያን ኣብታ ዓዲ ዓብለልቲ እንተ ዘይኰና: ኣምልኾ ግን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ብዙሓት ሰባት ድማ ንመንፈሳዊ መዝገብ ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። እዚ መዝገብ እዚ እንታይ እዩ፧ እቶም ኣብ ሃጌ 2:7 “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር” ተባሂሎም ተጸዊዖም ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እዮም።

መንፈሳዊ መዝገብ

ንሓደ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ዘሎ መዝገብ ንኽትረኽቦ ኢልካ ምዅዓት ከቢድ ጻዕሪ ዚሓትት እዩ። ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እውን ምስዚ ዚመሳሰል እዩ፣ ከመይሲ: መንፈሳዊ መዝገብ ንምርካብ ጻዕሪ የድሊ እዩ። ኣብ ጊኒ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ 1950ታት ኣብ ሕምብርቲ እታ ዓዲ እዩ ጀሚሩ: ክሳዕ 1960ታት ከኣ ናብታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ኮናክሪ ኣይበጽሐን ነይሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ግን ኣብታ መላእ ሃገር ኣብ 21 ጉባኤታትን ጕጅለታትን ዚርከቡ 900 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ።

ብ1987 ሚስዮናውያን ናብታ ዓዲ ብምምጻእ ምስታ ኣብ ኮናክሪ ዝነበረት ሓንቲ ጉባኤ ይዓዩ ነበሩ። ሕጂ ኣብታ ርእሲ ኸተማን ኣብ ውሽጣዊ ኽፋል እታ ሃገርን ልዕሊ 20 ዝዀኑ ሚስዮናውያን ኣለዉ። ብቕንኣት ነተን ጉባኤታት ይሃንጽወን ከምኡውን ምስቶም ነበርቲ እቲ ዓዲ ዝዀኑ ኣሕዋት ኣብ ኣገልግሎት ይካፈሉ ኣለዉ።

ኣብ ኮናክሪ ዚነብር ሉክ ምስ ሓደ ኣልበርት ዝስሙ መንእሰይ ዶክተር: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር ሓጐስ ረኺቡ እዩ። ኣልበርት ኣብ እተፈላለያ ኣብያተ-ክርስትያን ሃይማኖታዊ ሓቂ የናዲ ነበረ: ኣብ ሓተታ መናፍስቲ ድማ ይካፈል ነበረ። አረ ሓደ ሓተታ መናፍስቲ ዚገብር ሰብ ጽቡቕ ዕድል ከም እተምጽኣሉ ብምንጋር ዝሃቦ ካትም እውን ነይራቶ እያ። ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ተስፋ ኣቝረጾ: ነታ ካትም ደርበያ: “ኣምላኽ: እንተ ኣሊኻ: ንዓኻ ኽፈልጥን ከገልግለካን ሓግዘኒ። እንተ ዘይኰይኑ ግን ከም ደስ ዝበለኒ ገይረ ንህይወተይ ክመርሓ እየ” ብምባል ከኣ ጸለየ። ብዙሕ ከይጸንሐ: ኣልበርት ንሓብቱ ኺበጽሓ ኸደ: ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ጓል ሓብቱ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ከላ ድማ ሰምዐ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ ምስ ሉክ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺገብር መሰናድዎ ተገብረ።

ሉክ ሰሙን ሰሙን ነቲ መጽናዕቲ ንምምራሕ ብፍታው ልዕሊ ሓሙሽተ ኪሎ ሜተር ብእግሩ ይጐዓዝ ነበረ። ዋላኳ ሉክ እተወሰነ ትምህርቲ እንተ ኣለዎ: እቲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ምሩቕ ዝዀነ ኣልበርት ግን በቲ ሉክ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘለዎ ድልዱል እምነትን ነቲ ዚጽናዕ ዘሎ ጽሑፍ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እተውዕሎ ዚገልጸሉ መገድን ኣዝዩ ይግረም ነበረ። ኣልበርት: ኣምላኽ ተሓታቲ እዚ ንደቅሰብ ዚወርዶም ዘሎ መከራ ኸም ዘይኰነ: ኣብ ክንዳኡስ የሆዋ ንዅሉ መከራ ዜጥፍኣሉን ነዛ ምድሪ ገነት ዚገበረሉን ዕላማ ኸም ዘለዎ ምፍላጡ ኣዝዩ ኣሐጐሶ። (መዝሙር 37:9-11) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምስቲ ኣባላት እታ ጉባኤ ዜርእይዎ ኣካይዳ ተደሚሩ: ንልቢ ኣልበርት ተንከፎ።

ይኹን እምበር: ልክዕ ከምቲ ሓደ ሓርፋፍ ዝነበረ ኣልማዝ ንኼንጸባርቕ ብሓደ ኽኢላ ናይ ኢደ-ጥበብ ብዓል ሞያ ብጥንቃቐ ዚቝረጽ: ኣልበርት እውን ንህይወቱ ምስ ጽድቃዊ መለክዒታት ኣምላኽ ንኼሰማምዓ ሓድሓደ ዓለማዊ ዝንባለታት ኬወግድ ነበሮ። ናብ መናፍስቲ ዚጥይቑሉ ሰባት ምኻድ ኣቋረጸ: ኣልኮል ብብዝሒ ምስታይ ገደፎ: ከምኡውን ምጥላዕ ሓደጎ። ሽጋራ ምትካኽ ንኼቋርጾ ግን ኣዝዩ ኸበዶ። ኣብ መወዳእታ ግን ንኺሕግዞ ናብ የሆዋ ኣምሪሩ ጸለየ: ተዓወተ ድማ። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ንመርዓኡ ሕጋዊ ገበሮ። ሰበይቱ እውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት። ሕጂ ኽልቲኦም እተጠመቑ ኣገልገልቲ የሆዋ እዮም።

ማርቲን ድማ ካልእ መንፈሳዊ ኣልማዝ እዩ። ወዲ 15 ዓመት ከሎ ኣብ ገኬዱ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ። እቶም ሰዓብቲ ካቶሊክ ዝዀኑ ወለዱ ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምክፋሉ ተቓወምዎ። ንጽሑፋቱ ኣጥፍኡሉ: ቀጥቀጥዎ: ካብ ገዛ ድማ ሰጐጕዎ። ልክዕ ከምቲ ካርቦን ኣዝዩ ዝለዓለ ጸቕጢ ምስ ኣጋጠሞ ኣልማዝ ዚኸውን: እቲ ንማርቲን ዝወረዶ ተቓውሞ ድማ ነቲ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝነበሮ ፍቕሪ ኸም ዚድልድል ገበሮ። ድሕሪ ግዜ: ኣረኣእያ ወለዱ ኺልስልስ ጀመረ: ናብ ገዛኡ ድማ ተመልሰ። ወለዱ ንኪቕየሩ ዝገበሮም እንታይ እዩ፧ ነቲ ኣብ መንጎ ኣካይዳ ማርቲንን ምንኣሱ ኣሕዋቱን ሓብቱን ዝነበረ ፍልልይ ብምስትብሃሎም እዩ: ንሳቶም ናይ ዕልወት መንፈስ የርእዩ ኸምኡውን ኣብ ጾታዊ ርኽሰት ይሳተፉ ነበሩ። ኣቦኡ እቲ ሕጂ ማርቲን ዚስዕቦ ዘሎ እምነት ጽቡቕ ምዃኑ ብምእማን ነቶም ኣባላት እታ ጉባኤ ኪቕበሎም ጀመረ። ኣደ ማርቲን ከኣ እቶም ኣሕዋት ንወዳ ስለ ዝሓገዝዎ ብተደጋጋሚ ኣመስገነቶም። ማርቲን ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰነ ተጠመቐ: ብድሕሪኡ ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ተኻፈለ: ሕጂ ድማ ፍሉይ ፈላሚ ዀይኑ የገልግል ኣሎ።

ካብ ካልእ ቦታ ዝመጹ መንፈሳዊ ሃብቲ

ዋላኳ ጊኒ መብዛሕትኡ ተፈጥሮኣዊ ሃብታ ናብ ካልእ ቦታ እትልእኽ እንተ ዀነት: ሓድሓደ መንፈሳዊ ሃብታ ግን ካብ ካልእ ዓዲ “እተእትዎ” እዩ። ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ጊኒ ዚመጹ ብዙሓት ሰባት: መብዛሕትኡ ግዜ ብምኽንያት ቍጠባዊ ጕዳያት እዮም ዚስደዱ። ገሊኦም ድማ ካብቲ ዘየቋርጽን ዜሰቅቕን ውግእ ብምህዳም እዮም ዚመጹ።

አርነስቲን ቅድሚ 12 ዓመት ናብ ጊኒ ዝመጸት ጓል ካመሩን እያ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ ገበረት: ንዓመታት ግን ከይተጠመቐት ኣብ ጉባኤ ጥራይ ትመላለስ ነበረት። ብ2003 ነቲ ኣብ ኣኼባ ወረዳ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተገብረ ስነ-ስርዓት ጥምቀት ምስ ረኣየት ነብዐት። ነቲ ዚስምዓ ዝነበረ ናይ ገበን ስምዒት ብምስናፍ: “ጓል 51 ዓመት ኰይነ ኣለኹ: ንዓኻ ግን ዝገበርኩልካ ጽቡቕ ነገር የለን። ከገልግለካ እደሊ እየ” ብምባል ናብ የሆዋ ጸለየት። ብድሕርዚ: ምስቲ ትሕትና ዝመልኦ ጸሎታ ብምስምማዕ ስጕምቲ ወሰደት። ነቲ ምስኣ ዚነብር ዝነበረ ሰብኣይ: ብሓንሳእ ኪነብሩ እንተ ዀይኖም ንመርዓኦም ሕጋዊ ኺገብርዎ ኸም ዘለዎም ገለጸትሉ። ንሱ ድማ ተሰማምዐ: ኣብ ሕዳር 2004 ምስ ተጠምቀት ከኣ ናይ ሓጐስ ንብዓት ነብዐት።

ካብ መጀመርታ 1990ታት ኣትሒዙ: ጊኒ ኻብ ላይበርያን ሰራ ልዮንን ንዚመጹ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ስደተኛታት: እንተላይ ነቶም ብኣማእታት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተቐቢላ እያ። እቶም ኣሕዋት ኣብቲ ሰፈር ስደተኛታት ምስ በጽሑ: ብዙሕ ከይጸንሑ ስሩዕ ኣኼባታት ኬዳልዉ: ነቲ ናይ ስብከት ዕዮ ኺውድቡ: ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሃንጹ ጀመሩ። ኣብቲ ሰፈር ስደተኛታት ዚነብሩ ገሊኦም ሰባት ድማ ኣገልገልቲ የሆዋ ዀኑ። ኣይዛክ ሓደ ኻብዚኣቶም እዩ። ድሕሪ ጥምቀቱ: ኣብ ሓደ ዓብዪ ትካል ላይበርያ ናብቲ ናይ ቀደም ስርሑ ንኺምለስ ኣጋጣሚ ተኸፍተሉ። ንሱ ግን ኣብ ሰፈር ስደተኛታት ለኔ ኺጸንሕን ስሩዕ ፈላሚ ኪኸውንን መረጸ። ከምዚ ድማ በለ:- “ሕጂ ኣብ ጉባኤ ወይ ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ንኽካፈል ንሓለቓይ ፍቓድ ክሓቶ ኣየድልየንን እዩ። ናጻ ዀይነ እየ ንየሆዋ ዘገልግሎ።” ኣብ ታሕሳስ 2003 እቶም ኣብቲ ግሉል ሰፈር ኣብ መንጎ እቶም 30,000 ዝዀኑ ስደተኛታት ዘለዉ 150 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባ ኣውራጃ ገበሩ። እቲ ዜሐጕስ ድማ 591 ዝዀኑ ተኣከብቲ ነበሩ: እዚ ኸኣ ነቶም 9 ዝዀኑ ኣብቲ ብቛንቋ ምልክት እተገብረ መደብ እተኻፈሉ ጽሙማን ዜጠቓልል እዩ። ዓሰርተው ክልተ ድማ ተጠመቑ። እቶም ኣሕዋት ነቲ ንዕኦም መንፈሳዊ መኣዲ ንምድላው እተገብረ ጻዕሪ ኣዝዮም እዮም ኣማስዮምሉ።

እቶም “ክቡር ነገር” ኣድላዪ ለውጢ ይገብሩ

እቶም ወርቅን ኣልማዝን ዚደልዩ ሰባት: ዘጋጠመ የጋጥሞም ደው ኣየብሎምን እዩ። እቶም ሓደስቲ ሰባት ንየሆዋ ኼገልግሉ ኸለዉ ንዜጋጥሞም ዕንቅፋታት ንምስጋር ዚገብርዎ ጻዕሪ ምርኣይ ባህ ዜብል እዩ። ተመክሮ ዘይነብ እስከ ርአ።

ዘይነብ ጓል 13 ዓመት ከላ ባርያ ኽትከውን ተገደደት። ካብቲ ኣብ ሓንቲ ምዕራባዊት ሃገር ኣፍሪቃ ዚርከብ መንበሪኣ ድማ ናብ ጊኒ ተወስደት። ጓል 20 ዓመት ምስ ኰነት: መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሰምዐት። ነቲ እተማህረቶ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከኣ ትህንጠ ነበረት።

ዘይነብ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትካፈል ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ንሳ ግን ነቲ ኣኼባታት ኣጸቢቓ ተማስወሉ ኸምኡውን ንኸይትበኵር ዚከኣላ ትገብር ነበረት። (እብራውያን 10:24, 25) ንመጻሕፍታ ናብ ኣኼባ ኽትከይድ ከላ ሒዛቶ ንኽትከይድ ኣብ ደገ ትሓብኦ ነበረት። ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብዚ መንፈሳዊ ኣኼባታት ብምክፋላ “ዋናታታ” ብጭካነ ይቕጥቅጥዋ ነበሩ።

ብድሕርዚ: ኵነታት ብምቕያሩ ዘይነብ ሓራ ወጸት። ውዓል ሕደር ከይበለት ኣብ ኣኼባታት ክትካፈል ጀመረት: እዚ ድማ ቅልጡፍ መንፈሳዊ ዕቤት ንኽትገብር ሓገዛ። ሓደ ልዑል ደሞዝ ዚኽፈሎ ስራሕ ረኸበት: ካብቲ ክርስትያናዊ መምርሒ እትረኽበሉ ኣኼባታት ስለ ዜትርፋ ግን ነጸገቶ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ክትካፈል ጀመረት: ዘይተጠመቐት ኣስፋሒት ኰነት: ጸኒሓ ኸኣ ርእሳ ንየሆዋ ኸም ዝወፈየት ብጥምቀት ኣርኣየት። ደድሕሪኡ ሓጋዚት ፈላሚት ኰነት። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ስርዕቲ ፈላሚ ንኽትከውን ሓተተት።

ሓደ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብኣይ ንሓጺር እዋን ኣብ ኣኼባታት ምስ ተኻፈለ: “ናብዚ ኽመጽእ ከለኹ ድኻ ዝዀንኩ ዀይኑ ኣስምዓንን እዩ” በለ። ዋላኳ ብዙሓት ሰባት: ስጋዊ ሃብቲ ጊኒ ጥራይ እንተ ኣገደሶም: እቶም ንየሆዋ ዜፍቅሩ ሰባት ግን ነቲ መንፈሳዊ ሃብቲ እዮም ብሃንቀውታ ዚደልዩ ዘለዉ። እወ: እቶም “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር” ናብቲ ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ገጾም ይመጹ ኣለዉ!

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ጊኒ - 2005

ዝለዓለ ቝጽሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር:- 883

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1,710

ቍጽሪ ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ:- 3,255

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ጊኒ

ኮናክሪ

ሰራ ልዮን

ላይበርያ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣልበርትን ሉክን

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኮናክሪ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

አርነስቲን

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ማርቲን

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ዘይነብ

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

USAID