ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣይሁድ ነብሶም ዚሕጸቡሉ ስርዓት ንጥምቀት መሰረት ኰይንዎ ድዩ፧

ኣይሁድ ነብሶም ዚሕጸቡሉ ስርዓት ንጥምቀት መሰረት ኰይንዎ ድዩ፧

ኣይሁድ ነብሶም ዚሕጸቡሉ ስርዓት ንጥምቀት መሰረት ኰይንዎ ድዩ፧

ሃንስ መጥምቕ ብዛዕባ “ጥምቀት ንስሓ” ሰበኸ። የሱስ እውን ንሰዓብቱ: ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩን ኬጠምቑን ኣዚዝዎም እዩ።—ማርቆስ 1:4፣ ማቴዎስ 28:19

መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ: ክርስትያናዊ ጥምቀት ኣብ ማይ ምሉእ ብምሉእ ንኽትጠልቕ ዚሓትት እዩ። ሓንቲ ጂሰስ ኤንድ ሂዝ ዎርልድ ዘርእስታ መጽሓፍ: “ከምዚ ዓይነት ስርዓት ኣብተን ቀደምን ሕጅን ዘለዋ: ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ዚርከባን እተፈላለየ ባህልታት ዚስዕባን ብዙሓት ሃይማኖታት ይርአ እዩ” በለት። ብመሰረት እዛ መጽሓፍ እዚኣ: “መበቈል ክርስትያናዊ ጥምቀት ኣይሁድነት እዩ።” እዚ ሓሳብ እዚ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ልክዕ፧

ኣይሁድ ነብሶም ዚሕጸቡሉ ዝነበሩ ጋብላታት

ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዚርከብ ቤተ መቕደስ ዚዅዕቱ ዝነበሩ ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ: ካብ ቀዳማይ ዘመን ቅ.ክ. ክሳዕ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ኣብ ዘሎ እዋን ዝነበረ 100 ዚኸውን ጋብላታት መሕጸብ ነብሲ ረኸቡ። ሓደ ኣብ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ናይ ቤት ጸሎት ጽሑፍ: እዚ ጋብላታት እዚ ነቶም “ዜድልዮም በጻሕቲ ተባሂሉ” እተገብረ ምዃኑ ገለጸ። ኣብቲ ሃብታማትን ካህናትን ዚነብሩሉ ዝነበረ ኣብ የሩሳሌም ዚርከብ ኣባይቲ እውን ጋብላታት ተረኺቡ እዩ፣ ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ቤት እውን ናይ ውልቂ ጋብላ ነበራ።

እዚ ጋብላታት እዚ ርቡዕ ኵርናዕ ዝዓይነቱ ቕርጺ ዘለዎ መዕቈሪ እዩ: ካብ ከውሒ ተጸሪቡ ይስራሕ ወይ ከኣ ኣብቲ መሬት ኵዒትካ ብሕጡብ ወይ ብእምኒ ይንደቕ ነበረ። ማይ ምእንቲ ኸየልሕዅ ድማ ይልሰን ነበረ። ዓቐን መብዛሕትኡ ጋብላታት 1.8 ሜተር ብ2.7 ሜተር እዩ። ሻምብቆታት ማይ ድማ ነቲ ዝወቕዐ ማይ ናብዚ መዕቈሪ ገጹ ኸም ዚፈስስ ይገብሮ። ሓደ ሰብ ኣብራኹ ዓጺፉ ምሉእ ብምሉእ ንኺጠልቕ እቲ ማይ እንተ ወሓደ 1.2 ሜተር ዚኸውን ዕምቈት ነበሮ። ናብቲ ማይ ዜውርድ መደያይቦ: ሓድሓደ ግዜ ብሓጺር መንደቕ ይፈላለ ነበረ። ሓደ ሸነኹ: እቲ ነብሱ ዚሕጸብ ሰብ ዘይንጹህ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ናብቲ ዚጸርየሉ መሕጸብ ነብሲ ዚኣትወሉ: እቲ ሓደ ሸነኹ ኸኣ ዚወጸሉ ጌርካ እዩ ዚሕሰብ: እዚ ድማ ዋላ ሓንቲ ብከላ ንኸይህሉ ዚገብር እዩ።

እዚ ጋብላታት እዚ ምስ ናይ ኣይሁድ ናይ ምንጻህ ስርዓት እተተሓሓዘ እዩ። እዚ እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧

ንነብስኻ ምሕጻብ ዚምልከት ሕግን ስርዓትን

ሕጊ ሙሴ: ህዝቢ ኣምላኽ ብመንፈሳውን ብስጋውን መዳይ ንጹሃት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ኣጕልሕ ኣቢሉ እዩ ዚገልጽ። እስራኤላውያን ብሰንኪ እተፈላለየ ምኽንያታት ይረኽሱ ነበሩ: ካብዚ ርኽሰት እዚ ድማ ነብሶምን ክዳኖምን ብምሕጻብ ኪነጽሁ ነበሮም።—ዘሌዋውያን 11:28፣ 14:1-9፣ 15:1-31፣ ዘዳግም 23:10, 11

የሆዋ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ንጹህን ቅዱስን እዩ። ስለዚ ድማ እዮም እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ቅድሚ ናብ መሰውኢ ገጾም ምቕራቦም ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ኪሕጸቡ ዝነበሮም: ከምዚ እንተ ዘይገይሮም ከኣ ብሞት ይቕጽዑ ነበሩ።—ዘጸኣት 30:17-21

ምሁራት ሰባት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ስርዓት ሃይማኖት ኣይሁድ: ነቲ እቶም ካህናት ኬማልእዎ ዝነበሮም ናይ ምሕጻብ ብቕዓት: እቶም ሌዋውያን ዘይነበሩ እውን ከም ዚፍጽምዎ ምግባሩ ይኣምኑ እዮም። ኢሰናውያንን ፈሪሳውያንን ብተደጋጋሚ ነዚ ነብስኻ ናይ ምሕጻብ ስርዓት የካይዱ ነበሩ። ሓደ ምንጪ ነቲ ብግዜ የሱስ ዝነበረ ዅነታት ብዚምልከት ከምዚ ብምባል ጸብጸበ:- “ሓደ ኣይሁዳዊ ናብ ቤተ መቕደስ ቅድሚ ምእታዉ: መስዋእቲ ቕድሚ ምቕራቡ: ካብቲ ኻህናት ዜቕርብዎ መስዋእቲ ጥቕሚ ቕድሚ ምርካቡ: ከምኡውን ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ዕላማ ቕድሚ ምጽማዱ ናይ ምንጻህ ስርዓት ኼማልእ ነበሮ።” ጽሑፋት ታልሙድ: እቶም ነብሶም ዚሕጸቡ ሰባት ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ማይ ኪጠልቁ ኸም ዘለዎም ይገልጽ ነበረ።

የሱስ: ፈሪሳውያን ነዚ ስርዓት ምንጻህ እዚ ብዚምልከት ተሪር ኣቕዋም ብምሓዞም ነቐፎም። ን“ምሕጻብ ጣሳን ዕትሮን ድስትን” እውን ሓዊስካ “በብዓይነቱ ምሕጻብ” ይፍጽሙ ነበሩ። የሱስ: ፈሪሳውያን ነቲ ናቶም ስርዓት ኣብ ካልኦት ንኺጽዕኑ ኢሎም ንሕግታት ኣምላኽ ከም ዜፍርሱ ተዛረበ። (ማርቆስ 7:1-9፣ እብራውያን 9:10፣ ዘሌዋውያን 11:32, 33፣ ሉቃስ 11:38-42) ሕጊ ሙሴ ነብስኻ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ማይ ኪጠልቕ ኣለዎ ኣይብልን እዩ።

እሞኸ መበቈል ክርስትያናዊ ጥምቀት ካብቲ ኣይሁድ ዚፍጽምዎ ዝነበሩ ነብስኻ ናይ ምሕጻብ ስርዓት ዝመጸ ድዩ፧ ኣይኰነን!

ነብስኻ ናይ ምሕጻብ ስርዓትን ክርስትያናዊ ጥምቀትን

ኣይሁድ ብገዛእ ርእሶም እዮም ስርዓተ ምንጻህ ዜካይዱ ነይሮም። እቲ ዮሃንስ ዚፍጽሞ ዝነበረ ጥምቀት ግን ምስቲ ኣይሁድ ዚገብርዎ ዝነበሩ ነብስኻ ናይ ምሕጻብ ስርዓት ኣይመሳሰልን እዩ። እቲ መጥምቕ ዚብል ዚጽውዓሉ ስም እውን ንባዕሉ: እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ጥምቀት ፍሉይ ምዃኑ ዚሕብር እዩ። አረ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ባዕሎም ናብኡ ልኡኻት ብምልኣኽ “ንምንታይ . . . ተጥምቕ አሎኻ፧” ብምባል ሓቲቶምዎ እዮም።—ዮሃንስ 1:25  

ሕጊ ሙሴ ኸም ዚእዝዞ: ሓደ ኣምላኺ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ርኹስ ዝዀነሉ እዋን ኪሕጸብ ኣለዎ። እቲ ዮሃንስ ዚፍጽሞ ዝነበረ ይኹን እቲ ደሓር ብክርስትያናት ዚግበር ዝነበረ ጥምቀት ግን ከምዚ ኣይኰነን። እቲ ዮሃንስ ዚፍጽሞ ዝነበረ ጥምቀት: ከም እተነሳሕካ ኸምኡውን ነቲ ናይ ቀደም ኣካይዳ ኸም ዝሓደግካዮ ዚሕብር እዩ ነይሩ። ክርስትያናዊ ጥምቀት ድማ ሓደ ሰብ ርእሱ ንኣምላኽ ከም ዝወፈየ ዜመልክት እዩ። እቲ ክርስትያን ነዚ ብተደጋጋሚ ዘይኰነስ ሓንሳእ እዩ ዚገብሮ።

እቲ ኣብ ኣባይቲ ኻህናት ኣይሁድ ከምኡውን ኣብቲ ኣብ ጥቓ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ጋብላታት ዚፍጸም ዝነበረ ነብስኻ ናይ ምሕጻብ ስርዓት: ላዕለ-ላዕሉ ኺርአ ኸሎ ምስ ክርስትያናዊ ጥምቀት ይመሳሰል እዩ። እቲ ትርጕሙ ግን ፈጺሙ ኣይመሳሰልን እዩ። ሓንቲ ዘ ኣንከር ባይብል ዲክሽነሪ ዘርእስታ መጽሓፍ: “ዮሃንስ [መጥምቕ] ካብቲ ኣብ ከባቢኡ ዚፍጸም ዝነበረ ጥምቀት ርእዩ ኣይኰነን ዜጠምቕ ነይሩ” ብምባል ርእይቶኣ ሃበት: እዚ ኸኣ ካብ ኣይሁድነት ርእዩ ኣይኰነን ማለት እዩ። እቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚፍጸም ጥምቀት እውን ብተመሳሳሊ ኻብዚ ዝመጸ ኣይኰነን።

ክርስትያናዊ ጥምቀት “ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ” ዜመልክት እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:21) እዚ ጥምቀት እዚ ሓደ ሰብ ሰዓቢ ወዱ ብምዃን ንየሆዋ ንኼገልግሎ ርእሱ ምውፋዩ ዜርኢ እዩ። እምበኣር: ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ብምጥሓል ነዚ ዜርእየሉ ብቑዕ መለለዪ እዩ። ኣብቲ ማይ ምሉእ ብምሉእ ጠሊቑ ምጥማቑ: በቲ ናይ ቀደም ናብራኡ ኸም ዝሞተ የመልክት። ካብ ማይ ምውጻእ ከኣ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ህያው ከም ዝዀነ የመልክት።

የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ከምዚ ዝበለ ወፈያ ገይሮም ዚጥመቑ ሰባት: ሰናይ ሕልና ይህቦም እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ሃዋርያ ጴጥሮስ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ: “ጥምቀት: የድሕነኩም አሎ” ብምባል ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ዝነገሮም። እዚ ኸኣ ዝዀነ ይኹን ናይ ኣይሁድ ነብስኻ ናይ ምሕጻብ ስርዓት ኬምጽኦ ዘይኽእል እዩ።