ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እምነትካ ብኣነባብራኻ ኣርኢ

እምነትካ ብኣነባብራኻ ኣርኢ

እምነትካ ብኣነባብራኻ ኣርኢ

“እምነት: ግብሪ እንተ ዜብላስ: ንርእሳ ምውትቲ እያ።”—ያእቆብ 2:17

1. ቀዳሞት ክርስትያናት ንእምነቶምን ንግብሮምን ኣቓልቦ ዚገብሩ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

 ቀዳሞት ክርስትያናት ብሓፈሻ ኺረኣዩ ኸለዉ: እምነቶም ብኣነባብራኦም ኣርእዮም እዮም። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ንዅሎም ክርስትያናት “ገበርቲ ቓል ኩኑ: . . . ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ” በሎም። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ: ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ” በሎም። (ያእቆብ 1:22፣ 2:26) ነዚ ኻብ ዚጽሕፍ 35 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: ብዙሓት ክርስትያናት እምነቶም ብግብሪ ኻብ ምርኣይ ኣየቋረጹን ነይሮም። እቲ ዜሕዝን ግን: ገሊኦም ከምኡ ኣይነበሩን። የሱስ ነታ ኣብ ስሚርና ዝነበረት ጉባኤ ነኣዳ፣ ኰይኑ ግን: ኣብ ጉባኤ ሳርዴስ ንዝነበሩ ብዙሓት ሰባት “ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ አሎኹ: ህያው ተብሂልካ ትስመ አሎኻ: ግናኸ ምዉት ኢኻ” በሎም።—ራእይ 2:8-11፣ 3:1

2. ክርስትያናት ብዛዕባ እምነቶም ንርእሶም እንታይ ኢሎም እዮም ኪሓቱ ዘለዎም፧

2 በዚ መሰረት እዚ: የሱስ ነቶም ኣብ ሳርዴስ ዝነበሩ: ብእኡ ኣቢሉ እውን ንዅሎም እቶም ድሕሪኡ ንቓላቱ ዜንብብወን ዘበሉ: ነታ ንክርስትያናዊ ሓቂ ዝነበሮም ናይ መጀመርታ ፍቕሪ ኼርእዩን ብመንፈሳዊ መዳይ ኪነቕሑን ኣተባብዖም። (ራእይ 3:2, 3) ነፍሲ ወከፍና ንርእስና: ‘ኣነኸ ኸመይ እየ፧ ኣብቲ ምስ ዕዮ ስብከት ወይ ኣኼባታት ጉባኤ ብቐጥታ ዘይተሓሓዝ መዳያት እውን ከይተረፈ: እቲ ዝገብሮ ነገራት እምነተይ ንኸመስክር ዝከኣለኒ ዘበለ ዅሉ ኸም ዝገብር ብንጹር ዜርኢ ድዩ፧’ (ሉቃስ 16:10) ሓያሎ መዳያት ህይወት ክንምርምር ንኽእል ኢና፣ ኣብዚ ግን ኣብ ሓደ ጥራይ ነተኵር። እዚ ኸኣ ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ: እንተላይ ኣብቲ ንክርስትያናዊ መርዓ ስዒቡ ዚግበር ውራይ ከነተኵር ኢና።

ንእሽቶ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ

3. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምትእኽኻብ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ፧

3 መብዛሕትና: ሕጉሳት ክርስትያናት ናብ ዚገብርዎ ምትእኽኻብ ክንዕደም ከለና ባህ እዩ ዚብለና። የሆዋ ንኣገልገልቱ ሕጉሳት ኪዀኑ ዚደሊ: “ሕጉስ ኣምላኽ” እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW) ንሰሎሞን ከኣ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጽሕፍ ገበሮ:- “ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ምሕጓስን ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚሐይሽ የብሉን እሞ: ንታሕጓስ ኣመስገንኩ: እዚውን ኣብ ጻዕሩ በተን ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚህቦ መዓልትታት ህይወቱ ትርፉ እዩ።” (መክብብ 3:1, 4, 13፣ 8:15) ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጐስ: ኣብቲ ስድራቤት ብሓባር ኣብ መኣዲ ኾፍ ዚብሉሉ እዋን ወይ ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኻልእ ንእሽቶ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ዚገብሩሉ እዋን ኪርከብ ይከኣል እዩ።—እዮብ 1:4, 5, 18፣ ሉቃስ 10:38-42፣ 14:12-14

4. ምትእኽኻብ ዜዳሉ ሰብ ብዛዕባ እንታይ ኪግደስ ኣለዎ፧

4 ከምዚ ዝኣመሰለ ምትእኽኻብ ተዳሉን ብሓላፍነት ትመርሕን እንተ ኣሊኻ: ዋላ እውን ንሒደት ኣመንቲ ምሳኻ ንኺበልዑን ንኼዕልሉን ዓድም: ነቲ እተውጽኦ መደብ ተጠንቂቕካ ኽትሓስበሉ ኣሎካ። (ሮሜ 12:13) ኵሉ ነገር “ብስርዓት” ኪኸውንን በታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ኪምራሕን ኢኻ እትደሊ። (1 ቈረንቶስ 14:40፣ ያእቆብ 3:17) ሃዋርያ ጳውሎስ “እንተ በላዕኩም: ወይስ እንተ ሰቴኹም: ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም: ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ። . . . መዓንቀፊ ኣይትኹኑ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 10:31, 32) እንታይ መዳያት እዩ ብፍላይ ቈላሕታ ኺግበረሉ ዜድሊ፧ ነዚ ኣቐዲምካ ምሕሳብ: ንዓኻን ንኣጋይሽካን እምነትኩም ብግብሪ ንኸተርእዩ ኺሕግዘኩም ይኽእል እዩ።—ሮሜ 12:2

እቲ ምትእኽኻብ ከመይ ኪኸውን ኣለዎ፧

5. እቲ ኣአንጋዲ ኣልኮላዊ መስተን ሙዚቃን ንኼዳሉ ወይ ንኸየዳሉ ኣብ ዚገብሮ ምርጫ ተጠንቂቑ ኺሓስበሉ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

5 ብዙሓት ኣአንገድቲ: ኣልኮላዊ መስተ ናይ ምቕራብ ወይ ናይ ዘይምቕራብ ምርጫ ኺገብሩ ኣለዎም። ምትእኽኻብ ሃናጺ ንኪኸውን ኣልኮላዊ መስተ ኣየድልን እዩ። የሱስ እንጌራን ዓሳን ከም ዚባዛሕ ብምግባር: ነቶም ናብኡ ዝመጹ ብዙሓት ሰባት ዚብላዕ ከም ዝሃቦም ዘክር። ወይኒ ኺህቦም ዚኽእል እኳ እንተ ነበረ: ብተኣምራዊ መገዲ ወይኒ ኸም ዝሃቦም ግን እቲ ጸብጻብ ኣይገልጽን እዩ። (ማቴዎስ 14:14-21) ኣብ ሓደ ምትእኽኻብ ኣልኮላዊ መስተ ኸተቕርብ እንተ ወሲንካ: ክንደይ ዚኣክል ኪህሉ ኸም ዚግባእ መጠን ሓልወሉ: ነቶም ኣልኮላዊ መስተ ዘይመርጹ ኸኣ እኹል ኣማራጺ ኸም ዚህሉ ግበር። (1 ጢሞቴዎስ 3:2, 3, 8፣ 5:23፣ 1 ጴጥሮስ 4:3) ንዝዀነ ይኹን ሰብ ነቲ ‘ኸም ተመን ኪነኽሶ’ ዚኽእል ነገር ኪሰቲ ጸቕጢ ኣይትግበረሉ። (ምሳሌ 23:29-32) ሙዚቃ ወይ ደርፊኸ ኸመይ ኪኸውን ኣለዎ፧ ኣብቲ ምትእኽኻብ ሙዚቃ ዚህሉ እንተ ዀይኑ: ንረምታኡን ንግጥሙን ኣብ ግምት ብምእታው ተጠንቂቕካ ደርፊ ኸም እትመርጽ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ቈሎሴ 3:8፣ ያእቆብ 1:21) ብዙሓት ክርስትያናት ኪንግደም ሜሎዲስ (ዜማታት መንግስቲ ኣምላኽ) ምውላዕ ወይ ከምዚ ዝኣመሰለ መዝሙራት ምዝማር ጽቡቕ ሃዋህው ከም ዚሰፍን ዚገብር ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም። (ኤፌሶን 5:19, 20) እቲ ሙዚቃ ንባህ ዜብል ዕላል ዚዕንቅፍ ወይ ንጐረባብቲ ዚርብሽ ከይኸውን በብግዜኡ ነቲ መጠን ድምጺ ተቘጻጸሮ።—ማቴዎስ 7:12

6. ሓደ ኣአንጋዲ ንዝርርባት ወይ ንኻልእ ንጥፈታት ብዚምልከት እምነቱ ህያው ምዃና ብኸመይ ኬርኢ ይኽእል፧

6 ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ክርስትያናት ብዛዕባ እተፈላለየ ጕዳያት ኪዘራረቡ: ገለ ጽሑፋት ዓው ኢሎም ኬንብቡ: ወይ ዚምስጥ ተመክሮታት ኬዘንትዉ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዝርርቦም ኣንፈቱ እንተ ስሒቱ: እቲ ኣአንጋዲ ብሜላ ኬቕንዖም ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ጥራይ ነቲ ዝርርብ ምእንቲ ኸይዕብልሎ እውን ነቒሑ ኺከታተል ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ኪምዕብል እንተ ርእዩ: ብጥበብ ንኻልኦት ኣብቲ ዝርርብ ኬእትዎም ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት: ነቶም ንኣሽቱ ሓሳቦም ከም ዚገልጹ ብምግባር ወይ እተፈላለየ ሓሳባት ንኺወሃብ ዜኽእል ጕዳይ ብምብጋስ ነዚ ኺገብሮ ይኽእል እዩ። ንኣሽቱ ዀኑ ዓበይቲ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምትእኽኻብ ይሕጐሱ እዮም። ከም ኣዳላዊ መጠን ንነገራት ብጥበብን ብሜላን እንተ መሪሕካዮ: ‘ለውሃትካ’ ኣብቶም ኣብኡ እተኣኻኸቡ ‘ኺፍለጥ እዩ።’ (ፊልጲ 4:5) እምነትካ ህያው ምዃና: ማለት ንዅሉ መዳይ ህይወትካ እትጸሉ ምዃና ኼስተውዕሉ እዮም።

መርዓን ውራይ መርዓን

7. ንመርዓን ምስኡ ንዚተሓሓዝ ምትእኽኻብን ዚግበር መደብ ኪሕሰበሉ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

7 ሓደ ኻብቲ ዜሐጕስ ፍሉይ ኣጋጣሚ: ክርስትያናዊ መርዓ እዩ። ጥንታውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ: እንተላይ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሐጕስ ኣጋጣሚ ዀነ ኣብቲ ምስኡ እተተሓሓዘ ውራይ ወይ ድግስ ተሳቲፎም እዮም። (ዘፍጥረት 29:21, 22፣ ዮሃንስ 2:1, 2) ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግን ነቲ ምስ መርዓ እተተሓሓዘ ማሕበራዊ ንጥፈታት ዚወጽእ መደብ ጽቡቕ ምምዝዛን እተንጸባረቐሉን ክርስትያናዊ ሚዛን ዝሓለወን ኪኸውን እንተ ዀይኑ: ፍሉይ ጻዕሪ ኸም ዜድልዮ ኻብ ተመክሮ ተራእዩ እዩ። ኰይኑ ግን: እዚ ንጥፈታት እዚ ንሓደ ክርስትያን እምነቱ ንኼርኢ ኣጋጣሚ ዚህቦ ንቡር መዳይ ህይወት እዩ።

8, 9. እቲ ኣብ ሓያሎ መርዓ እንርእዮ ተግባራት ነቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 2:16, 17 እነንብቦ ዜረጋግጾ ብኸመይ እዩ፧

8 ብዛዕባ መሰረታዊ ስርዓታት ኣምላኽ ዘይፈልጡ ወይ ዘይግድሶም ሰባት: መርዓ መጠኑ ዝሓለፈ ነገር እትገብረሉ ኣጋጣሚ: ወይ ድማ ምናልባት መጠኑ ዝሓለፈ ነገር ጌርካ ዕሽሽ እትበሃለሉ ኣጋጣሚ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ኣብ ሓንቲ ኣብ ኣውሮጳ እትሕተም መጽሔት ተገሊጹ ኸም ዘሎ: ሓንቲ ኣብ ቀረባ ግዜ እተመርዓወት ሰበይቲ ብዛዕባ እቲ “ናይ ንጉሳውያን” ዝበለቶ መርዓኣ ኸምዚ በለት:- ‘ብኣርባዕተ ፈረስ ኣብ ዚሰሓብ ምዕሩግ ሰረገላ ተወጣሕና: ደድሕሬና ብፈረስ ዚሰሓብ 12 ካሮሳታትን ሙዚቃ ዚጻወቱ ባንድ ዝሓዘ ሰረገላን ይስዕበና ነበረ። ድሕሪኡ ጥዑም ምግብን ማሕለፍያ ሙዚቃን ቀረበልና፣ ብሉጽ እዩ ነይሩ። ልክዕ ከም ዝደለኽዎ እዩ ዀይኑለይ: በታ መዓልቲ እቲኣ ንግስቲ እየ ነይረ።’

9 ባህሊ ኻብ ሃገር ናብ ሃገር ዚፈላለ እኳ እንተ ዀነ: እዚ ርእይቶ እዚ ግን ነቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝጸሓፎ: “ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ: ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን: እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር: ካብ ኣቦስ ኣይኰነን” ዝበሎ እዩ ዜንጸባርቕ። ብሱላት ክርስትያን መጻምድቲ: ብዙሕ ሽሻይ ብምድላው “ናይ ንጉሳውያን” መርዓ ኺገብሩስ ብኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ምኸኣልካ፧ የግዳስ: “እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ዚብል ቃላት ንኣመለኻኽታኦም ኪጸልዎ ይግባእ።—1 ዮሃንስ 2:16, 17

10. (ሀ) ሚዛኑ ዝሓለወ መርዓ ንምግባር: መደብ ምግባር ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ እቶም ዚዕደሙ ብኸመይ እዩ ውሳነታት ኪግበር ዘለዎ፧

10 ክርስትያን መጻምድቲ ኽውንነታውን ርትዓውን ኣመለኻኽታ ኺህልዎም ኣለዎ: መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ኣብዚ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። መዓልቲ መርዓኦም ኣገዳሲት እኳ እንተ ዀነት: እቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚጽበዮም ዘሎ ኽልተ ክርስትያናት: ከም ሰብ ሓዳር ኰይኖም ዚጅምሩላ መዓልቲ ጥራይ ምዃና ይፈልጡ እዮም። ዓብዪ ውራይ ኬዳልዉ ግዴታ የብሎምን። ውራይ ኪገብሩ እንተ ደልዮም ግን: ወጻኢታቶም ኪጽብጽቡን ዓይነት እቲ ውራይ ኪሓስቡሉን ኣለዎም። (ሉቃስ 14:28) ኣብቲ ብሓባር ኰይኖም ዚመርሕዎ ክርስትያናዊ ህይወት: እቲ ሰብኣይ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ርእሲ እዩ ዚኸውን። (1 ቈረንቶስ 11:3፣ ኤፌሶን 5:22, 23) ስለዚ: እቲ መርዓዊ ነቲ ውራይ መርዓ ብቐዳምነት ተሓታቲ እዩ። ልክዕ እዩ: ንመን ኣብቲ ውራይ መርዓ ኺዕድሙ ኸም ዚደልዩ ወይ ከም ዚኽእሉ ነታ እትምርዓዎ ጓል ብፍቕሪ የማኽራ እዩ። ንዅሎም ፈተውቶምን ኣዝማዶምን ኪዕድሙ ኣይክእሉን ይዀኑ፣ ስለዚ: ዓቕሞም ብምርኣይ ገለ ውሳነታት ኪገብሩ ይህልዎም ይኸውን። እቶም መጻምድቲ ንገሊኦም ብጾቶም ክርስትያናት ኪዕድምዎም እንተ ዘይከኣሉ: ከም ዚርድኡሎምን ከም ዘይቅየምዎምን ኪተኣማመኑ ኣለዎም።—መክብብ 7:9

“ኣቦ ዳስ”

11. “ኣቦ ዳስ” ኣብ መርዓ እንታይ ግደ ኺህልዎ ይኽእል፧

11 መጻምድቲ ንመርዓኦም ንምጽምባል ውራይ ኪገብሩ እንተ ደልዮም: እቲ ኣጋጣሚ ምዕሩግ ንኪኸውን እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ የሱስ እተሳተፈሉ ኣብ ቃና ኣብ እተገብረ ምትእኽኻብ ተጠቒሱ ዚርከብ ነገር ኣብ ግምት ምእታው: ጥበባዊ ምዃኑ ንሓያሎ ዓመታት ተመኪሮምዎ እዮም። ኣብቲ ኣጋጣሚ “ኣቦ ዳስ” ነበረ: ብርግጽ ድማ ሓላፍነት ዚስምዖ ኣማኒ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። (ዮሃንስ 2:9, 10) ብተመሳሳሊ: ሓደ ጥበበኛ መርዓዊ: ነዚ ኣገዳሲ ግደ እዚ ብሱል ክርስትያን ሓው እዩ ዚመርጽ። እቲ ኣቦ ዳስ ድሌትን ምርጫን እቲ መርዓዊ ብምፍላጥ: ቅድሚ እቲ ውራይን እቲ ውራይ ኣብ ዚካየደሉ እዋንን ብደቂቕ ኪከታተል ይኽእል እዩ።

12. እቲ መርዓዊ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ምቕራብ ኪሓስበሉ ዘለዎ ነገር እንታይ እዩ፧

12 ገሊኦም መጻምድቲ ምስቲ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 5 ተገሊጹ ዘሎ ብምስምማዕ: ገለ ኻብቶም ዕዱማት ኣልኮላዊ መስተ ኣብዚሖም ንሓጐስን ጽባቐን እቲ ኣጋጣሚ ምእንቲ ኸየበላሽውዎ: ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ውራዮም ኣየቕርቡን እዮም። (ሮሜ 13:13፣ 1 ቈረንቶስ 5:11) እንተዀነ ግን: ኣልኮላዊ መስተ ኬቕርቡ እንተ ደልዮም: እቲ መርዓዊ መጠን ሓሊኻ ኸም ዚስለፍ ወይ ከም ዚቐርብ ኬረጋግጽ ኣለዎ። ኣብቲ የሱስ ኣብ ቃና ዝኸዶ መርዓ ወይኒ ነይሩ እዩ: ንሱውን ብሉጽ ወይኒ ወሲኹሎም እዩ። እቲ ኣቦ ዳስ “ኵሉ ሰብ ቅድም ጽቡቕ ወይኒ: ምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ ደኣ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጽቡቕ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽናሕካዮ” ኢሉ ምዝራቡ ዜገርም እዩ። (ዮሃንስ 2:10) የሱስ ንስኽራን ከም ጌጋ ገይሩ ይርእዮ ብምንባሩ: ንዝዀነ ይኹን ስኽራን ኣበርክቶ ኸም ዘይገበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ሉቃስ 12:45, 46) እቲ ኣቦ ዳስ ብዛዕባ እቲ ብሉጽ ወይኒ ኸም እተገረመ ኺገልጽ ከሎ: ኣብ ገሊኡ መርዓታት ተዓዲሞም ዝመጹ ኣጋይሽ ከም ዚሰኽሩ ንጹር ገይርዎ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:15፣ 1 ተሰሎንቄ 5:7) ስለዚ: እቲ መርዓውን እቲ ንሱ ኣቦ ዳስ ኪኸውን ዚሸሞ እሙን ክርስትያንን: ኵሎም እቶም ዕዱማት ነቲ “ዝርገት አለዎ እሞ: ብወይኒ ኣይትስከሩ” ዚብል መምርሒ ኸም ዚስዕቡ ኺገብሩ ኣለዎም።—ኤፌሶን 5:18፣ ምሳሌ 20:1፣ ሆሴእ 4:11

13. መጻምድቲ ኣብ ውራይ መርዓኦም ሙዚቃ ኺህሉ እንተ ደልዮም: እንታይ እዮም ኪሓስቡሉ ዘለዎም፧ ስለምንታይከ፧

13 ሙዚቃ ዚህሉ እንተ ዀይኑ: ከምቲ ኣብ ካልእ ምትእኽኻባት: ኣብዚ እውን ሰባት ኪዘራረቡ ምእንቲ ኪኽእሉ መጠን እቲ ድምጺ ኣቓልቦ ኺግበረሉ ኣለዎ። ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ኸምዚ በለ:- “እናመሰየ ኪኸይድ ከሎ: ዕላል ኣብ ዚዕምረሉ ወይ ሳዕስዒት ኣብ ዚጅምረሉ እዋን: ሓድሓደ ግዜ እቲ መጠን ድምጺ እቲ ሙዚቃ ይውስኽ እዩ። እቲ ብህዱእ ድምጺ ዝጀመረ ሙዚቃ: ኣዝዩ ዓው ካብ ምባሉ እተላዕለ ኽትዘራረብ ኣየኽእለካን እዩ። ውራይ መርዓ ባህ ዜብል ምሕዝነት ንኺንጸባረቕ ኣጋጣሚ ዚኸፍት እዩ። እቲ ሙዚቃ ኣመና ዓው ካብ ምባሉ እተላዕለ ነቲ ኣጋጣሚ ምስ ዜበላሽዎ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜሕዝን!” ኣብዚ እውን እቲ መርዓውን እቲ ኣቦ ዳስን ሓላፍነት ኪስምዖም ኣለዎ ደኣ እምበር: ነቲ ዓይነትን ዓውታን እቲ ሙዚቃ ነቶም እተቘጽሩ ሙዚቀኛታት ወይ ንኻልኦት ኪገድፉሎም የብሎምን። ጳውሎስ “ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ቈሎሴ 3:17) እቶም ኣጋይሽ ድሕሪ ድግስ ወይ ውራይ መርዓ: ነቲ ሙዚቃ ብዚምልከት እቶም መጻምድቲ ዅሉ ብስም የሱስ ይገብርዎ ኸም ዝነበሩ ገይሮም ድዮም ዚርእይዎ፧ ከምኡ ኪኸውን ኣለዎ።

14. ክርስትያናት ብዛዕባ መርዓ እንታይ ባህ ዜብል ተዘክሮ እዩ ኺህልዎም ዘለዎ፧

14 እወ: ብዚግባእ እተወደበ መርዓ ባህ ዜብል ተዘክሮ እዩ ዚሓድግ። ካብ ዚምርዓዉ 30 ዓመት ዝገበሩ ኣዳምን ኢዲታን ብዛዕባ ሓደ መርዓ ኸምዚ ዚብል ርእይቶ ሃቡ:- “ብሓቂ ክርስትያናዊ ሃዋህው እዩ ዚስምዓካ። ንየሆዋ ዚውድስ መዝሙራት ነይሩ: ግን ከኣ ጽቡቕ መዘናግዒ እውን ነይሩ እዩ። ሳዕስዒትን ሙዚቃን ኣገዳስነቱ ብኻልኣይ ደረጃ እዩ ተሰሪዑ ነይሩ። ባህ ዜብልን ሃናጽን እዩ ነይሩ: ኵሉ ነገራት ከኣ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ እዩ ነይሩ።” እታ መርዓትን እቲ መርዓውን ንእምነቶም ብግብሪ ንኼርእዩ ብዙሕ ነገር ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም።

ህያባት መርዓ

15. እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ እዩ ንህያባት መርዓ ብዚምልከት ኪዕየየሉ ዚኽእል፧

15 ኣብ ሓያሎ ሃገራት: ፈተውትን ኣዝማድን ነቶም ዚምርዓዉ መርዑ ህያብ ምሃብ ልሙድ እዩ። ከምኡ ኽትገብር እንተ ደሊኻ: እንታይ ኣብ ግምት ከተእቱ ኣሎካ፧ ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ “ንብረት ትዕቢት” ወይ ብዛዕባ “ብሃብትኻ ዕቡይ ምዃን” (ትርጕም 1990) ዝሃቦ ሓሳባት እሞ ዘክር። ከምዚ ዝኣመሰለ ትዕቢት: ምስቶም ንእምነቶም ብግብሪ ዜርእዩ ክርስትያናት ዘይኰነስ: ምስታ ‘እትሓልፍ ዓለም’ እዩ ኣተሓሒዝዎ። (1 ዮሃንስ 2:16, 17) ሓደስቲ መርዑ ነቲ ዮሃንስ ብመንፈስ ተደሪኹ ዝገለጾ ነገር ኣብ ግምት ብምእታው: ንነፍሲ ወከፍ ህያብ መን ከም ዝሃቦም ኣብ ቅድሚ እኩባት ሰባት ኪገልጹ ይግባእዶ፧ ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዝነበሩ ክርስትያናት ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣሕዋቶም ገንዘብ እኳ እንተ ኣዋጽኡሎም: ስማቶም ከም እተገልጸ ዚሕብር ዋላ ሓንቲ ነገር ግን የልቦን። (ሮሜ 15:26) ህያብ መርዓ ዚህቡ ብዙሓት ክርስትያናት ናብ ርእሶም ዘየድሊ ቘላሕታ ኣብ ክንዲ ዚስሕቡ: ስሞም ኪጥቀስ ኣይደልዩን እዮም። ኣብዚ መዳይ እዚ: ነቲ ኣብ ማቴዎስ 6:1-4 ዚርከብ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ርአ።

16. ሓደስቲ መርዑ ንህያባት መርዓ ብዚምልከት ስምዒት ካልኦት ከይጐድኡ ኺጥንቀቑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

16 ወሃብቲ ህያባት መን ምዃኖም ምግላጽ: ናይ መን ይበልጽ ወይ ናይ መን ይኸብር ናብ ዚብል “ምቅንናእ” እዩ ዚመርሕ። ስለዚ: ጥበበኛታት ሓደስቲ መርዑ ንሰባት ኣኪቦም ስማት እቶም ወሃብቲ ህያባት ኣይገልጹን እዮም። ስማት ወሃብቲ ህያባት ምግላጽ: ነቶም ህያብ ኪህቡ ዓቕሞም ዘይፈቕደሎም ኬሕፍሮም ይኽእል እዩ። (ገላትያ 5:26፣ 6:10) ልክዕ እዩ: መርዓትን መርዓውን ሓደ ህያብ መን ከም ዝሃቦም ምፍላጦም ጌጋ ኣይኰነን። እዚ ኻብቲ ምስኡ ዚመጾም ካርድ ኪፈልጥዎ ይኽእሉ እዮም: እንተዀነ ግን ንሰባት ኬንብቡሎም ኣይግባእን። ህያባት መርዓ ኽንዕድግን ክንህብን ክንቅበልን ከለና: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ብሕታዊ መዳያት እውን ከይተረፈ: እምነትና ንግብርና ኸም እትጸልዎ ንኸነርኢ ዕድል ኣሎና። a  

17. ክርስትያናት ምስ እምነቶምን ግብሮምን ብዚተሓሓዝ እንታይ ሸቶ እዩ ኺህልዎም ዚግባእ፧

17 እምነትና ኸነርኢ ኺበሃል ከሎ: ብስነ-ምግባር ንጹሃት ኴንና ኻብ ምምልላስ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ካብ ምእካብ: ከምኡውን ኣብ ዕዮ ስብከት ካብ ምስታፍ ንላዕሊ ዜጠቓልል እዩ። እምበኣር: ነፍሲ ወከፍና ንእንገብሮ ዅሉ እትጸሉ ህያው እምነት ትሃልወና። እወ: እምነትና ብግብርና: እንተላይ በቲ ኣብ ላዕሊ እተመያየጥናሉ መዳያት: “ምሉእ ኰይኑ” ኽንርእዮ ንኽእል ኢና።—ራእይ 3:2

18. እተን ኣብ ዮሃንስ 13:17 ዚርከባ ቓላት: ምስ ክርስትያናዊ መርዓን ምትእኽኻብን ኪተኣሳሰራ ዚኽእላ ብኸመይ እየን፧

18 የሱስ ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ ብትሕትና ኣእጋሮም ብምሕጻብ ሰናይ ኣብነት ምስ ገደፈሎም: “ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም: እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም” በሎም። (ዮሃንስ 13:4-17) ሎሚ ኣብቲ እንነብረሉ ኸባቢ: ነቶም ኣብ ቤትና ዚመጹ ኣጋይሽ ኣእጋሮም ምሕጻብ ዘየድሊ ወይ ዘይልሙድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ ግን: እምነትና ፍቕርን ሓልዮትን ብዜንጸባርቕ ግብሪ ኸነርእየሉ እንኽእል ካልእ መዳይ ህይወት ኣሎ፣ እዚ ድማ ንማሕበራዊ ምትእኽኻብን ክርስትያናዊ መርዓን ዜጠቓልል እዩ። ኣብ እንምርዓወሉ ዀነ ኣጋይሽ ኴንና ናብ መርዓ ወይ ናብቲ ስዒቡ ዚግበር ዜሐጕስ ክርስትያናዊ ምትእኽኻብ ኣብ እንዕደመሉ እዋን: እምነትና ፍቕርን ሓልዮትን ብዜንጸባርቕ ግብሪ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ተወሳኺ መዳያት መርዓን ምስኡ እተተሓሓዘ ውራይን ኣብታ ቐጺላ ዘላ “መዓልቲ መርዓኻ ብዝያዳ ባህ እተብልን ምዕርግትን ግበራ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት እምነትካ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል:-

• ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ከተዳሉ ኸለኻ፧

• መርዓ ወይ ውራይ ክትገብር ከለኻ፧

• ህያባት መርዓ ኽትህብ ወይ ክትቅበል ከለኻ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ዋላ እውን ሒደት ሰባት ጥራይ እንተ ዓደምካ: በታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ተመራሕ