ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ቕዱስ ነገራት ኣረኣእያ የሆዋ ድዩ ዘሎካ፧

ብዛዕባ ቕዱስ ነገራት ኣረኣእያ የሆዋ ድዩ ዘሎካ፧

ብዛዕባ ቕዱስ ነገራት ኣረኣእያ የሆዋ ድዩ ዘሎካ፧

“ሓደ እኳ ኣመንዝራ ወይስ ርኹስ ከይከውን: ተጠንቀቑ።” —እብራውያን 12:16

1. ኣገልገልቲ የሆዋ ነየናይ ሕጂ ዘሎ ኣረኣእያ እዮም ዘይቅበልዎ፧

 ዓለም ብሓፈሻ ንቕዱስ ነገራት ዘለዋ ኣቓልቦ እናነከየ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ብዛዕባ ማሕበረሰብ መጽናዕቲ ዚገብር ኤድጋር ሞሪን ዚበሃል ፈረንሳዊ: “እቲ ስነ-ምግባር እተመስረተሉ ዅሉ መሰረታት—ማለት ኣምላኽ: ተፈጥሮ: ዓዲ: ታሪኽ: ምኽንያት—ኣብ ሕቶ ይኣቱ ኣሎ። . . . ሰባት ናይ ርእሶም ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ይስዕቡ ኣለዉ” በለ። እዚ ኸኣ ነቲ “መንፈስ ዓለም” ወይ ‘ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዘሎ መንፈስ’ የንጸባርቕ። (1 ቈረንቶስ 2:12፣ ኤፌሶን 2:2) እቶም ርእሶም ንየሆዋ ዝወፈዩን ነቲ ልዑላውነቱ ብፍታው ዚግዝኡን ዘበሉ: ነዚ ዓይነት መንፈስ እዚ ኣይቅበልዎን እዮም። (ሮሜ 12:1, 2) የግዳስ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ቕድስና ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ዘለዎ ኣገዳሲ ቦታ የስተውዕሉሉ እዮም። ኣብ ህይወትና እንታይ ነገራት እዩ ቕዱስ ኪኸውን ዘለዎ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ: ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ቅዱስ ገይሮም ኪርእይዎ ዘለዎም ሓሙሽተ ነገራት ትምርምር። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ኣብ ቅድስና ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ኸነተኵር ኢና። እንተዀነ ግን: እታ “ቕዱስ” እትብል ቃል እንታይ ማለት እያ፧

2, 3. (ሀ) ቅዱሳት ጽሑፋት ንቕድስና የሆዋ ብኸመይ እዩ ዜጕልሖ፧ (ለ) ስም የሆዋ ቕዱስ ጌርና እንርእዮ ብኸመይ ኢና፧

2 ኣብቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምጽሓፍ ዘገልገለ እብራይስጢ: እታ “ቕዱስ” እትብል ቃል ምፍላይ ዚብል ሓሳብ ዝሓዘት እያ። ኣብ ኣምልኾ “ቕዱስ” ኪበሃል ከሎ: ካብቲ ተራ ዝዀነ ነገራት እተፈልየ ነገር የመልክት። የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ቅዱስ እዩ። “እቲ ቅዱሰ ቕዱሳን” ተባሂሉ ኸኣ ተጸዊዑ ኣሎ። (ምሳሌ 9:10 NW፣ 30:3 NW) ኣብ ጥንታዊት እስራኤል: እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብቲ መጠምጠምያኡ: “ቅድስና ናይ የሆዋ እዩ” ዚብል ቃላት እተቐርጾ ብሊቃ ይገብር ነበረ። (ዘጸኣት 28:36, 37 NW) እቶም ኣብ ሰማይ ኣብ ጥቓ ዝፋን የሆዋ ዚቘሙ ኪሩቤልን ሱራፌልን: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ የሆዋ “ቅዱስ: ቅዱስ: ቅዱስ እዩ” ኢሎም ከም ዝኣወጁ ጌርካ ተገሊጾም ኣለዉ። (ኢሳይያስ 6:2, 3፣ ራእይ 4:6-8) እዚ ምድግጋም እዚ የሆዋ ብዝበለጸ ደረጃ ቕዱስን ጽሩይን ንጹህን ምዃኑ እዩ ዜጕልሕ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ: ምንጪ ቕድስና እዩ።

3 ስም የሆዋ ቕዱስ እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ቅዱስ እዩ እሞ: ነቲ ዓብይን ዜፍርህን ስምካ የመስግንዎ” በለ። (መዝሙር 99:3) የሱስ ድማ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ” ኢልና ኽንጽሊ መሃረና። (ማቴዎስ 6:9) እታ ምድራዊት ኣደ የሱስ ዝነበረት ማርያም: “ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ: . . . እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ: ስሙ ቅዱስ እዩ” በለት። (ሉቃስ 1:46, 49) ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን: ስሙ ቕዱስ ጌርና ኢና እንርእዮ: ኣብቲ ቕዱስ ስሙ ወቐሳ ኼምጽእ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ድማ ኣይንገብርን ኢና። ብዘይካዚ: ብዛዕባ ቕዱስ ነገራት ኣረኣእያ የሆዋ ንሕዝ ኢና: ማለት ነቲ ንሱ ቕዱስ ገይሩ ዚርእዮ ነገራት ንሕና እውን ቅዱስ ጌርና ንርእዮ ኢና።—ኣሞጽ 5:14, 15

ንየሱስ ዓሚቝ ኣኽብሮት ዝሃለወና ምኽንያት

4. መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ “እቲ ቕዱስ” ኢሉ ዚገልጾ ስለምንታይ እዩ፧

4 የሱስ “ሓደ ወዲ” እቲ ቕዱስ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኸም ምዃኑ መጠን: ቅዱስ ኰይኑ እዩ ተፈጢሩ። (ዮሃንስ 1:14፣ ቈሎሴ 1:15፣ እብራውያን 1:1-3) ስለዚ ኸኣ እዩ “እቲ ቕዱስ ናይ ኣምላኽ” ተባሂሉ እተጸውዐ። (ዮሃንስ 6:69 ትርጕም 1990) ማርያም ንየሱስ ዝወለደት ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝዀነ: ህይወቱ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽትመሓላለፍ ከላ ቕድስናኡ ኣየጥፍአን። ሓደ መልኣኽ “መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ . . . እዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ: ወዲ ኣምላኽ ኪብሀል እዩ” በላ። (ሉቃስ 1:35) ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት ናብ የሆዋ ኣብ ዝጸለይዎ ጸሎት ንወዲ ኣምላኽ ክልተ ሳዕ “ቅዱስ ወድኻ የሱስ” ኢሎም ጠቒሶምዎ ኣለዉ።—ግብሪ ሃዋርያት 4:27, 30

5. የሱስ ኣብ ምድሪ እንታይ ቅዱስ ዕላማ እዩ ዝፈጸመ፧ ደሙ ኽቡር ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

5 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኪፍጽሞ ዝነበሮ ቕዱስ ተልእኾ ነበሮ። ብ29 ድ.ክ. ኣብ እተጠምቀሉ እዋን: ሊቀ ኻህናት እቲ ዓብዪ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዀይኑ ተሸመ። (ሉቃስ 3:21, 22፣ እብራውያን 7:26፣ 8:1, 2) ብተወሳኺውን: መስዋእታዊ ሞት እዩ ኺመውት ዝነበሮ። እቲ ዝፈሰሰ ደሙ: ሓጥኣን ደቅሰብ ዚድሕኑሉ በጃ ኪኸውን ነበሮ። (ማቴዎስ 20:28፣ እብራውያን 9:14) ስለዚ: ንደም የሱስ ቅዱስ ወይ “ክቡር” ጌርና ኢና እንርእዮ።—1 ጴጥሮስ 1:19

6. ንክርስቶስ የሱስ ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ እዩ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

6 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ንጉስናን ሊቀ ኻህናትናን ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ዓሚቝ ኣኽብሮት ከም ዘሎና ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ: ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ: ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ።” (ፊልጲ 2:9-11) ተሓጒስና ነቲ መራሒናን ንጉስናን ርእሲ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤን ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ተገዛእቱ ብምዃን: ብዛዕባ ቕዱስ ነገራት ኣረኣእያ የሆዋ ኸም ዘሎና ኸነርኢ ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 23:10፣ ቈሎሴ 1:18

7. ንክርስቶስ ዘሎና ተገዛእነት ብኸመይ ነርእዮ፧

7 ንክርስቶስ እንግዛእ ምዃን: ነቶም ነቲ ንሱ ዚኣልዮ ስራሕ ንምምራሕ ዚጥቀመሎም ሰብኡት ግቡእ ኣኽብሮት ምርኣይ እውን የጠቓልል። እቶም ነቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ዘቘሙ ብመንፈስ እተቐብኡ ሰባት ከምኡውን እቶም ብኣታቶም እተሸሙ ኣብ ጨናፍርን ኣውራጃታትን ወረዳታትን ጉባኤታትን ሓለውቲ ዀይኖም ዜገልግሉ ዘበሉ ዘለዎም ግደ ቕዱስ ሓላፍነት ጌርካ ኺርአ ኣለዎ። ስለዚ: ነዚ መሰናድዎ እዚ ዓሚቝ ኣኽብሮትን ተገዛእነትን ከነርኢ ይግባእ።—እብራውያን 13:7, 17

ቅዱስ ህዝቢ

8, 9. (ሀ) እስራኤላውያን ቅዱስ ህዝቢ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) የሆዋ ንእስራኤላውያን መሰረታዊ ስርዓት ቅድስና ኸም ዚግንዘቡ ዝገበሮም ብኸመይ እዩ፧

8 የሆዋ ምስ እስራኤል ኪዳን ገበረ። እዚ ርክብ እዚ ነቲ ሓድሽ ህዝቢ ፍሉይ ቦታ ኸም ዚህልዎ ገበረ። እቲ ህዝቢ እተቐደሰ ወይ እተፈልየ እዩ ነይሩ። የሆዋ ድማ “ኣነ እግዚኣብሄር ቅዱስ እየ እሞ: ቅዱሳት ኩኑለይ: ናተይ ክትኰኑ ኸኣ ካብ ህዝብታት ፈልየኩም እየ” በሎም።—ዘሌዋውያን 19:2፣ 20:26

9 ህዝቢ እስራኤል ኣብ ዚቘመሉ እዋን: የሆዋ ንመሰረታዊ ስርዓታት ቅድስና ኸም ዚግንዘቡ ገበሮም። ነቲ እተን ዓሰርተ ትእዛዛት እተዋህቡሉ ኸረን ኪትንክዩ ኣይነበሮምን: እንተ ተንክዮም ግን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ይጽበዮም ነበረ። ከረን ሲና ኣብቲ እዋን እቲ ቕዱስ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። (ዘጸኣት 19:12, 23) እቲ ኽህነትን እቲ ማሕደርን እቲ ኣቓሑን እውን ቅዱስ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። (ዘጸኣት 30:26-30) ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎ ዅነታት ከመይ እዩ፧

10, 11. እታ ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ቅድስቲ እያ ኺበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧ እዚ ኣብ “ካልኦት ኣባጊዕ” እንታይ ጽልዋ እዩ ዘለዎ፧

10 እታ ብቕቡኣት ዝቘመት ክርስትያናዊት ጉባኤ: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቕድስቲ እያ። (1 ቈረንቶስ 1:2) አረ ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ቕቡኣት ክርስትያናት ብጕጅለ ነቲ ዓብዪ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዜቝሙ እኳ እንተ ዘይኰኑ: ምስ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ተመሳሲሎም ኣለዉ። የሆዋ ነታ ቤተ መቕደስ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ይሓድረላ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣብኡ ብዘሎ እቲ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን: እናተኣሳሰረ ይዐቢ እዩ። ንስኻትኩምውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኰኑ ሐቢርኩም ትህነጹ አሎኹም” ኢሉ ጸሓፈ።—ኤፌሶን 2:21, 22፣ 1 ጴጥሮስ 2:5, 9

11 ብተወሳኺ: ጳውሎስ ንቕቡኣት ክርስትያናት “ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ . . . ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ: እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም” ኢሉ ጸሓፈሎም። (1 ቈረንቶስ 3:16, 17) የሆዋ በዚ መንፈስ እዚ ኣቢሉ ኣብ መንጎ እቶም ቅቡኣት ‘ይነብር: ኣባታቶምውን ይመለላስ’ እዩ። (2 ቈረንቶስ 6:16) ነቲ እሙን “ባርያ” ብቐጻሊ ይመርሖ እዩ። (ማቴዎስ 24:45-47) እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ምስቶም ነታ “ቤተ መቕደስ” ዜቝሙ ምሕባሮም ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ።—ዮሃንስ 10:16፣ ማቴዎስ 25:37-40

ኣብ ክርስትያናዊ ህይወትና ዘሎ ቕዱስ ነገራት

12. ኣብ ህይወትና ቕዱስ ጌርና እንርእዮ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

12 ምስ ህይወት እቶም ቅቡኣት ኣባላት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤን ምስ ህይወት ብጾቶምን ዚዛመድ ሓያሎ ነገራት ቅዱስ ጌርካ ዚርአ ምዃኑ ዜገርም ኣይኰነን። ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ቅዱስ እዩ። (1 ዜና መዋእል 28:9፣ መዝሙር 36:7) እዚ ኣዝዩ ኽቡር ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ዝዀነ ይኹን ነገር ኰነ ሰብ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ የሆዋ ኣምላኽናን ኪኣቱ ኣይንፈቅድን ኢና። (2 ዜና መዋእል 15:2፣ ያእቆብ 4:7, 8) ጸሎት ምስ የሆዋ ዘሎና ጥብቂ ርክብ ንኽንዕቅብ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። ዳንኤል ንጸሎት ኣዝዩ ቕዱስ ገይሩ ስለ ዝረኣዮ: ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን እኳ ኸይተረፈ ናብ የሆዋ ኻብ ምጽላይ ኣየቋረጸን። (ዳንኤል 6:7-11) “ጸሎት ኵሎም ቅዱሳት” ወይ ቅቡኣት ክርስትያናት ምስቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ንኣምልኾ ዜገልግል ዕጣን ተመሳሲሉ ኣሎ። (ራእይ 5:8፣ 8:3, 4፣ ዘሌዋውያን 16:12, 13) እዚ ምምስሳል እዚ ኸኣ ንቕድስና ጸሎት ዜጕልሕ እዩ። ምስቲ ልዑላዊ ዅሉ ፍጥረት ክትዘራረብ ምኽኣልሲ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! ጸሎት ኣብ ህይወትና ቕዱስ ጌርካ ዚርአ ምዃኑ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።

13. እንታይ ሓይሊ እዩ ቕዱስ ኪበሃል ዚከኣል፧ ኣብ ህይወትና ንኺዓዪ ኽንፈቕደሉ ዘሎናኸ ብኸመይ ኢና፧

13 ቅቡኣት ክርስትያናትን ብጾቶምን ኣብ ህይወቶም ቅዱስ ገይሮም ዚርእይዎ ሓደ ሓይሊ: ማለት መንፈስ ቅዱስ ኣሎ። እዚ መንፈስ እዚ ንጡፍ ሓይሊ የሆዋ እዩ: ወትሩ ምስቲ ቕዱስ ኣምላኽ ብምስምማዕ ስለ ዚዓዪ ኸኣ: “መንፈስ ቅዱስ” ወይ “መንፈስ ቅድስና” ተባሂሉ ኺጽዋዕ ይግብኦ እዩ። (ዮሃንስ 14:26፣ ሮሜ 1:4) የሆዋ ንኣገልገልቱ ነቲ ብስራት ንኺሰብኩ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ሓይሊ ይህቦም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ 4:31) የሆዋ ነቶም “ዚእዘዝዎ” ከምኡውን ነቶም ብትምኒት ስጋ ዘይኰነስ ‘ብመንፈስ ዚመላለሱ’ መንፈሱ ይህቦም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:32፣ ገላትያ 5:16, 25፣ ሮሜ 8:5-8) እዚ ብርቱዕ ሓይሊ እዚ ንክርስትያናት እቲ ሰናይ ባህርያት ዝዀነ “ፍረ መንፈስ” ንኺፈርዩ ኸምኡውን “ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን” ንኺመላለሱ የኽእሎም። (ገላትያ 5:22, 23፣ 2 ጴጥሮስ 3:11) ንመንፈስ ቅዱስ ከም ቅዱስ ጌርና እንተ ርኢናዮ: ነቲ መንፈስ እቲ ዜጕሂ ወይ ኣብ ህይወትና ንኸይዓዪ ዚዕንቅፍ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይንገብርን ኢና።—ኤፌሶን 4:30

14. እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ነየናይ ፍሉይ መሰል እዮም ቅዱስ ገይሮም ዚርእይዎ፧ እቶም ካልኦት ኣባጊዕከ ኣብዚ ፍሉይ መሰል እዚ ዚካፈሉ ብኸመይ እዮም፧

14 ነቲ ቕዱስ ስም ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ናይ ምጻርን መሰኻኽሩ ናይ ምዃንን ፍሉይ መሰልና ቕዱስ ጌርና ኢና እንርእዮ። (ኢሳይያስ 43:10-12, 15) ቅቡኣት ክርስትያናት “ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን” ኪዀኑ ብየሆዋ ኸኣልቲ ወይ ብቑዓት ኰይኖም እዮም። (2 ቈረንቶስ 3:5, 6) በዚ ኸምዚ: ነቲ “ወንጌል መንግስቲ” ንኺሰብኩን ‘ካብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቱ ንኺገብሩን’ መዝነት ተዋህቦም። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ነዚ መዝነት እዚ ብተኣማንነት ይፍጽምዎ ኣለዉ: ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ሰባት ከኣ ነዚ ይቕበልዎ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ “እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ: ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” ይብሉ ኣለዉ። (ዘካርያስ 8:23) እዚኣቶም ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ነቶም ቅቡኣት “ኣገልገልቲ ኣምላኽና” ‘ሓረስቶትን ናበይቲ ኣታኽልቲ ወይንን’ ኰይኖም ተሓጒሶም የገልግሉ ኣለዉ። በዚ ኸምዚ ድማ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ነቶም ቅቡኣት ዘበሉ ነቲ ኣገልግሎቶም ብዓለምለኻዊ ደረጃ ንኺፍጽሙ ብዙሕ ይሕግዝዎም ኣለዉ።—ኢሳይያስ 61:5, 6

15. ሃዋርያ ጳውሎስ ነየናይ ንጥፈት እዩ ቕዱስ ገይሩ ዚርእዮ ዝነበረ፧ ንሕና ኸምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ዘሎናኸ ስለምንታይ እዩ፧

15 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ቅዱስ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ: ‘ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ እተቐደሰ ወንጌል ኣምላኽ ዜገልግል ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ንኣህዛብ’ ምዃኑ ይዛረብ ነበረ። (ሮሜ 15:16) ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ እውን ንኣገልግሎቱ ኸም “መዝገብ” ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 4:1, 7) ብህዝባዊ ኣገልግሎትና ኣቢልና: ነቲ “[“ቕዱስ” NW] ቃል ኣምላኽ” ነፍልጥ ኢና። (1 ጴጥሮስ 4:11) ስለዚ: ካብ ቅቡኣት ኰነ ኻብ ካልኦት ኣባጊዕ ንኹን: ኣብቲ ናይ ምምስካር ዕዮ ምክፋል ቅዱስ ጌርና ኢና እንርእዮ።

‘ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና ምምላእ’

16. ‘ርኹሳት’ ወይ ንቕዱስ ነገራት ዘይነማሱ ኸይንኸውን ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

16 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ክርስትያናት ዝዀኑ ብጾቱ ‘ርኹሳት’ ወይ ንቕዱስ ነገራት ዘየማስዉ ኸይኰኑ ኣጠንቀቖም። የግዳስ: ‘ቅድስና ኺስዕቡ: ንብዙሓት ዜርክስ ገለ መሪር ሱር በቝሉ ኸየጨንቖም ኪጥንቀቑ’ መኸሮም። (እብራውያን 12:14-16) እቲ “መሪር ሱር” ዚብል መግለጺ: ነቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንዚግበር ነገራት ዚነቕፉ ሒደት ሰባት የመልክት። ንኣብነት: ምስቲ የሆዋ ብዛዕባ ቕድስና መውስቦ ወይ ብዛዕባ ኣድላይነት ስነ-ምግባራዊ ንጽህና ዘለዎ ኣረኣእያ ኣይሰማምዑን ይዀኑ። (1 ተሰሎንቄ 4:3-7፣ እብራውያን 13:4) ወይ ከኣ ኣብቲ ኻብቶም “ካብ ሓቂ ዘምቢሎም” ዘለዉ ዝመነጨ “ፍረ ዜብሉ: ርኹስ ዘረባ” ወይ ናይ ክሕደት ዘረባ ይሳተፉ ይዀኑ።—2 ጢሞቴዎስ 2:16-18

17. እቶም ቅቡኣት ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ቕድስና ዘለዎ ኣረኣእያ ንምንጽብራቕ ቀጻሊ ጻዕሪ ኺገብሩ ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧

17 ጳውሎስ ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋቱ: “ኣቱም ፍቁራተይ . . . ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና: ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (2 ቈረንቶስ 7:1) እዚ ሓሳብ እዚ እቶም ‘ካብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ግደ ዘለዎም’ ቅቡኣት ክርስትያናት: ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወቶም ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ቕዱስ ነገራት ዘለዎ ኣረኣእያ ንኼንጸባርቑ ቐጻሊ ጻዕሪ ኺገብሩ ኸም ዘለዎም ይሕብር። (እብራውያን 3:1) ብተመሳሳሊ: ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ብመንፈስ እተወልዱ ኣሕዋቱ: “ከም እዙዛት ውሉድ እምበር: ከምቲ ብዘመን ድንቍርና ኸሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ: . . . ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ: ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ” ኢሉ መዓዶም።—1 ጴጥሮስ 1:14, 15

18, 19. (ሀ) ኣባላት እቶም “ብዙሓት ሰብ” ብዛዕባ ቕዱስ ነገራት ኣረኣእያ የሆዋ ኸም ዘለዎም ዜርእዩ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ቅዱስ መዳይ ክርስትያናዊ ህይወትና ኢና ኽንምርምር፧

18 እቶም ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ዚድሕኑ ኣባላት እቶም “ብዙሓት ሰብ” ደኣኸ ኸመይ ኪዀኑ ይግባእ፧ ንሳቶም እውን ብዛዕባ ቕዱስ ነገራት ኣረኣእያ የሆዋ ኸም ዘለዎም ኬመስክሩ ኣለዎም። ኣብ መጽሓፍ ራእይ: ኣብቲ ምድራዊ ኣጸድ እቲ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ ኰይኖም ንየሆዋ “የገልግልዎ” ወይ “ቅዱስ ኣገልግሎት” (NW) የቕርቡሉ ኸም ዘለዉ ጌርካ ተገሊጾም ኣለዉ። ኣብ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ኣሚኖም እዮም: ስለዚ ኸኣ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ‘ኽዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕድዮም እዮም።’ (ራእይ 7:9, 14, 15) እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹህ ኣቕዋም ንኺህልዎም የኽእሎም: ‘ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመልኡ: ካብቲ ንስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእሶም ንኼንጽሁ’ ኸኣ ግዴታ የንብረሎም።

19 ኣብ ህይወት ቅቡኣት ክርስትያናትን ብጾቶምን ኣገዳሲ ዝዀነ መዳይ: ንየሆዋ ንምምላኽን ቃሉ ንምጽናዕን ዚግበር ስሩዕ ኣኼባ እዩ። የሆዋ ነቲ ህዝቡ ዚገብርዎ ኣኼባታት ቅዱስ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። ኣብዚ ኣገዳሲ መዳይ እዚ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ቕዱስ ነገራት ዘለዎ ኣረኣእያ ብኸመይን ስለምንታይን ኪህልወና ኸም ዚግባእ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

ድግማ

• ኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ ዓለማዊ ኣረኣእያ እዩ ዘይብሎም፧

• የሆዋ ምንጪ ዅሉ ቕዱስ ነገራት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ንቕድስና ክርስቶስ ከም እነኽብር ብኸመይ ነርኢ፧

• ኣብ ህይወትና ቕዱስ ጌርና ኽንርእዮ ዘሎና ነገራት እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል እቲ ኽህነትን እቲ ማሕደርን እቲ ኣቓሑኡን ቅዱስ ጌርካ ይርአ ነበረ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት ክርስትያናት ሓንቲ ቕድስቲ ቤተ መቕደስ የቝሙ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ጸሎትን ህዝባዊ ኣገልግሎትን ቅዱስ ዝዀነ ፍሉይ መሰላት እዩ