ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕዱስ ኣኼባታትና ኣኽብሮት ምርኣይ

ንቕዱስ ኣኼባታትና ኣኽብሮት ምርኣይ

ንቕዱስ ኣኼባታትና ኣኽብሮት ምርኣይ

“ንኣታቶም ናብ ቅዱስ ከረነይ ከምጽኦም: ኣብ ቤት ጸሎተይ ከኣ ከሐጕሶም እየ።” —ኢሳይያስ 56:7

1. ንኣኼባታትና ግቡእ ኣኽብሮት ንኸነርኢ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታት ኣሎና፧

 የሆዋ ኣብቲ ‘ቕዱስ ከረኑ’ ንኼምልኽዎ ኢሉ ንህዝቡ: ማለት ንቕቡኣት ክርስትያናትን ንብጾቶምን ኣኪብዎም ኣሎ። ኣብታ “ንዅሎም ህዝብታት ቤት ጸሎት” ዝዀነት ‘ቤት ጸሎቱ:’ ማለት ኣብታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደሱ ኼሐጕሶም እዩ። (ኢሳይያስ 56:7፣ ማርቆስ 11:17) እዚ ምዕባለታት እዚ ኣምልኾ የሆዋ ቕዱስን ንጹህን ክብ ዝበለን ምዃኑ ይሕብር። ንሕና እውን ንመጽናዕትን ኣምልኾን ግቡእ ኣኽብሮት ብምርኣይ: ብዛዕባ ቕዱስ ነገራት ኣረኣእያ የሆዋ ኸም ዘሎና ነመስክር ኢና።

2. የሆዋ ነቲ ንኣምልኾኡ ዝመረጾ ቦታ ቕዱስ ገይሩ ይርእዮ ኸም ዝነበረ እንታይ ይሕብረና፧ የሱስከ ኸምኡ ዓይነት ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

2 ኣብ ጥንታዊት እስራኤል: እቲ የሆዋ ንኣምልኾኡ ዝመረጾ ቦታ ቕዱስ ጌርካ ይርአ ነበረ። እቲ ማሕደርን ኣቓሑኡን “ቅዱስ ቅዱሳን [ምእንቲ] ኪኸውን” ኪቕባእን ኪቕደስን ነበሮ። (ዘጸኣት 30:26-29) እተን ኣብቲ መቕደስ ዝነበራ ኽልተ ኽፍልታት “ቅድስቲ” ኸምኡውን “ቅድስተ ቅዱሳን” ይበሃላ ነበራ። (እብራውያን 9:2, 3) እቲ ማሕደር ጸኒሑ በታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ተተክአ። የሩሳሌም ማእከል ኣምልኾ የሆዋ ስለ ዝነበረት: “ቅድስቲ ኸተማ” ተባሂላ ተጸዊዓ እያ። (ነህምያ 11:1፣ ማቴዎስ 27:53) የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ: ነታ ቤተ መቕደስ ግቡእ ኣኽብሮት ኣርእዩ እዩ። ነቲ ቐጽሪ እታ ቤተ መቕደስ ኣኽብሮት ብዘየርኢ መገዲ ኸም መነገድን ከም መተሓላለፍን ይጥቀሙሉ ብምንባሮም ተቘጥዐ።—ማርቆስ 11:15, 16

3. እስራኤላውያን ዚገብርዎ ዝነበሩ ኣኼባታት ቅዱስ ምንባሩ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

3 እስራኤላውያን ንየሆዋ ንምምላኽን ሕጉ ኺንበብ ከሎ ንምስማዕን ብስሩዕ ይእከቡ ነበሩ። ገሊኡ በዓላቶም: ቅዱስ ኣኼባታት ወይ ዓብዪ በዓል ማሕበር ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ፣ እዚ ድማ ንቕድስና እቲ ኣኼባታት ዚሕብር እዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 23:2, 3, 36, 37) ብግዜ እዝራን ነህምያን ኣብ እተገብረ ህዝባዊ ኣኼባ: እቶም ሌዋውያን “ነቲ ህዝቢ ሕጊ ይምህርዎ ነበሩ።” “ኵሎም እቶም ህዝቢ ቓል ሕጊ ኺሰምዑ ኸለዉ: ይበኽዩ” ስለ ዝነበሩ: እቶም ሌዋውያን “እዛ መዓልቲ እዚኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተቐዲሳ እያ እሞ: ኣይትሕዘኑን ኣይትብከዩን: በልዎም።” ድሕሪኡ እቶም እስራኤላውያን ንሸውዓተ መዓልቲ ብ“ኣዝዩ ዓብዪ ሓጐስ” በዓል ዳስ ኣብዓሉ። ብተወሳኺ: “ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ድማ መመዓልቲ [እቲ] መጽሓፍ ሕጊ ኣምላኽ [ተነበ]: ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዐሉ: በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ከምቲ ሕጊ ቅዱስ ኣኼባ ዀነ።” (ነህምያ 8:7-11, 17, 18) እዚ ኣጋጣሚታት እዚ ብሓቂ እቶም ተኣከብቲ ብኣኽብሮት ኣቓልቦ ኺገብሩሉ ዚግባእ ቅዱስ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ።

ኣኼባታትና ቕዱስ እዩ

4, 5. እንታይ መዳይ ኣኼባታት እዩ ቕዱስ ምዃኑ ዚሕብር፧

4 ሓቂ እዩ: ሎሚ የሆዋ ኣብ ምድሪ ቓል ብቓሉ ንኣምልኾኡ ፍሉይ ቤተ መቕደስ እተወፈየላ ቕድስቲ ኸተማ የብሉን። ኰይኑ ግን: ንኣምልኾ የሆዋ ዚግበር ኣኼባታት ቅዱስ ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። ቅዱሳት ጽሑፋት ንኸነንብብን ንኸነጽንዕን ኣብ ሰሙን ሰለስተ ሳዕ ንእከብ ኢና። ኣብኡ ቓል የሆዋ ኸምቲ ብግዜ ነህምያ ዚግበር ዝነበረ ‘ብግልጺ ይንበብን ይግለጽን እዩ።’ (ነህምያ 8:8) ኵሉ ኣኼባታትና ብጸሎት እዩ ዚጅምርን ዚዛዘምን: ኣብ መብዛሕትኡ ኸኣ ንየሆዋ መዝሙር ውዳሰ ንዝምር ኢና። (መዝሙር 26:12) ኣኼባታት ጉባኤ ብሓቂ ኽፋል ኣምልኾና እዩ፣ ስለዚ: ኣኼባ ኺካየድ ከሎ መንፈሳዊ ዝንባለ ኺህልወናን ብኣኽብሮት ኣቓልቦ ኽንገብርን ኣሎና።

5 የሆዋ ንህዝቡ ንኼምልኽዎን ቃሉ ንኼጽንዑን ባህ ዜብል ክርስትያናዊ ምሕዝነት ንኺህልዎምን ብሓባር ኪእከቡ ኸለዉ ይባርኾም እዩ። ኣብ ኣኼባ ኣብ እንእከበሉ እዋን: ‘የሆዋ ኣብኡ በረኸት ከም ዝኣዘዘ’ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (መዝሙር 133:1, 3) ካብቲ ኣኼባ እንተ ዘይበዂርናን ነቲ መንፈሳዊ ትምህርቲ ብኣቓልቦ እንተ ተኸታቲልናን: ካብቲ በረኸት ንካፈል ኢና። ብዘይካዚ: የሱስ “ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተአከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ” ኢሉ እዩ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብቐጥታ ነቶም ኣብ መንጎ ውልቀ-ሰባት ዚለዓል ከቢድ ጸገማት ንምፍታሕ ዚእከቡ ሽማግለታት እተዘርበት እኳ እንተ ዀነት: እዚ መሰረታዊ ስርዓት ግን ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ዚውዕል እዩ። (ማቴዎስ 18:20) ክርስትያናት ብስሙ ኺእከቡ ኸለዉ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ኣብ ማእከሎም ዚህሉ እንተ ዀይኑ: እዚ ኣኼባታት እዚ ቕዱስ ጌርካ ኺርአ ዚግብኦዶ ኸይኰነ፧

6. ብዛዕባ ዓበይቲ ይኹን ንኣሽቱ መአከቢ ቦታታትና እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧

6 የሆዋ ብሰብ ኣብ እተሰርሐ መቓድስ ከም ዘይሓድር ዚከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግን: ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ: ቦታታት ናይ ሓቂ ኣምልኾ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:48፣ 17:24) ቃል የሆዋ ንኸነጽንዕን ናብኡ ንኽንጽልን ውዳሴኡ ንኽንዝምርን ኣብኡ ንእከብ ኢና። ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባ እውን ከምኡ እዩ። ከም ኣዳራሻት ወይ ስታድዩማት ስፖርት ዝኣመሰለ ንዓበይቲ ኣኼባታትና እንካረዮ መአከቢ ቦታታት: ነቲ ቕዱስ ኣኼባታትና ኣብ እንጥቀመሉ እዋን ከም ቦታታት ኣምልኾ እዩ ዚቝጸር። እዚ ኣምልኾ እነቕርበሉ ኣጋጣሚታት: ዓብዪ ይኹን ንእሽቶ ብዘየገድስ: ኣኽብሮት ዚግብኦ እዩ: እዚ ድማ ኣብ ኣረኣእያናን ጠባይናን ኪንጸባረቕ ኣለዎ።

ንኣኼባታትና ኣኽብሮት እነርእየሉ መገድታት

7. ንኣኼባታትና ኣኽብሮት ከም ዘሎና ብምንታይ ጭቡጥ መገዲ ኸነርኢ ንኽእል፧

7 ንኣኼባታትና ኣኽብሮት እነርእየሉ ጭቡጥ መገድታት ኣሎ። ሓደ መገዲ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ኪዝመር ከሎ ኣብኡ ብምክፋል እዩ። መብዛሕትኡ እዚ መዝሙራት ከም ጸሎት ዝኣመሰለ ቓላት ስለ ዘለዎ: ብኣኽብሮት እዩ ኺዝመር ዘለዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ መዝሙር 22 ብምጥቃስ ብዛዕባ የሱስ “ስምካ ነሕዋተይ ክነግሮም: ኣብ ማእከል ማሕበርውን ክዝምረልካ እየ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 2:12) ስለዚ: እቲ ኣቦ መንበር ዚዝመር መዝሙር ቅድሚ ምንጋሩ ኣብ በቦታና ኾፍ ክንብልን ኣብ ትርጕም እቲ ቓላት እናኣተኰርና ኽንዝምርን ቈራጽነት ክንገብር ኣሎና። መዝሙርና ስምዒት እቲ “ንእግዚኣብሄር ብምኽሪ ቕኑዓትን ማሕበርን ብምሉእ ልበይ ኤመስግኖ አሎኹ” ዝበለ ጸሓፍ መዝሙር ዜንጸባርቕ ይኹን። (መዝሙር 111:1) እወ: ንየሆዋ መዝሙር ውዳሰ ምዝማር: ኣብ ኣኼባታትና ብኣጋኡ ንኽንመጽእን ክሳዕ ዚዛዘም ንኽንጸንሕን ዚድርኸና ሓደ ጽቡቕ ምኽንያት እዩ።

8. እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነት እዩ ነቲ ኣብ ኣኼባታት ዚቐርብ ጸሎት ብኣኽብሮት ኣቓልቦ ኽንገብረሉ ኸም ዚግባእ ዚሕብረና፧

8 ንመንፈሳውነት ኵሉ ኣኼባታትና ዜዕዝዞ ኻልእ መዳይ: እቲ ኣብ ክንዲ እቶም እተኣከቡ ዚቐርብ ልባዊ ጸሎት እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት ተኣኪቦም ብጸሎት ‘ብሓንሳእ ሓቢሮም ድምጾም ናብ ኣምላኽ ኣልዓሉ።’ ውጽኢቱ ኸኣ: መስጐጕቲ እናወረዶም ክነሶም “ቃል ኣምላኽ . . . ብትብዓት ተዛረቡ።” (ግብሪ ሃዋርያት 4:24-31) ኪጽልዩ ኸለዉ ገለ ኻባታቶም ኣእምሮኦም ኣብ ካልእ ኣስጊሉዶ ይኸውን፧ ኣይፋልን: “ብሓንሳእ ሐቢሮም” እዮም ጸልዮም። ኣብ ኣኼባታትና ዚጽለ ጸሎት: ነቲ ስምዒታት ኵሎም እቶም ተኣከብቲ ዜንጸባርቕ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ብኣኽብሮት ኣቓልቦ ኽንገብር ይግብኣና።

9. ንቕዱስ ኣኼባታትና ዘሎና ኣኽብሮት ብኣከዳድናናን ብጠባይናን ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

9 ብተወሳኺ: ብኣከዳድናና ንቕድስና ኣኼባታትና ኽሳዕ ክንደይ ኣዕሚቝና ኸም እነኽብሮ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ኣከዳድናናን ኣመሻሽጣናን ንኽብረት እቲ ኣኼባታትና ብዙሕ ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ መኸረ:- “ሰብኡት ብዘይ ኵራን ውልውልን ቅዱሳት ኣእዳው ኣልዒሎም: ኣብ ኵሉ ስፍራ ኺጽልዩ: እደሊ አሎኹ። ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ: ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍሰንን: ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ: ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ: እደሊ አሎኹ።” (1 ጢሞቴዎስ 2:8-10) ኣብ ናሕሲ ዘይብሉ ስታድዩማት ኣብ ዚግበር ዓበይቲ ኣኼባታት ክንእከብ ከለና: ኣከዳድናና ምስቲ ዅነታት ኣየር ዚሰማማዕ ግን ከኣ ምዕሩግ ኪኸውን ኣለዎ። ብተወሳኺ: ነቲ ኣጋጣሚ ኣኽብሮት ስለ ዘሎና: ምግቢ ኣይንበልዕን ወይ ማስቲካ ኣይንሕይኽን ኢና። ኣብ ኣኼባታትና እንኽደኖ ግቡእ ክዳውንትን እነርእዮ ጠባይን ንየሆዋ ኣምላኽ: ንኣምልኾኡ: ከምኡውን ነቶም ብጾትና ዝዀኑ ኣምለኽቲ የኽብር እዩ።

ንቤት የሆዋ ዚበቅዕ ኣካይዳ

10. ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ልዑል መለክዒታት ኣካይዳ ኸም ዜድሊ ብኸመይ እዩ ዘርኣየ፧

10 ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 14: ሃዋርያ ጳውሎስ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብኸመይ ኪካየድ ከም ዚግባእ ጥበባዊ ምኽሪ ሃበ። “ኵሉ ደኣ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን” ኢሉ ድማ ዛዘመ። (1 ቈረንቶስ 14:40) ኣኼባታትና ኣገዳሲ ኽፋል እቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ እትገብሮ ንጥፈታት እዩ: ኣብኡ ድማ ንቤት የሆዋ ዚበቅዕ ኣካይዳ ኺህሉ እዩ ትጽቢት ዚግበረሉ።

11, 12. (ሀ) ኣብ ኣእምሮ እቶም ኣብ ኣኼባታት ዚእከቡ ቘልዑ እንታይ ኪቕረጽ ኣለዎ፧ (ለ) ቈልዑ ኣብ ኣኼባታት እምነቶም ብኸመይ ኪገልጹ ይኽእሉ፧

11 ምናዳ ቘልዑ ኣብ ኣኼባታትና ብኸመይ ኣደብ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ኪመሃሩ ኣለዎም። ክርስትያን ወለዲ ንደቆም: ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን መጽናዕቲ መጽሓፍ ጉባኤ ዚግበረሉ ቦታታትን መጻወቲ ቦታታት ከም ዘይኰነ ኺገልጹሎም ኣለዎም። ንየሆዋ እነምልኸሉን ቃሉ እነጽንዓሉን ቦታታት እዩ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ናብ ቤት ኣምላኽ ክትከይድ ከሎኻ እግርኻ ሐሉ። . . . ኽትሰምዕ ምቕራብ ደኣ ይሐይሽ” ኢሉ ጸሓፈ። (መክብብ 5:1) ሙሴ ንእስራኤላውያን ዓበይትን “ቈልዑን” ብሓባር ኪእከቡ መሃሮም። ከምዚ ድማ በለ:- “ምእንቲ ኺሰምዑን ኪመሀሩን እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፈርህዎ: ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ ድማ ንምግባሩ ኺጥንቀቑ: እቶም ዘይፈልጡ ደቆም ድማ ኪሰምዑን ኪመሀሩን . . . አክቦም።”—ዘዳግም 31:12, 13

12 ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ: ውሉዳት ምስ ወለዶም ኣብ ኣኼባታትና ዚእከቡሉ ቐንዲ ምኽንያት ምእንቲ ኺሰምዑን ኪመሃሩን እዩ። ነቲ መሰረታዊ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪከታተሉን ኪርድኡን ምስ ከኣሉ: ሓጺር ሓሳባት ብምሃብ እምነቶም ኣብ ቅድሚ ሰባት ‘ኪእመኑ’ ይኽእሉ እዮም። (ሮሜ 10:10) ሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ነቲ እተረድኦ ሕቶ ሒደት ቃላት ገይሩ ብምምላስ ኪጅምር ይኽእል እዩ። ፈለማ: ነቲ መልሲ የንብቦ ይኸውን: ጸኒሑ ግን ብናቱ ቓላት ገይሩ ኺገልጾ ይፍትን ይኸውን። እዚ ነቲ ቘልዓ ጠቓምን ባህ ዜብልን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ እምነት ከኣ ንኣልባብ እቶም ዓበይቲ ተኣከብቲ እውን የሐጕስ እዩ። ወለዲ ሓሳባት ብምሃብ ኣብነት ኪዀኑ ኣለዎም። ዚከኣል እንተ ዀይኑ: ነቶም ቈልዑ ናይ ርእሶም መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ መዝሙር: ከምኡውን ቅዳሕ እቲ ዚጽናዕ ጽሑፍ ምሃብ ሰናይ እዩ። ቈልዑ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጽሑፋት ግቡእ ኣኽብሮት ኬርእዩ ኸም ዘለዎም ኪመሃሩ ኣለዎም። እዚ ዅሉ ኸኣ ኣኼባታትና ቕዱስ ከም ዝዀነ ኣብ ኣእምሮ እቶም ቈልዑ ይቐርጽ።

13. እቶም ኣብ ኣኼባታትና ንመጀመርታ ግዜ ዚእከቡ እንታይ ጦብላሕታ ንኺሓድሮም ኢና እንምነ፧

13 ልክዕ እዩ: ኣኼባታትና ኸምቲ ኣብ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያን ዚግበር ነገራት ኪመስል ኣይንደልን ኢና። ኣብቲ ኣብያተ-ክርስትያን ዚርአ ኣገባብ ህያው ዘይኰነን ምምጽዳቕ ዚረኣየሉን ወይ ከኣ ከም ሙዚቃዊ ምርኢት ዋዕዋዕ ዚበዝሖን እዩ። ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታት ህያውን ማራኽን ኪኸውን ኢና እንደልዮ: ግን ከኣ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ይግበር ከም ዘሎ ኽሳዕ ዚመስል ኪኸውን የብሉን። ንየሆዋ ንኸነምልኽ ኢና እንእከብ: ስለዚ ኣኼባታት ወትሩ ምዕሩግ ኪኸውን ኣለዎ። እቶም ንመጀመርታ ግዜ ዚእከቡ ነቲ ዚቐርብ ትምህርቲ ድሕሪ ምስማዖምን ንሕናን ደቅናን እንገብሮ ኣደብ ድሕሪ ምዕዛቦምን: ‘ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ኣሎ’ ኺብሉ እዩ ትምኒትና።—1 ቈረንቶስ 14:25

ነባሪ መዳይ ኣምልኾና

14, 15. (ሀ) ‘ንቤት ኣምላኽና ኸይንሓድግ’ ክንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ኢሳይያስ 66:23 ዛጊት እትፍጸም ዘላ ብኸመይ እያ፧

14 ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ: የሆዋ ንህዝቡ ይእክቦም ከምኡውን ኣብታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደሱ ዝዀነት ‘ቤት ጸሎቱ’ የሐጕሶም ኣሎ። (ኢሳይያስ 56:7) ነህምያ ዚበሃል እሙን ሰብኣይ ነቶም ብጾቱ ኣይሁድ ነታ ኣብ ምድሪ ዝነበረት ቤተ መቕደስ ብገንዘብ ብምድጋፍ ግቡእ ኣኽብሮት ኬርእዩ ኣዘኻኸሮም። “ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንሕደግ” ድማ በሎም። (ነህምያ 10:39) ንሕና እውን ነቲ የሆዋ ኣብ ውሽጢ ‘ቤት ጸሎቱ’ ዄንና ንኸነምልኾ ዝገበረልና ጻውዒት ዕሽሽ ክንብሎ የብልናን።

15 ኢሳይያስ ኣብቲ ንኸነምልኽ ሓቢርና እንገብሮ ኣኼባ ስሩዓት ክንከውን ከም ዜድሊ ኺሕብር ከሎ: “ኪኸውን ድማ እዩ: ካብ ሰርቂ ወርሒ ኽሳዕ ሰርቂ ወርሒ: ካብ ሰንበት ከኣ ክሳዕ ሰንበት: ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣብ ቅድመይ ኪሰግድ ኪመጽእ እዩ: ይብል እግዚኣብሄር” ኢሉ ተነበየ። (ኢሳይያስ 66:23) እዚ ሎሚ ይፍጸም ኣሎ። ርእሶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ንየሆዋ ንኼምልኹ ኣብ ሰሰሙንን ኣብ ወወርሕን ብስሩዕ ይእከቡ ኣለዉ። ነዚ ኻብ ዚገብሩሉ መገድታት ገለ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብን ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምጽማድን ኪጥቀስ ይከኣል። ንስኻኸ ሓደ ኻብቶም ብስሩዕ ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺሰግዱ ዚመጹ’ ዲኻ፧

16. ሕጂ ኣብ ኣኼባታት ብስሩዕ ምእካብ ነባሪ መዳይ ህይወትና ኪኸውን ዘለዎ ብኸመይ እዩ፧

16 ኢሳይያስ 66:23 ኣብታ የሆዋ መብጽዓ ዝገበረላ ሓዳስ ዓለም ምሉእ ብምሉእ ክትፍጸም እያ። ኣብቲ ግዜ እቲ ቓል ብቓሉ “ስጋ ዝለበሰ ዅሉ” ኣብ ሰሰሙንን ኣብ ወወርሕን ንዘለኣለም ኣለም ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺሰግድ’ ወይ ኬምልኽ ኪመጽእ እዩ። ንየሆዋ ንምምላኽ ዚግበር ኣኼባታት ነባሪ መዳይ እቲ ኣብቲ ሓድሽ ስርዓት ዚህሉ መንፈሳዊ ህይወትና ስለ ዚኸውን: ሕጂ ኣብቲ ነባሪ መዳይ ህይወትና ዝዀነ ቕዱስ ኣኼባታት ብስሩዕ ክንእከብዶ ኣይግብኣናን፧

17. ‘እታ መዓልቲ ትቐርብ ከም ዘላ ብምርኣይ’ ኣኼባታትና “ብዝበለጸ” ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

17 መወዳእታ እናቐረበ ኪኸይድ ከሎ: ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ንኣምልኾ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምእካብ ቈራጽነት ኪህልወና ኣለዎ። ንቕድስና ኣኼባታትና ኣኽብሮት ስለ ዘሎና: ዓለማዊ ስራሕ: ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚወሃበና ዕዮ ቤት: ወይ ምሸታዊ ትምህርቲ: ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኻብ እንገብሮ ስሩዕ ኣኼባታት ከም እንበኵር ኪገብረና ኸነፍቅድ የብልናን። ብሓባር ብምእካብ ዚርከብ ብርታዐ የድልየና እዩ። ኣኼባታት ጉባኤና ንሓድሕድና ንኽንፋለጥ: ንኽንተባባዕ: ከምኡውን “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን” ንኽንነቓቓሕ ኣጋጣሚ ይህበና እዩ። ‘እታ መዓልቲ ትቐርብ ከም ዘላ ብምርኣይ:’ ነዚ “ብዝበለጸ” (ትርጕም 1990) ኽንገብሮ ኣሎና። (እብራውያን 10:24, 25) እምበኣር: ብስሩዕ ብምእካብ: ግቡእ ክዳውንቲ ብምኽዳን: ከምኡውን ኣደብ ብምግባር ነቲ ቕዱስ ኣኼባታትና ወትሩ ግቡእ ኣኽብሮት ነርኢ። ከምዚ ምስ እንገብር: ብዛዕባ ቕዱስ ነገራት ኣረኣእያ የሆዋ ኸም ዘሎና ነርኢ ኢና።

ድግማ

• ህዝቢ የሆዋ ዚገብርዎ ኣኼባታት ቅዱስ ከም ዝዀነ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

• እንታይ መዳይ ኣኼባታትና እዩ ቕዱስ ምዃኑ ዜረጋግጸልና፧

• ቈልዑ ንቕድስና እቲ ኣኼባታትና ኸም ዜኽብሩ ኼርእዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

• ብስሩዕ ኣብ ኣኼባታት ምእካብ ነባሪ መዳይ ህይወትና ኽንገብሮ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ንየሆዋ ንምምላኽ ዚግበር ኣኼባታት ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ይገበር ብዘየገድስ ቅዱስ እዩ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ደቅና ምእንቲ ኺሰምዑን ኪመሃሩን እዮም ኣብ ኣኼባታት ዚእከቡ