ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ንምውዳስ ብሓድነት ምህናጽ

ንኣምላኽ ንምውዳስ ብሓድነት ምህናጽ

ንኣምላኽ ንምውዳስ ብሓድነት ምህናጽ

ኣብ ሓንቲ ኻብተን ደሴታት ሰሎሞን ዚነብሩ ሰባት: ነቲ ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር የስተብህሉሉ እዮም። ሓንቲ ሰበይቲ “ኣብ ቤተ ክርስትያንና ገንዘብ ንምእካብ ብዙሕ ጻዕሪ እዩ ዚግበር። ነቶም ኣባላት ገንዘብ ንኺህቡ ንሓቶም እኳ እንተ ዀንና: ንመስርሒ ሓድሽ ቤተ ክርስትያን ዚኸውን እኹል ገንዘብ ግን የብልናን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካበይ እዮም ገንዘብ ዚረኽቡ፧” ብምባል ተዛረበት። እታ እተዘራርባ ዝነበረት ሓብቲ ድማ ከምዚ ብምባል መለሰትላ:- “ንየሆዋ ኸም ዓለምለኻዊ ስድራቤት ኴንና ኢና እነገልግሎ። ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ ጉባኤታትና ኸምኡውን ኣሕዋትና ንሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚኸውን ነገራት ይውፍዩ። የሆዋ ብዅሉ ነገራት ሓድነት ንኺህልወና እዩ ምሂሩና።”

ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ነገራት: እንተላይ ብኣሽሓት ዚቝጸር ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምህናጽ ሓድነት ከም ዘለዎም ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። እዚ ህንጸት እዚ ኺካየድ ከሎ ዚርአ ሓድነት: ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። ንኣሽሓት ዓመታት ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዚርአ ዝነበረ እዩ። ብኸመይ፧

ነቲ ማሕደርን ነቲ ቤተ መቕደስን ምህናጽ

የሆዋ ቕድሚ 3,500 ዓመት: ንእስራኤላውያን ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ እዩ “መቕደስ ይግበሩለይ” ኢሉ ንሙሴ ነጊርዎ። (ዘጸኣት 25:8) ንንድፊ እቲ ፕሮጀክት ህንጸት ብዚምልከት ድማ: “ከምቲ ዅሉ ኣነ ዘርእየካ ምስሊ እቲ ማሕደርን ምስሊ ዅሉ ኣቓሑኡን: ከምኡ ግበርዎ” በለ። (ዘጸኣት 25:9) ብድሕርዚ: ንቕርጽን ኣቕሑን መሳርሕን እቲ ማሕደር ዜርኢ ዝርዝራዊ ንድፊ ሃቦ። (ዘጸኣት 25:10–27:19) እዚ “ማሕደር” ወይ ድንኳን እዚ ንእስራኤላውያን ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ እዩ ነይሩ።

ኣብዚ ህንጸት እዚ ኽንደይ ዝዀኑ ሰባት ከም እተኻፈሉ እንፈልጦ ነገር የለን: ኵሎም እስራኤላውያን ሓገዞም ንኼበርክቱ ግን ጻውዒት ቀሪቡ ነበረ። ሙሴ “ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ህያብ ውሰዱ። ነፍሲ ወከፍ ፍታው ልቢ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር ህያብ የምጽእ” በሎም። (ዘጸኣት 35:4-9) እስራኤላውያን ነዚ ብኸመይ ምላሽ ሃቡሉ፧ ዘጸኣት 36:3 “ንሳቶም ከኣ ነቲ ደቂ እስራኤል ንዕዮ ኣገልግሎት መቕደስ ኢሎም ዘምጽእዎ ዅሉ ህያብ ኪዐዩሉ ኻብ ሙሴ ተቐበሉ። ደቂ እስራኤል እቲ ናይ ፍታው ህያቦም ግና ንግሆ ንግሆ የምጽኡ ነበሩ” ትብል።

ብዙሕ ከይጸንሐ እቲ ዚውፈ ዝነበረ ኣቕሓ ኣዝዩ ብዙሕ ኰነ: እቲ ህዝቢ ድማ ምምጻኡ ኣየቋረጸን። እቶም ነቲ ዕዮ ዚዓይዎ ዝነበሩ ሰብ ሞያ ኣብ መወዳእታ ንሙሴ “እዚ ህዝቢ ነቲ እግዚኣብሄር ኪግበር ዝአዘዞ ዕዮ ንምዕያይ ሓለፋ እቲ ዜድሊ የምጽእ አሎ” በልዎ። ብድሕሪኡ ሙሴ ነቶም ህዝቢ “ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ ንመቕደስ ኪህብ ኢሉ ደጊም ኣይዕየ” በሎም። ናይቲ ዝወፈይዎ ውጽኢትከ እንታይ ነበረ፧ “እቲ መተዓየዪ ንዅሉ ዚዕየ ዕዮ ዚአክል ነበረ: ተረፈ እኳ።”—ዘጸኣት 36:4-7

ሳላ እቲ እስራኤላውያን ዘርኣይዎ ልግሲ: እቲ ማሕደር ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ተዛዘመ። (ዘጸኣት 19:1፣ 40:1, 2) ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብምድጋፍ ንየሆዋ ኣኽበርዎ። (ምሳሌ 3:9) ቀጺሉ እውን ካብዚ ዚዓቢ ፕሮጀክት ህንጸት ኪሰርሑ ትጽቢት ነበሮም። ኣብዚ ህንጸት እዚ ድማ ኵሎም እቶም ኪካፈሉ ዚደልዩ: ማለት ክእለት ህንጸት ዘለዎም ይኹኑ ዘይብሎም ኪካፈሉ ይኽእሉ ነበሩ።

እቲ ማሕደር ካብ ዚህነጽ ድሕሪ ሓሙሽተ ዘመን: እስራኤላውያን ኣብ የሩሳሌም ቤተ መቕደስ ኪሃንጹ ጀመሩ። (1 ነገስት 6:1) እዛ ሕጂ እትህነጽ ቤተ መቕደስ ግን ውቅብቲ ኸምኡውን ኣብ እምንን ዕንጨይትን እተመስረተ ነባሪ መሰረት ዘለዋ እያ። (1 ነገስት 5:17, 18) የሆዋ “ብመንፈስ” ኣቢሉ ንዳዊት ነቲ ምስሊ ወይ ንድፊ እታ ቤተ መቕደስ ሃቦ። (1 ዜና መዋእል 28:11-19) ንህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ንኺመርሖ ግን ነቲ ወዲ ዳዊት ዝዀነ ሰሎሞን መረጾ። (1 ዜና መዋእል 22:6-10) ዳዊት ነዚ ፕሮጀክት ህንጸት እዚ ልባዊ ሓገዝ ገበረሉ። ኣእማን: ዕንጨይቲ: ከምኡውን ካልኦት ኣቕሓታት ኣከበ: ብዙሕ ዝቝጽሩ ወርቅን ብሩርን ድማ ሃበ። ንእስራኤላውያን ድማ “ሎሚ ኢዱ ብፍታው መሊኡ ንእግዚኣብሄር ዚህብ መን አሎ፧” ኢሉ ብምሕታት ለጋሳት ንኪዀኑ ኣተባብዖም። እቶም ህዝቢ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧—1 ዜና መዋእል 29:1-5

ሰሎሞን ነታ ቤተ መቕደስ ምህናጽ ኪጅምር ከሎ: ብኣሽሓት ቶን ዚምዘን ወርቅን ብሩርን ነበሮ። እዚ ተባሂሉ ኺምዘን ዘይከኣል ኣስራዝን ሓጺንን እውን ነበሮ። (1 ዜና መዋእል 22:14-16) ሳላ ደገፍ የሆዋን ሓገዝ እስራኤላውያንን: እቲ ፕሮጀክት ህንጸት ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመትን መንፈቕን ተዛዘመ።—1 ነገስት 6:1, 37, 38

“ቤት ኣምላኽ”

እቲ ማሕደርን እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስን “ቤት ኣምላኽ” ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ ነይሩ። (መሳፍንቲ 18:31፣ 2 ዜና መዋእል 24:7) የሆዋ ፈጺሙ መጽለሊ ዝዀኖ ቤት ኣይደልን እዩ። (ኢሳይያስ 66:1) እዚ ህንጻ እዚ ኸም ዚህነጽ ዝገበረ ንሰባት ኪብል እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ እዩ ሰሎሞን ኣብ ጽምብል እታ ቤተ መቕደስ: “ብሓቂዶ ኣምላኽሲ ኣብ ምድሪ ይነብር እዩ፧ እንሆ: ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ኪሕዙኻ ኣይክእሉን: እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤት ደኣ ግዳ ኽንደይ ዘይትንእስ፧” ብምባል ዝሓተተ።—1 ነገስት 8:27

የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ “ቤተይሲ ንዅሎም ህዝብታት ቤት ጸሎት ኪስመ እዩ” በለ። (ኢሳይያስ 56:7) እቲ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዚግበር ዝነበረ ጸሎት: ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ: ከምኡውን ጽንብል እቶም ህዝቢ ኣምላኽ: ኣይሁድ ይኹኑ ኣህዛብ: ናብቲ ናይ ሓቂ ዝዀነ ኣምላኽ ከም ዚቐርቡ ዚገብር እዩ ነይሩ። ኣብ ቤቱ ብምምላኽ ድማ ምስ የሆዋ ዕርክነት ይምስርቱን ዕቝባኡ ይረኽቡን ነበሩ። እቲ ሰሎሞን ኣብ ወፈያ እታ ቤተ መቕደስ ዘቕረቦ ጸሎት ነዚ ሓቂ እዚ ዜርኢ እዩ ነይሩ። ነቲ ልቢ ዚትንክፍ ናብ ኣምላኽ ዘቕረቦ ጸሎቱ ኣብ 1 ነገስት 8:22-53 ከምኡውን ኣብ 2 ዜና መዋእል 6:12-42 ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

እታ ጥንታዊት ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ: ነዊሕ ይገብር ጠፍአት: ቃል ኣምላኽ ግን ኵሎም ኣህዛብ ንየሆዋ ንኼምልኹ ኣብ ዝሰፍሐ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ ብዛዕባ ዚእከቡሉ ግዜ ይሕብር። (ኢሳይያስ 2:2) እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚግበር ዝነበረ መስዋእትታት እንስሳ ጽላሎት እቲ ፍጹም መስዋእቲ ወዲ ኣምላኽ ነበረ: እዚ ድማ ናብ የሆዋ እንቐርበሉ መገዲ እዩ። (ዮሃንስ 14:6፣ እብራውያን 7:27፣ 9:12) ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዚ ብሉጽ መገዲ እዚ ገይሮም ንኣምላኽ የምልኹ ኣለዉ: ካልኦት ሰባት ከምዚ ንኺገብሩ ድማ ይሕግዝዎም እዮም።

ዘመናዊ ፕሮጀክት ህንጸት

ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ የምልኹ እዮም። ነቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ “ብርቱዕ ህዝቢ” ድማ እዮም ዜቝሙ። (ኢሳይያስ 60:22) እቲ ቐንዲ መአከቢ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይበሃል። a ብኣሽሓት ዚቝጸር ኣዳራሻት ይጥቀሙሉ ኣለዉ: ካልእ ብኣሽሓት ዚቝጸር ድማ ገና የድሊ ኣሎ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ እዚ ንምህናጽ ‘ፈትዮም ይመጹ።’ (መዝሙር 110:3) መብዛሕትኡ ግዜ ግን እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክእለት ህንጸት የብሎምን: ኣብ ገሊኡ ወሰኽ ዜርኢ ቦታታት ድማ ኣዝዩ ኽቱር ድኽነት ኣሎ። ብ1999 ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነዚ ዕንቅፋት እዚ ንምስጋር ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምህናጽ ዚኸውን መደብ ኣውጽአ። ብመሰረት እዚ መደብ እዚ: እቶም ክኢላታት ሃነጽቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ርሑቕ ቦታታት ብምጕዓዝ ንኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ከመይ ጌርካ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚህነጽ ምሂሮምዎም እዮም። እዞም ዝሰልጠኑ ዓየይቲ ድማ ነቲ ኣብቲ ቦታ ዚግበር ህንጸት ቀጸልዎ። ናይዚ እተገብረ ፍሉይ ጻዕሪ እዚ ውጽኢት እንታይ ኰነ፧

ኣብ ለካቲት 2006 ኣብተን ዓቕመን ድሩት ዝዀነ ሃገራት ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልዕሊ 13,000 ዚኸውን ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪህነጽ ከሎ ርእዮም እዮም። ነቲ ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚጥቀሙሉ ዘለዉ ዝበልዎ ርአ።

“ሓንቲ ጉባኤ ብገምጋም 160 ተኣከብቲ ነበርዋ። እቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ተሃንጸ ኣብ እተገብረ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ግን እቲ ቝጽሪ ተኣከብቲ ናብ 200 ደየበ። ሕጂ: ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ: ቍጽሪ ተኣከብቲ 230 ኰይኑ ኣሎ። የሆዋ ንህንጸት እዚ ማእከላይ ግን ከኣ ዓብዪ ጥቕሚ ዘለዎ ኣዳራሽ ከም ዝባረኾ ብጋህዲ ተራእዩ እዩ።”—ኣብ ኤኳዶር ዚነብር ሓላው ወረዳ

“ንብዙሕ ዓመታት: ሰባት ‘ከምቲ ኣብ ጽሑፋትኩም እንርእዮ ዓይነት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ ኢኹም እትሃንጹ፧’ ብምባል ይሓቱና ነበሩ። ሳላ የሆዋ ኣብ መወዳእታ ምዕሩግ ቦታ ኣምልኾ ረኸብና። ኣኼባታትና ኣብ ገዛ ሓደ ሓው ኣብ ዚርከብ መኽዘን ኢና እንገብር ኔርና: ቍጽሪ ተኣከብቲ ድማ 30 ነበረ። ኣብቲ ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንመጀመርታ እዋን ኣኼባ ኣብ ዝገበርናሉ እዋን ግን 110 ዝዀኑ ሰባት ተኣከቡ።—ኣብ ኡጋንዳ እትርከብ ጉባኤ

“ክልተ ስሩዓት ፈለምቲ: ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚህነጽ ኣትሒዙ ኣብቲ ኽሊ ምዕያይ ዝያዳ ዜሐጕስ ኰይኑ ኸም ዝረኸባኦ ጸብጸባ። ሰባት ካብ ቤት ናብ ቤት ይኹን ብዘይወግዓዊ መገዲ ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ንምስማዕ ፍቓደኛታት እዮም። ሕጂ እዘን ኣሓት እዚኣተን 17 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሓ ኣለዋ: ካብተን ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ መብዛሕትአን ድማ ኣብ ኣኼባ ይካፈላ ኣለዋ።”—ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ደሴታት ሰሎሞን

“ኣብ ጥቓ ሓንቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚነብር ሓደ ቐሺ: እዚ ሓድሽ ኣዳራሽ እዚ ነቲ ኸባቢ ኽብሪ ኸም ዝወሰኸሉ ኸምኡውን እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ሰባት ብእኡ ኸም ዚዀርዑ ተዛረበ። ብዙሓት ብእኡ ዝሓልፉ ሰባት ብዛዕባ ጽባቔኡ እዮም ዚዛረቡ። እዚ ድማ ነቶም ኣሕዋት ምስክርነት ንምሃብ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ሕውነትና ኺፈልጡ ደለዩ። ቅድሚ ሕጂ ንዓመታት ዚኸውን ኣብ ኣኼባታት ተኻፊሎም ዘይፈልጡ ሰባት: ሕጂ ግን ወትሩ ንኺመጹ ተደሪኾም እዮም።”—ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሚያንማር

“ሓንቲ ሓብቲ ንሓደ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብኣይ ናብቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚግበር ዝነበረ ህንጸት ወሰደቶ። እቲ ሰብኣይ ከምዚ ብምባል ተዛረበ:- ‘እቶም ሰራሕተኛታት ኣየእትውንን እዮም ኢለ ሓሲበ ነይረ። እቲ ዜገርም ግን እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሕያውነት ሰላም በሉኒ። ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ ድማ ግዜ ኸየጥፍኡ ብትግሃት እዮም ዚሰርሑ። ኣብ ንሓድሕዶም ስኒትን ጽቡቕ መንፈስን ነበረ።’ እቲ ሰብኣይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ተሰማምዐ: ኣብ ኣኼባታት ኪእከብ ድማ ጀመረ። ድሕሪኡ: ‘ኣተሓሳስባይ ተቐይሩ እዩ። ንኣምላኽ ሕጂ ስለ ዝረኸብክዎ: ፈጺመ ኣይክሓድጎን እየ’ ድማ በለ።”—ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኮሎምቢያ

እንገብሮ ሓገዝ ኣገዳሲ እዩ

ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ምህናጽ ኣገዳሲ ኽፋል እቲ እንገብሮ ቕዱስ ኣገልግሎት እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ዕዮ እዚ ብገንዘብ ይኹን ብኻልእ መዳይ ዝሓገዙሉ መገዲ ብሓቂ ዚነኣድ እዩ። ካልእ መዳያት እቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ኣገዳሲ ምዃኑ ግን ክንርስዕ የብልናን። ሓድሓደ ግዜ: ክርስትያናት ግዳያት ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታት ስለ ዝዀኑ: ሓገዝና የድልዮም እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረቱ ጽሑፋት ምሕታም ነቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ኣብ ምሕጋዝ ዓብዪ ተራ ኣለዎ። መብዛሕትና እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መጽሔታትን መጻሕፍትን እዚ ኣብ ኢድ እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ኪኣቱ ኸሎ ዘለዎ ሓይሊ ርኢና ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ ግን ንሚስዮናውያን ከምኡውን ነቶም ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ሰባት ምሕጋዝ ኣድላዪ እዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ክርስትያናት: ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንዕዮ ስብከት ኣብ ምስፋሕ ዓብዪ ተራ እዩ ዘለዎም።

እቶም ንህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ውጽኢት ዝገበሩ ሰባት ኣዝዮም ተሓጐሱ። (1 ዜና መዋእል 29:9) ኣብዚ እዋን እዚ እውን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድጋፍ እንገብሮ ውጽኢት ተመሳሳሊ ሓጐስ የምጽኣልና እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚርከብ ሳጹን ንማዕከን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከምኡውን ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ኢልና ውጽኢት ክንገብር ከለና ነዚ ሓጐስ እዚ ነስተማቕሮ ኢና: በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ምስ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ካልእ ፕሮጀክትታት ንሕግዝ ኣለና ማለት እዩ። ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዜደንቕ መገዲ በቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ሓቢሮም ኣለዉ። እምበኣር: ኵላትና በቲ ነዚ ኣምልኾ እዚ ብምድጋፍ ዚመጽእ ሓጐስ ንፈሳህ!

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ “ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ” እትብል ቃል ካበይ ከም ዝመጸት ንምፍላጥ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 319 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 20, 21 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ገሊኣቶም ወፈያ ዚህቡሉ መገድታት

ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዚኸውን ውጽኢት

ብዙሓት ኣብቲ “ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዚኸውን ውጽኢት—ማቴዎስ 24:14” ዚብል እተጻሕፎ ሳጹናት ውጽኢት ዜእትውዎ እተወሰነ ገንዘብ ይፈልዩ ወይ ይምድቡ።

ጉባኤታት ነዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናብቲ ነታ ሃገር ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይልእካኦ። ብወለንታ ዚግበር ናይ ገንዘብ ወፈያታት: ብቐጥታ Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania, Attention Treasurer’s Office, 25 Columbia Heights, Brooklyn, New York 11201-2483 ኢልካ ኺልኣኽ ወይ ከኣ በቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣቢሉ ኺስደድ ይከኣል እዩ። እቲ ናብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣድራሻ ዚለኣኽ ወፈያ ብቸክ እንተ ዀይኑ ን“Watch Tower” ዚኽፈል ምዃኑ ኺጥቀስ ኣለዎ። ስልማት ወይ ካልእ ክቡር ነገራት እውን ምውፋይ ይከኣል እዩ። ከምዚ ዝበለ ህያብ ብዘይ ገለ ገደብ እተዋህበ ምዃኑ ዚነግር ሓጺር ደብዳበ ምስቲ ውጽኢት ኪለኣኽ ኣለዎ።

ኪምለስ ዚኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ

ገንዘብ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብሕድሪ ምስ ግምቢ ዘብዐኛ ኪቕመጥ ይከኣል እዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ዝሃበ ሰብ ነቲ ገንዘብ ምስ ዚደልዮ ይምለሰሉ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ በጃኻ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣድራሻ ተጠቒምካ ናብ ቤት ጽሕፈት ተሓዝ ገንዘብ ጽሓፍ።

ብመደብ ዚግበር ልግሲ

ብጀካ እቲ ብዘይ ገለ ገደብ ዚግበር ናይ ገንዘብ ህያብ: ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚካየድ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንምሕጋዝ ካልእ ናይ ምሃብ መገድታት እውን ኣሎ። ነዚ ዚስዕብ ድማ ዜጠቓልል እዩ:-

መድሕን:- ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ህይወት መድሕን ፖሊሲ ወይ ናይ ጡረታ/እስትሕጋግ ክፍሊት ተጠቃሚት ከም ዝዀነት ጌርካ ስም ኪመሓላለፈላ ይከኣል እዩ።

ናይ ባንክ ሕሳብ:- ናይ ባንክ ሕሳብ: ናይ ቅሙጥ ሕሳብ ምስክር ወረቐት: ወይ ናይ ውልቀ-ሰብ ናይ ጡረታ ሕሳብ ብመሰረት እቲ ናይ ከባቢ ባንክ ዚፈቕዶ ንግምቢ ዘብዐኛ ብሓደራ ኺወሃብ ወይ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚት ምዃና ኺግለጽ ይከኣል እዩ።

ኣክሲዮንን ቦንድን:- ኣክሲዮንን ቦንድን ብዘይ ገለ ገደብ ዚወሃብ ህያብ ኰይኑ ንግምቢ ዘብዐኛ ኺውፈ ይከኣል እዩ።

ዘይንቀሳቐስ ንብረት:- ኪሽየጥ ዚኽእል ዘይንቀሳቐስ ንብረት: ብዘይ ገለ ገደብ ዚወሃብ ህያብ ወይ እቲ ንብረት መንበሪ እንተ ዀይኑ እቲ ለጋሲ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ኪዀነሉ ዚኽእል መደብ ብምግባር ኪውፈ ይከኣል እዩ። ዘይንቀሳቐስ ንብረት ከም ዝወፈኻዮ ዚገልጽ ሰነድ ቅድሚ ምፍራምካ: ምስቲ ንዓድኻ ዜካይድ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተላዘብ።

ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ:- ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ ኺበሃል ከሎ ሓደ ሰብ ገንዘብ ወይ ሰነድ ዋንነት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ትካል ዚህበሉ ምድላው እዩ። እቲ ወሃቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሰብ ድማ ኣብ ምሉእ ህይወቱ እተወሰነ ዓመታዊ ኽፍሊት ይወሃቦ። ኣብቲ እቲ ወፈያ እተገብረሉ ዓመት መጠን እቲ ዚስላዕ ግብሪ ይንኪ እዩ።

ለበዋን ሕድርን:- ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ዘለዎ ለበዋ ብምግባር ጥሪት ወይ ገንዘብ ንግምቢ ዘብዐኛ ኸተውርሳ ይከኣል እዩ: ወይ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ንብረት ሕድሪ ውዕል ተጠቃሚት ክትከውን ስም ኪመሓላለፈላ ይከኣል እዩ። ንሃይማኖታዊ ማሕበር ዚወሃብ ሕድሪ: ገለ ናይ ቀረጽ ምጕዳላት ኪህልዎ ይኽእል እዩ።

እቲ “ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ዚብል ስያመ ኸም ዚገልጾ: እዚ ዓይነት ወፈያታት እዚ ብወገን እቲ ዚውፊ ሰብ ገለ መደብ ምግባር ዚሓትት እዩ። ነቶም በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪውፍዩ ዚደልዩ ውልቀ-ሰባት ንምሕጋዝ: ቻሪታብል ፕላኒን ቱ በነፊት ኪንግደም ሰርቪስ ወርልድዋይድ እትበሃል ብሮሹር ብእንግሊዝኛን ብቛንቋ ስጳኛን ተዳልያ ኣላ። እታ ብሮሹር ውልቀ-ሰባት ሕጂ ወይ ምስ ሞቱ ብመልክዕ ውርሲ ኺውፍዩሉ ዚኽእሉ እተፈላለየ መገዲ ትሕብር እያ። ብዙሓት ነዛ ብሮሹር እዚኣ ብምንባብን ምስቶም ብዛዕባ ሕግን ግብርን ዜማኽርዎም ክኢላታት ብምምይያጥን ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዚፍጽምዎ ሃይማኖታውን ሰብኣውን ንጥፈታት ኪሕግዙ: ነቲ ኸምኡ ብምግባሮም ዚርከብ ናይ ምጕዳል ቀረጽ ረብሓታት ከኣ ኬዕብይዎ ኽኢሎም እዮም። ቅዳሕ ናይዛ ብሮሹር እዚኣ ብቐጥታ ን“ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ብምሕታት ኪርከብ ይከኣል እዩ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: በዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ኣድራሻ ጌርካ ወይ ድማ ናብቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምጽሓፍ ወይ ብምድዋል ምስቶም ኣብ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ዚሰርሑ ኣሕዋት ክትራኸብ ኣሎካ።

Charitable Planning Office

Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania

100 Watchtower Drive

Patterson, New York 12563-9204

Telephone: (845) 306-0707

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ሓድነት ዝመልኦ ጻዕርና: ኣብ መላእ ዓለም ውቁባት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንሃንጽ ኣኽኢሉና

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጋና እተሃንጸ ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ