ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መጽሓፍ መክብብ ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ መጽሓፍ መክብብ ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ መጽሓፍ መክብብ ዚጐልሕ ነጥብታት

ሓደ ኻብቶም ጥንታውያን ኣበው ዝዀነ እዮብ: “ሰብ: ውሉድ ሰበይቲ: ሓጺር ዕድመ: ጽጉብ ሓሳር እዩ” በለ። (እዮብ 14:1) ነታ ሓጻር ህይወትና ኣብ ዘይረብሕ ነገራትን ጻዕርታትን ከነባኽና የብልናን። እሞ ደኣ ግዜናን ጕልበትናን ጥሪትናን ኣበይ ኢና ኸነውዕሎ ዚግባእ፧ እንታይከ ኢና ኸነውግድ ዘሎና፧ ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ መክብብ እተመዝገበ ጥበብ ዝሓዘለ ቓላት: ኣብዚ መዳይ እዚ ጽቡቕ መምርሒ ይህበና እዩ። እቲ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ “ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን . . . ዚፈርድ” ከምኡውን ትርጕም ዘለዎ ህይወት ክንነብር ዜኽእለና እዩ።—እብራውያን 4:12

መጽሓፍ መክብብ በቲ ብጥበቡ ፍሉጥ ዝዀነ ንጉስ ሰሎሞን እተጻሕፈት ኰይና: ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወት ብሓቂ ጠቓሚ ዝዀነ ነገራትን ብዛዕባ እቲ ዘይረብሕ ነገራትን ግብራዊ ምኽሪ ዝሓዘት እያ። ሰሎሞን ነቲ ንሱ ዘካየዶ ገሊኡ ፕሮጀክትታት ህንጸት ስለ ዝጠቐሰ: መጽሓፍ መክብብ እቲ ፕሮጀክትታት ህንጸት ምስ ተፈጸመን ካብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ቕድሚ ምርሓቑን እዩ ጽሒፍዋ ኪኸውን ዘለዎ። (ነህምያ 13:26) ስለዚ ድማ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ቕድሚ 1000 ቅ.ክ.: ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ 40 ዓመት ንግስነት ሰሎሞን እያ ተጻሒፋ።

ከንቱ ዘይኰነ እንታይ እዩ፧

(መክብብ 1:1–6:12)

እቲ ሰባኺ ወይ ኣካቢ: “ኵሉ ኸንቱነት እዩ” በለ። “ሰብ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚጽዕረሉ ዅሉ ጻዕሪ እንታይ ረብሓ ይረኽበሉ፧” ኢሉ ድማ ሓተተ። (መክብብ 1:2, 3) እተን “ኸንቱ” ኸምኡውን “ኣብቲ ትሕቲ ጸሓይ” ዚብላ ቓላት ኣብ መጽሓፍ መክብብ ብተደጋጋሚ ይርከባ እየን። እታ “ኸንቱ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል: ቃል ብቓሉ “እስትንፋስ” ወይ “ሃፋ” ማለት ክትከውን ከላ: ረብሓ: ቀጻልነት: ወይ ነባሪ ዋጋ ንዘይብሉ ነገር ተመልክት። እታ “ኣብ ትሕቲ ጸሓይ” እትብል መግለጺ ኸኣ “ኣብዛ ምድሪ እዚኣ” ወይ “ኣብዛ ዓለም እዚኣ” ማለት እዩ። ስለዚ: ኵሉ—ማለት ንፍቓድ ኣምላኽ ዕሽሽ ብምባል ዚግበር ኵሉ ጻዕርታት ወድሰብ—ከንቱ እዩ።

ሰሎሞን “ናብ ቤት ኣምላኽ ክትከይድ ከሎኻ እግርኻ ሐሉ። . . . ኽትሰምዕ ምቕራብ ደኣ ይሐይሽ” በለ። (መክብብ 5:1) ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ የሆዋ ኣምላኽ ምጽማድ ከንቱ ኣይኰነን። እኳ ደኣስ: ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ቈላሕታ ምሃብ: ትርጕም ዘለዎ ህይወት ንኽንነብር ወሳኒ እዩ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:4-10—ባህርያዊ ዑደታት ብኸመይ እዩ ‘ጻዕሪ’ ዝዀነ፧ እቲ ሰባኺ ኻብቲ ኣብ ምድሪ ህይወት ንኺህሉ ዚሕግዝ ሓያሎ ነገራት: ሰለስተ መስርሓት ጥራይ እዩ ጠቒሱ፣ እዚ ኸኣ ጸሓይ: ኣገባብ ንፋስ: ከምኡውን ዑደት ማይ እዩ። ከም ሓቂ: ሓያሎ ባህርያዊ ዑደት ኣሎ: እዚ ድማ ኣዝዩ እተሓላለኸ እዩ። ሓደ ሰብ ነዚ ንምጽናዕ ዕድሚኡ ምሉእ እኳ እንተ ኣሕለፈ: ምሉእ ብምሉእ ኣይርድኦን እዩ። እዚ ብሓቂ ‘ጻዕሪ’ ወይ ኣድካሚ እዩ። ነዛ ሓጻር ህይወትና ምስዚ መወዳእታ ዘይብሉ ዑደታት ምውድዳር ዜበሳጩ እዩ። ሓድሽ ርኽበታት ንምርካብ ዚግበር ፈተነታት እውን ጻዕሪ እዩ። ከመይሲ: ሓድሽ ምህዞታት ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዘቘሞን ፍጥረት ኣቐዲሙ ኺጥቀመሉ ዝጸንሐን ስርዓታት እዩ ዚጥቀም ደኣ እምበር ሓድሽ ነገር የብሉን።

2:1, 2—ሰሓቕ “ዕሽነት” እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧ ሰሓቕ ንግዜኡ ሽግራትና ንኽንርስዕ ይሕግዘና ይኸውን: ፈንጠዝያ እውን ንጸገማትና ኣቕሊልና ኸም እንርእዮ ይገብረና ይኸውን። ይኹን እምበር: ሰሓቕ ንጸገማትና ኣየወግዶን እዩ። ስለዚ: ብሰሓቕ ኣቢልና ሓጐስ ክንረክብ ምጽዓር: “ዕሽነት” ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

3:11—ኣምላኽ “በብግዜኡ ጽቡቕ” ዝገበሮ ነገር እንታይ እዩ፧ ገለ ኻብቲ የሆዋ ኣምላኽ ብግዜኡ “ጽቡቕ” ወይ ግቡእን ጠቓምን ዝገበሮ ነገራት: ፍጥረት ኣዳምን ሄዋንን: ኪዳን ቀስተ ደመና: ኪዳን ኣብርሃም: ኪዳን ዳዊት: ምምጻእ እቲ መሲህ: ከምኡውን የሱስ ክርስቶስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ዝነገሰሉ ዅነት ኪጥቀስ ይከኣል። ይኹን እምበር: ኣብ ቀረባ ግዜ የሆዋ ዚገብሮ “ጽቡቕ” ነገር ኣሎ። እታ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ኣብቲ ግቡእ ግዜ ኸም እትመጽእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—2 ጴጥሮስ 3:13

3:15ለ—‘ኣምላኽ ነቲ ዝሓለፈ መሊሱ ዚደልዮ’ ብኸመይ እዩ፧ ‘እቲ ዝሓለፈ’ ዚብል መግለጺ: ነቲ ኣምላኽ ኪገብሮ ዝዓለሞ ነገር ኬመልክት ይኽእል እዩ። እቲ ተደጋጋሚ ዑደት ውልደትን ሞትን ከምኡውን ውግእን ሰላምን ንሰብ ሓይሊ ኸም ዘይብሉ ዀይኑ ኸም ዚስምዖን ታሪኽ ይደጋገም እዩ ኢሉ ኸም ዚሓስብ ዚገብሮን እኳ እንተ ዀነ: እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ግን ቃሕ ዝበሎ ነገር ኪደልን ኪፍጽምን ይኽእል እዩ። (መክብብ 3:1-10, 15) እታ ‘እቲ ዝሓለፈ’ እትብል መግለጺ ‘እቲ እተሳዕበ’ (NW) ተባሂላ እውን ክትትርጐም ስለ እትኽእል: ነቶም ብዙሕ ግዜ በቶም እኩያት ዚሰዓቡ ጻድቃን እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። ኣብዚ መዳይ እዚ: የሆዋ “ምእንቲ ኼጽንዖም” ይደልዮም እዩ።—2 ዜና መዋእል 16:9

5:9—“ጥቕሚ መሬት ንዅሉ” ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧ ኵሎም ተቐማጦ ምድሪ ኣብ “ጥቕሚ መሬት” ወይ ኣብቲ መሬት እተፍርዮ ነገር እዮም ዚምርኰሱ። ንጉስ እውን ብዘይ እዚ ኣይነብርን እዩ። ካብ ሕርሻኡ ምህርቲ ንኺረክብ: በቶም ንመሬቱ ዚዓዩ ጻዕራማት ኣገልገልቱ ኺግልገል ኣለዎ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:15 ነቲ ሎሚ እንርእዮ ጭቈናን ምጕዳል ፍትሕን ንምዕራይ ግዜኻን ጕልበትካን ምጥፋእ ከንቱ እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እያ ንእከይ ከተጥፍኦ እትኽእል።—ዳንኤል 2:44

2:4-11 ከም ስነ-ህንጻን ምክንኻን ኣትክልትን ሙዚቃን ዝኣመሰለ ባህላዊ ንጥፈታት ከምኡውን ጣዕሚ ዘለዎ ናብራ: ንህይወት ብሓቂ ትርጕም ከም ዚህልዋ ዚገብር ወይ ነባሪ ሓጐስ ዜምጽእ ብዘይምዃኑ: “ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ” እዩ።

2:12-16 ጥበብ ንገሊኡ ጸገማት ንምፍታሕ ስለ እትሕግዝ: ካብ ድንቍርና ትበልጽ። ሞት ምስ መጸ ግን: ጥበብ ሰብ ዋላ ሓንቲ ረብሓ የብላን። ሓደ ሰብ ብኸምዚኣ ዝዓይነታ ጥበብ ዝና እኳ እንተ ኣጥረየ: ነዊሕ ከይጸንሐ ይርሳዕ እዩ።

2:24፣ 3:12, 13, 22 ብፍረ ጻዕርና ምሕጓስ ጌጋ ኣይኰነን።

2:26 እታ ሓጐስ እተምጽእ ኣምላኻዊት ጥበብ: ነቲ ‘ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ሰብ’ እያ እትወሃብ። ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ከይሃለወና: ነዛ ጥበብ እዚኣ ምርካብ ኣይከኣልን እዩ።

3:16, 17 ኣብ ኵሉ መዳያት ፍትሒ ምጽባይ ክውንነታዊ ኣይኰነን። በቲ ሎሚ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ኣብ ክንዲ እንጭነቕ: የሆዋ ንኼዕርዮ ኽንጽበዮ ኣሎና።

4:4 ብሜላ ዚግበር ጻዕሪ ዕግበት ኬምጽእ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ንኻልኦት ንኽትበልጾም ኢልካ ዚግበር ጻዕሪ: መንፈስ ውድድር የስፍን: ተንኰልን ቅንእን ድማ የሕድር። ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እንገብሮ ጻዕሪ: ካብ ቅኑዕ ድራኸ እተላዕለ ኪኸውን ኣለዎ።

4:7-12 ካብ ስጋዊ ጥሪት ንላዕሊ: ሰብኣዊ ርክባት ዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ። ስለዚ: ሃብቲ ንምርካብ ተባሂሉ ነዚ ኽትስውኦ ግቡእ ኣይኰነን።

4:13 ደረጃን ዕድመን ኣኽብሮት የምጽእ ማለት ኣይኰነን። እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ብጥበብ ተግባሮም ኪገብሩ ይግባእ።

4:15, 16 “ካልኣይ ጐበዝ:” ማለት እቲ ወራስ ዓራት: ደገፍ እቲ “ንሱ ዚመርሖ ዝነበረ ህዝቢ” ይርከብ ይኸውን: “እቶም ብድሕሪኡ ዚመጹ ግን ብእኡ ኣይኪሕጐሱን እዮም።” እወ: ህቡብነት ነዊሕ ዚጸንሕ ኣይኰነን።

5:2 ጸሎትና እተሓስበሉን ኣኽብሮት ዜንጸባርቕን ደኣ እምበር: ቃላት ዝበዝሖ ኪኸውን የብሉን።

5:3-7 ኣብ ስጋዊ ጥሪት ጥራይ ምድሃብ: ብዛዕባ እቲ ስስዐ ዝመልኦ ትምኒት ብቐትሪ ኸም እትሓልም ይገብር። ከም እተዕለብጥን ብለይቲ ኸም እትሓልምን ብምግባር ከኣ ጥዑም ድቃስ ከም እትስእን ኪገብረካ ይኽእል እዩ። ቃላት ምብዛሕ ንሰብ ዓሻ ኼምስሎ ይኽእል: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብታህዋኽ ከም እትመባጻዕ ድማ ይገብር። ‘ንኣምላኽ ምፍራህ’ ነዚ ዅሉ ንኸይንገብር ይዓግተና።

6:1-9 ሃብቲ: ክብሪ: ነዊሕ ዕድመ: ከምኡውን ዓብዪ ስድራቤት ዘሎና ኽነስና: ብሰንኪ ዅነታትና ዘይንሕጐሰሉ እንተ ዄንና: እንታይ ይዓብስ፧ “ካብ ብትምኒት ምቕብዝባዝ:” ማለት ካብ ንኸተማልኦ ዘይከኣል ባህጊ ኸተዕግብ ምጽዓር: “በዒንቲ ምጥማት” ወይ ንኽውንነት ምቕባል ይሓይሽ። እምበኣር: ‘ብቐለብን ክዳንን’ ዓጊብካ: ኣብ ህይወት ብእትረኽቦ ጽቡቕ ነገራት ምሕጓስን ምስ የሆዋ ዘሎካ ጥብቂ ርክብ ኣብ ምዕቃብ ምትኳርን: ብሉጽ ህይወት እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 6:8

ንጥበበኛ እተዋህበ ምኽሪ

(መክብብ 7:1–12:8)

ነቲ ጽቡቕ ስምና ብኸመይ ክንሕልዎ ንኽእል፧ ንሰብኣውያን ገዛእትን ነቲ እንርእዮ ምጕዳል ፍትሕን እንታይ ኣረኣእያ ኺህልወና ይግባእ፧ ምዉታት ገለ እኳ ዘይፈልጡ ስለ ዝዀኑ: ሕጂ ንህይወትና ብኸመይ ክንጥቀመላ ኣሎና፧ መንእሰያት ግዜኦምን ጕልበቶምን ከመይ ገይሮም እዮም ብጥበብ ኪጥቀሙሉ ዚኽእሉ፧ እቲ ሰባኺ ብዛዕባ እዝን ብዛዕባ ኻልእ ነገራትን ዝሃቦ ጥዑይ ምኽሪ: ኣብ መክብብ ምዕራፍ 7 ኽሳዕ 12 ተመዝጊቡ ኣሎ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

7:19—ጥበብ “ካብ ኣብ ከተማ ዘለዉ ዓሰርተ ስልጡናት” እትብርትዕ ብኸመይ እያ፧ ቍጽሪ ዓሰርተ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሳልያዊ መገዲ ኺዕየየላ ኸሎ: ንምልኣት ተመልክት። ሰሎሞን እቲ ጥበብ እተምጽኦ ዕቝባ: ካብቶም ንኸተማ ዚሕልዉ ምሉኣት ተዋጋእቲ ዚበልጽ እዩ ዚብል ዘሎ።

10:2—ልቢ ሰብ “ኣብ የማኑ” ወይ “ኣብ ጸጋሙ” ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ የማናይ ኢድ መብዛሕትኡ ግዜ ንሞገስ ስለ ዜመልክት: ልቢ ሰብ ኣብ የማን ምዃን ኪበሃል ከሎ: ልቡ ጽቡቕ ንኺገብር ይድርኾ ማለት እዩ። ሓደ ውልቀ-ሰብ ጌጋ መገዲ ንኺስዕብ እንተ ተደሪኹ ኸኣ: ልቡ ብጸጋሙ ኣላ ይበሃል።

10:15—‘ዓያሱ ጻዕሮም ዜድክሞም’ ብኸመይ እዩ፧ ሓደ ሰብ ጽቡቕ ገይሩ ዘየመዛዝን እንተ ዀይኑ: ጻዕሩ ዚረብሕ ነገር ኣየፍርን እዩ። ካብኡ ድማ ዕግበት ኣይረክብን። ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕሪ: ድኻም ጥራይ እዩ ዜምጽእ።

11:7, 8—“ብርሃን ጥዑም እዩ: ኣዒንቲ ንጸሓይ ኪጥምታኣ ኸለዋ ኸኣ ባህ ይብለን” ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ብርሃንን ጸሓይን ንህያው ዘበለ የሐጕሶ እዩ። ኣብዚ ሰሎሞን ብህይወት ምንባር ጽቡቕ ምዃኑ ኸምኡውን መዓልትታት ጸልማት ወይ እርጋን ንጕልበትና ኸየዳኸሞ ኸሎ ‘ኽንሕጐስ’ ከም ዘሎና እዩ ዚገልጽ ዘሎ።

11:10—“ንእስነትን ብጽሕነትን” ከንቱነት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብዚግባእ እንተ ዘይተጠቒምናሉ: መዓልትታት ንእስነትና ኸም ሃፋ ቐልጢፉ ስለ ዚጠፍእ: ከንቱ እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

7:6 ኣብ ዘይግቡእ ግዜ ዚግበር ሰሓቕ: ከምቲ ኣብ ትሕቲ ቝራዕ ጣዕጣዕ እናበለ ዚነድድ እሾኽ ዜሕርቕን ዘይጠቅምን እዩ። ካብዚ ኽንጥንቀቕ ኣሎና።

7:21, 22 ብዛዕባ እቲ ኻልኦት ዚብልዎ እምብዛ ኽንጭነቕ የብልናን።

8:2, 3፣ 10:4 ሓለቓና ወይ ኣስራሒና ኺነቕፈና ወይ ኪእርመና ኸሎ: ህድእ ክንብል ኣሎና። ‘ተሃዊኽና ኻብ ገጹ ኻብ ምርሓቕ:’ ወይ ስራሕና ኻብ ምግዳፍ ህድእ ምባል ይሓይሽ።

8:8፣ 9:5-10, 12 ህይወትና ኸምቲ ብመርበብ ዚግፈፍ ዓሳ ወይ ብመፈንጠራ እትፍንጠር ዑፍ ብሃንደበት ክትጠፍእ ትኽእል እያ። ብዘይካዚ: ምስ ሞትና ነቲ ሓይሊ ህይወትና ኻባና ንኸይከይድ ዚገብሮ ዋላ ሓደ የልቦን: ካብቲ ሞት ኣብ ደቅሰብ ዝኣወጆ ውግእ ሓራ ኪኸውን ዚኽእል እውን የልቦን። ስለዚ: ግዜና ኸነባኽን የብልናን። የሆዋ ንህይወት ኣኽቢርና ኽንርእያን ብግቡእ መገዲ ባህ ኪብለናን እዩ ዚደሊ። ነዚ ንምግባር: ንኣገልግሎት የሆዋ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ኽንህቦ ኣሎና።

8:16, 17 ኣምላኽ ኣብ ደቅሰብ ዝገበሮን ኪኸውን ዘፍቀዶን ነገራት: ዋላ እውን ድቃስ እንተ ሰኣንናሉ ኽንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። ብዛዕባ እቲ ዅሉ እተፈጸመ ጌጋ ምጭናቕ: ሓጐስና ጥራይ እዩ ዜጥፍኣልና።

9:16-18 መብዛሕትኡ ንጥበብ ኣኽቢሩ ኣብ ዘይርእየሉ እዋን እኳ እንተ ዀነ: ጥበብ ኣኽቢርካ ኽትርአ ኣለዋ። ሓደ ጥበበኛ ሰብ ብህድኣት ዚዛረቦ ቓላት: ካብቲ ዓሻ ዚጭድሮ ጭድርታ ንላዕሊ ይምረጽ።

10:1 ብዘረባናን ብተግባርናን ክንጥንቀቕ ኣሎና። ብቝጥዓ ዚዝረብ ዘረባ: ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕ: ወይ ኣብ ርኹስ ጾታዊ ተግባር ምስታፍ ሓንሳእ ጥራይ እኳ እንተ ተገብረ: ከምዚ ዝኣመሰለ ንእሽቶ ዕሽነት: ንጽቡቕ ስም ሓደ ሕፉር ሰብ ንምብልሻው እኹል እዩ።

10:5-11 ዘይብቑዕ ብዓል መዓርግ ኣየቕንእን እዩ። ቀለልቲ ዕማማት ኣብ ምፍጻም እኳ ኸይተረፈ ዘይብቑዕ ምዃን: ሕማቕ ሳዕቤን ኣለዎ። እንተዀነ ግን: ‘ጥበብ ንምስላጥ’ ይጠቅም። ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮን ብቑዓት ክንከውን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!

11:1, 2 ብምሉእ ልብና ናይ ምልጋስ ልምዲ ኺህልወና ኣለዎ። ከምዚ ብምግባርና ድማ ይልገሰልና።—ሉቃስ 6:38

11:3-6 ኣብ ህይወት ዘሎ ዘየተኣማምን ነገራት: ተማታእቲ ኺገብረና የብሉን።

11:9፣ 12:1-7 መንእሰያት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተሓተትቲ እዮም። ስለዚ: እርጋን ከየድከሞም ከሎ: ግዜኦምን ጕልበቶምን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ኬውዕልዎ ኣለዎም።

“ቃላት ጠቢባን” ይመርሓና 

(መክብብ 12:9-14)

እቲ ሰባኺ ኺረኽቦን ኪጽሕፎን ዝደለዮ “ባህ ዜብል ቃላት” ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧ ከምቲ ሰብኣዊ ጥበብ ዝሓዘ ‘መወዳእታ ዘይብሉ መጻሕፍቲ’ ኣይኰነን፣ የግዳስ “ቃላት ጠቢባን ከም ሽካል እዩ: ንሱ ኸኣ ብእኩባት መምህራን ኣጸቢቑ እተሸንከረ ሽንካራት እዩ: ብሓደ ጓሳ እተዋህበ ኸኣ እዩ።” (መክብብ 12:10-12) እቲ በቲ “ሓደ ጓሳ:” የሆዋ: እተዋህበ ቓላት ጥበብ: ንህይወትና የርግኦ እዩ።

ነቲ ኣብ መጽሓፍ መክብብ ዚርከብ ጥበባዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓል: ትርጕም ዘለዎን ሓጐስ ዝመልኦን ህይወት ንኽንመርሕ ከም ዚሕግዘና ዜጠራጥር ኣይኰነን። ብዘይካዚ: “ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ዚፈርሁ ፈራህቲ ኣምላኽ ሰናይ ከም ዚዀነሎም” መረጋገጺ ተዋሂቡና እዩ። እምበኣር: ነቲ “ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ” ዚብል ለበዋ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ጽኑዓት ንኹን።—መክብብ 8:12፣ 12:13

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ኻብቲ ዝጸበቐ ግብርታት ኣምላኽ ኣብቲ ግዜኡ ኺገሃድ እዩ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ምግብን መስተን ብጻዕርና ጽቡቕ ምርኣይን ውህበት ኣምላኽ እዩ